አስተርእዮተ ገጻ ቅድስተ ቅዱሳን ድንግል ማርያም

በስመ አብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ አሐዱ አምላክ፡ አሜን።

 

ኣብዛ ዕለት ቅድስተ ቅዱሳን ድንግል ማርያም ኣብ ደብረ ምጥማቅ ዝተሰምየት ኣብቲ ላዕሊ ጉሉላት ብናይ ብርሃን መርከብ ተቀሚጣ ሙሉእ ብግልጺ ምርኣያ፡ መሠረት ሕዝበ ክርስትያን ብዓቢይ ክብሪ ነዛ ዕለት የብዕልዋ። ኣብ ዙሪኣ ድማ ሠራዊተ መላእክትን ሊቃነ መላእክትን ክንፎም ዘርጊሖም ኣብ ልዕሊኣ ኣጽሊሎም ነበሩ። ሱራፌል ድማ ናይ ምስጋና ማዕጠንቶም ኂዞም ንክብራ ይሰግዱላ ነበሩ፡ ኣብ ስግደቶም ድማ ‘እግዚአብሔር ኣብ ሰማይ ኮይኑ ናባኪ ጠመተ፡ ከማኺ ዝበለ ንጽሕቲ፡ ቅድስቲ፡ ፍልይቲ ስለዘይረኸበ፤ እቲ ዝፈትዎ ወዱ ናባኺ ለኣኾ፡ ካባኺ ድማ ሥጋ እምሥጋኪ ነፍስ እምነፍስኪ ወሲዱ፡ ሰብ ኮነ!’ ኢሎም የመስግንዋ ነበሩ። ኵሎም ናይ ሰማዕታት ማኅበር መጺኦም ቅዱስ ጊዮርጊስ ዝመራሒኦም መጺኦም ይሰግዱላ ነበሩ፡ ናይ ጻድቃንን ናይ ደናግልን ኣበው ዅሎም መጺኦም፡ ይሰግዱላን የመስግንዋን ነበሩ። ከምኡ ድማ ሄሮዶስ ዝቀተሎም ህጻናት ኵሎም መጺኦም ይሰግዱላ የመስግንዋ ነበሩ። ኣብ ታሕቲ ኮይኖም ሰባት ንእገሌ ንእገሊት ኣርእይና እንተበልዋ ካብ ዘለዎ በቲ ናይ ቅድም መልክዑ ተርእዮም ነበረት፡ መሊሶም መንዲሎም ይስንድውላ እሞ ናይቲ ዝፈተወቶ ተቀቢላ መሊሳ ትሰደሎም ነበረት፤ ንበረኸት ድማ ቘሪጾም ይማቀልዎ ነበሩ። ከምዚ ኢላ ንኃሙሽተ መዓልቲ ንክርስትያናት ንኣስላማይ ንኵሉ ተገሊጻትሎም ቀኒያ ኔራ፤ ንገዝኦም ክኸዱ ደልዮም ሰጊዶምላ ክከዱ ምስ በሉ ትባርኮም እሞ መሊሶም ይምለሱ ነበሩ። ንሕና ድማ ካብዚ ተበጊስና ነዚ በዓል ነኽብርን ነብዕልን ኣሎና።

  ገለ ካብ ተኣምራት

በዚ ዕለት ነዘንትወክልኩም፥ ኣብ ሃገረ ግብጺ ኣብ ደብረ ምጥማቅ ኣብ ትብሃል ቤተ ክርስትያን ካብ ምብራቅ ክሳብ ምዕራብ ካብ ሰሜን ክሳብ ደቡብ ካብ ኩሉ ቦታ መጺኦም ይእከቡ። እዚኦም ኩሎም ዳስ ተኺሎም ድንኳን ዘጊሖም ካብ ዕለት 21 ጀሚሮም ክሳብ ዕለት 25 ብፍጹም ደስታን ብፍጹም ክብርን ናይ ድንግል ብዓላ ምኽባር ይጅምሩ። ቅድስት ድንግል ኣዴና ማርያም ድማ ካብ ግንቦት 21 ጀሚራ ክሳብ ዕለት 25 ብዘይ ምቁራጽ በዘን 5 ዕለታት ምስ መላእኽቲን ሰማእታትን ጻድቃንን ትግለጸሎም ነበረት። ክርስትያንን እስላምን ብጋህዲ ተገሊጻ ይርእይዋ ነበሩ፡ ብፍጹም ክብርን ብፍጹም ደስታን ብዓላ የኽብሩ ነበሩ። ብዕለት 21፣ 22፣ ከምኡ’ዉን ብዕለት 23 ምስኣቶም፡ ከምኡ ድማ ብዕለት 24 ናብ ሃገረ ግብጺ ዝኣተወትሉ ዓቢ በዓል እዩ። በዚ ተጠቒሱ ዘሎ ዕለታት ኣዲና ቅድስቲ ድንግል ማርያም ትገብሮ ዝነበረት ተኣምር ብዙኅ እኳ እንተኾነ ኣብ ተኣምረ ማርያም ቍጽሪ 17 ከም ኣብነት ወሲድና ከምዚ ዝስዕብ ተዘርዚሩ ይርከብ።

   ‘ኦ ሕዝበ ክርስትያን፡ ኣብ ደብረ ምጥማቅ ዝተሠርሔ ኣብ ናይ እግዝእትነ ማርያም ቤተ ክርስትያን ዝተገብረ ዓቢ ተኣምር ክነግረኩም ስምዑ። ካብ ዕለታት ሓደ መዓልቲ ክርስትያን ንጉሥ ኣፍረንጊ፡ ንጉሥ ሮማን ሶርያን ሜሮን ከም ልማዶም በዓል ከኽብሩ ኣብ ደብረ ምጥማቕ ኣብ ዝተሠርሐት ዉሽጢ ቤተ ክርስትያን ተኣኪቦም ከለዉ፡ እግዝእትነ ማርያም ኣብ ደብረ ቍስቋም ክትግለጸሎም ከላ እገሌ ዝበሃል ሰማዕት፡ ወይ ጻድቕ ወይ ነቢይ ዅሉ ዝደለይዎ ኣዕርኽቶምን ኣዝማዶምን ከይተረፉ ኣምጽእልና ኢሎም ናብኣ ይልምኑ ነበሩ። ድንግል ድማ ዝለመንዋ ከም ቅጽበት ዓይኒ ቀልጢፋ ተምጽኣሎም ነበረት። ሓደ ሊቀ ጳጳስ ካብ ያዕቆባዉያን ነቶም ዝተኣከቡ ሎሚ መዓልቲ ኣቦና ኣዳምን ኣዴና ሔዋንን፡ እሶም ስለ ዝኾኑ መሠረት ናይ ኵሉ ፍጥረት ሰብ ምእንቲ ንዕኦም ከተምጽኣሎም ጸሎት ግበሩ በሎም። ሊቀ ጳጳስ ድማ ዓይኑ ንሰማይ ጠሚቱ ኣእዳዉ ዘርጊሑ ብጥቡእ ልቢ፡ ‘ብክልተ ወገን ድንግል ዝኾንኪ ንዝለመናኪ ሰማዒት ይቕረ በሃሊት፡ ኦ ብርኽቲ እመቤተይ ቅድስቲ ድንግል ማርያም እልምነኪ ኣለኹ። ንዝለመናኪ ዘይትኸልኢ፡ ብምሕረትኪ ኣሚነ ኣለኹ እሞ ኣብዚ ዝተኣከቡ ሕዝቢ ኵሎም ኣቦና ኣዳምን ኣዴና ሔዋንን እንተ ተርእይና ምኣኸለና’፡ ኢሎም ከተርእዮም ይምነዩ ኣለዉ በለ። እቲ ሊቀ ጳጳስ ንድንግል ከምዚ ኢሉ ምስ ለማና፡ ኣዳምን ሔዋንን ኣምጽኣትሎም። ዘምጽኣትሎም ንሶም ጥራይ ኣይነበሩን፡ ናይ ደቂ ሰባት ናይ ፍጥረት መጀመርያ ዝነበሩ ኵሎም ኣብርሃም፡ ይስሓቅን ያዕቆብን ነበሩ። ዓሠርተ ኃሙሽተ ነብያትን ዓሠርተ ክልተ ሓዋርያትን፡ ንጉሥ ዳዊት ምስ መስንቅኡ፡ ሙሴ ድማ ናይ መንፈስ ዝናር ተዓጢቑ መጸ። ንኣዳምን ንሔዋንን ተገሊጾም ምስ ረኣዩዎም፡ ‘እቶም ኣብኡ ዝተኣከቡ ሕዝቢ፡ ዅሎም ንስኻትኩም ኢኹም ናይ ልዑል ሕጊ ጥሒስኩም፡ ናይ እግዚአብሔር ትእዛዝ ኣፍሪስኩም፡ ዕፀ በለስ ብምብላዕኩም ካብ ገነት ተድላ ዘዉፃእኩምና በልዎም። ኦ ኣዳም ናይ ሞት ፍርዲ ዘምጻእካልና እንታይ ጌርናካ፧ ኦ ኣዳም ማኅደረ ሕይወት ገነት ኣቲና ክንርእያ ዘይገደፍካና እንታይ ጌርናካ፧ ኦ ሔዋን ካብ ዘይተኣዘዘልኪ ዕፅ ሰሪቅኪ በሊዕኺ፡ ብኣእዳዉኪ ብዕዳ ዘትኃዝክና እንታይ ጌርናኪ፧’ በሉ። ሽዑ ኣዳምን ሔዋንን ርእሶም ኣድነኑ ካብ ኣዒንቶም ንብዓት ኣንጠብጠበ፡ እግእዝትነ ድንግል ማርያም ግን ብልምሉማት ኣጻብዕታ ንብዓቶም ሓበሰትሎም (ደረዘትሎም)።

 ኣብቲ ጊዜ እቲ ካብ ላዕሊ ካብ ጉልላት ቤተ ክርስትያን፡ ‘ኣቱም ሕዝበ ክርስትያን ኣብ ልዕሊ ኣዳምን ሔዋንን ኣብ ልዕሊ ወለድኹም ከምዚ ክትብሉ ኣይትኽእሉን። ንሳቶም ናይ ፍጥረት ደቂ ሰባት ጕንዲ ሱር ክኾኑ ከለዉ፡ ንስኹም ድማ ናይታ ገረብ ጨንፈር ኢኹም። ካልእ ኸኣ መጽሓፍ ንወላዲኻ ናይ ነቀፋን ጽልእን ቃል ኣይትዛረብ እዩ ዝብል ቃል ወጸ፡ [ዘፀ 2፡12]። ሽዑ ኣብ ቤተ ክርስትያን ደብረ ምጥማቕ ዝተኣከቡ ሕዝቢ ዓቢ ስንባደን ፍርሃትን ኮነ፡ ብግምባሮም ፍግም ኢሎም ወደቑ፡ መሊሶም፤ ‘ኦ ኣዳምን ሔዋንን ድፍረት እዩ እምበር ንዓኹም ክንነቅፍ ኣይግብኣናን እዩ እኮ፡ ኦ ኣዳምን ሔዋንን ንስኹምሲ ብናይ ጐይታ ደም ብዘይ ምክልኻል ናይ ቀዳማይ ርስትኹም ኣቲኹም ኢኹም። ብሓደ ወድኹም ንዝኣመንና ንዓና ርስትና ምሳኹም ይኽፈለና፡ ብኣማን ኣርኣያኹም ኣምሳልኩምን ኢና በሉ። ካብ ሕጅስ ዝነገሩኺ ኵሉ እትሰምዒ ኦ ቅድስቲ ድንግል ማርያም ሰላምታ ንዓኺ ይግባእ። ንስኺ ናባኺ ምስ ለመንና ናይ ደቂ ሰባት ናይ መጀመርያ ፍጥረት ኣዳምን ሔዋንን ኣርኢኽና ኢኺ እሞ፡ ስለዚ ነኽብረክን ንዉድሰክን። ብሓቂ ኣብ ልዕሊ ዅሉ፡ ኵሉ ዝከኣለኪ ኢኺ’ እናበሉ ከመስግንዋ ጀመሩ።

   ድኅሪ እዚ እግእዝትነ ቅድስቲ ድንግል ማርያም ንዝተኣከቡ ሕዝቢ ባሪኻ ምስቶም ቅዱሳን ብዓቢ ክብሪ ናብ ሰማያት ዓረገት። ንሳቶም ከኣ ንእግዚኣብሔር ኣምላኽ ዝወለደት ብነብስን ብሥጋን ድንግል ዝኾነት ኣዴና ቅድስቲ ድንግል ማርያም እናመስገኑ ብፍሥሓ ነናብ ቤቶም ተመልሱ። ጸሎታን በረኸታን ረድኤታን ምስ ኵልና ሕዝበ ክርስትያን ጸኒዑ ይንበር ኣሜን፤ (ተኣምረ ማርያም ግእዝን ትግርኛን፡ ገጽ 126-130)።

  1. ገዳም ደብረ ሲና

  በዚ ዕለት ኣብ ደብረ ሲና ብዓብይ ክብረ በዓል ዝክበረሉ እዩ። ገለ ብዛዕባ እዚ ገዳም ክንርኢ፡

እዚ ደብረ ሲና ዝተባህለ ገዳም ኣብ ሰሜን ኤርትራ ዞባ ዓንሰባ፡ ንኡስ ዞባ ዒላበርዕድ፡ ከባቢ መንሳዕ ዝርከብ ጥንታውን ታሪኻውን ገዳም እዩ። ኣቀዲሙ ገ’ዳም ሲሓት’ ይብሃል ነበረ። ብኣባ ዮሐኒ ብ 478 ዓ.ም ድማ ተገዲሙ። እዚ ገዳም’ዚ ብስም ቅድስቲ ድንግል ማርያም ዝጽዋዕ ክኸውን ከሎ፡ ኣብ ዓመት ክልተ ጊዜ ይብዓል። 21 ግንቦትን 21 ሰነ እዩ። ብሕልፊ በዓለ ማርያም ሰነ ብዓቢ ድምቀት እዩ ዝብዓል።

ሀ. ገዳም ደብረ ሲና ዝተመሥረተትሉ ጊዜ

  ኣባ ዮሓኒ ብ474 ዓ.ም ብዘመን ንጉሥ ገብረመስቀል ወይ ካሌብ፡ ምስ ብዙኅ ታቦታትን ምስ ብዙኃት መነኮሳትን ካብ ምድረ ግብጺ ናብ ሃገርና ምስ መጽኡ ብ478 ዓ.ም ነቲ ብስም ማርያም ዘምጽኦ ጽላት ጳጳስ ኣባ ናሆም ባሪኾም ናብዚ ሕጂ ዘላ ቤተ ክርስቲያን ኣእተውዎ። እንተኾነ ገዳም ደብረ ሲና ካብ ጥንቲ ካብ ዘመን ብሉይ ኪዳን ጀሚሩ ሥነ ኣምልኾ ዝፍጸመሉ ከምዝነበረ ዛንታ ይሕብር። በዚ መሠረት ተታኃኂዙ ዝመጸ ሃይማኖታዊ ልምድን ሥርዓትን ስለዝጸንሐ ብ332 ዓ.ም. ኣባ ሰላማ ብማርሳ ተኽላይ ኣቢሎም ናብ ሃገርና ብፍላይ ናብ ገዳም ደብረ ሲና ኣትዮም፡ ንኣርብዓ መዓልታት ትምህርተ ክርስትና ብምሃብ ንዘይኣመኑ እናኣእመኑን እናኣጥመቁን እናኣቍረቡን ጸንሑ። ከምኡውን ኤዛናን ሴዛናን ዝተበሃሉ ክልተ ኣኅዋት ነገሥታት ኣክሱም፡ ካብ ኣክሱም ናብዚ ዝተጠቅሰ ገዳም ተጓዒዞም ኣብዚ ገዳምዚ ከም ዝተጠምቁን ዝቘረቡን፡ ኣብርሃን ኣጽብሃን ተባሂሎም ድማ ከም ዝተሰምዩን ገድሊ ኣብርሃ ወኣጽብሃ ይነግር።

 ሓደ ሓደ ኣዋልድ መጽሓፍቲ ከም ዝትርኽዎ ብዘመን ሄሮዶስ ቅድስቲ ድንግል ምስ ወዳ ብስደት ናብ ምድሪ ግብጺ ኣብ ዝወረደትሉ ጊዜ፡ ብመልኣኽ ተሓቢራ ምስ ጻድቁ ዮሴፍን ሰሎሜን ኮይና ክሳዕ ገዳም ደብረ ሲና በጺሓ ኣስታት 4 ኣዋርኅ ከም ዝተቐመጠት፤ ንንጉሥ ባዜንውን እዚ ነገር እዚ ብሕልሚ ስለ ዝተገለጸሉ። ሠራዊቱ ኣኸቲሉ መጺኡ ኣብዚ ቦታዚ ከም ዝተባረኸን፤ ቅድስቲ ድንግል ማርያም ድማ እዚ ቦታዚ ዝተባረኸን ዓቢይን ስለ ዝኾነ ኣብ ዝመጽእ ጊዜ ብስመይ ታቦት ተቐሪጽዎ ክኣትዎ እዩ ኢላ ንንጉሥ ከም ዝነገርቶ ታሪኽ ይሕብር። ብሓልዮት ማኅበር ገዳም ደብረ ሲና ‘ታሪኽ ገዳም ደብረ ሲና’ እትብል ብመርጌታ ተወልደመድኅን መንግሥቱ ዝተሰናድአት ብ1994 ዓ.ም.(2002 ፈረንጂ) ሰፊሕ ትኅዝቶ ዘለዋ ከምዝተኃትመ ይፍለጥ።

  ለ. ደብር ሲና ተባሂላ ዝተሰመየትሉ ምኽንያት

 እዚ ስም ብሮማውያን ዝኾኑ ተስዓቱ ቅዱሳን እዩ ተዋሂቡ። ተስዕቱ ቅዱሳን ሮማውያን፤ 1. ኣባ ኣረጋዊ፡ 2. ኣባ ጰንጠሌዎን፡ 3. ኣባ ገሪማ ፡ 4. ኣባ ጉባ፡ 5. ኣባ ጽሕማ፡ 6. ኣባ ይምኣታ፡ 7. ኣባ ሊቃኖስ፡ 8. ኣባ ኣሌፍ ፡ 9. ኣባ ኣፍጼ ይባሃሉ። ብ454 ዓ.ም ብዘመን ኣልኣሜድ ወዲ ሰልዓዶባ ካብ ሃገሮም ናብ ሃገርና መጺኦም ኣብ መንጽር ደብረ ሲና ብወገን ሰሜን ፍሉይ ስሙ ኣግዓሮ ተባሂሉ ኣብ ዝጽዋዕ ቦታ ኮይኖም ክጽልዩ ከለዉ፡ ከምቲ ሙሴ ኣብ ደብረ ሲና ዝረኣዮ ኣብዚ ናይ ሕጂ ደብረ ሲና ዝተተኽለ ዓምደ ብርሃን ርኣዩ። ብድኅሪ እዚ ናብቲ ዝረኣይዎ ዓምደ ብርሃን እንተኸዱ ይስወሮም። ከምዚ እናበሉ 3 ጊዜ ተደናጊሮም ኣብ 3ይ ጊዜ መወዳእታ እቲ ዓንዲ ብርሃን ኣብዛ ሕጂ ዘላ በዓቲ ቤተ ክርስቲያን ተተኺሉ ጸንሖም፡ ማለት መንፈሳዊ ምሥጢር ብዘይ ፈተነ ስለ ዘይግለጽ። ድኅሪ ብዙኅ ድኻም ቅድስቲ ድንግል ማርያም ተገልጻትሎም፡ በዚ ምኽንያት ድማ ሙሴ ምስ ኣምላኽ ኣብ ደብረ ሲና ቃል ንቓል ንዝተዛራረበሉ ብምምሳል ገዳም ሲሓት ትብሃል ዝነበረት ደብረ ሲና ኢሎም ሰመይዋ።

     ሐ. ኣብ ዓመት 2ተ ጊዜ፡ 21 ግንቦትን 21 ሰነን ኪበዓል ዝተገብረሉ ምኽንያት

   ኣባ ዮሓኒ ኣብዛ ሕጂ ዘላ ቤተክርስቲያን በዓቲ ኣብ ውሽጢ ቤተ መቅደስ ብ21 ግንቦት ቆይሙ ክጽሊ ከሎ ቅድስቲ ድንግል ማርያም ጻድቃንን ሰማዕታትን መላእኽትን ኣኸቲላ ካብ ፀሓይ እትብርህ ኮይና ብራእይ ስለ እተገለጸትሉ፡ ብኣምሳል ደብረ ምጥማቅ 21 ግንቦት በዓለ ማርያም ክበዓል ተገይሩ። ብ21 ሰኔ ድማ ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ምስ ቅድስቲ ድንግል ማርያም ካብ ሰማይ ወሪዱ ምስ 12 ሓዋርያትን ቅዱስ እስጢፋኖስን ቅዳሴን ሥርዓት ቍርባን ኪሠርዕ ስለዝረኣየ፡ 20ን 21ን ሰኔ ሕንፀተ ቤታን ቅዳሴ ቤታን ከም ዝብዓል ተገይሩ።

   መ. ብዛዕባ ሕንፀት ገዳም ደብረ ሲና

    ቤተ ክርስቲያን ገዳም ደብረ ሲና መቅደሱን ቅድስቱን ብኢድ ሰብ ዘይተሓንፀ መሠረት ዘይብሉ ከም ደብተራ ሙሴ ብፍቓድ ኣምላኽ ዝተገብረ ዓቢይ ደንጎላ እምኒ ካብ ጥንቲ ጀሚሩ ንኣገልግሎት ዝጥቀሙሉ ዘለዉ እዩ። ንኣገልግሎት ቅኔ ማኅሌት ጥራይ ብወገን ምዕራብ ምስቲ በዓቲ ለጊቡ ብ1951 ዓ.ም ዝተሓንፀ ዘመናዊ ሕንፃ ከምዘሎ ይፍለጥ።

     ሠ. ናይ ደብረ ሲና ምንኩስና መንፈሳዊ ትውልዲ

         ካብ ኣባ ዮሓኒ ተተኃኂዙ ዝመጽአ ኮይኑ ኣብ ዳኅራይ ትውልዲ ግን ናይቲ ገዳም መነኮሳት ስለዝተሳእኑ ካብ ደብረ ቢዘን ኃሙሽተ መነኮሳት ከይዶም መምህር ኣስራት ብኢዱ ዝተባህሉ ነቲ ገዳም ብዙኅ ኣበራቢሮሞ። ብድኅሪኦም መምህር ፍሥሓ ቦዅራይ ዝተባህሉ ተተኪኦም እዞም ሕጂ ብህልውና ዝርከቡ ካብኣቶም ብምንኩስና ዝተወልዱ እዮም። ናይቲ ገዳም ማኅበር ናብራ ድማ ኣባ ዮሓኒ ብዝሠርዖ መሠረት ብሥርዓተ ጳኵሚስ ብሓድነትን ብመቚነንን ኮይኑ እዚ ናተይ እዚ ናትካ ዝብሃል የለን። ካብ ዅሉ ኵርናዓት ዓለም ብመልክዕ ምናኔ ንዝመጽእ ይቕበልዎ፡ ምሉእ መሰል ዘለዎ ወዲ ማኅበር ድማ ይኸውን። ካብቶም ብቅድስንኦም ዝተፈልጡ፡ ብጸሎቶም ዝረድኡ፡ ብፍቅረ እግዚአብሔር ዝተመልኡ ብፁዕ ኣቡነ ሰላማ፤ ካብ መዓረ ዲቁና ክሳዕ ኣበምኔት ገዳም፡ ከምቲ ብፅዕ ኣቡነ ማርቆስ ዝተነበይዎ

‘ብመንፈሳውነቶምን ኣገልግሎቶምን ንተቀብኦ ጵጵስና’ ክሳዕ ሊቀ ጳጳስ ሃገረ ስብከት ሰሜናውን ደቡባውን ቀይሕ ባሕሪ ፡ ሊ.ጳ.ሃ.ስ. ደቡብ መንደፈራ፡ ናይ ገዳማት ሊቀ ጳጳስ ....  ወቦዘተርፈን ኪኾኑ ዝበቕዑ ፍረ እዛ ቅድስቲ ገዳም ደብረ ሲና እዮም።

              ብኃላፍነት ደብረ ሲና ዝተተኽሉ ኣብያተ ክርስቲያናት

    ሀ. ኣብ ባሕሪ ምራራ ኣብ ርስቲ መንሳዕ ታቦተ ሚካኤል ምስ ገዛውቱን ርስቱን ኣታኽልቱን።

    ለ. ኣብ ከባቢ ኣግዓሮ ንኡስ ወረዳ መንሳዕ ዝርከብ ፍሉይ ስሙ ገለብ፡ ታቦተ ማርያም ቊስቋም ብ1948 ዓ.ም ፈራሪሱ ዝነበረ ከም በሓድሽ ዝተሓንፀ

   ሐ. ኣብ ሳሕል ከተማ ናቕፋ ዝርከብ ታቦተ ኪዳነ ምሕረት

  መ. ኣብ ከተማ ኣፍዓበት ዝርከብ ታቦተ ኣቡነ ተኽለሃይማኖት

  ሠ. ኣብ ዒላበርዕድ ዝርከቡ ታቦተ መድኃኔ ዓለምን ታቦተ ኣቡነ ኣረጋዊን፡ ኣብ ላዕሊ ብዝርዝር ዝተገልጻ ኣብያተ ክርስቲያናት ብሓልዮት ገዳም ደብረ ሲና ተሓኒፀን መንፈሳዊ ኣግልግሎት ከበርክታ ጸኒሐን ሕጂ ግና ብሰበካ ጉባኤ ተሠሪዐን ብናይ ዞባ ጳጳስ ይመኃደራ ኣለዋ። ስለዚ ብ21 ግንቦት ኣብ ደብረ ሲና ብዓብይ ክብሪ ይብዕል፡ ሊቃውንት ብማሕሌትን ቅዳሴን ውዳሴን ከመስግንዋ ከለው፤ ኣዴታትና ወለዲ መንሰያት ድማ ኣብ ‘ወለሳ’ ኮይኖም ካብ ድሮ ጀሚሮም ‘ማርያመየ በዓል ወለሳ፡ ኃዳጊት ኣበሳ!’ ብዝብል ውዳሴታት ንድንግል ምስ ወዳ እናወደሳ ይኃድራ። ነዚ ክብረ በዓል ብፍሉይ ውዳሴ ደኺምና ጸሚእና ማይ መጺኡና ከይበላ ከመስግንኣ ይኃድራ፡ ኣብ መወዳእታ ‘ኣነስ ከይደ ዓደይ ከይደ ዓደይ፡ ናይ ልበይ ነጊረያ ከይደ ዓደይ!’ እናበላ ይኸዳ፡ ናይ ልበን ድማ ወላዲተ ኣምላክ ድንግል ማርያም ትህበን። ያሮስላቭ ጉትጋርጽ ዝተበሃለ ሩስያዊ ደራሲ ‘መምሃሪ ዝርርብ፡ ትግርኛ-ሩስያኛ፤ ሩስያኛ-ትግርኛ ምስ መዝገበ ቃላት’ ‘ ታሪኽ ገዳም ደብረ ሲና፡ ድርሰታት…... የንብብ’የ’ ብምባል ኣብ ቃለ መሕተት መመረቕታ መጽሓፍ ተዛሪቡ ነይሩ፡ ንሕና ድማ ከም ወረስትን ኣመንትን መጠን ኣንቢብና ንኻልኦት ክንካፍል ክርስቲያናዊ ተልእኾና እዩ እሞ፡ ሓደራ ሕዝበ ክርስቲያን ርስትና ንዓቅብ [ሓዳስ ኤርትራ፡ 17 ሰነ 2018 - ገጽ 8]።

  ጸሎታን በረኸታን ምስ ኵላትና ሕዝበ ክርስትያን ይኹን ኣሜን፡ ንዓመታ ብሰላም ብፍቕሪ የጽንሓና ኣብ ሃገርናን ሕዝብናን ነኽብሮ በዓል ይግበረልና ኣሜን።

   21 ግንቦት መጽሓፈ ስንክሳርና ዝዘከሮም ምስ ንርኢ

 ዘመድ ናይ ክርስትያን ዝኾኑ ምእንቲ ግልጸት ገጻ ንእግዝእትነ ቅድስት ድንግል ማርያም ወላዲተ ኣምላክ፤ ኣብ ደብረ ምጥማቅ ኣብታ ብስማ ዝተሓንፀት ቤተ ክርስትያን ዝተራእየትሉ። ዳግማይ ድማ ኣብ ደብረ ሲና ዝተገልጸትሉ ዕለት እዩ፡ ብግልጸታ ግልጸት ልቦና ትሃበና ዝዝከረሉ ዓብይ ዕለት እዩ

 ኣባ መትርያኖስ መነኮስ ዘዕረፈሉ ዕለት እዩ

 ኣባ ኣሮን ሶርያዊ ዘዕረፈሉ እዩ

ኣባ ኣሞንዮስ ዘሀገረ ቶና

  ለ. ወርኃዊ ዝክሮም

 ዝክሮም ንነብይ ኣሞጽን ንመርዶላ እዩ ጸሎቶም፡ በረኸቶምን ረድኤቶምን ምስ ኵልና ሕዝበ ክርስትያን ጸኒዑ ንዘልዓለም ይንበር ኣሜን።

ምንጪ

መጽሓፈ ስንክሳር

 ተኣምረ ማርያም ግእዝን ትግርኛን፡ ገጽ 126-130

ታሪኽ ገዳም ደብረ ሲናን

 ሊቃውንት ዘሃገረ ኤርትራ ብመምህር ክነፈርግብ ማርቆስ ወሊቀ መዘምራን መልኣከ ገነት የኔታ ተክለማርያም

ዜና መዋዕል ብፅዕ ኣቡነ ሰላማ፡ ልሳን ተዋሕዶ 2019

ኣዳላዊ= መም. ዲያቆን ዳንኤል ኣብርሃም ዘደብረ ኤፍራታ

ዝተዳለወሉ 12- ግንቦት (9)- 2012 ዓ.ም

           20 - ግንቦት - 2020

ስብሐት ለእግዚአብሔር ልዑል፡ ወለወላዲቱ ማርያም ድንግል፡ ወለመስቀሉ ክቡር ወኃያል፡ አሜን።

Comments are closed.