ኣቦ መነኮሳት ኣባ እንጦንዮስ

በስመ አብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ አሐዱ አምላክ፡ አሜን:

                                           

 'ዝክረ ጻድቅ ለዓለም ይሄሉ…… መዘከርታ ጻድቅ ዘልዓለም ይነብር።' መዝ 112፡7

 ቅዱስ ኣቡነ እንጦንዮስ ትውልዱ ካብ ሃገር ቅማን ሰሜን ምስሪ ግብጺ ኮይኑ ካብ ኣመንቲ ሥድራ ዝተወልደ እዩ። ውላድ ምስ ወለዱ ናብ ቤተ ክርስትያን ክኸይድ ከሎ ቅዱስ ቍርባን ይቘርብ ነበረ። ምስ ሕፃናት ኣይላገጽን ነበረ፡ ወዲ ሸውዓተ ዓመት ምስ ኮነ መጽሓፍቲ ቤተ ክርስትያን ኣብ መዋዕለ ሢመቱ ንኣባ ቴዎናስ ሊቀ ጳጳስ ናይ እስክንድርያ ተማሂሩ። ኣባ ቴዎናስ ዜና ኣባ እንጦንዮስ ምስ ሰምዑ ጸዊዑ ባሪኹ ከምዚ ኢሎም ተነበዩሉ “እዚ ሕፃን'ዚ ኣብ ቅድሚ እግዚአብሔር ዓብይ ክኸውን እዩ፡ ዜናኡ ኣብ ኵለን ሃገራት ክበጽሕ እዩ።” በሉ፡ ባሪኾም ድማ ዲቁና ሠመይዎ። ብድኅሪ'ዚ ወለዱ ነዚ ቅዱስ ንእሽቶይ ኃፍቱ ኃዲጎምሉ ካብዛ ዓለም ብሞት ተፈለዩ። ከም ልማዱ ድኅሪ 7 ወርኂ ናብ ቤተ ክርስትያን ከደ፡ ፍቅረ መንፈስ ቅዱስ ኣብ ልቡ ኣተወ። ኣባ እንጦንስ ዅሉ ወለዱ ዝኃደግሉ ንብረትን ሃብትን ንነዳያን ሂቡ ንኃፍቱ ድማ ናብ ደብረ ደናግል ወሰዳ፡ ንሱ ድማ ናብ በረኻ ከይዱ ብጾምን ጸሎትን ተጸሚዱ ንእግዚአብሔር እንዳሥመረ ምስ ከደ ብኡ ንብኡ ናይ ኣጋንንቲ ፈተና ገጠሞ፡ እንተኾነ ግን ነዚ ኵሉ ፈተናታት ብረድኤት እግዚአብሔር ይስዕሮ ነበረ። 

  ብዙኃት ሰባት ሰማዕትነት ከምዝረክቡ ምስ ሰምዐ ንሱ ድማ ሰማዕትነት ክረክብ ደብሪ ኃዲጉ፡ ጐይታ ብዝኣዘዞ መሠረት ንሕዝቢ ክምህርን ከናዝዝን ናብ ‘ሃገር ፍዮም’ ከደ፡ ብዙኃትውን ተማሂሮም ብገድሊ ተጸምዱ። እግዚአብሔር ኣምላኽ ንጥቅሚ ብዙኃት ሕዝቢ ስለዝዓቀቦም በቲ ዘመን'ቲ ሰማዕትነት ኣይረኸቡን። መዋዕል ስደት ብቅዱስ ጴጥሮስ ሊቀ ጳጳሳት ናይ እስክንድርያ ተፍጻሜ ሰማዕት ምስ ተፈጸመ ናብ ደብሮም ተመልሱ። ልብሲ ቅዱስ ኣባ እንጦንዮስ ማቅ ጸጕሪ እዩ፡ ብዙኃት ሕሙማትን ድውያትን ብጸሎቶም ፈዊሶም። ትዕቢት ከይስምዓኒ ሥልጣን'ውን ከይህቡኒ ኢሉ ናብ ላዕላይ ግብጺ ብፍቓድ እግዚአብሔር ከዱ። 

  በቲ መዋዕል ዝነበሩ ናይ ኣፍርጊን ንጉሥን ንጉሥ ቆስጠንጢኖስን በቲ ዝተዋህቦም ናይ እግዚአብሔር ጸጋን ረድኤትን ምስ ሠራዊቶም ይናዝዝዎምን ይባርኽዎምን ነበሩ። መንገዲ ጽድቂ እናመሃሩ ንሽዱሽተ ወርኂ ምስኦም ተቀመጡ፡ ኣብ ሰንበት ሰንበት ብሩህ ደመና ናብ ደብሮም ተብጽሖም እሞ ነቶም ውሉዶም የጸናንዕዎም ነበሩ። 

  ጐይታናን ኣምላኽናን ኢየሱስ ክርስቶስ ተገሊጹ ‘ኦ እንጦንዮስ ፍቁረይ! ምእንቲ ጻማካን ተጋድሎኻን፡ ምእንቲ ፍቅረይ ኣነ ስምካ ኣብ ኵሉ ዓለም ከዕብዮ እየ፡ እተን ገዳማትን ኣድባራትን ድማ መኅደሪ ነቶም ጸዓዱ ረጋቢት ዝኾኑ መነኮሳት ክገብሮም እየ። ዝኽርካ ዝገበረ፡ ብስምካ ዝመጽወተ፡ ዕጣን ቍርባን ዝህብ፡ ገድልካ ዝሰምዐ፡ ዘስምዐ ዝጸሓፈ፡ ዘጽሓፈ ዓስቡ ከቶ ከምዘይስእን። ኣብዚ ሥጋኻ ዝቅበሮ ደብሪ ድማ መላእኽቲ፡ ጻድቃንን መነኮሳትን ክገብረልካ እየ። ነቶም ነገሥታት ምድሪ ንደብርካ ገጸ በረኸት ከምዝህቡ ክገብር እየ’ ኢልዎም ንሰማያት ዓረገ። ኣባ እንጦንዮስ ኣዝዮም ተሓጐሱ ብዙኃት መነኮሳት ከምዝፈርዩን፡ ምእንቲ መወዳእታ ዓለምን ተነበዩ፡ ንኣባ መቃርስ'ውን ምንኩስና ኣልበስዎ።

 ኣባ እንጦንስ ዕረፍቶም ከምዝኣከለ ምስ ፈለጡ ንደቁ ጸዊዑ በትሩ ንኣባ መቃርስ፡ መንጸፉ ንኣባ ኣትናቴዎስ ዓብይ፡ ኣልባሱ ድማ ንሰራብዮን ኤጲስቆጲስ ክህብዎም ኣዘዝዎም፡ ደቁ ድማ ነቲ ትእዛዝ ፈጸሙ። ኣባ እንጦንዮስ ነፍሶም ከይተሓጸቡ ን120 ዓመት ድኅሪ ምግዳል፡ ብዕለት 22 ጥሪ ኣብ መበል 120 ዓመቶም ብሰላም ዓረፉ። 

ዓርኬ

 "ሰላም ለብሕታዌሁ እንበለ ሕጸጽ ወንትጋ፡ ውስተ ናሕስ ከም ዖፍ ወበቤት አምሳለ ጉጋ፡ ብእሴ ሰማይ እንጦኒ ወመልአከ ምድር በጸጋ፡ ለቤተ ብሌኔ እንዘ ይሜንን ሕጋ፡ መዋዕለ ሕይወቱ ኢተኅጽበ ሥጋ።’

 ፳፪ (22) ጥሪ መጽሓፈ ስንክሳርና ዝዘከሮም ምስ ንርኢ፡

  • ኣበ መነኮሳት ዝኾነ ኣቡነ እንጦንዮስ ዕለት ዕረፍቱ
  • ናይ ማንፍ ኤጲስቆጶስ ቅዱስ ሚናስ ዝክሩ እዩ
  • ዓመታዊ ክብረ በዓል ናይ ሊቀ መላእክት ቅዱስ ዑራኤል

ወርኃዊ ክብረ በዓሎም ድማ፡

  • ወንጌላዊ ቅዱስ ሉቃስን
  • ቅዱስ ደቅስዮስን ዝክሮም እዩ፣ ጸሎቶምን በረኸቶምን ረድኤቶምን ምስ ኵልና ሕዝበ ክርስትያን ይኹን ኣሜን።

ስብሐት ለእግዚአብሔር ልዑል፡ ወለወላዲቱ ማርያም ድንግል፡ ወለመስቀሉ ክቡር ወኃያል፡ አሜን።

    ዲያ. ዳንኤል ኣብርሃም

Comments are closed.