ነገረ ልደቱ ለክርስቶስ

በስመ አብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ አሐዱ አምላክ አሜን።

“ ሕዝብ ዘይነብር ውስተ ጽልመት ርእየ ዓቢየ ወለእለሂ ይነብሩ ውስተ ጽልመት ወጽላሎተ ሞት ብርሃን ሠረቀ ሎሙ። ”

መዝሙር

ወነዋ ተወልደ መድኃኔ  ዓለም

ወእንዘ ሀለዉ ህየ በጽሐ ዕለተ ወሊዶታ ወለደት ወልደ ዘበኵራ፣

ወአንቲኒ ቤተልሔም ምድረ ሳይዳ፣

 እምኔኪ ይወጽእ ንጉሠ ይሁዳ፣

አዋልደ ጢሮስ አሜሃ ይሰግዳ፣

 ክቡራተ ዕንቊ መሠረታ፣

 ብእሲ ተወልደ በውስቴታ፣

 ይሰግዱ ሎቱ ኩሎም ነገሥተ ምድር፣ አምኃሁኒ ወርቀ ከርቤ ወስኂነ ፣

ወነዋ ተወልደ መድኃኒ ዓለም ፍሥሐ ለኩሉ ዘየአምን።

ምስባክ

ነግህ

ነገሥተ ተርሴስ ወደስያት አምኃ ያበውኡ

ነገሥተ ሳባ ወዐረብ ጋዳ ያመጹኡ

ወይሰግዱ ሎቱ ኩሎም ነገሥተ ምድር።

መዝ .71 (72)-10።

ቅዳሴ

የሐዩ ወይሁብዎ እምወርቀ ዓረብ።

ወዘልፈ ይጼልዩ በእንቲአሁ።

ወኩሉ አሚረ ይድኅርዎ። መዝ. 71 ፣15።

ገላ.4፣1-12።   1ይዮሓ.4፣9- ፍጻሜ     ግ.ሓዋ.13፣16-22።   ወንጌል.2፣1-21።

ቅዳሴ ጎርጎርዮስ ካልእ

“ነዚ እግዚአብሔር ዝገለጸልና ክውን ነገር ክንርኢ ንዑናይ ናብ ቤተልሔም ንኺድ፥” ሉቃ ፪፡፲፭/2፡15።

ነቢያት ዝተነበይዎ ብምሥጢርን ምሳሌን ዝተነግረሉ ናይ ክርስቶስ ምውላድ ኣቐዲሞም ዝፈለጡ ሰማያውያን መላእኽቲ ነቶም ጓሶት ብዛዕባ ልደት ናይ ጐይታ “እንሆ፡ ንዅሉ ህዝቢ ዚኸውን ዓብዪ ሓጐስ ኤበሥረኩም አሎኹ እሞ፡ ኣይትፍርሁ። ምኽንያቱ ሎሚ መድኃኒ ክርስቶስ ጐይታ፥ ኣብ ዓዲ ዳዊት ተወሊድልኩም ኣሎ።” ሉቃ ፪፡፲/2፡10 ብምባል ካብ ፍርሆም ኣረጋጊኦም ምስ ኣበሰርዎም “ክብሪ ንኣምላኽ ኣብ ኣርያም፡ ሰላም ከኣ ኣብ ምድሪ ኣብ መንጎ እቶም እግዚአብሔር ዝሕጎሰሎም ሰብ።” ሉቃ ፪፡፲፬/2፡14 ኢሎም ቅድሚ ሕጂ ተሰሚዑ ብዘይፈልጥ ምስጋና ዘመሩ። ነዚ ዜና ዝተበሰሩን መዝሙር መላእኽቲ ዝሰምዑን ዝረኣዩን ጓሶት “ነዚ እግዚአብሔር ዝገለጸልና ክውን ነገር ክንርኢ ንዑናይ ናብ ቤተልሔም ንኺድ፥” ሉቃ ፪፡፲፭/2፡15 ኢሎም ነቶም ዝሕልውዎም ዝነበሩ ጥሪቶም ሓዲጎም ናብቲ ዝተነግሮም ቦታ ናብ ቤተልሔም ኸዱ።

ልደት ናይ ጐይታናን መድኃኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ንሰማያውያን መላእኽቲ ከምዚ ገይሩ ዘዘመረ፡ ነቶም ጓሶት ድማ ፍርሖም ናብ ሓጎስ ለዊጡ፡ ጥሪቶም ኣብ በረኻ ጠንጢኖም ከም ዝኸዱ ዝገበረ እዩ። እዚ ሓጎስ ነቲ ኣብ ጊዜኡ ብኣካል ንዝነበሩ ጥራይ ዘይኮነስ፡ ነዚ ብሥራት ኣዳም ቅድሚ ምፍጣሩ ንዝነብሩ ቅዱሳን መላእኽቲ ዝተነግረ፡ ድሒሩውን ነቦና ኣዳም ብመሠረት ቃል ኪዳን ዝተተስፈወ፡ ንኣበውን ነቢያትን፡ ድማ ብራእይ ብትንቢትን ምሳሌን ንዝተገልጸ፡ ካብ ሓድሽ ኪዳን ብሓዋርያት ብዓይኒ ዝተራእየ። ኣብዚ እዋን ድማ ብመንፈስን ብሓሳብን ብእምነትን ምስኦም ንዘሎናን ድሒሮም ንዝመጹን ንዂሉ ዓለምን ዝኸውን እዩ።

እዚ ዜና ልደት ናይ ክርስቶስ ስንቂ ናይ ተስፋና ምንጪ ናይ ሓጎስና ከም ዝኾነ ዝፈልጥ፡ ወዲ ሰብ ሓዚኑን ተኪዙን ዘለዓለም ክነብር ዘይፈቅድ እግዚአብሔር ኣምላኽ፡ ኣቐዲሙ ብቓል ኪዳኑ፡ ብትንቢትን፡ ምሳሌን ንኣቦታትን ንነቢያትን ካልኦትን ገሊጽሎም እዩ። ነዚ ተስፋ ዝሰነቑ ኣቦታት ሎሚ’ዶ ጽባሕ ይመጽእ እናበሉ ዕለት ምቑጻር ጀመሩ። ዕለታት ኣዋርሕን ዓመታትን ምቑጻር ዝተጀመረ ብምኽንያት ወልደ እግዚአብሔር ከም ዝውለድ ብዝተነግረ ናይ ተስፋ ቃል እዩ።

ቅድሚ ዂሉ ሰብ ነዚ ብሥራት ዝሰምዐ ኣቦና ኣዳም፡ እግዚአብሔር ኣምላኽ “ካብ ጓል ጓልካ ተወሊደ ኣብ ሓሙሽተ መዓልትን ፈረቓን ከድኅነካ እየ። ” ኢሉ ንዝኣተወሉ ቃል ኪዳን መሠረት ብምግባር ዕለት ክቖጽር ጀመረ። ዳግማይ ድማ ከይስሕት እታ ክብረይን ርስተይን ዘስኣነትኒ ሰበይቲ ኣይተድልየንን እያ ኢሉ ሰጒግዋ እኳ እንተ ነበረ። እዚ ናይ ተስፋ ቃል ብዘይ ብኣኣ ክፍጸም ከም ዘይክእል ፈሊጡ። ንገጸ በረኸት ዝኸውን ወርቂ ዕጣን ከርበ ሂቡ መለሳ፡ ስማ ድማ ሔዋን ማለት ሕይወተይ ኢሉ ሰመያ። ኣብ ባህልና ናይ ገዝሚ መሠረቱ እዚ እዩ። (ትርጒም ውዳሴ ማርያም)። ጐይታውን ብዛዕባ ኣብርሃም “መዓልተይ ክርእይ ኸም ዘለዎ ፈሊጡ ተሓጎሰ፡ ርእዩ ኸኣ ባህበሎ” ዮሓ. ፰፡፶፮/8፡56። ኢሉ ጐይታ ዝተዛረበ፡ ልደት ናይ ክርስቶስ ናይ ኣበው ተስፋን ሓጎስን ስለዝኾነ እዩ። 

ድሒሮም እውን ነቢያት’ውን ኣብ ዘመኖም ዘይኮነስ ንዝመጽእ ንዝተገልጸሎም ትንቢት በቲ ዝነበሮም ናይቲ ትንቢት ምግላጽ ብዝሒ ሓጎስ ልክዕ ኣብ ዘመኖም ከም ዝተገልጸ ገይሮም ይዛረቡ ነይሮም እዮም። ከም መረዳእታ ብዓል እኒ ነቢይ ኢሳይያስ “ሕጻን ተወሊዱልና ወዲ ተዋሂቡና እዩ፥ ንሱ ኸኣ ገዛኢና ክኸውን እዩ። ንሱ ግሩም መኻሪ ብርቱዕ ኣምላኽ ዘለዓለማዊ ኣቦ መስፍን ሰላም ተባሂሉ ክጽዋዕ እዩ።” ኢሳ. ፱፡፮/9፡6። እኒ ዘማራይ ዳዊት “እንሆ ኣብ ቤተልሔም ብዛዕባ ታቦት ኪዳን ሰማዕና፥ ኣብ መሮር የዓር ኸኣ ረኸብናያ። ናብ ቤት እግዚኣብሔር ንእቶ ኣብ ቅድሚ ዝፋኑ ኸኣ ንስገድ እውን በልና” መዝ ፻፴፪፡፮-፯/132፡6-7። ኢሎም ብጋህድን ምስጢርን ተነብዮም እዮም። ቅዱስ ዳዊት ታቦት ኢሉ ዝገለጾ ብዛዕባ ጐይታ ኣብ ቤተልሔም ናይ ምውላዱ ምሥጢር እዩ።   

ብተወሳኺ’ውን ወልደ እግዚአብሔር ነቲ ናይ ልደቱ ነገር ንሕዝቢ ጥራይ ዘይኮነስ ንኣሕዛብ’ውን ከም ዝምልከቶም ምእንቲ ከረድእ ነቶም ከም እኒ በለዓም ንዝኣመሰሉ ጠንቆልቲ እውን ከይተረፈ “ካብ ያዕቆብ ኮኸብ ክወጽእ ካብ እስራኤል ኸኣ በትረ መንግሥቲ ክትትንሥእ እያ።” ዘኁ. ፳፬፡፲፯/24፡17። ኢሎም ከም ዝንበዩ ገሊጽሎም እዩ። ካብ ወገን ኣሕዛብ ዝኾነት ትእማር እውን ብሓሙኣ ይሁዳን ደቁን እኳ እንተ ተገፍዐት፡ ዘርኢ ናይ ክርስቶስ ካብ ዘርኢ ይሁዳ ምዃኑ ፈሊጣ ኣብዚ ወልዶ ናይ ጐይታ ክትቁጸር ብጥበባ ነቲ ዝተተስፈወቶ ረኺባቶ እያ። ዘፍ. ፴፰/38። ማቴ. ፩፡፫/1፡3። (ትርጓመ ወንጌል)።

ንገሊኣቶም ነቢያት ድማ መዓስ ከም ዝውለድ “እግዚአብሔር ንሕዝብኻን ነታ ቅድስቲ ከተማኻን ካብ ኃጢኣትን ኣበሳን ከናግፎም ሾብዓተ ሳዕ ሰብዓ ዓመታት መደበ ድሕሪ ሾብዓተ ሳዕ ስሳን ክልተን ዓመታት መሲሕ ብዘይግባእ ክቕተል እዩ።” ዳን. ፱፡፳፬-፳፮/9፡24-26። ኣበይ ከም ዝውለድ “ኣቲ ቤተልሔም ምድሪ ይሁዳ፡ ንሕዝበይ እስራኤል ዚጓስዮም ሹም ካባኺ ኺወጽእ እዩ እሞ፡ ካብ ሹማምንቲ ይሁዳ ከቶ ኣይትንእስን ኢኺ፡” ሚክ. ፭፡፪/5፡2። ካብ መን ከም ዝውለድ “እንሆ ድንግል ክትጠንስ ወዲ እውን ኽትወልድ እያ፥ ስሙውን ኣማኑኤል ኢላ ኽትሰምዮ እያ።” ኢሳ. ፯፡፲፬/7፡14። ነገስታት ገጸ በረኸት ሒዞም ንኽብሩ ካብ ርሑቕ ከም ዝመጹ “ነገሥታት ተርሴስን ደሴታትን ገጽ በረኸት ኬቕርቡሉ፥ ነገስታት ሻባን ሳባን ድማ ውህበታት ኬምጽኡ እዮም።” መዝ ፸፪፡፲/72፡10። ገሊጽሎም። እዚ ኲሉ ምስክርነት ናይ ጐይታ ልደት ርግጽን ንጹርን ከም ዝኾነ ዘረድእ እዩ።

ጊዜኡ ምስ በጽሐ ትንቢት ኣብ ዝተነግረሉ ጊዜን ቦታን ኩነታትን ጐይታናን ኣምላኽናን መድኃኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ኣብ ቤተልሔም ተወልደ። ነዚ ከም ፍቓድ ኣምላኽ ሊቃውንተ ቤተክርስቲያን ከም ዝተርጎምዎ ታሪኽ ምስ ምስጢሩን ምሳሌነቱን ክንርኢ ኢና።

ሽዑ ነፍሲ ወከፍ ነናብ ዓዱ ኪጸሓፍ ከደ። ኣብኡ ኸለዉ ድማ፡ ጊዜ ሕርሳ በጽሔ። በዅሪ ወዳ ወለደት በጭርቕቲውን ጠቕለለቶ፡ ኣብቲ ማኅደር ኣጋይሽ ሥፍራ ስለ ዘይነበሮም ድማ፡ ኣብ መብልዕ ማል ኣደቀሰቶ። ኣብቲ ሃገር እቲ ብለይቲ ማሎም ኪሕልዉ ኣብ መሮር ዝሓደሩ ጓሶት ነበሩ። መልኣኽ እግዚአብሔር ድማ ተራእዮም፥ ክብሪ እግዚአብሔር ኣብ ዙርያኦም ኣብርሀ፤ ኣዝዮም ከኣ ፈርሁ። እቲ መልኣኽ ድማ፡ እንሆ፡ ንዅሉ ሕዝቢ ዚኸውን ዓብዪ ሓጐስ ኤበስረኩም አሎኹ እሞ፡ ኣይትፍርሁ። ምኽንያቱ ሎሚ መድኃኒ ክርስቶስ ጐይታ፥ ኣብ ዓዲ ዳዊት ተወሊድልኩም ኣሎ። ምልክት ከኣ እዚ ይኹንኩም፡- በጭርቅቲ እተጠቕለለ ሕጻን ኣብ መብልዕ ማል ደቂሱ ኽተረኽቡ ኢኹም፡ በሎም። ብሃንደበት ከኣ ብዙሓት ሠራዊት ሰማይ ምስቲ መልኣኽ ኮይኖም፥ ከምዚ ዝስዕብ እናበሉ ንኣምላኽ የመስግኑ ነበሩ፦ ክብሪ ንኣምላኽ ኣብ ኣርያም፡ ሰላም ከኣ ኣብ ምድሪ ኣብ መንጎ እቶም እግዚኣብሔር ዝሕጎሰሎም ሰብ። እቶም መላእኽቲ ኻባታቶም ናብ ሰማይ ምስ ዓረጉ ድማ፡ እቶም ጓሶት ንሓድሕዶም፥ እዚ እግዚአብሔር ዝገለጸልና ኽውን ነገር ክንርኢ ንዑናይ፡ ናብ ቤተ-ልሔም ንኺድ፡ ተበሃሃሉ። ቀልጢፎም ከኣ ኸዱ፡ ንቅድስተ ቅዱሳን ድንግል ማርያምን ንቅዱስ ዮሴፍን ነቲ ኣብ መብልዕ ማል ዝደቀሰ ሕፃንን ከኣ ረኸብዎም። ነዚ ምስ ረኣዩ ድማ ብዛዕባ እቲ ሕፃን ዝተነግሮም ነገር ኣውረዩ። ሉቃ ፪፡፫-፲፯/2፡ 3-17።

ኢየሱስ ብዘመን ንጉስ ሄሮዶስ ኣብ ቤተልሔም ምድሪ ይሁዳ ምስ ተወለደ፡ እንሆ፡ ካብ ሃገር ምብራቕ ዝተላዕሉ ሰብ ጥበብ፡ እቲ ዝተወለደ ንጉስ ኣይሁድ ኣበይ አሎ፧ ኮኸቡ ብምብራቕ ርኢና እሞ፡ ክንሰግደሉ መጺእና፡ እናበሉ ናብ የሩሳሌም መጹ። ንጉስ ሄሮዶስ ነዚ ሰሚዑ ተሸበረ፡ ኵሎም ሕዝቢ ኢየሩሳሌምውን ምስኡ ትሸበሩ። ንሱ ድማ ንዅሎም ሊቃውንቲ ኻህናትን ናይ ሕዝብን መምህራንን ሕግን ኣኪቡ፡ ክርስቶስ ኣበይ እዩ ዚውለድ፧ ኢሉ ሐተቶም። ንሳቶም ከኣ፡ ኣቲ ቤተልሔም ምድሪ ይሁዳ፡ ንሕዝበይ እስራኤል ዚጓስዮም ሹም ካባኺ ኺወጽእ እዩ እሞ፡ ካብ ሹማምንቲ ይሁዳ ከቶ ኣይትንእስን ኢኺ፡ ዚብል ብነቢይ ጽሑፍ ስለ ዘሎ ኣብ ቤተ-ልሔም ናይ ይሁዳ እዩ፡ በልዎ። ንሳቶም ከኣ ካብ ንጉሥ ሰሚዖም ከዱ። እንሆ፡ እቲ ብምብራቕ ዝረኣይዎ ኰዀብ ኣብ ልዕሊ እታ ሕጻን ዝነበራ ቦታ መጺኡ ክሳዕ ዝቐውም መርሖም። ነቲ ኮኸብ ምስ ረኣይዎ፡ ብብዝሒ ኣዕዚዞም ተሐጎሱ። ናብ ቤት ኣትዮም፡ ነቲ ሕጻን ምስ ማርያም እኖኡ ረኣይዎ። ተደፊኦም ሰገድሉ። ሣጹኖም ከፊቶም ከኣ ወርቅን ዕጣንን ከርበን ገጸ በረኸተ ሃብዎ። ማቴ ፪፡፩-፲፩/2፡1-11።


 ክቑጸሩ/ኪጸሓፉ ከዱ

ኣብ ኦሪት ብዝተፈላለየ ምኽንያት ምቑጻር ናይ ሰባት(ብዓሌት) ዓሚቑ ምሥጢር ስለዘለዎ ዓቢይ ቦታ ተዋሂብዎ እዩ። እዚ ድማ ኣብ ናይ ዓለም መድኃኒት ዝኾነ ወለዶ ናይ ክርስቶስ ምጽብጻብ ማለት እዩ። እቲ ኣብ ኦሪት ዝነበረ ናይ ኣንስቲ ምብዛሕን ብዙሓት ቖልዑ ምውላድን እቲ ዘርኢ ናይ ክርስቶስ ካብ ዓሌቶም ምእንቲ ክርከብ ብዝብል እዩ ነይሩ። ካብ ምዕራፍ እውን ብዝዛየደ ሙሉእ መጽሓፍ ከይተረፈ ቁጽሪ(ዘኁልቊ) ክሳዕ ዝበሃል ተሰሚው እዩ። ኲሉ ክቑጸር ኣብ ግዝኣት ናይ ሮማውያን ኣዋጅ እኳ እንተወጸ እቲ ቀንዲ ምሥጢሩ ግና ክርስቶስ ምሳና ምስቶም ኃጥኣን ምእንቲ ክቑጸር እዩ ነይሩ። ኢሳ. ፶፫፡፲፪/53፡12። ማር. ፲፭፡፳፰/15፡28። ንሕና ድማ ምስኡ ምቑጻርና ዓቢይ ክብሪ እዩ። ሮማውያን ኣብቲ ጊዜ ብዙሕ ቦታ ይገዝኡ ነይሮም በዚ ድማ፡ እዚ ክብሪ ንሰብ ቤተልሔም ጥራይ ዘይኮነስ ኣብ ኲሉ ዓለም ንዝነበሩ ሕዝቢ ምዃኑ ንርዳእ።

ናብ ቤተልሔም

ቤተልሔም ካብ ምድረ በዳነት ናብ ፍርያማ ቦታ ኮይና ንዂሉ ሰብ ዘጽግብ ሰማያዊ ኅብስቲ ናይ ሕይወት እንጌራን፡ ዝሥዋእ ገንሸልን፡ ከም ዝርከብላ ነቢያት “ኣንቲ ቤተልሔም ምድረ ኤፍራታ” ኢሎም ዝተነበዩላ እያ። ሚል. ፭፡፪/5፡2። ኤፍራታ ማለት ፍርያማ ቦታ እዩ። ብተወሳኺ’ውን ቤተልሔም ብቋንቋ ዕብራይስጥ ቤት ማለት ከም ቃሉ ቤት ወይ ድማ ገዛ ክኸውን ከሎ ሌኼም ድማ ኅብስቲ ማለት እዩ። ብዓረብ ድማ ላህም ማለት ድማ ሥጋ ማለት እዩ። ነዚ እግዚአብሔር ብዝፈለጠ ነቲ ናይ ጐይታ ልደት ምስቲ ናይቲ ቦታ ስም ኣወሃሂድዎ እዩ።

ኣብ መብልዕ ማል

ወዲ ሰብ ብፍትወት ሥጋኡ ተሳዒሩ ብምኽንያት ኃጢኣት እኳ ከም እንስሳ እንተ ኾነ። መዝ ፵፱፡፲፪,፳/49፡12,20፣ መክ ፫፡፲፰/3፡18። ቅዱስ ኣትናቴዎስ ኣብ ቅዳሴኡ “ሰብእሰ ክቡር ውእቱ ኢያእመረ ክብሩ ወኮነ ከመ እንስሳ ” ይብል። እረ ካብ እንስሳኳ እንተ ተሓተ “ብዕራይ ዋናኡ፥ ኣዲጊውን ዝበልዐሉ ስፍራ ይፈልጥ ሕዝቢ እስራኤል ግና ንዓይ ኣይፈልጡንን እዮም።” ኢሳ. ፩፡፫/1፡3። ክርስቶስ ግና ንዓና ከይንዐቐ ሰብኣዊ ባህርይ ለቢሱ ኣምላኽነቱ ከይተለወጠ ልዕል ኣቢሉ ናብቲ ናይ ቀደም ሰብኣዊ ክብርና ክመልሰና ፍጹማት ክገብረና፡ ብፍጹም ትሕትና ኣብ መብልዕ ማል ተወልደ “ ነቲ ዝተወልደሉ መብልዕ ማል ኬድኩም ኣኽብርዎ ዋላኳ ብፍትወታት ተሳዒርና ከም እንስሳ እንተ መሰልና ኣብቲ መብልዕ ማል ሰማያዊ መግቢ ክንረክብ ኢና። ” ቅዱስ ቄርሎስ። 

 

ጓሶት

ቅዱስ ጅሮም ብዛዕባ ጓሶት ክዛረብ ከሎ፡ እቶም ጓሶት ምሳሌ ናይቲ ዝተወልደ ሕያዋይ ጓሳ እዩ። በቲ ዝተነግሮም ምልክት መሠረት ናይቲ ዝተወልደ ሕፃን ምስክር ኮይኖም እዮም። እቲ ምልክት ከምቲ ዝተነግሮም ምስ ጸንሖም ነቲ ዝረኣይዎ እናውረዩ ኸዱ። እዚ ነቶም ተረርቲ ልቢ ዝኾኑ ኣይሁድ ተግሳጽ እዩ። ኣይሁድ ነቲ ናይ ትንቢት ጊዜን ቦታን እናፈለጡ መርሚሮም ከይረኽቡ ምእንቲ ክብሮም ኣጽቀጡ። እቶም ዘይተማህሩን ኣፍልጦ ዘይነበሮምን ድማ ብምልክት ተመሪሖም ነቲ ናይ ጐይታናን መድኃኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ልደት ክውን ምዃኑ ኣረጋገጹ፡ ሰበኹን።   

ሰብ ጥበብ ብኮኸብ ተመሪሖም፡

ሰብ ጥበብ ካብ ዓዶም ፪/2 ዓመት ዝኣክል ተጓዒዞም ናብቲ እግዚአብሔር ብኮኾብ ዝመርሖም ቦታ በጺሖም። በንጻሩ ድማ እቶም ቀረባ ዝነበሩ ናይ ኢየሩሳሌምን ከባቢኣን ምሁራን፡ ፈላጣት ናይ ሕግን ትንቢትን፡ እቲ ንጉስ እውን እንተኾነ ናብቲ እቲ ሕፃን ዝተወልደሉ ክሰግዱ ኣይከዱን። እዚ ነቶም ኣብ ቤቱ ከሎና ዝጠፋእና ንፈልጥ እናበልና ኣብቲ ቃሉ ንዘይንነብር ዝተነግረ ተግሳጽ እዩ ዝመስል። ቅዱስ ኣውግስጢኖስ እውን “እቶም ጓሶት ካብ እስራኤል ወገን እቶም ሰብአ ሰገል ድማ ካብ ወገን ኣሕዛብ እዮም፡ እቶም ቀዳሞት ናብኡ ዝቐረቡ ነይሮም እቶም ዳሕሮት ድማ ካብ ርሑቅ ናብኡ መጹ። ኲሎም ናብቲ ርእሲ መኣዝን ዝኾነ ብቕልጡፍ ተኣከቡ።” ይብል። ነቢይ ሆሴእ’ውን “ነቶም ዘይምሑራት ከኣ ክምሕሮም እየ፥ ነቶም ዘይሕዝበይ ዝተባህሉ ድማ ንስኻትኩም ሕዝበይ ኢኹም ክብሎም እየ። ንስቶም ኸኣ ንስኻ ኣምላኽና ኢኻ ኢሎም ኪምልሱለይ እዮም።” ሆሴ. ፪፡፳፫/2፡23። ኢሳ. ፷፭፡፩/65፡1።

ነዚ ቅዱስ በዓል ናይ ኤርትራ ኦርቶዶክስ ተዋህዶ ቤተክርስቲያን ካብቶም ዓበይቲ ትሸዓተ ናይ ጐይታ በዓላት ከም ዝቑጸር ገይራ ነቲ ኣብ ጊዜኡ ዝተገብረ ፍጻሜታቱን ትንቢታቱን መሠረት ብምግባር ብቓልን ብተግባርን ብምሳሌን ነብዕሎ። ከምቲ “ተንሥእ እሞ ነቲ መቕደስ ኣምላኽን ነቲ መሠውእን ዓቅኖ፥ ነቶም ኣብኣ ዚሰግዱ ዘለውውን ፍቐዶም። እቲ ብወፃኢ መቕደስ ዘሎ ቐጽሪ ግና ነሕዛብ ተዋሂቡ እዩ እሞ፥ ኅደጎ ኣይትስፈሮም።” ራእይ. ፲፩፡፩/11፡1። ዝተባህለ ምስቶም ቁጹራት ክንከውን ደወል ቤተክርስቲያን ሰሚዕና ናብ ቤቱ ለይቲ ብምግስጋስ፡ ፣ ነቢያት ንዝተነበይዎ ብዜማ፡ ነቲ ኣብ ጊዜኡ ዝተፈጸመ ካብ ወንጌል፣ ንባብን፣ ቅዳሴ ናይ ጎርጎርዮስ ካልእን፣ መልእኽታትን፣ ብእዝንና እናሰማዕና፡ ነቲ ናይ ጐይታ ልደት ዘርኢ ቅዱስ ስእልን፡ ካብ ቤተልሔም ዝወጽእ ምሳሌ ናይ ድንግል ማርያም ዝኾነ መሶበ ወርቅ እናጠመትና ኣብ ውሽጡ ድማ እቲ ናይ ሕይወት እንጌራ ንዝኾነ ክርስቶስ እናሓሰብና፡ ነቲ ብናይ መላእኽቲ ዝማሬ ዝምሰል ደወል ቃል ኣዋዲ እናሰማዕና። ሰብኣ ሰገል ከም ገጸ በረኸት ንዘምጽዎ ዕጣንን፡ ከርበን እናሸተትና፡ ነቲ ወርቂውን ኣብ ክቡር መስቀሉ እናረኣና፡ ካብ በረኸት ናይዚ በዓል ተኻፈልቲ ንኸውን።

እዚ እዩ መንፈሳዊ በዓል እንብሎ፡ ብእምነት ነቲ ዝሓለፈ ናብ ቅድሚት ብምምጻእ፡ ነቲ ዝመጽእ ኣቕሪቡ ከም ዘሎ ብመንፈስ ዘርኢ፡ ኣብቲ እቲ ተግባር ዝተፈጸመሉ እዋንን፡ ቦታን ኩነታትን፡ ኣብጺሑ ምስቶም ቅዱሳን ዘራኽብ፡ ጸጋን በረኸትን ዘውህብ፡ ንመንፈስ ዘርዊ፡ የዕጽምቲ ዘጥልል እዩ።

ክርስቶስ ኣብ መስቀል ምስ ተሰቕለ ድሕሪ ፰ ዓመት ኣብ ማሕበረ ሓዋርያት ዝኣተወ ቅዱስ ጳውሎስ “እቲ ንኣኻትኩም ዘመኃላልፈልኩም ነቲ ካብ ጐይታ ዝተቐበልክዎ እየ፥ ጐይታና ኢየሱስ በታ ዝተታኅዘላ ለይቲ እንጌራ ኣልዓለ ኣመስጊኑ ቘረሰ እሞ፥ ውሰዱ፡ ብልዑ፡ እዚ ምእንታኻትኩም ዝወሃብ ሥጋይ እዩ፥ እዚ ንመዘከርታ ግበርዎ በለ። ከምኡ ከኣ ድኅሪ ድራር ነቲ ጽዋዕ ኣልዓለ እሞ እዚ ጽዋዕ ኣዚ ብደመይ ዝኸውን ሓድሽ ኪዳን እዩ። ብእትሰትይዎ ጊዜ ኹሉ ንመዘከርታይ ግበርዎ።” ፩/1 ቆሮ. ፲፩፡፳፫-፳፭/11። ብምባል ልክዕ ሓሙስ ምሸት ምስ ክርስቶስን ሓዋርያትን ኣብቲ ጐይታ ቅዱስ ቁርባን ዝሰርዓሉ ዕለትን ሰዓትን ከም ዝነበረ ኮይኑ ተዛረበ። ከምኡውን ኣባ ሕርያቆስ ኣብ ቅዳሴ ማርያም ፍቕዲ ፹፰/88 “ግሩም ውእቱ ዘኢይደፈር በኀቤነሰ ትሑት፡ ልዑል ውእቱ ዘኢይትረከብ በኀቤነሰ ኣርኣያ ገብር ነስአ፡ እሳት ውእቱ ዘኢይትገሠሥ ንሕነሰ ርኢናሁ ወገሠሥናሁ፡ በላዕነ ወሰተይነ ምስሌሁ፡” ዝበሎ ንሕና ድማ ሎሚ ኣብ በዓለ ልደት ናይ ጐይታናን ኣምላኽናን መድኃኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ብመንፈስ ምስቶም መላእኽቲ ዘሚርና፡ ምስ ሰብኣ ሰገል ነዊሕ ተጓዒዝና ገጸ በረከት ኣምጺና ሰጊድና፡ ምስቶም ጓሶት ድማ “ነዚ እግዚአብሔር ዝገለጸልና ክውን ነገር ክንርኢ ንዑናይ ናብ ቤተልሔም ንኺድ። ” ሉቃ. ፪፡፲፭/2፡15። ኢልና ኬድናን ሰጊድናን፡ ዘይረኣየ እንተሎ ይርኣይ ይስገድ ይዘምር፡ ገጸ በረኸት የቕርብ እናበልና ንሰብኽ ኣሎና። “ገለ ሰብ ብዛዕባ እዚ ነገርዚ ክተሃላለኽ ዝደሊ እንተሎ (ዚጠራጠር እንተሎ የስተውዕል)፥ ንሕናን እተን ናይ ኣምላኽ ኣብያተ ክርስቲያንን ካብዚ ዝተፈለየ ልማድ የብልናን።” ፩/1 ቆሮ. ፲፩፡፲፮/11፡16።

ወስብሐት ለእግዚኣብሔር

ወለወላዲቱ ድንግል

ወለምስቀሉ ክቡር

ዲን. ዘሚካኤል

 

 

Comments are closed.