ትንቢተ ዮናስ ሳልሳይ ክፍሊ

በስመ አብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ አሐዱ አምላክ አሜን።

ጾመ ነነዌ

ዮናስ ናብ ባሕሪ ተደርበየ።

መዘኻኸሪ፣-ኣምላከ ቅዱሳን እግዚአብሔር እንቋዕ ጾመ ነነዌ  ብሰላም ኣፈጸመና። ናይ ትንቢተ ዮናስ ጽሑፍና ቁሩብ ንውሕ ስለዝብል እተን ዝተረፈ ክፋላት ብቀጻሊ ከነቅርቦ ኢና። ሠናይ ንባብ።

ዮናስ ናብ ባሕሪ ተደርበየ። ንኽሞውት ግና ኣይኮነን። እግዚአብሔር ምስኡ ስለዝዀነ ንሞት ኣሕሊፉ ኣይህቦን እዩ። እግዚአብሔር ንሰብአ ነነዌ ከድኅኖም ስለዝፈተወን ንዮናስ’ውን ስለዝፈትዎ ክመወት ኣይደለየን። ብኣና ብዓይኒ ደቂ ሰባት ዮናስ እዚ ዝግብኦ ኣይኮነን ዝብል ድምዳሜ ክህልዎ ይኽእል እዩ። ብዓይኒ እግዚአብሔር ግና ይግብኦ እዩ ። ምኽንያቱ እግዚአብሔር ንዮናስ ኣዝዩ ይፈትዎ እዩ። ወደይ እዩ ናተይ ነብዩ እዩ ብምባል እዩ ዝጽዎዖ።

ንወገናቱ እስራኤል ሓልዩ ኣይእዘዝን ዋላ እንተበለ ። ዘይምእዛዙ ናብ ካልእ ኃጥያት ክኣቱ እንተገብሮ ሕጂ’ውን እግዚአብሔር ንዮናስ ይደልዩ እዩ። ምእንቲ ሰብኣ ነነዌ ክድኅኑ።

እግዚአብሔር ትዕግሥቱ ሙሉእ እዩ። ንፍርዲ ኣይህወኽን እዩ። ንመቅጻዕቲ’ውን ዝህወኽ ኣይኮነን። ብዝወደቁ ደቁ ቀሊጢፉ ኣይፈርድን። ንፍርዲ ህውኻት ንሕና ኢና። ምስ ዝወደቁ ሰባት ዘለና ርክብ ብዘይ ወዓል ሕደር ቀሊጢፍና ነቋርጽ ንሕና ኢና።  እግዚአብሔር ኣምላኽ ግና ከሙኡ ኣይኮነን። ርኁቀ መዓት ወብዙኃ ምሕረት። ምሕረት ብዙሕ መዓቱ ርሑቅ ሓቐኛ ጓሳና እሱ እዩ። ንነዊሕ እዋን እዩ ብትዕግሥቲ ዝጽበየና። ብምሕረቱን ብትዕግሥቱ እዩ ስጋብ  ሕጂ ጸኒሕና ዘለና። ዕድመ ንንስሓ ሂቡ ዘንብረና፣ ካብ ኩሉ ንርእዮን ዘይንርእዮን ፈተና ዝሕልወና እግዚአብሔር ዝለዝፈተወናን ዘፍቅረናን ንድኅነትና ኣዝዩ ስለዝግደስን እዩ።

ዮናስ ናብ ባሕሪ ተደርበየ። እግዚአብሔር ግና ኢዱ ኣብ ታሕቲ ዘርጊሑ ተቀቢልዎ። ንሕና ክንወድቅ ከሎና ጸላኢ ሠናያት ሰይጣን እምኒ የንጽፈልና ። ኣምላከ ቅዱሳን እግዚአብሔር ግና እቲ እምኒ ከይጎድኣና ምእንታና ኢሉ ዝቆሰሎ ኢዱ ዘርጊሑ ይቅበለና። ካብ ኩሉ ክፉእ ዘበለ’ውን ይሕልወና።

ዮናስ ናብ ባሕሪ ተደርበየ። ኢድ እግዚአብሔር ግና ተቀቢላቶ። ህቡብላ ማዕበል ባሕሪ ከይጎድኦ ተኸናኺኑ ሓቂፍዎ። ዓቢ ዓሳ ( ዓሳ ነባሪ) ኣዳለወሉ። ክቐትሎ ኣይኮነን፣ ክሕልዎ እምበር፣ ክቀጽዖ ኣይኮነን ከዕቅቦ እዩ እምበር፣ ዮናስ ከርሲ ነባሪ ዓሳ ምስ ተዋሕጠ፣ ቁሪ የለን፣ እቲ ማዕበል’ውን ሃድኣሉ፣ ህቦብላ ንፋስ’ውን ጨሪሱ ጠፍአ። ካብ ኣብ መርከብ ዝነብሮ ንላዕሊ ኣዝዩ ጢዒምዎ።

ነቲ ዓሳ ነባሪ ኣብ ከርሱ ዝኾነ ንጥረ ነገር (Enzyme) ኣመንጪው ንዮናስ ከይሕቅቆ እግዚአብሔር ስለዝኣዘዞ ሓንቲ ነገር ክገብር ኣይከኣለን። ማይ ዘይብሉ ኣብ ጥቃ ነኔዌ ዝርከብ ንቑጽ መሬት ስጋብ ዝተፍኦ ክንከባኸቦ እግዚአብሔር ኣዚዝዎ። እቲ ዓሳ ከኣ እግዚአብሔር ዝነገሮ ኩሉ ቃል ይሕልው ኔሩ። ዮናስ ኣብ ውሽጢ ባሕሪ ኮይኑ ኣይጠሓለን። እግዚአብሔር ድንቂ ዝኾነ ቤት ኣዳልዩውሉ እዩ።

ዮናስ ጉዕዛኡ ጀመረ ኣብ መርከብ ዘይኮነ ኣብ ከርሲ ዓሳ ነባሪ ሰለስተ መዓልትን ሰለስተ ለይትን ሓደረ። ኮይኑ ግና ቲ’ዓሳ ንዮናስ ኣይበልዖን። ከምቲ ጐይታና መድኃኒና ኢየሱስ ክርስቶስ ኣብ ከርሰ መቓብር ሰለስተ መዓልትን ሰለስተ ለይትን ሓዲሩ ሞት ዘይሰዓሮ።

ንሕና’ውን ሕዝበ ክርስትያን፣ እግዚአብሔር ዘዳለወልና ዓሳ ነባሪ ክውሕጠና ከሎ ሕዙናት ኰይና ኣይነማርር ፣ ዮናስ ከምዝገበሮ ኣብ ውሽጢ ዓሳ ኰይና ንእግዚአብሔር ነመስግን። ዓሳ ነባሪ ዋላ እንተወሓጠና ከምዘይጎድኣና እንኣምን ንኹን።

ትእዛዘ እግዚአብሔር ጥሒሱ ኣብ ልዕሌና ዋላ ሓንቲ ጉድኣት ኣይገብርን እዩ ። ብእግዚአብሔር ምስ ተኣዘዘ እቲ ዓሳ ንዓና ዝተፋኣሉ ግዜ ኣሎ። ዝተፈተኹም ሕዝበ ክርስትያን ዝዀነ ይኹን ፈተና ኮነ መከራ ምስ ዘጓንፈና ናይ ዮናስ ኣምላኽ ምሳና ከም ዝኾነ ንሕሰብ።

እግዚአብሔር ነዚ ናይ መከራ ዓሳ ዘዳለዎ ኣብ ሓደ መከራ ዘይብሉ ጽቡቅ ቦታ ከብጽሓና ከም ዝደለየ ንሕሰብ።

ኣምላኸይ እዚ ኹሉ ዝበጽሓኒ እንታይ እዩ ፧ እዚ ክውሕጠኒ ዘዳለኻዮ ዓሳ እንታይ እዩ ፧ ንምንታይ ዘይተድኅነኒ ፧ ኢልና እነማርር ኣይንኹን። እግዚአብሔር ዝምልሰልና መልሲ ሓንቲ እያ። ወደይ/ ጓለይ ኣይትፍራሕ /ሒ ፣ ኣነ ምሳኻ/ኺ ምህላወይ እኹል’ዶ ኣይኮነን ፧

ዋላ እኳ ኣብ ውሽጢ ዓሳ በይንኻ ዘለኻ ኣይምሰልካ ኣነ ምሳኻ እየ እሞ ኣይትሸበር። ከቶ’ውን ኣይገድፈካን እየ። ለለዚ ብዝዀነ ዓይነት ኣብ ውሽጢ ዓሳ እንተዀና ክንፈርሕ የብልናን። “ ካብ መከራ ዝሃድም ካብ እግዚአብሔር ኣምላኹ ይሃድም። “ ዝብል ቃል አቡነ ጳውሊ ንዘክር።

ዮናስ ኣብ ውሽጢ ዓቢ ነባሪ ዓሳ ንነፍሱ ረኸባ። ብጣዕሚ ደኒቅዎ። ኣዝዩ ኣብ ዝማዕረገ ዘመናዊ ቪላ ገዛ ከምዘሎ ቆጺርዎ። ድሕሪኡ እንታይ ገበረ። ናብ ገዛእ ርእሱ ተመልሰ፣ ተንበርከኸ። ለካስ እግዚአብሔር ከምዚ ዓሳ ዘዳለወለይ ንኽምለስ ፣ ንኽንብርከኽ እዩ።  ብምባል።

መጀመርያ ዮናስ ንእግዚአብሔር ከየዛርቦ ዀርዩ ኮብሊሉ። ኣምላከ ቅዱሳን እግዚአብሔር ግና ልብን ኩላሊትን ስለዝምርምር ዓሳ ነባሪ ኣዳልዮ ከዘራርቦ ተዳልዩ ቀረበ ። ቀሪቡ’ውን “ ወደይ ንምንታይ ትኹሪ ፧ ወገናትካ እስራኤል ስለዝገደፉኒ እምበር ኣነ ገዲፈዮም ኣይኮንኩን። ንገረኒ እስለ ክንደይ ነብያት ቀቲሎሙለይ ፧ ንኽደይ ገሪፎም ኣሳቅዮም ፧ ኣነ ንጥቅሞም ክብል እዚ እንተገብረኩ ንምንታይ እዚ ገበርካኒ ፧ በል ንዓ ንተዓረቕ። ይብሎ ኔሩ።

ዮናስ’ውን ተዓረቐ ናብ ጥንተ ተፈጥርኡ ተመልሰ፣ ኣመነ፣ ኣብ ቅድሚ እግዚአብሔር ኣምላኹ ተንበርኪኹ ከመስግን ጀመረ።

በረኸቶም ይብዝሓልና ብጹእ አቡነ ሲኖዳ ሣልሳዊ ኣብዚ ዓንቀጽ ትርጓኦም ኣብዚ ክፍሊ ከምዚ ይብሉ ፣ ኣብ ሕይወተይ ከምዚ ዓይነት ጸሎት ኣንቢበ ኣይፈልጥን።

ዮናስ ካብ ቅድሚ ኣምላኹ  ቅድሚ ምኹብላሉ ከምዚ ኢሉ ጸልዩ እንተዝነብር እዚ ኹሉ ኣይምበጽሖን ኔሩ። ብሓዊ መከራ ናይ ጸሎት ትምህርቲ ቤት እዩ።

ዮናስ “ ካብ መከራይ እተላዕለ ናብ እግዚአብሔር ኣእዌኹ ንሱ ኸኣ መለሰለይ። “ ኢሉ ብምጽላዩ ኣዝየ ተደኒቀ። ከምዚ ኢለ’ውን ይሓትት  “ ኦ ዮናስ ትዛረቦ እንታይ እዩ ፧ ሕጂ ዘለኻ ኣብ ውሽጢ ዓሳ ነባሪ ኢኻ’ሞ ድኣ መዓስ እዩ ኣምላኽካ ኣውያትካ ዝሰምዓካ ፧  “ እግዚአብሔር ኣምላኸይ ካብ መከራ ከተናግፈኒ ምእንቲ ናብኻ ኣእዌኹ። “ ክትብል ከመይ ኪኢልካ ፧ ለካስ ዮናስ ነዚ ዘመስግን ዘሎ ዳሕራይ ንዝረኽቦ ከምዝረኸቦ ቆጺሩ እዩ።

ዮናስ ኣደናቂ ዝኾነ ጸሎቱ ቀጸለ። ከምዚ ብምባል

“ ኣብ ከብዲ ሲኦል ኰይነ ኣእዌኹ ንስኻ’ውን ድምጸይ ሰማዕካ። ንስኻ ናብቲ መዓሙቕ ናብ ልቢ ባሕሪ ደርበኻኒ ወሓይዝ ከበበኒ ኵሉ ማዕበልካን ሞገድካን ብልዕለይ ሓለፈ። ኣነ ከኣ በልኩ ካብ ቅድሚ ኣዒንትኻ ተሰጐጒኩ ግና ናብ መቕደስካ መሊሰ ኽጥመት እየ። ማያት ክሳዕ ነፍሰይ ከበቡኒ መዓሙቚ ኣብ ዙርያይ ነበረ። ሳዕሪ ባሕሪ ኣብ ርእሰይ ተጠምጠመ። ናብ መሠረት ኣኽራን ወረድኩ መሃርሃሪታት ምድሪ ንሓዋሩ ኣብ ልዕለይ ኰነ ግና ንስኻ ዎ እግዚአብሔር ኣምላኸይ ንሕይወተይ ካብ ጉድጓድ ኣውጻእካያ። ነፍሰይ ኣብ ውሽጠይ ምስ ኣሕለለወት ንእግዚአብሔር ዘከርክዎ ጸሎተይ ናባኻ ናብቲ ቅዱስ መቕደስካ ኣተወ። እቶም ናብ ሓሰውቲ ኸንቱነት ዜድህቡ ጸጋኦም ይሓድጉ። ኣነ ግና ብድምጺ ምስጋና ኽስወኣልካ ነቲ እተማባጻዕክዎ ኸኣ ክፍጽም እየ ምድኃን ካብ እግዚአብሔር እዩ። “

ከመይ ዝበለ እምነት እዩ ፧ ዳሕራይ ንዝኸውን ነገር ኣብ ብሙሉእ ተስፋ ከምዝረኸቦ ተኣማሚኑ ይዛረብ።

እግዚአብሔር ኣምላኽ ናይ ዮናስ እምነት ኣብቲ ዘደንቅ ደረጃ በጽሒ ምስ ረኣየ፣  ንዓሳ ነባሪ ንዮናስ ኣብ ማይ ዘይብሉ ንቑጽ ምድሪ ክተፍኦ ኣዘዞ።

“እግዚአብሔር ነቲ ዓሳ ኣዘዞ ንሱ’ውን ንዮናስ ናብ ንቑጽ ምድሪ ተፍኦ።” ዮና.2-11።

ንሕና’ውን ናይ ምስጋናን ናይ እምነት ሰባት እንተዀይና ቲ’ዓሳ ዋላ ሓንቲ ከይጎድኣና ኣብ እዋኑን ኣብቲ ምቹእ ቦታ ይተፍኣና።

ዮናስ ናብ ንቑጽ ምድሪ ተፍኦ።

ራብዓይ ክፍሊ

 ይቅጽል…….

ኣምላከ ቅዱሳን እግዚአብሔርጾምና ይባርኸልና።ኣብ ኩሉ ድኻምና ይደግፈና በረከት ኣዴና ቅድስተ ቅዱሳን ድንግል ማርያም ኣይፈለየና።

ወስብሓት ለእግዚአብሔር

ወለወላዲቱ ድንግል

ወለመስቀሉ ክቡር::

Comments are closed.