ወርኃ ጽጌ

በስመ አብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ አሐዱ አምላክ አሜን።

አዘክሪ ድንግል...

“ተንሥእ ንሣእ ሕፃነ ወእሞ ወሑር ውስተ ምድረ እስራኤል እስመ ሞቱ እለ የኃሥሥዋ ለነፍስ ዝ ሕፃን”
“ እቶም ሕይወት እዚ ሕጻን ዚደልዩ ሞይቶም እዮም እሞ። ተንሥእ ነቲ ሕጻንን ነዱኡን ሒዝካ ናብ ምድረ እስራኤል ኪድ “ ማቴ. 2፣20።

ዘመነ ጽጌ ካብ መስከረም 26 ክሳብ ኅዳር 5 ዘሎ እዋን እዩ። ኣብዚ ውሽጢ’ውን 40 መዓልታት ሽዱሽተ ሳምንታት ዘለዎ ዓቢይ ናይ ምስጋና ወርሓት ብናይ ቅድስቲ ኦርቶዶክስ ተዋህዶ ቤተ ክርስትያና ሥርዓት መሠረት ፣ ንምእመናን ቅድስቲ ቤተ ክርስትያን ብዝሰርዓትሎም ሥርዓት መሠረት ብፍቅርን ሓጎስን ይዝክርዎ። ብተወሳኺ’ውን ነዚ ብዙኅ ድኻምን መከራን ዝተሓወሶ ጕዕዞ ስደት፡ ኣዴና ወላዲተ ኣምላክ ቅድስተ ቅዱሳን ድንግል ማርያም ንወዳ መድኃኔ ዓለም ክርስቶስ ሒዛ ምስ ዮሴፍ ኣረጋዊን በረኻታት ግብጽን እስራኤልን ቆሪጻ ናብ ምድረ ግብጽ እያ ብምእታዋ ነዚ መከራ ፍቓዶምን ዝኾኑ ኣገልገልትን ምእመናንን በረከት ወላዲት ኣምላክ ክበዝሓሎም ብጾም የኽብርዎ።

ዘመነ ጽጌ

ጽጌ ማለት ዕንበባ ፣( ጽባቐ ፣ ምዕራገ) ማለት ክኸውን ከሎ ካብ ጸገየ ዝብል ናይ ግእዝ ቃል ዝተረኽበ ግሲ እዩ። ዕንበባ ኣዝዮም ምዕሩጋትን ማረኽትን ባህ ዘብሉን ካብ ምዃኖም ዝተላዕለ ብዙሕ ሰብ ይብህጎምን ይደልዮምን እዩ። ምድሪ ብዕንባባ ማዕሪጋ ተሰሊማ ዘመነ ክረምቲ ሓሊፉ ክትረአ ከላ ኣዝያ እያ ደስ ተብል። ዘመን ፅጌ ዝናብ፣ በርቕን ነጎዳን ወዲኡ ዘመን ክረምቲ ምውዳኡ ዘበስር ፣ ልምላሚ መሬት ደሚቑ ኣብ ዝረኣየሉ እዋን እንስሳታት ዘቤት ኮነ ዘገዳም ዝበልዑ፣ ሳዕሪ በሊዖም ብታሕጋስ ዝዘልሉ፣ ምድሪ ብግርማ መልኪዓ ደሚቃ ትረኣየሉ ፣ ሰማይ ከውሊ ደመና ተኣልይዎ ጸሪዩ በሪሁ ዝረኣየሉ፣ ከዋኽብቲ ሰማይ ደሚቆም ብለይቲ ዝረኣይሉ እዋን ስለ ዝዀነ፣ ደቂ ሰባት ነዚ ርእዮም ንእግዚአብሔር ዘመስግንሉ ናይ ልምላሜ እዋን እዩ።
“ሠርጎ ዓለም ሣራሪሃ ለምድር ወኰሎ ተከለ ለሠርጎ ዓለም። “ መልክዓ ዓለም ምድሪ ዝፈጠረ፣ ንኩሉ መልክዕ ናይ ዓለም ፈጠረ። “ መጽሐፈ ኪዳን። ከምዝብሎ።
ብሜትሮ ዘይዕቀን ሰማይን ብዋኽብትን፣ ጸሓይ ኮነ ወርሒ ስፍሓቱ ፣ ብዓይነ ገመድ ዘይልካዕ ንምድሪ ብዕንባባ ዘማዕረገ ፣ ነዚ ብእመት ተለኪዑ ዝዕቀን ሰብ ከመይ ከልብሶን ከማዕርጎም ዘይኽእል፧ ይኽእል እምበር ። ስለዚ ኣብ ላዕሊ ዝረኣናዮም ኩሎም ብዛዕባ ከኃሊነት እግዚአብሔር ዝዛረቡ እዮም። ኣፍ ዘይብሎም ይዛረቡ። ኣንደበት ዘይብሎም ይምስክሩ።
ካብዚ ዝተላዕለ እዩ ኣምላኽና መድኃኒና ኢየሱስ ክርስቶስ ከምህር ከሎ “ወበእንተ አራዝኒ ምንተኑ ትሄልዩ ርዕዩ ጽጌያተ ገዳም ዘከመ ይልህቁ ኢይፈትሉ ወኢይጸምው ወባህቱ እብለክሙ ከመ ሰሎሞን ጥቀ ኢለብሰ በኩሉ ክብሩ ከመ አሐዱ እምዕሉ” “ ከመይከ ብናይ ክዳን እትጭነቑ ንዕምባባታት መሮር ከመይ ኢሎም ከም ዚዓብዩ ተመልከቱ ኣይደኽሙ ፣ ኣይፈትሉ። ምስ ናይዚ ግና ሰሎሞን እኳ በቲ ኹሉ ኽብሩ ከም ሓደ ኻባታቶም ከም ዘይተኸድነ እብለኩም ኣሎኹ።” ማቴ.6፥28፡፡ ኢሎ ዕንባባታት እግዚአብሔር ከምዘማዕርጎም ፣ መልክዖም ግርማኦም እግዚአብሔር ከም ዝዀነ ፣ ንዕንበባታት መልክዕን ግርማን ዝኃበ እግዚአብሔር ንዓና’ውን ከምዝህበና ክንኣምን ከምዝግብኣና ንምግላጽ እዩ። ሰብ እንታይ ክብልዕ እየ እንታይ ክለብስ እየ ካብ ምጭናቅ ንላዕሊ እግዚአብሔር ብተፈጥሮ ምዑርግ ጌሩ ንዝፈጠሮ ብምሕሳብ ነቲ ዝጎድለና ኩሉ ኣምላከ ቅዱሳን እግዚአብሔር ከምዝምልኣልና ክነኣምን ከምዝግበኣና እምበር ፣ ብብዝሒ ጭንቀትን ሓሳብን ተወጢርና ከነማርር ከምዘይብልና፣ ንዕንባባታት ከምዚ ጌሩ ዘማዕረገ ኣምላከ ቅዱሳን ንነፍሲ ወከፍና’ውን ኩሉ ምሃብ ዝኽእም ምዃኑ ክንፈልጦ ይግበኣና።
ፈጣሪ ዘመናት ዝዀነ ኣምላከ ቅዱሳን እግዚአብሔር መዝ.84(85) 11-12። ዘመን ክረምቲ ኣሕሊፉ ፣ ምልክት ሓጎስን ጽቡቅ ድሌትን ዝዀነ ዕንበባ ናብ ዝመዓረገሉ ሓዲሽ ዓመት ብምብጻሕና መግለጺ ቅዱስ ያሬድ ዝኾኑ ሊቓውንቲ “ ኃለፈ ክረምተ፣ ቆመ በረከት፣ ተሠርገወት ምድር በሥነ ፅጌያት” “ ክረምቲ ሓሊፉ በረኸት ተተኪኡ፣ ምድሪ ብሥነ ፅጌያት ብዕንባባታት ማዕሪጋ። “ እንዳበሉ የመስግኑ። ኣብዚ ንርድኦ ብናይ ኣምላኽና መድኃኒ ዓለም ክርስቶስ በረከት ከም ጸቢቕና ከምእንምዕርግ እዩ ዝነግረና። ብዘይ እሱ ከንቱ ምዃን የረድኣና።
ዕድመ ዕንበባ ሓጺር እዩ። ሰብ ከኣ ኣብዛ ዓለም ዝነብረለን ዓመታት ሓጸርቲ እየን ። ስለዚ ቅድመ ንስሓ ሞት ከይተርክቦ ቀሊጢፉ ክንሳሕ ይግባእ። ኣብ ኩሉ ዕለታዊ መነብብሮኡ ንንስሓ ክዝክር ይግባእ። “ አብድ ውእቱ ዘይሄሊ ካልአ ዘእንበለ መቃብሩ ወርስቱ” “ ሞትን መቓብርን ምህላዉ ዘይሓስን ሰብ ሰነፍ እዩ። “ ቅዱስ ዮሓንስ ኣፈወርቂ። ብካልእ መገዲ ንዕንበባታን ክንርኢ ከለና ረጊፎም ዝወድቁ ፍረ ንምርካብ እዩ። ጨና መኣዛ ዕንበባ ንኹሉ ሰብ ብህ እዩ ዘብሎ። ምስ ረገፈ ከኣ እቲ ፍሬኡ ጥቅሚ ኣለዎ። ሰብ ከኣ ክነብርን ክህሉን ከሎ ንእግዚአብሔር ፈጣሪኡ ዘሐጉስ ክኸውን ይግባእ። ብዘይ ፍረ ንስሓ ክመውት የብሉን። “ ግብሩኬ እንከ ፍሬ ሰናየ ዘይደልወክሙ ለንስሐ” ንንስሓ ዝኸውን ፍረ ግበሩ ።” ማቴ.3፥8.
ኣዴና ቅድስተ ቅዱሳን ድንግል ማርያም ምስ ወዳ መድኃኒ ዓለም ኢየሱስ ክርስቶስ ናብ ግብጺ ተሰዲዶም መከራ ምቅባሎምን እንዝክረሉም ፣ ንፈጣሪኣን ነመስግነሉን እዋን እዩ ዘመነ ጽጌ። ቅዱስ ያሬድ “‹‹ይእቲ ተዓቢ እምኪሩቤል ወትፈደፍድ እም ሱራፌል መንክር ወመድምም ዕበያ ወክብራ ለድንግል ጽሕፈት ውሰተ ወንጌል ወዴበ ርዕሳኒ አክሊል በትእምርት መስቀል ።”ክብሪ ወላዲት ኣምላክ ቅድስተ ቅዱሳን ድንግል ማርያም ካብ ጸወርተ መንበሩ ሱራፌል ፣ ኩሩቤል ክብ ዝበለ እዩ። ምኽንያቱ ኪሩቤን ሱራፌልን ዝነብሩ ብጸጋ እዩ ፣ ቅድስተ ቅዱስና ድንግል ማርያም ግና ኣብ ማኅጸና ሓዲሩ ካብ ሥጋኣ ሥጋ ካብ ነፍሳ ወሲዱ ስለ ዝተወልደ ክብራ ካብ ኩሎም መላእክት ክብ ዝበለን ዝበለጸን ግሩም እዩ። ኣብ ር እሳ ከኣ ኣክሊለ ትእምእርተ መስቀል ዝተሰርሓላ መስቀል ኣለዋ። ብምባል ክብራ ገሊጹ ብዝማሬ ኣመስጊንዋ እዩ።
እንቋዕ ናብ ዘመነ ጽጌ ኣብጽሓና።
ቅድስት ቤተ ክርስቲያን ኣብዚ መዘከርታ ስደታ ንዝኾነ ዘመን፡ ምሳሌን ምሥጢርን ታሪኽን እናሰማመዐት ብማኅሌተ ጽጌ ፥ ብቅዳሴ፥ ብስብሓታት ትዝክሮ።
እቲ ምሉእ ለይቲ ሰንበተ ክርስቲያን ብፍሉይ ተመስጦ ዝቕጽልን ዝቐርብን ዝማሬውን ካብ ድጓ ቅዱስ ያሬድ፥ ማኅሌተ ጽጌ ከምኡውን ሰቆቃወ ድንግል ዝተረኽበ እዩ። ብምሳሌ ይኹን ብትንቢት ቅድመ ሓዲስ ኪዳን ንዝተነግረላን፤ ከምኡውን ካብ ጽንሰታ ጀሚሮም ኣብ ኵሉ መዋዕላ፡ ካብ ጐይታ ከይተፈልየት ምእንቲ ደቂ ሰባት ንዝገበረቶ ኵሉ እናተገልጸ ዝዝከረሉ ፍሉይ እዋን ንምስታፍ ሰንበት መጸ ሊቃውንትን ካህናትን ዲያቆናትን ምእመናን ብናፍቖትን ብሓንቀውታን ክጽበይዎ ይቕንዩ። ምስ ተጀመረ ድማ ለይቲ ምሉእ ብተመስጦ ክዝምሩ ይሓድሩ። ቅዳሴ ድማ የቕድሱ። ዝክራ ድማ በብተራ ብምግባር ካብ በረኸታ ይሳተፉ።

ቀዳማይ ሳምንቲ ክፋል ሥርዓተ ማኅሌት

ማኅሌት ጽጌ

ጽጌ አስተርአየ ሠሪፆ እምአፅሙ፤ ለዘአምኀኪ ጽጌ ለገብርኤል ምስለ ሰላሙ፤ ወበእንተዝ ማርያም ሶበ ሐወዘኒ መዐዛ ጣዕሙ፤ ለተአምርኪ አኀሊ እሙ፤ ማኅሌተ ጽጌ ዘይሰመይ ስሙ።

ዓይኑ ዘተገብረ ፈውስ፤ እምቅድመ ትትወለዲ ድንግል እምቤተ ክህነት ወንግሥ፤ መድኃኒተ ዓለም ኮነ ደመ ጽጌኪ ክርስቶስ፤ እሰግድ ለተአምርኪ በአብራከ ሥጋ ወነፍስ፤ በከመ ሰገደ ለኪ ዮሐንስ በከርሥ።

እንዘ ተሐቅፊዮ ለሕፃንኪ ጽጌ ፀዓዳ ወቀይሕ፤ አመ ቤተ መቅደስ ቦእኪ በዕለተ ተአምር ወንጽሕ፤ ንዒ ርግብየ ትናዝዝኒ እምላህ፤ ወንዒ ሠናይትየ ምስለ ገብርኤል ፍሡሕ፤ ወሚካኤል ከማኪ ርኅሩኅ።

ክበበ ጌራ ወርቅ ጽሩይ እምዕንቌ ባሕርይ ዘየኀቱ፤ ዘተጽሕፈ ብኪ ትእምርተ ስሙ ወተዝካረ ሞቱ፤ አክሊለ ጽጌ ማርያም ለጊዮርጊስ ቀጸላ መንግሥቱ፤ አንቲ ኲሎ ታሰግዲ ሎቱ፤ ወለኪኒ ይሰግድ ውእቱ።

ወረብ
መዓዛ ጣዕሙ ለተአምርኪ ሶበ ሐወዘኒ /፪/
ወበእንተዝ ማርያም አኀሊ ለተአምርኪ /፪/

ወረብ
ክበበ ጌራ ወርቅ ጽሩይ /፪/ እምዕንቌ ባሕርይ /፪/
አክሊለ ጽጌ ማርያም ቀጸላ መንግሥቱ /፪/

ዚቅ
ነያ ሠናይት ወነያ አዳም፤ አግዓዚት ማርያም ጽርሕ ንጽሕት፤ በአልባሰ ወርቅ ዑጽፍት ወኁብርት፤ ወዲበ ርእሳኒ አክሊል ጽሑፍ በትእምርት መስቀል።

ንሕና ከኣ ካብዚ በረከት ኣምላከ ቅዱሳን የሳትፈና። ወላዲት ኣምላክ ቅድስተ ቅዱሳን ድንግል ማርያም ብኣማላድነታ ኣይትፈለየና።

ስብሐት ለእግዚአብሔር ልዑል፡
ወለወላዲቱ ማርያም ድንግል፡
ወለመስቀሉ ክቡር

Comments are closed.