ኣቡነ ዓብየ እግዚእ

በስመ አብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ አሐዱ አምላክ፡ አሜን።

 

ኣቡነ ዓብየ እግዚእ [19 ግንቦት]

 ‘ዝክረ ጻድቅ ለዓለም ይሄሉ፡ መዘከርታ ጻድቅ ንዘለዓለም ይነብር’  (መዝ 112፡7)

ቅዱስ ኣቦና ኣቡነ ዓብየ እግዚእ ካብ ኣቡኦም ያፈቅረነ እግዚእን ካብ ኣዲኦም ጽርሃ ቅዱሳንን ብዘመን ኣልኣሜዳ፡ ብ7ተው ኅዳር ተጸኒሶም ብሓደ ግንቦት ኣብ መረታ ዝበሃል ትግራይ ቦታ ተወልዱ፡ ስሞም ድማ እንጦንስ ተሰምዩ። ዕድሚኦም ወዲ ሸውዓተ ዓመት ምስ ኮኑ ብመሪሕነት መንፈስ ቅዱስ ናብ ናይ ምንኩስና ቦታ ኣምርሑ፡ ካብ ኣባ ዘርአ ሚካኤል ዝበሃሉ መነኮስ ብዛዕባ ትምህርተ ወንጌልን ሥርዓተ ምንኩስናን ሥርዓተ ቤተ ክርስትያን ተማህሩ። ቅዱስ ኣቦና ከምቲ ኣብ ወንጌል"ብፁዓን እለ ይሰደዱ በእንተ ጽድቅ እስመ ሎሙ ይእቲ መንግሥተ ሰማያት ፡ ምእንቲ ጽድቂ ዝስደዱ መንግሥተ ሰማያት ንዓዓቶም እያ እሞ፡ ብፁዓን እዮም” (ማቴ 5፡7-10) ብዝብል ቃል ወንጌል ተመሪሖም፡ ንመጀመርታ ጊዜ ናብ ናይ ጾም ሱባኤ ኣብ ኣገፋት ዝበሃል ቦታ ኣተው። ብጾምን ጸሎትን ተወሲኖም ምስ ጸንሑ፡ ብድኅሪኡ ናብ ደብረ ዓባይ ዝበሃል ገዳም ኣብ ሓርማዝ ተወጢሖም ከዱ። ኣብዚ ቦታ በረኸት እግዚአብሔር ተቐቢሎም ናብ ገዳም ዋልድባ ኣባ ሳሙኤል ንምንኩስንኦም ብጾምን ጸሎትን ከጽንዑ ከዱ። ብድኅሪዚ ብመንፈስ ቅዱስ ተመሪሖም ብናይ ደመና ኣፍራስ ሠረገላታት ተጻዒኖም ናብ ኢየሩሳሌም ብምብጻሕ ንናይ ጐይታ መቃብር ተሳሊሞም በረኸት ተቀቢሎም፡ ንሃገሮም ክምለሱ ከለው ከምቲ ንእማን ሶርያዊ ካብ ኢየሩሳሌም ክልተ ጽዕነት ኣድጊ ዝኸውን ናይ ሓመድ ጸበል ናብ ዓዱ ዝወሰደ (2 ነገ. 5፡17)፡ ከምኡ ድማ እዞም ቅዱስ ኣቦና በቲ ቅዱስ ሚካኤል ሊቀ መላእክት ዝነገሮም መሠረት ናይ ኣቡነ እንጦንስን መቃርስን፡ ካብ ናይ ሓዋርያ ቅዱስ ጴጥሮስን ጳውሎስን መቃብር፡ ካብ ናይ ደብረ ምጥማቅ ቅድስት ድንግል ማርያም ገዳም፡ ካብ ናይ ሓዋርያ ቅዱስ ማርቆስ መቃብር፡ ካብ ናይ ካልኦት ቅዱሳን መቃብር ጸበል ተማልኡ።

ብድሕኅሪዚ ቅዱስ ሚካኤል ገዳሞም ‘ተነስሓ’ ኣብ ዝበሃል ቦታ ከምዝኸውን ብራእይ ገለጸሎም፡ ነቲ ዝኃዝዎ ጸበል ኣብኡ ኂዞሞ ከደ። ንቅዱስ ኣቦና ኣቡነ ዓብየ እግዚእ ምምጽኦም ዝረኣዩ ኣብ ተነስሓ ተቀቢሮም ቅዱሳን ኣቦታትና ከምቲ ኣልኣዛር ካብ ሙታን ዝተንሥአ ተንሢኦም ተቐበልዎ፡ (ዮሓ 11፡38-44)። በቲ ዝገበርዎ ተኣምራትን መንክራትን ስሞም ካብ እንጦንዮስ ናብ ዓብየ እግዚእ (ትርጕሙ ‘ዓብይ ጐይታ’) ተባሂሎም ተሰምዩ፡ ናብ ሃገርና ኤርትራ መጺኦም ድማ ብዙኅ ትምእርትን ተኣምራትን ገበሩ። ካብ ዕለታት ሓደ መዓልቲ ሓንቲ ሰበይቲ ናይ ኣቦና ኣቡነ ዓብየ እግዚእ ዜና ሰሚዓ ካብ ርሑቅ ሃገር ናብ ኣቦና መጸት፤ እናሰገደት ድማ ‘ኣቦና ዜናካ ሰሚዐ መጺኤ ኣለኹ!’ በለቶም። ኣቦና ዓብየ እግዚእ ድማ ‘ብምንታይ ምኽያት ድኣ ናባይ መጻእኺ፧’ በልዋ ንሳ ድማ ‘ብርቱዕ ረስኒ ኣለኒ፡ ብዘይ ምቁራጽ ብመዓልትን ለይትን ደም ካብ ሰብነተይ ይፈሰኒ። ካብ ብዝኂ ኅፍረት ዝተላዕለ ምስ ሰብ ክቀርብን ክዛረብን ኣይኽልን፡ ብዛዕባ ተኣምራትኩምን መንክራትኩምን ሰባት ክዛረቡ ሰሚዐ ማለት ከምዚ ይብሉ ነበሩ፤ ‘ሓደ መነኮስ ዓብየ እግዚእ ስሞም ምውታን ዘተንሥኡ ሕሙማት ዝፍውሱ ከም ሓዋርያት ኣጋንንቲ ዝግሥጹ፡ ዅሉ ዝበልዎ እግዚአብሔር ዝፍጽመሎም ኣለው!’ ዝብል ምስ ሰማዕኹ ኣነ ከኣ ናባኹም መጻእኩ። ኦ ኣባ ከም ኣምላኽኩም ምሕረት ግበሩለይ እምበር ኃጢኣተይ ርኢኹም ኣይትንዓቁኒ፡ ምኽንያቱ ንሱ መሓርን ይቅረ በሃልን እዩ!’ በለቶም፡ ( መዝ. 145፡8፤ 2 ዜና መዋ. 30፡9፡ መዝ. 130፡8፡ ነህ. 9፡31)። ብድኅሪዚ ኣቦና ዓብየ እግዚእ ኣእዳዎም ኣልዒሎም ናብ እግዚአብሔር ኣምላኽ እናጠመቱ “ኦ ጐይታ ንሓማት ጴጥሮስ ካብ ብርቱዕ ረስና ዝፈወስካ፡ ነታ ን12 ዓመት ደም ዝፈሰሳ ዝነበረ ሰበይቲ ዝፈወስካ ከምኡ ድማ ነዛ ሰበይቲ ፈውሳ እምነታ'ውን ተቐበል!’ እናበሉ ጸለዩ። ብስም አብን ወልድን መንፈስ ቅዱስን ብትምእርተ መስቀል ኣዕቲቦም ክባርኽዋ ምስ ጀመሩ፡ እቲ ዝፈሰሳ ዝነበረ ደም ብኡ ንብኡ ጠጠው በለ። እታ ሰበይቲ ብምግራም ‘ኦ ኣባ፡ ብኢድኩም ምስ ባረኽኩምኒ እቲ ዝፈስስ ዝነበረ ደመይ ሽዑ ንሽዑ ኣቋረጸ’ ኢላ ብታሕጓስ ተዛረበቶም። ኵሎም ኣብኡ ዝነበሩ ሕዝቢ ድማ ነዚ ዘደንቅ ተኣምራት ምስ ረኣዩ ተገረሙ፡ ዘደንቅ ተኣምር ርኢና ኢሎም ድማ ንኣምላኽ ኣመስገንዎ። መወዳእታ እታ ሰበይቲ ‘ኣባ ባርኹኒ፡ ኣብ ጸሎትኩም ድማ ዘክሩኒ’ በለቶም፡ ኣቦና ድማ ‘እግዚአብሔር ምሳኪኺ ይኹን!’ ኢሎም ባረኽዋ፤ እታ ሰበይቲ ነቲ ዝተገብረላ ውዕለት እናዘከረት ንሃገራ ብሰላም ተመልሰት።

ኣቦና ኣቡነ ዓብየ እግዚእ ብዙኅ ትምርትን ተኣምራትን እዮም ጌሮም። ኣብ ሃገርና ድማ ኣብ ከባቢ ዞባ ደቡብ ደቀምሓረ ማለት ማይ ዕዳጋ ዝበሃል ከባቢ፡ ናይዞም ኣቦና ዓብይ ግሩም ዝኾነ ብኣግራብ ዝተሸፈነ ገዳም ኣሎ፡ ብዙኅ ሕማማት ዝፍውስ እኳ እንተኾነ ብዓቢኡ ጐሊሑ ዝርአ ንሕፃናት ዝፍውስ ቦታ እዩ’ሞ፡ ደቅና ሕፃናትና ወሲድና ክንፍውሶምን ምሕረት ክነርክቦምን ቤተ ክርስትያና ተዘካክረና ኣላ። ከምቲ ኣብ መዝ 89፡3 ‘ኪዳን ተካየድኩ ምስለ ኅሩያንየ ፡ ምስቶም ዝኃረኽዎም ኪዳን ኣቶኹ’ ዝበሎ፡ ንቅዱስ ኣቦና ኣቡነ ዓብየ እግዚእ ቅድሚ ዕረፍቶም ኣጋእዝተ ዓለም ቅድስት ሥላሴ ተገሊጾም ‘ስምካ ዝዘከረ፡ ሞባእካ ዝሃበ፡ መጽሓፈ ገድልካ ዝጸሓፈን ዘጽሓፈን፡ ብስምካ ኣብ ቤተ ክርስትያን ዝተሳለመ፡ ብስምካ ቤተ ክርስትያን ዘሥርሐ፡ ብስምካ ንድኻ ዘብልዐን ዘስተየን፡ ናብ ቤተ ክርስትያንካ መጺኡ ዝቘረበን ዝጸለየን ክሳብ ዓሰሠርተው ክልተ(12) ትውልዲ ምሕረት ክገብረልካ እየ’፤ ናይ ዝተሰቀልኩሉን ዝተቀበርኩሉን ሓመድ ጸበል ኣብዚ ስለዝበተንካዮ እዚ ቦታ ከም ኢየሩሳሌም ይኩነልካ’ ኢሎም ቃል ኪዳን ኣተውሎም። ኣቦና ኣቡነ ዓብየ እግዚእ ብጾምን ጸሎትን ስግደትን ብትሕትናን ብንጽሕናን ንትምህርቲ ወንጌል ጐይታናን መድኃኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ኣብ ምስፍሕፋሕ ኣብያተ ክርስትያናት ኣብ ምሕናፅን መንፈሳዊ ጒያ ምስ ወድኡ ኣብ መበል ሚእትን ኃምሳን (150) ዕድሚኦም፡ ብዓሠርተው ትሽዓተ (19) ግንቦት ካብዛ ዓለም እዚኣ ናብታ ዘይተሓልፍ መንግሥተ ሰማያት ኣዕረፉ። ኣብ ገዳሞም ኣብ ውሽጢ ቤተ መቅደስ ድማ ተቀብሩ፡ ንነፍሶም ድማ ቅዱሳን መጺኦም ‘ወተቀበልዎ መላእክት አብእዎ ኢየሩሳሌም ፤ መላእኽቲ ተቐበልዎ ኢየሩሳሌም ኣእተዎ’ እናበሉ ነፍሶም ኣዕረግዋ። ጸሎቶምን በረከቶምን ምስ ኵልና ሕዝበ ክርስትያን ንዘልዓለም ጸኒዑ ይንበር ኣሜን።

 ናይ ኣቡነ ዓብየ እግዚእ ቤተ ክርስትያኖም ኣብ ሃገርና ኤርትራ ኣብ ዞባ ደቡብ ደቀምሓረ ከባቢ ማይ ዕዳጋ ከምኡ ድማ ኣብ ዞባ ማእከል ኣሥመራ ከባቢ ኣኽርያ ምስ ቅዱስ ገብርኤል ይርከብ እዩ እሞ፡ ኣብዚ ገዳም ቤተ ክርስትያን ኬድና በረኸቶም ረድኤቶም ክንቅበል ቤተ ክርስትያና ደጋጊማ ተዘካክረና ኣላ፡ ናይ ሕፃናት ደቅና ፈዋሲ ኣቦ እዮም እሞ ንደቅና ኣብዚ ወሲድና በረኸት ከነጸግዎም ደጊምና ነዘካኽር ኣሎና።

ዓርኬ

"ሰላም ለመሬተ ሥጋከ ዘተውህቦ ሥልጣን፡ ከመ ይፈጽም እምበሊዕ አፈ አራዊት ግሩማን፡ ዓብየ እግዚእ ጻድቅ ቅኑየ ኢየሱስ መድኅን፡ እሥር ኃይለ ፀርየ ዘውእቱ ሰይጣን፡ ተቃውሞቶ ኢይክል ብእሲ ምስኪን።’

መዘከርታ ጻድቅ ንበረኸት እዩ እሞ፡ በረኸት ኣቡነ ዓብየ እግዚእ ምስ ዅላትና ሕዝበ ክርስትያን ይኹን ኣሜን።

19 ግንቦት መጽሓፈ ስንክሳርና ዝዘከሮም

ሀ. ካብ ኣድባራት ኣባ መቃርስ ዝነበረ ኣባ ይስሓቅ ዘዕረፈሉ ዕለት

ለ. ሰማዕት ዝኾነ ብፁዕ ኃያል ዓብይን ክቡርን ኣባ ኤስድሮስ ዘዕረፈሉ

ሐ. ማኅበር ናይ ኣባ ኤስድሮስ ዘዕረፉሉ

መ. ብርሃን ዓለም ዝተሰምየ ኣባ ዮሴፍ ዘዕረፈሉ

ሠ. ዕረፍቲ ናይ ኣቡነ ዓብየ እግዚእ

   ወርኃዊ ክብረ በዓሎም ድማ ሊቀ መላእክት ቅዱስ ገብርኤልን ቅድስት እየሉጣን እዩ፡ ጸሎቶምን በረኸቶምን ረድኤቶምን ምስ ዅልና ሕዝበ ክርስትያን ጸኒዑ ንዘልዓለም ይንበረልና፡ ኣሜን!!

  ‘ሰላም ንዓካትኩም ይኹን’ (ዮሓ 20፡19)

ምንጪ

 ገድሊ ኣቡነ ዓብየ እግዚእን መምህራን ሊቃውንት ዘሃገረ ኤርትራ ዓባይ

ኣዳላዊ መም ዲያቆን ዳንኤል ኣብርሃም ዘደብረ ኤፍራታ

 7- ግንቦት [09] - 2012 ዓ.ም. ግዕዝ

15 May 2020

ስብሐት ለእግዚአብሔር ልዑል፡ ወለወላዲቱ ማርያም ድንግል፡ ወለመስቀሉ ክቡር ወኃያል፡ አሜን።

Comments are closed.