ትንሣኤ ዘክርስቶስ

በስመ አብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ አሐዱ አምላክ አሜን ።

 

ꗺ ክርስቶስ ተንሥአ እሙታን  (ክርስቶስ ካብ ሙታን ተንሢኡ)

ꗺ በዐቢይ ኃይል ወሥልጣን  ( ብዓቢይ ሓይልን ሥልጣንን)

ꗺ አሰሮ ለሰይጣን            ( ኣሲሩ ንሰይጣን)

ꗺ አግአዞ ለአዳም            ( ነጻ ኣውጺእዎ ንኣዳም)

ꗺ ሰላም                      ( ሰላም)

ꗺ እምእዜሰ                  (ካብ ሎሚ)

 ꗺ ኮነ                         ( ኮነ )

ꗺ ፍስሐ ወሰላም             ( ፍስሓን ሓጎስን ሰላምን ኮነ)

ርሑስ በዓል ትንሣኤ ጐይታና መድኃኒና ኢየሱስ ክርስቶስ ይግበረልና።

መዝሙር ዘቅዱስ ያሬድ

ይትፌሣሕ

ምስባክ

ወተንሥአ እግዚአብሔር ከመ ዘንቃሕ እም ንዋም

ወከመ ኃያል ወኅዳገ ወይን

ወቀተለ ፀሮ በድኅሬሁ። መዝ.77-65

ዓዲ.

ዛቲ ዕለት እንተ ገብረ እግዚአብሔር

ንትፈሣሕ ወንትኃሠይ ባቲ

ኦ እግዚኦ አድኅንሶ። መዝ.117-24።

ወንጌል ዮሓ.20፣1-18 ግ.ሓ.2፣23-36 ።1ይቆረ

ቆሮ.15፣20-47። 1ይጴጥ.3፣15-22።

 

ትንሣኤ ዘክርስቶስ

ኣምላኽና መድኃኒና ኢየሱስ ክርስቶስ ንሕሙማተ ሥጋ ብተኣምራት ሕሙማነ ነፍሲ ብትምህርቱ ዕውራነ ሥጋ ብተኣምራቱ ፣ ዕውራነ ነፍሲ ብትምህርቱ ብምብራህ፣  ልሙጻነ ሥጋ ብተኣምራቱ ፣ልሙጻነ ነፍሲ ብትምህርቱ ብምንጽሁ ፣ ኣጋንንቲ ብምውጻእ ፣ ምውታን ብምትንሣእ ፣ ንሰለስተ ዓመትን ሰለስተ ወርሕን ወንጌል እንዳመሃረ ብነፍስን ብሥጋን መጊብና እዩ።

ኣይሁዳ ግና ቅንኣት ሓዲርዎም “ ወአስተጋብእዎሙ ሊቃነ ካህናት ወፈሪሳውያን ለሕዝብ ወይቤልዎም ምንተ ንሬሲ ናሁ ዝንቱ ብእሲ ብዙኀ ተአምረ ይገብር። “ ሊቃነ ካህናትን ፈሪሳውያን ከኣ ዋዕላ ኣኪቦም እዚ ሰብኣይ እዚ ብዙሕ ተኣምራት ይገብር ኣሎ እሞ እንታይ ንገብር ፧ ከምዚ እንተሓደግናዮ ኩሉ ብእኡ  ኺኣምን እዩ። ሮማውያን ድማ መጺኦም ምድርናን ሕዝብናን ክወስዱ ዮም በሉ። “ ኣብቲ ዋዕላ ሓደ ካብ ካኣታቶም በታ ዓመት ሊቀ ካህናት ዝነበረ ቀያፋ “ ይኄይሰነ አሐደ ብእሴ ንቅትል ወይሙት ህይንተ ኵሉ እምይትሀጐል ኵሉ ሕዝብ “ “ ኩሉ ሕዝቢ ካብ ዚጠፍእስ ሓደ ሰብኣይ በጃ ሕዝቢ እንተ ሞተ ኸም ዚሔሸና ከቶ ኣይትሓስቡን ኢኹም በሎ።”

“ ወእምእይቲ ዕለት ተማከሩ ሊቃነ ካህናት ከመ ይቅትልዎ ለእግዚእ ኢየሱስ “ ካብታ መዓልቲ ጀሚሮም ኪቀትልዎ ተማኸሩ። “ ዮሓ. 11፣ 47-53።

ካብ ዓሰርተ ክልተ ሓዋርያት ዝነበር ይሁዳ ኣስቆሮታዊ ንመድኃኒ ዓለም ኢየሱስ ክርስቶስ ብሰላሳ ቅርሺ ኣሕሊፉ ናብ ኣይሁድ ከትሕዞ ተሰማምዔ ።   ሓሙስ ምሸት ካብ ጭፍራ ሮማውያንን ንገላው ሊቃውንቲ ካህናትን ፈሪሳውያንን  ፋናታትን መብራህትታትን ኣጽዋርን ሒዞም ንጐይታ ክዝዎሞ  ብይሁዳ መሪሒነት ክመጹ ከለዉ ንርኢ። ዮሓ.18፣ 1-3።  ጐይታና ኣምላኽና መድኃኒና ኢየሱስ ክርስቶስ ክሕዝዎ ከምዝመጹ ፈሊጡ ናብ እሶም ዘለዎ ቦታ ባዕሉ ከይድዎም።  ነዚ ኸኣ ሊቃውንቲ መተርጉማን ክትርግምዎ ከለዉ ብኸምዚ ይገልጽዎ።

ꗺ ከይፈለጠ ሒዝናዮ ከይብሉ

ꗺ ከይዘይተርፎ ስለዝፈልጥ

ꗺ ከምዘይፈርሐ ንኸመልክት

ꗺ አፍቅሮ ጸላእት ( ንጸላኢኻ ምፍታው) ከርኢ።  ለይቲ ስለ ዝነበረ ኣብ መገዲ ከይዕንቀፉ እሾኽ ከይወግኦም ኢሉ እዩ።

ባዕሉ መጺኡ ከኣ ንመን ኢኺም ትድልዩ ኣለኹም ፧ በሎም። ንሳቶም ድማ ንኢየሱስ ናዝራዊ ኢሎም መለስሉ። ጐይታና ኣምላኽና መድኃኒና ኢየሱስ ክርስቶስ ባዕሉ ኣነ እየ ኢሉ ንነፍሱ ባዕሉ ኣሕሉፉ ሂብዎም።  ባዕሎም ግና ክሕዝዎ ኣይከኣሉን ኣነ እየ ክብሎም ከሎ ንድሕሪት ይወድቁ ነበሩ።

“ ሽዕ ኢየሱስ ነቶም ሕዝቢ በሎም ከም ንኸታሪዶ ኣስያፍን ኣባትርን ሒዝኩም ክትሕዙኒ መጻእኩም ፣ዕለት ዕለት ኣብ ቤት መቕደስ እናመሃርኩም ምሳኻትኩም ተቐሚጠ ነይረ ኣይሓዝኩምንን። እዚ ኩሉ ግና እቶም መጽሓፍቲ ነብያት ምእንቲ ኺፍጸሙ ኾነ። “ ማቴ.26፣ 55-56። ብምባል ድኅነተ ዓለም ክፍጽም ሕማማተ መስቀል ከምዝቅበል ነጊርዎም ብፍቓዱ ከኣ ሒዞሞ።

“ ሽዑ እቶም ጥፍራን እቲ ሓለቓ ሽሕን እቶም ገላው ኣይሁድን ን ኢየሱስ ክርስቶስ ሒዞም ኣሰርዎ። “ ዮሓ.18፣13።

ድሕሪ ብዙሕ መከራን  ዓቢ ግፋዕን መግረፍትን ኣብ ቅድሚ ጲላጦስ ቀሪቡ ንኽሥቀል ኣፍሪዶም።

ኣብ ማእከለ ምድሪ ኣብ ቀራናዮ ኣብ መንጎ ክልተ ሸፋቱ ሰቂሎሞ። “ ወሰቀልዎ ለእግዚእ ኢየሱስ ክርስቶስ ዲበ ዕፀ መስቀል እንዘ ገጹ መንገለ ምሥራቅ ወእዴሁ ዘየማን መንገለ ደቡብ ወእዴሁ ዘፀጋም መንገለ ሰሜን።”

ክኸብር ዘይብል ክቡር ናይ ባሕርይ ኣምላኽ ዋላ ኃጥያት ዘይብሉ ዝተቀበሎ ጸዋእተ መከራ ንዓና ንደቂ ሰባት ንምድኃን ዝተቀበሎም እዮም። ንዓለም ንምድኃን ኃጥያት ዘይብሉ ንቤዛ ብዙኃን ክብል በደል ኩላትና ንስቃይና ኣብ ነፍሱ ጺዒኑ ፣ ኣምላከ ቅዱሳንንመድኃኒ ዓለም ኢየሱስ ክርስቶስ ሕማማት መስቀል ተቀቢሉ። ኢሳ.53፣4-6።

ሄዋን ብሓሙሽተ መሳኹቲ ሕዋሳት ወይ መገዲ ናብ ኃጥያት ወዲቃ፣ በደል ባዕላ ኣምጺኣ። እዚ ከኣ ብዓይና ዝተኸልከለ ኦም ርእያ። ብእዝና ምኽሪ ተመን ሰሚዓ፣ ብእግራ ከይዳ፣ ብኢዳ ቀንጢባ፣ ብኣፋ በሊዓ። ዘፍ.3-6። ኣምላከ ቅዱሳን መድኃኒ ዓለም ኢየሱስ ክርስቶስ በዚ ኩሉ ኪሒሱና ። ብእዝኑ ናይ ኣይሁድ ጸርፍን ላግጽን ሰሚዑ። ብዓይኒ ግርማ ኣይሁድ ርእዩ። ኣእዳዉን ኣእጋሩን ኣብ መስቀል ተሸንኪሩ ። ብኣፉ ከኣ መሪር ሓሞት ብምስታይ ኪሒሱና።

ጐይታና ኣምላኽና መድኃኒና ኢየሱስ ክርስቶስ ድኅነተ ዓለም ኣብ መስቀል ድሕሪ ምፍጻሙ ብኣካለ ሥጋ ናብ መቃብር ወረደ። ቅድስቲ ነፍሱ ካብ ቅድስቲ ሥጋኡ ብገዛእ ፍቓዱ ዝፈለየ ናይ ባሕርይ ኣምላኽ ስለ ዝኾነ ሞት ኣብ ልዕሊኡ ዋላ ሓንቲ ሥልጣን ኣይነበሮን። ግ.ሓዋ.2፣24። ሮሜ.6፣9-10። ራእ. 1፣18። መለኮት ዝተዋህዶ ሥጋ ሙስና ( ምፍራስ፣ ምብስሳብ)  ኣይረኸቦን። መዝ. 16፣1። ግ.ሓዋ. 2፣27። 2፣31 ። 13፣ 36-37። እዚ ከኣ ኣብ መቓብር ፈሪሱ በስቢሱ ምትራፍ ከተርፍ እዩ። ብኣካለ ነፍሲ ድማ ሲኦል ወሪዱ፣ እዚ ከኣ ኣብ ሲኦል ዝነብሩ ነፍሳት ነጻነት ኪሰብከሎም ምእንቲ እዩ። መለኰት ዝተዋህዶ ምስ ሥጋን ነፍስን ስለዝኾነ ከኣ  ነዚ’ዩ መቃብር ንሥጋኡ ከትርፎ ዘይከኣለ ። ሲኦል’ውን ንነፍሲ ምትራፍ ኣይከኣለትን። ቅዱስ ዳዊት < ንነፍስይ ኣብ ሲኦል ኣይትሓድጋን። > መዝ.16-10። ዝበለ ነዚ ዓቢ ምሥጢር ብቃለ ትንቢት ክዛረብ ከሎ እዩ። ሓዋርያ ቅዱስ ጴጥሮስ'ውን < ክርስቶስ ድማ ናብ እግዚአብሔር  ምእንቲ ( ናብ አብ ናብ ገዛእ ርእሱ ናብ መንፈስ ቅዱስ ) ከቅርበና ኢሉ ፣ ንሱ እቲ ጻድቅ ስለቶም ዓመጽቲ ሓንሳብ ስለ ኃጥያት ( ስለ ደቂ ሰባት ሓጥያት ንገዛእ ርእሱ ብምውፋይ) ሞተ። ብሥጋ ሞተ ( ብፍቓዱ ንነሱ ካብ ሥጋኡ ፈለያ) ብመንፈስ ግና ሕያው ኮነ። ( እቲ ሥጋ ነፍስ ዝተፈለየቶ መለኮት ኣይተፍለዮን) ብኡኡ ከይዱ ድማ ነቶም (መለኮት ብዝተዋህዶ ነፍሲ) ኣብ ቤት ማእሰርቲ ዝነበሩ ነፍሳት ሰበኸሎም። 1ይጴጥ.3፣18።

ከመይ ተንሢኡ

ጐይታና ኣምላኽና መድኃኒና ኢየሱስ ክርስቶስ ካብ ሙታን ተፈልዩ ዝተንሥአ ብዓቢይ ኃይልን ሥልጣንን እዩ። እዚ ኃይልን ሥልጣንን ናይ ባህርይ ገንዘቡ እዩ። እዚ  “ኣነ ንነፍሰይ በጃ ኸሕልፋ መሊሰውን ክወስዳ እየ እሞ ስለዚ ኣቦ የፍቅረኒ እዩ። ባዕለይ እየ በጃ ዘሕልፋ እምበር ካባይ ዚወስዳስ የልቦን። በጃ ከሕልፋ ሥልጣን ኣሎኒ። ” ብምባል ኣቀዲሙ ተዛሪቡ እዩ። ዮሓ.10፣17-18።

 ነብየ ኢሳይያስ “ መከራ ጸገበ ርእሱ ኣዋረደ ኣፉውን ኣይከፈተን ከምቲ ናብ ማሕረዲ ዚኽብክብ ገንሸል ከምታ ኣብ ቅድሚ መቀዘታ ስቕ እትብል በጊዕ ኣፉ ኣይከፈተን።” ኢሳ.53፣7። ኢሉ ምዛራቡ ጐይታና ኣምላኽና መድኃኒና ኢየሱስ ክርስቶስ ብፍቃዱ ከም ዝመወት ዝነግር ትንቢት እዩ። ሓዋርያ ቅዱስ ጴጥሮስውን ምስዚ ዝመሳሰል ቃል ተዛሪቡ እዩ። 1ይጴጥ.2-23።

በዚ ዓይነት ነብያትን ሓዋርያትን ዝተዛረብሉ ክርስቶስ ብሓይሉን ብሥልጣኑን ንሞት ሲዒሩ  ሙስና መቓብር ኣጥፊኡ ተንሢኡ እዩ። እሱ ናይ ትንሣኤን ሕይወትን ወናኒ ስለዝኾነ። “ ኢየሱስ ከኣ ትንሣኤን ሕይወትን ኣነ እየ ።” ዮሓ.11-25።

እዚ ከምዚ ኢሉ ከሎ ሓዋርያ ቅዱስ ጳውሎስ ኣብ ገላ 1፣1 “ ብ ኢየሱስ ክርስቶስን በቲ ካብ ምውታን ዘተንሥኦ እግዚ አብሔር ኣቦን “ ዝብል ቃል ኣሎ። “ ንዕዑ ግና እግዚአብሔር ካብ ምውታን ኣተንሥኦ ፣” ዝብል ሕቶ ክመጽእ ይኽእል ይኸውን። እዚ ኃይለ ቃል ብምሓዝ “እግዚአብሔር አብ ኣተሢኣዎ ምበር ባዕሉ ኣይተሥኤን ” ዝብሉ’ውም  ተረፈ ኣርዮሳውያን  ኣለዉ። እዚ ከኣ ትርጉሙ ዘይተረድኡን ምሥጢሩ ዘየስተውዓሉን እዮም  እምበር ። መጽሓፍ ቅዱስ ኣብሪሁ ይነግረና እዩ።

ሓዋርያ “ እግዚአብሔር ኣተንሢእዎ ” ማለቱ “ እግዚአብሔር ” ዝብል ስም ናይ ሠለስተ ሥላሴ መጸውዒ እምበር ናይ አብ ጥራሕ ኣይኮነን። ወልድውን እግዚአብሔር ተባሂሉ ይጽዋዕ እዩ። “ እቲ ቃል ብቅድምና ነበረ እቲ ቃል ድማ ኣብ ኣምላኽ ነበረ ። እቲ ቃል ድማ ኣምላኽ ነበረ። ብእኡ ዅሉ ዀነ ካብቲ ዝዀነ ዘበለ ድማ ብዘይ ብእኡ ዝኾነ የልቦን።”  ዮሓ.1፣2።

“ስለዚ ንገዛእ ርእስኹም  ነታ ብገዛእ ደሙ ዘጥረያ ማኅበር ጐይታን ክትጓስዩ  መንፈስ ቅዱስ ኤጰስቆጶሳት ጌይሩ ዝሸመኩም ኵሉ መጓሰ ሓልዉ። ”     ግ.ሓዋ.20-28። መንፈስ ቅዱስ’ውን እግዚአብሔር ተባሂሉ ይጽዋዕ እዩ፣ ስለዚ ሥላሴ ብፍቃድ ሓደ እዮም።   “ እስመ በፈቃዱ ወበሥምረት አቡሁ ወመንፈስ ቅዱስ መጽአ ወአድኃነነ ። “ ቅዱስ ኤፍሬም ኣብ ውዳሴ ማርያም ናይ ሰሉስ ዝበሎ። 

ሓንቲ ብዝኾነት ብናይ አብ ብገዛእ ርእሱ ወልድ  ብናይ መንፈስ ቅዱስ ፍቃድን ሥልጣንን ተንሢኡ። ሓደ ናብ መቓብር ዝወረደ ሥጋ መሎኮት ዝተዋሃደ ስለዝዀነ ተንሢኡ፣ ጐይታና ኣምላኽና መድኃኒና ኢየሱስ ክርስቶስ እግዚአብሔር ብምዃኑ ተንሢኡ። ተባሂሉ ይትርጎም። ይእመን። ትንቢተ ነብያት ዘረጋግጸልና ነዚ እዩ። “ወተንሥአ እግዚአብሔር ከመ ዘንቃህ እምንዋም።  ሽዑ እግዚአብሔር ከም ደቂሱ ዝነበረ ከምቲ ብወይኒ ሰኺሩ ዚጭድር ጀግና ኾይነ ተንሥኤ ።“ ከምዝብል መዝ.77(78)፣65።  

ከመይ ብዕጽው ማዕጾ ተንሢኡ ፧

ጐይታና ኣምላኽና መድኃኒና ኢየሱስ ክርስቶስ ዮሴፍ ኒቆዲሞስን ገኒዞም ድሕሪ ምቅባሮም ፈሪሳውያንን ሊቃውንቲ ካህናትን ናብ ጲላጦስ ተኣኪቦም “ ጐይታይ እቲ መስሓቲ (ሎቶ ስብሐት) ብሕይወቱ ከሎ ፣ ድሕሪ ሰለስተ መዓልቲ ኪትንሥእ እየ ከምዝበለ ዘከርና። ስለዚ ደቂ መዛሙርቱ ብለይቲ መጺኦም ከይሰርቅዎ እሞ ንሕዝቢ ካብ ምውታን ተንሢኡ ከይብሉ ፣ ካብ ቐዳመይትስ እታ ዳሕረይቲ ስሕተት ከይትገድድ፣ እቲ መቓብሩ ክሳብ ሠለስተ መዓልቲ ኽሕሎ ኣዝዝ በልዎ። ጲላጦስ ሓለውቲ እነውክሉም ኬድኩም ከም ፍልጠትኩም ኣጽኒዕኩም ሓልው በሎም። ከይዶም ነቲ መቓብር  ኣጽንዕዎ ፣ ነቲ እምኒ ድማ ምስቶም ሓለውቲ ዀይኖም ማሕተም ገበርሉ። ማቴ.27፣63-66። 

ብዓቢ እምኒ ዝተዓጽወ መቃብር እቲ እምኒ ከምዝተሓትመ ክርስቶስ ንሞት ሲዒሩ ተንሢኡ እዩ። እዚ ከኣ ኩሉ ዝከኣሎ መለኮት ብተዋህዶ ምስ ሥጋ ኣብ መቃብር ስለዝነበረ እዩ። ቅዱስ ቄርሎስ ከምዝተዛረቦ ብተዋህዶ ኣምላኽ ሰብ ፣ሰብ ኣምላኽ ብምዃኑ እዩ። ንኣብነት ኣይሁድ ብዙሕ ግዜ ብእምኒ ቀጥቂጦም ኪቅትልዎ እንዳደልዩ ካብ ቅድሚ ዓይኖም ይስወሮም ኔሩ። ብመንጎኦም ሓሊፉ ክወጽእውን ኣይርእይዎን ነበሩ። ዮሓ.8-59።10-39። እዚ ዝዀነ ከም ነፍስን ሥጋን ተዋህዶ መለኮትን ሥጋን ብምውሃዱ እዩ። ድሕሪ ትንሣኤ እውን ካብ ሓደ ክልተ ግዜ ብዕጹው ማዕጾ ከይተከፍተ ዝኣተወ ነዚ እዩ። ዮሓ.20-19። 26። ኣብ ግዜ ልደቱ ካብ ኣዴና ቅድስተ ቅዱሳን ድንግል ማርያም ብሕቱም ድንግልና ዝተወልደ ነዚ እዩ። ኢሳ.7-14። ማቴ.1፣20-23። ሉቃ.2፣6-7። 

በኩረ ትንሣኤ

ጐይታና ኣምላኽና መድኃኒና ኢየሱስ ክርስቶስ ንናይ ባህርይ ኣቡኡ አብ ፣ ንኣዲኡ ቅድስተ ቅዱሳን ድንግል ማርያም ቦኽሪ ወዶም እዩ። እብ.1-6። ሉቃ.2-7፣። ንጽቡቅ ነገራትኩሉ ቀዳሚ ብምዃኑ ናይ ትንሣኤና ቦኽሪ እሱ እዩ። “ ሕጂ ግና ክርስቶስ በኹሪ እቶም ዝደቀሱ ኾይኑ ካብ ምውታት ተንሥኤ። ስለዚ ከምቲ ሞት ብሓደ ሰብ ዝመጸ ከምኡ ከኣ ትንሣኤ ምውታን ብሓደ ሰብ እዩ ዝመጸ። “ 1ይቆረ.15፣20-23።  ከምዝበለ ። ብተወሳኺውን “ ዮሓንስ ነተን ኣብ እስያ ዘለዋ ሾብዓተ ማኅበራት ካብቲ ዘሎን ዝነበረን ዚመጽእን ካብቶም ኣብ ቅድሚ ዝፋኑ ዘለዉ ሾብዓተ መናፍስትን ካብቲ እሙን ምስክርነት ቦኹሪ ምውታትን ርእሲ ነገሥታት ምድርን ዝኾነ ኢየሱስ ክርስቶስ ከኣ ጸጋን ሰላምን ምሳኻትኩም ይኹን። ”ራእ.1፣5።

ኣብ ብሉይ ኪዳንውን በዓል ኤልያስ ፣ኤልሳእ ንምውታን ኣተንሢኦም እዮም። 1ይነገ.17-22። 2ይነገ.4፣32-38። ኣብ ሓዲሽ ኪዳን’ውን ባዕሉ ጐይታና መድኃኒና ኢየሱስ ክርስቶስ ፣ወዲ እቲ መኵንን ፣ ጓል እታ መበለት፣ ንኣልኣዛርውን ካብ ሞት ኣተንሢእዎም እዩ። ማቴ.9፣25። ሉቃ.7-15። ዮሓ,11-44። ንነፍሱ ኣብ ልዕሊ መስቀል ብፍቃዱ ኣሕሊፉ ድሕሪ ምሃቡ ኣብቲ እዋን ብዙሓት ኣብ እግረ መስቀሉ ካብ ሙታን ተንሢኦም እዮም። ማቴ.27-53። እዚኦም ኩሎም በኩረ ትንሣኤ ኣይተባህሉን። ምኽንያቱ

ꗺ ቀዳማይ ኩላቶም ብናታቶም ኃይሊ ኣይኮንኩን ተንሢኦም፣

 ꗺ ካልኣይ ንዝተወሰን እዋን ድሕሪ ምንባር ተመሊሶም ሞይቶም ትንሣኤ ዘጉባኤ ዝጽበዩ እዮም።

ꗺ ሳልሳይ ፍጡራት እዮም። 
ጐይታና መድኃኒና ኢየሱስ ክርስቶስ ናይ ባህርይ ኣምላኽ ብምዃኑ ብናቱ ሥልጣንን ኃይልን እዩ ተንሢኡ። ዳግማይውን ኣይመውትን እዩ። እዚ ከኣ “ እቲ ካብ ምውታን ዝተንሥኤ ክርስቶስ መሊሱ ከምዘይመውት  ሞት’ውን ኣብኡ ከም ዘይመልኰ ፈሊጥና ንሕና ምስ ክርስቶስ ካብ ሞትናስ ምስኡ ድማ ብሕይወት ከም እንነብር ንኣምን ኣሎና ” ሮሜ.6-9። ብምባል ሓዋርያ ቅዱስ ጳውሎስ ገሊጹልና እዩ።

ጐይታና መድኃኒና ኢየሱስ ክርስቶስ ባዕሉ “ ….. ኣነ እቲ ቀዳማይም ዳሕራይን እቲ ሕያውን እየ እሞ ኣይትፍራሕ ፣ ሞይተ’ውን ነበርኩ እንሆ ከኣ ንዘልዓለም ሕያው እየ። መርሖ ሞትን ሲኦልን ከኣ ኣሎኒ  ” ኢሉና እዩ። ኣብ ራእ.1-18።

ተስፋ ትንሣኤ

ኣብ ዘመነ ብሉይ ኪዳን ኩሉ ወዲሰብ ብናይ ኣዳም ኃጥያት ምኽንያት እንዳተኾነነ ብሞተ ነፍሲ ተታሒዙ ናብ ሲኦል ይወርድ ኔሩ።   ቅዱስ ጳውሎስ ነዚ ክገልጾ ከሎ  “ ከምቲ ኩላቶም ብኣዳም ዝሞቱ ከምኡ ድማ ኩላቶም ብክርስቶስ ሕያዋን ኪኾኑ እዮም።” 1ይ.ቆረ.15-22።  ኣብ ሮሜ’ውን  ከምዚ ይብለና   “ ሞት ካብ ኣዳም ጀሚሩ ኽሳብ ሙሴ ኣብቶም ማዕረ እቲ ኣበሳ ኣዳም ኃጢኣት ዘይገበሩ’ውን ሰልጠነ። ”  ከምዝበለ ። ሮሜ.5፣14። ካብዚ ዝተላዕለ ዋላ ኣበ ብዙኃን ዝተባህለ ኣቦና ኣብርሃም ከየተረፈ  እዩም ናብ ሲኦል ዝወረዱ ። በዓል ኢሳይያስ “ ጽድቅና ኩሉ ከም መርገም ጨርቂ ኮይኑ። ” ዝበሉ ነዚ እዮም። ኢሳ.64፣6።

በዓል ኤርምያስውን “ ስርናይ ዘርኡ እሾኹ ዓጸዱ ፣ ጸዓሩ ጥቕሚ’ውን ኣይረኸቡን ። ” ኤር.12፣13። ኢሎም እዮም። በዚ ምኽንያት ናይ ብሉይ ኪዳን ዘመን ዘመነ ፍዳ፣ ዘመነ ኩነኔ፣ ዘመነ ጽልመት ተባሂሉ ። ኣብዚ ዘመነ ቅዱስ ዳዊት “ አንሥእ ኃይለከ ወነዓ አድኅነነ፣ ሥልጣንካ አተንሥእ ንምድኃና’ውን ነዓ። ”  (ብሥጋ ተገሊጽካ ሰብ ኮንካ ኣድሕነና) እንዳበለ ንወልድ ተማሕጺንዎ እዩ። መዝ.79 (80)፣2።

“ “ፈኑ ብርሃነከ ወጽድቀከ ፣ ብርሃንካን ሓቕነትካን ልኣኽ ፣ ንሳተን ይምርሓኒ። ” ( ብርሃን ንወልድ ።ሓቂ ንመንፈስ ቅዱስ ለኣኸልና። ንሶም ይምሩሑና ናብ ቅድስና እምባ ናብ መሕደሪኻ ፣ናብ ገነት መንግሥተ ሰማያት ይውሰዱና።) እንዳበሉ ንአብ ተማሕጺኖሞ። መዝ.42 (43) ፣3። እዚ ዘምልከት ኣብቲ ጸልማት ዘመን ኰይኖም ተስፋኦም ናይ ክርስቶስ ስለዝነበረ እዩ። ኣብ ጥቃ ሞት ሕይወት ፣ኣብ ጥቃ መቃብር ትንሣኤ ከምዘሎ ተስፋ ኽገብሩ ዝገብሮም ናይ ናይ ጐይታና መድኃኒና ኢየሱስ ክርስቶስ ትንሣኤ እዩ። ኣብቲ እዋን ካብ ሲኦል ከምዝወጹን ዝተዓጽወት ገነት’ውን ከም ትኽፈተሎም ይፈልጡ ኔሮም እዮም። ናይ ክርስቶስ ትንሣኤ ንኹሎም ደቂ ኣዳም ትንሣኤ ዘጉባኤ ብተስፋ ኪጽበዩ ጌርዎም እዩ። እዚ ተስፋ’ውን ሃይማኖት ኪሕዙ፣ ምግባር ክህልዎም ኣጽኒዕዎም እዩ። ምድራዊ ነገር ኪንዕቁን ሰማያዊ ነገር ኪናፍቁን ገሪዎም እዩ። “ ንሕና ግና ከምቲ ተስፋኡ ጽድቂ ዚነብረሉ ሓድሽ ሰማያትን ምድርን ንጽበ ኣሎና። “ 2ይጴጥ.3፣13።

ቅዱሳን ብሃይማኖት ርእዮማ እዮም።  “ እቲ ቀዳማይ ሰማይን እታ ቀዳመይቲ ምድርን ባሕሪ’ውን ደጊምሲ የልቦን እሞ ሓዲሽ ሰማይን ሓዳስ ምድርን ርኤኹ እታ ቅድስቲ ኸተማ እታ ሓዳስ ኢዮርሳሌም ንመርዓዊኣ ኢላ ከም እተሰለመት መርዓት ተዳልያ ካብ ሰማይ ካብ ኣምላኽ ክትወርድ ከላ ርኤኹ። ” ራእ.21፣1-3።

ናይ ትንሣኤ ጸጋ

ብጐይታና መድኃኒና ኢየሱስ ክርስቶስ ዝረኸብናዮ ጸጋ ዓቢ እዩ። ካብ ጸልማት ናብ ብርሃን ወጺና ካብ ሞት ናብ ሕይወት ተሰጋጊርና። ምውታን ዝነበርና ሕያዋን ኰይና፣ ዓለማውያን ዝነበርና ሰማያውያን፣ ሥጋውያን ዝነበርና መንፈሳውያን ኰይና ኢና።

“ ካብ ኢድ ሲኦል ኤድሕኖም ካብ ሞት እብጀዎም ኣታ ሞት ፌራኻ ኣበይ ኣሎ ፣ ኣታ ሲኦል ጥፍኣትካ ኣበይ ኣሎ ።  ” ንብል ከኣ ነዚ እዩ። ሆሴ.13፣14።

1ይቆረ.15፣55። ከም ቅዱስ ጳውሎስ “ ዎ ሞት ኣበይ ኣሎ ብልሕኻ ኣታ ሲኦልከ ኣበይ ኣሎ ዓወትካ ። ” ፊሊ.3፣20-21።  ይብለና ።  ኩሉ ብትንሣኤ ዝረኸብናዮ ጸጋ ክንጥቀመሉ ይግበኣና። 

“ እዛ ምድራዊት ናይ ድንካን ቤትና እንተ ፈረሰት እኳ ሓንቲ ህንጻ ካብ ኣምላኽ ብኢድ ዘይተገብረት ናይ ዘልዓለም ቤት ኣብ ሰማያት ከም ዘላትና ንፈልጥ ኢና ። ምንም እኳ ልቡሳት እንተ ዀንካ ዕሩቃት ኴይና ኸይንርከብ እታ ሰማያዊት ቤትና ኽንለብስ እናናፈቕና ኣብዚ ንደናፈቕ ኣሎና። ”   ከምዝብል። 2ይቆረ.5፣1-2።

ሓዋርያ ቅዱስ ጴጥሮስውን “ እቲ ንዘይሓልፍን ዘይረክስን ዘይጽምሉን ኣብ ሰማያት ተኣርኒቡልኩም ዘሎ ርስቲ ብናይ ኢየሱስ ክርስቶስ ትንሣኤ ካብ ምውታን ብብዙሕ ምሕረቱ ንሕያው ተስፋ ብሓድሽ ዝወለደና ኣምላኽ ኣቦ ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ። ”  ኢሉ እዩ። 1ይጴጥ. 1-3።

ቅዱስ ጳውሎስውን “ ምስኡ’ውን ኣተንሥኣና ኣብቲ ዚመጽእ ዘመናት ብሕያውነቱ እዚ ብሉጽ ሃብቲ ጸጋኡ ብክርስቶስ ኢየሱስ ኣባታትና ምእንቲ ኼርኢ ኣብ ሰማያት ብክርስቶስ ኢየሱስ ምስኡ ኣቐመጠና። ”  ኤፌ.2፣6-7።

ብዙኅ ግዜ ትንሣኤ ኮነ ካልእ ናይ ቤተክርስቲያንና በዓላት ትርጉሙ ብዘይ ምርዳእ ናይ ብልዕን መስተን ሽሻይን እኽለ ማይ ዝፈሰሉ መዓልቲ ጌርና ንወስዶ ንኸውን። ግን በዓለ ትንሣኤ ብብልዕን ብመስተን ክንጸግብን ክንሰክርን ዘይኮንና ካብታ ዘላትና ንዝተጸገሙ ሽጉራት ኣኅዋት እንረድኣሉን እንዕንግለሉን መዓልቲ እዩ። ንሕና'ውን ካብ ወልፊ ዝሙት፡ ክፉእ አመል፡ አምልኾ ጣዖት (ጥንቆላ) … ካብ ባርነት ኃጢኣት ወጺእና ናጻ ኮይንና ብሓጐስን ፍሥሐን ብምትሕግጋዝን ከነብዕሎ ይግባእ። ከምኡ ድማ ንእግዚአብሔር አምላኽና እናኣመስገንና ስለቲ ዝገበረልና ሠናይ ነገር ውዕለት ጐይታ እናዘከርና ኃጢኣትና ክንናዘዝ እቲ ግዜ ሕጂ እዩ። መዓልቲ ጐይታ ከየርከበትና ብማየ ንስሓ ተሓጺብና ናብ ቅዱስ ሥጋኡን ክቡር ደሙን ንቕረብ። 

ኣምላከ ቅዱሳን እግዚአብሔር ምሕረቱን በረከቱን የብዝሓልና፣  ወላዲተ ኣምላክ ቅድስተ ቅዱሳን ድንግል ማርያም ብኣማላድነታ ኣይትፈለየና። 

Comments are closed.