ዓቢይ ጾም (ጾመ ኣርብዓ)

በስመ አብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ አሐዱ አምላኽ አሜን።

ብናይ ቅድስት ቤተ ክርስትያና ሥርዓት መጽሓፍ ቅዱስ መሠረት ዘለዎ "ጾም" ናይ ውልቂ (ፍቓድ) ጾምን፥ ናይ  ኣዋጅ ጾመን ተባኂሉ ኣብ ክልተ ይምደብ። ብኣበ ነፍስኻ ዝወኃበካ ጾምውን ኣሎ እዩ። እዚ ምስቲ ናይ ውልቂ ጾም ዝበልናዮ ክምደብ ዝክኣል እዩ። ኣብ ቅድስት ቤተ ክርስትያና ኩሉ ክጾሞም ብኣዋጅ ዝንገሩ ናይ ኣዋጅ ኣጽዋማት ሸውዓተ (7) እዮም። ንሳቶም ከኣ÷"ጾመ ኣርብዓ (ዓቢይ ጾም)፥ ጾመ ድኅነት (ረቡዕን ዓርብን)፥ ጾመ ሓዋርያት፥ጾመ ፍልሰታ፥ጾመ ነብያት፥ ጾመ ገሃድ፥ ጾመ ነነዌ"እዮም። ኣብዚ ተጠቒሱ ንርእዮ ከም ዘለና እምበኣር ቅድስት ቤተ ክርስትያና ኩሉ ምእመናን ክጾሞም ካብ ዝሠርዓቶም ናይ ኣዋጅ ኣጽዋማት ሓደ" ጾመ ኣርብዓ ወይ’ውን ዓቢይ ጾም"እዩ። ወቕታዊ ዘሎ ንሱ ብምዃኑ ሕጂ እንርእዮ’ውን ብዛዕባ "ጾመ ኣርብዓ እዩ ክኸውን። ቅድሚኡ ግን መጀመርታ ናይ" ጾም"ትርጉምን ካብ" ጾም"ዝርከብ ጥቕምታትን ምፍላጥ ስለዝግባእ ኣቀዲምና ትርጉም ጾምን ጥቕምታቱን ኣብ ዝብል ክንርኢ።
ጾምን ጥቕምታቱን
ሀ/  ናይ ጾም ትርጉም÷
    ጾም ማለት "ጾመ" ካብ ዝብል ናይ ግእዝ ግሲ ዝተረኽበ ኮይኑ፥ ትርጉሙ ከኣ"ንዝተወሰኑ ሰዓታትን መዓልታትን ካብ ዝዀነ ዓይነት መብልዕን መስተን ተኸልኪልካ ምዉዓልን ምሕዳርን"ማለት እዩ። ብፍላይ ድማ ቅድስት ቤተ ክርስትያን ብዝወሰነቶ መሠረት÷ጾም ኣብ ዝተፈልጠ መዓልትን ሳምንታትን ወርሓትን ንዝተወሰኑ ሰዓታት ካብ ሥጋን መስተን ጥልላትን ምሕራም (ሙጻም) ዘጠቓልል እዩ (ኢሳ 4፥16,ዳኒ10፥1-3,ዘዳ 9፥9)።ናይ ቤተ ክርስትያና ናይ ሕግን ሥርዓትን መጽሓፍ ዝኾነ ፍትሐ ነገስት÷ “ ጾምሰ ተከልኦተ ብእሲ እመብልዕ በጊዜ እዉቅ በዉስተ ሕግ ።”ይብል። ጾም፥ኣብ ዝተፈልጠ ግዜ "ሰብ" ምግቢ ካብ ምብላዕ ዝሕለዎ ምኽልካል እዩ። ማለት እዩ። ሓደ’ውን "ከሊኣ ብእሲ"ይብል ጾም ንሰብ ካብ ምግቢ ምኽልካል እዩ። እዚ’ዉን ዋግኡ ንምብዛሕ ባዕሉ ፈትዩ ሕጊ ንዝሠርዓሉ እናተኣዘዘ፥ኃይሊ ፍትወታቱ ምእንቲ ከደክም(ሥጋዊ)፡ ንነባቢት ነፍስ ምእንቲ ክትእዘዝ እዩ። መጽሓፍ ቅዱስ"ትምኒት ሥጋ ምስ መንፈስ መጻርርቲ እዩ፥መንፈስ ከኣ ምስ ትምኒት ሥጋ መጻርርቲ እዩ። ስለዚ ነቲ እትደልይዎ ምእንቲ ኸይትገብሩ ክልቲኦም መጻርርቲ እዮም። "ይብል። (ገላ5፥17)። ስለዚ "ጾም" ማለት ሥጋኻ ካብ ዝደልዮን ዝፈትዎን  ዘበለ ነገር ምኽልካል፥ ከምኡ’ውን ዝያዳ ኣብ መንፈሳዊ ነገር ኣተኩሮ ምግባርን ብእኡ ምንቃሕን ማለት እዩ።
      ቅድስት ኦርቶዶክሳዊት ተዋህዶ ቤተ ክርስትያና ኣብ ግዜ ወርሓት ጾም ንናይ ጾም ትርጉም፥ጥልላት መባልዕ ካብ ምምጋብ ምኽልካል ኢላ ጥራይ ኣይትውስኖን እያ፥ እንታይ ደኣ ሓደ ሰብ ይጸዉም ኣለኹ ይብል እንተድኣ ኣሎ፥ እሞ ድማ ጾሙ"ፍሬ ዘለዎን ብእግዚኣብሔር ዝተፈትወ ቅኑዕ ጾምን ክኸውን እንተደኣ ኮይኑ"ኩሉ ሕዋሳቱ ክጸዉምን ምግባረ ትሩፋት ክህልዎን  ይግባእ"ዝብል’ውን ቀንዲ ምኽራን ትምህርታን እዩ።ባዕልኹም እስከ ፍረዱ፥ሰባት ንዝተወሰነ ግዝያት ካብ ጥልላት መባልዕ ጥራይ እናጾሙ ወይ’ውን ተኸልኪሎም፥ዝሓምዩ፡ዝበኣሱ፡ዝጻረፉ፡ዝሰርቁ፡ዝሕስዉ፡ዝሰኽሩ………ወዘተረፈ እከይ ሥራሕን ንሰባት ዘሕዝን ተግባርን እንተሠርሑ፥ ካብ"እኽሊ ወይዉን ጥልላት ይጸዉም ኣለኹ ማለት እንታይ ይጠቕሞም?ብርግጽ እዚኣቶም"ብርኃብ ንሥጋኦም፡ብኽፉእ ተግባሮም ድማ ንነፍሶም ጎዲኦም ይበኃሉ እምበር"ጾይሞም፥ኣምልኾ ፈጺሞም"ኢልካ ኣይምስገኑን። (ኢሳ58፥3-12)ተመልከት።
ናይ ቤተ ክርስትያና ሊቕ ኣቦ ቅዱስ ያሬድ ኣብ ናይ ጾመ ድጓ ድርሰቱ÷  “ ዓይን ይጹም እምርእየ ሕሱም፥ዕዝን ይጹም እምሰሚዐ ሕሱም፥ልሳንኒ ይጹም እምተናግሮ ሕሱም። ” ብማለት እንጾሞ ጾም እንታይን ከመይን ክኸዉን ከም ዘለዎ ዘርዚሩ ኣመልኪቱና ኣሎ። ዓይኒ ዘይግብኣ ሕማቕ ነገራት ካብ ምርኣይ ትከልከል፥እዝኒ ድማ ኽፉእ ካብ ምስማዕ ትርሓቕ፥ ልሳን እዉን ሕማቕ ካብ ምዝራብ ትቆጠብ ማለት እዩ።እቶም ቀደምት ፍጥረት ደቂ ሰባት ዝኾኑ ኣዳምን ሄዋንን ዝሰሓቱ በዞም ሕዋሳት እዚኣቶም እዮም።ንሳቶም፥ምኽሪ ዲያብሎስ ብኣእዛኖም ሰሚዖም፥በዚ መሠረት ድማ ነታ ከይበልዕዋ ዝተነግረቶም ፍሬ ኦም ብዓይኖም ርእዮም ብልቦም ተመንዮም፥ብእግሮም ከይዶም፡ብኢዶም ቀንጢቦም ብምብላዕ ሓጢኣት ጌሮም ካብ ኣምላኾም ርሓቑን ተፈልዩን። ስለዚ ነዚ ተረዲእና፥ዓይንና ሠናይ ክንርእየሉ፥ኢድና ክንምጽዉተሉ፥እግርና ናብ ቤተ እግዚኣብሔር ክንከደሉ፥ልሳና ጽቡቕ ክንዛረበሉን ከነመስግነሉን፥እዝንና ስብሐታተ እግዚኣብሔር ክንሰምዓሉ፥ልቡናና ጽቡቕ ነገር ክንሓስበሉ ይግባእ።
ጾም ኣብ ክልቲኡ ኪዳናት ብቐዳምነት ተሰሪዑ ዘሎ ናይ መጀመርታ ሕጊ እዩ።እዚ ዝኾነሉ ምኽንያት ከኣ÷"ጾም"ሕጊ ጥራይ ዘይኮነስ፥ንሕና ክንጥቀመሉን ክንረብሓሉን፥ካብ ልዑለ ባህርይ ቅዱስ እግዚአብሔር ዝተዋኅበና ጸጋን በረኸትን ስለዝዀነን’ውን እዩ።
   
ለ/  ጾም ዝህቦ ጥቕምታት
 ሓደ ክርስትያን ቅድስንኡ ኃልዩ፥ምስ እግዚአብሔር ጸኒዑ ንምንባርን ካብ ብዙሕ ዝዓይነቱ ዝተፈላለየ ፈተናታትን ናይ ሰይጣን ናይ ጥፍኣት መፈንጥራ ፍሕሶታትን ተቓዊሙ ክኽእልን እንተ ደኣ ኮይኑ፥ግድን ጾም የድልዮ።ጾም ንሥጋና ልጋም፥ንነፍስና መንፈሳዊ ኃይልን ብርትዐን ኩምኡ ድማ ምስቶም ተጻረርትና ዝኾኑ ኣጋንንቲ ተዋጊእና እንሥዕረሉ ጽኑዕ መንፈሳዊ መሳርያና ብምዃኑ፥ዘይጸውም ሰብ ንሱ ነቲ ብዘይመሳርያ ዕጥቂ ናብ ዓውደ ውግእ ዝስለፍ ሰነፍ ሠራዊት ይመስል።ኩሉና ከም እንፈልጦ፥ሓደ ሠራዊት ብዘይመሳርያ ናብ ዓውደ ውግእ እንተ ደኣ ተሰሊፉ መወዳእትኡ ጥፍኣት እዩ ዝኸውን።ጽቡቕ ስም’ውን ኣይረክብን እንትርፎ ሰነፍ።እቲ ዘይጸውም ሰብ እውን ንፈተና ዝተቓልዐን ብቐሊሉ ዝጥቃዕን ስለዝኸውን ናይዚ መወዳእታውን ከምኡ ጥፍኣት እዩ።ብእግዚአብሔር’ውን መጎስ የብሉን።ስለዚ ጾም ኣብ ሕይወት ሓደ ክርስትያን ኣዝዩ ወሳኒ ነገር እዩ ማለት እዩ።

    ገለ ገለ ሰባት ግን፥ብጾም ንዝርከቡ ጥቕምታት  ብዘይምርዳእን ከንቱ ንምግባርን"ብኣዋጅ ኮነ ብውልቒ ንዝፍጸሙ ኣጽዋማት ንጸውም ኢና፥ነገር ግን ብምጻምና ዝኾነ ዓይነት ጥቕሚ ዝረኸብና ኣይመስለናን" ዝብሉ ኣይተሳእኑን።እዚ ካብቶም ብዝግባእ ትርጉም ናይ ጾም ዘይፈለጡን ብሥጋ ጥራይ ዝጸሙን ዝወጽእ ቃል እዩ።ጸሞም ገና ክጅምር ብዝተሰሓሓተ መንገዲ ስለዝኸውን ከኣ ከምቲ ዝብልዎ ክኸውን ይኽእል እዩ።ናይ ጾም ትርጉም እንተዘይፈለጥካ፡ኣብ ግዜ ወርሓት ጾምን ቅድሚኡ ዘሎን እውን ኣብቶም ንጾም ዝዕጅቡን ትርጉማ ዘነጽሩ ሠናይ ተግባራትን፡ኣተኩሮ ዘይትገብር እንተ ደኣ ኰይንካ ምጻምካ ከንቱ እዩ ዝኸውን። ምንም ዝህበካ ጥቕሚ ድማ የብሉን።ስለዚ ቅድሚ ምጻም መጀመርታ ትርጉምን ጥቕምታትን ናይ ጾም ምፍላጥ የድሊ።

  እምበኣር ጾም ምስ እግዚአብሔር ንዘለና ተፈታዊነት ዝያዳ እነበርትዓሉ ዓሚቕ ዝኾነ ናይ መንፈሳዊነት ግዜ ብምዃኑ፥ጾም ፍጹምነት ረኺባ ካብ እግዚአብሔር በረኸት ክንረኽበላን ተጠቐምቲ ክንከውንን እንተ ደኣ ኰይኑ፥ምስ'ቶም ኣዕሩኽ ጾም ዝበኃሉ ምስ እትተሓባበር ምዃኑ ከነስተውዕል ይግባእ። ንሳቶም ከኣ÷   

 ፍቕሪ፥ ንስሓ፥ ኣርምሞ፥ ምጽዋት፥ ጸሎት፥ ስግደት…… እዮም። ብዛዕባዚ ኣመልኪቱ ቅዱስ ዮሓንስ ኣፈወርቅ "ጾም" ምስ ምጽዋት፡ጸሎት፡ስግደት እንተ ደኣ ኮይኑ፥'ናውቲ ኵናት  እዩ"ኢሉ ኣሎ።ስለዚ መጀመርታ" ጾምና"ነዞም ነገራት እዚኣቶም ዘማልአ ምዃኑ ርግጸኛታት ክንከውን ኣሎና።ከመይሲ ጾም ዝህቦ ጥቕምታት ክንብል እንከሎና ነዞም ኣብ ላዕሊ ተጠቒሶም ዘለው ዘማልአ ጾም ማለትና ስለዝኾነ።
ሓቀኛ"ጾም"ዝህቦ ጥቕምታት እምበኣር ካብ ብዙሕ ውሑድ፥ካብቲ ነዊሕ ድማ ሕጽር ብዝበለ መልክዑ ከምዚ ዚስዕብ ንርአ።

1/ "ጾም" ሰብ ፈቃደ ሥጋኡ ገቲኡ ንነባቢት ነፍሱ ዘግዝኣሉ መንፈሳዊ ልጋም እዩ። እዚ ማለት"ሰብ"ንሰብነቱ(ሥጋኡ) ብጾም ዝቐጽዕን ዘድክምን እንተ ደኣ ኰይኑ፥ኩሉ ትምኒታት ሥጋኡ ስለዝርሕቐሉ፥ ፍቓደ ነፍሱ ይብርትዕ እሞ ኣብ መንፈሳዊ ተግባራት ይጽመድ፥ካብ ንሥጋኡ ዝያዳ ንነፍሱ ብምምጋብ ስለዝነቅሕ ከኣ፥ንሱ ብናይ ጾም ልጋምነት ንፈረሰ ፍትወታት ሥጋኡ ዝገትአ ብልኂ ሰብ ይኸውን ማለት እዩ። ሓጢኣት ኣብኡ ክትስልጥንውን ዓቕሚ ኣይትረክብን። ነዚ ከኣ ሊቀ ሓዋርያት ቅዱስ ጴጥሮስ ኣብ ቀዳመይቲ መልእኽቱ÷"እምበኣር ክርስቶስ ብሥጋኡ ተሳቕዩ እዩ። ሓደ ሰብ ብሥጋኡ ምስ ተሳቐየ ሓጢኣት ኣይገብርን እዩ እሞ፡ንስኻትኩም’ውን በዚ ሓሳብዚ ተዓጠቑ። ሽዑ በቲ ኣብ ምድሪ ኽትነብሩሉ ዝተዋህበኩም ተሪፉ ዘሎ ሕይወትኩም ፍቕድ ኣምላኽ እምበር ትምኒት ሥጋኹም ኣይክትገብሩን ኢኹም። " ክብል ኣጉልሒዎን ኣነጺርዎን ኣሎ (1ይጴጥ4፥1-2)። ስለዚ"ጾም"ንፍቓድ ሥጋና ገቲእና መፈስና እነጽንዓሉ፥ንነፍስና ኣበርቲዑ ድማ ከም ፍቓድ ኣምላኽ ክንመላለስን ክነብርን ዝገብር ኣዝዩ ዓቢይን ወሳንን ዝዀነ እዩ።

2/ "ጾም"ቑስሊ ነፍስ ዝፍውስ፥ኃይሊ ፍትወታትካ ኣዳኺሙ ድማ ኣርምሞን ትሕትናን ዝምህር ጽኑዕ መድኃኒተ ነፍስ እዩ። ነዚ ኣመልኪቱ፥ናይ ቤተ ክርስትያና ዓቢይ ሊቕ ቅዱስ ያሬድ"ጾም ትፌውስ ቁስለ ነፍስ ወታጸምም ፍትወታተ ዘሥጋ"ኢሉ ኣሎ።"ጾም"ቁስሊ ነፍስ ትፍውስ፥ተድላ ናይ ሥጋ ድማ ተጥፍእ'ማለት እዩ።ልበ ኣምላኽ ዝተሰምየ ቅዱስ ዳዊት"ብጥሜት ኣብራኸይ ጠለመኒ፥ሰብነተይ ከኣ ዓረበ"ማለቱውን"ጾም"ፍትወታት ጾርካ ዘርሕቕ፥ ጉልበትካ ዘድክም ኃይሊ ምኻኑ ዘነጽር እዩ። (መዝ109፥24)። ሓደ ሰብ ዘይጸውም እንተ ደኣ ኮይኑ ግን ጽጋብ ጾሩ ከቢድ ስለዝኾነ ሠናይ ተግባር ካብ ምሥራሕ ጥራይ ዘይኮነ፡ብኽሕደት ካብ ኣምላኹ ክሳዕ ከርሕቖውን ተኽእሎ ኣሎ።ጽጋብ ንእስራኤል ዘሥጋ ነቲ ንባሕሪ ከፊሉ ዘስገሮም ኣብ ምድረ-በዳውን ሰማያዊ መና ብምምጋብን ሓቒቕ ማይ ብምስታይን ኣባታዊ ረዲኤቱ ዘይተፈልዮም ኣምላኽ ኣቦታቶም ቅዱስ እግዚአብሔር ክክሕድዎ ጌርዎም እዩ።እቲ ቃል "ህዝቢ እስራኤል ምስ ሃጠረን ……ሰብሐን ……ንኣምላኹ ሓደገን ረስዖን ንዘይፈልጥዎም ጣኦታትን ብባህሪኦም ኣምላኽነት ንዘይብሎምን ሠውኡ። "ይብል። (ዘዳ32፥15-18) ተመልከት።
ካብዚ ብጾም እንረኽቦ ጥቕምን ብዘይምጻምና ዘስዕበልና ጉድኣትን ምርዳእ ይከኣል።

3/ "ጾም" ንኃይሊ ኣጋንንቲ እተድክመሉን እትሥዕረሉን ናይ መንፈሳዊ ናውቲ ኵናት እዩ።"ጾም"ሓደ ካብቲ ምስ'ቶም ናይ ጸልማት ገዛእቲ ዝዀኑ ረቀቕቲ ኣጋንንቲ ተዋጊእና ኃይሎም እነዳኽመሉን እንስዕረሉን መንፈሳዊ መሳርያና እዩ። ነዚ ከኣ ናይ ክብሪ ኹሉ በዓል ቤት ናይ ፍጥረታት ጐይታ ዝኾነ ክርስቶስ ብተግባር ምኂሩና እዩ። ማቴ4፥1-። ብኻልእ እዋናት እውን"እዚ ከምዚ ዝኣመሰለ ዓይነት(ጋኔን) ግና  ብጸሎትን ብጾምን እንተዘይኰይኑ ኣይወጽእን እዩ። "ክብል" ጾም"ንኣጋንንቲ ዝግስጽን ዘርሕቕን ምዃኑ ኣረዲኡ እዩ። ስለዚ "ጾም" ንኣጋንንቲ እንሥዕረሉ ፍላጻናን ጽኑዕ ዋልታናን እዩ።

4/ "ጾም" ሰብ ንመላእኽቲ መሲሉ ዝነብረላ ናይ ንጽህና ሕይወት እያ። ልዑለ ባህሪይ ቅዱስ እግዚአብሔር" ከም ምስሉን መልክዑን ሰብ ምስ ፍጠረ፥ብኽብሪ ኣብ ገነት ኤዶም ኣስፊሩ ሕጊ ሰርዓሉ። እታ ዝሃቦ ሕጊ ከኣ "እቲ ካልእ ተፈቒዱካ እዩ ካብዚኣ ግን ኣይትብላዕ ማለት ጹማ" ትብል እያ። ከምዚ ጌርሩ ከኣ በታ ሕጊ ተማእዚዙ  ንጽህናኡ ሓልዩ ከም መላእክቲ ብቕድስና እናኣመስገነ ክነብር ሓደጎ።ኣዳምውን ንግዚኡ ተቐቢሉ ከም ዝተባህሎ ክሕልዋ ጀመረ። ሓልዩዋ ከብቅዕ ድሕሪ ሸውዓተ ዓመት ግን ብኽፉእ ምኽሪ እቲ ጸላኢ"ጾም"ዝኾነ ድያብሎስ ተታሊሉ፥ነታ ከይበልዓ ዝተነግረቶ በሊዑ "ብምጻም" ተሓልዩ ዝነበረ  ባህሪይ ንጽህናኡ"ብዘይምጻም"ኣጥፍኦ።ኣብቲ ዳሕራይ ዘመን እግዚአብሔር ወልድ ብዝተፈለየ ኣካሉ ሰብ ኮይኑ ንዓና ከድሕን ናብዛ ዓለም ምስ መጽአ ግን 40 መዓልትን 40 ለይትን ጾይሙ ክሒስዎ እዩ።እወ ብመብልዕ ምኽንያት ተሳዒሩ ንዘጥፍኣ ክብሪ "ብጾም" ምኽንያት ንናይ ጥንቲ ጸላኢኡ ዝኾነ ድያብሎስ ስዒርሉ እዩ።ከምቲ መጀመርታ ክፈጥሮ እንከሎ"ጾም"ዝሰርዓሉ ድሓር ንዕኡ ንምድኃን ሰብ ምስ ኮነውን ከምኡ"ንጾም"መጀመርታ ገበራ።እዚ ኸኣ ንጽህና ኣብ ምሕላው" ጾም "ክሳዕ ክንደይ ጠቓሚ ምዃኑ ምእንቲ ከረድእ ኮነ።

5/ "ጾም"ብንስሓ ናብ እግዚአብሔር ክትምለስ ይረድእ። "ጾም" ናይ ጣዕሳን ሓዘንን ምልክትውን እዩ።ሓደ ጸዋሚ ዘርእዮ ጣዕሳን ሓዘንን ከም ፍቓድ ኣምላኽ እንተ ደኣ ኮይኑ ናብ ድሕነት ዘብጽሕ ንስሓ የስዕበሉ(2ይቆሮ7፥10-11)።ንስሓ ማለት ድማ ናብ እግዚአብሔር ምምላስ ማለት እዩ።ነቢይ እግዚአብሔር ቅዱስ ኢዩኤል "እግዚአብሔር'እምበኣር ሕጂ’ውን ብጾምን ብብኽያትን ብቑዝማን ብምሉእ ልብኹም ናባይ ተመለሱ።ክዳንኩም ዘይኮነስ ልብኹም ደኣ ቕደዱ። " ይብል ኣሎ ኢሉ(ኢዩ2፥12-13) "እቲ ትኽክል ናብ እግዚአብሔር ምምላስ፥ክዳን ምቕዳድ ወይውን ኣፋዊ ልሳን ብዝኾነ ዘይኮነስ ንርእስኻ ብጾም ኣሕሲምካን  ብፍጹም ጣዕሳ ምሉእ ልብኻ ኂብካን ምኻኑ የረድእ።ነዚ ከኣ ናይ ሰብኣ ነነዌ ታሪኽ እኹል መረዳእታ እዩ። (ት.ዮናስ3፥1-10) ተመልከት።

6/ "ጾም"ናይ ሠናይ ምግባራት ኩሉ መጀመርታ እዩ።ካብ ጥንቲ ፍጥረት ሰብ ካብ ኣዳም ጀሚሩ፥"መብልዕ ንኃጢኣት ምኽንያትን መጀመርታን ከም ዝኾነ፥ከምኡ ጾም ድማ ንምግባረ ጽድቅን ትሩፋትን መሠረትን መጀመርታን እዩ።ነዚ ከኣ" ሎቱ ስብሐት"ባዕሉ ኣምላኽናን መድሓኃኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ቅድሚ ትምህርተ ወንጌሉን ገቢረ ተኣምራቱን ኣቐዲሙ ብምጻም ምሂሩና እዩ።ድሕሪኡ እንተኾነውን ሓዋርያቱ ጐይታኦም ከም ዝመሃሮም ንዕኡ ኣብነት ጌሮም ቅድሚ ዝኾነ ይኹን ተግባሮም ብጾም እዮም ጀሚሮም። (ግ.ሓዋ. 13፥1-3,ማቴ914-15)።በዚ መሠረት እምበኣር ንሕና’ውን መንፈሳዊ ይኹን ሥጋዊ፥ እዋናዊ ንዝኾነ ውጥናትና፥ንጾምን ጸሎትን መጀመርታ ተግባርና እንተ ጌርና ኩሉ ጽፉፍን ውጽኢታውን እዩ ዝኸውን።

7/ "ጾም"ካብ እግዚአብሔር ጸጋን በረኸትን እትሓፍሰሉ፥ብሓፈሻ ሰናይ ዘበለ ነገር እትቕበለሉ ዓውዲ ናይ ምህርቲ እዩ።"ጾም"ካብ እግዚአብሔር ጸጋን በረኸትን እንቕበለሉ፥መንፈሳዊ ዕብየት ዘምጽኣልና ህያብ እዩ።"ብጾም"ጸጋ ዝረኸቡ፥ምሕረት ዝተገብረሎም ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ብሰፉሑ ተነጊሩ ኣሎ።ንምሳሌ ሊቀ ነብያት ሙሴ 40 መዓልትን 40 ለይትን ምስ ጾመ ካብ ኣምላኹ ጸጋ ኣብ ልዕሊ ጸጋ ተቐቢሉ እዩ።ካብ ልዕልና ጸጋኡ ዝተላዕለ ከኣ እስራኤላውያን ኣተኩሮም ምርኣይ ክሳዕ ዝስኣኖም ኮይኖም ገጾም ጎልቢቦ እዮም።(ዘጸ34፥35) እቲ መንፈሳዊ ሕጉ ዝሃቦ’ውን ምስ ጾመ እዩ። ካልእ ብጾምን ጾይሞምን’ውን መንፈሳዊ ቡራኬን መዓርግን ኂቦምን ተቐቢሎምሉን እዮም። (ግሓ13፥1-3)።ናይ ኣቦና ዳኒኤልን ናይ እቶም ሰለስተ ደቂቅን (ሰለስተ መንእሰያት) ኣናንያን ምሳኤልን ኣዛርያን (ሲድራቅ ሚሳቅ ኣብደናጎ) እንተርኢና’ውን  ካብ ጥዑም መባልዕ ናይ ንጉስ ተኸልኪሎም መንፈሳዊ ጥበብን ምስትውዓልን ካብ ኣምላኾም ተቐቢሎም እዮም።……ወዘተርፈ ብጾም እንረኽቦ በረኸት ብዙሕ ምጥቃስ ይከኣል።

8/ "ጾም"ስለ ሓጢኣት ገዛእ ርእኻን ወገናትካን ክትሓዝን ይገብር።"ጾም"ሰለ ርእስኻን፥ኣብ ስደት፡ኣብ ማእሰርቲ፡ኣብ ጭንቀት፡ኣብ ሕማም፡ኣብ ዝተፈላለየ ሽግርን ስቓይን  ……ወዘተረፈ ስለዘለው ወገናትካን ብምሕዛን ካብ እግዚአብሔር ምሕረት ንምልማን ይጠቅም።ንምሳሌ ቅዱስ ዳዊት ስለ በደል ርእሱን ንድኅነት ወዱን ከም ዝጾመ፥ ኣብ(2ይሳሙ1214)የዘንቱ። ኣቦና እዝራ’ውን በቶም ብበደሎም ምኽንያት ኣብ ምርኮ ዝነበሩ እስራኤላውያን ዝተሰምዖ ሓዘንን ጓህን ብጾም እዩ ገሊጽዎ። (እዝ10፥6)። ካልእ "ጾም"ስለ ሃገር ስለመላእ ዓለም ምሕዛን’ውን እዩ።

9/ "ጾም"ብዛዕባ ድኻታት ክንሓስብ ይገብር።"ጾም"ማለት ኣብ ላዕሊ  ከም ዝርኣናዮ ኣብ ዝተፈልጠ ዕለት ንዝተወሰኑ ሰዓታት ካብ ምግብን መስተን ተኽልኪካ ምውዓልን ምሕዳርን እዩ።ሰባት እምበኣር በዚ ወርሓት ጾም፥ ሥጋዊ ጉልበቶም ይደክም ከምኡውን ይጠምዩን ይጸምኡን እሞ፡ነቶም ብስእነት ምኽንያት ዘመኖም ምሉእ ብረሃብ ዘሕልፉ ድኻታት ይዝክሩ።እወ ንሳቶም ኣነስ ኣብ ዝተፈልጠ ዕለት ንዝተወሰነ ሰዓታት እዩ ድኻመይን ርሃበይን፥ ነዚውን ፈትየን ንበረኸት ክኾነኒ ኢለን ብፍቓደይ ዝፍጽሞ ጾም እዩ፥ ሕይወት ናይ እቶም ብስእነት ምኽንያት መላእ ዘመኖም ረሃብ ዝኾነ ረዳኢ’ውን ዘይብሎም ድኻታትስ ኮን ክንደይ ከቢድ እዩ ይብሉ። "ጾም" ንጽድቂ ኩሉ መጀመርታ እዩ ከም ዝበልናዮ ድማ፥በዚ ምኽንያት ልባቶም ይርህርህ እሞ፡ ካብ ዘለዎም ንሓዎም/ፈትዮም ብምምቓልን ምርዳእን ከም ዝዕንገሉ ይገብሩ።ከምቲ ቅዱሳት መጻሕፍቲ ዝብለዎ ንድኻታት ምርዳእ ማለት ድማ ሕድገት ኃጢኣት ምርካብ ሕጊ ኣምላኽ ድማ ምፍጻም እዩ።"ከምቲ ገሃጽሃጽ ንዚብል ሓዊ ማይ ዘጥፍኦ፥ ንድኻ ምምጽዋት ከኣ ንኃጢኣት የጥፍኦ ። (ሲራ3፥30)። ጦቢት ድማ ንወዱ ጦብያ "ንድኻታት ምጽዋት ምኃብ ካብቲ ጸልማት ዝኾነ ዓዲ ምዉታት የድኅነካ። "ክብል ምዒድዎ ኣሎ። (መ•ጦቢ4፥1-10)። ከምኡ’ውን( መዝ41፥1-3)ተመልከት። ኣምላኽና ቅዱስ እግዚአብሔር እቲ ንሕና እንደልዮ ንኣሕዋትናውን ዘድልዮም ምዃኑ ተረዲእና ረዳኢ ንዝሰኣኑ ወገናትና ብምርዳእ ሠናይ ክንገብር በዚ ንምንቃሕ የብቅዓና።

10/ "ጾም"ሕድገት ኃጢኣት ረኺብካ ዘለኣለማዊ ሕይወት እትወርሰሉ ጸጋ እዩ። "ብጾም"ብዙሓት ሕድገት ኅጢኣት ተጌርሎምን ካብ ናይ እግዚአብሔር ቁጥዓ ድኂኖምን እዮም። ንኣብነት ሰብኣ ነነዌ ብዝፈጸምዎ በደል ተጣዒሶም፥ ከም ዝተጣዕሱ ንምፍላጥ ድማ ብጾም ንርእሱም ምስ ኣሕሰሙ ምሕረት ተጌርሎም እዩ ። (ት•ዮና3፥1-10) ከምኡ ኣብ ኢሳ.58፥6-12 ዘሎውን ተመልከት።ስለዚ"ጾም"እግዚአብሔር ካብ ቁጥዕኡ ናብ ምሕረቱ ተመሊሱ ሕድገት ክገብር ዝገብር ጸጋ እዩ ማለት እዩ። እዚ ጥራይ ኣይኮነን፥ "ጾም" ገነት መንግሥተ ሰማያት ክንወርስ’ውን ይገብር እዩ። ነዚ ከኣ ባዕሉ ጐይታ ዝመሃሮ ቃል እዩ። ኣብ ኣንቐጸ ብጹኣን ተመልከት። (ማቴ፥5፥6-11)።
ንመረዳእታ ኣብነት እዚ ጠቐስና እምበር ካብ "ጾም" እንረኽቦ ጥቕምታትስ ብዙሕ እዩ። ንሕጂ ግን እዚ ይኣኽለና።
ሕራይ እምበኣር ብመጠኑ ክሳዕ ሕጂ ክንርእዮ ዝጸናሕና ናይ "ጾም" ትርጉምን ካብ "ጾም"ዝርከብ ጥቕምታትን ኣብ ዝብል እዩ። ካብዚ ቀጺልና ድማ ናብቲ ዝቀደመ ኣርእስትና ብዛዕባ ንዓቢይ ጾም ወይውን ንጾም ኣርብዓ ዝምልከት
እንሆ ከምዚ ዝስዕብ ንርአ።

ሐ/  ዓቢይጾም(ጾመኣርብዓ)

ይቅጽል………….

                                                                                                      ወስብሐት ለእግዚአብሔር።

                                                                                                       ወለወላዲቱ ድንግል።

                                                                                                        ወለመስቀሉ ክቡር።

ዲን. ዓንደማርያም

Comments are closed.