“ ኢየሱስ ከኣ ትንሣኤን ሕይወትን ኣነ እየ ።...... ” ዮሓ.11፣25-26።

በስመ አብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ አሐዱ አምላክ አሜን።

መዝሙር ዘቅዱስ ያሬድ

ይትፌሣሕ

ምስባክ

ወተንሥአ እግዚአብሔር ከመ ዘንቃሕ እም ንዋም

ወከመ ኃያል ወኅዳገ ወይን

               ወቀተለ ፀሮ በድኅሬሁ። መዝ.77-65

 ዓዲ.

ዛቲ ዕለት እንተ ገብረ እግዚአብሔር

ንትፈሣሕ ወንትኃሠይ ባቲ

ኦ እግዚኦ አድኅንሶ። መዝ.117-24።

ወንጌል ዮሓ.20፣1-18 ግ.ሓ.2፣23-36 ።1ይቆረ

ቆሮ.15፣20-47። 1ይጴጥ.3፣15-22።

“ ኢየሱስ ከኣ ትንሣኤን ሕይወትን ኣነ እየ ። እቲ ብኣይ ዝኣምንስ እንተ ሞተ እካú ብሕይወት ኪነብር እዩ። ” ዮሓ.11፣25-26።

ድሕሪ ትንሣኤ ክርስቶስ ክርስቲያናዊ ሰላምታ'ውን ከይተርፈ ይልወጥ እዩ። ሰላምታ ወሃቢን ተቀባልን ከምዚ እንዳበሉ ይቀባበሉ።

† ክርስቶስ ተንሥአ እሙታን  (ክርስቶስ ካብ ሙታን ተንሢኡ)

† በዐቢይ ኃይል ወሥልጣን  ( ብዓቢይ ሓይልን ሥልጣንን)

† አሰሮ ለሰይጣን            ( ኣሲሩ ንሰይጣን)

† አግአዞ ለአዳም            ( ነጻ ኣውጺእዎ ንኣዳም)

† ሰላም                      ( ሰላም)

† እምእዜይሰ                 (ካብ ሎሚ)

† ይኩን                        ( ይኩን )

† ፍስሐ ወሰላም             ( ፍስሓን ሓጎስን ሰላምን ኮነ)

 

ትንሣኤ ዝብል ቃል ካብ ተንሥአ ዝብል ናይ ግእዝ ቃል ዝተረኽበ እዩ። ትርጉሙ ከኣ ምትንሣእ ማለት እዩ። ብናይ ቅድስቲ  ቤተክርስቲያና ትምህርቲ ትንሣኤ ናይ ሙታን ምትንሣኣ ፣ ብሞት ተፈላልዮም ዝነብሩ  ነፍስን ሥጋን ምርኻብ፣ ምጽኣተ ጐይትና መድኃኒና ኢየሱስ ክርስቶስን ካልኦት ትርጉማትን የመልክት።

እግዚአብሔር ኣምላክ ንዓለም ካብ ዝፈጠረሉ ጥበብ ንላዕሊ ንዓለም ዘድኃነሉ ጥበብ ይበልጽ። ዝተሃህለ። አምላኽና መድኃኒና ኢየሱስ ክርስቶስ ናይ ድኅነት ሥርሑ፣ ናይ ጥንቲ ጸላኢና  ዝኾነ ዲያብሎስ ዝተሰዓረሉ፣ ሙስን መቃብርን ኣጥፊኡ ሠለስተ መዓልትን ሠለስተ ለይትን ኣብ ከርሰ መቓብር ብምሕዳር መቓብር ክፈቱለይ መግነዝ ፍትሑለይ ከይበለ ምትንሥኡ እዩ። 1ይቆሮ.15፣54። ኢሳ.25፣8።  

ኩሉ ዓለም ካብቲ ዝነብሮ ባርነት ነጻ ክወጽእ ካብ ጸልማት ብርሃን ክርኢ፣ ካብ ማእሰርቲ ናይ ዲያብሎስ ክፍታሕ፣ ካብ ናይ ዘልዓለማዊ ሞት ክድኅን፣ ብተስፋ ንጐይታና መድኃኒና ኢየሱስ ክርስቶስ ይጽበ ኔሩ። ጐይታና መድኃኒና ኢየሱስ ክርስቶስ ከኣ ንተስፋኡ ዘይድንጉይ ኣምላኽ ስለዝኾነ በታ ዝመደባ መዓልቲ በኩረ ትንሣኤ ኮይኑ ንደቂ ሰባት ካብ ናይ ዘልኣለማዊ ሞት ኣድኂኑና።

መዝ.77፣65። “ ሽዑ እግዚአብሔር ከም ደቂሱ ዝነበረ ። ከምቲ ብወይኒ ሰኺሩ ዝጭድር ጅግና ኮይኑ ተንሥአ፣ ንጸላእቱ ድማ ኣብ ድህሪኦም ወቅዖም። ”  ሞትካን ቅድስቲ ትንሣኤካን ንነግር። እንዳበልና  መዝሙር ንዝምር።

ትንሣኤ ጐይታና መድኃኒና ኢየሱስ ክርስቶስ ካብ ባርነት ናብ ነጻነት ካብ ሞት ናብ ሕይወት ካብ ጸልማት ናብ ብርሃን ዝተሰጋገርናሉ እዩ።

ጐይታና መድኃኒና ኢየሱስ ክርስቶስ ናይ ትንሣኤና ቦኽሪ ብሙኻúኑ ክልተ ዓይነት ትንሣኤ ከምዘለና ዘምኃረሉ እዩ።

ቀዳማይ ትንሣኤ ራእ.20፣6። “ ኣብቲ ቀዳማይ ትንሣኤ ዕድል ዘለዎ ብጹእን ቅዱስን እዩ። ” ካብ ናይ ኃጥያት ድቃስና ንነቅሓሉ ብንስሓ ንትንሥኣሉ ክኸውን ከሎ።

ካልኣይ ድማ ትንሣኤ ዘጉባኤ እዩ። እዚ ከኣ ኅልቀተ ዓለም ( መጨረሻ ዓለም) ምጽአተ ጐይታና መድኃኒና ኢየሱስ ክርስቶስ ዳግማይ ምጽኣት ዝኾነሉ ናይ  ፍርዲ መዓልቲ እዩ።

ወገብረ ሰላመ በደመ መስቀሉ ለዘበምድር ወለዘበሰማያት። ቈላ.፩፡፳።

ብእኡ ብደመ መስቀሉ ገይሩ ሰላም መስ ገበረ ኸኣ ነቲ ኣብ ምድሪ ዘሎን ኣብ ሰማያት ዘሎን ዘበለ ኹሉ ንርእሱ ተዐሪቕዎ እዩ። ቈላሴ.1፣20።

 ርሑስ በዓለ ትንሣኤ ይግበረልና።

ጐይታና መድኃኒና ኢየሱስ ክርስቶስ በረኸቱን ምሕረቱን የብዝሓልና ፣ ናይ  ኣዴና ቅድስት ድንገል ማርያም ኣማላድነት ኣይፈለየና።  ናይ ጻድቃን ሰማእታት ተራዳኢነት ኣይፈለየና። 

                                                                                   

                                         ወስብሓት ለእግዚአብሔር

                                             ወለወላዲቱ ድንግል

                                              ወለመስቀሉ ክቡር።

Comments are closed.