ትምክሕተ ኩልነ መስቀል

በስመ አብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ አሐዱ አምላክ አሜን።

ምስባክ

ወወሀብኮሙ ትእምርተ ለእለ ይፈርሁከ፣ ከመ ያምሥጡ እምገጸ ቅስት፣ወይድኅኑ ፍቁራኒከ ።

 ነቶም ዚፈርሁኻ ሰንደቅ ዕላማ ሃብካዮም፣ ፈተውትኻ ምእንቲ ኺናገፉ፣ ብየማነይትኻ ኣድሕን እሞ ስምዓና።

መዝ. 59፣4 (60፣4)።

ወንጌል. ነግህ ማቴ.8-16። ቅዳሴ ዮሓ.19፣25-28።

ግ.ሓዋ.5-26-33። ያዕ.3-11። 1ይጢሞ፣5፣9-16።

ቅዳሴ ፣ ዮሓንስ አፈወርቒ

“ በቲ መስቀል ጐይታና መድኃኒና ኢየሱስ ክርስቶስ ዓለም ብእኡ ንዓይ ዝተሰቕለት ኣነውን ንዓለም እተሰቐልኩ እንተ ዘይኮይኑስ ትምክሕቲ ዘበለ ካባይ ይርሓቕ። ” ገላ.6፣14።

ገላትያ ሎሚ ቱርኪ ኣብ ዝበሃል ሃገር ትርከብ ኣውራጃ እያ። ገላትያ ኣብ ሃገረ ቱርኪ ካብ ሰሜን ስጋብ ደቡብ ተዘርጊሑ ዝርከብ እዩ። ብደቡባዊ ክፍሊ እታ ከተማ ናይ ጲስድያ ዝኾነት ኣንጾኪያ፣ ልቆንዮን ልሰጥራንን ደርቤን ዝበሃል ከተማ ኣለዋ። ሓዋርያ ቅዱስ ጳውሎስ ኣብዘን ከተማ ወንገል ክርስቶስ ሰቢኹ እዩ። ግ.ሓዋ.13፣14። ደጊሙ ካልኣይን ሳልሳይን’ውን ተመለላሲ እዩ። ግ.ሓዋ.16፣6።

ቅዱስ ጳውሎስ ዝመሥረታ ናይ ገላትያ ቤተ ክርስትያን ብወንጌል ክርስቶስ ትምህርቱ ዝጸንዐት ነበረት፣ ድሕሪ ቅዱስ ጳውሎስ ብዙሕ ከይጸንሐት፣ ናብታ ከተማ ቢጸ ሓሳውያን ብምምጻእ ናይ ቅዱስ ጳውሎስ ትምህርቲን ሥልጣንን ብምንቃፍ  “ ግዝረት እንተዘይፈጸምኩም ሕጋጋተ ሙሴ እንተዘይሓሊኹ ብኢየሱስ ክርስቶስ ምእማን እኹል ኣይኮነን።” ዝብል ትምህርቶም ስለ ዝኃወኽዋ፣ ቅዱስ ጳውሎስ ኣብ ሮማ ቤት ማእሰርቲ ከሎ እዚ መልእኽቲ ጺሒፉ ብእደ ቲቶ ሰዲድሎም።

ቀንዲ ሓሳብ ናይቲ መልእኽቲ ኣብ መንጎ ኦሪትን ሓዲሽ ኪዳንን ዘሎ ተዛምዶ ኣንጺሩ ብምግላጽ ሰብአ ገላትያ ምጽናዕ እዩ። ኣብዚ መልእኽቲ ኣተኪሩ ብዕምቀት ዝገለጾ ብዛዕባ ጐይታና መድኃኒና ኢየሱስ ክርስቶስ ብመስቀሉ ንደቂ ሰባት ዝገበሮ ናይ ድኅነት ሥራሕ ናይ ኩሉ ሕዝበ ክርስቲያን መመክሒ ምዃኑ ዝገልጽ እዩ።

“ በቲ መስቀል ጐይታና መድኃኒና ኢየሱስ ክርስቶስ ዓለም ብእኡ ንዓይ ዝተሰቕለት ኣነውን ንዓለም እተሰቐልኩ እንተ ዘይኮይኑስ ትምክሕቲ ዘበለ ካባይ ይርሓቕ። ” ገላ.6፣14። እዚ ቃል ስለስተ መሠረታዊ ትምህርቲ ዝሓዘ ኮይኑ ፣ ሓዋርያ ቅዱስ ጳውሎስ ብቃል ጥራሕ ዘይኮነ ካብ ተመክሮ ሕይወቱ ንሰብአ ገላትያ ዝመሃሮ እዩ። እቶም መሠረታዊ ነጥብታት ከኣ ፣

ትምክህተ ኩልነ መስቀል

መስቀል ብጐይታና መድኃኒና ኢየሱስ ክርስቶስ ዝተረኽበ ናይ ድኅነትና ምክልት ፣ኣርማና እዩ። “ ወወሃብኮም ትእምርቲ ለእለ ይፈርሁከ፣ ከመ ያምስጡ እምገጸ ቅስት ወይድኅኑ ፍቁራኒከ። “ ካብ ፍላጻ ጸላኢ ምእንቲ ክድኅኑ ነቶም ዝፈርሑኻ ሰንደቕ ዕላማ ሃብካዮም። ” መዝ 60፡4። መስቀል ናይ ክርስቲያን መመክሒ እዩ። ብመስቀል ዲያብሎስ ተሳዒሩ። ብቅዱስ መስቀል በምክንያተ ኣዳም ዝመጸ ሞት ተሳዒሩ፣ ድኅነተ ዓለም ተፈጺሙ። ብመስቀል ናይ ዘልዓለም ሕይወት ዝኾነ ቅዱስ ሥጋኡንክቡር ደሙን ንደቂ ሰባት ተዋሂቡ። ስለዚ ካብዚ ዝዓቢ ነገር ንክርስትያን መመክሒ ክኸውን ዝኽእል ነገር የለን።

ንሓዋርያ ቅዱስ ጳውሎስ ትምክሕቲ ዝዀኖ ብነገር መስቀል ክርስቶስ ንዓለም ዝተዋህበ ድኅነት እዩ። ብተወሳኺ ኣምላኽና መድኃኒና ኢየሱስ ክርስቶስ ኣብ መዋእለ ሥጋዌ ሓደ ክርስትያን ክህልዎ ዝግባእ ፍኖት ሕይወት ጉዕዞ መከራ መስቀል ምዃኑ ገሊጹልና እዩ። ነዚ’ዩ ከኣ ምስ ክርስቶስ መከራ ምቅባል ማለት ትምክሕቲ ምዃኑ ገሊጹልና።

ናይ ሓደ ንጉሥ ሠራዊት በቲ ንጻላእቶም ብዝሠዓርሉ ዕጥቂን በቲ ትብዓትን ጀግንነትን ይምክሑን እንዳሞጎሱን እንዳድነቁን ይነብሩ። ኣምላኽና መድኃኒና ኢየሱስ ክርስቶስ ከኣ ነቲ ጥንተ ጸላኢና ዝኾነ ዲያብሎስ ዝሰዓረሉ መስቀል ከኣ ንምከሓሉ፣ ንመጻእን ንዘልዓለማዊ ሕይወት ኣብ እንገብሮ ገድሊ ከኣ ዕጥቅና ጌርና ንምክሓሉ። በዚ ከኣ ንሕበን።  

ክርስትና ናይ ኢየሱስ ክርስቶስ መከራ መስቀል ኃይሊ ብምግባር ንሰማያዊ ርስቲ ምስ እግዚአብሔር ንዘልዓለም ንምንባር እንኸዶ ጉዕዞ ሕይወት እዩ።

ካብ ፍትወት ዓለምን ካብ ዝኾነ ክፋእ ጠባያትን፣ ካብ ርኹሳት መናፍስቲ መጻወድያ ንምርሓቕ፣ ኩሉ ጊዜ ኣብ እንገብሮ ኩናት፣ ቅድስና ንምልባስ መንፈሳዊ ሕወይት ንምዕባይ፣ ነዚ ገድሊ ተዓዊትና ንምውጻእ ንኣምላኽና መድኃኒና ኢየሱስ ክርስቶስ ሒዝና፣ ቅዱስ መስቀል መሪሕ ብምግባር እዩ ። መስቀል ኃይልነ፣ መስቀል ጽንዕነ፣ መስቀል ቤዛነ። መስቀል ትምክህተ ኵልነ ፣ ለእለ አመነ።  “ ኣብ ዓለም ጸበባ ኣሎኩም። ግናኸ ኣጆኹም ኣነ ንዓለም ሲዒረያ እየ።” ዮሓ፣16፣33 ።

ዓለም ብእኡ ንዓይ ዝተሰቕለት ፣

“ ዓለም ክበሃል ከሎ ሰማይን ምድርን ኣይኮነን። ናይ ምድራዊ ሕይወት ዝኾኑ ሃብቱን ንብረቱን ሥልጣኑን እዚኦም ዝኣመሰሉ ኩሎም እዮም። ” ቅዱስ ዮሓንስ አፈወርቒ።

እዚኦም ኩሎም ኣባይ ቦታ የብሎምን ሙውታት እዮም። ኣገልግሎተይ መንፈሳዊ፣ ክብረይ ሰማያዊ፣ ሓሳበይ ዘልዓለማዊ ሕይወት እዩ። ንምድራዊ ሕይወት ተድላ ዝደክም ኣይኮንኩም። ብምድራዊ ሕይወት ዝምካሕ እንተዀይነ ናይ እግዚአብሔር ኣይኮንኩን። ብምባል እዩ እዚ ብተግባር ዝነብሮ ሕይወት ምድራዊ ዝገልጾ ቅዱስ ጳውሎስ እዚ።

እዚ ከኣ ከምቲ ኣምላኽና መድኃኒና ኢየሱስ ክርስቶስ ኣብ ወንጌሉ ዘምሃሮ መሠረት ዝገበሮ እዩ። “ ናባይ ዚመጽእ እንተሎ እሞ ኣቡኡን ኣዱኡን ሰበይቱን ደቁን ኣሕዋቱን ኣሓቱን ሕይወቱን ከይተረፈት እንተ ዘይጸልአ ወዲ መዝሙረይ ኪኸውን ኣይክእልን እዩ። መስቀሉ ዘይጸውር እሞ ደድሕረይ ዘይስዕብ ዘበለ ወደ መዝሙረይ ኪኸውን ኣይክእልን።”  ሉቃ. 14፣26-27።    

ክርስትና ቅድሚ እግዚአብሔር ንኣቦን ኣደን፣ ሓውን ሓፍትን፣ ሰብኣይን ሰበይትን ዘየቀድም ምዃኑ፣ በዚ ምኽንያት ፈተና ዋላ እንተኣጋጠሞ ንክርስትናኡ ከቀድም ከምዝግባእ፣  ካብቲ ሓደ መስፈርቲ ንወዲ መዝሙረይ ዘኽይድ መገዲ ምኻኑ ንምግላጽ እዩ። ንኣቦን ኣደን ፣ሓውን ሓፍትን ሰብኣይን ሰበይትን ንምድራዊ ሕይወት መመክሒ ዝገበረ ወዲ መዝሙረይ ክኸወን ኣይበቕዕን እዩ ። ኢሉና።

ብምቕጻል ነዚኦም ምግባር ንኽንክእል ናይ ክርስቶስ መከራ መስቀል ብመንፈሳዊ ኣስተንትኖ ብምዝካር ብዛዕባ ናይ ጐይታና መድኃኒና ኢየሱስ ክርስቶስ ዝነገረና። “መስቀሉ ዘይጸውር እሞ ደድሕረይ ዘይስዕብ ዘበለ ወደ መዝሙረይ ኪኸውን ኣይክእልን።”  ብምባል እዩ። ቅዱስ ጳውሎስ ዓለም ብእኡ ንዓይ ዝተሰቕለት ፣ እዚኦም ናይ ዓለም ሓሳባት ኩሎም ንዕኡ ዘይጠቅሙ ምዃኖም ንምግላጽ እዮ። ቅዱስ ጳውሎስ።

  “ በቲ መስቀል ጐይታና መድኃኒና ኢየሱስ ክርስቶስ ዓለም ብእኡ ንዓይ ዝተሰቕለት ኣነውን ንዓለም እተሰቐልኩ እንተ ዘይኮይኑስ ትምክሕቲ ዘበለ ካባይ ይርሓቕ። ”

ትምክሕቲ ዘበለ ካባይ ይርሓቕ ምባሉ ። እዚኦም ናይ ዓለም ነገር ቁምነገር ዘይሙቕጻሩ፣ እቲ ዝጠቅም ናይ ኣምላኽና መድኃኒና ኢየሱስ ክርስቶስ ኣብ ልዕሊ መስቀል ኮይኑ ንዓን ዝሃበና ድኅነትን ዝተቀበሎ ጸዋእተ መከራ ብልቦኑኡ ኩሉ ጊዜ እንዳ ኣስተንተኖ እዩ።

ኣነውን ንዓለም እተሰቐልኩ

ቅዱስ ጳውሎስ እሱውን ንዓለም ዝተሰቅለ ምኻኑ ኣመልኪቱ እዩ። ኣብ ዓለም ዘለዉ ነገራት ንዓይ ዘይጠቕሙ ዝሞቱ እዮም፣ ኣነ ኸኣ ንዓዓ ዝደክም ኣይኮንኩን፣ ንፍትወታ፣ ንሃብታ ፣ ንሥልጣና ዘይብህግ፣ ንዓለም ዝተሰቀልኩ ዘይጠቅም እየ። ማለቱ እዩ።

ብርሃናተ ዓለም ቅዱስ ጳውሎስ ንሰብአ ገላትያ ዝብሎም “ ትምክሕቲ ኣይሁዳዊ ወይ ኣሕዛብ ስለዝኾንካ ኣይኮነን እንታይ ድኣ ትምክሕቲ ብመስቀለ ክርስቶስ እዩ። ” ነዚ ንምብቃዕ ከኣ ብክርስቶስ ክርስትያን ዘብለና ሓደ ኣብ ውሽጢ ዓለም እንዳነበረና ንመስቀል ክርስቶስ ክንጸውርን ንመከራ ከኣ ዝተዳለና ክንከውን ኣለና።

ንሕና’ውን ኣብ ውሽጢ እዚ ዓለም እንዳነበርና ናብራና ጣዕሚ ንኽህልዎ ፍኖተና ኣሰር አበው እንዳሰዓብና ፣ ኣርማና መስቀል ጌርና ንኹሉ መከራ ዝተዳለና ምስ እንኸውን እዩ። ስለዚ ንዓለም ንንዕቃ ፍትወታ ብምጽላእ ናይ ቅድስና ሕይወት ብምምራጽ ትምክሕትና ብመስቀለ ክርስቶስ ምስ ዝኸወን እዩ።

ኣምላከ ቅዱሳን መድኃኒ ዓለም ኢየሱስ ክርስቶስ ኣብ ኩሉ ድኻምና ደጊፉ፣ ኣሰሩ ሲዒብና መስቀሉ ክንጸውንር ኃይሉ ይሃበና። ወላዲተ ኣምላክ ቅድስተ ቅዱሳን ድንግል ማርያም ብኣማልድነታ ፣ ቅዱሳን መልኣኽቲ ብረዲኦቶም ፣ ጻድቃን ሰማእታት ብጸሎቶም ኣይፈለዩና።  

ወስብሐት ለእግዚአብሔር።

ወለወላዲቱ ድንግል።

ወለመስቀሉ ክቡር።

 

 

Comments are closed.