ቅድስት ካልኣይ ሳምንቲ ዓቢይ ጾም ቅድስት

በስመ አብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ አሐዱ አምላክ አሜን።

መዝሙር ዘቅዱስ ያሬድ

ግነዩ ለእግዚአብሔር ወጸውኡ ስሙ

ምስባክ

እግዚአብሔርሰ ሰማያተ ገብረ

አሚን ወሰናይት ቅድሜሁ

ቅድሳት ወዕበየ ስብሐት ውስተ መቅደሱ።

እግዚአብሔር ግና ሰማያት ገብረ

ግርማን ክብረትን ኣብ ቅድሚኡ

ሓይልን ጽባቐን ኣብ መቕደሱ እዩ።    መዝ .96-5።

ወንጌል ማቴ.6-1-25።

                                ግ.ሓዋ.10፣7-30።   1ተሰሎ.4፣1-13።     1ጴጥ.1፣13-ፍጻሜ              

ቅዳሴ .ዘኢጲፋንዮስ

ቅድስት

       ኣብ ዓቢይ ጾም (ጾመ ኣርብዓ) ካብ ዝርከቡ ሸሞንተ ሰናብቲ እታ ካልኣይቲ “ቅድስት” ተባሂላ ትፍለጥ። ከምቲ እቲ ዕለት ዝሕብሮ ኣብዛ ሰንበት እዚኣ ብፍላይ ብዛዕባ ቅድሳና እግዚአብሔር፡ ክብርን ቅድስናን ዕለተ ሰንበት ስለዝዝረብ ቅድስት ተባሂላ ተሰምያ ኣላ። ትርጉም ናይቲ ቃል ምስ ንርኢ ድማ ቅዱስ ማለት ፍሉይ፡ ክቡር፡ ዝተቐደሰ ማለት እዩ። ቅድስት ማለት ድማ ፍልይቲ፡ ክብርቲ፡ ዝተቐደሰት ማለት እዩ። እቲ ምሥጢሩ ግና ጐይታናን መድኃኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ኣብ ገዳመ ቆሮንቶስ ኣትዩ ንዝጽሞ ጾመ ኣርብዓ እታ ፈላመይቲ ክብርትን ፍልይትን ዕለት ስለዝኾነት ቅድስት ተባሂላ ተሰይማ ኣላ። (ማቴ 4፥2) ካብ ሰኑይ ናይ ቅድስት ጀሚሩ ክሳብ መፈጸምታ ጾመ ኣርብዓ ዘሎ ድማ ጾመ ኢየሱስ ተባሂሉ’ውን ይፍለጥ፤ ነተን ጐይታ ዝጾመን ኣርብዓ መዓልቲ ጥራይ ዝጠቅስ ማለት እዩ። ቅድስት ናይ ዓቢይ ጾም ካልኣይቲ ሰንበት እያ።

እዛ ሰንበት እዚኣ ነዚ ስያመ ካብቲ ናይ ቤተ ክርስቲያንና ናይ ዜማ ሊቅ ቅዱስ ያሬድ እያ ረኺባቶ። ናይዚ እዋን ኣርእስተ መዝሙርን መኽፈሊ እቲ ድጓ ኮይኑ ስለዝጽውዓሉ ድማ ቅድስት ትበሃል። ካብ ዋዜማ ናይዚ ሰንበት ኣትሒዙ ድማ ብዛዕባ ቅድስና ሰንበት ይዝመርን ይስበኽን። ቤተ ክርስቲያንውን ነዛ ዕለት ምኽንያት ብምግባር ብዛዕባ ቅድስና ሰንበትን ምሕረት እግዚአብሔርን ኣስፊሓ ትምህርን ትነግርን። ኵሎም ኣብዚ ዕለት ብፍላይ ከኣ ኣብ ጊዜ ቅዳሴ ዝንበቡ መልእኽታት፥ ምስባክ፥ ግብረ ሓዋርያት ይኹን ወንጌል ብዛዕባ ቅድስና እግዚአብሔርን፡ ንሕናውን ንእግዚአብሔር ብቅድስና ክንግዛኦ ከምዝግባእ ዝምህሩን መልእኽቲ ዘመሓላልፉን እዮም።

ቀንዲ መልእኽቲ ናይዚ ዕለት ክንርእዮ ከሎና ድማ ብዛዕባ ቅድስና እግዚአብሔር ኮይኑ እቲ ናባና ዝቀነዐ መልእኽቱ ድማ ሰባት ብዛዕባ ክነብሩሉ ዝግባእን ዝተኣዘዝዎን ናብራ ቅድስና እዩ። እግዚአብሔር ኣምላኽ ብባሕሪኡ ቅዱስ እዩ። ነዚ ቅድስና ድማ ካብ ካልእ ዝረኸቦ ዘይኮነስ ናቱ ናይ ባዕሉ ገንዘቡ እዩ፤ ስለዚ እዩ ድማ ቅድስና ናይ ባሕሪኡ እዩ ንብል። በዚ መሠረት ከኣ ብቅዱሳን መላእኽቲ ይኹን፡ በቶም ኅሩያቱ ወትሩ “ቅዱስ ቅዱስ ቅዱስ” እናተባህለ ክምስገን ይነብር። (ኢሳ 6፥1-3 ፤ ራእ 4፥8) መሠረትን ምንጭን ኵሉ ዓይነት ቅድስና ድማ ባዕሉ እግዚአብሔር እዩ። ከም ፍቓዱ ድማ ነቲ ዝግብኦ ዝቕድስ፤ ዘኽብር፤ ቅድስና ዝዕድል ንሱ ሓደ እግዚአብሔር ጥራይ እዩ። 

ሓቂ እዩ “ቅዱስ” ዝብል ቃል ንፍጡራት ከከም ዝግብኦም ይቕጸለሎም እዩ። በዚ መሠረት ድማ ቅዱሳን መላእኽቲ ኢልና ንመላእኽቲ፡ ቅዱሳን (ሓዋርያት፡ ሰማእታት፡ ጻድቃን ወዘተ) ኢልና ንሰባት፡ ቅዱሳን መካናት ኢልና ንቦታ፡ ቅዱሳን ንዋያት ኢልና ንመንፈሳዊ መገልግሊ ዓቝሑት፡ ቅዱሳን በዓላት ኢልና ንዕለት ወዘተ ንቕጽል ወይ ከምኡ ኢልና ክንጽውዕ ንርከብ ኣሎና። እዚ ኵሉ ቅድስና ፍጡራቱ ግና ናይ ባሕሪኦም ዘይኮነስ ምንጪ ቅድስና ካብ ዝኾነ እግዚአብሔር ዝተረኽበን ዝተዋህበን ምዃኑ ፍሉጥ እዩ። ከመይሲ እግዚአብሔር ንሱ ቅዱስ ከም ምዃኑ ፍጡራቱ ዝኾንና ንሕና ቅዱሳን ክንከውን ይደሊ። እዚ ከምዚ ንፍጡራቱ ዝወሃብ ቅድስና ድማ ናይ ጸጋ ቅድስና ይበሃል። ነዚ’ውን ብአርአያኡን አምሳሉን ብዝፈጠሮ ኣዳም ክንርድኦ ንኽእል ኢና። እግዚአብሔር ኣምላኽ ንደቂ ሰባት ክፈጥር ከሎ ንቅድስናን ንክብርን ደኣ እምበር ንርኽሰትን ውርደትን ኣይኮነን። ስለዚ እዩ ድማ ቅዱሳት መጻሕፍት ብዛዕባ እዚ ጕዳይ ኣስፊሖምን ኣምሊኦምን ዘረድኡና። ንሱ ቅዱስ ከምዝኾነ ንዓና’ውን ቅዱሳን ኩኑ ኢሉ እዩ ኣዚዙና። ብኵሉ ናብራናውን ቅዱሳን ክንከውን እዩ ነጊሩና። “ኣነ ቅዱስ እየ እሞ፡ ቅዱሳት ኩኑ፡ ዚብል ጽሑፍ ስለ ዝሎ፡ ከምቲ እቲ ዝጸውዓኩም ቅዱስ ዝዀነ፡ ንስኻትኩምውን ብዅሉ ንብረትኩም ቅዱሳት ኩኑ።” (ቀዳማይ ጴጥ 1፥15-16) ቅዱስ ጳውሎስ’ውን ብግዲኡ “ኣምላኽሲ ንቕድስና እምበር፡ ንርኽሰት ኣይጸውዓናን” ይብል። (ቀዳማይ ተሰ 4፥7) ብተወሳኺውን ዘፍጥ 1፥26, ኤፌ 1፥3-4 ነንብብ። 

ቀዳማይ ሰብ ኣዳም ምስ በደለን ንዝተዋህቦ ቅድስና ምስ ኣጥፈአን፤ እግዚአብሔር ባዕሉ ነቲ ኣዳም ዘጥፍኦ ክብርን ቅድስናን ክመልሰሉ፤ ኃጢኣቱ ከስተስርየሉ፤ ንሞት ብሞቱ ክድምሰሰሉ ብዝተፈለየ ኣካሉ ወልደ እግዚአብሔር ፍጹም ሰብ ኮይኑ ተሰቕለሉ፡ ሞተሉን ተንሥአሉን። አማን በአማን ኣምላኽና ካብ ሞትን ጥፍኣትን ኣድኂኑና እዩ። ግና እዚ ኵሉ ውዕለት ክፍጸመልና ከሎ ብክርስቶስ ኣምላኽና ብዝረኸብናዮ ጸጋ ብሓዲስ ሰብነት ብቅድስና ክነብር እምበር ዳግማይ ብጐደና ሞትን ርኽሰትን ክንመላለስ ኣይኮነን። ወትሩ ፍሬ መንፈስ ቅዱስ ከነፍሪን፡ ካብ ኃጢኣት ክንርሕቕ እዩ እግዚአብሔር ዝጸውዓና። እወ እግዚአብሔር ቅዱስ እዩ እሞ ንሕና’ውን ብጥምቀት ውሉዱ ዝኾንና ግብሪ ቅድስና ክህልወና ይግባእ።

  ካልኣይቲ ሰንበት ዓቢይ ጾም ዝኾነት “ቅድስት” ክንዝክር ከሎና ቅድስት ናይ ዝኾነት ሰንበት ክብሪ ምፍላጥን ምኽባርን ከምዝግባእና ካልእ መልእኽቲ ናይዚ ዕለት እዩ። ክርስቲያን ዘበለ ድማ ነዛ ቅድስት ዕለት ከኽብራን ኣጸቢቝ ክፈልጣን ድማ ትእዛዝ ኣምላኽ እዩ። ካብቶም ቀዳሞት ዓበይቲ ትእዛዛት እግዚአብሔር እቲ ሓደ ድማ “አክብር ሰንበቶ ለእግዚአብሔር” ዝብል እዩ። እዚ ትእዛዝ ድማ ኣብ ብሉይን ሓዲሽን ጸኒዑ ዝነበረን ዘሎ ሕገ እግዚአብሔር እዩ። እግዚአብሔር ንዕለት ሰንበት ኣኽቢርዋን ቀዲስዋን እዩ እሞ ንሕና ድማ ከነኽብራ ይግባእና። ኣብ ሓዲስ ኪዳን እኳ ዝያዳ ጸኒዓ በቲ ጐይታ ንድኅነት ደቂ ሰባት ክብል ብዝፈጸሞ ከም ትንሣኤ ዝኣመሰሉ ዓበይቲ ግብርታት መዓልቲ እግዚአብሔር ተባሂላ ተጸዊዓ ኣላ። (ራእ 1፥9)

ኣብ ሕገ ኦሪት ንሙሴ ካብ እተወሃቦ ዐሠርቱ ትእዛዛት ሓንቲ ምዃና ጥራይ ዘይኮነስ፡ ቅድሚኡ’ውን ሰባት ብሕገ ልቦና ይምርሑሉ ኣብ ዝነበሩሉ ጊዜ’ውን ሰንበት ብእግዚአብሔር ከቢራ እያ። ከመይሲ እግዚአብሔር ኣብ ውሽጢ 6 መዓልቲ 22 ፍጥረታት ፈጢሩ ምስ ወደአ ነታ ሳብዓይቲ መዓልቲ ሰንበት ካብ ኵሉ ግብሩ ዘዕረፈላን ዝባረኻን ዕለት እያ። “ኣምላኽ ከኣ ነቲ ዝገበሮ ግብሩ በታ ሳብዐይቲ መዓልቲ ፈጸሞ፡ ብሳብዐይቲ መዓልቲ ድማ ኻብቲ ዝፈጠሮን ዝገበሮን ኲሉ ግብሩ ዐረፈ። ኣምላኽ ከኣ ኻብቲ ዝፈጠሮን ዝገበሮን ኲሉ ግብሩ ብእኣ ስለ ዝዐረፈ፡ ነታ ሳብዐይቲ መዓልቲ ባረኻን ቀደሳን።” (ዘፍጥ. 2፥2-3) እስራኤላውያን ድማ ነዛ ክብርቲ ዕለት ብዝተፈላለየ ሥርዓት የኽብርዋ ነይሮም። ኣብዛ ዕለት እዚኣ ብዙኅ ዕፁብ ታሪኽን ግብርታትን ድማ ተፈጺሙ እዩ። ቅዱስ ጳውሎስ’ውን ብዕለተ ሰንበት ዝተረኽበ ዕረፍቲ ተምሳል ናይቲ ደቂ ሰባት ብክርስቶስ ዝረኸብዎ ዕረፍትን፡ ሃይማኖትን ሕገ ቅድስናን ኃልዮምን ኣኽቢሮምን፡ ክወርስዋን ንዘለኣለም ከዕረፉላን ናይ ዝትስፈውዋ መንግሥተ ሰማያት ኣምሳል ምዃኑ ኣመሥጢሩ ነጊሩና እዩ። “እምብኣርሲ እቲ ኣብ ዕረፍቱ ዝኣተወስ፡ ከምቲ ኣምላኽ ካብ ግብሩ ዝዐረፈ፡ ንሱውን ካብ ግብሩ ዐሪፉ ኣሎ እሞ፡ ንሕዝቢ ኣምላኽ ዕረፍቲ ሰንበት ተሪፋትሎም ኣላ።” (ዕብ 4፥9-10) ብምዃኑ ድማ ሰንበት ቅድስቲ እያ እሞ ከምቲ ዝግባእ ነኽብራ። 

     ኣብ ቤተ ክርስቲያንና ቀዳሚት ሰንበትን ሰንበተ ክርስቲያንን በብናተን ምኽንያት ብሓባር ብሓድነት ኽብሪ ዘለወን ምዃኑ ክውን ነገር እዩ። ኣብ ቅዱስ መጽሓፍ ጥራይ ዘይኮነስ ከም ቅዱስ ኣትናቴዎስ ሓዋርያ ዝኣመሰሉ ብዙኃን ሊቃውንትን ቅዱሳንን ኣቦታትና ብዛዕባ ሰንበት ብዙኅ ጽሒፎምን ኣመሥጢሮምን ይርከቡ። ከም እኒ ኣቡነ ፊልጶስ ዘደብረ ቢዘንን ኣቡነ ኤዎስጣቴዎስ ከፋሌ ባሕርን ዝኣመሰሉ ብዙኃት ቅዱሳን ኣቦታት ሃገርና’ውን ስለ ኽብሪ ሰንበት ብዙሕ ከምዝተጋደሉን ዓበይቲ ተኣምራት ከምዝፈጸሙን ታሪኽ ቤተ ክርስቲያን ሃገርና ዝሕብረና እዩ።

    ስለዚ ኣብዛ “ቅድስት” ዕለት ብባሕሪኡ ቅዱስ ንዝኾነ እግዚአብሔር ስብሐትን ውዳሴን እናቕረብና፡ ንሱ ዝፈቕዶን ዝፈትዎን ናብራ ቅድስና ክንነብር መልእኽቲ እዛ ዕለት እዩ። ምስኡ ድማ ክብሪን ቅድስናን ሰንበት ተረዲእናን ፈሊጥና ከምቲ ዝግባእ ነኽብራ።

ምንጪ ጦማረ ማዕዶት

                                                      

ወስብሐት ለእግዚአብሔር።

ወለወላዲቱ ድንግል።

ወለመስቀሉ ክቡር ።

Comments are closed.