ክርክር ፊያታዊ ዘየማንን ሱራፌልን

ኣብቲ እዋን ሠራዊተ እግዚአብሔር ካብ ሲዖል ወጹ። ንብዙኃትውን ተራእይዎም። ናብታ ቅድስቲ ከተማውን ኣተዉ። ጐይታ ነቲ ሽፍታ ብቅዱስ ደሙ ዝተኃትመ ማኅተም ሃቦ። ናብ ገነት ኪዱ፡ እዚ ሽፍታ ይምራሕኩም፡ ንሱ ብማኅተም ደመይ ይኽፈተልኩም። ንፍርዲ ክሳዕ ዝመጽእ ድማ ኣብኡ ጽንሑ። አዳምን ደቁን ድማ ፊያታዊ ዘየማን እናመርሖም ብነፋስ ንላዕሊ ወጹ። ሠራዊተ መላእክት እናሓለውዎም ድማ ጥቓ ገነት በጽሑ። 

እቲ ኣብ የማን ጐይታ ተሰቒሉ ዝነበረ ሽፍታ፡ ኣብ ኣፍደገ ገነት ቆመ። ንገነት ዝሕልዋ ዝነበረ ሱራፌል ድማ ተደነቐ። ናብዚ መን መርሓካ፧ እንታይከ ትደሊ ኣሎኻ በሎ። እቲ ሽፍታ ድማ ናብ ገነት ክኣቱ ይደሊ ኣሎኹ በሎ። ሱራፌል ድማ አዳም ካብኣ ካብ ዝወጽእ ክሳዕ ሕጂ  ገነት ዕጽውቲያ፡ ከመይ ኢልካ ደኣ ክትኣትዋ ትደሊ ኣሎኻ በሎ። ገነት ቀጽራ እሳትዩ፡ ንሳኻ ካብ ወገን ሣዕሪ ዝኾንካ ደኣ ከመይ ኢልካ ክትኣትዋ! ንስኻ እቲ ብምስሊ እግዚአብሔር ዝተፈጠርካ አዳም ዲኻ፧ ወይስ ሞይቱ ዝተዛረበ አቤል ኢኻ፧ መተካእታ አቤል ሴት ዲኻ፧ ወይሲ ብመንኰራኩር  ካብ እሳት ዝደሓነ ሎጥ ዲኻ፧ ወይሲ ሠለስተ ዓመት ዝተፈተነ ንሞት(ሰይጣን) ዘሰነፈ ኢዮብ ኢኻ፧ ፈታዊ እግዚአብሔር አብርሃም ዲኻ ወይሲ ንጹሕ መስዋዕቲ ዝኾነ፡ ኃይሊ መዓዛዑ ክሳዕ አርያም ዝበጽሐ ይስሐቅ ኢኻ፧ ጫፉ ሰማይ ዝጥንቅር መሳልል ወርቂ ዝረኣየ ያዕቆብ ዲኻ፧ ወይሲ መንኩቡ ጸጓር ዝኾነ ሽደን ኣንበሳ ዝተባህለ ይሁዳ ኢኻ፧  

ኣብ ዝተሸጦ ሃገር ዝነገሠ ዮሴፍ ዲኻ፧ ወይሲ ብምሻጥ ምስ ኣኅዋቱ ዘይሓበረ ብንያም ኢኻ፧ ሰብ ምስ ብጻዩ ከም ዝዛረብ ምስ እግዚአብሔር ሓሙሽተ ሚእትን ሰብዓን ቃላት ገጽ ንገጽ ዝተናገረ ሙሴ ዲኻ፧ ወይሲ ልብሰ ተክህኖኡ  ናይ ኵሎም ደቂ እስራኤል ኣስማት ዘለዎ አሮን ኢኻ፧ መዓልቲ ክመሲ ምስ በለ ንፀሓይ ኣብ ገባዖን ዘቖማ ኢያሱ ዲኻ፧ ወይሲ ካብ ኵሉ እቲ ሕዝቢ እሙን ኮይኑ ዝተረኽበ ካሌብ ወዲ የፎኒ ኢኻ፧ መብጽዓኻ ንእግዚአብሔር ክትፍጽም ጓልካ ዝሠዋእካ ዮፍታሔ ዲኻ፧ ወይሲ ኣብ ንጽሕቲ ፀምሪ ናይ ትንቢት ጠሊ ክወርድ ዝረኣኻ ጌዴዎን ኢኻ፧

መጽዓኛ ዝበተኸ ሶምሶን ዲኻ፧ ወይሲ ንአጋግ ዝወግኦ ሳሙኤል ኢኻ፧ እግዚአብሔር ከም ልበይ ረኸብኩ ዝበሎ ዳዊት ዲኻ፧ ወይሲ ካብ ሰብ ወገን ቅድሚኡ ኮነ ድሕሪኡ ከምናቱ ዝበለ ጥበብ ዘየሎ ሰሎሞን ኢኻ፧ ብዝነድድ እሳት ዝዓረገ ኤልያስ ዲኻ፧ ወይሲ ምዉት ዘተንሥአ ኤልሳዕ ኢኻ፧ ወይሲ ብኢድ ሱራፌል ፍሕሚ ዝተቐበለ ኢሳይያስ ኢኻ፧ ካብ ማኅጸን ኣዲኡ ዝተሓርየ ኤርምያስ ዲኻ፧ ወይሲ መልአክ ናብ ጕድጓድ ዘእተዎ እንባቆም ኢኻ፧ ንጽዮን ዝረኣያ እዝራ ዲኻ፧ ወይሲ አፈ አናብስት ዚዓጸወ ዳንኤል ኢኻ፧ ንኣሞራ ዝለኣኸ ባሮክ ዲኻ፧ ወይሲ 66 ዓመት ዝደቀሰ አቤሜሌክ ኢኻ፧ ካብ ከርሢ አንበሪ ዝወጸ ዮናስ ዲኻ፧ ወይሲ ነበልባለ እሳት ካብ ዘዝሓሉ 3ቱ ደቂቅ ሓደ ኢኻ፧ ናይ ብርሃን መቅረዝ ዝተመልከተ፡ ንኢየሱስ ክርስቶስውን ዝረኣዮ ዘካርያስ ወልደ በራክዩ ዲኻ፧ ወይሲ ነቲ ናይ እግዚአብሔር መሲሕ ከይረኣዮ ከምዘይመውት መንፈስ ቅዱስ ዝገለጸሉ ስምዖን ኢኻ፧ በሎ።

ሱራፊ ነቲ ሽፍታ ከምዚ ምስ በሎ፡ ኣነ ካብ ንእስነተይ ኣትሒዘ ብደም ሰብ ተሓጺበ ዝነብር ዝነበርኩ ሽፍታ እየ እምበር ካብዞም እትብሎም ዘሎኻ ኣይኮንኩ። እንተኾነ ካብ ኃጢኣተይ ንላዕሊ ምሕረቱ ኣዝዩ ብዙኅዩሞ፡ ክመሲ ምስ በለ ምሕረቱ ሰሓበኒ በሎ። ሱራፌል ነዚ ቃል ካብቲ ሽፍታ ምስ ሰምዐ ክወግኦ ደለየ። ኣታ ብደም ሰብ ዝጠልቀኻ ሽፍታ ናብዛ ዐይኒ ንሥሪ ዘይረኣያ ቅድስቲ ከተማ ከመይ ኢልካ ክትኣትው ትደሊ ኣሎኻ፧ ኣታ ሽፍታ ገነት ከምታ ዝነበርካያ መሬትዶ መሲላትካያ፧ ከምልማድካ ክትሰርቕዶ ትደሊ ኣሎኻ፧ ገነት ቀጽራ ካብ ምድሪ ክሳብ ሰማይ ዓቢ እሳት እዩሞ እዚ ዘይከኣልዩ።   

ናብዚ ከመይ ኢልካ ከም ዝመጻእካ እስኪ ንገረኒ። ነቲ ካብ ዓለም ዝሰፍሕ ባሕሪ እሳት ከመይ ኢልካ ሰጊርካዮ፧ ናብዚ ዝለኣኸካ መንዩ፧ ሓቂ ንገረኒ እንተዘይኮኑ ግና ክወግኣካየ። እቲ ሽፍታ ድማ ንገነት መታን ከርሕዋ ኣምላኽካዩ ናባኻ ልኢኹኒ። ኣብቲ ዳሕረዋይ ዘመን ሥጋኦም ክሳዕ ዝትንሥእ ብነፍሶም ኣብዚ ክቕመጡዮም በሎ። ሱራፌል ነዚ ምስ ሰምዐ ነታ ደብዳቤ ተቐቢሉ ኣንበባ። “ካብታ ከይትበልዕ ኢለ ዝኣዘዝክዎ ዖም ብምብልዑ አዳም ምስ ተሰደ ንገነት ክትሕልዋ ዝሾምኩኻ ሱራፌል፡ ኣነ እቲ ናይ መጀመርያ ቃለ እግዚአብሔር እየ። ሎሚ ግና ኣብ መስቀል ብዝፈሰሰ ደመይ ገዚአያየ። ንአዳምን ደቁን ካብ ሲዖል ኣውጺአዮምየ። ንዘለዓለም ኣብኣ ክትነብር ኢኻ ኢለዮ እየሞ፡ ምስ ደቁ ክኣቱ ክፈተሉ።” ዝብል ረኸበ።

ሱራፊ ነዛ ጽሕፍቲ ምስ እንበባ ብዓቢይ ድምጺ ተናገረ። ንአዳምን ደቁን ዘድኃነ ምስጋና ይግብኦ በለ። ነቲ ሽፍታውን ሓሊፉ ሰዓሞ። ምስ አቦኻ ኣዳም ነዛ ዝተባረኸት ሃገር ክትወርሳ ንዓ ድሕሪ ምባሉ ከይዱ ንገነት ከፈታ። መጀመርታ ፈያታዊ ዘየማን ኣተወ። መላእክት ድማ ምሩኻት ንዘለዓለም ናብ ርስቶም ኣተዉ፡ ኣብ ርእሶም ኣኽሊል ተነቢርሎም ኣሎ እናበሉ ኣመስገኑ። አረጋዊ አዳም ምስ ደቁ ኮይኑ ነቲ ምስጉን ኮይኑ ዝተመስገነ እግዚአብሔር ነመስግኖ። ንፈረስን ፈረሰኛን ናብ ባሕሪ ደርበዮም። እግዚአብሔር ኃይለይን መዝሙረይን እዩ። ምድኃን ከኣ ኮነኒ። ንሱ ኣምላኸይ እዩሞ ከመስግኖየ። ኣቦይ እዩሞ ክብ ከብሎ እየ እናበለ ኣመስገነ። ሙሴ ድማ ምስ ማርያም ሓፍቱ ኮይኑ “ይትነከር ውእቱ ይትነክር” ማለት እግዚአብሔር ዘደንቕዩ እናበለ ብኸበሮ የየመስግን ነበረ። ኵሎም ነቢያትውን “መኑ ይመስለከ እምነ አማልክት” ካብ ኣማልኽቲ ዝመስለካ መንዩ ይብሉ ነበሩ። ዳዊትውን “አኅለፍከነ ማእከለ እሳት ወማይ” ማለት ብማእከል ሓውን ማይን ኣሕለፍካና፡ ናብ ዕረፍትና ድማ ኣውጻእካና እናበለ የመስግን ነበረ። 

መሊሶምውን እግዚአብሔር ነጊሡዩ፡ ምድሪ ትተሓጐስ። ሰማያት ይተሓጐሱ። ምድሪውን ክትሕጐስያ። ባሕሪ ክትንቀሳቐስያ፡ በረኻታትን ኵሎም ኣብኡ ዘለዉን ይተሓጐሱ። ኦ እግዚአብሔር ናብ አርያም ዓረግካ። ንዓኻ ንዘለዓለም ምስጋና ይግባእ አሜን፡ እናበሉ ነቲ ዘእተዎም ኣመስገኑ። ጐይታ ግና እዚ ኵሉ ክኸውን እንከሎ ኣብ መስቀል ነበረ። ድሕሪ ሰዓት ትሽዓተ ምሕኩልቲ እቶም ሸፋቱ ሰበሩ። ጐይታ ግና ሞይቱ ስለዝነበረ  እግሩ ኣይሰበሩን። ሓደ ካብቶም ወተሃደራት ግና ጎድኑ ብኲናት ወግኦ። እቶም ዝሰቐልዎ ድማ ንናብ ቤቶም ተመልሱ።        

  ስብሐት ለእግዚእብሔር፥  ወለወላዲቱ ድንግል፥ ወለመስቀሉ ክቡር አሜን።

ምንጪ፥ ግብረ ሕማማት

ብቤትትምህርቲ ሰንበት ደብረ ግእዛን መድኃኔ ዓለም ቤተ ክርስቲያን

ዲን. ማቴዎስ ክንፉ

Comments are closed.