ዓርቢ ስቕለት

ጐይታ ኢየሱስ ክርስቶስ ብስጋ ምስ ሞተ ኣብ ሰማይ 3 ኣብ ምድሪ 4 ዝተፈጸማ ሽውዓተ ተኣምራት

1. ፀሐይ ብርሃና ከልኪላ

2. ወርሒ ደም ኮይና

3. ከዋክብቲ ናብ ምድሪ ወዲቆም

4. ናይ ቤተመቅድስ መጋረጃ ኣብ ክልተ ተተርተረ

5. ምድሪ ኣንቀጥቀጠት ኣኻውሕ ድማ ተጨዱ

6. መቃብራት ተከፍቱ

7. ብዙሓት ካብ ምውታተ ተንስኡ /ማቴ 27፣45-54 ,ሉቃስ 23፣44-48/

ጐይታ ኢየሱስ ክርስቶስ ኣብ ዕፀ መስቀል ተስቂሉ እንከሎ ዝተዛረበን ቃላት ሸውዓተ ኣጽርሐ መስቀል

1. ኤሎሄ ኤሎሄ ላማ ሰበቅታኒ /ኣምላኸይ ኣምላኸይ ንምንታይ ሓደግካኒ ማቴ 27፣46

2. ሎሚ ኣብ ገነት ምሳይ ከም እትከውን ብሓቂ እብለኻ ኣሎኹ ሉቃስ 23፣43

3. ኦ ኣቦይ ዝገብርዎ ኣይፈልጡን እዮም እሞ ሕደገሎም ሉቃስ 23፣34

4. ኦ ኣቦይ ነፍሰይ ኣብ ኢድካ ኣማዕቁባ ኣሎኹም ሉቃ 23፣46

5. ኣቲ ሰበይቲ እንሆ ወድኺ ነቲ ወድ መዝሙር እነሃት ኣዴኻ ዮሐ 19፣

6. ጸማእኩ ዮሐ 19፣28

7. ተፈጸመ ዮሐ 19፣30

13 ሕማማተ መስቀል

ኣብዚ ቅዱስ ዝኾነ ሰሙነ ሕማማት ብፍሉይ ንዝክሮም ፲፫ ዝኾኑ ናይ ጐይታናን መድኃኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ሕማማት እዮም። ንሳቶም ድማ ፲፫ ሕማማተ መስቀል ተባሂሎም ይፍለጡ። እዚኦም ከኣ ጐይታ ብኢድ ጸሓፍት ፈሪሳውያን ካብ ዝተተሓዘላ ሰዓት ኣብ ልዕሊኡ ዝወረደን ስሌና ዝተቐበሎምን ጸዋተወ መከራ ዘዘኻኽሩ እዮም። ብክርስቶስ ክርስቲያን ዘበለ ድማ ነዚኦም ሕማማተ መስቀል ምፍላጥን ኣብ ልቡ ምኅዳርን ይግብኦ እዩ። ንሳቶም ከኣ ።

1. አክሊለ ሦክን ተኰርዖተ ርእስን፡ ጐይታናን መድኃኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ኣኽሊል እሾክ ተኒጎም ኣብ ርእሱ ከምዝደፍእሉን ብበትሪ ርእሱ ምውቕዖምን ምቅጥቓጦምን ዝገልጽ እዩ። ተፀፍዖ መልታሕት፡

2. ተፀፍዖ መልታሕት ኣምላኽና ኢየሱስ ክርስቶስ ብኢድ እቶም ኣእዳዎም ደም ዝተኣልከን በደል ዝለመደን ኣይሁድ እቲ ቅዱስ ገጹ ከምዝተጸፍዐ ዝገልጽ እዩ።

3. ወሪቀ ምራቅ፡- ርኹሳን ኣይሁድ ሓሶትን ክፍኣትን ብዝመልኦ ኣፎም፡ ብዘጸይፍ ኣገባብ ኣብ ልዕሊ እቲ ብርሃናዊ ገጽ ጐይታ ጡፍ ምባሎም ዘመልክት እዩ።

4. ሰሪበ ሐሞት፣ ጐይታናን መድኃኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ኣብ መልዕልተ መስቀል ኮይኑ ጸማእኩ ምስ በለ መጺጽ ሓሞት ከምዘስተይዎ ዝገልጽ እዩ

5. ተቀሥፎ ዝባን፡ ጐይታናን መድኃኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ዝባኑ ክሳብ ዝመላለጥን ደም ዝሰርብን ከምዝተገርፈ ዘመልክት እዩ (ማቴ ፳፯፥፳፮)

6. ተዐርቆተ ልብስ፡- ጐይታናን መድኃኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ክዳኑ ከምዝገፈፍዎን ከምዝዓረቐን ዝገልጽ እዩ። (ማቴ ፳፯፥፳፯)

7. ርግዘተ ገቦ፡ ጐይታናን ኢየሱስ ክርስቶስ ጎኑ ብበሊሕ ኲናት ከምዝተወገአ ዘመልክት እዩ።

8. ተአሥሮተ ድኅሪት፡ ንጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ኣእዳው ንድሕሪት ከምዝኣሰርዎ ዝገልጽ እዩ

9. ኃሙሽተ ቅንዋተ መስቀልን እዮም። ሳዶር ፣ኣላዶር ፣ ዳናት ፣ አዴራ ፣ሮዳስ ኦዮም ።

ኣብ ገለ መጻሕፍቲ’ውን ተገፍዖ ማዕከለ ዓምድ ፣ተከይዶ በእግረ አይሁድ ፣ ተስሕቦ በሐብል ፣ ወዲቀ ውስተ ምድር፡ ፀዊረ መስቀል፡ ተሰቅሎ ዲበ ዕፅ ዝኣመሰሉ በይኖም ተጻሒፎም ክንረክብ ዝከኣል እኳ እንተኾነ ኵለን ግና በብኣቖጻጽርኡ ኣብተን ፲፫ ሕማማተ መስቀል ዝጥቕለላን ዝጥቀሳን ምዃነን ከነስተውዕል ኣሎና።

ስብሐት ለእግዚአብሔር
ወለወላዲቱ ድንግል
ወለመስቀሉ ክቡር።
ዘኬዎስ

Comments are closed.