"እዛ መዝሙር እዚኣ"

በስመ አብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ አሐዱ አምላክ

መቀረትን ጣዕምን ናይዛ ዛንታ  ኣብ ታሕቲ ዘላ መዝሙር እንተዘይ ሰሚዕና  ሰለ ዝሃስስ እዛ መዝሙር እናሰማዕና ነቲ ንባብ ክንከታተሎ ተመራጺ ኮይኑ ይስመዓና። መዝሙር ንምስማዕ

 https://www.youtube.com/watch?v=-QN8WonydXs&feature=youtu.be ንጠውቅ። ሰናይ ናይ ንባብ ግዜ !!

“ጐይታይ ንስኻ ናይ ዘለዓለም ሕይወት ቃል አሎካ፡ ናብ መን እሞ ኽንከይድ፧”ዮሐ6፡68

"እዛ መዝሙር እዚኣ"

ካባኻ እሞ ናበይ ጐይታ ካብ ጽኑዕ ፍቅርኻ

ፋልፋሊ ዛራ ሕይወተይ ዕረፍቲ ነፍሰይ ኢኻ

ሃልየ ምሳኻ ምሳኻውን ሞተይ

መጸናንዕየይ ካባኻ እሞ ናበይ

ክሰምዕ ከለኹ ነቲ ድሕሪ ናይ ሠለሰተ መዓልቲ ጕዕዞ ኣብ ሲታ ወዒሽርን ዝበሃል ብዕንጨይትን ጭቃን ዝተሃንጸ ኣጓዱ ፡ ብዝኂ ሕጃብ ዝተኸዳና ኣዋልድን ፡ ካብ ሚሒር ደሮና  ጻዕዳ ጀሊባ ናብ ሓምዳይ ሕብሪ ዝተቀየረ ጀለብያ ዝለበሱ ኣወዳትን ፡ እንትርፎ መሳጊድ እምበር ጥር ትብል ቤተ-ክርስቲያን ዘይትርእየሉ መዓስከር ስደተኛታት ኣብ ሱዳን ዝርከብ ዝኣተናሉ መዓልቲ ትዝ ይበልኒ። እቲ ንምፍጣርካ ዘጽልእ እግሪ ጉዕዞ ዝተጓዓዝናዮ ኢድ እግዚአብሔር ኣምላኽ ክትዓያን ክትሰርሕን ብዓይነይ ርኢያ። ካብ ሳዋ ክንብገስ ከለና ብዘይካ ሓንቲ ናይ ሠለስተ ሊትሮ እትሕዝ  ቡራካ ክሳብ ፍርቃ ማይ ዝመልአት ካልእ ስንቂ ኣይነበረናን። እቲ ቅንዲ ስንቅና እቲ ሰማይን ዝፈጠረ ልዕል ፈጣሪና ምዃኑ ድሕሪ ቁሩብ ሰዓታት ናይ ጕዕዘና ዝበርሃለይ።ጕዕዘና ከምቲ  ብወረ ዝስማዕና’ዮ መንገዲ ሓደ መዓልቲ ኣይጽንሓናን። ንቅሎና ሃንደበት ሰለ ዝነበረ ኣብ መንገዲ ዓድታት ትንፋስ ዝመልስ እኸለ-ማይ ንረክብ ንኸውን ብምባል ዝኾነ ምዕገሲ ከብዲ ኣይተማላእናን ። ሓንቲ ኣይፖድ ግና ነይራትና። እዛ ኣይፕዶ መዝሙርን ስብከትን ተጻዒና ነይራ። ስንቅናን ሞራልና ትፋናን ብምሉኡ ካባዛ ንእሽተይ ምህዞ ኤለትሮኒክስ ይፍልፍል ነይሩ። ከመይ ገይሩ’ዶ በልኩም ፧ሓቅኹም ፡ እቲ ምስጢር ሓደ ብሓደ ክዘንትወልኩም ኣየ ኣይትተሃወኹ።

ካብ ሳዋ ክንብገስ ከለና ቀትሪ ፍርቂ መዓልቲ ሰለዝነበረ ዕንቅፋት ከይገጥመና ኣስታት ሠለስተ ሰዓት ሓውሲ ጉያ ዝተሓወሶ ኣካይዳ ብቅልጣፈ ኢና ተወንጪፍና። ፀሐይ ሳዋ ኣሽንካይዶ ፊተፊት ገጢምካያ ዋላ ኣብ ገዛኻ መዝሓሊ ተጠቂምካ እተቃጽል፡ በሉ እንተ ሒሺኩምሲ ካብኡ ኣይትሕለፉ እናበለት ኣካላትና ርሃጽ ብርሃጽ ከም ዝጩቁ ገበረቶ።ምስቲ ጉያ ፀሐይን ሃሩርን ተሓዊስዎ ኣካላትና ረሃጽ ወዲኡ ጨው ብላዕሊ ቆርበትና ክርአ ጀመረ። ቁራጽ ስጉሚ ዘይተንከፍናሉ መንገዲ ዶሮ ነዊሕ ከተጓዓዝና ነታ ሓዲት ማይ ሒዛ ዝነበረት ጎማ  ከክልተ መዓጎ ብምስታይ ወዳእናያ። ነቲ ማይ ቅድሚ  ምስታይና ዓቢ ክትዕ ፈጥሪና ኢና ።

እቲ ሞጎተ  “ከይተበገስና ማይ ክንብል ዝጀመርና ዕላማና ከይሃረምና ክንጣላቀ” ኢና በለ ቢንያም። ኣነ ታዳኺመ ኣለኹ ዝወረደት ትውረድ ክምለስየ ምስ በለ ቢንያም ነዓ ስለ ማርያም ፡ ሰለ ምድኃኔ-ዓለም ...ስመዓና ኢልና ድሕረ ክንደይ ዋጢጥ ምስ ለመናዮ ደሓን ይእቶ ሰመዓና።  ንድሕሪት ምእንታን ከይተርፍ ብምባል ካብታ ቁሩብ ቁራቦ ዝሓዘይ ማይ ክሰቲ ፈቀድናሉ ።  ንሕናውን ዝወረደት ትውረድ ኣምላኽ ይፈልጥ ኢልና ነቲ ዝተረፈ ማይ ተኻፈልናዮ ጽንቀቅዮ።

ኣ ኣምላኽ ረዲአትካ ስደደልና ብምባል ጸሎት ናብ ላዕላይ ሰማይ ኣመልኪትና ዘጋነፈ የጋንፍ እግዚአብሔር ክርደኣና’ዩ ከይንጠላለም ኣብ ነሓድሕድና ኪዳን ተኣታተና። ኪዳን ኣብርሃም ሳራን ክኾነልና ተመነና። ከምቲ እስራኤል ዘስጋ ካብ ካራን ንከንአን ክእትው ከለው መዓልቲ ብደመና፡ መሸት ብዓንዲ ብርሃን ዝኸለሎም ንዓናውን ከምኣቶም ምሕረቱ ክልእከልና ተመነና።ዝኾነ ሰብ እንተ ደኺሙ ሓዲግናዮ ከይንኸይድ ተደጋጊፍና ብሓባር ክንአቱ ከም ዘለና ማሕላ ፈጸምና። መዓልቱ በዓለ እግዚአብሔር ሰለዝነበረ እግዚአብሔር ኣምላኽ ንስኻ ናትና ቡሶላና ፡ ብቅዱሳን መልኣኽቲ እናዓጀብካ ጕዕዞና ባርኽ ኣብዚ ኣጻምእ ቦታ ቅዱስ ስምካ’ዩ ሓይልና ኢልና ጉዕዛና ቀጸልና። እዛ መዝሙር ካባኻ ‘ሞ ናበይ ጐይታ እትብል ቦኽሪ ንእዝነይ ኣብዚ ኣህላኺ ጉዕዞ እየ ሰሚዓያ።

ካባኻ እሞ ናበይ ጐይታ ካብ ጽኑዕ ፍቅርኻ

ፋልፋሊ ዛራ ሕይወተይ ዕረፍቲ ነፍሰይ ኢኻ

ሃልየ ምሳኻ ምሳኻውን ሞተይ

መጸናንዕየይ ካባኻ እሞ ናበይ

ካባኻ እሞ ናበይ ጐይታ ክብል ከሎ እቲ ዘማሪ እቲ ልቢ ኣምላኽ “ካብ መንፈስካ ናበይ ክኸይድ፣ ካብ ገጽካስ ናበይ ክሀድም እየ፧ ንሰማይ እንተ ደየብኩ፣ ንስኻ ኣብኡ ኣሎኻ፣ መንጸፈይ ኣብ ሲኦል እንተ ኣንጸፍኩ፣ እንሆ፣ ንስኻ ኣብኡ ኢኻ። ኣኽናፍ ወጋሕታ እንተ ወሰድኩ፣ ኣብ ወሰን ባሕሪ እንተ ተቐመጥኩ፣ ኣብኡ ኸኣ ኢድካ ኽትመርሓኒ፣ የማነይቲ ኢድካውን ክትሕዘኒ እያ”መዝ139፡7-10 ኢሉ ዝዘመሮ ኣዘኻኺርኒ። ኣብዚ ኣጽምእ ምድረበዳ እንትርፎ ገያጽ ጎላጉል ፡ ዋላውን እንስሳ ዘይትርእየሉ ፡ ኡይ ኢልካ ረዳኢ ዘይትረኽበሉ ሰብ ጽምጽም በረኻ ፡ ብማይ ጽምኢ ደኺመና ኣብ ቀቢጸ ተስፋ ወደቅና። ንኣስታት ዓስርተ ኣርባዕተ ሰዓት ብዘይ እኽለ-ማይ ተጓዒዝና። መግብናን ስንቅናን እዛ መዝሙር ጥራይ ነይራ። ምድሪ ጸልመተ ፡ ዝፍርሕ ግርማ ለይቲ ፡  ሃራሚኻ ቀታሊኻ ዘይተለልየሉ ጸላም ከበበና ፡ ብጥሚት ተጨቢጢና ነፍስና ብፍርሒ ተዋሒጡ፡ ሓይልና ካብዛ መዝሙር ጥራይ ዝምንጩ ና፡

ካብ ጉድጓድ ናይ ጥፍኣት ዘስጥም ታኼላ

ብጥበብ ትውጻኒ ካብቲ ጽዩፍ ናብራ

ኣምላኸይ ጸጋኻ ንዓይ ዓቢ እዩ

ክገልጾ ዘይክእል ተኣምር ስራሕ’ዩ

ክንሰምዕ ከለና ኣ ኣምላክ ካብዚ ባዕልና ዝአተናዪ ታኼላ ፈተና ኣውጻና ብምባል ጸሎትና በቲ ብድኻም ዝማሰነ ኣፍና ጥርዓና ንልዑሉ ኣምላኽ ነቕርብ ነይርና።  ኣብራኽና ብድኻም ረሸሽ ኢለዎ ምስጓም ስለዝአበዮ አብ ሓደ ኣሻኽ ገረብ ተጸጋዕና። ቢንያም ፡ ኣነስ ብኻ ክምለስ  እናብልኩኽም ተመሊሰ ዓሰርተ ኣርባዓተ ሰዓት ተጓዒዝና ሰብ ኣይረኸብናን ፡ ጩራ ባና መብራህቲ ዓድታት እኳ ንተስፋ  ኣይረኣናን። ኣብዚ ቦታ ቀባሪ ዘይብልና ክንመት ኢና ብምባል ናይ ተስፋ ቆረጽ ቃላት ክዛረብ ጀመረ። ኣሮን፡ ኣጆኻ ቀሪብና ኢና ድሕሪ እዚ መሪር ጉዕዞ እቲ ዝደለናዮ ተስፋ  ክንብጽሕ ኢና። እዛ መዝሙር ትሰምዓ’ዶ ኣለኻ ብምባል ነታ “ካብ ጉድጓድ ናይ ጥፍኣት ዘስጥም ታኼላ ፡ብጥበብ ትውጻኒ ካብቲ ጽዩፍ ናብራ” ትብል ቃል  መልስ ኣቢሉ ሰለ ዝስመዖ ሞራሉ ቁሩብ ሓፍ ከም ዝብል ገበሮ። ብጥበብ እግዚአብሔር ኣምላኽ ካብዚ መሪር ድኻምና ከም ንገላገል እዚ ተጸጊዓ ዘሎ ድኻም ከም ትኪ በኒኑ ከም ዝጠፍና ርግጸኛ እየ። እግዚአብሔር ኣምላኽ ኣብ ዝኾነ ቦታ ምሕረቱ ብዙኅ እዩ ።

ንተንስእ ፡ ንኺድ እቲ ንደቂ እስራኤል ኣብ ኣጻምእ ደገፍ ዝኾኖም ንዓናውን ኣምላከ እስራኤል ጸግዕናን ምርኩስናን እዩ። ካብቲ ተጸጊዕናዮ ዝነበረና ገረብ-ክዳና ነጊፍና ጕዑዘና ቀጸልና። ብሩባሩባ ፡ሑጻ ዝመልኦ ንሓደ ሰዓት ሸታሕታሕ እበልና ምስ ተጓዓዝና ኣግማል ማይ ዝሰትያል ዕቋር ማይ ረኸብና። ተመስገን ፈጣሪ ኣምላኽ ብምባል ካብቲ ኣግማል ዝሰትያሉ ማይ ህነፍነፍ እናበላና ነተን ከም ኩቦ ነቂጸን ዝነበርና ከናፍርና ማይ ኣተርከስናየን ። ተስፋና ትንፋስ ክዕንብብ ጀመረ ፡ ነታ ምሳና ዝነበረት ብራካ መሊእና ፡ ባዕላና ንባዕላን ኣጆኹም ንጸመም ቁሩብ ፡ ቀሪብና ኢና እናበለና ተስፋ ተዋሃሂብና ።ጕዕዘና ክንቅጽል ክልተ ሰልስተ ሱጉም ምስ ኣበልና ሓንቲ ማሕፉዳ(ቦርሳ) ብሽኮቲ(ኣቡ ወለድ) ምስ ጽማቅ ማንጉስ ዝሓዘት ኣብ ቅድሚና ጎፍ በለትና። ብጣዕሚ ዝገርሚ ንገር እንተሃልዩ እዛ መዝሙር ካብ ሓደ ማይ-ቤት ናብ ካልእ ማይ-ቤት ክትሰግር ከላ ምስቲ መዝሙር ዝዛመድ ኣጋጣሚ ይጎንፋና፡

ጐይታይ ካብ መንፈስካ ናበይ እየ ክሃድም

ካብሪ ብርሃን ገጽካ ክኽወል ኣይክእልን

ንመዓሙቅ ልበይ ባዕልኻ ትምርምሮ

ቃል ከየተንባህኩ ሓሳበይ ትፈልጦ

ብፍላይ እታ “ንመዓሙቅ ልበይ ባዕልኻ ትምርምሮ ፡ቃል ከየተንባህኩ ሓሳበይ ትፈልጦ”  ነቲ ዝገጠመና ኩነታት ዝተዘመር ኮይኑ ተሰመዓና።እንታይ ኢና ክንብልዕ፧ እንታይ ከ ፧ ኢና ክሰቲ እናበልና ኣብ ንጭነቀሉ ሰዓት ናይ ልብና ድሌት ኣፍና ከይከፍትና ፡ መግብን መስተን ሓሊፉ ኣዳሊልና ርህሩህ እግዚአብሔር ኣምላኽ። ስሙዑ በለና ኣሮን እዚ ጕዕዘና ክንዲ ዝነወሐ ይንዋሕ እግዚአብሐር ኣምላኽ ምሳና ክሳብ ዘሎ ዝኾነ ቀቢጸ ተሰፋ ዝበሃል ከይነርኢ ኣሕዋተይ  ። ሕጂ ብርሃን ወገግ ሰለ ዝበለ ተሓቢና ኣብዚ ቦታ ክንዊዕል ኢና ዓቅሊ ክደልየና እዩ። ኣብዚ ዘለናዮ ቦታ ክሳብ ፀሐይ ዕራብ ክንሕባ ኢና። ፀሐይ ክትሰቱኽ ምስ ጀመረት ጕዕዘና ክንቅጽል ኢና በለ። ሕራይ ተባሃሂልና ክንዕርፍ ኣብቲ ሑጻ ተሰጣሕና።  ኣብ መሬት ክንዓልብን ደቃስ ክወስደና ሓደ ኮነ። ንኣስታት ኣርባዓተ ሰዓት ምስ ደቀስና ኣብ ከባቢና ድምጺ እንስሳ ክደሀ ጀመረ ። ኣብዚ ከባቢና ሰባት ኣለው ማለት ‘ዩ ኦይ ኣኺልና ሰባት ክሕስውልና’ዩም ተታሒዝና ክንብል ጀመርና።ኣዒንትና ሓቢስና ፡ቁሊሕ ምሊሕ እንተበልና  ሓደ ጓሳ ካብ ርሑቅ ኣጣል እናኸብከበ ናባና ገጸን ክመጽእ  ረአና ፡ ኣዚና ፈራሕና በቃ ኣኺልና ፡ “እዚ ኵሉ ድኻምና ማይ ከም ዝሓቆና ኮይኑ ክንብል” ከለና ኣሮን ግና ኣይትፍርሑ እዚ ዝመጽእ ዘሎ ጓሳ ኣጣል ሰብኽ ሳኽም’ዩ ዝኸውን መንገዲ ከሰላ ሓብርና ክንብሎ ኢና በለ። ንባህራን ዝረደአ ቅዱስ ሚካኤል ኣብዚ ጓስ ሓዲሩ መንገድና ክቅንዓልና ኣዩ ። ኣሮን ከምዚ’ሉ ክዛረብ ከሎ መዝሙር ካባኻ ‘ሞ ናበይ ትብል መዝሙር ከምዚ ትብል ነበረት

“ሰማይ እንተ ደየብኩ ኣብኡ ትፀንሓኒ

ኣብ መንጸፍ ናይ ሲኦል ኢድካ ትረኽበኒ

ካባኻ ፈጸመ ክኽወል ኣይክእል

ምሳኻ መሪጸ ሕይወይ ከስየማቅር”

ናይ ኣሮን እምነት ኣዝዩ ዘደንቅ’ዩ ። ንተስፋና ዝፈተታን ተጻብኦታት ክገጥመና ከሎ ናትና ተስፋ ከም ካሮቲ ንታሕቲ ከንቆልቅል ናይ ኣሮን እምነት ግና እናበረኸ ይኹላዕ። እቲ ጓሳ ጥቃና ምስ ቀረበ ብዘይካ ኣሮን ካልኦት ብፍርሒ ተዋሒጥና ካባኡ ፍንትት በለና። ኣብ የማናይ ኢዱ ሴፍ ሒዙ ስለ ዝነበረ በቲ ሴፍ ጉደአት ከየውርደልና ሰጋእና። እቲ ጓሳ ገጹ ጸዋግ፡ ጸሊም፡ ኣብ ገጹ ሽዱሽተ ሕራጥ ጭንዳሕ ነበሮ። ኣሮን ነቲ ጓሳ ቅርብ ብምባል መንገዲ ከሳላ ክሕብሮ ምስ ሓቶቶ ወያ ጓሳ በቲ ጸያፍ መልሑሱ ገይሩ ቀሪብኩም ኢኩም ፡ ድሕሪ ሽዱሽተ ሰዓት ነታ ጎቦ ምስ ሓለፍኩም መሬት ሱዳን ክትእተው ኢኹም ። በዚ ግና ከይትኸዱ ኣቡኡ ሰራዊት ዓሪዶም ኣለው ከይሕዝኩም ብምባል ካብ ጅብኡ ቅጫ ፊኖ ሃቦ ንኣሮን። መልክዑን ካብ ልሳኑ ዝወጽእ ዝበረ ናይ ድንጋጸ ቃል ፈጺሙ ዘይሳነ እዩ። መሸፈኒ መጽሐፍ ሪኢኻ ንመጽሐፍ ኣይትፍረድ ክብልዎስ ከምዚ እዩ። ርህራሂ ብዝመልኦ ቃላት  ፡ ደቂ ዓደይ ኵላትኩም ትወጺ ኣለኩም ትማሊውን ከማኩም ሰባት ረኺበ ነይረ በዚ ከባቢ ፡ ሰናይ ጕዑዞ ብምባል ተፋነወና። ከምዚ ኢሉ ክዛረብና ከሎ እታ ምስ ኣሮን ዝነበረት ኣይፓድ ከምዚ ትብል ነበረት

ንዓኻ ስዒበ ፍጹም ኣይሓፍርን

ሕይወተይ ካብኻ ክገልያ ኣይክእልን

ኢድካ ትጓስየኒ በጊዕካ እየ ኣነ

ኣብ ደንበ ጉስነትካ ማሚቀ ሓዲረ

ኣማን ብኣማን ኣብ ደገ ጉሱነቱ ማሚቅና ። ዋላካ ንሕና ብፍርሒ ተዋሒጥና ምሕረቱ ክንክሕድ ቀሪብና እንተነበርና ነቱ መጓሰ ሰለ ዝኻና ብምሕረቱ ረድኣና ፡ ፍርሕና ተቀንጢጡ ትብዓት ስነቀና።  ኣእጋርና ብድኻም ነቂጹ ዕንጨይቲ እኳ እንተመሰል  በቲ ዝተወሃበና ተስፋ ሓይሊ ደሊብና ተበገስና። ድሕሪ ሐሙሸተ ሰዓት ነቲ እቲ ጓሳ ዝሓበረና ጉቦ ጽግዕ በልናያ። ነቲ ጎቦ ንየማን ገዲፍና ተጠዊና ንየማን ገጽና ተአለና። ባና ብርሃን ካብ ርሑቅ ረአና። ድሕሪ ክንደይ ድኻም ነቲ ክንበጽሖ ዝደለና ዕላማ ከም ንጭብጦ ርግጸኛታት ኮና። ቁሩብ ብርክና ንስበር ደኺመ በለና ሳሚ ፡ ጻዕዳ እግረይ ይሕመኒ ኣሎ በጃኹም ንዕርፍ በለና። ኣታ ሳሚ ቀሪብና ኢና ተጸመም በለናዮ ። ሰሚ ፡ እግረይ እግረይ ኢሉ ኮፈ በለ። በጃኹም ርድኡኒ  ብምባል  ናብ መሬት ጻሕ በለ። ጫምኡ ኣውጺና እንተ ረኣና እሾኽ ወጊእዎ ጸንሐ፡ንሱ ከይኣክል ከብዲ እግሩውን ማይ ሚዒጉ ደም ሰረበ።

እንታይ ቁርሱስ ዓድሉ’ዩ ወደይ በለ ቢንያም ። ኣጋ ምቅራብና ፡ እንታይ መኻልፍ ይበሃል እናበለ ርእሱ ኣድነነ። ኣሮን ፡ስምዑ ቢንያም ንስኻ ምስ መራ ሕለፉ ንሕና ቀስ ኢልና ከነርክበኩም ኢና ።

ሳሚ ፡ክልቲና ኣብዚ ካብ ንተርፍ አነ በይነይ ክመዉት ይሓይሽ ፡ በይነይ ኣብዚ ክተርፍ እየ በለና። ኣነን ኣሮን ከምዚ ኢልካ ከለኻ ኣይንገፈካን በልናዮ።

ቢንያም፡ ሓቁ’ዩ ንሕና ንኺድ እሞ ዋላ ምስ ኣተና መኪና ሒዚና ንመጾ በለ። ኣነን ኣሮን ንቢንያም ብገጽና ገናሕናዮ ። “ምስ ኣሮን ኣነየ ምስ ሳሚ ዝተርፍ “ተባሃሂልና ቡዙሓ ተኻታዕና ኣብ መጨርሽታ ግና ምስ ቢንያም ክኸይድ ከም ዘለኒ የእመነኒ ። ጸሎት ጌርና በቃ በሎ ኣጆምኹም ንሕና መኪና ወይ ሰባት ክሰደልኩም ኢና ኢልናዮም ተፈላለና። ክንፋነዎም ከለና እታ መዝሙር ከምዚ እናበለት ትዝመር ነበረት።

ተስፋይ ኢኻ ነዓይ ጉልበተይ ብርተዐይ

ሓይሊ ትኾነኒ ልዕል ዘብል ከውሐይ

ብርሃን ንመንገደይ መብራህቲ ንእጋረይ

ኣምላኽይ ንስኻ ደራዚ ንብዓተይ

ኣምላኽይ ንስኻ ደራዚ ንብዓተይ ምስ ሰማዕኩ ኣሮን ነቲ ክንብገስ ከለና ዝኣተናዮ ኪዳን ቅተሎ ፡ ቅደዶ ዝበለኒ ኮይኑ ሰለ ዝተሰመዓኒ ብፍጹም ኣይከይድን እየ በልኩ ደጊመ። ሕማቅን ጽቡቅን ምሳኹም ክቋድሶ ይሕሸኒ በልክዎ።

ኣሮን፡ ብወላዲተ ኣምላክ ከምኡ ኣይኮን ማሕላኻ ኣይጠለምካን እኳ ደኣ ተጽንዖ ኣለኻ ምስ በለኒ ልበይ ተደዓዓሰ ።

ቢንያም፡ ኣታ መራ ዓርከይ ንሕና እንተ ኣቲና ኣይንድቅስ ኢና ሰብ ክንልእከሎም ወይ ባዕላና ስንቂ ሒዚና ንምለሶም በለኒ። “ሓይሊ ትኾነኒ ልዕል ዝብል ከውሐይ” ትብል ኣላ እዛ መዝሙር እሞ ኣምላከ ምሳኹም ይኹን ብምባል እናነባዕና ተሳፋነናዮም። ድሕሪ ናይ ሸውዓተ ሰዓት  ጉዕዞ ሲታ ወዒሽርን ዝበሃል መዓስከር ኣተና። እትው ምስ በለና ሰባት ንበዓል ኣሮን ዋላ ዝኸፈልና ከፊልና ዝምጽዋም ደለና ፡ ወይ ከ ብቀሊሉ ክንረክብ ኣይከኣልናን። እታ ለይቲ ኣይደቀስኩን ሓዲረ ፡ ንጽባሒቱ ነቶም ደቂ ዓዲ ኤርትራውያን ፡ ሰባት ዝተሓባበሩና ከናድዩልና ሓተትናዮም ።

ሓደ መንእሰይ ወዲ ቁሩብ ተስፋ  ሃበና ። ንተሌፎን መደወሊ ቁርብ ገንዘብ ሃቡኒ ፡ ሎሚ መዓልቲ ፡  እንተዘይ ኮይኑ ግና ጽባሕ ኣሕዋትኩም ጥብ ከብለልኩም’የ ብምባል ፍናን ብፍናን መልአና ። ሕራይ ኢልና ሠለስተ ሚኢቲ ናቅፍ ሃብናዮ በቃ ደሓር ኣብቲ መዓስከር ከመጸኩም’የ ቅሰኑ ኢሉ ካብ ቅድሚ ገጽና ተሰወረ። ምሉእ መዓልቲ መልሲ ሒዙ ክመጸና እንተ ተጸበና ወዮ ተስፋ ዝሃበና ወዲ ብኡቢሉ ተሸርበ። ተጸዊትልና ገንዘብና ወሲዱ ኣብ ልዕሊ እቲ ዝነበረና ጭንቀት ፡  ሻቁሎትና ሰማይ ከም ዝስቀል ገበሮ።

ኣብቲ ከባቢ መዓስከር መንእሰያት መዛናግዒ ክኾኖም ኵዕሶ ይጻወቱ ። ገሊኦም ክዳውንቶም ክሓጽቡ ኣብቲ ጥቃ ባስካ ዑሙቅ ዝበለ ጉድካድ ኵዒቶም ጎማ ይንጽፉ ። ገለ-ጎሊኦም ተኣኪቦም ድማ ዳማን ካርታን ይጻወቱ ። ኣነን ቢንያምን ኣብ ውሽጢ ባሕሪ ሓሳብ ተዋሒጥና ኣብ ጥቃ እታ ንድቅሰላ ቴንዳ ተኬዛና ከለና ሓንቲ ሎሪ ሸውዓተ ሰባት ዝሓዘት ናብቲ መዓስከር ደበኽ በለት ። ምስቶም ኣብ ድሕሪት ተጻዒኖም ዝነበሩ ኣሮን ዘሊሉ ክወርድ ረኣናዮ ። ንሳሚ ክንርእዮ ሰለ ዘክኣልና እዋይ ሳሚ ሓወይ ሞይቱ ማለት’ዩ በልና ። ኣሕ በኻ ተሪፊና ነዚ ክንገብር’ዶ መጸና ፡ እናበልና ናብ ኣሮን ተጓይና ብምኻድ ቅድሚ ሰላምታ ሳሚ ፡ ሳሚ ኸ ኣበይ ኣሎ ኢልና ምስ ሓተትናዮ  ናብቲ ናይ ቅድሚት መዓጾ እናረአየ እታ መዝሙር ንሰምዓ ዝነበርና ዝክሩ ብምባል

ካብ ጉድጓድ ናይ ጥፍኣት ዘስጥም ታኼላ

ብጥበብ ትውጻኒ ካብቲ ጽዩፍ ናብራ

ኣምላኸይ ጸጋኻ ንዓይ ዓቢ እዩ

     ክገልጾ ዘይክእል ተኣምር ስራሕ

በለና።

ስብሐት ለእግዚአብሔር

ወለወላዲቱ ድንግል

ወለመስቀሉ ክቡር

ልዋም ሰለሞን ምስ ራህዋ ተስፋይ

2018/09/03

Comments are closed.