ኣብ ሰሙነ ሕማማት ዝግበሩን ዘይግበሩን ነገራት:

በስም አብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ አሓዱ አምላኽ አሜን።

1.ካህናት መስቀል ኣይሕዙን ንሕና‘ውን መስቀል ኣይንሳለምን። እዚ ድማ ክብርን ኃይልን መስቀል ዝተገልጸ ጐይታ ድሕሪ ምስቃሉ ስለ ዝኾነ እዩ። ኣብ ሰሙነ ሕማማት ካብ ሰኑይ ክሳብ ዓርቢ ዘለዋ መዓልታት ናይ ብሉይ ኪዳን ምሳሌታት እየን። በዚ ጊዜ ድማ ናይ መስቀል ኣጎልጉሎት ኣይተጀመረን'ሞ መስቀል ኣይንሳለምን። ብተወሳኺ ድማ ንስሓ ኣይወሃብን፡ ንዝተወልደ ጥምቀተ ክርስትና ንዝሞተ’ ውን ፍትሓት ኣይግበርን።

  1.  ብምስዓም ሰላምታ ኣይንለዋወጥን። ናይዚ ምኽንያት ድማ ይሁዳ ንጐይታና መድኃኒና ኢየሱስ ክርስቶስ ብምስዓም ንኣይሁድ ኣሕሊፉ ስለ ዝሃቦ እዩ። ንሕና እውን ክፍኣት ከም ዘለዎ ከም ይሁዳ ሰላምታ ከም ዘይብልና ንምግላጽ ኣይንሰዓዓምን። እዚ ማለት ግን ዝተሰዓዓመ ኃጥያት ጌሩ ኣሎ ማለት ኣይኮነን። ብሉይ ኪዳን ሙዃኑን ፍጹምን ሰላም ከም ዘይነበረን ንምግላጽ እዩ።
  1. በዚ ቅዱስ ሰሙን እዚ ዝጽለዩ ጸሎታት ዝተፈልዩን ዝተመርጹን እንተኾኑ፥ ንሳቶም ድማ መዝሙረ ዳዊት፡ ውዳሰ ማርያም፡ ሕማማተ መስቀል፡ ድርሳነ ማሕየዊን ቀንዲ ድማ መጽሓፍ ቅዱስ እዩ። ናይ ቅዱሳን ገድልታትን ድርሳናትን ከምኡ'ውን መልክዓ መልክዕ ኣይድገሙን። ምኽንያቱ በዚ ሰሙን ናይ በቴክርስቲያን ምሉእ ኣገልግሎት ብዛዕባ ናይ ክርስቶስ ሕማሙን መከርኡን ዝዝከረሉ ስለ ዝኾነ እዩ።
  2. ኣብ ሰሙነ ሕማማት ካብ ጾም 40 ብዝበለጸ፡ ብጾም፡ጸሎትን ስግደትን ንሕልፎ እምበር፥ ድልየት ሥጋ ዘጽግቡ መግብታትን ጋይላታትን ኣይንገብርን። ክርስቶስ ምእንቲ ፍቅርና ሥግኡ ተወዲኡ ኣዕጽምቱ ክሳብ ዝርኤ ዝተገርፈልና ጊዜ እዩ እሞ፥ ፍቅሩ እንዳሓሰብና ብጾምን ስግዳንን እንጸንዓሉ እዋን እዩ።
  3. ከምቲ እንፈልጦ ዝስገደለንን ዘይስገደለንን በዓላት ኣለዋ። ዘይስገደለን መዓልታት ድማ ቀዳመ ሰንበት፡ በዓለ እግዚአብሔር (29)፣ በዓለ ቅድስት ድንግል ማርያም (21)፣ በዓለ ቅዱስ ሚካኤል (12) እየን። ኣብ ሰሙነ ሕማማት ግን ዝኾነ ይኹን በዓል እንተኾነ ስግዳን ኣይቃረጽን ፡ሕማማት ካብ ኩለን በዓላት ዝበልጽ እዩ እሞ፥ ኣብ ዓመት ውሽጢ ድማ ሓደ ጊዜ ዝመጽእ ሰሙን ብሙዃኑ ብስግደት ነኽብሮ።
  4. ናይ ሰሙነ ሕማማት ሥርዓት ጾም ካብቶም ዝሓለፉ ናይ ጾም 40 ሰሙናት ቁሩብ ፍልይ ዝበለ እዩ፡ ክሳብ ከዋኽብቲ ሰማይ ዝመልኡ (7:00 ናይ ምሸት )ንጸውም። እቶም ዝኸኣሉ ግና ኣብ መበል 2ይ መዓልቲ መግቢ ይምገቡ። እዚ ማለት ድማ ሰኑይ እንተ ዘይጠዓሙ ሰሉስ ምሸት 7፡00 ሰዓት ይምገቡ። ሰሉስ ዝበልዑ ድማ ክሳብ ምሸት ሓሙስ ብምጻም ይምገቡ። ካብ ሓሙስ ድማ ክሳብ ቀዳም ለይቲ (ትንሣኤ) ኣኽፍሎት ብምግባር (ምጥላቅ) በዓል ትንሣኤ የኽብሩ ። ኣኽፍሎት/ምጥላቅ ፡ማለት ድማ ካብ ሓሙስ ምሸት (ንዘይከኣሉ ድማ ካብ ዓርቢ ምሸት) ክሳብ ቀዳም ለይቲ (ትንሣኤ) ብጾም ምጽናሕ ማለት ይኸውን። ነዚ ዝጀመሩ ድማ ኣዴና ቅድስተ ቅዱሳን ድንግል ማርያም፡ ቅዱስ ዮውሓንስን፣ ቅዱስ ያእቆብን "ጐይታና መድኃኒና ኢየሱስ ክርስቶስ ካብ ሞት ክሳብ ዝትንሥእ እኽሊ ኣይንጥዕምን"ኢሎም ስለ ዝጾሙ እዩ።

   ጾምናን ጸሎትናን ስግደትናን ይቀበለልና።

እንበለ ደዌ ወሕማም እንበለ ጻዕር ወድካም አመ ከመ ዮም ያብጽሓነ ያብጽሕክሙ እግዚአብሔር በሰላም።

ኣምላከ ቅዱሳን መድኃኔ ዓለም ኢየሱስ ክርስቶስ ፣ ብሩኽ ሰሙነ ሕማማት ይግበረልና። ናብ ብርሃነ ትንሣኤ ብሰላም የብጽሓና።  

Comments are closed.