በዓለ ጥምቀት

በስመ አብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ አሐዱ አምላክ አሜን። 

ንብርሃነ ልደቱ ብሰላም ኣሕሊፉ ንበዓለ ጥምቀቱ ዘብጽሓና እግዚአብሔር ኣምላኽና ዝተመስገነ ይኹን። በዓልና ድማ በዓለ ፍስሓ ወሓሴት፥ በዓለ ጸጋ ወምሕረት፥ በዓለ በረከት ወጽድቅ ክገብረልና እናተማኅጸንና ናብቲ ቀንዲ መልእኽቲ ጥምቀት ክንሰግር። 

ካብ ሠለስቱ ኣካላት ሓደ ወልደ እግዚአብሔር እቲ ንኣዳም ዘተስፈዎ ዘመን ምስ ኣኸለ ካብ ኣዴና ቅድስት ድንግል ማርያም ካብ ሥጋኣ ሥጋ ካብ ነፍሳ ነፍስ ወሲዱ ብተዋሕዶ ካብ ክልተ ኣካል ሓደ ኣካል፡ ካብ ክልተ ባህርይ ሓደ ባህርይ ብምዃን ፍጹም ሰብ ኮይኑ ተወልደ። ንህላዌኡ ዘመን ዘይቝጸረሉ ወልደ እግዚአብሔር ብተዋሕዶ ዘመን ስለዝተቖጽረሉ ድማ ፴ ዓመት ምስ መልኦ ብኢድ ዮሓንስ ክጥመቕ ካብ ገሊላ ናብ ዮርዳኖስ ወረደ። ኣብቲ እዋን እቲ ቅዱስ ዮሓንስ ኣብ ዙርያ ዮርዳኖስ ናይ ንስሓ ትምህርቲ እናመሃረ ናይ ንስሓ ጥምቀት’ውን የጥምቕ ነበረ እሞ ኣምላኽና ኢየሱስ ክርስቶስ ብፍቓዱ ክጥመቕ ናብ ዮሓንስ ቀረበ። (ገላ ፬፥፭) 

ብኣቆጻጽራ ጥንታዊት ቤተ ክርስቲያንና ድማ ዘመኑ ዘመነ ሉቃስ ዕለቱ ዕለተ ሠሉስ ጥሪ ፲፩ ልክዕ ሰዓት ፲ ናይ ለይቲ ኣብ መበል ፴ ዓመቱ እዩ ነይሩ። (ሉቃ 3፥23 ፍትሓ ነገ 19 ድስቅ 29 ተረፈ ቄርሎስ ተመልከት) 

ጥምቀት ጐይታናን መድኃኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ከም ጋሻ ውሕጅ ሃንደበት ዝመጸን ዝተፈጸመን ዘይኮነስ ኣቐዲሙ ኣ ምላከ ቅዱሳን እግዚአብሔር ስለ ድኅነት ደቂ ሰባት ኣብ መዋዕለ ሥጋዌኡ ካብቲ ክፍጽሞ ዝሓሰበን ብነቢያት ዘዛረቦን ምሳሌውን ክምስለሉ ዝጸነሐ እዩ። እቲ ዝፈጸሞ ትንቢት ከ እንታይ ዝብል ነበረ፧ 

ትንቢት 

እግዚአብሔር ኣምላኽ ኣብ ነቢያቱ ሓዲሩ ብመንን ብኸመይ መገዲ ከምዝመጽእን ከምዝጥመቕን ኮታስ ሰብ ኮይኑ ኵሉ ንዝፍጽሞ ነገራት ኣቐዲሙ ተዛሪቡሉ ነይሩ። ኣብ ጥምቀትውን ነዚ ነገር እዚ ነስተውዕሎ ኢና። 

ትንቢት፦ ብዛዕባ ከጥምቖ ዝኃረዮ ቅዱስ ዮሓንስን ስብከቱን 

ቀዳማይ ሰብ ኣዳም ምኽሪ ዲያብሎስ ሰሚዑ ኣብ ኃጢኣት ወዲቑ ካብ እግዚአብሔር ምስ ተፈልየን ጸኒሑ ግና ምስ ተጠዓሰን ርኅሩኅን ለዋህን እግዚአብሔር ኣምላኽ ኣዳም ብዝተጋገዮ ክገድፎ ስለዘየደልየ ንስሕኡን መስዋእቱን ተቐቢሉ ካብ “ጓል ጓሉ ተወሊዱ” ከምዘድኅኖ ጽኑዕን እሙንን ተስፋ ሃቦ። መጽናንዒ እትኾኖ ተስፋ ሒዙ ድማ ካብ ገነት ተሰጐገ። ኣዳም ንደቁን ደቁ ደቁን፡ ደቁ ድማ ከምኡ ንደቆም ነዛ መሰታ ኣልቦ ተስፋ ድኅነት ክጽበዩ እናነገሩ በቲ ሓደ፤ እግዚአብሔር አምላኽ ድማ ነቶም ዝጽበይዎ ብብዙኅ መገዲ ተስፍኦም እናጽነዐ ብብዙኅ ትንቢትን ምሳሌታትን ገይሩ እናዛረበ በቲ ካልእ ሓሙሽተ መዓልትን ፈረቓን (፭ሺሕ፭፻ ዓመታት) ተቖጽረ። በዚ መሠረት ድማ ነቢያት ውረድ ተወለድ፥ ኢድካ ፈኑ እናበሉ ክጾሙን ክጽልዩን ዘመናት ምስ አሕለፉ ከምቲ ዝተነግረሉ ኣብታ ምድብቲ መዓልት ሰዓትን ጐይታ ተወልደ። አፈ እግዚአብሔር ተባሂሎም ብዝፍለጡ ነቢያት ኣቐዲሙ ብትንቢት ካብ ዘዛረቦን ሰብ ኮይኑ ድኅሪ ልደቱ ድማ ካብ ዝፍጽሞምን ሓደ ድማ ብኢድ መሬታዊ ዮሓንስ ክጥመቕ ዝብል ነበረ። እዚ ድማ እግዚአብሔር ኣምላኽ ቀቅድሚኡ ዝኸይድ ልኡኽ (ንዮሓንስ) ከምዝሰድድን እቲ ጸራጊ መገዲ ዝተባህለ ድማ ነቲ ክመጽእ ናይ ዘለዎ ንጉሥ (ክርስቶስ) መገዲ ከምዝጸረግን ደቂ ሰባት ድማ ስለ ድኅነቶም ንዝመጽእ ጐይታ ብኸመይ ኣገባብ ክቕበልዎን ክዳለዉ ከምዝግባእን ዝገልጽ ነበረ። እዚ ትንቢት ነቶም ኣብቲ ተስፋ ጸኒዖም ዝነበሩ ደቂ ሰባት ዓቢ መስተርኆት ዝፈጥርን ተስፍኦም ዘለምልምን ከኣ ነበረ። ስለዚ ድማ እዩ ቅዱስ ዮሓንስ “ሥጋ ዝለበሰ ዅሉ ምድኃን ኣምላኽ ክርኢ እዩ” ምስ በለን ምቕራብ መንግሥተ ሰማያት ምስ ኣበሰረን እቶም ዝጽበይዎ ሕዝቢ “ዅሎም ከኣ ብዛዕባ ዮሓንስ ክርስቶስ ኰን ይኸውን ኢሎም ብልቦም ኪሓስቡ” ከምዝጀመሩ ቅዱስ መጽሓፍ ዝነግረና። (ሉቃ ፫፥፮-፲፫) 

እወ ገለ ካብቲ ስለ ዮሓንስ ብነቢያት ካብ ዝተነግሩ ንምጥቃስ ነቢዪ ሚልክያስ ከምዚ ኢሉ ነበረ “እንሆ ኣነ ልኡኸይ እልእኽ ኣለኹ፡ ንሱ ቀቅድመይ መገዲ ክጸርግ እዩ ብኡኡ ከኣ እቲ እትደልይዎ ጐይታ ናብ መቕደሱ ክመጽእ እዩ ይብል ጐይታ ሠራዊት እግዚአብሔር” ሚል ፫፥፩ ከምኡውን ነቢይ ኢሳይያስ “እቲ ኣዋጅ ነጋሪ ድምፁ ዓው ኣቢሉ መገዲ እግዚአብሔር ኣብ ምድረ በዳ ኣዳልዉ፡ ኣብ ምድሪ ኣጻምዕ ከኣ ንኣምላኽና ጽርጊያ ኣቕንዑ፡ ሽንጥሮ ዘበለ ልዕል ይበል፡ ኵሉ ኣኽራንን በረኽትን ድማ ለጠቕ ይበል፡ ቄናን ይቕናዕ ድንጒር ከኣ ሰጥ ዝበለ ስፍራ ይኹን፡ እግዚአብሔር ተዛሪቡ እዩ እሞ ክብሪ እግዚአብሔር ክግለጽ ኵሉ ሰብ ከኣ ኃቢሩ ኺርእዮ እዩ” ብምባል ቃል ትንቢት ኣስሚዑ ነበረ። ኢሳ ፵፡፫። 

እቲ ትንቢት ብልክዕ ከምዝተፈጸመ ኣርጊጾም ዝመስከሩ ድማ ቅዱሳን ሓዋርያት እዮም። ኣብነት ክኾነና ድማ ካብ ወንጌሉ ንጠቅስ። “በቲ ወርሓት እቲ ዮሓንስ መጥምቕ መንግሥተ ሰማያት ቀሪባ ኣላ'ሞ ተነስሑ ኢሉ እናሰበኸ ናብ በረኻ ይሁዳ መጸ። እቲ ብነቢዪ ኢሳይያስ ኣብ በረኻ ዝእውጅ ድምጺ ኣዋጅ ነጋሪ መገዲ እግዚአብሔር ኣዳልዉ፡ ጽርጊያ ኣቕንዑ” ኢሉ ንሕድገት ኃጢኣት ዚኸውን ናይ ንስሓ ጥምቀት እናሰበኸ መጸ። ብዘላ ሃገር ይሁዳን ኵሎም ሰብ ኢየሩሳሌምን ናብኡ ይመጹ ብኃጢኣቶም እናተናዘዙ'ውን ኣብ ፈለገ ዮርዳኖስ ብእኡ ይጥመቑ ነበሩ።” ማቴ ፫፡፩-፲፪ ሉቃ ፫፡፩-፳። ማር ፩፥፪ ማቴ ፲፩፥፲ 

እቲ ምሥጢር'ውን ንጉሥ ምስ መጸ በረኽቲ ጐቦታት ተዓርዩ፡ ጉድጓድ መሊኡ ኵሉ ንፈረስ ንሠረገላ ዝጠዓመ ኮይኑ ከምዝጸንሕ ንስኻትኩምውን ውልድነት ንምርካብ መሕደሪ እግዚአብሔር ንዝኾነ ሰብነትኩም ካብ ኃጢኣት፡ ካብ ጣዖት ኣንጺሕኩም ተዳለዉ ማለት እዩ። መጥምቀ መለኮት ቅዱስ ዮሓንስ ነቶም ናብኡ ዝመጹ ካብ ሓጢኣቶም ክምለሱን ንንስሓ ዝበቅዕ ፍረ ክገብሩ እምበር ኣብርሃም ኣቦ ኣሎና ብምባል ጥራይ ክድኅኑ ከምዘይክእሉ እናገለጸ ምስ ዘይምለሱን ጽቡቕ ፍረ ምስ ዘየፍርዩን ግና መቕጻዕቲ ዘይተርፎም ምዃኑ ብግህዶ ይነግሮም ነበረ። ንሳቶምውን ድሕሪ ነዊሕ ዘመናት ሓቀኛን እሙንን ትምህርቲ ዝምህሮም መምህር ብምርካቦም እናተሓጐሱ ኃጢኣቶም'ውን እናተናዘዙ ናይ ንስሓ ጥምቀት ክጥመቑ ናብኡ ይመጹን ይጠምቖምን ከኣ ነበረ። ኣብዚ ፈታኒ ዘመናውን ኣብነት ዮሓንስ ንዝስዕቡ ሓቀኛታት መምህራን በረኸት ዮሓንስ ኣይጋደፎምን። 

ስብከት ቅዱስ ዮሓንስ ሎሚውን ሕያው እዩ፤ ከምቲ ድምፂ ሓቂ (ዮሓንስ) ንምጥፋእ ዝፈተኑ ሄሮድያዳን ሄሮዶስን ትማልን ሎምን በብዘመኑን ድምፂ ዮሓንስ ምስ ዮሓንስ ንምቕባር ዝፈተኑ ብዙኃት ኣላውያን እዛ ዓለም ኣእንጊዳ እያ ተአንግድውን ኣላ። ጕዕዞ ታሪኽ ቤተ ክርስቲያንውን ኣብ መስቀሉ ዝተመርኮሰ ስለዝኾነ ፈተና ዝመልኦ እዩ። ይኹን እምበር ብኣምላኽ ንዝመደቦ ነገር ምጥፋእ ዝከኣሎ ሓደ እኳ የልቦን። ስለዝኾነውን ሎሚውን ስብከት ዮሓንስ ኣብ ዓለም ድምፅ ጻውዒቱ የድሂ ኣሎ። ንኵላ ዓለም ስለቲ ኣብ ዓለም ዘሎ ክፍኣትን ግፍዕን “መንግሥተ ሰማያት ቀሪባ ኣላ እሞ ተነስሑ …” ይብል ኣሎ። 

እወ ብትዕቢት ኅሊንኦምን ኣካይድኦምን ክንዲ ኵርባን ኣኽራንን ልዕል ዘበሉ ትሕት ክብሉ፤ ብዝተፈላለየ ናብራን ንብረትን እዛ ሓላፊት ዓለም ተስፋ ቆሪጾም ኣብ ሕይወቶም ጐዳጒዲ ዝዅዓቱ ኵሎም ክምለሱን ልቦንኦም ብተስፋ ክመልኡን ሎሚ ዮሓንስ ዓው ኢሉ ይዛረብ ኣሎ። ቄናን ልቦና ክቐንዕ ድንጉር’ውን ሰጥ ክብል ይግባእ። እወ ካብቲ ዝመጽእ እሞ ዘይተርፎ ቍጥዓ ኣምላኽ ንክንመሉቕን ከምታ ኦም በለስ ፍረ ዘይብላ ኮይንና ከይንጸንሖ ኣቐዲሙ ብፍቕሪ ንንስሓ ዝበቅዕ ፍረ ክንገብር ይጽውዓና ኣሎ። በደልና ተፈሊጡና ከምቶም ሕዝቢ “እንታይ ንግበር” ኢልና ብትሕትናን ንስሓን ንሓትት እንተደኣ ኮይንና ቅዱስ ዮሓንስ ሕጂውን ዝብለና ኣሎ። 

ነቶም ካብ “እንጌራ ዕለት ልብሲ ዓመት” ማለት ካብቲ ዘድልየና ንላዕሊ እሞ ንዘይንበልዖን ንዘይነርክበሉን ሃብቲ ዓለም ክንእክብ ጥራይ መዋዕል ንስሓን መዝገብ ሰማይን ንዝሓልፈና ዘሎ “እቲ ዘለዎ ነቲ ዘይብሉ ክመቅል” ዮሓንስ መጥምቅ ይዛረብ ኣሎ። ነቶም ብኣርኣያ ሥላሴ ንዝተፈጥሩ ሰባት ከገልግልሉ ንዝተዋህቦም ሓላፍነት ኣብ ስራሕ ዓመጻን ክፋእን ዘውዕልዎ፤ ብረሃጽ ካልእ ጥራይ ክነብሩ ንዝኅልኑ ኵሎም “ካብቲ እተኣዘዘልኩም ሓለፋ ኣይትውሰዱ” ኢሉ ይግስጽ ኣሎ። ነቶም መዝነቶም ተጠቒሞም ቄናን ዝፈርዱን፤ ድኻን ጸግእን ንዘይብሎም ዝብድሉን፤ ተንኮልን ሓሶትን ክዓልሙ ንዝሓድሩ፤ ብኽያት ካልእ ዘይስምዖም፤ ገንዘብ ዓመጻን ጉቦን ሃነፍነፍ ንዝብሉን፤ ይኣኽለና ምባል ንዘይፈልጥዋ ኵሎም ድማ “ንሓደ እኳ ኣይትግፍዑ ብሓሶትውን ኣይትኽሰሱ ደደሞዝኩም ከኣ ይኣክለኩም” ይብሎም ኣሎ። 

ብኻልእ ቃላቱውን ነቶም ብመሠረት ቃለ እግዚአብሔርን ሕግን ሥርዓትን ቤተ ክርስቲያን ክገብርዎ ብዛዕባ ዝግባእ ነገር ርእሶም ኣብ ክንዲ ዝምርምሩን እቲ ጽኑዕ ተጋድሎ ሃይማኖትን ጽድቂ ኣቦታቶም ዝዕቅቡን ዳግም ዝነብርዎን፤ ግብሪ ኣቦታት ዘይብሎም ክነሱ ሃይማኖት ኣቦታትና ጥራይ እናበሉ ንዝምክሑ፤ ነቲ መኽሊት ተቐቢሎም ገብር ሔር ምዃን ንዝተሰኣኖም፥ ከምቶም ቀዳሞት ኣቦታትና እሙናት ጓሶት ክርስቶስ ንዘይኮኑ “ብልብኹም ኣብርሃም ኣቦ ኣሎና ከም እትብሉ ኣይምሰልኩም ንኣብርሃምሲ ኻብዚ ኣእማን እዚ ውሉድ ከተንሥኣሉ ንኣምላኽ ከም ዝከኣሎ እብለኩም ኣሉኹ። ካብ ብሕጂኳ ማሕጸ ናብቲ ጕንዲ ኦም ተነቢሩ ኣሎ። እምበኣርሲ ጽቡቕ ፍረ ዘይፈሪ ዘበለ ዅሉ ኦም ይቑረጽ ናብ ሓዊ ኸኣ ይድርበ እዩ” ይብሎም ኣሎ እሞ እዝኒ ዘላቶ ደኣ ይስማዕ! ንሕናውን ስለ ኣቦታትና ጸሎት ንግበር እምበር እዚ ወለዶስ ከም ኣብነት ዝጠቕሶም ኣቦታት እናወሓድዎን እናሰኣነን ይኸይድ ኣሎ እሞ እዚ ወለዶ’ዚ ስለ ርእሱ እንተበኼየ ዝግብኦ እዩ። 

ትንቢት፦ ክጥመቐሉ ብዛዕባ ዝኃረዮ ስፍራ ባሕረ ዮርዳኖስ 

ጐይታ ካብ ኵሉ ማይ ዝርከበሉ ኣፍላግን ባሕርታትን ዓለም ፈልዩ ንፈለገ ዮርዳኖስ ምኅራዩ ብዘይ ምኽንያት ኣይኮነን፤ እንታይ ደኣ ኣቐዲሙ ኣብ ነቢያት ሓዲሩ ንዘዛረቦ ትንቢት ንምፍጻም እምበር። ጐይታ ባዕሉ ቃሉ ካብ ዝሓልፍ ሰማይን ምድርን ክሓልፍ ከምዝቐለል ነጊሩና እዩ፤ ብካልእውን “ሕግን ነቢያትን ክፍጽም እምበር ክስዕር ኣይመጻእኩን” ምባሉውን ነዚ ነገር እዚ ዘጽንዕ እዩ። (ማቴ ፭፥፲፯) ከምቲ እተጻሕፈሉ ወልደ እጓለ እምሕያው ክኸይድ ምዃኑስ ብርግጽ ጽሑፍ እዩ። ሰባት ከምቶም ኣይሁድ ቃል መጻሕፍቲ ብዘይምስትውዓል ኣምላኽነት ጐይታ ከጠራጥሮምን ኣብ በብዘመኖም ብዝነፍስ ነፋስ ፍልስፍና ዓለም እምነቶም ክጐድልን ምርኣይ ልሙድ ነገር ኮይኑ ኣሎ። ባህርያዊ ኣምላኽነት ጐይታ ጌና ኣብ ምእማን ነግ ፈረግ ዝብሉን፤ ኣሚኖምውን ብኑፋቄያዊ ትምህርቲ ልቦም ድኅሪት ዝተመልሰ፤ መንነት ጐይታ ምእንቲ ብንጹር ክፈልጡ ብሉያትን ሓዲሳትን ከሰማምዑን ከመሳኽሩን ንመኽሮም። ስለዚ እዩ ድማ ደጋጊምና ናይ ኣምላኽ ሰብ ምዃንን ሰብ ኮይኑ ዝፈጸሞ ነገራት ኵሉ ከም ውሑጅ ጋሻ ሃንደበት ዝመጸ ዘይኮነስ ባዕሉ ብነቢያት ዘዛረቦን ስለ ድኅነትናን ኣርኣያ ክኾነናን ዝመጸ ምዃኑ ንገልጽ ዘሎና። ሓዋርያት’ውን ዝሰበኽዎ ጐይታ፡ ነቢያት ዝተነበዪሉ ጐይታ እዩ። ካልእ ኣይኮነን! ንሱ ባዕሉ፤ ንሱ ሓደ ኣምላኽ ወዲ ኣምላኽ እዩ። ገሊኦም’ውን ንቅድስት ቤተ ክርስቲያን ቀሪቦም ከይፈለጡን ከይተመሃሩን ንሕና ኦርቶድክሳውያን ንጐይታ እንፈልጦውን ኣይመስሎምን እዩ። ዘይምስትውዓል እምበር ናይ ዝኾነ ጸሎት መኽፈቲ ዝኾነ ናይ ወትሩ ጸሎትና ንጐይታ “አንተ ውእቱ አምላከ አምላክት ወእግዚአ አጋእዝት ወንጉሠ ነገሥት” ከም ዝብል እንተንነግሮም እንታይ ምላሽ ምሃለዎም? ልቢ ይሃቦም ኢልና እቲ ብዛዕባ ኣብ ዮርዳኖስ ምጥማቑ ዘዛረቦ ትንቢት እንታይ ከምዝበለ ገለ ውሑዳት ኣብነት ንርአ፤ 

ነቢየ እግዚአብሔር ዳዊት “ባሕሪ ርእያቶ ሃደመት፡ ዮርዳኖስ ንድሕሪት ተመልሰት ኣኽራን ከም ደዓውል፡ ኰረቢት ከም ዕያውቲ ተሰራሰሩ፡ ኣቲ ባሕሪ እንታይ ኴንኪ ዝሃደምኪ፡ ኣታ ዮርዳኖስከ ንድሕሪት እተመለስካ፡ ኣቱም ኣኽራን ከም ደዓውል ኣቱም ኰረቢትሲ ከም ዕያውቲ እተሰራሰርኩም እንታይ ኴንኩም ኢኹም፡ ኣቲ ምድሪ ኣብ ቅድሚ እቲ ነኻውሕ ናብ ቀላያት ንዓረ ናብ ዓይኒ ማያት ዝለወጠ እግዚአብሔር ኣምላኽ ያዕቆብ ኣንቀጥቕጢ” ክብል ተዛሪቡ ኣሎ፡ መዝ ፻፲፬፡፫። ኣብነቱ ድማ ዮርዳኖስ ኣብ ላዕሊ ካብ ሓደ መጺኡ ትሕት ኢሉ ኣብ ክልተ ይምቀል፡ ድኅሪ እዚ ወሪዱ ናብ ሓደ ይመጽእ። ወዲ ሰብ'ውን ዘርኡ ካብ ሓደ ኣዳም እዩ። ትሕት ኢሉ እሥራኤል ብግዝረት ኣሕዛብ ብቝልፈት ናብ ክልተ ተመቒሎም። ዳኅራይ ግና ብናይ ክርስቶስ ናይ ባህርይ ኣምላኽነት ኣሚኖም ብስም ሥላሴ ተጠሚቖም፡ ብጥምቀት ሓደ ይኾኑ ንኽብል እዩ። ኤፌ ፪፡፲፩። ብካልእ ወገን'ውን እቲ ኣዳምን ሔዋንን ኣብ ሲኦል ከለዉ ናይ ዲያብሎስ ግዙኣት ኮይኖም ምንባሮም ዘረጋገጹሉ ዕዳ ደብዳቤኦም እቲ ሓደ ኣብ ዮርዳኖስ ተቐቢሩ ስለዝነበረ ጐይታና ብሥልጣኑ ረጊጹ ኣምኺኹ ነኸጥፍኦ ኣብ ዮርዳኖስ ተጠምቐ። ምሳሊኡ ከ እንታይ ዝብል ነበረ፧ 

ምሳሌ 

ብዛዕባ ጥምቀት ኣቐዲሙ ኣብ ዘመነ ብሉይ ብዙኅ ምሳሌታት ተመሲሉ እዩ። ምስትውዓሉ ክዕድለና ንኣምላኽ እናተማኅጸንና ኣብነት ክኾነና ንገሊኦም ምሳሌታት ኣብዚ ኣኅጽር ኣቢልና ክንጠቅስ ኢና። 

አበ ብዙኃን ኣብርሃም ኣቦና ነቶም ሓሙሽተ ነገሥተ ሰዶም ረዲኡ ነቶም ኣርባዕተ ነገሥተ ኮሎዶጎመር ስዒሩ ክምለስ ከሎ ባህ ስለዝበሎ መዓልቲ ኣምላኽ ክርኢ ደለየ እሞ ንኣምላኽ ኣመልከተ፤ እግዚአብሔር ግና ንኡኡስ ኣይትርእዮን ኢኻ ግና ምሳሊኡ ክትርእይ ኢኻ፤ ዮርዳኖስ ሰጊርካ ኪድ ድማ በሎ እሞ ምስ ከደ መልከ ጼዴቅ ኅብስተ በረከት ጽዋዓ አኰቴት ሒዙ ተቐቢልዎ እዩ። ንባሕረ ዮርዳኖስ ተሳጊሩ ናብ መልከ ጼዲቅ ምኻዱ ናይ ጥምቀት ምሳሌ እዩ። ኣብርሃም ናይ ምእመናን፡ ዮርዳኖስ ናይ ጥምቀት፡ መልከ ጼዴቅ ናይ ካህናት፡ ኅብስተ በረከት ጽውዓ አኰቴት ናይ ሥግኡን ደሙን ምሳሌ እዮም። ዘፍ ፲፬፥፲፯ ዮሓ ፰፥፶፮ 

ከምቲ መዘከርትኡ ኣብ ወርኃ ጳጕሜን እንገብሮ ድኅሪ እቲ ኵሉ ፈተናን ደዌን፡ ኢዮብ ኣብ ባሕረ ዮርዳኖስ ተጠሚቑ ተፈዊሱ እዩ። ምእመናንውን ተጠሚቖም ካብ ደዌ ሥጋ ደዌ ነፍስ ናይ ምድኃኖም ምሳሌ እዩ። ንእማን ሶርያዊ ኣብ ባሕረ ዮርዳኖስ ተጠሚቑ ካብ ለምጹ ነጺሑ እዩ። ምእመናንውን ተጠሚቖም ካብ መርገመ ሥጋ መርገመ ነፍስ ናይ ምድኃኖም ምሳሌ እዩ። ፪ይ ነገ ፭፦፲፬ 

ሓመረ ኖኅ’ውን ናይ ጥምቀት ምሳሌ እያ። ብከምኡ ድማ ነዚ ምሳሌ ክትርጉም ከሎ ቅዱስ ጴጥሮስ “እታ መርከብ ክትስራሕ ከላ ብእኣ ሒደት ማለት ሾመንተ ነፍሲ ብማይ ዝደሓናላ ነቶም ቀደም ዘይኣመኑ ሰበኸሎም። እቲ ማይ ድማ ሕጂ ብተምሳሉ ማለት ጥምቀት የድኅነኩም ኣሎ” ኢሉ ኣሎ። ዘፍጥ ፮፥፲፫ ፩ይ ጴጥ ፫፥፳ እስራኤላውያን ካብ ኢድ ፈርዖንን ባርነትን ብደመና ተከሊሎም ባሕረ ኤርትራ ምስጋሮም ናይ ጥምቀት ምሳሌ እዩ። ነዚውን ማእቶት ቤተ ክርስቲያን ዝተሰይመ ንዋይ ኅሩይ ቅዱስ ጳውሎስ ክትርጉሞ ከሎ “ኣሕዋተየ ኵላቶም ኣቦታትና ትሕቲ ደበና ኸም ዝነበሩ ኵላቶምውን ባሕሪ ከም እተሳገሩ ዘይትፈልጡ ኽትኰኑ ኣይፈቱን እየ። ኵላቶም ድማ ብደበናን ብባሕርን ናብ ሙሴ ተጠምቁ” ኢሉ ኣሎ። ዘጸ ፲፬፥፲፭ ፩ይ ቆሮ ፲፥፩-፪ 

ከምኡውን ንኣብርሃም ሕጊ ክኾኖ ዝተዋህቦ ግዝረት ናይ ጥምቀት ምሳሌ እዩ። ኣብርሃም ኣቦና ኣብ ጊዜ ዕርጋኑ እኳ እንተተገዝረ ደቁን ደቁን ግና ኵሎም ኣብ ሻሙናይ መዓልቲ ልደቶም ክግዘሩ ተሰሪዑሎም ነበረ። ብመሠረት እዚውን ነዚ ምሳሌ ቅዱስ ጳውሎስ ክትርጉሞ ከሎ “ንስኻትኩም ድማ ብግዝረት ክርስቶስ ነቲ ናይ ሥጋ ሰብነት ቀንጢጥኩም ብኢድ ብዘይኰነት ግዝረት ብእኡ ተገዘርኩም። ብጥምቀትውን ምስኡ ተቐበርኩም ብግብሪ እቲ ኻብ ምውታት ዘተንሥኦ እምላኽ ድማ ምስኡ ተንሣእኩም” ኢሉ ኣሎ።ዘፍጥ ፲፯፥፱ 

ብሓቂ ድማ ኣምላኽና ኣቐዲሙ ብብዙኅ መገድን ምሳሌታትን ነጊሩና ከምዝነበረ ፍጹም ሰብ ኮይኑ ድማ ንሱ ባዕሉ ኣብነት ኮይኑ ብዝሰርዓልና ጥምቀትን ብዝኣዘዞ መሠረትን ሰባት ኣሚንና እንጥመቖ ድኅነት ንምርካብ እዩ። ብኵሉ እተነግረ ምሳሌታት ድማ ብሉይ ምሳሌ ሓዲስ ኣማናዊ ምዃኑ ኣነጺሩ የርእየና ኣሎ። (ዕብ ፩፥፩) ተዋሕዶ ሃይማኖትና ከምዚ ብሉያትን ሓዲሳትን ኣሰማሚዓ እያ ድማ ትኣምንን ትካየድን። 

ኣምላክ ወልደ አምላክ 

ኣምላኽነት ናይ ባህርይኡ ዝኾነ ጐይታናን መድኃኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ እግዚአብሔር እዩ። ንሱ ኣምላኽ ወልደ ኣምላኽ እዩ። ምስ አብን መንፈስ ቅዱስን ብዕሪና (ማዕረ) ዝኾነ ወልደ እግዚአብሔር ብፍሉይ ኣካሉ ፍጹም ሰብ እኳ እንተኾነ ካብ ኣምላኽነቱ ዝጐደሎ የብሉን፤ ምስ ናይ ባህርይ ኣቡኡ አብን ናይ ባህርይ ሕይወቱ መንፈስ ቅዱስን ብመለኮት፡ ኣገዛዝኣ፡ ህልውና፡ ሥልጣን፡ ባህርይ፡ ፈቓድ ሓደ እዩ፡ (ኢዮ ፪፥፴፪ ሓዋ ፪፥፳፩-፳፪ ሮሜ ፲፥፱-፲፫ ማር ፩፥፩ ዮሓ ፩፥፩ ሓዋ ፳፥፳፰ ፩ይዮሓ. ፭፥፳ ሮሜ ፱፥፭ ቲቶ ፪፥፲፫ ፪ይጴጥ ፩፥፩ ዘፍ. ፩፥፩ መዝ. ፴፫፥፮ ዮሓ. ፩፥፫ ዕብ ፲፩፥፫ ዮሓ ፲፥፴ ፲፯፥፲፩, ፳፪) 

ጥምቀት ጐይታ ስሌና ብምዃኑ ኣብ ኣምላኽነቱ ዝውስኾን ዘጉድሎን ነገር የብሉን። ሕጸጸ ክብርን ጸጋን ነይርዎ ብምጥማቑ ምልኣተ ክብርን ጸጋን ዝረክብ ኣይኮነን። ጐይታ ብምጥማቑ ግና ንሕና ግድን ስለ ድኅነትና ክንገብሮ ከምዝግባእና ነገረናን ኣርኣየናን። ኣብ ጥምቀቱ ግና ንደቂ ሰባት ግሁድ ዘይነበረ ምሥጢር ኣምላኽነቱ ወልደ ኣምላኽነቱ ተመስኪሩ እዩ። አብ ካብ ሰማያት “ወልድየ - ወደይ” ኢሉ ናይ ባህርይ አቡኡ ተዛረበ፤ መንፈስ ቅዱስ ድማ ብርግቢት ኣምሳል ኣብ ርእሱ ዓለበ። ዮሓንስ መጥምቅውን “ቅድመይ ዝነበረ” እናበለ ቀዳማዊነቱ ስራኽ ኣሳእኑ ክፍተሕ ዘይበቅዕ ብምባል ልዕልንኡ መስከረ። ስለ ድኅነት ዓለም ከምዝመጸውን ክዛረብ “ገንሸል ኣምላኽ” በለ። ዝፈርድ ኣምላኽ ምዃኑውን ከረድእ “ዓውዱ ዜጽርየሉ መስኤ ኣብ ኢዱ ኣለዎ ስርናዩ ኣብ ቈፍኡ ይእክብ ነቲ ሓሰር ግና ብዘይጠፍእ ሓዊ ከንድድ’ዩ” ኢሉ ኣሎ። 

እወ ጐይታናን መድኃኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ኣምላኽ ወልደ ኣምላኽ ምስ አብን መንፈስ ቅዱስን ሓደ ኣምላኽ እዩ። ንሱስ ባዕሉ’ውን “ኣነን ኣቦን ሓደ ኢና” እንድዩ ዝበለ (ዮሓ. ፲፥፴)። 

ምሥጢር ተጋሂዱ 

እዚ ዘሎናዮ ሰሙነ ልደትን ጥምቀትን (ካብ ልደት ክሳብ ምእታዉ ዓቢይ ጾም ዘሎ እዋን) ኣብ ቤተ ክርስቲያን ገሃድ ተባሂሉ ከምዝጽዋዕ ኣብቲ ካልእ ዓለምውን ኤጲፋንያ ተባሂሉ ይፍለጥ። ትርጉምውን ብተመሳሳሊ ኣስተርእዮ ምርኣይ ምግላጽ ከም ማለት እዩ፤ እዚ እዋን ድማ ዘመነ ኣስተርእዮ ተባሂሉ ይፍለጥ። ምኽንያቱ ኣምላኽ ንርእሱ ብግህዶ ኣብ ዘመነ ሓዲስ ንደቂ ሰባት ዝገለጸሉ እዋን ስለዝኾነ። ቅዱስ መጽሓፍ’ውን ኣብ ጊዜ ጥምቀት ጐይታ ቅድሚኡም ድኅሪኡን ተገይሩን ተሰሚዑን ዘይፈልጥ ዓቢ ክስተት ከምዝተፈጸመ ኣበሰረና። በዚ'ውን እቲ ሕቡእ ዝነበረ ምሥጢር ብጥምቀት ጐይታ ንደቂ ሰባት ተጋሂዱ እዩ። ንሱ ድማ ምሥጢረ ሓድነትን ሠለትነትን ዝኾነ ምሥጢረ ሥላሴ እዩ። እዚ ምሥጢር ካብ ደቂ ሰባት ንሒደት ቅዱሳን እንተዘይኮይኑ ብፍላይ ኣብ ዘመነ ብሉይ ክውል ዝነበረ ዓቢ ምሥጢር ኣምላኽ እዩ። ማቴ ፫፥፲፮-፲፯ ፩ይ ጢሞ ፫፥፲፮ 

ንሰማይ ዝኸፈትን ዝዕጾን ደገን መሳኹትን ዘይብሉ ክነሱ ጐይታና ምስ ተጠምቀ ግና ሰማያት ተኸፊቶም ይብል። ደገን መሳኹትን ኣባይትና ምስ ዝኽፈት ኣብ ውሽጡ ዘሎ ንብረትን ነገራትን ከምዝርአን ግሁድ ከምዝኸውንን ብኸምኡ ተምሳል ድማ ሰማያት ተኸፊቶም ምባሉ ኣብ ዘመነ ኵነኔን ፍዳን እቲ ክውል ሰማያዊ ምሥጢር ንደቂ ሰባት ከምዝተጋህደ ዘመላኽት እዩ። በዚ መሠረት ድማ ወልድ ብፍሉይ ኣካሉ ሰብ ኮይኑ ብኢድ ዮሓንስ ኣብ ዮርዳኖስ ክጥመቕ ከሎ መንፈስ ቅዱስ ድማ ከም ምምልካት ኢድ ብኣምሳለ ርግብ ወሪዱ ኣብ ርእሲኡ ዓለበ፡ አብ'ውን ብደመና ኮይኑ ኣብ ማእከለ ዮርዳኖስ ንዝቖመ ጐይታናን መድኃኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ መለኮት ካብ ሥጋ ከይፈለየ ብሓደ ኣካል ብሓደ ባህርይ “ብኡኡ ዝሠመርኩ ፍትዊ ወደይ እዚ እዩ” በለ ማቴ. ፫፡፲፯። በዚ ኸኣ ኣብ ሓደ እዋን ሠለስቱ ኣካላት ሥላሴ ተገሊጾም። ኣጋእዝተ ዓለም ሥላሴ ንዓለም ፈጢሮም ዝገዝኡ ብኣካል ብግብሪ ብስም ሠለስተ ብመለኮት፡ ብስልጣን፡ ብህልውና፡ ብኣገዛዝኣ፡ ብምፍጣር፡ ብምሕላፍ ነዚ ዓለም እዚን ካልእን ነዚ ብዝመስሉ ነገራትን ሓደ እዮም። ስለዚ ኢና ድማ ብስም ሥላሴ ንጥመቕ። ንሱውን ዝመጸሉ ዓቢ መደብ ፈጺሙ ቅድሚ ካብ ሓዋርያት ምፍላዩ ዝኣዘዞ ብስም ሥላሴ ክንጥመቕ ከምዘሎና እዩ (ማቴ ፳፰፥፲፱) 

እሞ ኣብዛ ክብርቲ ዕለት ጐይታ ንደቂ ሰባት ዝተጋሃደልና ዓቢ ምሥጢር ኣንክሮ ተዘክሮ እናገበርና ብጥንቃቐ ምሥጢር ከየፋለስና ክንፈልጦን ክንዕቅቦን ይግባእ። ኣብ ምድሪ፡ ርስቲ ኣቡኡ ዝወርስ ዓዱን ኣቡኡን ብንጹር ዝፈልጥ ሰብ ከም ዝኾነ ንሕናውን ብጥምቀት ደቂ ሥላሴ ተባሂልና ሰማያዊ ርስቲ ክንወርስ እንተደኣ ኮይንና ቅድሚ ኵሉ ምሥጢረ ሥላሴ ካብ ኣቦታትና ክንመሃር ይግባእና። ቀጺልና ድማ ድኅነት ናይ ዝረኽብናሉ ኣምላኽ ምእንታና ሰብ ናይ ዝኾነሉ ምሥጢረ ሥጋዌ፤ ከምኡውን ስርየት ሓጢኣትን ውልድነት ሥላሴን ናይ እንረኽበሉ ጐይታ ባዕሉ ንዝሰርዓልና ምሥጢረ ጥምቀት፤ ከምኡውን ስሌና ዝቖረሶ ቅዱስ ሥግኡን ዘፍሰሶ ክቡር ደሙን በሊዕናን ሰቲናን ዘለኣለማዊ ሕይወት እንረኽበሉ ምሥጢረ ቍርባን፤ ዳኅራይ ድማ ካብዚ ዓለም ምስተፈለና ተንሢዕና ከከም ቅኑዕ እምነትናን ሰናይ ግብርናን ኣብ ፍርዲ እንቐርበሉን ዘዳለወልና ርስቲ መንግሥተ ሰማያት እንወርሰሉን ወይውን እንኵነነሉን ምሥጢረ ትንሣኤ ምውታን ብዝግባእ ከነጽንዕ ይግባእ። ከመይሲ ትምህርተ ሃይማኖት ክብርቲ ተዋሕዶ ሃይማኖትና ኣብዘን ሓሙሽተ ኣእማድ ዝተመሥረተ ስለዝኾነ። ስለዚ ጥምቀት ጐይታ ነዚ ኵሉ መሠረት ናይ ዝኾነ ምሥጢረ ሥላሴ ዝተጋህደሉን ናይ ጐይታናን መድኃኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ሓደ ኣካልነትን ሓደ ባህርይን ዝተነጸረሉ ስለዝኾነ ስለዛ ክብርቲ ዕለት ንኣምላኽና ስብሓትን ውዳሴን ከነቕርበሉ ይግባእ። ምኽንያቱ ብመጠኑ ምሥጢር ኣምላኽ ክንፈልጥ ኣምላኽ ፈቒዱልና ደኣ እምበር ንሕና ደኣ መን ኮይንና ነዚ ክንበቅዕ፧! 

መምህረ ትሕትናን ሥርዓትን 

ጐይታናን መድኃኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ምጥማቕ ዘድልዮ ኮይኑ ኣይኮነን ናብ ቅዱስ ዮሓንስ ክጥመቕ ዝመጸ፤ ይኹን ደኣ እምበር ከምቲ ባዕሉ ጐይታ ዝበሎ ግና “ኵሉ ጽድቒ ንምፍጻም” ናብ ዮሓንስ ወልደ ዘካርያስ መጸ። ጐይታ ኣብ መዋዕል ስብከቱ ዝገበሮ ብዙኅ ነገራት ንዓና ኣርኣያ ክኾነና፡ ንሕና ክንገብሮ ዝግብኣና ኩሉ ኣብነት ክኾነና እዩ። ጥምቀት ጥራይ ኣይኮነን ምጻም ዘየድልዮ ጐይታ ጾይሙ እዩ፤ መከራ ዘይግብኦ መከራ ጸጊቡ እዩ፤ ሞት ዘይግብኦ ስሌና ኣብ ክንዳና ሞይቱ እዩ። ኵሉ ስሌና እዩ! በቲ ሓደ ኣብነት ክኾነና በቲ ካልእ ድማ መገዲ ድኅነት ከረእየና፤ ብኵሉ ድማ ኣብ ክንዳና ካሕሳ ክኸፈልን ክብጀወናን። 

ጥምቀት ዮሓንስ ናይ ንስሓ ነበረት። ጐይታ ግና ኣብ ክንዲ እቲ ንስሓ ዝግብኦ ሰብ ኣዳም ተጠምቀ እምበር ንሱስ ወሃቢ ሕይወት ተቐባሊ ንስሓ እዩ። ዝገበሮ ምእንቲ ሰብ ምዃኑ ድማ ከረድእ ሰብ ኮይኑ ኣብ ሞንጎ እቲ ሕዝቢ ዝተረኽበን ከምኡ ድማ ኣብ ቅድሚ ዮሓንስ ክጥመቕ ዝቐረበን። ዮሓንስ ግና ስለዝፈለጦ “ንኣይ ኣባኻ ምጥማቕ የድልየኒ ንስኻዶ ናባይ ትመጽእ፧” ኢሉ ትሕትና ዝመልኦ ቃል ኣውሰአ። ኣቤት ክንደይ ዝኣክል ትሕትና እዩ ናይ ጐይታ፧! ነዚስ መግለጺ ይርከቦ'ዶ ይኸውን፧ ሰማይን ምድርን ዝፈጠረ ኣምላኽ ብኢድ መሬታዊን ፍጡሩን ቅዱስ ዮሓንስ ክጥምቕ ናብኡ ምኻዱ ዕጹብ ነገር እዩ። በቲ ጊዜ እቲ ኵሉ ሰብ ኃጢኣቱ እናተናዘዘ ብኢድ ዮሓንስ ይጥመቕ ነበረ። ንጽሕናን ቅድስናን ናይ ባህርይኡ ዝኾነ ጐይታ ግና በደል ኣዳም ጸይሩ ኣብ ቅድሚ ዮሓንስ ቀረበ። ኣዴና ቅድስት ድንግል ማርያምውን ንጽሕተ ንጹሓን ቅድስተ ቅዱሳን ክነሳ ሥርዓት ክትፍጽም ግና ኣብ ቤተ መቕደስ ተረክበት (ሉቃ ፪፦፳፪) እወ ኃጢኣት ኣዳም ዘይተንከፋ ብግብሪ መንፈስ ቅዱስ ብድንግልና ንኣምላኽ ዝጸነሰት ክነሳ መስዋእቲ ሒዛ ናብቲ ቤተ መቅደስ ከደት እምበር ንሳስ ምንጻሕ ዘድልያ ኮይኑ ኣይኮነን፤ ትሕትና ከምዚ እዩ። ትሕትና ዮሓንስ መሠረቱ ኣብ ትሕትና ኣዲኡ ይረአ እዩ። ኣዴና ድኅሪ ብስራት ቅዱስ ገብርኤል ሓትነኣ ናብ እትኸውን ኤልሳቤጥ ንዝባን ይሁዳ ምስ ደየበት እሞ ምስረኸበታን ሰላምታ ምስ ሃበታን ኣብ ማኅጸና ዝነበረ ዮሓንስ ተሰራሰረ እሞ ከምዚ በለት “… ኣደ ጐይታይ ናባይ ክትመጺኸ እዚ ኻበይ ኰነለይ..”። ስሙር ቃል ትሕትና ኣደን ውላድን ክንደይ ባህ ዘብል እዩ። ሎሚ'ኸ ቃልናን ኣባሃህላናን ምስ መን ይሰማማዕ ይኸውን፧ ምስቶም ቅድስና ዝመለለይኦም ወለድናን ቀዳሞትን ዋላስ ባህርያትን ቃልን ዓለም ተላቢስናዮ ንዓለም ንመስላ ኣሎና፧ 

ትሕትና ጐይታ መንክር ኢልካ ካብ ምሕላፍ ካልእ መግለጺውን የብሉን። ዮሓንስ’ውን እቲ ልዕልንኡ ዝመስከረሉ ጐይታ ናብኡ ምስ መጸ ኣነ እባ ብኣኻ ክጥመቕ ዝግብኣኒ እንተበለውን ክጥመቕ ዝመጸ ምዃኑ ጐይታ ነገሮ። እስቲ ነስተውዕል! ዋላ በቲ ምድራዊ ሥርዓተ ክህነት እንተኸድናውን ሕጂውን ትሕትና ኣርእዩና ኣሎ። ክህነት ዝዕድል ሰማያዊ ሊቀ ካህናት ንሱ ብኢድ መሬታዊ ዮሓንስ ተጠምቀ። ክህነተ መልከ ጼዴቅ ልዕሊ ክህነተ ኣሮን እያ። (ዕብ ፯) ብሥርዓት መልከጼዴቅ ካህን ዘለኣለም ዝተባህለ ጐይታ ግና ብኢድ ዘርኢ ኣሮን ዝኾነ ዮሓንስ ተጠምቀ (መዝ ፻፲)። እዚ ትሕትና እዩ። ባዕሉ ምሕረት ናይ ባህርይኡን ኣብ ኢዱን ዝኾነ ካህን ዘለኣለም ክነሱ ነቲ ምሕረት ዝገበረሉ ኪድ ነፍስኻ ንካህን ኣመርምር ኢሉ ሰደዶ በዚ ድማ ትሕትናን ሥርዓትን መሃረ። (ማቴ ፰፥፬) 

ብሥልጣኑን ብኣምላኽነቱን ኵሉ ክገብር ዝከኣሎ ጐይታ ግና ኣርኣያ ክኾነናን ትምህርቲ ክህበናን ድኅሪ 40 መዓልትን ለይትን ምጻሙ ተፈተነ። እወ መምህር ትሕትና ስለዝኾነ ደድኅሪ ጥምቀቱ ሕጂውን ብፈቓዱ ብዲያብሎስ ኣብ ገዳመ ቆሮንቶስ ተፈተነ። (ማቴ ፬፥፩-፲፩) ጐይታ ግና ብትዕቢት ንዝመጾ ብትሕትና ሰዓሮ። ከምቲ ሥርዓት ክፍጸም ክጥመቕ 30 ዓመት ተጸበየ እምበር ጌና ወዲ 12 ዓመት ነቶም መምህራነ ኦሪት ዘደነቖም ሽዑ ክገብሮ ቅድሚኡውን ክገብሮ ይኽእል ነይሩ። ግና ኵሉ እናኸኣለ ብትሕትና ተጸበየ። ብትሕትና ድማ 40 መዓልቲ ጾመን ጸለየን። ኵሉ ነገራቱ ከምቲ ሕጊ መጽሓፋዊን ሕጊ ጠባያዊን ብሥርዓት ዝፈጸሞ ኣብ ኵሉ ድማ ትሕትና መሃረና። 

እምበኣር ጐይታና ልዑል ክነሱ ብትሕትና ብኣገልጋሊኡ ብኢድ ቅዱስ ዮሓንስ ክጥመቕ ብፍጹም ትሕትና ናብ ዮርዳኖስ እንተዘይመጽእ ነይሩ ሎሚ ሰብ ጸጋ ሃብታማት፡ ምሁራት፡ ዓበይቲ ዓዲ፡ ኃያላት መሳፍንትን መኳንንትን ኣብ ዝዕብልልዋን ዘመሓድርዋን ኵሉ ኣብ ኢዶም ገይሮም በዚኣ እተዉ በቲኣ ውጹኡ ዝብሉላ እዚኣ ዓለም እዚኣስ ሥርዓት ቤተ ክርስቲያን እንታይ ምመሰለ፧ ክንደይ “መጺእኩም ኣጥምቑና” ዝብሉ ድምጽታት ምሰማዕና፤ክንደይ ምውድዳርን ምፍልላይን ድማ ምረኣና ነይርና። ኵሉ ኣብ ቅድሚ እግዚአብሔር፡ ዓለማዊ ትሕዝትኡ ልዕልንኡን ብዘየገድስ ሓደ ብምዃኑ ኣብ ቅድሚ ቤተ ክርስቲያንውን ብሓደ ሥርዓት ይግለገል ኣሎ። 

ጐይታና፡ ፈጣሪ ዓለማት ክነሱ ብኢድ ኣገልጋሊኡ ክጥመቕ ናብ ዮርዳኖስ ወረደ። ኣብነቱ ድማ “ኣነ ድማ ዮርዳኖስ ወሪደ ብኢድ ኣገልጋሊየይ ከምዝተጠመቕኩ ንስኻትኩም’ውን ናብ ቤተ ክርስቲያን ኬድኩም ብኢድ ካህናት ተጠመቑ” ክብል ከሎ እዩ። ስለዚ'ውን ቤተ ክርስቲያንና ካብ ካልኦት ኵሎም ቅዱሳን ብዝተፈልየ ንዝተዋህቦ ጸጋ ብምዝካር ቅዱስ ዮሓንስ “መጥመቀ መለኮት” ኢላ ከተኽብሮን ክትጽውዖን ከላ ትኅትና ኣምላኽና ኸኣ ዕፁብ ድንቂ እዩ እናበለት ወትሩ ትሰብኽ። ጐይታና ኣብ ፈለገ ዮርዳኖስ ዝተጠምቐ ነታ ውሉድነት እተውህብ ናይ ምሥጢራት ቤተ ክርስቲያን ኣፍ ደገ ዝኾነት ጥምቀት ባሪኹ ቀዲሱ ንምሃብ እምበር፡ ክብርን ጸጋን ዘወስኸሉ ኮይኑ ኣይኮነን፡ ምኽንያቱ ወሃቢ ኵሉ ጽድቅን ክብርን ባዕሉ ስለዝኾነን፡ ካብ ካልእ ዘይረኸቦ ናይ ባህሪኡ ብምዃኑን እዩ። 

ጐይታ ብምጥማቑ ኣብነትን ብኡ ኣቢሉ ድማ ንጥምቀት ባሪኹን ቀዲሱን ምሃቡ ጥራይ ዘይኮነስ ብኸመይ ኣገባብ ክንጥመቕ ከምዝግባእናውን ሥርዓት ሰሪዑልና እዩ። እዚውን ጥምቀት ብማይ ዝፍጸም ምዃኑ፤ በቲ ዝግብኦን ነቲ ምሥጢር ክፍጽም ብቕዓት ዘለዎ ኅሩይ ሰብን (ክህነት ዘለዎ) ክፍጸም ዘለዎ ምዃኑን፤ ጥምቀትውን ብምንጻግ ማይ ዘይኮነስ ኣብ ማይ ብምጥላቕ ክኸውን ከምዝግባእ ባዕሉ ኣርኣያ ኮነና። (ማቴ ፫፦፲፮) ሓዋርያትውን ነቲ ዝገደፈሎም ትምህርትን ኣብነትን ተኸቲሎም ብኸምኡ ይፍጽሙ ነይሮም። (ግብ ፰፥፴፱) ምኽንያቱ ኣብ ማይ ምጥላቕን ምውጻእን ምስ ክርስቶስ ናይ ምማትን ምትንሣእን ምሳሌ ስለዝኾነ። 

ጽድቂ ምፍጻም 

ጽድቅን ክብርን ናይ ባህርይኡ ዝኾነ ጐይታና ምንጪን መሠረትን ኵሉ ጽድቅን ክብርን ቅዱሳን እዩ። እቲ ነቢይ ከምዝበሎ ንሱ ንኵሉ ዓለም ዘብርህ ፀሐየ ጽድቅ እዩ። (ሚክ ፬፥፪) 

ጐይታ ክጥመቕ ኣብ ዝቐረበሉ እዋን ቅዱስ ዮሓንስ ብትሕትና ኣነ ብኣኻ ክጥመቕ ይግብኣኒ እምበር ኢሉ ምስተዛረቦ “ኵሉ ጽድቂ ክንፍጽም ይግብኣና” ኢሉ ንኽጥመቕ ፍቓዱ ምዃኑ ምስ ነገሮ ክጥመቕ ሓደጐ። ከምኡ ዝበሎ ድማ ብዛዕባ ክፍጽሞ ዘለዎ ትንቢት ነቢያት ምዃኑ ንሱ ድማ ክፍጸም ግድን ምዃኑ ክነገሮ ስለዝደለየ እዩ። ስለዚ ድማ ዮሓንስ መጥመቀ መለኮት ተባሂሉ ክብሩ ክንገረሉ ጐይታ ድማ ብኢድ ባርይኡ ብትሕትና ተጠመቐ ተባሂሉ ክሳብ ሕልቀተ ዓለም ክንገር ይነብር ኣሎ። ከምኡ ድማ ጐይታ ብብስራት መልኣኽ ኣብ ማኅጸን ኣዲኡ ከሎ ዝጀመሮ ናይ ምሕረትን ምድኃንን ስራሕ ከምቲ ኣቐዲሙ ብነቢያት ዘዛረቦ ንኵሉ ሓቂ ክፍጽም ስለዝመጸ እዩ። 

መንነት ጐይታ ብንጹር ዝፈልጥ ቅዱስ ዮሓንስ እንታይ ኢሉ ከምዘጥምቖ ንምፍላጥ “ኦ ጐይታ፡ ብስም መን ከጥምቐካ እየ” ኢሉ ሓተቶ ጐይታ'ውን “ወልዱ ለቡሩክ ከሣቴ ብርሃን ተሣሃለነ፡ አንተ ካህኑ ለዓለም በከመ ሢመቱ ለመልከ ጼዴቅ” ትርጉሙ ከኣ ወዲ ብሩኽ አብ ዝኾንካ ብሩኽ ወልድ ብርሃን እትኸስት (እተብርህ) ይቕረ በለልና፡ ከም ክህነት መልከጸዴቅ ዘለኣለማዊ ካህን ኢኻ” እናበልካ ኣጠምቐኒ ኢልዎ፤ ከምቲ ዝበሎ ኢሉ ድማ ኣጥሚቕዎ። 

ሎሚ'ከ ንሕና'ውን ነቲ ኣብቲ ቅዱስ መጽሓፍ ብዘሎ ትእዛዝን ቃል እግዚአብሔርን ተመሪሕና ነቲ ቃል ሓቅን ጽድቂን ክንፍጽም ከምዝግባእና ዓቢ ኣርኣያ ገዲፉልና ኣሎ። እወ ጐይታ ካባና ዝጽበዮ ነቲ ቃል ጽድቂ ሰሚዕና ክንፍጽምን ፍረ መንፈስ ከነፍርይን እዩ። ብትሕትናን ፍቕርን እግሪ ሓዋርያቱ ሓጺቡ ንስኻትኩምውን ነንሕድሕድኩም ከምኡ ግበሩ ኢሉ ኣርኣያ ዝገደፈልና ጐይታ ናብራና ናብራ ጽድቂ ፍኖትና ፍኖተ ጽድቂ ክኸውን ጐይታና ጽድቂ ክንፍጽም ይምህረና። መንፈሳዊ ጽድቂ ዘውህብ ሕግን ሥርዓትን ቤተ ክርስቲያንና ስምዑኒ እናበለ ድምፁ የድሂ ደውልውን የስምዕ ኣሎ፤ ሰማዒ ግና ኣይረክብን ዘሎ። ናብ ቤት እግዚአብሔር ንቕረብ፤ ሕግን ሥርዓትን ቤተ ክርስቲያን ንፍለጦ። ጽድቂ ዝመሠረቱ ሥርዓት ኣቦታትናውን በቶም ክዕቀብዎን ከዐቅብዎን ዝተሾሙ ክሰዓር ክንርእዮ ከሎና ክገርመና ይኽእል እኸውን። ሎሚ ሓዋርያዊ ቃል ተረሲዑ ካብ እግዚአብሔር ንሰብ ምሕጓስን ምእዛዝን ዝምረጸሉ ዘመን በጺሕናዮ ስለዘሎና ስለእቶም ከቢድ ሓላፍነት ኣብ ዝባኖም ዘሎ ኣቦታትና ጸሎት ምግባር ይግባእና። ምኽንያቱ እቲ ቃል “ኵሉ ጽድቂ ክንፍጽም” ከምዝግባኣና እዩ ዝምህረና! እቲ ተነስሑ ዝብል ቃለ ዓዋዲ ይዕውድ ኣሎ። 

ፍሉይነት ኣበዓዕላ በዓል ጥምቀት 

ጥምቀት ጐይታናን መድኃኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ኣብ ምሉእ ዓለም ከከም ሥርዓትን እምነትን ሃገራት ዝበዓል ኮይኑ ኣብ ሃገርና ግና ፍሉይን ግብራዊ ትርጉም ብዘለዎን፡ ሥዕላዊ ትምህርቲ ብዝህብን፡ ብሉይን ሓዲስን ብዘወሃሃደ መልክዕን ኣገባብን ብድሙቕ ክብዕል ዘመናት ኣቝጺሩ ኣሎ። እዚ ድማ ትውፊቱን ምሳሊኡን ካብ ዘመነ ብሉይ ኣትሒዙ ዝጀመረ ኮይኑ ሃይማኖታዊን ምሥጢራዊ መልእኽቱን ዓቂቡ ይቕጽል ኣሎ። 

ጥንተ ታሪኽ ናይዚ ሥርዓት ምስ ንርኢ እስራኤላውያን ዘኽብርዎምን ዝጾምዎምን ዝተፈላለዩ በዓላትን ኣጽዋማትን ነይርዎም። እዚኦም ድማ ምሳሌያውን ከም ምንባሮም ፍጻሜኦምን መልእኽቶምን ግና ናብ ሓዲስ ኪዳን ዝሰግር ነበረ። ካብቶም በዓላት ሓደ ድማ በዓለ መጸለት ይበሃል። እዚ በዓል እዚ እስራኤላውያን ንባሕሪ ከፊሉ ብደመና ኣጽሊሉን ከዊሉን ካብ ባርነት ሓራ ንዘወጽኦም እግዚአብሔር ንምምስጋንን መዓልቲ ሓርነቶም ንምኽባርን በቲ ሓደ፤ እዋን ምዝዛም ዘመነ ቀውዒ ድማ ንምዝካርን ንምምስጋንን በቲ ካልእ ናብ ወሰናስን ኣፍላጋት ብምውራድ ዳስ ብምትካል ዓመት መጸ ካብ ወለዶ ናብ ወለዶ ይዝክርዎ ነበሩ። ኣብ ክንዲ በዓለ መጸለት ድማ ኣብ ዘመነ ሓዲስ በዓለ ጥምቅት ተተከአ። ኣብ ዘመነ ሓዲስ ድማ ታቦታት ናብ ወሰናስን ኣፍላጋት ብምውራድ ዳስ ብምትካልን ጽላላት ብምዝርጋሕን ጐይታ ኣብ ባሕረ ዮርዳኖስ ወሪዱ ነቲ ኣብ መዓሙቕ ዮርዳኖስ ተደርብዩ ዝነበረ ደብዳቤ ዕዳና ደምሲሱ ሓርነትና ዓወጀልና እናበልና ነኽብሮ። 

ብኻልእ ምሳሌ ድማ እስራኤላውያን ካብ ባርነት ግብጺ ሓራ ወጺኦም ናብ ዓዶም ቅድሚ ምእታዎም ብመሠረት ካብ እግዚአብሔር ዝተዋህቦም መምርሒ ብመሪሕነት ኢያሱ ባሕረ ዮርዳኖስ ክሰግሩ ከለዉ እቶም ነቲ ታቦት ዝጾሩ ካህናት ኣቐዲሞም ነቲ ባሕሪ ብኣእጋሮም ምስ ረገጽዎ እቲ ባሕሪ ናብ ክልተ ከምዝተኸፍለን እቲ ሕዝቢ ድማ ደድኅሪ ካህናት ከምዝሰገርዎን ነታ እግዚአብሔር ዘተስፈዎም ምድሪ ከምዝወረሱ ብሰፊሑ ኣብ ቅዱስ መጽሓፍ ዝተገልጸን ዝፍለጥን ታሪኽ እዩ። እዚ ትንቢታዊ ምሳሌ ቅዱስ ዳዊት ብኣንክሮ ዝዘከሮን ዝዝመረሉን እዩ፤ ቅዱስ ዳዊት ነቲ ኣብ ዘመነ ኢያሱ ካብ ቅድሚ ታቦት ንዝሃደመት ባሕሪ ዮርዳኖስን ንዝተሰራሰሩ ኰረቢትን ዘኪሩ ሕሉፍ እናዘከረ “ባሕሪ እንታይ ኴንኪ ዝሃደምኪ፡ ኣታ ዮርዳኖስከ ንድሕሪት እተመለስካ፡ ኣቱም ኣኽራን ከም ደዓውል ኣቱም ኰረቢትሲ ከም ዕያውቲ እተሰራሰርኩም እንታይ ኴንኩም ኢኹም” ብምባል ብኣስተንክሮ ይሓትት እሞ በዓሉ ድማ ኣስዒቡ “ኣብ ቅድሚ እቲ ነኻውሕ ናብ ቀላያት ንዓረ ናብ ዓይኒ ማያት ዝለወጠ እግዚአብሔር ኣምላኽ ያዕቆብ” ኢሉ ይመልሶ። ባሕረ ዮርዳኖስ ካብቲ መኅደሪ እግዚአብሔር ካብ ዝኾነ ታቦት ቀደም ከም ዝሃደመት ሕጂ ኣብ ዘመነ ሓዲስ ድማ እቲ ኣብ ታቦት ዝሓድር እግዚአብሔር ሥጋ ለቢሱ ናብኣ ምስ መጸ ክንደይ እሞ ዘይትሃድም፤ ክንደይ ከ ኣኽራን ከም ደዓውል፡ ኰረቢት ከም ዕያውቲ ዘይሰራሰሩ። ቤተ ክርስቲያን ነዚ ብሉይን ሓዲስን፤ ምሳሌን ፍጻሜን ዘወሃሃደ በዓል እያ ተኽብር። 

ብጥቕልሉ እቲ መሠረት እስራኤል ሩባ ከፊሎም ምስጋሮም ክኸውን ከሎ ፍጻሚኡ ግና ጥምቀት ጐይታ እዩ። እስራኤል ዘሥጋ ዮርዳኖስ ተኸፊልሎም ናብ ምድረ ርስቲ ከምዝኣተዉ ጐይታውን ጥምቀት ባሪኹ ናብ መንግሥተ ሰማያት ንዝሰጋገሩ ምእመናን ማዕጾ ምኽፋቱ እዩ። 

ጐይታናን መድኃኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ክጥመቕ ናብ ዮርዳኖስ ከምዝወረደ ዮሓንስውን ንጐይታ ከጥምቖ ኣብ ፈለገ ዮርዳኖስ ከምዝተረኽበ ሎሚውን ቤተ ክርስቲያን ማኅደር እግዚአብሔር ዝኾኑ ታቦታት ካብ መንበሮም ተላዒሎም ማይ ናብ ዝርከቦ ኣፍላጋትን ቀላያትን ብምውራድ ምሉእ ለይቲ ምስቲ ዕለት ብዝሰማማዕ ማኅሌትን ስብሐት እግዚአብሔር ክብጻሕ ይኅደር። ምእመናን'ውን ካብ ልሂቅ ክሳብ ደቂቅ ነቶም ታቦታት ኣሰንዮም ብምውራድ ንኣምላኾም ዘለዎም እምነት ፍቕርን ኣኽብሮትን ብፍሉይ ኣገባብ ይገልጹ። እዚ ንኣኽባሪኡ ይኹኑ ንተዓዛቢኡ ዓቢ ትርጉምን መልእኽትን ዘለዎ ሥርዓትና ብዝግባእ ክንዕቅቦ ድማ ይግባእ። ብመዝሙርን ስብሓትን ንታቦት እግዚአብሔር ምስናይ ድማ ዓቢ በረኸት ዘለዎ ምዃኑ ብቅዱስ ዳዊት ዝተመስከረ እዩ። 

መደምደምታ 

እዚ ዘሎናዮ እዋን ቅነ በዓላት እዩ። በዓላት ስለቲ ምስ መምኽንያቱ ኣብ ፍኖተ ሕይወትና ኣብ ዝተወሰነ ምዕራፍ ደው ኢልና መንክር ዝኾነ ግብሪ እግዚአብሔር ክንዝክር ስለዝገብሩናን ብኡኡ ድማ ዝረኸብናዮ ጸጋ ከንስተውዕሎ ዘንቅሑናን ዝጽውዑናን ደወላትና ስለዝኾነ ነዚ ዓቢ ግብሪ ዝፈጸመልናን ዝሰርዓልናን እግዚአብሔር ከነመስግን ይግባኣና፤ ነዚ ዓቢ መልእኽቲ ዘለዎ በዓል ጐሊሑ ብዝረአ ሕያው በዓል ሰሪዖም ዘከናወሉልናን ክሳብ ኣብዚ ወለዶ እዚ ዝዓቀቡልናን ኣቦታትናን ክንዝክሮምውን ይግባኣና። እንተ ዘየጽንሑልና'ዶ ምረኸብናዮ ነይርና፧ ንሕናውን ነቲ ዝቕጽል ወለዶ ምእንቲ ከነሰጋግሮ ሥርዓቱ ዓቂብና ከነኽብሮ ኣሎና። ንሕና ኣብዚ ወለዶ እዚ ዘሎና ኣገልገልቲ ይኹን ምእመናን በዓላት ስለ በዓልነቶም ጥራይ ከምኡ'ውን ብደጋዊ መልክዖምን ቅዱስ ባህላዊ ነጸብራቖም ጥራይ ዘይኮነስ ብዓቢዩ ሕይወት ምስ ተረፉ ምስ ዝህብዎ ውሳጣዊን ኣማናዊን ትርጉም ከነስተንትኖም ድማ ይግባኣና። 

ንሕና'ከ ኣበይ ኢና ንምደብ ምስ ኣይኖት ኢና'ከ፧ ምስቶም ነቲ ትርጉም ናይቲ በዓል ተረዲኦም ከምቲ እግዚአብሔር ዝፈትዎን ዝሰርዖን ዘኽብሩ ዋላስ ባህላዊ ትርጉሙ ጥራይ ሒዞም ኣብ ሥጋዊን ዓለማዊን ፈቓዳቶም ዝጥቀሙሉ፧ እዚ በዓል እዚ ሓደ ካብ ዓበይቲ በዓላት ጐይታናን መድኃኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ምዃኑ ተረዲእና ብዙኅ ምሥጢራት ዘለዎ ምዃኑ'ውን ፈሊጥና ከምቲ ዝግባእ ገይርና ከነኽብሮ ይግባእ። 

ሰብሐት ለእግዚአብሔር ወለወላዲቱ ድንግል ወለመስቀሉ ክቡር።

 

ምንጪ፣  ጦማረ ማዕዶት

 

Comments are closed.