ወርኀ ጳጉሜን

በስመ አብ ወወልድ ወመንፈስን ቅዱስ አሐዱ አምላክ አሜን።

 ንቤተ ክርስቲያና ብናይ ዘመን ኣቆጻጽራ ፍልይ ካብ ዘብላ ነገር ሓደ ጳጉሜን እትበሃል መበል ፲፫ (13) ወርኂ  ስለዘለና እዩ፡፡ ጳጉሜን ማለት ብግሪኽ ወሰኽ ማለት ክኸውን እንከሎ ንዓመት ብሰላሳ መዓልታት ምስ ከፈልናዮ ዝተረፉ ዕለታት ተኣኪቦም ዝሰመይዋ ተወሳኺት ወርኂ እያ፡፡ ወይ ከኣ በብመዓልቱ ኣብ መንጎ ጸሓይን ወርሕን ዘሎ ኣቆጻጽራ ዝፍጠር ፍልልይ ኣኪቦም ዝፈጠርዋ  ወርሒ ትበሃል፡፡ ሓደ ዓመት ብዑደት ጸሓይ  ክልካዕ እንከሎ 365 መዓልታትን 15 ኪክሮስ 6 ካሊት ክኸውን እንከሎ ብወርሒ ክልካዕ እንከሎ ከኣ 354  መዓልታትን 22 ኬክሮስን ፥ 1 ካልኢት ፥ 36 ሳልሲት ፥ 52 ራብዒት ፥48 ኅምሲት እዩ ፡፡ 60 ኬክሮስ ሓደ መዓልቲ እዩ ኣብ መንጎ ክልቲኦም (ጸሓይን ወርሕን) ኣብ ዓመት ዘለዎም ፍልልይ 11 መዓልትን 7 ኬክሮስን ይኸውን ፡፡  ብዘመን ኣቆጻጽራና ካብ መዓልታት  ዝንእሱ ንቆጽረሎም ሽዱሽተ መለክዕታት ኣለዉ፡፡ ኬክሮስ ፥ ካልዒት ፥ ሣልስት፥ ራብዒት፥ ኅምሲትን ፥ ሳድሲትን፡፡ 60 ሳድሲት ሓደ ኅምሲት፥ 60 ኅምሲት ሓደ  ራብዒት፥ 60 ራብዒት ሓደ ሣልሲት፥ 60 ሣልሲት ሓደ ካልኢት፥ 60 ካልኢት ከኣ 1 ኬክሮስ ይኸውን፡፡  60 ኬክሮስ ከኣ 1 መዓልቲ ፡፡ 1 ኬክሮስ 24 ደቂቅ እዩ }

ጳጉሜን ንምርካብ ኣብ ነናይ መዓልቱ ዘሎ ፍልልዮም ክንምልከት ኣሎና ፡፡ በብመዓልቱ ኣብ መንጎ ወርሕን ጸሓይን 1 ኬክሮስ 52 ካልዒትን  (60 ካልኢት ሓደ ኬክሮስ እዩ)፥ 31 ሣልሲትን (60 ሣልሲት ሓደ ካልኢት እዩ)  ይኸውን፡፡ እዚ ማለት 5 ሰዓትን 48 ደቒቅን 46 ካልኢትን (ሴኮንድ)}’ዩ፡፡  እዚ ፍልልይ ብሓደ ወርሒ’ኸ ክንደይ ከም ዝኸውን ንምፍላጥ ብ30 ነርብሓዮ፡፡ ምኽንያቱ ብመዓልቲ ኢና ክንርኢ ጸኒሕና፥ 30  ኬክሮስ ፥ 1560 ካልኢትን 930 ሣልሲትን ይኸውን ፡፡ ናይ ዓመት ንምርካብ ከኣ ብ 12 ነርብሓዮ ፡፡ 360 ኬክሮስ(፩)  18720 ካልኢት(፪) ፥ 11160 ሣልሲት(፫) ይመጽእ ፡፡

ኣቀድም ኣቢልና 60 ኬክሮስ  ሓደ መዓልቲ  እዩ ብዝበልናዮ መሰረት 360 ኬክሮስ ን60 ክምቀል ከሎ 6 መዓልታት ይህበና(፩) ፡፡ 18720 ካልኢትከኣ(፪) ንስሳ ብምምቃል 312 ኬክሮስ ንረክብ፡፡ እዚ ማለት 12  ተረፍ ኬክሮስ ገዲፍና 300 ኬክሮስ ን60  መቂልና 5 መዓልታት ንረክብ፡፡ እዚ ማለት ከኣ 5 መዓልትን 12 ኬክሮስን(፬) ይኸውን፡፡ 11160 ሣልሲት(፫) ከኣ ን60 ምስ እንመቅሎ 186 ካልዒት ወይ ድማ 3 ኬክሮስን 6 ካልኢት(፪) ይኸውን ፡፡

ኣብ ላዕሊ ንኬክሮስ ምስ ናይ ዓመት መዓልታት ኣርቢሕና ዝረኸብናዮ (፩) 6 መዓልቲ ኣሎ፡፡ እዚ ዕለት ኅጸጽ ይበሃል፡፡  ጸሓይን ወርሕን ብማዕረ መስከረም ሓደ ኢልና እኳ ንዓመት ምስ እነጀምሮም ጸሓይ ናይ ወርሓ መጠን ሠላሳ እኳ እንተኾነ ወርሒ ግን ብቀዳማይ ወርሒ 29 ብካልኣይ ወርሒ ግን 30 ስለትኸውን  ዓመቱ ብማዕረ ኣይውዳእን ናይ ወርሒ ዓመት ነሓሴ 24  መዓልቲ ይውዳእ ፡፡ እዚ ማለት ወርኅ ኣብ ክልተ ወርሒ ሓደ ጉድለት ተምጽእ ፡፡ እዚ’ዩ ሊቃውንቲ ኅጸጽ (ጉድለት) ዝበልዎ፡፡  በዚ መሠረት ኣብ ላዕሊ ንኬክሮስ (፩) ብናይ ዓመት መዓልታት ኣርቢሕና ዝረኸብናዮ 6 መዓልቲ ንወርሒ ኅጸጽ ምስ እንህቦ  ናይ መስከረም / ጥቅምቲ (1) ፥ናይ ጥቅምቲ/ ኅዳር(2)፡ ናይ ጥሪ / የካቲት(3)፥ ናይ መጋቢት / ሚያዝያ(4)፥ ናይ ግንቦት / ሰነ (5)፥ ናይ ሓምለ ነሓሰ (6) ኮይኖም ተኻፊሎም ይውድኡ፡፡

ብካልእ መዳይ ከኣ ኣብ መንጎ ወርሕን ጸሓይን ዘሎ ዑደት ናይ ዓመት  ፍልልይ 11 መዓልትን 15 ኬክሮስን 6 ካልዒትን ይኸውን ፡፡  ሽዱሽተ መዓልታት ወርሒ ንእተጥፍአን (ኅጸጽ) ምስ እንህቦ 5 መዓልቲ ተረፍ ይህልወና ፡፡ ጳጉሜን ማለት እዞም 5 መዓልታት እዮም ፡፡   ናይ ዓሰርተ ሓደ መዓልቲ ካብ ወዳእና እቶም ሽርፍራፍ (15 ኬክሮስን 6 ካልኢትን ) ንርአ፡፡

ኣብ ላዕሊ ከም ዝረኣናዮ ኣብ መንጎ ጸሓይን ወርሕን ዓመታት ዝተፈጠሩ 11 መዓልታት እቶም ሽዱሽተ ንኅጸጽ መምልኢ ምስ ኣተዉ ዝተረፉ 5 ዕለታት እዮም ጳጉሜን  እትበሃል ወርሒ ዝፈጠርዋ፡፡ ብጎርጎርዮሳውያን  ኣቆጻጽራ  እዞም 5 ተወሰኽቲ መዓልታት ኣብ ልዕሊ ጥሪ (ጃንዋሪ)፣ መጋቢት (ማርች)፣ ግንቦት (ሜይ)፣ ሓምለን (ጁላይን) ነሓሰን  (ኦገስትን)፣ ስለ ዝተወሰኹ እዞም ኣዋርሕ 31 ክኾኑ ተገዲዶም፡፡ (ነዚ ዝኸፈሎ ብ46 ቅ.ል.ክ ዝነበረ ዩልየስ ቄሣር እዩ፡፡ ንኣርባዕተ ኣዋርሕ  30 መዓልልቲ፥ ንሓደ 28/29 (ኣብ ኣርባዕተ ዓመት )፥ ንዝተረፉ ሸውዓተ ኣዋርሕ ከኣ 31 ሂብዎም ፥ ነቶም ሓሙሽተ  ኣዋርሕ 31 ዝገበሮም ካብ ጳጉሜን  ክወስድ እንከሎ  ንቶም ክልተ ኣዋርሕ ሓደ ሓደ መዓልቲ ዝወሰኸሎም ካብ የካቲት (ፌቡርዋሪ)  2 መዓልቲ ወሲዱ ወርሑ 28 ብምግባር እዩ)፡፡

ካብዚ ዝተርፉና ኣብ ላዕሊ ነናይ መዓልቱ ፍልልይ ንዓመት ምስ  ነራብሖ (ቁጽሪ ፪ን ፫ ተመልከት) ዝተረፉ 15 ኬክሮስን 6 ካልኢትን እዮም፡፡  ክልቲኦም ኣብ ላዕሊ ዝረኣናዮም (፬ን፭) ምስ እንድምሮም (12 ኬክሮስ + 3 ኬክሮስን 6 ካልኢትን) 15 ኬክሮስን 6 ካልኢትን ይመጹ ፡፡

ቅድም ኢልና ሓደ መዓልቲ 60 ኬክሮስ እዩ ኢልና ነይርና፡፡  ስለዚ ሓደ መዓልቲ (60 ኬክሮስ ) ንምርካብ ኣብ ላዕሊ ዝረከብናዮ 15 ኬክሮስ ብ 4 ከነርብሖ ኣለና፡፡  ኣብ ኣርባዕተ ዓመት ሓደ ጊዜ ጳጉሜን 6 እትኾነሉ እዞም  15 ኬክሮስ በብዓመት ተኣኻኺቦም ኣብ ኣርባዕተ ዓመት ሓደ ጊዜ ሓደ መዓልቲ ስለዝኾኑ እዩ፡፡ እዚኣ  ሠግር ትበሃል ፡፡ ጎርጎርዮሳውያን ነዛ ሠግር  ኣብ ልዕሊ የካቲት (ፌቡርዋሪ) ወርሒ ወሲኾም  ኣብ ኣረርባዕተ ዓመት  ሓደ ጊዜ 29 መዓልቲ ይገብርዋ፡፡

15 ኬክሮስ ኣብ ኣርባዕተ ዓመት ተደሚሮም ሓደ መዓልቲ ስለ ዝመጹ ኣብ ኣርባዕተ ዓመት ሓደ ጊዜ ንጳጉሜን ሽዱሽተ ገይርዋ፡፡ ዝተረፈት 6 ካልዒትከ (ቁጽሪ ፭) ኣበይ ትእቶ ᎒ ካልኢት ሓደ መዓልቲ ንኽትከውን 3600 ካልኢት የድልዩ፡፡  ክንድዚ ዝኣክል ካልኢት ንምርካብ 600 ዓመታት የድልዩና ፡፡

ከምኡ’ን ጳጉሜን 5 ብሊቃውንተ ቤተክርስቲያን “ዕለተ ሞርያ ”  ዝተመርጸት ዕለት ትበሃል፡፡ ናይ ጐይታ መድኃኒና ኢየሱስ ክርስቶስ ልደት ዕለት እትውስኖ ጳጉሜን 5 እያ ፡፡ ልደት ጳጉሜን 5  ኣብ ዝወዓሎ መዓልቲ ዩ ዝውዕል ፡፡ ኣብ ኣርባዕተ ዓመት ሓደ ጊዜ ጳጉሜን 6 ክትከውን ከላ ልደት ብ28 ዝኽበር  ዕለተ ሞርያ ስለ ስለዘይትለቅቕ እዩ፡፡ ሻዱሸይቲ መዓልቲ  ንልደት ብሓደ  መዓልቲ ስለ እተዝልሎ ንሕና ከኣ ብ28 ነኽብሮ፡፡ ልደት ጳጉሜን 5 ዕለትን (ዕለተ ሞሪያን) ስለ ዘይለቅቕ ፡፡ ከመይ ደኣ ጥምቀትን ግዝረትን ኣይልወጡን እንተበልና ሊቃውንቲ ዝህብዎ መልሲ ትውልድ (ሱባኤ እናቆጸረ ብተስፋ ዝተጸበያ ንዕለተ ልደት ስለ ዝኾነት እዩ፥ ካልኦት ዝመጹ ብልፈቱ ምኽንያት እዩ ዝብል ፡፡ ብጎርጎርዮሳውያን እውን እንተኾነ ኣብ ኣርባዕተ ዓመት ሓደ ጊዜ ልደት ትወርድ እያ ናቶም ዘይፍለጠና እታ ተወሳኺት ኣብ የካቲት (ፌብርዋሪ) ስለ ዝኾነት እዩ፡፡ ሽዑ ኸኣ ሓድሽ ዓመት ምስ ኣኽበሩ ስለ እትመጽእ እዩ፡፡ ናትና ግና  እትወድቅ ኣብ መጨረሽታ ጳጉሜን ብምዃና ቅድሚ ሓድሽ ዓመት ስለትውሰኽ ጎሊሑ ይፍለጥ፡፡

እምበኣር ጳጉሜን እትበሃል ኣገራሚት ንእሽቶ ወርሕና ብከምዚ ዝተሰላሰለት፥ ሓሙሽተ ኮይና ጸኒሓ  ኣብ ኣርባዕተ ዓመት ሓደ ጊዜ ሽዱሽተ፥ ኣብ ሸሽዱሽተ ዓመት ድማ ሸውዓተ እትኸውን እያ፡፡ ዓበይቲ ኣዋርሕ ገና ከይተፈጥሩ ፣ በዓለ ዕለት ልደት እትውስን እያ።

ወስብሐት ለእግዚኣብሄር ፡፡

ወለወላዲቱ ድንግል።

ወለመስቀሉ ክቡር።

ምንጪ

ዲያቆን ዳኒኤል ክብረት።

ትርጉም ዲን. ሙሉእብርሃን

Comments are closed.