ኣስተርእዮ ማርያም

በስመ አብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ አሐዱ አምላክ አሜን ።

ኣስተርእዮ ኣስተራየ ካብ ዝብል ናይ ግእዝ ግሲ ዝወጸ ቃል ኮይኑ ትርጉሙ ምቕላዕ ምግሃድ ምግላጽ ማለት እዩ። እቲ ክውለድ እዩ፡ ክጥመቕ እዩ፡ ተሰቒሉ ድማ ንዂሉ ዓለም ከድኅን እዩ፥ እናተባህለ ኣበው ብምሳሌ ነቢያት ብትንቢቶም ዝተነበዩሉ፥ ጊዜኡ ኣኺሉ እቲ ዘይረኣይ ኣምላኽ ሥጋ ለቢሱ ምስ ተገልጸ፡ እቲ ዘይረኣ ተራእየ ንምባል ኣስተርእዮ ተባሂሉ። ዘመነ ኣስተርእዮ ኣብ ጥሪ ፲፩/11 ማለት ኣብ በዓለ ጥምቀት ዝጅምረሉ ምኽንያት ኣብዚ ጊዜ ናይ ሥላሴ ምሥጢር ዝተጋህደሉ ዕለት ስለዝኾነ እዩ።

ናይ ኣዴና ቅድስት ድንግል ማርያም ዕረፍታ ኣብዚ ዘመን ስለዝኾነ ኣስተርእዮ ማርያም ይበሃል። ምስቲ ዘመን ተጋጢሙ ኣስተርእዮ ይበሃል ድኣ እምበር ከምቲ ኣብ መጽሓፈ ዚቅ “ሞትሰ ለመዋቲ ይደሉ ሞታ ለማርያም የዐፅብ ለኲሉ/ ሞት ንመዋቲ ይግብኦ እዩ፥ ናይ ማርያም ሞት ግና ካብ ኲሉ ልዕል ዝበለ ክቡር እዩ።” ዝተባህለ፥ ናይ ቅድስት ድንግል ማርያም ክብሪ ካብ ኲሉ ፍጥረት ልዕል ዝበለ ምዃኑውን ዝተጋህደሉን ዝተገልጸሉን ዕለት እዩ።

በዚ ድማ ቤተክርስቲያን ነዚ ዕለት ካብቶም ፭/5 ዓበይቲ በዓላት ናይ ድንግል ማርያም ሰሪዐ ብዓቢይ ክብሪ ብማህሌት፣ ብቅኔ፣ ብቅዳሴን፣ ብመንፈሳዊ መዝሙርን ብድምቀት ተብዕሎ። ኣብ ኦሪት በዓል ከብዕሉ ናብ ኢየሩሳሌም ይኸዱ ከም ዝነበሩ፣ ጐይታ እውን ምስ ኣዴና ቅድስት ድንግል ማርያምን ጻድቕ ዮሴፍን ነዊሕ መንገዲ ተጓዒዞም ካብ ናዝሬት ናብ ገሊላ ነዊሕ መንገዲ በዓል ንምብዓል ከም ዝኸዱ፥ ሉቃ ፪፡፵፩/2፡41፥ ክርስቶስ ኣብ መዋእለ ስብከቱ’ውን ኣብ ጊዜ በዓል ናብ ኢየሩሳሌም ናብ ቤተመቕደስ ይኸይድ ነይሩ፥ ዮሓ ፯፡፯-፲፬/7፡7-14፤ ፭፡፩/5፡1፣ ፲፡፳፪-፳፫/10፡22-23። ሓዋርያት እውን እንተ ኾኑ ካብ ርሑቕ ሀገር ካብ ኤፌሶን ትኽ ኢሉ ፱፻፺/990 ኪ.ሜ ኣቢሉ ዝኸውን ብመርከብ ተጓዒዙ ናብ ኢየሩሳሌም ይነግዱ ነይሮም። “በዚ ዝመጽእ በዓል ብዘበልኩ ኣቢለ ኣብ ኢየሩሳሌም ክውዕል ይግበኣኒ እዩ። ኣምላኽ እንተፈቐዶ ናባኻትኩም ክምለስ እየ’ ኢሉ ተሰናበቶም፤ ካብ ኤፌሶን ከኣ፣ ብመርከብ ከደ። ኣብ ቂሳርያ በጽሐ፥ ካብኣ ናብ ኢየሩሳሌም ከይዱ ነታ ቤተክርስቲያን ሰላም ምስ በለ ናብ ኣንጾኪያ ወረደ።” ግሓ ፲፰፡፳፩-፳፪/18፡21-22። ከም ዝብለና በዚ መሠረት ምእመናን ነቲ በረኸት ንምስታፍ ነዊሕ ተጓዒዞም ናብቲ ክብረ በዓል ዝበዓለሉ ናይ ኣዴና ቅድስት ድንግል ማርያም ቤተክርስቲያን ይነግዱ ተኣምራን ውዳሴኣን ሰሚዖም “እስመ ለኲሎሙ ዘይሰምዑ መጽሐፈ ተኣምሪሃ እንዘ ይትነበብ ትባርኮሙ እግዝእትነ ማርያም እመሂ ለእደው እመሂ ለአንስት/ መጽሓፍ ናይ ተኣምራ ክንበብ ከሎ ንዝሰምዑ ኲሎም ኣዴና ማርያም ነወዳት ኮነ ነዋልድ ትባርኾም እያ።” ከም ዝብል በረኸት ይቕበሉ።

ንሕናውን ነዚ ካብ ስንክሳርን ካብ ተኣምረ ማርያምን ከም ዘለዎ ካብ ግእዝ ናብ ትግርኛ ዝተተርጎመ ተኣምራ ኣንቢብና ኲላትና ተሳተፍቲ በረኸት ናይ ድንግል ማርያም ንዂን። ቅድስት ድንግል ማርያም ጥሪ ፳፩/21 ዓሪፋ፣ ነሓሰ ፲፬/14 ተቐቢራ፣ ፲፮ ነሓሰ ድማ ተንሢኣ። ኣብዚ ጽሑፍ ኣብ ዕለተ ዕረፍታ ማለት ጥሪ ፳፩/21 ንዝተፈጸመ ጥራይ ክንርኢ ኢና።

ኣብ ወርሒ ጥሪ ዕለት 21 ካብ ዝንበብ ስንክሳር ዝተተርጎመ።

“፩፤ ብስም አብን ወልድን ወመንፈስ ቅዱስን ፩/1ዱ አምላክ በዚ ዕለት ጥሪ ፳፩ ናይ ኣዴና ቅድስት ድንግል ማርያም ወላዲተ ኣምላክ ዕረፍታ ዝዝከረሉ በዓል እዩ።

፪፤ በቲ ጊዜ ድንግል ማርያም ኣብ ናይ ክቡር ወዳ ጐይታናን ፈጣሪናን መድኃኒትናን ኢየሱስ ክርስቶስ መቓብር ክትጽሊ ከላ፥ መንፈስ ቅዱስ ካብዚ ዓለም ከም እትፍለ ነገራ። ብድሕርዚ ካብ ደብረ ዘይቲ ደናግል መጻ፥ ጐይታ ነጊርወን ስለዝነበረ ንሳውን ነገረተን።

፫፤ ኣብዚ እዋን ኣዴና ድንግል ማርያም ከምዚ ኢላ ጸለየት፥ ኦ ፍትዊ ወደይ ጐይታይን ፈጣሪየይን ኢየሱስ ክርስቶስ ልመናይ ተቐቢልካ ንወደ መዝሙርካ ንዮሓንስ በዛ ሰዓት ኣምጻዮ። ሕያዋን ንዝኾኑን ነቶም ነፍሶም ዝወስድካዮ ኲሎም ሐዋርያት ኣምጻዮም ንስኻ ኣምላከ ሕያዋንን ሙታንን ስለዝኾንካ ክብርን ምስጋናን ንዘልዓለም ንዓኻ ይዂን ኣሜን።

፬፤ ሽዑ ደመና ብመንፈስ ቅዱስ ትእዛዝ ንዮሓንስ ካብ ሀገረ ኤፌሶን ናብ ቅድስት ድንግል ማርያም ኣምጽኣቶ፥ ንሱ ድማ ሰጊዱ ኣብ ቅድሜኣ ደው በለ እሞ ሰላም ንዓኺ ደስ ይበልኪ ኦ ምልዕተ ጸጋ ንጐይታናን ኣምላኽናን መድኃኒናን ኢየሱስ ዝወለድኪ፥ ድሕሪ እቲ ስሙ ቅዱስን ምስጉንን ዝኾነ ኣምላኽና ኣባኺ ብዙሕ ዘደንቑ ተኣምራት ምስ ገለጸ ካብዚ ዓለም ብዓብይ ክብርን ስብሓትን ተፈሊኺ ናብ ናይ ዘለዓለም ሕይወት ክትከዲ ኢኺ።

፭፤ ኣዴና ቅድስት ድንግል ማርያም ነዚ ምስ ሰምዐት ኣዝያ ተሓጎሰት ንእግዚአብሔር እውን ከምዚ ኢላ ኣመስገነቶ፥ ፈጣሪየይን ጐይታየይን ንዓኻ ምስጋና ይዂን፥ ንስኻ ነቲ ዝለመንኩኻ ሂብካኒ ኢኻ፥ ሕጂ ድማ ምስቶም ነፍሰይ ተቐቢሎም ናብ ሰማያት ናባኻ ከዕርጉ ምስ ዝመጹ መላእኽትኻ ግበረኒ።

፮፤ ሕጂ መላእኽትን ሓዋርያትን ካብ ወሰን ምድሪ ብደመና ተጻዒኖም ናብ ቅድስት ድንግል ኣደ ኢየሱስ ክርስቶስ ጐይታ ሰማይን ምድርን ክበጽሑ እዮም፥ ዝብል ድምጺ ካብ ሰማይ ተሰምዐ። ሽዑ ኲሎም ሓዋርያት እቶም ሞይቶም ዝነበሩውን ካብ መቓብሮም ተንሢኦም ኣደ ጐይታ ኣብ ዘላቶ በጽሑሞ ሰገዱላ ጸጋ ዝተመላእኺ ደስ ይበልኪ እቲ ካባኺ ዝተወልደ ኣምላኽና እዩ፥ ካብዚ ዓለም ከውጻኣኪ ምስኡ ድማ ከምቲ ቃል ኪዳን ዝኣተወልኪ ብኽብርን ምስጋናን ከዕርገኪ እዩ፥ ድማ በልዋ።

፯፤ ሽዑ ኣዴና ድንግል ማርያም ኣብ ዓራታ ተቐሚጣ፥ ፈጣሪየይ ፈጣሪኹም ኢየሱስ ክርስቶስ ከም ዝመጽእ ከምቲ ንዓኹም ዝረኣዂዂም ከም ዝርእዮ ሕጂ ፈለጥኩ፥ ካብዚ ካብ ሥጋይ ወጺኤ ናብ ናይ ዘለዓለም ሕይወት ክኸይድ እየ፥ እንተኾነ ግና ካብዚ ዓለም ከም ዝፍለ ብኸመይ ፈሊጥኩም፥ ክትነግሩኒ ይደልይ ኣሎዂ ኢላ ንሓዋርያት ተዛረበቶም። ጴጥሮስን ኲሎም ሓዋርያትን ድማ ናባኺ ምእንቲ ክንመጽእ መንፈስ ቅዱስ ኣዚዙና፥ ኣብ ደመና ምስ ተጸዓንና ከም ዓይኒ ቓሕ ሰም ቀልጢፍና ናባኺ በጻሕና በልዋ።

፰፤ ድንግል ማርያም’ውን ነዚ ነገር ካብ ሓዋርያት ምስ ሰምዐት ድምጻ ዓው ኣቢላ፥ ኦ ጐይታይን ፈጣሪየይን ኢየሱስ ክርስቶስ ክቡርን ምስጉንን ንዝኾነ ስምካ ከመስግን እየ፥ በለት። ናተይ ናይ ኣገልጋሊኻ መከራ ርኢኻ ዕጹብ ኃይሊ ጌርካለይ ኢኻ’ሞ፥ ካብ ሕጂ ኲሎም ወለዶ ከኽብሩኒን ከመስግኑኒን እዮም፥ በለት።

፱፤ ጸሎትን ምስጋናን ምስ ወደኣት ንሓዋርያት ዕጣን ኣምጺኹም እናዓጠንኩም፥ ስም ጐይታናን መድኃኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ጸውዑ በለቶም። ንሳቶም ድማ ከምቲ ዝኣዘዘቶም ገበሩ። በቲ ጊዜ እቲ ጐይታናን መድኃኒናን ኢየሱስ እልፍ ኣእላፋት መላእኽቲ ዓጂቦምዎ እናመስገንዎ መጺኦም ኣረጋጊእዋ። ነቲ ዘዳለወላ ሓጎስውን ነገራ፥ ኣብኡ ድማ ብዙሕ እጹብ ድንቂ ተኣምራት ተገብረ፥ ዕውራት ረኣዩ፥ ሓንካሳት ትኽ ኢሎም፥ ጸማማት ሰሚዖም፥ ለምጻማት ነጽሁ፥ ኣጋንንቲውን ካብ ሰባት ወጺኦም ከዱ፥ ዓባሳት ተዛረቡ፥ ሕማምን ቃንዛን ዘለዎ ኲሉ ድሒኖም። ኣዴና ድንግል ማርያም ኣብ ዘላቶ ገዛ ምስ ቀረቡውን ይፍወሱ ነይሮም።

፲፤ ሽዑ ኣደ ጐይታ ንፍቁር ወዳ ኦ ወደይ ፍቁረይ ኣነ ካብ ኣብ ኣየር ተዘርዮም ዘለዉ ዘሰንብዱ ግሩማን መላእኽትን ናይ ሓዊ ባሕርን እፈርህ እየ በለቶ። ጐይታ ድማ ካብዚኦም ኣብ ልዕሌኺ ሥልጣን ዘለዎ የሎን በላ።

፲፩፤ ካብ ሥጋአ እትፍለየሉ ጊዜ ምስ ኣኸለ፥ ሓዋርያትን ደናግልን ምእንቲ ክትባርኾም እናበኸዩ ለመንዋ፥ ንሳ ድማ የእዳዋ ኣብ ልዕሊኦም ዘርጊሓ ባረኸቶም። በቲ ጊዜ ጐይታ ንጽህቲ ነፍሳ ካብ ሥጋኣ ፈሊዩ፥ ብመለኮታዊ የእዳዉ ሒዙ፥ ብብርሃን ልብሲ ከዲኑ፥ ናብቲ ዝዓበየ መንበሪ ምስኡ የዕረጋ። ንሥጋኣ ግና ከምቲ ግቡእ ገኒዞም ናብ ጌቴሴማኒ ተሰኪሞም ክወስድዋ ንሓዋርያት ኣዘዞም።….”

ተኣምረ ማርያም

“፪፥ ብኽልተ ወገን ድንግል ዝኾነት ወላዲተ ኣምላክ ኣዴና ቅድስት ድንግል ማርያም ኣብ ወርሒ ጥሪ ዕለት ፳፩/21 ሞት ምስ ጠዓመት ኣይሁድ እንታይ ንግበር ኣብ መንጎና ዝግበር ዘሎ ናይ ክርስቶስ ተኣምር ፍርሃትን ራዕድን ሞትን ሓዘና ክሳዕ ሎሚ’ውን ኣብ መቓብሩ ተኣምራት ይግበር ኣሎ።

፫፥ እቶም ክርስትያን ካብ ሓመዱ ተቐቢኦም ካብ ሕማሞም ይፍወሱ ኣይሁድ ሰቐልቲ ወልደ እግዚአብሔር እናበሉ ይጸርፉናን ይሃርሙናን ኣለዉ። ካብ ሕጂ ድማ ብዙሕ ተኣምር ኣብ መቓብር ናይ ኣዲኡ ክግበር እዩ። ተንሥኡ ምስ ዓራታ ብሓዊ ጌርና ነቃጽላ ንኹሎም ደቀ መዛሙርቱ ድማ ክሳዶም ንምተሮ ኢሎም ተማኸሩ።

፬፥ ሓዋርያት ነዚ ምስ ሰምዑ ብጀካ እቲ ጐይታ ዘፍቅሮ ወደ መዝሙር ሓደ ከይተረፈ ገዲፎምዋ ኸዱ። [ሓዋርያት ገዲፎምዋ ዝኸዱ ሕማቕ ናይ በድነ ሥጋኣ ከይርእዮ ኢሎም እምበር ሰማዕትነት ፈሪሆም ኣይኮኑን ምኽንያቱ ድሕሪ መንፈስ ቅዱስ ምቕባል ኣብ ሓዋርያት ፍርሂ የልቦን።]

፭፥ ገብርኤል መልኣኽ መጺኡ ንነፍሳ የዕረጋ ንሥጋኣ ድማ ምስቲ ፍቁረ እግዚእ ብሩኽ ቅዱስ ዮሓንስ ኣብ ዕፀ ሕይወት ኣንበራ። [ዕፀ ሕይወት ኣብ ገነት ዘላ ኦም እያ።]

፮፥ ኣይሁድ ብዓቢይ ቁጥዐ ተንሢኦም እኳ ናብ ቤት ብኽልተ ወገን ድንግል ዝኾነት ወላዲተ ኣምላክ ኣዴና ቅድስት ድንግል ማርያም እንተ መጹ ሰኣንዋ። ርእሶም እናነቕነቑ ድማ ብደቀ መዛሙርቱን ብክርስቶስን ወይለና ወዬ።

፯፥ ከምቲ ቅድም ናይ ወዳ በድነ ሥጋ ሰሪቖም ካብ ምውታት ተንሢኡ ኢሎም ዝገበርዎ ሎሚ’ውን ከም ልማዶም ናይ ማርያም በድነ ሥጋ ሰሪቖም ብምቕባር ካብ ምውታት ተንሢኣ እያ ክብሉ እዮም በሉ።

፰፥ ፍርቆም ሥጋኡ እንተ ዝስረቕ ንምንታይ ድኣ ኣብ ዋዜማ ናይ ትንሣኤ በብዓመቱ ዘየቃጽልን ጨናኡ ነፍሲ ዝምስጥ ናይ ሓዊ ብርሃን ኣብ መቓብሩ ይወርድ። ንምንታይከ ብዙኅ ተኣምራት ይገብር ኣሎ፣ በሉ። [እዚ ክሳዕ ሎሚ ማለት 2019ውን ኣብ ጎልጎታ ዝረኣ ተኣምራት እዩ። ነዚ እቶም ኣብኡ ዝነገድና ናይ ዓይኒ መሰኻኽር ኢና። ብተወሳኽውን ኣብ መራኸቢ ብዙሓን (Miracle of the Holy fire in Jerusalem) ኢልና ነናይ ዓመቱ ክንርእዮ ይከኣል እዩ።]

፱፥ ፍርቆም ድማ እዝስ ንዂላትና እዩ ዘገርመና ዘሎ በሉ። ሓደ ለባሲ ሞት ካብቶም ንበድነ ሥጋ ናይ ብኽልተ ወገን ድንግል ዝኾነት ወላዲተ ኣምላክ ኣዴና ቅድስት ድንግል ማርያም ከቃጽሉ ዝመኸሩ፥ ወዲ ዮሴፍ እምበር ወዲ እግዚአብሔር ኣይኮነን እናበልኩ ክርስቶስ ካብ ዝስቀል ኣትሒዘ ክሳዕ ሕጂ ፲፬/14 ዓመት ንእኡ ካብ ምጽራፍ ኣየቋረጽኩን። ከምዚ እንተ ድኣ ኾይኑ ንምንታይ ድኣ ዘይቀትለኒ፥ በለ።

፲፥ ነዚ ምስ ተዛረበ ብሕይወቱ እንከሎ ምድር ተኸፊታ ወሓጠቶ። ኣይሁድ ድማ ብግንባሮም ተደፊኦም ናይ ኣብርሃም ፈጣሪ ናይ ብሓቂ ኣብዚ ሀገር ተሰቒሉ እዩ በሉ።

፲፩፥ በቲ ጊዜ ፮፻/600 ሰባት ኣሚኖም ተጠምቁ ወዲ ቀያፋውን ምስኣቶም ተጠምቀ። ኣብ ኢየሩሳሌም ድማ ዓቢይ ራዕዲ ኮነ።

፲፪፥ እምበኣር ፍቁራት ነታ ብኽልተ ወገን ድንግል ዝኾነት ወላዲተ ኣምላክ ኣዴና ቅድስት ድንግል ማርያም ዝጸልኣን ኣብ ልዕሊኣን ኣብ ልዕሊ ፍቁር ወዳን ዝጻረፍ ምድሪ ትጸልኦ ኣፋ ድማ ከፊታ ትውሕጦ እያ።

፲፫፥ ሰማይ ዓንዩ ክወድቆ ፀሐይ ከቃጽሎ ይግባእ።

፲፬፥ የእማን ንእኡ ንምጥሓን ይገለባበጡ ኣብ በረኻ ዘለዉ እንጨይቲ ድማ ክሃርምዎ ይመላለሱ።

፲፭፥ ባሕሪ ንእኡ ንምጥሓል ማዕበል የልዕል ነበልባል ሓዊውን ንእኡ ከቃጽሎ ይተንሥእ።

፲፮፥ እቶም ነታ ብኽልተ ወገን ድንግል ዝኾነት ወላዲተ ኣምላክን ንግሥትን ኣዴናን ቅድስተ ቅዱሳን ድንግል ማርያም፥ ልዕሊ ዂሉ ንዝኾነ ወዳ ጸባዖት ንጉሠ ስብሐት ዝጸርፍ እዞም ኹሎም ፍጥረታት ንእኡ ንምጥፋእ ሓደ ይኹኑ።

፲፯፥ በቲ ኣማላድነት ናይታ ብኽልተ ወገን ድንግል ዝኾነት ወላዲተ ኣምላክን ንግሥትን ኣዴናን ቅድስት ድንግል ማርያም ሥርየት ኃጢኣት ከም ዝረክብ ዝኣምን ኣነ ኃጥእ ግና እቶም ብቅንኣት ዝሰኽሩ ደቂ ገሃነም ክጸርፍዋ ካብ ዝሰምዕ ብዂናት ክቐትሉኒ ሥጋይ ድማ ነኽላባት ክህብዎ ይመርጽ።

፲፰፥ ብሓቂ ክብራን ጣዕማን ንዘለዓለም ይሕደረና።” ኣሜን!

(እቲ ኣብ ቅንፍ [ ] ብጋድም ተጻሒፉ ዘሎ ከም ተወሳኺ ዝተመልኣ እዩ። እቲ ቀይሕ ድማ ኣብ ተኣምር ኣብ ገድሊ ቅዱሳን ኣስማት ኣምላኽን ቅዱሳናቱን ክጥቀስ ከሎ ንኽብሮም ዝግበር እዩ። ብሓቂ ስማ ካብ ኲሉ ኣብ ምድርን ኣብ ሰማይን ዘሎ ዝምቅር ዝተባህለስ ኣበው ብተግባሮም ኣብ ጽሑፎም ይምህሩና እዮም።)

እምበኣር በዚ ዕለት ዝተፈጸመ ናይ ኣዴና ቅድስት ድንግል ማርያም ተኣምር እዚ እዩ። ካብዚ ቅዱሳን ኣቦታት ምስ ኣምላኾም ኣብ ቅድስት ድንግል ማርያም ዝነበሮምን ዘለዎምን ፍቕሪ ክሳዕ ክንደይ ልዑል ምዃኑ ኣንቢብናን ተረዲእናን ኣሎና’ሞ ካብ ከምዚ ዝበለ ጸጋን በረኸትን ከይተፈለና ክንነብር ወላዲተ ኣምላኽ በማላድነታ ትራድኣናኣ። ኣሜን።

ወስብሐት ለእግዚአብሔር።

ወለወላዲቱ ድንግል።

ወለመስቀሉ ክብር።

ዲን. ዘሚካኤል

Jan 29, 2020

Comments are closed.