"ኣየ ፍቕሪ!" ብቅዱስ ዮሓንስ ኣፈወርቅ

በስመ አብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ አሐዱ አምላክ፡ አሜን::

ዘይሓምም ሓመመ፣ ዘይተሓዝ ተሰቕለ፣ ዘይመውት ሞተ።

ፍቕረይ ደሪኽዎ!

ኣየ ፍቕሪ!

ነቲ ዘይሓምም ሕማሙ ነዘንቱ፣ ነቲ ዘይመውት ሞቱ ነዘንቱ፣ በታ ምስ ደቂ መዛምርቱ ዝተቐመጠላ ለይቲ፣ ብፍቓድ ኣቡኡን ብፍቓድ ገዛእ ርእሱን ነፍሱ ንሞት ወፈየ።

ነቲ ኹሉ ዝሕዝ ሓዝዎ፡ ነቲ ገዛኢ ኹሉ ኣሰርዎ

ነቲ ሕያው ወዲ ኣምላኽ ኣሰርዎ፡ ንሳቶም ብቑጥዓ ጎተትዎ

ንሱ ግና ብፍቕሪ ሰዓቦም፡ ከምቲ ኣብ ቅድሚ መቐዝቱ ዘይዛረብ ሕያዋይ በጊዕ ደድሕሪኦም እናሰዓበ ከደ

ነቲ ሊቃነ መላእኽቲ ብፍርህን ብራዕድን ዝቖሙሉ ኣብ መጋባእያ ኣቖምዎ

ነቲ ሓዳግ-ሓጢኣት ሓጥእ በልዎ

ነቲ ንመኳንንቲ ዝፈርድ ፈረድዎ

ነቲ ንሱራፌል ዘውዲ ኣኽሊል ዝደፍኣሎም፣ ኣኽሊል እሾኽ ደፍእሉ

ነቲ ንኪሩቤል ግርማ ዘልብሶም፣ ንላግጺ ቀይሕ ግምጃ ኣልበስዎ

ነቲ ኪሩቤል በኽናፍ ሓዊ ተሸፊኖም ዝኽወልሉ፣ ንዕኡ እኩይ ባርያ ኢዱ ኣትሪሩ ገጹ ጸፍዖ።

ነቲ ሠራዊት መላእኽቲ ብዓቢይ ስንባድ ዝሰግድሉ፣ እናሽኻዕለሉ ኣብ ቅድሚኡ ተምበርከኹ።

ኣየ! ከምዚ ዝበለ ትሕትና ከመይ ዝብለ ትሕትና እዩ፣ ከምዚ ዝበለ ትዕግስቲኸ ከመይ ዝበለ ትዕግስቲ እዩ።

ከምዚ ዝበለ ዓቕሊኸ ከመይ ዝበለ ዓቕሊ እዩ።

ኣየ! ከምዚ ዝበለ ሕያውነትከ ከመይ ዝበለ ሕያውነት እዩ፡

ኣየ ፍቅሪ! ክንድዚ ዝኣክል ንሰብ ምፍቃር!

ንወዲ ኣምላኽ ካብ መንበሩ ፍቅሪ ሰሓቦ፡ ክሳብ ሞት ከኣ ኣብጽሖ።

ነቲ ኣበሳ ዘይብሉ ከም ኣበሰኛ ሰቐልዎ። ነቲ ሕይወት ዝፈጠረ ምስ ገበነኛታት ቆጸርዎ።

ኣየ እተን ንኣዳም ዘፈጠራ ኣእዳው ብሽካር ኣብ መስቀል ተሸንከራ።

ኣየ! እተን ኣብ ገነት ዝተመላለሳ ኣእጋር ብመስማር ኣብ መስቀል ተሰመራ።

ኣየ! እቲ ንኣዳም መንፈስ ህይወት ኡፍ ዝበለሉ ኣፍ ምስ ሓሞት ዝተሓወሰ መጺጽ [ነገር] ሰተየ።

ኣየ! ናይ ወላዲ መከራኡ ኪዛረብ ዚኽእል፡ ኣየናይ ልሳን፡ ኣየናይ ከንፈር፡ ኣየናይ ኣፍ እዩ።

ናይ ፍቁር ወልድ መከራ ኪንገር ከሎ፡ ልቢ ይኽፈል፡ ሕልና ይዓረብ፡ ነፍሲ ትርዕድ፡ ስጋ ይደክም።

ዘይመውት ሞተ፡ ንሞት ክስዕሮ ሞተ፡ ንምውታት ከሕውዮም ሞተ።

"አርብዓ መዓልተ ወአርብዓ ሌሊተ፤ ለዘአውረደ ሎሙ ኅብስተ፤ ህየንተ ሠናይ ፈደይዎ እኪተ…… ነቲ ኣርብዓ መዓልትን ኣርብዓ ለይትን ኅብስቲ ዘውረደሎም፡ ኣብ ክንዲ ሠናይ ኽፉእ ፈደይዎ።" እሴብሕ ጸጋከ ፡ መጽሓፍ ሰዓታት

"ወበእንተዝ ዝንቱ ተጸዋዕክሙ እስመ ክርስቶስኒ በእንቲአክሙ ሐመ ይኅድግ ለክሙ ማዕተበ ከመ ትትልዉ አሰረ ዚአሁ።………ንስኻትኩምውን ነዚ ኢኹም እተጸዋዕኩም፡ ክርስቶስ ድማ ምእንቲ ኣስር ኣሰሩ ኽትስዕቡ ኢሉ ምእንታኹም መከራ ተቐበለ፡ ኣርኣያውን ኃደገልኩም።" 1ይ ጴጥ. ፪፥፳፩ /2፥21

"ይትባረክ እግዚአብሔር ዘሰመየ ሕማማተ ወልዱ ክብረ ወስብሐተ።…… ሕማማት ወዱ ኽብርን ምስጋናን ኢሉ ዝሰመዮ እግዚኣብሔር ይመስገን (ይባረኽ)።" ቅዱስ ዮሓንስ ኣፈወርቅ

ምንጪ: ቅዳሴ ዮሓንስ ኣፈወርቅ (347-407 A.D) source: John Chrysostom (347-407 A.D) (Golden mouth): Liturgy Page 2

ወስብሐት ለእግዚአብሔር!

Comments are closed.