ቤተ-መቅደስ እግዚአብሔር 4ይን ናይ መወዳእታ ክፋል

ቤተ መቅደስ እግዚአብሔር ክንኣቱ ከለና ክንገብሮም ዘለና ምድላዋት

. ኣብ ዙርያ ቤተመቅደስ ዘለዉ ቅዱሳት ኣሣዕል ብኽብሪ ምስጋድ።

ኣብ ዙርያ ቤትመቅደስ ኅልናና ናብ እግዚአብሔር ዝመላለሱ ዝተፈላለዩ ቅዱሳት ኣሣዕል ኣለዉ። እዚኦም ቅዱሳት ሥዕላት እንተ ኣኽቢርናዮም  ወናኒ ናይቲ ሥዕሊ ብምሕሳብ ዝግባእ ክብሪ እንተሂብናዮም  ካብ እግዚአብሔርን ቅዱሳን ኣገልገልቱን ካብ ቅድስቲ ቤተክርስቲያን በረኸት ንቅበል።

  1. ቅዱሳት ኣሣዕል ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ

ቅዱሳት ኣሥዕል ኣብ ቤተ መቅደስ ክስኣሉን ክቅመጡን ክንሰግደሎም ዝፈቀደ እግዚአብሔር ኣምላኽ እዩ።

ዘጻ.25፡19 “ ሓደ ኪሩቤል ኣብ ሓደ ወሰን ካልኣይ ኪሩቤል ከኣ ኣብቲ ኻልኣይ ወሰን ግበሮም ነቶም ኪሩቤል ምስቲ  መኽደን መተዓረቒ  ሓደ ኾይኑ ብኽልተ ወሰኑ ግበርዎም። እቶም ኪሩቤል ከኣ ንሓድሕዶም ገጽ ንገጽ መሊሶም ኣኽናፎም ልዕል ኣቢሎም ይዘርግሑ። ነቲ መኽደን መተዓረቒ ድማ በኽናፎም ይኸውልዎ ገጽ እቶም ኪሩቤል ናብቲ መኽደን መተዓረቒ የብል።  “

ሊቀ ነብያት ሙሴ ኣብ ልዕሊ መኽደን መሕደሪ ታቦት መተዓረቒ  ንኽሰርሕ ዝተኣዘዘ ናይ ኪሩቤል ( ናይ ቅዱሳን መልኣኽቲ) ሥዕሊ እዩ። ህዝበ እስራኤል ኣብ ፊት ቅድሚ ታቦቱ ዘለዎ ድንኳን ክሰግዱ እግዚአብሔር  ኣብቲ መኽደን መተዓረቒ  ኣብ መንጎ እቶም ኣብ ልዕሊ ታቦት ምስክር ዘለዎ ክልተ ኣሣእል ኪሩቤል  ተገሊጹ  የዘራርቦ ኔሩ።

“ ኣቡኡ ድማ ንዓኻ  ክግለጸልካ እየ ካብቲ መኽደን መተዓረቒ ካብ መንጎ እቶም ኣብ ልዕሊ ታቦት ምስክር ዘለዉ ኽልተ ኪሩቤል እቲ ንደቂ እስራኤል ኢለ ዝእዝዘካ ኹሉ ኽነግረካ እየ። “  ዘጻ.25፣22።

“ኣብ ቅድስተ ቅዱሳን ኣብቲ ቤት ራእይ ዓሰርተ እመት ዝቑሞቶም ክልተ ኪሩቤል ካብኦም ኣውሊዕ ገበረ። ……  ነቶም ኪሩቤል'ውን ድማ ብወርቂ ለበጦም “ 1ይነገ.6፣23።

1ይነገ.6፣29“ ኣብ ኩሉ መንደቕ እቲ ቤት ብዙርያ ድማ ብውሽጥን ብግዳምን ናይ ቅርጺ ምስልታት ኪሩቤልን ስየን ክፋት ዕንባባታትን ቀረጸ”

 ንጉሥ ሰለሙን ቤተ መቅደስ ክሰርሕ ኣብ ውሽጥን ደገን ናይ ቅዱሳን መልኣኽቲ ሥዕሊ ከምዘቅረጸ ኣብ ወርቒ ከምዝለበጦምን ከምዘጌጾምን ንርኢ። እቲ ህዝቢ ናብ ቤተ-መቅደስ እግዚአብሔር ክሰግድ ከሎ ኣብቲ ቤተመቅደስ ዘለዉ ቅዱሳን ኣሣዕል  ናይ ጸጋ ስግደት ከምዝሰገደውን ንርኢ።

ይ እስራኤል ኣምላክ እግዚአብሔር ኣብ ልዕሊ ኪሩቤል  ብኽብሪ ተገሊጹ እዩ”   ብምባል እግዚአብሔር  ብቅዱስ ሥዕሊ  ኣቢሉ ክብሩ ይገልጽ ከምዝነበረ ተገሊጹ እዩ።

  1. “ዝተቐርጸ ምስሊ ንዓኻ ኣይትግበር” ዝበል እናኣበብና ከመይ ንቅዱሳን ኣሣዕል ንሰግድ።

ዝተቐርጸ ምስሊ ንዓኻ ኣይትገበር ዝተባህለ “ኣህዛብ ንዘቆምዎ ጣዖት ኣይትስገድ “ ንምባል እዩ እምበር ንዝተቐደሰ ሥዕለ ኣድኅኖ ናይ ጸጋ ስግደት ኣይትስገድ ማለት ኣይኮነን። ቅዱሳት ኣሣዕል ኣብ ቤት መቅደስ ክሰኣሉ ዝገብረ እግዚአብሔር እዩ። እዞም ሥዕለ ኣድኅኖ ኣብ ቤተ-መቅደሱ ክሰኣሉ ዝገበረ እግዚአብሔር እዩ። እዚኦም ሥዕለ ኣድኅኖ ከም ጣዖት ዝቁጸሩ እንተኾይኖም ሊቐ ነብያት ሙሴ ( ዘጻ.25፣22)፡ጠቢበ ንጉሥ ሰለሙን ( 1ይነገ.6፣23-28)ኣብ ቤተ መቅደሱ ውሽጢ ከቅርጽዎም ከለዉ  እግዚአብሔርዶ ስቅ ኣይምበለን። ክብሩ ኣብ ልዕሊ ቅዱሳን ኣሣእልውን  ኣይምገለጸን ኔሩ። እግዚአብሔር ኣምላኽና ፍቓዱ ስለ ዝኾነ ኣዚዝዎም። ክብሩ'ውን ገሊጽሎም።

ስለዚ ቅዱሳን ኣሣዕል ምስቶም ኣይትስገድሎም ካብ ዝተባህሉ ዝድመር ኣይኮነን።  ዝተቀረጹ ምስሊ (ምስ ጣዖታት) ምስ ቅዱሳን ሥዕላት ርክብ ዝበሃል የብሎምን።

  1. ዘይዛረቡ ዘይንቀሳቀሱ ኣሥዕል ከመይ ከድኅኑ ወይ ክፍውሱ ይኽእሉ?

እግዚአብሔር ንሰባት ንምድኃን ኣሽንኳይዶ ኣብ ቤቱ ዝተሳእሉ ቅዱሳን ኣሥዕል  ካልኦት ግዑዛን ፍጥረታት ክጥቐመሎም ይኽእል እዩ።

ህዝበ እስራኤል ኣብ በረኻ ክጎዓዙ ከለዉ ብበደሎም ምኽንያት መቕሰፍቲ ምስ ረኸቦም ንሊቐ ነብያት ሙሴ  “ ምስ እግዚአብሔር ዕረቐና፣ ለምለንልና፣“ኢሎሞ። ሙሴ'ውን ንእግዚአብሔር ለሚንሎም፡ እግዚአብሔር ናይ ሙሴ ልመና ሰሚዑ ፣ ንሙሴ “ ሙሴ ምእንቲ እቲ ህዝቢ ለመነ ። እግዚአብሔር ከኣ ንሙሴ ዚነድድ ተመን ንዓኻ ግበር ኣብ ባላ ድማ ስቐሎ ኪኸውን ከኣ እዩ፣ እተነኽሰ ዘበለ ናብኡ እንተ ጠመተ ኪሓዊ እዩ። ሙሴ ኸኣ ካብ ኣስራዚ ተመን ንሰብ እንተ ነኸሰ ናብቲ ተመን ኣስራዚ ምስ ዚጥመት ይሓዊ ነበረ”  ዘኁ.21፣8-9 ኢሉ እግዚአብሔር ኣዚዝዎ። ሙሴ'ውን ከምዝተኣዘዞ ገበረ ህዝበ እስራኤል ካብቲ ዝተኣዘዘሎም መቅሰፍቲ ደኃኑ።

ህዝበ እስራኤል ካብ ግብጺ ወጺኦም ናብ ከንኣን ክጎዓዙ ከለዉ ኣብ መገዶም ባሕረ ኤርትራ ክሳገሩ ኣለዎም ።  እቲ ህዝቢ ካብ ፍርሕት ዝተላዕለ ኣግሮምረመ፣ ብድሕሪት ካብ ዝመጾም ናይ ፈርኦን ሰራዊት  ፈርሑ። ኣብቲ እዋን ሙሴ ናብ እግዚአብሔር ምስ ጸለየ  “ እግዚአብሔር ድማ ንሙሴ በሎ ስለምንታይ ናባይ እትምህለል ንደቂ እስራኤል ኪጎዓዙ ንገሮም። ንስኻ ድማ በትርኻ ኣልዒልካ ኢድካ ናብ ልዕሊ ባሕሪ ዘርግሕ እሞ ምቐሎ፣ ደቒ እስራኤል ከኣ ናብ ማእከል ባሕሪ ናብቲ ንቑጽ ይእተዉ “ ዘጻ.14፣15። እስራኤላውያን ብእምነት ባሕረ ኤርትራ ንቑጽ መሬት ተቀይርሉም ብሰላም ሰገሩ።

ሙሴ ብዝተሰቅለ ናይ ኣስራዚ ተመን ህዝበ እስራኤል ካብ መቕሰፍቲ ካብ ደኃኑ፣ ኣብ ኢድ ሙሴ ብዝነበረት ግዑዝ በትሪ ባሕሪ ኤርትራ ኣብ ክልተ ካብ ተኸፍለ። ኣብ ውሽጢ ቤተ-መቅደስ ዘለዉ ቅዱሳን ሥዕላት ካብ በትርን ብኣምሳል ተመን ዝተሰርሐ ናይ ኣስራዚ ተመን ንላዕሊ ክብሪ ከምዘለዎም ከነስተውዕል ይግበኣና። ብኣስራዚ ተመንም ብናይ ሙሴ በትሪ ተኣምራት ዝገበረ እግዚአብሔር ኣብ ልዕሊ ቅዱሳን ሥዕላት ሓዲሩ ዘደንቅ ስርሑ ንኸይገልጽ ዝኽልክሎ መን እዩ።

“ኣምላኽ ብኢድ ቅዱስ ጳውሎስ ብዙሕ በይኑ ዝኾነ ተኣምራት ገበረ። መኣረምያኡ ወይስ ክዳኑ ካብ ዝባኑ ወሲዶም ኣብቶም ሕሙማት የንብሩ እሞ ሕማሞም ይሓድጎም ርኹሳት መናፍስቲ'ውን ካባታቶም ይወጹ ነበሩ”  ግ.ሓዋ.19፣11-12

ቅዱስ ጳውሎስ ብዝለበሶ ልብሲ ብዙሓት ኣጋንንቲ ወጺኦም እዮም።

ቅዱስ ጴጥሮስውን ብጽላሎቱ ይፍውስ ኔሩ እዩ “ ቅዱስ ጴጥሮስ ኪሓልፍ  ከሎ ጽላሎቱ  ኣብ ገሊኦም ምእንቲ ኺወድቕ ኢሎም። ንሕሙማት ኣብ ዓራትን ኣብ ቃሬዛን ገይሮም ተሰኪሞም ናብ ኣደባባይ የውጽእዎም ነበሩ ። >> ግ.ሓዋ.5፣15። እሞ ድኣ ብናይ ቅዱሳን ሓዋርያት ቁራጽ ክዳንን ብጽላሎቶምን ከምዚ ዝበለ ተኣምራት ካብ ዝተገብረ ፣ ኣብ ውሽጢ ቤተመቅደስ ዝተሳእሉ ቅዱሳን ሥዕላት ተኣምራት እንተሠርሑ ፈጺሙ ኣይደንቀናን ኣይገርመናን ። ስለዚ ናይ እግዚአብሔር ኃይልን ጥበብን ማዕረ ክንደይ ረቂቕ ምዃኑ ኣብዚ'ውን ንርዳእ ኢና።

ቅድስቲ  ቤተ-ክርስቲያና  ኣምላኽና እግዚአብሔር ብዝኣዘዘና መሰረት ናይ ኣምልኾ ስግደት ንዕኡ ንፈጣሪና ኣምላኽና መድኃኒና ኢየሱስ ክርስቶስ ንሰግድ ። ዘወትር ከምቲ ኣብ ጸሎትና ንሰግድ ንአብ ንወልድ ንመንፈስ ቅዱስ ሓንቲ ስግደት ንብል። ናይ ኣምልኾ ስግደት እዩ። እዚ ከኣ ፈጣሪና መጋቢና ሓላዊና ስለዝኾነን ካብ ዘይምንባር ናብ ምንባር ዘምጸኣና፣ ስጋብ ኣብ መስቀል ቀራንዮ ስለና ኢሉ ደሙን ሥጋኡን ዘፍሰሰልና ፍቕሩ ብተግባር ዝገለጸልና ኣምላኽ ስለዝኾነ  ንዑኡ ጥራሕ ናይ ኣምላኾ ስግደት ንሰግድ።

ቅድስቲ  ቤተክርስቲያን ንቅዱሳን ሥዕላት ከኣ ናይ ጸጋ ስግደት ፣ ትሰግደሎምን ተኽብሮምን ።

ኣምላከ ቅዱሳን እግዚአብሔር በረከቱን ረዲኤቱን የብዝሓልና። ወላዲተ አምላክ ቅድስተ ቅዱሳን ድንግል ማርያም ብኣማላድነታ ኣይትፈለየና።

ወስብሐት ለእግዚአብሔር።

ወለወላዲቱ ድንግል።

ወለመስቀሉ ክቡር!

ዘሚካኤል

Comments are closed.