ቤዛዊት  17 ክፋል(ናይ መወዳእታ ወቅታዊ ጽሑፍ)

" እቲ ንህድኣት ዘፍቅር ንኣምላኽ ቀረባ'ዩ ንሱ ምስ ኣምላኹ ብምስጢር ይራኸብ ኣምላኽ ከኣ ንልቡ የብርሃሉ። ክርስቶስ ንጴላጦስ ብህደኣት ኣሕፈሮ ደቂ ሰባት ምስ ዝህደኡ ንትዕቢት ጃህራን ብቀሊሉ ይስዕርዎ"(የሐንስ ኣፈወርቅ) ትብል ጥቕሲ እናኣንበበት ኣብ መዓሙቅ ሓሳባት ተዋሕጠት ። ብፍላይ ምስ ሳሚ ዘለዋ ርክብ  ብሽፋን ርእሰ መትላል ከይከደነት  ብቅንዕና ምስ  ነብሳ ክትላዘብ ጀመረት። ክሳብ መዓስ ንነብሰይ ዘታልላ ሎሚ ሓቀኛ ኦዲተር ናይ ነብሰይ ክኸውን ኣለኒ። ሳሚ ንዓይ እንታ’ዩ ? መንፈሳዊ ሓወይ ? ናይ መጻኢ በዓል-ቤተይ ፡ ምስ ሳሚ ዘለኒ ርክብ መኣዝኑ ሓልዩ ንጹር ኣንፈት ዝሓዝ ድዩ? ። ኣብ ሕውነት ዘተመርኮስ ርክብ እንተደኣ ኮይኑ ሰምንታይ ሓደ ሓደ ግዜ  ልበይ ንሰንሰለት ሕዉነት ክበትኮ ዝደሊ ። ናይ ሕውነት ገመድ በቲኸዮ እንተ ኾይነ  ሰለምንታይ ነጻ ኮይነ  ስሚዕተይ ንሳሚ ዘይገልጸሉ።ስምዒተይ ብዉሽጠይ ቀቢረ  ኣንጻር ስሚዒተይ ብልሳነይ ክዋሳእ መንፈሳዊ ዝሰፈኖ ኣካይዳ  ኣይኮነን ። ጽባሕ ንግሆ እዚ ኣብ ዉሽጠይ ዝቅልቀል ዘሎ ከሰል ሓዊ፡  ረመጽ ተፊኡ  ንመንፈሳዊ ሕይወት እንተ ኣቃጸሎ ካብ ቤተ-ክርስቲያን ክእለ ማለት ድዩ? ያእ ኣይፋልክን ቤዛ ትጋገያ ኣለኺ ነጻ ኮንኪ ምስ ሳሚ ብዘዓባ ስሚዒታትኪ  ተላዘቢ ። ነዚ ኣብ ልብኺ ተኸሲቶ ዘሎ ስሚዕታት ነቲ ኣብ ሓጎስክን ሓዘንክን ተኻፋሊ  ሳሚ ኣተንብህሉ።ስለምንታይ ግን ሳሚ ኵሉ ዝገብሮ መንቅስቃስ እንተ ተዓዚቡ ብቀሊሉ ኣንቢብኒ ክኸዉን ይኽእልዩ። ግና ሰለምንታይ ንሱ ባዕሉ ኣብ መንጎና ዘሎ ርክብ ነጻ ኮይና ክንዕልል በሪ ዘይንኸፈት ። ካብ ባህልና ወጻኢ ዘይንቡር ብጓል ኣንስተይቲ ክልዓል ዘይተለምደ ኣርእስቲ ኣነ ባዕለይ  ክጅምሮ ። ኣይፋለይን .....እናበለት ልሳንን ኣካላታን ንግዜኡ ጸጥ ኣቢላ ካብ ልባ ዝፈልፈለ ሓሳብ ናብ ርእሳ ብምእታዉ ትምርምር ነበረት።  ኣብ ተመስጦ ገይሻ ከላ ካብቲ ዝነበረቶ  ዓለም ዝገላግላ  ተሌፎን ተድሃየት።  ሳሚ ምኻኑ’ዩ ካብ ጁባ ምስ ኣድያም ናብ ካምፓላ ከም ዝመጸ  ነገራ።

ንጽባሒቱ ንግሆ ኣብ ቤተ-ክርስቲያን ኣድያም ምስ ኣቦይ ቐሺ ክትራኸብ ሰለ ዝኾነት ንሳ ጉዳያ ምስ   ኣቦይ ቀሺ ክሳብ ትዉድእ ምስ ቤዛ ናብ ከተማ ገንዘብ ካብ ደሃብ ሸል ዝበሃል ናይ ሓዋላ ትካል ከተምጽእ ከተካይ’ዶ ሓተታ።  ቤዛ ፡ ሳሚ ሓወይ ቁሩብ ይዕርፍ ፡  ናይ ንግሆ ኣብ ገዛ  መጺኹም  ቁረሱ እሞ  ናይ ምሽት ብሓባር ሠለስቲና ዘይንኸይድ በለቶ ። ግድነት እቲ ገንዘብ ሰለ ዝድልየኒ ናይ ንግሆ ከምጾ ኣለኒ ቤዛ  ሓፍተይ በላ። ሕራይ በል ካብ በልካ እሞ ንማሚተይ  እንካ  ሰላም በላ ምስ በለቶ ምስ ማማ ኣብርሃት  ሰላምታ ተላዋወጡ ኣታ  ቡሩኽ ወደይ እንቛዕ ብደሓን መጻኻ ድሕሪ ጽባሕ ናይ ገብርኤል ጸበል ዝገብረሉ መዓልቲ  ሰለ-ዝኾነ ምሳና ሓቢርካ ክትዉዕል ጥራይ ዘይኮነ ባዕልኻ ክትዕጠቀሉ ኢኻ በልኦ ።

ኣድያም ፡ቤዛ በሓቂ ተዓዊቱላ’ዩ ንዓኻ ሓዊ ምርካባ። ክሳብ ክንድዚ ተገዲሱ  ብመንፈሳዊ ሕይወት ኽትዓቢ ዝሕግዘካ ሓዊ ክትረክብ እቲ ዝበለጸ ሕያብ ካብ እግዚአብሔር’ዩ ።

ሳሚ፡ ኣነ እምበር ዕድለኛ ኣቲ ኣዱ ሓፍተይ ከም ቤዛ ዝኣመሰላ ከምኡዉን ከማኺ ቅዱሳን  ኣሕዋት ኣብ መንፈሳዊ ጉዕዞይ ዝድግፋኒ ሰባት  ምርካበይ ንኣምላከ ቅዱሳ ብጣዕሚ የመስግኖ።

ኣድያም፡ ክገርመካ ሎሚ  ንፈለማ ግዜ ማዕረ ቤዛ ሰሪዕካኒ በለት  እናሰሓቀት ። ግና ሓቂ ተዛረብ ሳሚ  ንቤዛ ንመጻኢ ክትኮነካ ትምነያ ኢኻ ምሽ?

ሳሚ፡  ኣዱ ክሳብ ሎሚ ኣይኣመንክንን ዘለኺ ።ናተይ ናይ ቤዛን ርክበን ከይሓባእኩ ካብ ክልተ ግዜ ንላዕሊ ይዕሊለኪ መስለኒ። ምስ ቤዛ ካብ ሕውነት ሓሊፉ ዝሰገረ ርክብ የብልናን። ኣብ ቤተ-ክርስቲያን ዝፈልጦም ኵሎም ሰባት ብመንፈሳዊ ዓይኒ እንተዘይኮይኑ ብኻልእ መንገዲ ክፈልጦም ኣይደለን’የ። እዛ ኣርእስቲ ኣርባዕተ ነጥቢ ንግበረላ ካብ ሎሚ ንድሓር ኣይነልዕላ።

ኣድያም፡ እንታይ ደኣ እሞ ኣይትሕረቅ እባ ። ማለተይሲ ከምዚ ኢለ ክሓተካ ዝደፋፍኣኒ ቀንዲ ምኽንያት ብቀዳማይ ኣብ ሆቴልና ሓደ ወዲ ምስ ረኣየካ እዚ ድያቆን ንሓንቲ ጽብቅቲ  መንፈሳዊት  ጓል ራሕሪሑ ንጁባ መጽዩ እናበለ ይዕልል ሰለዘነበረ’የ።  ኣብ መንጎ ክልቲኹም ሰባት ኣትዮም  ከም ዝባእስኹም ክዛረብ ሰለ ሰለ ዝሰማዕኩ’የ ።

ሳሚ፡ ኣዱ ሓፍተይ ሰባት ድሌቶም ክዛረቡ ይኻእሉ’ዮም ። ኵሉ ሰባት ዝተዛረብዎ  ኣብ ኣእምሮይ ሰኼዐ ብዘዓባይ ዝተዘርበ ኣርእስትታት ከስተንትኖ  ብዓለይ ንነብሰይ ንጭንቀት ክዕድም ግዜ የብለይን ። ሰባት ካብ ብቃል ኣምላኽ ክዛረቡ በዘዓባ ሰባት ክዛረቡ ሰለ ዝምርጹ ሰብ እንታይ በለ ዝብል ኣመር ብዝተኻኣለኒ መጠን ካብ ጥቃይ ከቅርቦ ኣይደልን። ኣነ ምስ እግዚአብሔር ዘለኒ ርክብ ብኸመይ መንገዲ የመሓይሾ ፡ እግዚአብሔር ዝፈትዎ ስራሕ ክሰርሕ ንነብሰይ ወትሩ ይምሕጸና ፡ ቃላት እግዚአብሔር ደገፈይ፡ ዋልታይ ክኸውን ይብህግ ፡ ኣሰር ቅዱሳን ክስዕብ ዝቃለስ ዘለኹ ምጉዱር ንኡስ መጓሰ እየ ፡ ሰለ ሰመይ ጸለመ ወይ ክብሪ   ክፍትሽ ግዜ የብለይን። ኣዱ ሓፍተይ  ናይ ክርስቶስ  ጸሎት ተባሂላ ትስመ ጸሎት  እንታይ ከም  ትብል ትዝክርያ ኢኺ ምሽ?

ኣድያም፡ ይቅሬታ ሳሚ ሓቅኻ ግና ከም ሰብ መጠን ሰባት ሰሌኻ ዝኾነ ክዉርዩ፡ ብፍላይ ኣሉታዊ ዉጽኢት ኣብ ሕይወትካ ክስዕብ ንዝእል ዕላላት ኣቀዲምካ ክትከላኸለሎም ጸቡቅ ኮይኑ ሰለ ዝተሰመዓኒ’የ። ንኣብነት ንስኻ ድያቆን ሰለ ዝኾንካ ሰባት ብዘዓባኻ ሕማቅ ወረ እንተ ኣንፊሶም  ኣብ ቤተ-ክርስቲያን ትግብሮ ኣገልግሎት ክጸልዎ ይኽእል’ዩ። በዓል’ዚ ዲያቆን ንሰባት እናኣታለሉ ከመይ ጌርም ኣብ ቅድሚ ሰባት ወጽዮም ይምህሩ  ክቡሉ ይኽእሉ’ዮም ። ድሓን ንሎሚ ንግደፋ እሞ እዛ ኣርእስቲ፡ ናብታ ዝሓተትካኒ ክመልስ እታ ጸሎት “ ክርስቶስ ወዲ ኣምልኽ ኣነ ሓጢያተኛ እየ’ሞ መሓረኒ “ እንድያ ትብል ሓቀይ።

ሳሚ፡  ቅኑዕ ኣለኺ፡  እዚ ጸሎት ገዳማዉያን ኣቦታት ቅድሚ ጸሎት መጅማሮም ድሕሪ ጸሎት ምዉድኦም፡ ኣብ ግዜ ጉዕዞኦም፡  በይኖም ኣብ ዝኾንሉ እዋን ፡ ኣብ ግዜ  ኣብ ዝዕረፍሉ  እዋን  ደጋጊሞም ይጽልይዋ ። ብጣዕሚ ዝፈትዋ ጸሎት’ያ ።  ምስ ቤዛ ኣብ ንራኸበሉ ቅድሚ  ሰለምታና ምልውዋጥና እዛ ጸሎት ነዕርጋ  ድሕሪ ምፍልላይና ከኣ ብሓባር ንደግማ።

ኣድያም፡ ሓቅኻ ኣለኻ መጀምርታ ክደጋግማ ምስ ሓበርካኒ ኣሰልችያትኒ ኔይራ ። ጽንሕ ኢለ ከስተንትናን ከስተማቅራን ምስ ጀምርኩ ኣብ ሕይወተይ ዓቢ ለዉጢ ክምጽእ ጀሚረ ። እግዚአብሔር ጐይታ ሰራዊ ሰባት ትሕቲ ኢሎም ምስ ዝቀርብዎ ኣብ ሕይወቶም ለዉጢ ከም ዘምጽእ ፡ ኣብ ልቦም  ከም ዝሰፍር  እዛ ጸሎት ብግብሪ ሚሂራትኒ ። ብመንፈስ ክደኪ ካብቲ ናይ ሓያላን ሓያል ልዑል እግዚአብሔር መንፈሳዊ  ርድኢት ከናዲ ሓጊዛትኒ፡ ትዕቢት ካብ ኣካላተይ ከወግድ፡ ክርሕቅ ምርኩስ ኮይናትኒ።

ሳሚ፡ ንሱ’ዩ እቲ ሓቂ ኣድያም  ። ንአብነት ካብ ነቢይ ሙሴ ንላዕሊ ናይ ዘረባ ክእለት ዘነበሮም እስራኤላዉያን ብዙሓት ኔሮም ። እግዚአብሔር ኣምላኽ ግና ነቲ ኮልታፍ ናይ ሙሴ መልሓስ ዘምረጸ ፡ነቢየ ሙሴ ንኣምላኹ ቀረባ ሰለ ዝነበረ’ዩ። ከምኡዉን ካብቲ  ንኡስ ሕፃን ጓሳ ፡ ልቢ ኣምላክ ቅዱስ ዳዊት ብሥጋ ዝሕይሉ ኣሕዋቱን ደቂ ዓዱን ማእለያ  ኣይነበሮምን  እግዚአብሔር ኣምላኽ ግና  ነቲ ብዓይኒ  ሰባት ሕፃን ዝኾነ  ኣብ ቅድሚ እግዚአብሔር ግና ንኡድ ዝነበረ  ጓሳ ዳዊት ሓርዩ። በተመሳሳሊ መንገዲ ጌዶውን፡ ነብያት ፡ ሓዋርያት ኣብ ቅድሚ እግዚአብሔር ልቦም ኣንኢሶም መንፈሶም ኣድኪሞም  ሰለ ዝቀረቡ ንተልእኮ ክጽዉዑ  በቂዖም። ኣዱ ሓፍተይ ናይ ጽባሕ መደብና ከምቲ ዝተሰማማዕናሉ’ዩ ኣብ ቦትኡ’ዩ  ዘሎ ሓቀይ ።

ኣድያም፡ ሳሚ ተሰኪፍካ ኣለኻ መስለኒ።  ካብ ምስ ኣኮይን ንቅንይ ዋላ ኣብ ሆቴል መደቀሲ ዘይንሕዝ ። ነናትና ሩም ንሕዝ ፡ ክገርመካ ኣብ እንዳ ሰብ ምሕዳር ብጣዕሚ’ዩ ዘሰክፈኒ ። ድሓር ከኣ  ጽባሕ ንግሆ ተንሲኢና ናብ ቤተ-ክርስቲያን ምኻድና ኣይተርፍን’ዩ። ካብ ምምልላስ ናብዝን ናብትን   ንስኻ ትድሕን።

ሳሚ፡ ኣዱ ሓፍተይ ደሓን ከምቲ ኣቦኺ ሓደራ ዝበሉኒ  ኣብታ እንዳ ዘምድኪ ከብጽሓኪ’የ  ታኽሲ ተኻናቲረ ። ንዕሩኽተይ እመጽእ ከም ዘለኹ  ምስ ሓበርክዎም ክንጽበየካ ኢና ሰለ ዝበሉኒ ናብ ይዕሩኽተይ ግድነት ክኸይድ’የ ኣነ ።

ኣብ ካምፕላ ምስ ኣተዉ ታኽሲ ተኻናቲሮም ናብቲ እንዳ ኣኩኣ ከዱ። ኣድያም  ኣብቲ ገዛ ብዙኅ ክጸንሕ ኣደልን’የ ቀልጢፈ  ግምጥል ኢለ ክዉጽእ’የ በላ ። ኣድያም፡ ሕጅስ ከኣ ኣብዚሕካዮ ነብስኻ ተሓጽብካ ፡ ድራር በሊዕካ ትኸይድ ። ኣየ ሳሚ ስኩፍ ዜጋ  ክሳብ ክንዱኡባ ኣይትሰከፍ ። ከምኡ ኣይኮነን  ደሓር ኣነ ስክፍታ ኣይፈልጥን’የ ።  ደኺመ ሰለ ዘለኹ ድቃስ በዛ ዓይነት ክትነጥር ሰለ ዝደለየት  ክድቅስ ሰለ ዝደሉኹ’የ። ኣብቲ ገዛ እሞ ትዕርፍ ባባ ምሽ ተስመዖ ኔርካ  እቲ ገዛ ገፊሕ ሰለ ዝኾነ መደቀሲ ገዛ ክዳልዉልና ኣቀዲሞ ሓቢሮም’ዩ።ሳሚ፡  ማሕዳር’ኳ ፈጺምካ ዘይከዉን’ዩ ኣይትሕሰብዮ ከማን ።እንተ ደራር ደሓን ደስ ክብለኪ  ግና  ብሓብር ንበልዕ ተባሃሂሎም ተራዳዲኦም  ኣብቲ ገዛ ኣተዉ። ድሕሪ ድራር ሳሚ ንኣቶ ተኬኣ እሞ ኣቦ ኣነ ክኽይድ ኢሉ ብድድ ምስ በለ   ያእ ኣይፋልካን ሕድሪ ኣንጭዋ ከይኮነኒ ምስ ኣቦ ኣዲያም ከይተባእሰኒ ሓደራ ንኽልቲኦም ዝኸዉን ገዛ መደቀሲ ኣዳሉ ሰለ ዝተበሃልኩ  ኵሉ ኣዳልየልኩም’የ ምሳና ኢኻ ትቅንይ። ሳሚ ብዙሕ ምኽንያት ኣምጺዩ  ክኽየድ እንተ ፈተነ ያእ ኣይፋልካን ብምባል ኣብቲ ገዛ ንኽሓድር ኣገደድዎ።

ሳሚ ኣብቲ እንዳ ሳሎም ኮፍ ኢሊ ነታ ተውሊዓ ዘነበረት ናይ ፍቁራት ፊልም ኣሌግራ ትብል ክከታተል ከሎ ኣድያም ኣካላታ ተሓጺባ ናይ መደቀሲኣ ብጃማ ተኸዲና ተጸንበርቶም። ኣቦይ ተኬአ ጽባሕ ኣንጊሀ ክትስእ ሰለዝኾንኩ ክሓድገኩም ብምባል ናብ መዕረፉ ቦትኦም ከዱ። ኣድያም ጓለይ ኵሉ ኣጠፋፊእኩም ደቅሱ ኢሎም ተሰናበትዎም።

ንኣቶ ተኪአ ብርሃን ከይርብሾም ብምባል ነቲ ብርሃን ናይቲ እንዳ ሳሎን ብምጥፋእ  እታ ፊልም ክልቲኦም ምክትታሎም ቀጸሉ ። ኣብቲ ፊልም ዝካየድ ዘነበረ ኩነታት ከምዚ ክኽዉን ኔርዎ ያእ ኣይፋሉን እባ እናተባሃሃሉ ክካትዑ ድሕሪ ምጽናሕ ኣድያም ካብቲ ዘነበረቶ ሰፈር ገዲፋ ኣብ ጥቃ ሳሚ ኮፍ በለት። ሳሚ ኣብ ተመስጦ ናታ ፊልም ተዓዚሩ   ከሎ ኣድያም ካብቲ መተርኣስ ናይቲ ሰሎን ሲሒባ ኣብ ሰለፍ ሳሚ ተተርኢሳ እግራ ኣሳፊሓ ነታ ፊልም ተካታተል ነበረት። ብሓባር እናሰሓቁን እናተጸወቱ ከኣ ነታ ፊልም ናይ በሓቂ ክፍተውኻ ዝኾኑ ፍቁራት በሉ። ኣድያም  ናብ ሳሚ  ገጻ ጠመተት እናሰሓቅ ከኣ  ከምዚ ዓይነት ኣፍቃሪ ወዲ እንተ ዝረክብ ልክዕ ከመዛ ንርእያ ዘለና ፈሊም ነቲ ኣፍቃሪኣ  ፍዮሪ ክህባ ምስ መጸ  ዝሰዓመቶ ዋላ ኣነ  ምሰዓምክዎ በለት  ። ሳሚ መዋዳእታ ናይታ ፊልሞ ክከታል  ሃሙን ቀልቡን ናብታ ፊልም  ሰለ ዝኣተወ ዘረባ ናይ ኣድያም ግዲ ኣይገበረሉን ።ኣድያም  ኣካላታ ምቆት ክሰምዓ ተፈለጣ፡ ንላዕሊ ኣንቃዕሪራ  ምስ ጠመተት ሳሚ ክምስ በላ። ንሳሚ በሃገቶ፡  ነቲ ዘነበረ ኩነታት ተጣቂማ ስጋዊ ድሌታት ክትፍጽም ዉሽጣ ቀስቀሳ። ኢዳ ኣብ ሳሎን ተደጊፋ ሓፍ ኢላ  በድድ ምስ በለት እታ ኣብ ኣፍ ልቢ ሳሚ ተንጠልጢላ ዘነበረት  ብጫ መስቀል ከም ዑንቂ ከትብርህ ምስ ረኣየታ ካብታ መስቀል ዝወጸ መስታ ርእሳ ኣብ ክልተ ጨደዶ፡ በስመ ወወልድ መንፈስ ቅዱስ “ ኣ ክርስቶስ ወዲ ኣምላኽ ኣነ ሓጢያተኛ’የ መሓረኒ “ በለት ሳሚ ድሓን ሕድር ብምባል ቅልጥፍ ቅልጥፍ እናበለት ናብ መደቀሲኣ ተዓዝረት ። ሳሚ ንዕባ ወድእያ ኣብ ኣጋ መፈጸምታ  ናበይ ትኸዲ በላ። ይትረፈኒ ርእሰይ ሓሚመ ሰለ ዘለኹ  ደሓር ከኣ ድቃስ መጺኒ ኣሎ ምስ ወድኣት ኣጥፊእካያ ደቅስ ብምባል “ ርሃቕ እምንየ ሰይጣን ኣ ክርስቶስ ወዲ ኣምላኽ ኣነ ሓጢያተኛ’የ መሓረኒ” እናነብዓት ጸሎታ ኣዕረገት ።

ንጽባሒቱ ንግሆ ሳምን ኣድያምን ብሓባር ድሕሪ ምቁራሶም ተተሓሒዞም ናብ ቤተ-ክርስቲይን ቅዱስ ገብርኤል  ኣምርሑ። ኣድያም ሳሚ ሓወይ ክሳብ ንጁባ ብሓባር ንምለስ ንስኻ ምስ ይዕሩኽትኻ ይሕሸካ መስለኒ ካብ ሎሚ ምስ ይዕሩኽትኻ ሕደር በለቶ   ።  ኣነ ንኣኮይ ብስክፍታ ዝኣክል ቃሕ ኢልካ ከም ዝሓደርካ  ክሕብሮ’የ በዘዓባ ኣኮይ ስክፍታ ኣይሃልኻ በለት ። እንታይ ደኣ ሃንደበት ከምዚ ትብሊ ኣለኺ እንታይ ዝተፈጥረ ጉዳይ ኣሎ ድዩ ኣብቲ ገዛ። ዋላ ሓደ ነገር የለን ትማሊ ብጣዕሚ ተሸቁሪርካ ሰለ ዝረኣኹካ’የ ኢላ እቲ ሓቂ ዝኾነ ነገር ንካልእ መዓልቲ ክትነግሮ ወጠነት።

ሳሚ ንኣድያም ምስ ኣቦይ ቀሺ ገዲፍዋ  ናብ በዓል ማማ ኣብርሃት ኣምርሐ። ምስ ማማ ኣብርሀት ን20 ደቃቅ ድሕሪ ምዕላል ምስ  ቤዛ ተታሓሒዞም ናብ ከተማ ገጾም ኣንፈቱ። ምስ ቤዛ ብዘዓባ ቤተ-ትምህርቲ ሰንበትን ፡መንፈሳዊ ሕይወት ኣብ ጁባ ድሕሪ ምዕላል ኣብታ ቤዛ ትፈትዋ ቤት-ቁርሲ ናንዶስ ሻሂ ከስትዩ ኣተዉ ።

ሳሚ ከምቲ ናይ  ቀደምና ሕቶን መልስዶ ንጻወት በለት። ሓቂ ተዛረቢ እንታይ ኢኺ ጥዉይ ውይ ተብዝሒ ክትሓትኒ ዝደለኺ ነገር ኣሎ ሓቀይ ?

ቤዛ፡ ክርትም ኢላ ሰሓቀት መቸም ሸለል ምባል ኣይትፈልጥን ኢኻ። በል ከምቲ ዝበልካዮ ሓቅኻ ኣለኻ። ሳሚ ሓወይ ቅድሚ ሕጂ ክዕልለካ  ይደሊ ኔይረ ግና ግርህ ኢላ ክሓተካ ኣደፈርኩን። ብዝተፈላለየ መንገዲ ተጠቂመ ምልክታት ኣርእየካ ንስኻ ግና እንተስ ብፍላጥ እንተስ ብዘይ ፍላጥ ነቶም ኣብ ገጸይ ዝተጻሕፉ ፊደላት ከተንብብ ኣይከኣልካ። ሰለዚ ሎሚ ነጻ ኮይና ንዕልል ሽፍን ፍን ዘይብሉ ። ደሓር ከኣ ከምቲ ዝሓበርኩካ ናብ ካናዳ ንኸደሉ መዓልቲ እናተቃረበ’ዩ ሃንደበት ተበገሱ ክንበሃል ንኽእል ኢና። ሳሚ ሓወይ  ርክብ ናይ ክልቲና ኣብ ሕውነት ዝተመርኮስ ጥራይ ደዩ ከመዩ ምርዳእ ኣቢኒ።

ሳሚ፡ እንታይ መስለኪ ቤዛ እዛ ሕቶ ቅድሚ ምምላሰይ መደባት ሕይወትኪ ክትሕብርኒ ክውከሰኪ’የ ።

ቤዛ፡ ከምቲ ዝሓብርኩኻ’ዩ ቅድሚ ሕጂ’ዩ ትምህርተይ ክመሃር’የ ዝደሊ ። ረሲዓዮ ከይነገርኩኻ  ከኣ ቶፍል ናይ እንግሊዝ ፈተና 25/30 ኣምጽየ ኣለኹ ኣቨረጅ።  መዲካል ድክቶር ወይ ስይካትሪ ክመሃር’የ ዝደሊ።

ሳሚ፡ እሞ እንተ ወሐደ 7 ዕመት ክወስደልኪ’ዩ ማለት’ዩ።

ቤዛ፡ እንታይ ጸገም ኣለዎ እሞ ንናተይን ናትካን ርክብ ብኸምይ መገዲ ይጸልዎ ።

ሳሚ፡ ቤዛ ዝፈትወኪ ሓፍተይ ኢኺ ። ናይ ኵሉ ግዜ ሓፍተይ ክትኮኒ ይደሊ። ከምዚ ክብለኪ ከለኹ ካብ ሕውነት ወጻኢ፡ ናይ  መጻኢት ካልኣየተይ ክትኮኒ ዝሓሰብክሉ እዋናት የለን ማለት ኣይኮንኩን። ዝበዝሓ ግዜ ግና  ዝፍቅራ ሓፍተይ ኣብ ስደት ምርካበይ ንኣምላኽ የመስግኖ ።ኣብ ስሚዒት ተመርኪሰ ብዘዓባ ጽባሕ ክዉጥን  ኣይደልን ። ናይ ዉላድ ባህጊ ኣለኒ እግዚአብሔር ኣምላኽ እንተ ፈቂድዎ ቀልጢፈ ክወልድ ይድሊ ። ናተይን ናትክን መደባት ዝዛመዱ  ኮይኑ ኣይስመዓን ።እንታይ የጋጥም ብዘየገድስ ግና እግዚአብሔር ዝፈቀዶ ነገር  ኵሉ ኣብ ሰዓቱ ክኸውን ምዃኑየ ዝኣምን።

ቤዛ፡  ክገርመካ ሕጂ ብጣዕሚ  ፎኺስኒ ሓቅኻ ኣለኻ ኣነዉን ዝተፈራረቀ ስሚዒት’ዩ  ዘለኒ። ናተይ ክትክዉን ይድሊ ከምቲ ሰባት ኣብ ማኅበርና ዝዉርይዎ ክኾነለይ ይብህግ። ብኣኻ ብጣዕሚ ኩሩዕቲ’የ ።ናይ መጻኢ መደባቶም ሓደ ብሓደ ብደቂቅ እናተዘራረቡ ኣብ መንጎ ዕላሎም  ኣድያም ንሳሚ  ናብ ቤተ-ክርስቲይን ንኽመጻ ሓተተቶ ። ነቲ ዝተቀረበ መኣዲ በሊዖም   ተተሓሒዞም ናብ ቤተ-ክርስቲያን ኣምርሑ።

ድሕሪ ክልተ መዓልቲ ኣድያምን ሳምን ጸበል ናይ ገብርኤል ክሳተፉ ኣብ እንዳ ማማ ኣብርሀት ተራኽቡ። ማማ ኣብርሀትን ቤዛን ጻዕዳ ኽዳን ተኸዲነን ፡ ግርማ ዘለዎ ቁኖ ተቋኒነን ንጸብል ቅዱስ ገብርኤል ንምኽባር ዝተፈላለየ ዓይነት  መግቢ ኣዳለዋ። ቤዛ ጻዕዳ ክዳን ክትክደን ከኣ ፍሉይ ጽባቀዩ ዝፈጥረላ። ብፍላይ   እቲ ተቆኒናቶ ዘነበረት ቁኖ ምስቲ ጻዕዳ ክዳን ተደሪቡ ድምቅቲ  መርዓት መስከረም ኣምሰላ። ኣቦይ ቅሺ ምስ  በዓል ዲያቆን ክብሮም ፡ ዲያቆን በረኸት ፡ ዲያቆን መርሃዊ  ኣሰኒዮም ነቲ መኣዲ ባረኽዎ ። ነቲ ዝተቀረበ ሽሻይ እናበልዑ ነቲ መዓልቲ ዝምልከት ሰፊሕ ትምህርቲ መሃሩ። ቅድሚ ጸሎት ምዕጻዎም ንማማ ኣብርሃትን ቤዛን እቲ ዝገበርኦ  ኣብ ቅድሚ እግዚአብሔር ቅቡል ምኻኑ ፡ መልኣኽ ቅዱስ ገብርኤል ሓላዊኣን ኣብ እምነትን ክጽንዓን መረቅወን። ማማ ኣብርሃት፡ ኣቦይ ቀሺ  ቅድሚ ብጸሎት ምዕጻዉኩም ንሳሚ ዉደይ ኣብ ቅድሚኾም ዝህቦ ሕያብ ኣላትኒ እሞ ባሪኽኩም ከትህቡለይ ኢለን ክልተ መዕተብ ብብሩር ዘተሰርሐ ካብ ዉሽጢ ገዝኣን ኣምጽኣ ኣብ ቅድሚ መጋቢ ኣዕላፍ ኣቀመጥኦ ። ኣቦይ ቐሺ ንቤዛን ንሳምን ኣብ ቅድሚኦም  ክቀርቦ ድሕሪ ምጻዋዕ  እዚኦም ክልተ  ብሩኻት ደቀይ ኣብ ቅድሚኹም ደዉ ኢሎም ዘለዉ ታሪኹም ተፈልጥዎ ኢኹም ዳርጋ ኵሉ ሰብ ብጽንዓቶም ብትሕትንኦም ተወፋይነት ንቤተ-ክርስቲያን ዘለዉ ቅንኢ ይፈልጥ’ዩ።  ኣነዉን ከም ኣብኦም መጠን ብቀረባ ኵሉ  መንገዶም ይከታተሎ’የ።  ሳሚ ወደይ ንዲ.መርሃዊ ዝያዳ ነብሱ ሰለ ዝፍቀረ ንጁባ ክኽየድ ተገዲዱ’ዩ ። ቤዛውን ብናይ ትዕቢት መንፈስ ከትይሓንቀት  ምሳይ ምስ ኣቡኣ እንተማኸረት ኵሉ ዘጋጠማ ተጻብኦታት ሰጊራቶ’ያ። ነዛ ቆልዓ ዝርኣያ ሰብ እንተስ ንዓኣ ብኣካል እንተ በኣይ ክንደይ ሰባት ንመዉስቦ  ዘይሓተትዋ ። ግና ኵሉ ብመንፈሳዊ መንገዲ ምሳይ ኣናተማኸረት ምስዚ ቡሩኽ ወደይ  እናተላዘበት ጸገማታ ክትፈትሕ ጸኒሓ ።ከም ወትሩ ድሕሪ ሕጂውን ንዝገጥሞም ፈተና ምስ ኣበ ነፍሶም እናተማኸሩ ንኽስግርዎ እዚ ናይ ሎሚ ማዕተብ ምስክርነት ጥቡቅ  ሕውነቶም እንትገልጽ ህያብ  ናይ  ማማ ኣብርሃት ኣብ ክሳዶም ይንብረሎም፡  ብምባል ባሪኾም ኣብ ክሳዶም ኣንጠልጠልሎም። እግዚአብሔር ኣምልኽ ዝመጽእ መደባቶም የቃንዓሎም ኢሎም ጸሎት ፈትሓት ድሕሪ ምሃብ ብጸሎት ተፈላለዩ።

 

ስብሐት ለእግዚአብሔር

ወለወላዲቱ ድንግል

ወለመስቀሉ ክቡር

እግዚአብሔር ኣምላኽ እንተ ፈቂድዎ ነዛ ኣብ ሓቀኛ ዛንታ ዝተመርኮሰት ታሪኽ ኣብዚ መርበብ ናይ ተዋሕዶና  ወይ ብመልክዕ መጽሓፍ   ዝቅጽል ጉዕዞ ናይ ዲ.ሳሚ፡ቤዛ፡ ኣድያም፡ ዲ.መርሃዊ ኣበየና ኩነታት ከም ዝበጽሓ ነቶም ሰባት ተወኪስና ክንቅጽሎ ክንፍትን ኢና። ዝኾነ ዝህልወኩም ኣሉታዊ ወይ ኣወንታዊ ርኢቶ ብኤመይል ክትጽሕፉልና ንላቦ። እዛ ታሪኽ ብስሩዕ ግዚኣ ሓልያ ሰሙናዊ  ዘይምውጽኣ  ኣቐዲምና ይቅሬታ ንሓትት።

ይትባረክ ኣምላከ ኣበዊነ!!

ቤዛ-ናቱ

 

 

 

 

 

 

 

Comments are closed.