ቤዛዊት - ራብዓይ ክፋል

ቤዛ ዘይሓሰብቶ ሕቶ ካብ ድያቆን ሰለ ዝረኸብት  ሕልሚ ኮይኑ ተራኣያ ። ዓቢየ ዕደመ ሔዋን በጺሐ ማለት ደዩ ወይስ ጸላኢ ሰናይት መደባተይ  ከሰናኽል ሰለ ዘደልዩ ኣብ ሓጺር ግዜ ካብ ቡዙሓት መንእሰያት ናይ መርዓ ሕቶ ዝቀርበይ ዘሎ እናበለት  ከይተረደኣ ኣብ ገዝኦም በጽሐት። ምስ ማማ ኣብርሀት ከጸንሓ ዘይተጸበየቶ  ሳሚ ምስ ረአየት ቀው ኢላ  ጠመተቶ። ብዕላማ ኮነ ኢሉ ምስ ድያቆን መርሃዊ ክትዕልል ዘገዳፋ ኮይኑ ተሰምዓ። ድሕሪ ሰለምታ ምልዉዋጥ እንታይ ደኣ ገዛ ሓሊፍካ ጸኒሕካኒ በለት ቤዛ ንሳሚ፧

ሳሚ፡ እወ ምስ ፌቨን ዘነበርና  ጉዳይ ምስ ዉዳእኩ ኣቦይ ቀሺ እንጀራ ከምጻሎም ሰለ ዝለዝለኣኹኒ  ከምኡዉን ምስ  ኣቦይ ቐሺ ናይ ዲቁና ክመሃር  ናብ ቤተ ክርስቲያን  ከይደ። ትምህርተይ ምስ ወዳእኩ ከአ ንማማ ኣብርሀት ሰላም ክብላ፡ቡን  ናይ ባሕቲ  ክሰትይ መጽየ። ክሳብ  ሕጂ  ትድንጉዩ  ኣይመሰለንን እምበር ምስ መጻኹኩም ኔይረ። ደሓር ከኣ ኮፍ ከይበልኩ ኢኺ ኣርኪብክኒ።

ቤዛ፡ ሕራይ በል ከምኡ እንተ ኮይኑስ ኣፋ እና ኣሞጣመጠት ።

ማማ ኣብርሃት ፡ ብሓንስብ’ዶ ኣይኮንኩም ጸኒሕኩም ። እንታዩ  ደኣሉ እዚ ዕላልኩም ኣብ ዘተፈላለየ ቦታ ከም ዝጸናሕኩም ዘምስል።  ኣንቲ ቤዛ ምስ ሳሚ ተቋጺርና’ ዶ ኣይበልክንን ።

ቤዛ፡ እወ  በሓንሳብ ኢና  ኔይርና ማሚተይ ግና ሳሚ ስራሕ ሰለ ዘነበሮ ኣብ መንጎ ካባይ ተፋሊዩ ከደ።

ማማ ኣብርሃት፡ ተማራሪሕኩም ናብዛ ገዛ ምስ መጻኹም፡ኣነስ ብሓንሳብ ዝጸናሕኩም መሰለኒ እምበር ።ኣበይ  ዲኺ ጸኒሕኪ ቤዛ ጓለይ፧

ቤዛ ኣርእስቲ ንምቅያር ናይ ማሕበረና  ኣኼባ ሰለ ዝነበረ  ኣብ  እንዳ ማሕበር ገዛ ጸኒሐ በለት። ሳሚ ዝመለሰቶ መልሲ ቅኑዕ ከም ዘይምኻኑ ንኸመልክት  ንቤዛ ከም ዝሓሰወት ንምንጋር ፍሽኽ በለ። ናይ ባሕቲ ቡን ተቀልያ ክሳብ ትዉዳእ ቤዛ ዘይኣመላ ብስቕታ ኣብ ካልእ ዓለም ብኣርምሞ ተዋሒጣ ነበረት። ማማ ኣብረሃት ኩነታት ጓለን ደስ ሰለ ዘይበለን ኣንቲ ቤዛ ጓልይ እንታይ ደኣ ዘይኣመልኪ ሎምስ ሱቅ ኢልኪ በልኣ።ሳሚ ናይ ቤዛ ልቢ  ምስኦም ከምዘየሎ ብኣግኡ ተረዲእዎ  እዩ። ምስ ድያቆን መርሃዊ እንታይ ከም ዝተዛራረቡ ንምዉካስ ንቤዛ ናብ ደገ ከተፋንዎ ሓተታ። ቤዛ እናኣዕለበጠት ሕራይ ኢላ  ኢዳ ኣብቲ ኮፍ ኢላትሉ ዘነብረት ሳሎን ተደጊፋ ቀስ ኢላ ተንስኣት።

ሳሚ ምስ ዲያቆን ኣብ ምንታይ ማዕልቦ ከም ዝረገጹ ከረጋግጽ ሰለ ዝደለየ ካባ ኣፋፌት መዓጾ  ብዙሕ ከይረሓቁ ከለዉ ፡ ናይ ምሳሕ እንግዶት ከመይ ነበረ ኢሉ ሓተታ። ቤዛ  ማማ ኣብርሃት ከይትሰምዖም ሰለ ዝሰግአት ብኢዳ እናኣምልከት ድምጹ ኣትሕት ከብል  ኣመልከተት። ካብ ከባቢ ገዞም ምስ ረሓቁ ኣታ ንስኽስ ምስ ማማ ከተባእሰኒ ዲኻ ዓጢቅካ፡ ንማማ ምስ ደቂ ማሕበር ጸኒሐ ክብላ ከለኹ ምሽ ተሰምዓኒ ኔይራ በለቶ ሓዉሲ ፍሽኽ እናበለት ። ሳሚ ረሲዐዮ እንደየ ከምኡ ከምዝበልኪያ ይቅሬታ በላ።

ምሳሕ እሞ ከመይ ነብረ  ሐተት ሳሚ፤ ምሳሕ  ብጣዕሚ ጽቡቅ ኔይሩ መለሰት ቤዛ። ሓሊፍካ ከመይ ዝበል ዝግኒ ኢና በሊዕና። ክሓተካ እንዶ ድያቆን ሰለምንታይ ንምሳሕ ከም ዝዓደመካ ነጌርካ ነይሩ’ዶ፧ ሓቂ ሳሚ እዚ ሕቶ ከም ዝመጾ ኣቀዲሚ ሓሲብሉ  እዩ። ሰለምታይ ከም ዘተዓደሙ ክነግራ ከም-ዘይደለየ ብሕጽር ዘበል ከረድኣ ንኽዛረብ ኣፉ ከፈተ እሞ  እእእ እንታይ ኣሎ ምስለኪ ቤዛ ሓፍተይ ድያቆን ኣቀዲሙ ሓቲቱኒ   ኔይሩ፡ እታ ሕቶ ግና ንዓኺ ሰለ ትምልከት ንዓኺ ብኣካል ክዛረበኪ ዝሓሽ ኣማራጺ  ኮይኑ ሰለ ዝተሰመዓኒ  ብቀጥታ ንዓኺ ምርክብ እቲ እንኮ ፍታሕ  ምኻኑ ሓቢረዮ። ተፈልጥኒ ኢኺ ዘረባ ምቅብባል  ከም ዘይፈቱ ብፍላይ ኣብ ናይ መዉስቦ ዘበሃል  ጣልቃ ክኣቱ ፍጹም ኣይደልን  እየ።

ቤዛ ዘይተጸበዮቶ መልሲ ሰለ ዝኾነ ኢዳ ኣጣሚራ፡ ዓይና ኣፍጢጣ ጠመተቶ። ኣየ ሳሚ ኣነን ንስኻን ከሙኡ ዲና፧ ተረድእኒ ቤዛ ሓፍተይ ኣነዉን ተዋጠረ እየ እኳ፡ኣብ መዉዳእታ ግና ዝኾነ ሕቶ ካብ አፉ ክትረኽበዮ  ከም ዘለኪ ደምዲመ ። ሕራይ በል እቲ ምስጢር ንዓይን ንዑኡን ሰለ ዝምልከት እንታይ ከም ዝተዘራረብና ኣይነግረካን እየ እንተ ዘብለካ ጽቡቅ’ዶ ምሰተሰመዓካ፧ እንታይ እሞ ክብለኪ እየ ንዓኹም ዝምልከት ጉዳይ እንተ ኾይኑ ደኣ እንተዘይ ነገርክኒ ተመራጺ እዩ። ኪድ ግናይ! ኣነ ናይ ልበይ ነገር ሓቢአልካ ኣይፈልጥን እየ ምሽ  ንስኻ ግና ብዙሕ ነገር ካባይ ዝኸዉልካዮ  ከም ዘሎ ሎሚ ፈሊጠ። ሳሚ፤ ከሙኡ ኣይኮነን ቤዛ ካባኺ ዝሕባእ ምስጢር የብለይን ኣብ ስደት እታ እንኮ መካፍልቲ ሽግረይ መማኽርተይ ከሙኡውን ዝፈትዋ ሓፍተይ ንስኺ ምዃንኪ  ፍለጢ።

በል ሕራይ እንታይ መልሲ ክህቦ ንድያቆን  ትጽበ፧ ኣቲ ቤዛ እንታይ ኢኺ ሕቶ ብሕቶ ትምልስዮ በለ ሳሚ።  በል ቅድሚ ዉጽኢት ርክብና ምስ ድያቆን ምንጋረይ፡ በዘዓባ ድያቆን  እንታይ ዓይነት ሰብ ምዃኑ ሓብረኒ፤ ሳሚ ተረዳዲኦም ኣለዉ ማለት ኢሉ ብልቡ ገመተ። ዘተሓተቶ ሕቶ ከምልስ ሰለ ዘለዎ  ኣፍልጥኡ ብዛዕባ ድያቆን ከምዚ እናበለ ገለጸላ።ድያቆን መርሃዊ ኣመና ጥዑይ ሰብ ምዃኑ ክገልጹ ድያቆናት  ምሉእ በኵሉሄ ኢሎም ከምዝጽውዕዎ ተፈልጢ’ኺ ። ኣብ ቤተ ትምህርቲ ሰንበትና ካብ ዘለዎ መምሃራን እቲ ዘነፍዐ ንሱ እዩ ። ናይ ዲቁና ትምህርቲ ብዝግባእ ኣጻፊፉ ተመሂርዎ እዩ። ካብቶም ኣብ ቤተ ክርስቲያን ዘገልግሉ ድያቆናት እቲ ብቐዳማይ ደርጃ ዝስራዕ ምዃኑ ንስኺ’ዉን ትስሕትዮ ኣይመስለን። ብዓለማዊ ትምህርቲዉን  ብዲግሪ ኣብ ዩኒቨርስቲ ተመሪቁ ንፉዑ ኣካዉንታንት እዩ።ሰለዚ ኣነ ብወገነይ  የዋጻኪ እዩ ምበልኩኺ። ደሓር ከኣ ምስ ድያቆን ምምርዐዉ ካብ ቤት እግዚአብሔር ከይተኣለኻ ምንባር ማለት እዩ። ከም ትፈልጥዮ ብዙሓት ደቂ ማሕበርና ምስ ተመርዓዋ ካብ ቤተ እግዚአብሔር ተፈልየን ብቅድስና ዝጀመርኦ መንፈሳዊ  ጉዕዞ  ተቋሪጹ ኣብ ካልእ ዓለም ዝነብራ ከም ዘለዋ ተስሕትዮ ኣይመስለንን።ሰለዝስ ፍቃድ እግዚአብሔር ኮይኑ ምስ ድያቆን ተጻሚድኩም እንተ ዝርእየኩም  ደስ ምበለኒ። እቲ ዉሳኔ ግና ናባኺ እዩ ዝግደፍ።

ህህህህ ጹብቅ እምበር ግና ዉሳኔይ ሕጂውን ኣብ ቦትኡ እዩ ዘሎ።  እቲ ዝደልዩን ዝምነዮን ደረጃ ከይበጻሕኩ ብዛዕባ መርዓ ክሓሰብ ኣይደልን። ካልኣይ ናይተይ ምርጫ  ኣብ ፍልጠት ፡ብስለት ፡ሃበቲ ዘተመርኮሰ ኣይኮነን። ካብ ልቢ ዝፈትዎ ንሱዉን ካብ ልቢ ዝፈትወኒ ምስ ዝኸዉን እዩ። ንፉዕ ሰባኻይ ሰለ ዝኾነ፡ ጹብቅ ሰለ  ዝዝምር ወይ  ንፉዕ ኣገልጋላይ ሰለ ዝኾነ ንዝለኒ መደብ ኣፍሪሰ ናብ መርዓ ዝሽመመሉ ኣመር የብለይን። ሳሚ ሕራይ ጽቡቅ መደባት ኣለኪ፡ ግና መልሲኺ ጌና ኣይበርሃለይን፤ ምስ ድያቆን ኣብ ምንታይ ማዕልቦ በጺሕኩም ኣሕጽር ኣቢልኪ እባ ንገርኒ። ቤዛ ኣብቲ ጥቃኣ ዘነብረ ገረብ ብሕቆኣ እናተጎዝገዘት ብሕጽር ዝበለስ  ናይ መርዓ መደብ የብለይን ይቅሬታ ኢለዮ።

ኣነ እኳ ተቀዳዲምኪ ሓጺር መልሲ ምሃብኪ ተሃዊኽኪ ምበልኩ  ምስ ማማ ኣብርሃት እንተ ትማኸሪ ጹብቅ መስለኒ ። ማማ ኣብርሃት እዛ ጓለይ ምስ ድያቆን እየ ዘመርዕዋ  ከብላ ብዙሕ ግዜ ሰሚዓየን ኣለኹ እሞ ናይ ማማ ኣብሃት  ሕልሚ ጋህዲ ምኾነለን ኔይሩ መስለኒ።ኣየ ሳሚ ሓወይ ንማማ ዋላ እኳ ዝበለትኒ ንኽፍጽም ድሉውቲ እንተ ኾንኩ ኣብ ከምዚ ዓቢ ዉሳኔ ሕይወተይ ጉዳይ ግን ድሌተይ’የ ዘቀድም።

ኣነ እኳ የገርመኒ እዩ ናይዞም ኣብ ቤተ ክርስቲያና ዘለኹም ኣዉዳት ሓንቲ ጓል መዝሙር ክትዝምር እንተ ሪኢኹም  ወይ  ድራማ ከትሰርሕ እንተ ተዓዚብኩም በቃ ንመርዓ ክትሓትዋ ተቀዳደሙ። ሳሚ እናስሓቀ ከምኡ ኣይኮነን ኩለን መዘምራን ኣይኮናን ዝሕተታ። ደሓር ከኣ ኣመና እንዲኺ ሾኪርኪ. .. ሕጽሪ ገዲፍካ እንታይ’ዶ የወጻኪ እዩ ካብቲ ዘነብረቶ ናይ ሓሳብ ጭንቀት ከገላግላ ሰለ ዝደለየ እዩ   ....ቤዛ ኪድ ሓሳዊ እናበለት ኣግራ ኣዉጣወጠት ክትሃርሞ . ሳሚ ካብቲ ዘነብሮ ርሕቅ ብምባል ናብ  ምኒባስ ዝስቀለሉ ቦታ እናኸደ ኣነ ኸማን መሓተትኩኺ ሓፍተይ ኮንኪ እምበር በላ .. ኣታ ግናይ ከጥፍኣካ እየ በለቶ። ቤዛ እሞ  ጽባሕ ንቅጽላ ድሓን ሕደሪ ። ደሓን ሕደር ሳሚ ሓወይ ጽባሕ ክንቅጽላ ኢና እዛ ዕላል ቻዉ  ኣብ ጸሎትካ ዝክረኒ . ጸሎት ቅዱሳን ቤዛ ...

ድያቆን መርሃዊ ምስ ሳሚ ኣብ እንዳ ኤንተርነት ናይ ኣጋጣሚ ነገር ተራኹቡ እሞ ድሕሪ ኤንተርነት ምጥቃሞም ሻሂ ክሰትዮ ተዋዓዓሉ።ዲያቆን ኣቐድም ኣቢሉ ሰለ ዘዉደኣ ኣስታት 20 ደቃይቅ ንሳሚ  ኣብ መንበር መጸበዪ ዓማዊል ኮፍ ኢሉ ተጸበዩ። ሳሚ ኤንተርነት ተጠቂሙ ድሕሪ ምዝዛሙ ተተሓሒዞም  ናብታ ጥቅኦም ዘነበረት ረጀንሲ እተበሃል ሆተል ጽማቕ ኣቫካዶ ክሰትዩ ከዱ። ኣብ ረጀንሲ  ቅድሚ ዝኣዘዝካዮ ጠለብ ምምጽኦም  ሰልዲ ከትከፍል ሰለ ዝሓቱኻ ድያቆንን ሰሚን ከም ባህሊ ኤርትራዉያን ኣነየ ዝኽፍሎ ክብሉ ድሕሪ ምጭቅጫቆም ኣብ መዉዳእታ ሳሚ ክኽፍሎ ተሰማምዑ ካልእ መዓልቲ ድማ ድያቆን ክኸፍሎ ተረዳድኡ።

ሓሙሻይ  ክፋል  ኣብ ዝመጽእ ሰሙን

ስብሐት ለእግዚአብሔር

ወለወላዲቱ ድንግል

ወለመስቀሉ ክቡር

ቤዛ ናቱ

Comments are closed.