“ንናብራይ ብተመስገን ክስዕሮ እየ "

ድኽነት ጣዕሚ ትዕግስቲ ምዃኑ ካብቲ ጻዕራም ኣቡኦም  ገና ብኑኡሶም ከም ውርሻ እንዳ ዓለቡኦም ዝወረስዋ። ደቂ ሰባት ናይ ኣእምሮ ድኻታት ከይኮኑ ደኣ ክጽዕሩ ኣለዎም እንበር ፣ ነዛ ዝበለዐት በሊዓ ተመስገን ዘይትፈልጥ ስጋ፣ ማዕረ “ፍቅሪ ፣ ሰላም ፡ ጥበብ ፣ ተመስገን ፣..... ወዘተ ኮታስ ሠናይ ንነፍሲ ዕረፍቲ ዝልግሱ  ነገራት ክሰርዕዋ የብሎሙን “እዮም ዝብሉ ዝነበሩ ኣቦይ ሓጎስ። እንዳ ኣቦይ ሓጎስ ገዛ ፣ ጸባብ ወይ ገፋሕ ክትበሃል ዘይትክእል እያ ማእከላይ ስፍሐት ኣለዋ ። ካብ ኣሥመራ ናብ ዓዲ ኣቢቶ  ክኣትው ከለዉ ምስ በዓልቤቶም ነበር ነፊስሄር ለተኪዳን፣ ዘጥረይወን ከረዲሳን ኣርማዲዮን ፡ ኣዚዩ ዝኣረገ ሳሎን ከምኡውን ክልተ ዓራት ሓቂፋ ትርከብ እታ ማሙቅ ቤቶም ። ወይለይ ረሲዐልኩም እባ ፣ ናይ ስዋ መኩባዕቲ ፣ ንከይተኣርግ ብምባል ብብላስቲክ ተጠምጢማ ኣብ እቲ መንደቅ ዝተሰቀልት ንብረትወን ይውንኑ እዮም።

ኣደይ ለተኪዳን ቅድሚ ናብ ፈጣሪ ዓዲ ምቅያረን፣ ኣብ ኣፍደገ ገዝአን ብሙኻን ፈሓም እናሽቀጣ ቁሩብ ታዕሪፋ ይምእርራ።ኣቦይ ሓጎስ ኣብዛ ክሳዕ ሎሚ ከም ዋርዲያ ተቆጺሮም ዝሰርሑላ ዘለዉ እንዳ ሰሩሑ ንሓዳሮም ይኣልዩ። ፍቅሪ እዛ ስድራ ከም መዓልትን ለይትን ብሰላም ተሳንዮም ይነብሩ። መዓልቲ ንዓለም በርሃኑ ለጊሱ ስርሑ ምስ ወድአ ቦትኡ ንጸላም ከም ዘረክቦ፡  ጸላምውን ብተርኡ ስርሑ ዛዚሙ ኣብ ሰዓቱ ንመዓልቲ የረክቦ። ጸላምን ብርሃንን ተሳኒዮም እናተባራረዩ ከም ዝነብሩ ኣብዛ ቅድስቲ ስድራዉን ተማሳሳሊ ፍቅሪ ኢኻ ትዕዘብ ።  ኣቦይ ሓጎስ ፣ ቅድሚኺ ይስጠሓኒ  ክብሉ ፣ ኣደይ ለተኪዳን ቅድሚኹም እባ ኣቱም ኣሚነይ ክበሃሃሉ ኣብ ሓድሕዶም ዘሎ ፍቅሪ ብርሃኑ ክንጸባርቅ ከሎ ብፍቅሮም ዘይቀንእ ጎሮባብቲ  ኣይነበረን።ፍቃድ ኣምላኽ ኮይኑ ኣደይ ለተኪዳን ካብዛ ዓለም ቅድሚ ኣሚነን ሓምድ ኣዳም ለበሳ።

ሰባኣይ ድሕሪ ሰበይቱ ናይ ምጽናሕ ዕድሉ ኣዚዩ ጸቢብ እዩ ከም ዝበሃል ፣ ኣቦይ ሓጎስ ፣ ብዕረፍቲ ናይ በዓል ቤቶም ኣዚዮም  ተጎድኡ ። እግዚአብሔር ሃበ እግዜአብሔር ወሰደ ብምባል ንኵሉ ዝገጥሞም ፈተነ ሕይወት ክቅበሉዎ ፣ ናብ ኣምላኾም ትዕግስቲ ፡ ምጽንናዕ መንፈስ ቅዱስ ክልእከሎም ዝያዳ ዝሓለፈ ዕድሚኦም ምስ ኣምላኾም ተጸግዑ ። ሰላም ኣብ ኣጋ እርጋኖም ዝወለድዋ ፣ እንኮ ጋሎም እያ ። ሰላም ናይ ኣእምሮ ሕማም ስለዘጋጠማ ነቲ መስመሩ ጠፊእዎ ዝነበረ ሕይወት ናይ እዛ ስድራ መሊሱ ዝበኣሰ መከራ ንኽሕልፉ ተወሳኺ ኣርዑት ኮኖም። ብደገ ንዝርኢ ሰብ እምበር ኣቦይ ሓጎስ ሓደ መዓልቲ ኢሕ ክብሉ ፈጽምካ ኣይትርእዮምን። ብኣንጻሩ እኳ ደኣ ገጾም ከም ፀሐይ ተወሊዑ ተመስገንካ ፡ መድኃኔ-ዓለም ክብሉ ኢኻ ትዕዘብ።

ሓሙስ መዓልቲ ምኻኑ እዩ ፡  ከምታ ኣመሎም ካብ ስራሕ ተፈዲሶም ንገዛ ምስ ኣምረሑ ፡ ሰላም ጓሎም ኣብ ትሕቲ ዓራት ኮይና ፡  ኣእዳዋ ናብ ኣፋ ኣእትያ ክሳዳ ንሰማይ እናኣንቃዕረረት በቲ ኮልታፍ መልሓሳ ፡ ኣ ኣ ኣ ቦ ይ እናበለት ተቀበሎቶም ። እሰይ ዛጓለይ ሃብሮም ብምባል ግንባራ ብምስዓም ነታ ቁራቦ ላምባ ሒዛ ዝነበረት ቤርሙስ ብምስሓብ ፡ ካብ ምሒር ረስሓት ሓዲሽ ቆርበት ዘውጸኣት ድስቶም ፣ ማይን ቁሩብ ቁራቦ ዘይትን ገቢሮም ናብ ብርሙስ ሰኽተትዋ። ነታ ፍረ ጋባ ዝኾነት ጓሎም ነቲ ብሓለዋ ለይቲ ዝደኸም ኣካላቶም ክበራረብ ኣምባሃቁ ኢዶም ከንቀሳቅስዎ ጀመሩ። እተን ብድቃስ ምስኣን ጨምጪመን ዝነበራ ደቀቅቲ ኣዒንቶም ወርሕሪሕ እናበሉ ፣ ሰላም ጓለይ ጥሚት’ዶ ቀቲለኪ ፡ ወይ  ኣነ ኣቦኪ ፣ ኣዲኺ ኣይትርአ ፣ እናበሉ  ነቲ ፈሊሑ ሸረክረክ ክብል ሃፋ ከዉጽእ ዝጀመረ ማይ ካብቲ ክልተ ማንካ ዘይኣኽላ ዝሓዘ ናይ ሸሮ ታንካ ብምኽፋት ቁሩብ  ሽሮ ፈይ ኣበሉ ናብቲ ደስቲ ። ማይ ዝበዝሖ ፡ ሽሮ ዝወሓዶ ድስቲ ክግንፍል መስ ቀረበ ኣቦይ ሓጎስ ኮሮንሹ ንምድለይ ናብቲ ፊሲታላት ዝመልኦ ከረንዲሳ ገጾም ኣቋመቱ።

ብጸሊም ፊስታል ተኣሲረን ዘነበራ ኮሮንሾ ናብቲ ጽቡቅ ጌይሩ ሓዊ ዘይሃረሞ ፡ ናብ ማይ ዝቀረበ  ሽሮ ኣእተዉዎ። ብዘለካ ተመስገን ምባል ንኵሉ ከም ዘጥዕሞ  ኣቦይ ሓጎስን ሰላምን ፣ ነታ ካብ ዝግኒ ትጥዕም ሽርኦም ኣቡነ ዘበሰማያት ደጊሞም ተቃድስዋ። ኣቦይ ሓጎስ ንሰላም ጓሎም ኣትኪሮም ድሕሪ ምርኣይ ፣ ኣቲ ዝያዳይ ኣነ ካብ እዛ ዓለም ምስ ተፈለኩስ ፣ መን ኮን እዩ ክከናኸነኪ ክብሉ ምስ ብውሽጢ ልቦም ሕቶ ኣልዓሉ። ሰላም ንሕቶኦም ዝሰመዐት ክትመስል ፣ ፊሽኽ እናበለት ኣ.,ኣ..ቦ ይ በለት። ውዑይ ንብዓት ስብኣይ ንብክልተ መታልሖም ወረር ወረር በለ ። ኣቤት ድራር ዓይነይ ብምባል ነታ ኣብ ጥቃ ሰላም ዝነበረት ቅዳድ ነጸላ ብምልዓል ፣ ነቲ ባእ ባእ እናበለት ካብ ልሳን ሰላም ዝወጽእ ዝነበረ ዘረባ  ናብ ምጽራይ እተዉ ኣብ ክንፈራ ዝነበረ ልዛይ ደረዙላ።

ነታ ኣብ ልዕሊ መደቀሲኦም ብጸሊምን ጻዕዳን ኮላ  ተለጣጢፋ ተሰቂላ ዝነበረት ናይ ኣድኅኖ ስእሊ ፊት ንፊት ተጋጠሙ እሞ ፣ ብውሽጢ ሓይሊ ክስምዖም ልቦም ፍኹስ ክብሎም ተሰመዖም ። ኣ ኣምላኸይ ይቅረታ ግበረለይ ፣ ከምዛ ንሰላም ጓለይ ባዕለይ ዘናብራ ዘለኹ ፣ ብድሕረይ መን ኮን’ዩ ክናባያ እንታይ ከም ትኸዉን ተጨኒቀ እነኹ ኣብ ቅድሚኻ  ። ሕያዋይ ጓሳ ቸር መድኃኔ-ዓለም ሕያዋይ ጓሳ ምኻንካ እናኣመንኩ ነዛ ምስኪን ጓለይ ናባኻ የማዕቁባ  ።ንሰላም ውላዶም ዝፈጠረ ኣምላክ ኣብ ጎናም ምኻኖም ኣሚኖም ፣ ካብታ ኮፍ ኢሎሙላ ዝነበሩ ኩርሲ ብምትንሳእ ፣ ሰላም ጓለይ ጽባሕ ቁዱስ ቁሩባን ትወስድላ መዓልቲ ስለ ዝኮነ ይዕርፊ ኣነ ከኣ ክዳውንትኪ ክቀራርበልኪ ፣ ብምባል ከምታ ወትሩ ቅድሚ ድቃሶም ዘብጽሕዋ ጾሎት ኣዕሪጎም ዝደቀሱ።

ኣቦይ ሓጎስ ምስ ጓሎም ድሕሪ ቅድሴ ካብ  ቤተ-ክርስትያን  ናብ ገዝኦም ኣምርሑ ። ወላ እካ ዝገደፍዎ ዝብላዕ ዝስተ እንተዘይነበሮም ፣ እተን ብርኽቲ ጎሮቤቶም መግቢ ዝመልአ ስልጣንያ ሒዘን ብምጻእ  ካብ ጥምየት ኣገላገልኦም ። ምስሖም ምስ በሉዑ ክብድብድ ስለ ዝበሎም ኣቦን ጓልን ጎባ ኮይኖም ተታኸሱ ። ካብ ድቃሶም ምስ ተንሱኡ ኣቦይ ሓጎስ ናብ ሰላም ጓሎም ብምቅራብ ከተንስእዋ  እካ እንተፈተኑ፣  ሰላም ግና ኣይከም ቀደማን ምልሲ ክትህብ ኣይከኣለትን ። ነዛ ክራይ ገዛ ፡ ግዝያዊት  ድንኳን ሲ ክንድዚ ድቃስ፣ ኣየ ዓለም ኮንቱ ውእቱ   እናበሉ ብዓውታ ጨደሩ። ኣብ ምድራዊ ዓለም ምንባር ንስለ ጓሎም ሰላም ደኣ እንበር ዓ ዓዶም ጠንጢኖም ንገዳም ክኸዱ ክልተ ሠለስተ ፈቲኖም ነይሮም እዮም ። ዝምታ ናይ ሰላም ጓሎም መወዳእታ ፋንዎ  ካብ ምድሪ ዓለም ምዃኑ ልቦም ክሕብሮም ጀመረ።

ካብ ዝፈርሕዎ ኣይወጹን ፡ ምቅባጻ  ሲኢኖም ፣ ደጋጊሞም ስማ እንዳ ጸውዑ ነቲ ስገኣ እንበር ነብሳ ዘሃደሞ ኣካላታ እናነዉነዉ ከተስእዋ ፈተኑ። ብድሕሪ መንኩቦም ሰላም ናብ ፈጣሪኣ ከይዳ እያ እናበለ፡ ዝሓዞም ሰብ ኮይኑ ተሰመዖም ‘ ኣብ ውሽጦም ‘ውን ዕረፍቲ ናይ ጓሎም ሎሚ ምኻኑ ይሕብሮም ኣሎ ፡ ነገር ወላዲ ኮይንዎም ግና ኣይተቀብልዎን። ሃንደብት ነቲ ክውን ነገር ንምቅባላ ዘኽእል ሓይሊ ኣብ መትንታት ልቦም ክነግስ ተሰመዖም ። ለካ ፣ እዛ ጓለይ እንታይ ክትከዉን እያ ክብል ክሻቀል ፡ ለይትን መዓልትን ክነብዕ ናብ ዝሓሸ ሰማያዊ ሕይወት ወሲድካያ ተመስገንካ ፡ ተመስገንካ ፡ ተመስገንካ እናበሉ ናይ ነገር ወላዲ ኮይንዎም በቲ ድኹም መሓውሮም ኣእዳዎም ደሕሪ ሕቆም ዓጺፎም ፡ እቲ የማናይ ኢዶም ኣብ ጸጋም ኢዶም ኣመሳቂሎም ቅድሚትን ፡ ድሕሪት እናተንቀሳቀሱ መባኽይቲ ሓጋዚ ዘይብሎም ወይ ኣነ ብድልቲ ጓለይ እናበሉ ኣልቆሱላ ። እታ እንኮ ጓሎም ሎም’ዶ ጽባሕ ትሓዊ እናበሉ ትስፋ መድኃና ካብ ክርስቶስ ዝጽበይሉ ዝነበሩ ፈጣሪኣ ምሳይ ይሕሸኪ ብምባል ካብ ሕቅፍኦም ብዱቁሳ ከም ቅዱሳን ኣቦታት ከተጻዕረት ወሰዳ። ንሳ ኩሎንትንኦም ሰለዝነበረት ከብድኻ ብዝበልዕ ልቅሶ እናበኸዩ ኣልቀሱላ ፣ ልቁሳ ጣዕሳ ዘይኮነስ ልቁሶ ናፍቆት እንበር። ሕጂ’ን ተመስገንካ ፈጣሪ ብምባል ሓዘኖም ዓጸዉ

ልዋም ሰሎሞን

7/19/2018

ስብሐት ለእግዚአብሔር

ወለወላዲቱ ድንግል

ወለመስቀሉ ክቡር

Comments are closed.