ኢያቄም ወሐና ወለዱ ሰማየ ሰማዩሙኒ አሥረቀት ፀሐየ

በስመ አብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ አሐዱ አምላክ አሜን።

ኣዴና ቅድስተ ቅዱሳን ድንግል ማርያም ኣብ ግንቦት ሓደ ተወሊዳ። ኣዴና ቅድስት ቅዱሳን ድንግል ማርያም ብፍቓደ ኣምላክ ብብሥራተ መልኣክ ካብ ዝተጸንሰትሉ ዕለት ጀሚራ ፣ ገና ኣብ ማኅጸን ኣዲኣ ከላ ብዝሕ ተኣምራት ዝገብረት እያ።  ድምጸ ሃና፣ ጽላሎተ ሃና፣ ማኅጸነ ሃና ተኣምራት (ፈውስ) ጌሩ እዩ።

ወላዲተ ኣምላክ ቅድስተ ቅዱሳን ድንግል ማርያም ኣዲኣ ካብ ወገን ካህናት ካብ ቤተ ሎዊ ካብ ናይ ነገደ ኣሮን፣ ኣቡኣ ካብ ነገሥታት ወገን ካብ ነገደ ይሁዳ ከምዝዀነ ቅዱሳት መጽሓፍቲ ይምስክሩ። ናይ ኣቡኣ ወገን ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ብዝርዝር ካብ ኣዳም ጀሚሩ ስጋብ ኣልኣዛር ዘሎ ምስ ናይ ዮሴፍ ኣቆጻጽራ ሓደ እዩ። ድሕሪኡ ኣልኣዛር ቅስራ፣ ቅስራ ኒኢያቄም፣ ኢያቄም ንድንግል ማርያም ይወልድ። ማቴ.1፣1-15። ሉቃ.3-23-38።  ወገን ኣዲኣ ኣብ ተኣምረ ማርያም ከምዝተገልጸ ናይ ለውሃት ቤተሰብ ደቂ እዮም። ታሪኹ እንሆ፣

ጴጥርቃን ቴክታ ዝበሃኅሉ ሰብ ሓዳር ኣብ ኢዮርሳሌም ብሓድነት ይነብሩ ኔሮም። ብእግዚአብሔር ዝኣምኑ፣ ጻድቃን ብኹሉ ዝተፈተዉ ለውሃት እዩም ኔሮም። እዚኦም ስድራ ኣብ ቅድሚ እግዚአብሔር ኮነ ኣብ ቅድሚ ሰብ ሰብ ጻጋ እዮም ኔሮም ። ግና መኻናት ስለዝነብሩ ዘውርስዎ ውላድ ኣይነበሮምን። ሓደ መዓልቲ ጴጥርቃ ንቴክታ ሓፍተይ እዚ ኹሉ ዝኣከብናዮ ሃብትና እንታይ ክንገሮ ኢና᎒ እንውርሶ ውላድ እኳ ዘይብልና ምስ በላ፣ ክቡር ሓወይ አምላከ እስራኤል ንዓይ ውላድ እንተኸልኣኒ ንስኻ ከማይ ኰንካ ክትትርፍ ኣይደልይን እየ፣ ስለዚ ናብ ካልእ በጺሓካ ውለድ ምስ በለቶ። ከምዚ ዝበል ነገር እንኳን ክገብሮ ሓሲበዮ ከምዘይፈልጥ አምላከ እስራኤል ይፈልጥ። በላ።

ቴክታ’ውን ኣምላከ ኣቦታትና እግዚአብሔር ዝገብሮ ኣይፍለጥን እዩ ።  ትማሊ ለይቲ ኣብ ሕልመይ ጻዕዳ ምራኽ ካብ ማህጸነይ ክትወጽእ፣ እታ ጻዕዳ ምራኽ’ውን ከሙኡ ክትዋለድ ኣብ መበል ሻውዓይ ወለዶ ወርሒ ክትዋልድ እታ ወርሒ’ውን ጸሓይ ክትወልድ ረኣኹ። ብምባል ነገረቶ።

ጴጥርቃ’ውን ኣንጊሁ ናብ ዓቢ ኣቦ ብምዃድ ዝነገረቶ ኩሉ ነገሮም። እቶም ኣቦ ከኣ እግዚአብሔር ብምሕረቱ ርእይኩም። ብሳህሉ በጺሕኩም። ሸውዓተ ምራኽ ምውላድኩም ሸውዓተ ደቂ ኣንስትዩን ደቂ ደቆም ክትወልዱ ኢኹም። ኣብ ታሕቲ ሻውዓይቲ ወርሒ ምውላድኩም ካብ ሰብ ዝበለጸት ካብ መልእኽት ዝኸበረት ደጊ ለዋህ ፍጥረት ክትወልዱ ኢኹም። ነገረ ጸሓይ ግና ኣይተገልጸለይን። ኢሎዎ። እሱ’ውን ዝነገርዎ ኩሉ ከይዱ ቴክታ ነጊርዋ። ቴክታ’ውን ኣምላክ እስራኤል ይፈልጥ ኢላ ትም በለት።

ድሕሪ ሽዱሽተ ወርሒ ጸነሰት እሞ ጓል ወለደት። ሄሜን ኢሎማ። ሄሜን ዴርዴንን፣ ዴርዴን ቶናን፣ ቶናም ሲካርን፣ሲካርን ንሴት፣ ሴት ሄርሜላ፣ ሄርሜላ፣ ንጽህትን ቅድስትን ክብርትን ዝኾነት ንቅድስት ሐና ወሊዳ፣ ቅድስት ሐና ንቅድስት ድንግል ማርያም ወሊዳ። ኣዴና ቅድስተ ቅዱሳን ድንግል ማርያም ወለዳኣ ካብ ሰብ ወገን ምዃኑ ቅዱስ ጳውሎስ ከረድእ  << እምበኣርሲ ብሓቒ ንዘርኢ ኣብርሃም ኣልዓሎ እምበር  ንመላእኽትስ ኣየልዓሎምን።>> እብ.2፣2-16። 

ቅድስቲ ሐና ብጽቡቅ ሥነ ምግባር ዓብያ ። ዓቅመ ሔዋን ምስ በጽሔት ካብ ቤተ መንግሥቲ ወገን ካብ ቤተ ዳዊት ዝኾነ፣ ምስ ቅዱስ ኢያቄም ኣዋሲቦማ። ኢያቄምን ሐናን ብቅዱስ መውስቦ ተጠሚሮም ብሓንሳብ እንዳነብሩ ከለዉ። ውላድ ኣይነበሮምን። ሓደ መዓልቲ ናብ ቤተ እግዚአብሔር ከይዶም ክጽልዩ ወዓሉ። ሓዘኖም ከመይ እዩ እንተኢልና። ቅዱስ ኢያቄም ። “ ናይ ኣቦታትና ናይ እስራኤል ኣምላኽ ኣነ ባርያኻ እልምነካ፣ ኣይትደብየኒ ኣይትንዓቀኒ ጸሎተይ ስማዕ ዝጎደለኒ መልኣለይ ከም ፍቓድካ፣ ንዓይነይ መዕረፊ ንልበይ ተስፋ ዝኸውን ዝተባረኸ ውላድ ኃበኒ ።” ኢሉ ክልምን ወዓለ። ቅድስቲ ሐና’ውን ብወገና  “ ናይ ኣቦታትና ናይ እስራኤል ኣምላኽ ኣነ ባርያኻ እልምነካ፣ ኣይትደብየኒ ኣይትንዓቀኒ ጸሎተይ ስማዕ ዝጎደለኒ መልኣለይ ከም ፍቓድካ፣ ንዓይነይ መዕረፊ ንልበይ ተስፋ ዝኸውን ዝተባረኸ ውላድ ኃበኒ ።” ብምባል  ክትልምን ወዓለት ።

ከምዚ ኢሎም ክጽልዩ ምስ ወዓሉ ርግቢት ምስ ደቃ ክትጻወት ከላ ርእያ። ኣምላከ እስራኤል ነዚኣ ግእዛን ዘይብላ እንስሳ ውላድ ዝኃብካያ ንዓይ ድኣ ንምንታይ ኢላ ኣምሪራ በኸየት። ድሕሪ ጸሎቶም ናብ ዘካርያስ ሊቀ ካህናት ከይዶም ኣምላክ ኣቦታትና እግዚአብሔር ውላድ ወዲ እንተኂቡና ተማኂሩ ንቤተ እግዚአብሔር ኣገልጋሊ ክኽውን ክንኅቦ ኢና። ጓል እንተኾይና ከኣ ማይ ወሪዳ፣ መሰብ ወርቒ ሰፍያ መጋረጃ ፈቲላ ንካህናት ኣገልጊላ ክትነብር ክንኅብ ኢና ኢሎም መብጽዓ ኣተዉ። ካህነ ዘካርያስ’ውን እግዚአብሔር ጸሎትኩም ይስመዓኩም፣ መብጸዓኹም ይቀበሎ። ጻህቀ ልቦናኹም ይፈጽመልኩም፣ ኢሉ፣ ጸሎቶም ልመናኦም ኣዕረገሎም።

ቅዱስ ኢያቄምን ቅድስቲ ሐናን በታ ለይቲ ራእይ ርእዮም ሓደሩ። ራእዩ ከኣ ኢያቄም ሰብዓቱ ሰማያት ከም መጋረጃ ተኸፊቱ፣ ካብ ላዕላይ ሰማይ ጻኦዳ ዑፍ ወሪዳ ኣብ ልዕሊ ርእሱ ክትቅመጥ ረኣየ ።

ዑፍ ዝተባኅለ ጐይትና መድኃኒና ኢየሱስ ክርስቶስ እዩ። ጻዕዳ ምዃኑ ንጹሐ ባህርዩ እዩ።  ካብ ላዕለይ ሰማይ ጻዕዳ ዑፍ ወሪዱ ኣብ ርእሱ ምቅማጡ ረኣኹ። ማለቱ ናይ ኢያቄም ባህርይ ባህርይ ከምዝገብረ ፍለጥ ንኽብል ኢሉ እዩ።  ሰብዓቱ ሰማያት ዝተባኅሉ ናይ ጐይታና መድኃኒና ኢየሱስ ክርስቶስ ዝተፍላለዩ፣ ባህርኡ፣ ምልኣቱ፣ ስፍሓቱ፣ ርቀቱ፣ ልዕልንኡ፣ ዕበዩ፣ መንግሥቱ ከኣልነቱ እዩም።

ቅድስቲ ሐና’ውን ብወገና ዝረኣየቶ ጻዕዳ ርግቢት መጺኣ ብላዕሊ ርእሰይ ጌራ ወሪዳ፣ ብእዝነይ ኣትያ ኣብ ማህጸነይ ከተዕርፍ ርኤኹ። ርግቢት ዝተባኅለት ኣዴና ቅድሰት ቅዱሳን ድንግል ማርያም እያ። ጻዕዳ ንጽሕንኣ፣ ቅድስንኣ፣ ድንግልንኣ እዩ። ጻዕዳ ርግቢት መጺኣ ኣብ ርእሰይ ዓሊባ ቡኡ ወሪዳ ብእዝነይ ኣትያ ኣብ ማኅጸነይ ክተዕርፍ ረኣኹ ማለቱ ከኣ ብሥራተ ገብርኤል ሰሚዓ ንኣምላኽና መድኃኒና ኢየሱስ ክርስቶስ ምጽናሳ ዘርኢ እዩ። እዚ ራእይ ዝረኣይዎ ድሕሪኡ ሱባኤ ንሸውዓተ መዓልቲ ኣትዮም ምስ ወድኡ። ኣምላኽ ፍቃዱ ዀይኑ ድሕሪኡ ኣዴና ቅድስተ ቅዱሳን ድንግል ማርያም ተጸንስት ።

ሳሚናስ ዝበኃል ወዲሓው ኣቡኣ ንሐና ዓሪፉ። ዘመድ ኣዝማድ ኩሎም ተኣኪቦም እንዳልቀሱ ከለው፣ ሐና’ውን ሓቢራ እንዳልቀሰት ከላ ጽላሎታ ዓሪፍዎ መግነዝ ፍቱሑለይ ከይበለ ብምትንሣእ፣ ስብሐት ለኪ ማርያም ለአብ ወላዲቱ፣ ስብሐት ለኪ ማርያም ለወልድ ወላዲቱ፣ ስብሐት ለኪ ማርያም ለመንፈስ ቅዱስ ጽርሐ ቤቱ፣ ተፈስሒ ደስ ይበልኪ። ኢሉ ሰገደላ። ኣይሁድ ኣቡኡ ኔሮም እንታይ እዩ? ሳሚናስ እንታይ ሪኢኻ? ምስ በልዎ፣ ካብ ማኅጸነ ሐና እትውለድ ሕጻን ሰማይን ምድርን ኩሉ ፍጥረታት ዝፈጠረ ኣምላኽ ክትወልድ እያ ፣ እንዳበሉ ኩሎም መልኣኽቲ ከምስግንዋ ሰሚዔዮም። ንዓይ’ውን ዘተንሣኤትኒ ዝፈወሰተኒ ዘድኃነትኒ እሳ እያ ኢልዎም። ካቡኡ ጀሚሩ ከኣ ኣብ ልቦም ክፍኣት ኣትዩ ቅንኣት ጀመሩ። ሓንቲ ዓይና ዝዓወረት ቤርሳቤ ትብሃል ጓል ማህጸነ ሐና ዳኅሲሳ ንዓይና ምስ ተንከፈቶ ዓይና ዲኂና እያ። (ተአምረ ማርያም።)

ኣዴና ቅድስተ ቅዱሳን ድንግል ማርያም ገና ኣብ ማህጸን ከላ ከምዚ ዝበለ ተኣምራት ድኅሪ ምግባራ፣ ምስ ተወልደት እንታይ ትገብር ትኸውን ዝበሉ ኣይሁድ ብቅንኢ ክቀትልዋ ተበገሱ። ቅዱስ ገብርኤል ንቅዱስ ኤያቄም << ንሰበይትኻ ሒዝካ ናብ አድባረ ሊባኖስ ኪድ።>> ኢልዎ ሒዝዋ ምስ ከደ ኣብ እምባ ሊባኖስ “ ኣዴና ቅድስተ ቅዱሳን ድንግል ማርያም  ድሕሪ  (9 )ትሽዓተ ወርሕን ሓሙሽተ መዓልትን ኣብ ወርሒ ግንቦት ዕለት ሓደ (1)   ተወልደት።

ቅዱስ ያሬድ ብዛዕባ ኣዴና ቅድስተ ቅዱስን ድንግል ማርያም <<  ማርያም ተሐቱ እምትካት ውስተ ከርሱ ለአዳም ከመ ባሕርይ ጸአዳ። ማርያምስ ካብ ጥንቲ ጀሚራ ብኣዳም ባሕርይ ከም ጻዕዳ ዕንቂ ተብርህያ።>>  ጀሚሩ ብዝተመርጹን ዝተቅደሱን ኣቦታትን ኣዴታትን ወለዶ ብጥበበ እግዚአብሔር ኣቢላ ድሕሪ ምምጽኣ ካብ ቅድስት ሐናን ቅዱስ ኢያቄምን ምውላዳ ገሊጹ።   

ኣብ መበል ሻሙናይ መዓልቲ ከኣ ቤተሰባ “ ማርያም ” ዝብል ስም ኣውጸኡላ።

 ኣብ ግዜ ልደታ ንኣዴና ቅድስተ ቅዱሳን ድንግል ማርያም ንዓለም ከተጥዕም ካብ ቅድስቲ ሐናን ቅዱስ ኢያቄም ብብዙሕ ልመና ተረኺባ። ኣብዚ ዕለት ዓለም ግብሩ ለዊጡ። እቲ መሪር መቒሩ፣ ጸልማት በሪኁ፣ እምኒ ሕብስቲ ዀይኑ፣ መሬቱ ከም መዓር ዝጥዕም ምንጪ ረኺቡ፣ ኣብ ወሓይዝ ኰነ ሩባ ዝብላዕ ተረኺቡ። እዚ ብምዃኑ በብዓመቱ ግንቦት ሓደ (1) ዝተገብረ ተኣምራት ንምዝካር ካብ ጥንቲ ጀሚሩ ክርስቲያን ኩሉ ሓሲቡ ዝብላዕ ዝስተ ኣዳልዩ ካብ ቤቱ ወጻኢ ብሓባር ኰነ በበይኑ እንዳዀነ ብሉዑለይ ሱተዩለይ እንዳበሉ ይምገብ። ኣዴና ቅድሰተ ቅዱሳን ድንግል ማርያም  ጐይታና መድኃኒና ኢየሱስ ክርስቶስ እትፈትዎ በዓላ ምስ ሓተታ << ካብ ጸልማት ናብ ብርሃን ዝወጻእክሉ ልደተይ እፈትዎ።>> ኢላቶ። (ተኣምረ ማርያም) ። ስለዚ'ዩ ከኣ  ናይ ኣዴና ቅድስተ ቅዱሳን ድንግል ማርያም በዓል እንዳኽበርናዮ ኣለና። ንሕና'ውን ንበዓሉ ልባዊ ፍቕሪ ኣለና። ምኽንያቱም ብኣማላድነታ ጸሎትና ንኽስማዕ ስለትገብር። 

ኣዴና ቅድስተ ቅዱሳን ድንግል ማርያም እኳ ንዓና ንክርስቲያን  ብጸሎትና ብዝሓት፣ ብቅድስናና ብቕዓት ዝረኸብናያ ዘይኰነ ስለተድልየና ዝተዋህበትና ኣደ እያ። ጐይታና መድኃኒና ኢየሱስ ክርስቶስ ኣብ መልዕልተ መስቀል ኰይኑ ነቲ ዝዝፈትዎ ወዲ መዝሙር ቅዱስ ዮሓንስ << እነኌት ኣዴኻ >> ኢሉ ዝሀበና እያ። ዮሓ.19-19። ስለዚ ንበረከትና ናይ ኣዴና ቅድሰተ ቅዱሳን ድንግል ማርያም  ከነኽብር ከለና ብዓቢ ክብሪ ከነኽብሮ ይግበኣና። 

ኣምላከ ቅዱሳን እግዚአብሔር ምሕረቱን በረከቱን ይኃበና።

ስማ ዝኸበረ ቅድስተ ቅዱሳን፣እመ ብርሃን ፣ ሰኣሊተ ምሕረት፣ ድንግል ወእም፣ ወላዴት አምላክ፣ እንዳተባኅለት ትጽዋዕ ኣዴና ቅድስተ ቅዱሳን ድንግል ማርያም ረድኤታን በረኸታን ኣይፈለየና።

                                                                        

                                                                              ወስብሓት ለእግዚአብሔር፣

                                                                              ወለወላዲቱ ድንግል ፣

                                                                              ወለመስቀሉ ክቡር።

                    

Comments are closed.