ኪዳነምሕረት

በስመ አብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ አሐዱ አምላክ፡ አሜን።

ምስባክ

ቀደሰ ማኅደሮ ልዑል

እግዚ አብሔር ውስተ ማዕከላ ኢትትሐወክ

ወይረድኣ እግዚአብሔር ፍጽመ።   መዝ.45፣4-5።

ሮሜ .8፣31- ፍጻሜ ።  2ይዮሓ.፣1፣1-7። ግ.ሓዋ. 1፣12-15  ወንጌል. ማቴ.26፣-

እግዝእትነ ማርያም ወላዲተ ኣምላክ ዝገበረቶ ተኣምር እዚ ዝስዕብ ኢዩ። ጸሎታን በረኸታንን ምሳና ይኹን።

  ኣብ መጽሓፍ ስንክሳር ተጻሒፉ ከም ዝተረኽበ በዚ ወርኂ ነሓሰ 16 መዓልቲ፡ ወላዲተ ኣምላክ ጽንዕቲ ብድንግልና ሥጋን ድንግልና ነፍስን ክብርቲ ዝኾነት እግዝእትነ ማርያም ሥጋኣ ንሰማይ ክዓርግ ዝተገብረ ተኣምር። ድኅሪ ዕርገታ ሓዋርያት ካብኣቶም ብፍላይ እናኃዘኑን እናጐሃዩን ክነብሩ እንከለው፤ ዮሓንስ ወንጌላዊ ድማ ኣብ እስያ እትብሃል ሃገር ወንጌል እናመሃረ ከሎ ነሓሰ 16 መዓልቲ ሓጐስ ናብ ዘለዎ ገነት ብመንንፈስ ቅዱስ ተመሰጠ። ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ከኣ ሥጋ እግዝእትነ ማርያም ኣብ ዘለዎ ኣብ እግሪ ዕፀ ሕይወት ተቐሚጥ ረኣየ።

መላእኽቲ ድማ ንምድሪ ክጽውዕዋ ኣዘዞም፡ ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ነቲ፣ ሥጋ ንጽሕቲ ወላዲቱ ከተውፅእዮ ኣዚዙኪ ኣሎ በልዋ። ንጊዚኡ ከኣ ሥጋ እግዝእትነ ማርያም ካብቲ ሥፍራ ዕፀ ሕይወት ዘሎ መቓብር ወፀ። ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ድማ ኣጸናንዓ፥ ዝተፈቶኺ ወላዲተይ ናይ ዘልዓለም ሓጐስ ናብ ዘለዋ መንግሥተ ሰማያት ከዕርገኪ ናባይ ንዒ በላ። ብፍጽም ክብሪ ተቐመጠት፣ ናብ ሰማይ ብኽብሪ ዓረገት። በቲ ጊዜ ዕፀዋት ፍግም በሉ፥ መላእኽትን ሊቃነ መላእክትን፣ ጻድቃንን ነብይ ዳዊት ድማ  'እታ ንግሥቲ ብወርቂ ኦፈር ተሰሊማ፣ ኣብ የማንካ ትቐውም ኣላ።' እናበለ ዓጀባ /ዘመረላ/። ናብ ሰማይ ብኽብሪ ድኅሪ ምዕራጋ፥ ኣብ ልዕሊ ኪሩቤል ሠረገላ ተቐሚጣ ብየማን ወዳን ፈጣሪኣን ተቐመጠት።

ዮሓንስ ወንጌላ ካብኣ ቡራኬ ተቐበለ ሰገደላ ድማ። ካብ ሰማይ ተመሊሱ ወሪዱ ንወላዲት ኣምላኽ ብድንጋሌ ሥጋን ብድንጋሌ ነፍስን ጽንዕትን ቅድስትን እግዝእትነ ማርያም ሥጋኣ ስለ ዝሰኣኑ ሓዋርያት ተኣኪቦም ኃዚኖም ጕህዮም ረኸቦም። ዮሓንስ ግና ከም ዝረኣያ ናይ እግዝእትነ ማርያም ሥጋውን ብፍጹም ሓጐስን ብፍጹም ምስጋናን ናብ ሰማይ ከም ዘዕረግዋ ነገሮም። ሓዋርያት ድማ ከምቲ ዮሓንስ ዝረኣዮ ስለ ዘይረኣዩን ዘይሰምዑን ነዚ ምስ ሰምዑ ፈጺሞም ኃዘኑን ተከዙን።

ሓዋርያት ክኃዝኑን ክትክዙን ከለው ምስጋና ይብጽሓዮ ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ እንሆ ተገልጸሎም። ናይ ፍቕርን ሓድነትን ደቀይ ሰላም ንዓኹም ይኹን፡ ከመይ ኣለኹም ኣንቱም ውሉድ ሰላም ሥጋ ወላዲተይ ማርያም ስለ ዝሰኣንኩም ንምንታይ ትጕህዩ። ልብኹም ምእንቲ ክትሕጐስ ንዓዓ እንሆ ከርእየኩም እየ ኢሉዎም ብፍጹም ክብሪ ናብ ሰማይ ዓረገ።

ዮሓንስ ከኣ ንሓዋርያት ንጐይታናን ንኣምላኽናን ኢየሱስ ክርስቶስ ዝወለደቶ ብድንጋሌ ሥጋን ብድንጋሌ ነፍስን ጽንዕትን ቅፍስትን እግዝእትነ ማርያም ሥጋኣ ንምርኣይ ድልዋት ምእንቲ ክገብረና በታ መዓልቲ እቲኣውን ምእንቲ ክንሕጐስ ንለምኖ።

ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ንዅሎም ሓዋርያት ነሓሰ 16 መዓልቲ ናብ ሰማይ ኣዕረጎም። ንእግዝእትነ ማርያም ድማ ኣብ የማን እቲ ፍትው ወዳ ተቐሚጣ ረኣይዋ። ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ድማ ኣብ ልዕሊ ክቡር ሥጋኣ ገባሬ ሠናይት ካህን ኴይኑ ረኣይዎ። ሊቀ ዲያቆናት እስጢፋኖስ ድማ ምስኡ ኃቢሩ ከገልግል ዮሓንስውን ንእግዚአብሔር ብምፍራህ 'ቁሙ' ክብል፣ ኵሎም ሓዋርያት ድማ ኣብ ዙርያ'ቲ ታቦት ቆይሞም ረኣየ። ፈጺሙ ከምዚ ዝበለ ሓጐስ ተጌሩ ዘይፈልጥ በዛ መዓልቲ እዚኣ ተገብረ። ጐይታና ሥርዓተ ቅዳሴ ምስ ፈጸመ፡ ሥጋኡን ደሙን ሃቦም።

ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ንወላዲተ ኣምላኽ ቅድስት ድንግል ማርያም መዘከርታ ዕርገትኪ ምእንቲ ብኣርባዕተ ወንጌል ክምህሩ በዛ ዕለት እዚኣ ኣዚዘዮም ኣለኹ በላ።

ዝኽርኺ ዝገበረ ንዅሉ ኃጢኣቱ ክድምስሰሉ እየ፣ ንገሃነመ እሳት ድማ ፈጺሙ ኣይርእያን እዩ፡ ኵሉ ሰብ ምሕረተይ ክረክብ ብእኣ ክሕሎ እዩ። በዚ ዕለት'ዚ ሥጋይን ደመይን ዝተቐበለ ድማ ብኽብሪ ክንቅበሎ ኢና፥ እዚ ድማ ሥጋኺ ናብ ሰማይ ዝዓረገሉ መዓልቲ እዩ።

እግዝእትነ ማርያም ድማ ኦ ወደይ እንሆ ብዓይኖም ረኣዩ ብኣእዛኖምውን ሰምዑ ብኢዶምውን ኃዙ፡ ካብኡውን ዝበዝኅ ካልእ ተኣምራት ረኣዩ በለት። ብድንጋሌ ሥጋን ብድንጋሌ ነፍስን ጽንዕትን ቅድስትን እግዝእትነ ማርያም ወላዲተ ኣምላኽ እዚ ክትብል ከላ ንሓዋርያት ሰላምታ ሃበቶም እሞ ናብ ደብረ ዘይት ተመልሱ።

ፍትዋት ኣኅዋት ንሕና ግና ንእግዝእትነ ማርያም ንመዓልቲ ዕረፍታን ዕርገታን መዘከርታ ብሓጐስ ከምዝጥዕም ከነብዕሎ ይግበኣና ኢዩ። ንዘልዓለም ክብሪ ይብጸሓዮ ናብ ወዳ ፈታዊኣ ናብ ኢየሱስ ክርስቶስ ንሳ እትልምነልና ኢያ። ልመንኣን ክብራን ብሓቂ ንዘልዓለም ኣባና ይኅደር፡ ኣሜን።

“ፈለሰት ማርያም በስብሐት ውስተ ሰማያት፡ መላእክት ወሊቃነ መላእክት ወረዱ ለተቀብሎታ፣ ድንግል ማርያም ብምስጋና ናብ ሰማያት ዓረገት፡ መላእኽትን ሊቃነ መላእኽትን ንኺቕበልዋ ወረዱ” (ዝማሬ 16 ነሓሴ)።

ስብሐት ለእግዚአብሔር ልዑል፡ ወለወላዲቱ ማርያም ድንግል፡ ወለመስቀሉ ክቡር ወኀያል፡ አሜን።

ምንጪ- ተኣምረ ማርያም ግእዝን ትግርኛን ፡ ገጽ 465- 467

  ነሓሰ 15፣ 2012 ዓመተ ምሕረት

Comments are closed.