ቅዱስ ገብርኤል ሊቀ መላእክት ዘአድኃኖም ለሠለስቱ ደቂቅ እምእቶነ እሳት::

በስመ አብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ አሐዱ አምላክ አሜን።

                     እንቋዕ ናብ ናይ ቅዱስ ገብርኤል ዓመታዊ በዓል ኣብጸሓና!

ምስባክ

በቅድመ መላእክቲከ እዜምር ለከ

ወእሰግድ ውስተ ጽርሐ መቅደስከ

ወእገኒ ለስምከ። መዝ. 138-2።

ኣብ ቅድሚ መላእክትኻ ምስጋናኻ እዝምር

ንቓልካ ሓለፋ ዅሉ ስምካ ኣዕቢኻዮ ኢኻ እሞ

ናብ ቅዱስ መቕደስካ ኣቢለ ኽሰግድ

ንስምካውን ስለ ሳህልኻን ሓቅኻን ኢለ ኸመስግኖ እየ። 138፣2።

2ይተሰ. 1-6። ይሁዳ. 1-20። ግ.ሓዋ.7-30-35። ወንጌል. ሉቃ.1-11-21

ቅዱስ ገብርኤል ካብ ሓለቓ መላእክቲ ሓደ እዩ። ስሙ ብእብራይስጥ ናይ እግዚአብሔር ኃይሊ ማለት እዩ። ንዘካርያስ እታ መኻን ሰበይቱ ቅድስቲ ኤልሳቤጥ ከምትወልድን እቲ ዝውለድ ወዲ'ውን ዮሓንስ ከምዝበሃል ዘበሰሮም ቅዱስገብርኤል እዩ። ሉቃ.1-13። ኣብቲ ግዜ ብዛዕባ ቅዱስ ዮሓንስ መጥምቅ ትንቢት ምዝራቡ መላእክት እግዚአብሔር ብዝገለጸሎም መጠን መጻእያቱ ( ዝመጽእ) ናይ ምፍላጥ ጸጋ ከዘለዎም ክንፈልጥ ንኽእል። ሉቃ.1-19-20

ንኣዴና ቅድስተ ቅዱሳን ድንግል ማርያም እግዚአብሔር ወልድ ካብ ሥጋኣ ሥጋ ካብ ነፍሳ ንፍሲ ወሲዱ ብተዋህዶ ሰብ ከምዝኸውን ዘበሰራ ቅዱስ ገብርኤል እዩ። እንዳሰገደ ኢድ እንዳነስአ ከምዚ ኢልዋ። << መንፈስ ቅዱስ ኪሓድረኪ እዩ ሓይሊ ልዑልውን ከጽልለኪ እዩ። ስለዚ ከኣ እቲ ዝውልድ ቅዱስ ወዲ እግዚ አብሔር ክበሃል እዩ።>> ሉቃ.1-35

ቅዱስ ገብርኤል ኣብሳሪ ጥራሕ ዘይኮነ ፍልጠት'ውን ዝገልጽ ቅዱስ መልኣኽ እዩ። ነብዩ ዳኔኤል ብዝረኣዩ ራእይ ግራ ኣብ ዝኣተወሉ እዋን እግዚአብሔር << ገብርኤል እቲ ራእይ ንዳኒኤል ግለጸሉ።>> ኢልዎ እዩ። ዳኒ.816 ኣብ ካልእ ቦታውን << ዳኒኤል ጥበብን ምስትውዓልን ክምህረካ ኢለ መጻእኩ። >> ኢልዎ እዩ። ዳኒ.921-22 እዚ ከኣ ናይ ቅዱሳን መልኣኽቲ ኣዕሚቅካ ናይ ምፍላጥን ምርዳእን መጻዕያት (ንዝመጽእ) ናይ ምፍላጥ ክእለት ከምዘለዎም የርእየና። ካልእ’ውን ቅዱስ ገብርኤል ካብ እግዚአብሔር ተላኢኹ ንሰለስቱ ደቂቅ ካብ እቶን ሓዊ ኣድሒንዎም እዩ። ዳኒ.3-35-26

ናይ ቅዱስ ገብርኤል ጸሎቱን በረከቱን ተራዳኢነቱን ኣይፈለየና።

ወስብሓት ለእግዚአብሔር።

ወለወላዲቱ ድንግል።

ወለመስቀሉ ክቡር።

ሰላም ለአእናፊከ አናቅጸ ፍትው ፄና፣

ወለከናፍሪከ ሰላም ከናፍረ ንጹሕ ወቅድስና፣

ከመ አብሰርካ ለማርያም ወለተ ሐና፣

አብሥረኒ ብስራተ ጽድቅ ወዜንወኒ ዳኅና፣

እስመ መክፈልትከ ኮነ አብስሮ ዘዜና።

ሰላም ለአእዛኒከ ኆኅያተ ቃለ ሕያው፣

ወለመላትሒከ ልሑያት አምሳላተ ጽጌ

ዘበድው፣

ኦ ገብርኤል መልአከ አድኅኖ ፍንው ፣

አድኅነኒ ዘአድኃንኮሙ በአክናፊከ ምንትው፣

አመ ውስተ እሳት ተወድዩ ሰለስቱ ዕደው።

ሰላም ለልሳንከ ወለቃልከ ማኅተሙ ፣

ለእስትንፋስከ ጠል ለእሳተ ባቢሎን አቊራሬ

ፍሕሙ፣

ገብርኤል ውኩል ለረድኤተ ጻድቃን ኵሎሙ፣

አንግፈኒ እምነበልባል ኢያንጥየኒ ሕማሙ፣

ከመ አንገፍኮሙ ቅድመ ለቂርቆስ ወእሙ።

መልክአ ገብርኤል

Comments are closed.