ኒቆዲሞስ

በስመ አብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ አሐዱ አምላክ አሜን።

መዝሙር ዘቅዱስ ያሬድ

ሆረ ኃቤሁ ዘስሙ ኒቆዲሞስ።

  ምስባክ

ሐወጽከኒ ሌሊተ ወፈተንኰ ለልብየ፣

አመከርከኒ ወኢተረክበ ዓመጻ በላዕሌየ፣

ከመ ኢይንብብ አፋየ ግብረ ዕጓለ እመሕያው። መዝ.16፣3።

ንልበይ ተዐዚብካዮ ብለይቲ በጺሕካዮ

መርሚርካንስ ገለ እኳ ኣይረኸብካን

ካብ ኣፈይ ክፍኣት ከይወጽእ ምኽረይ ቈሪጸ እየ።

መዝ.17-3።

ወንጌል ዮሓ.3፣1-10።     ግ.ሓ.5፣38-ፍጻሜ        ሮሜ.7፣1-19       1ይዮሓ.4፣18-ፍጻሜ

ቅዳሴ. ቅዳሴ ማርያም

7 ሰሙን ጾም ፵ /ዓቢይ ጾም/ ጾመ እግዚእ

ኒቆዲሞስ ካብ ሰናብቲ ናይ ጾም ፵ ቅድሚ ሆሣዕና ዘሎ ሻብዓይ ሰሙን እዩ። ብቛንቋ ግሪኽ ትርጕም ናይ ስሙ ኒቆ (ኒከ) ማለት ዓወት፡ ዲሞስ(ደሞስ) ድማ ሕዝቢ ማለት ኮይኑ ብሓባር 'ዓወት ናይ ሕዝቢ' ማለት እዩ። ናይቲ ዝለዓለ ናይ ኣይሁድ ባይቶ ኣባል ዝነበር ሓለቓ ኣይሁድ፣ ኣባል ናይ ባይቶ ሊቃውንቲ፣ ምሁር፣ ሃብታም ፍሉጥ/ውሩይ ሰብ እዩ። በዚ ድማ ኣብ ዮሓ ፯፡፶/7፡50 ሊቃውንቲ ናይ ኣይሁድ ንክርስቶስ ክኅዝዎ ኣብ ዝገበርዎ ጉባኤ ክሳተፍ ከሎ ተገሊጹ ኣሎ። ስሙ ካብ ኣርባዕቱ ወንጌላውያን ኣብ ናይ ዮሓንስ ወንጌል ጥራይ ሠለስተ ጊዜ ተጻሒፉ ይርከብ። እዚ ኣብ ክርስቲያናዊ ጕዕዞ ንዝነበሮ ሠለስተ ደረጃታት ማለት ብለይቲ ይምሃር ምንባሩ፣ ንዓመጽ ወይ ንሓሶት ኣብ ጉባኤ ምቅዋሙን፣ ስለ ሓቂ ብተግባር ደው ምባሉን ዘረድእ እዩ። ቅዱስ ዮሓንስ ኣብ ወንጌሉ ብዛዕባ ኒቆዲሞስ ዝገለጾ፡ ሊቃውንተ ቤተክርስቲያን ድማ ኣስፊሖም ምስ ምሥጢሩ በብሓደ ገሊጾምዎ ንዘለዉ ከም ፍቓድ ኣምላኽ ኣብዚ ናይ ሎሚ ጽሑፍና ክንርእዮ ኢና።

ትርጓሜ ወንጌል

 ኒቆዲሞስ ሓደ ካብ ወገን ፈሪሳውያን ዝኾነ ምሁር፣ በዓል ሹም፣ ሃብታምን፣ ብክርስቶስ ዝኣመነ ሓለቓ ኣይሁድ እዩ።  ኒቆዲሞስ ሓደ ካብ ወገን ፈሪሳውያን ዝኾነ ምሁር፣ በዓል ሹም፣ ሃብታምን፣ ብክርስቶስ ዝኣመነ ሓለቓ ኣይሁድ እዩ። ኣብ ግእዝ መጽሓፍ ቅዱስ 'መልአኮሙ ለአይሁድ' ብምባል ይገልጾ፡ እዚ ሓለቓ ኣይሁድ ዝበሎ ብሃብቲ፡ ብመምህርነት፡ ብሽመት እዩ። ቤተ ክርስቲያንና ድማ ነቲ ነቲ ርእሲ ቤተ ክርስቲያን ብ'መልአከ ሰላም፡ ምሕረት……' ካልእን ኢላ ትጽውዖ። ብመዓልቲ ካብ ዝመጹ ኣቐዲሙ ቅድሚ ምእማኑ፡ ለይቲ ናብ ጐይታ ክመሃር ምኻዱ ድማ ብኸምዚ ይትንተን፣

  • ቀዳማይ፡ መምህር እየ እናበለ ክሳዕ ሕጂ ብትምህርቲ ጽጉብ ኣይኮነን ክብሉኒ እዮም ኢሉ ውዳሴ ከንቱ ብምድላይ እዩ።
  • ካልኣይ፡ በቲ ሓደ ድማ ልቦና ካብ መዓልቲ ለይቲ ንቑሕ ስለዝኾነ ትምህርቲ ምእንቲ ክርድኦ እዩ። ብለይቲ ምምጽኡውን ካብቲ ብዙኅ ሰብን ዓብይ ድምፅን ተፈልዩ ክመሃር ምድላዩ እዩ፡ ነዚ ቤተ ክርስቲያን ንደቃ ውሉደ ክህነት ካብ ኵሉ ነገራት ብዝዓርፈሉ ሰዓት መሪጻ ብለይቲ እዋን ትምህሮም። በዚ ጊዜ ዝወሃብ ትምህርቲ ናብ ኣእምሮ ምስፋርን ምኃዝን ብጸሎት ተደጊፉ ዝዛዘምን ስለዝኾነ ኣዝዩ ምቹእ ሰዓት ኴይኑ፡ ንውዳሴ ማርያም፡ ሰዓታት፡ ትምህርተ ዜማን ካልእን ንምሃብ ተገልግለሉ ኣላ።
  • ሣልሳይ፡ ከምኡውን “ኣይሁድ ‘ንሱ መሲሕ እዩ’ ኢሉ ንዝኣመነ ካብ ቤተ ጸሎቶም ክሰጒዎ ተሰማሚዖም” ስለዝነበሩ ከይስጐግ ፈሪሁ እዩ (ዮሓ ፱፡፳፪/9፡22)። እንተ በዚ እንተ በቲ ግና ካብ ኦሪት ከም ዘይተላቐቐ ብመንፈስ ቅዱስ ከም ዘይሞቐ ዘረድእ እዩ።

 ኒቆዲሞስ ብክርስቶስ ከም ዝኣመነ ንጐይታ ምእንቲ ከረድእ “መምህር በጀካ እቲ ኣምላኽ ምስኡ ዝኾነ ሰብ፡ ነዚ ንስኻ እትገብሮ ዘሎኻ ተኣምራት ክገብሮ ዝኽእል ሓደ እኳ የልቦን እሞ፡ ንስኻ መምህር ኴንካ ኻብ ኣምላኽ ከም ዝመጻእካ ንፈልጥ ኢና።” ኢሉ ንጐይታ ምስ ተዛረቦ ጐይታ ከኣ ጽንዓቱን ግሉጽነቱን ርእዩ “ሰብ ካልኣይ ጊዜ እንተ ዘይተወልደ፡ ንመንግሥቲ ኣምላኽ ክርእያ ከቶ ከም ዘይኽእል፡ ብሓቂ፥ ብሓቂ፥ እብለካ ኣሎኹ” ብምባል ዓቢይ ምሥጢር ነገሮ። ኒቆዲሞስ እቲ ብዛዕባ ምሥጢረ ጥምቀት ዝተነግሮ ረቒቑ ምርዳኡ ምስ ሰኣነ “ሰብከ ምስ ኣረገ ከመይ ኢሉ ክውለድ ይኽእል፧ መሊሱ ናብ ከርሲ እኖኡ ኣትዩስ ክውለድዶ ይኽእል እዩ፧” ኢሉ ሓተተ፣ ጐይታ ድማ ብዝግባእ ሊቆሙ/መምህር ኢሉ እናለማለመ ወይ እናቀባጠረ፣ ነዚ ኣይትፈልጥን ዲኻ ኢሉ እናገሠጸ ብዝግባእ ኣረድኦ። [ትርጓሜ ወንጌል ኣብ ዮሓ ፫፡፩-፳፩/3፡1-21 ዝተዋጽኣ/ዝተጸምቘ]

   ከምኡውን ኒቆዲሞስ ብለይቲ መጺኡ ክነሱ ንጐይታ “ንስኻ መምህር ኴንካ ኻብ ኣምላኽ ከም ዝመጻእኻ ንፈልጥ ኢና።” ምስ በሎ ጐይታ ከምኡ ምዃነይ እንተ ፈሊጥካን ኣሚንካን ድኣ ንምንታይ ብሕቡእ ብለይቲ ጸልማት ትመጽእ፡ ንምንታይ ብጋህዲ ዘይገበርካዮ ኢሉ ንኒቆዲሞስ ኣይመለሰሉን ወይ ኣይገሠጾን ከመይሲ ጐይታ ዝመጸ “ንሱ ኣይክከራኸርን፥ ኣይክጭድርን እዩ፥ ሓደ እኳ ኣብ ቅርዓት ድምፁ ኣይክሰምዕን እዩ። ፍትሒ ናብ ዓወት ክሳዕ ዘብጽሕ ቅጥቁጥ ሻምብቆ ኣይክሰብርን፥ ንዝተክኸ ፈትሊ ጥዋፍውን ኣይከጥፍእን እዩ፥ ኣሕዛብ ድማ ብስሙ ተስፋ ክገብሩ እዮም።’ ተባሂሉ ዝተነግረ ምእንቲ ክፍጸም እዩ” ማቴ ፲፪፡፲፱-፳፩/12፡19-21፣ ኢሳ ፵፪፡፫/ 42፡3።

  ቅዱስ ዮሓንስ ኣብ ወንጌሉ ብዛዕባ ኒቆዲሞስ ክጽሕፍ ከሎ “ወውእቱ መጻ ኀበ እግዚእ ኢየሱስ ቀዲሙ ሌሊተ/ንሱ እቲ ኣቐዲሙ ብለይቲ ናብ ጐይታ ዝመጸ እዩ” ኢሉ ምግላጹ ዝቕጽል ታሪኽ ከም ዘለዎ ዝገልጽ ምዃኑ ሊቃውንተ ቤተክርስቲያን “ቀጺሉ ንግንዘት ከም ዝመጽእ ስለዝጽሕፍ ኣብዚ ኣቐዲሙ ኢሉ ጀሚሩ” ብምባል ይትርጕምዎ። ከምኡውን ጐይታ “እቲ ሓቂ ዝገብር ግና ከም ትእዛዝ ኣምላኽ ስለዝገበረ እቲ ግብሩ ምእንቲ ክግለጽ ናብ ብርሃን እዩ ዝመጽእ” ኢሉ ንኒቆዲሞስ ጸልማት ገዲፉ ብብርሃን፡ ብስውር ገዲፉ ብጋህዲ ክመላለስ ከም ዘለዎ ዝተዘርበ ቃለ ማዕዳ እዩ። ኣብ መጀመርያ ብድኹም እምነትን ፍርህን ብለይቲ እኳ እንተ መጸ ኣፍ ደገ ጐይታ ግና ኣብ ኵሉን ንዅሉን ርሕው እዩ ነይሩ፡ ረኣይዎ በሉ እቲ ሕያዋይ ዘይታኸስ ጓሳ ነቶም ካብ ልቦም ንዝዂሕኵሑ ለይቲ ኮነ ቀትሪ ዝኸፍት ምዃኑ (ሉቃ 11፡9 ፣ ማቴ 7፡7)። እሞኸ ድኣ “‘ብምሽእቲ ሰዓት ሰማዕኩኻ ብመዓልቲ ምድኃን ረዳእኩኻ’ ከም ዝብሎ፥ እንሆ እታ ምሽእቲ ሰዓት ሕጂ እያ፡ እንሆ እታ መዓልቲ ምድኃን ሕጂ እያ።” ካብ በለና (፪/2 ቆሮ ፮፡፪/6፡2)፥ ሕጂ ሎሚ ጽባሕ ከይበልና ናብኡ ንቕረብ ንድለዮ፥ ንለምን፥ ኣፍ ደጊኡ ድማ ንዃሕኵሕ፥ ከመይሲ “ለምኑ ክወሃበኩም እዩ፥ ድለዩ ኽትረኽቡ ኢኹም፥ ማዕጾ ኳሕኲሑ ክረሓወልኩም እዩ። ከመይ ዝለመነ ዅሉ ይቕበል፥ ዝደለየ ይረክብ፡ ማዕጾ ዝዃህኲሐ ድማ ይረሓወሉ እዩ።” ይብል (ማቴ ፯፡፯-፰/7፡7-8)። ቅዱስ ዮሓንስ ኣፈወርቅውን “ኒቆዲሞስ ናብ ጐይታ እዋን ኣብ ዘይብሉ ለይቲ ካብ ኣይሁድ ፈሪሁ ብስውር እኳ እንተ መጸ፡ እቲ ዓቢይ ምሕረት ናይ ጐይታ ግና ኣይነጸጎን። ምቕራብን ምምሃርንውን ኣይከልኦን፡ በንጻሩ ድኣ ሓቚፉ ዓቢይ ምሥጢር መሃሮ። እዚ ምሕረት ንኒቆዲሞስ ይግባእ እዩ።” ብምባል ኣብ ቀዳማይ ጕዕዞ ናይ ኒቆዲሞስ ብለይቲ ኣቐዲሙ ናይ ምምጻኡ ምኽንያትን ናይ ጐይታ ምሕረትን የረድኣና። ብሓቂ ነብይ ኢሳይያስውን በዚ ከብርህ እንከሎ ከምዚ ይብል 'ንእግዚአብሔር በቲ ዚርከበሉ ጊዜ ድለይዎ፡ ቀረባ ኸሎውን ጸውዕዎ።' (ኢሳ 55፡6)፡ 'በቲ ዝርከበሉ ጊዜ' ዝተበሃለ ከምቲ ቅድም ክንገር ዝጸንሐ ሕጂ እዩ።

  • እቲ ካልኣይ ብዛዕባ ኒቆዲሞስ ዝተገልጸ ኣብ ዮሓ ፯፡፶/7፡50-ፍጻ ዘሎ እዩ።

  ፈሪሳውያን ንጐይታ ኂዞም ከምጽእዎ ዝለኣኽዎም ልኡኻት ትምህርቲ ናይ ጐይታ ሰሚዖም ብምድናቕ “ከምዚ ሰብኣይ እዚ ገይሩ ዝተዛረበ ኸቶ የልቦን” ኢሎም ምስ መለሱሎም፥ ፈሪሳውያን ብቝጥዐ፡ "ንስኻትኩምውንዶ ስሒትኩም ኢኹም፧ ካብ መኳንንቲ ወይ ካብ ፈሪሳውያን ብእኡ ዝኣመነዶ ኣሎ እዩ፧ እዚ ሕጊ ዘይፈልጥ ሕዝቢ ግና ርጉም እዩ።” ብምባል ተራገሙ። “ሓደ ኻብኣቶም፥ እቲ ቕድም ብለይቲ ናብ ኢየሱስ መጺኡ ዝነበረ ኒቆዲሞስ፡ ‘ሕግናኸ ንሰብ ቅድም ከይሰምዖን እቲ ዝገበሮ ከይፈለጠንዶ ይፈርዶ እዩ፧’ በሎም ንሳቶም ከኣ ‘ንስኻውንዶ ካብ ገሊላ ኢኻ፧ መርምር እሞ ካብ ገሊላ ነቢይ ከም ዘይትንሥእ ክትርኢ ኢኻ፧’ ኢሎም መለሱሉ። ዅሎም ከኣ ነናብ ቤቶም ከዱ።”

ኣብዚ ኒቆዲሞስ ካብ ኣባል ጉባኤ ሊቃውንት ናይ ኣይሁድ ሓደ ስለዝነበረ ኣብ ጉባኤኦም ክሳተፍ ንርኢ። “ካብ መኳንንቲ ወይ ካብ ፈሪሳውያን ብእኡ ዝኣመነዶ ኣሎ እዩ፧” ኢሎም ብቝጥዐ ክዛረቡ ከለዉ፡ 'ኣነ ኣለኹ!' ኢሉ እኳ ክምስክር እንተ ዘይደፈረ ብዓቕሙ ግና ንሓሳቦም ‘ሕግናኸ ንሰብ ቅድም ከይሰምዖን እቲ ዝገበሮ ከይፈለጠንዶ ይፈርዶ እዩ፧’ ኢሉ ተቓዊምዎ እዩ። ቅዱስ ቄርሎስ ብዛዕባ እዚ ክዛረብ ከሎ “ምስቶም ንጐይታ ዝረግሙን ዝጻረፉን ምእካቡ ነፍሱ መንቅሒ [መንቕሒ ደወል] ኮይንዎ ሓሰበ። ሰብ ድማ ሕሊናኡ ክቃወሞ ከሎ ሱቕ ስለዘይብል ብግልጺ እኳ እንተ ዘይኮነ ብምርድዳእ ቍሩብ ኣዋሪድዎም እዩ። እዚ ናይ ተቓውሞ ቃላት ነቲ ሕጊ ብተዘዋዋሪ ወይ ብግልጺ ንጊዜኡ ከም ዘይጽቀጥ ገይሩ እዩ።” ቅዱስ ዮሓንስ ኣፈወርቅ እውን “ኒቆዲሞስ ንፈሪሳውያን ሓለውቲ ሕጊ ከም ዘይኮኑ ኣቃሊዕዎም እዩ፡ ፈሪሳውያን ነቲ ሕጊ ኣይፈልጥዎን ኣይሕልውዎን ከኣ እዮም፡ እቲ ሕጊ ቅድም ስማዕ እዩ ዝብል። ንሳቶም ግና ቅድሚ ምስማዖም ንምቕታል ቅልጡፋት እዮም ስለዚ ነቲ ሕጊ ኣይእዘዝዎን እዮም።” ኢሉ ብዛዕባ ኒቆዲሞስ ዝገበሮ ገሊጹ እዩ። ብሓፈሻ እዚ ካልኣይ መንፈሳዊ ወይ ክርስቲያናዊ ደረጃ ናይ ኒቆዲሞስ እዩ። ከመይሲ መጀመርያ ብሕቡእ ለይቲ ካብ ኣይሁድ ፈሪሁ ዝመላለስ ዝነበረ ሕጂ ግን ንሓሳቦም ኣብ ማእከሎም ኮይኑ ብምቅዋም ክሳዕ መከራ ንምቕባል ኣብ ድልውነት በጺሑ እዩ።

  • እቲ ሣልሳይ ናይ ኒቆዲሞስ ታሪኽ ኣብ ዮሓንስ ወንጌል ምዕራፍ ፲፱፡፴፱-፵/19፡39-40 ብዛዕባ ግንዘቱ ድማ ይዛረብ።

  “እቲ ቕድም ብለይቲ ናብ ኢየሱስ መጺኡ ዝነበረ ኒቆዲሞስውን ሠላሳን ሓደን ኪሎ ግራም ኣቢሉ ዝኸውን ከርበ ምስ ዓልወ ዝተሓወሰ ኂዙ መጸ። ንሥጋ ኢየሱስ ወሲዶም ከኣ ኸምቲ ልማድ ኣይሁድ ምስ ሽቱ ብሓድሽ ዓለባ ገይሮም ገነዝዎ።” ኢሉ ዝገልጾ እዩ። ጐይታ ዝተቐብረ ቀዳሚት ሰንበት ከይኣተወ ፀሐይ ቅድሚ ምዕራባ እዩ። በዚ ኣብ ዕለተ ግንዘት ናይ ጐይታ፡ ፍርሃቱ ከመ ዝተኣለየ ኣብ ክንዲ ብሕቡእ ብጋህዲ ብለይቲ ዘይኮነ ፀሓይ ከይዓረበ መንነቱ ኣግሂዱ እዩ። ከመይሲ ንጐይታ መን ከም ዝገነዞ ንምፍላጥ ካብ ኣይሁድ ዝሕባእ ኣይኮነን።

ቅዱስ ዮሓንስ ብዛዕባ ኒቆዲሞስ ኣብ ዝጸሓፈሉ ሠለስተ ቦታታት እቲ ብለይቲ ዝመጽእ ዝነበረ እናበለ ዝገለጾ፥ ኒቆዲሞስ ዝነበሮ ሠለስተ ደረጃ ዕቤት ናይ ክርስትያናዊ ጕዕዞ የመልክት ዝተባህለ ነዚ እዩ። ከመይሲ መጀመርያ ብሕቡእ ለይቲ መጺው ብምምሃር፣ ካልኣይ ኣብ ማእከሎም ኮይኑ ከይፈለጥዎ ብምቅዋም፣ ሣልሳይ ድማ ብጋህዲ ንጐይታ ብምግናዝን ብምቕባርን ኢሉ ካብ ሕቡእነት ክሳዕ ንሰማዕትነት ድልው ምዃኑ ዘረድእ እዩ። እዚ ምናልባት ኣብዚ ዘለናዮ እዋን ቀሊል ኮይኑ ይርኣ ይኸውን እምበር ኣብቲ ዘመን ኣዚው ከቢድ ተወፋይነት ዝሓትት፡ እረ ክሳዕ ሞት ዘብጽሕ ፍሪዲ እዩ ነይርዎ። በዚ ኒቆዲሞስ በቲ ካብ ክርስቶስ ዝተማህሮ ቃል ብመንፈስ እናዓበየ ከም ዝኸደ ብተግባር ኣርእዩና እዩ። ካብዚ ኣብ መንፈሳውነትና ዕቤት ከይነርኢ መሓልኾ ኮይንና ዘሎ ነገር እንታይ ከም ዝኾነን ብኸመይ ነቲ ዝዕንቅጸና ዘሎ ከም እንኣልዮ ንመሃር።   

 እቲ ንኒቆዲሞስ ፈተና ኾይኑ ብሕቡእ ለይቲ ዘመላልሶ ዝነበረ ሃብቱ፡ ዝናኡ፣ ሥልጣኑን፣ ትምህርቱን፣ ሎሚ ንብዙኃት ሰባት ኣብ ቤተክርስቲያን ከይመሃሩ ከቢድ ፈተና ዝኾኖም ዘሎ እዩ። 'ኣነ ዶክተር፣ ሃብታም፣ ውሩይ፣ ብዓል ሥልጣን ክነሰይ፡ ኣብዚ በዚኦም ከመይ ኢለ ክመሃር ይኽእል!' ኢሉ ክዕበ ይብል ይኸውን፥ ኒቆዲሞስ ግን በዚ ዝዓይነቱ ውሽጣዊ ፈተና ይፍተን እኳ እንተ ነበረ ብዓቕሙ ግና ለይቲ ተሓቢኡ ርእሱ ትሕት ብምባል ይመሃር ነበረ። ከመይሲ ሰብ ንርእሱ ድኻ ገይሩ ትሕት እንተ ዘይኢሉ፡ ኣብ ቤተክርስቲያን ክመሃር ኣይኮነሉን እዩ። ምኽንያቱ ጐይታ “ድኻታት ወንጌል ይብሠሩ ኣለዉ”፡ “ንድኻታት ከበሥሮም ስለ ዝቐብኣኒ መንፈስ እግዚአብሔር ኣብ ልዕለይ ኣሎ፤” ኢሉ እዩ (ማቴ ፲፩፡፭/11፡5, ሉቃ ፬፡፲፰/4፡18)። እዚ ሃብቲ ንዘይብሎም ድኻታት ንማለት ዘይኮነ ሃብቲ ከለዎም ንርእሶም ከም ድኻ ዝገብሩ፡ ምሁራት ክነሶም ከም ዘይተማህሩ፡ ብዓል ሥልጣን ክነሶም ከም ተራ ሰብ ንርእሶም ዝርእዩ፡ ብመንፈስ ድኻታት ዝኾኑ ንምባል እዮም። ንኸም እዚኣቶም ዝኣመሰሉ ሰባት ጐይታ “ብመንፈስ ድኻታት ዝኾኑ መንግሥተ ሰማያት ናቶም እያ እሞ፡ ብፁዓን እዮም” (ማቴ ፭፡፫/5፡3) ኢልዎም እዩ።

ሕንፃ ቤተክርስቲያን ንምሥራሕ ኢሉ ገንዘቡን ጕልበቱን ፍልጠቱን ካብ ዘፍስስ፡ እቲ ኮፍ ኢሉ ቃል እግዚአብሔር ብምስማዕ ንነፍሱ ሕንፃ ቤተ መቕደስ ዝገብር ይበልጽ። ከመይሲ እቲ ዝዓበየ ከም ማርያም እህተ ኣልኣዛር ነቲ ሰማይን ምድርን ክኃልፍ ከሎ ንሱ ግን ኃላፊ ንዘይኮነ ቃል ኣምላኽ ምስማዕ ስለ ዝኾነ። እዚ ከምቶም ካብ ልቦም ቃሉ ሰሚዖም ዝትግብሩ ድኣ እምበር ከምቲ ዓሻ ሰብኣይ ቃሉ ሰሚዖም ንዘየተግብሩ ከም ዘይኮነ ርዱእ እዩ። ቅዱስ ጴጥሮስ ኣብ ደብረ ታቦር፡ ኤልያስን ሙሴን ኣብ ዝተገልጹሉ ንጐይታ “‘ኣብዚ ሠልስተ ዳስ ክንሠርሕ፥ ሓደ ንኣኻ፥ ሓደ ንሙሴ፥ ሓደውን ንኤልያስ” ምስ በሎ ኻብቲ ሰማይን ምድርን ዝፈጠረ እግዚኣብሔር አብ “ዘፍቅሮ፥ ብእኡ ዝተሓጐስኩ ወደይ እዚ እዩ፥ ንእኡ ስምዕዎ” (ማቴ 17፡5) ኢሉ ንሓዋርያት ምምስካሩ ካብ ዅሉ ቃል ናይ ክርስቶስ ሰሚዕካ ነፍስኻ ምሕናፅ ከም ዝበልጽ ዘረድእ እዩ። እቲ ንኽልቲኡ ማለት ነፍሱን ቤት ኣምላኽን ምሕናፅ ዘማልእ ግና ካብ ኵሎም ዝበልጽ እዩ። ምኽንያቱ ኣብ ምድሪ ኮፍ ኢሉ ነፍሱ ይሓንፅ፥ ብምጽዋት ድማ ኣብ ሰማያት ቤት ስለዝሓንፅ። ስለዚ በዚ ነቲ ዝጐደለና ፈሊጥና ንነፍስና ብዅሉ ንሕነፃ።

ብተወሳኺ’ውን ካብዚ እንመሃሮ መንፈሳውነት ወይ ክርስቲያናዊ ሕይወት ናቱ ዝኾነ ደረጃታት ዘለዎ ምዃኑ እዩ። ቀዳማይ ናብ ቤቱ ከይንቐርብ ንዝዓግተና መጻወድያ ሰጊርና ትምህርቲ ሃይማኖት ብምምሃር ዶግማን ሕጊ፡ ሥርዓት፡ ትውፊትን ታሪኽ ቤተክርስቲያንናን ብዝግባእ ምፍላጥ እዩ።

  • እቲ ካልኣይ “ንስኻ ግና በቲ ዝተመሃርካዮን ዝተረዳእካዮን ነገር ጽናዕ። ካብ እንመን ከም ዝተመሃርካ ትፈልጥ ኢኻ፡ ካብ ሕፃንነትካ ጀሚርካ ነተን ቅዱሳት መጻሕፍቲ ትፈልጠን ኢኻ። ንሳተን ንክርስቶስ ኢየሱስ ብምእማን ናብ ምድኃን ከብጽሕ ዘኽእል ጥበብ ክህባኻ ይኽእላ እየን። እቲ ናይ ኣምላኽ ሰብ ፍጹም፥ ንሠናይ ግብሪ ዘበለ ኣጸቢቑ ዝተዳለወ ምእንቲ ክኸውን፡ ብመንፈስ ኣምላኽ ዝተጻሕፈ ቅዱስ መጽሓፍ ንትምህርቲ፥ ንተግሣጽ፡ ንምእራም፡ ቅኑዕ ናብራ ንምምሃር ይጠቅም እዩ።” (፪/2 ጢሞ ፫፡፲፬/3፡14-ፍጻ) ከም ዝብል፡ በቲ ኣብ ቤተክርስቲያን ዝተመሃርናዮ እናነበርና ከም ኒቆዲሞስ ንሓቂ ደው ኢልና ንሓሶት ምቅዋም፡ "እምበኣርከስ ብዛዕባ መጻኢ ሕይወትና እንዳ ተጨነቕና ዘይኰነስ፤ ነቲ ዚተመሃርናዮ ብግቡእ እንዳተግበርና፤ ንቅድስና ዝበቕዕ ናብራ ንንበር።" ይብል ቅዱስ ባስልዮስ ዘቂሳርያ።
  • ሣልሳይ ድማ በቲ ዝጀመርናዮ ክርስቲያናዊ ሕይወት “ንስኻ ግና ክሳዕ ሞት እሙን ኩን።” (ራእይ ፪፡፲/2፡10) ከም ዝብለና፡ ክሳዕ ዕለተ ሞትና እሙናት ምዃንን ምጽናዕን እዩ። ኣብ መንፈሳዊ ጕዕዞናውን እናወሰኽናን እናጠለቕናን ክንከይድ ድኣ እምበር ንድኅሪት ክንብል የብልናን። "መንፈሳዊ ሕይወት ኩሉ ጊዜ ምስ ዕብየት ዝተሓሓዘ ስለዝኮነ፡ ካብ ፍጹምነት ናብ ኣዝዩ ፍጹም እንሰጋገረሉ እዩ።" ፖፕ ኣቡነ ሽኖዳ ሣልሳይ፡ ምኽንያቱ እቲ ብጥልቀት ቀሪቡ ብፍቕሪ ዝስዕቦ ዝነበረ ሊቀ ሓዋርያት ቅዱስ ጴጥሮስ ጐይታ ክተኃዝ ከሎ ብርሑቕ ምስዓብ ምስ ጀመረ ብፈተና ንጐይታ ክሳዕ ምኽሓድ በጺሑ እዩ። በንጻሩ ግና እቲ ካብ መጀመርታ ክሳዕ መወዳእታ ብትብዓት ዝሰዓቦ ዮሓንስ ፍቁረ እግዚእ ግና ሃብተ መንግሥተ ሰማያት ዝተዋህባ ቅድስት ድንግል ማርያም ተዋሂባቶ እያ። ስለዚ ንሕና በዚ ከምዚ ዝበለ መንፈሳዊ ደረጃ ክንዓቢ ይግበኣና እዩሞ፡ ኣብ እምነትና ክሳዕ ሞት ንጽናዕ። እቶም ኣብ መንፈሳዊ ኣገልግሎት ዕዮን ነይሮም ዝገደፍዎ፡ ክምለሱ ከለዉ እቲ ኵሉ ጽዒሮም ዘጥረይዎ ናይ መንፈሳዊ ልምምድ ከምቲ ዝገደፍዎ ዝጸንሖም ከይመስለና እሞ፡ ከይንጋገ ንጠንቀቕ።

ከም መዛዘሚ ናይዚ ጽሑፍ ጐይታ ምስ ኒቆዲሞስ ብዛዕባ ምሥጢረ ጥምቀት ንዝተዛረቦ ብምትእስሳር ኣብ ናይ ዕለቱ ምንባብ ኣብ ሮሜ ፯፡፩-፲፪/7፡1-12 ፡ ፩/1 ዮሓ ፬፡፲፰/4፡18-ፍጻ ምስ ገለጸ፥ ኣብ ግሓ ፭፡፴፬/5፡34-ፍጻ ብዛዕባ እቲ ካብ ሊቃውንቲ ኣይሁድ ሓደ ንጳውሎስውን መምህሩ ናይ ዝነበረ ገማልያል ብምግላጽ መምህርን ኣብቲ ዝለዓለ ባይቶ ናይ ኣይሁድ ኣባል ክነሱ ኣብ ማእከል ጉባኤኦም ንኣይሁድ ብምቅዋም ንሓቂ ከም ኒቆዲሞስ ከም ዝመስከረ ብግብሪ ድማ ንኒቆዲሞስ ከም ዝመሰሎ ንዘረድእ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ቃል ይገልጽ። በዚ ንሕናውን ኣሰር ኒቆዲሞስ ብምስዓብ፡ ብመንፈስ እናዓበና ናብ ዝለዓለ ደረጃ ክንበጽሕ ከም ዘሎና 'ንትምህርትናን ተግሣጽናን ዝተጻሕፈ እዩሞ' ዝበሎ። ብኸምዚ ዝበለ መንፈሳዊ ዕቤት ክንድልድል እግዚአብሔር ይደግፈና፥ ወላዲተ ኣምላኽ ብኣማላድነታ፡ ኵሎም ቅዱሳን ብጸሎትን ይደግፉና። ኣሜን።

ስብሐት ለእግዚአብሔር፡ ወለወላዲቱ ድንግል፡ ወለመስቀሉ ክቡር። 

ዲን.ዘሚካኤል

Comments are closed.