ቅዱስ ኣቡነ በኵረ ድንግል ዘደብረ ምዕዋን (9 ሰነ)

በስመ አብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ አሐዱ አምላክ፡ አሜን።

 

ኣቡነ በኵረ ድንግል ካብ ኣቡኦም ማርቆስ ካብ ኣዲኦም እግዚእ ክብራ፡ ኣብ ዓዶም ኢትዮጵያ ኣክሱም ገበዛ ተወልዱ። ገና ክውለዱ ከለው ኣብ ኣፍ ልቦም ሥዕለ ኣድኅኖ ቅድስተ ቅዱሳን ድንግል ማርያም ምስለ ፍቁር ወልዳ ተሣኢላ ነበረት። ውልድ ምስ በሉ ‘አሐዱ አብ ቅዱስ፡ አሐዱ ወልድ ቅዱስ፡ አሐዱ ውእቱ መንፈስ ቅዱስ’ ስለዝበሉ ሕዝቢ ኵሉ ተገረመ። ኣብ ኣርብዓ መዓልቶም ድማ ጥምቀተ ክርስትና ክፍጽሙሎም ንቤተክርስትያን ከዱ፡ ኣብቲ ጊዜ ዝነበሩ ጳጳስ ኣባ ሰላማ ረድእ ናይ ኣቡነ ብፅዓ ኣምላክ ከምዝኾኑ ስለዝተገልጸሎም ጸሎተ ክርስትና ዲቁና ክህነት ጵጵስና ኣብጽሑሎም ቅብዐ ሜሮን ክቀብእዎም ምስ ጀመሩ ድማ ሥዕሊ ናይ ቅድስተ ቅዱሳን ድንግል ማርያም ምስለ ፍቁር ወልዳ ኣብ ኣፍ ልቦም ምስ ረኣዩ ፈርሁ፡ ሊቀ መላእክት ቅዱስ ሚካኤል ተገሊጹ ‘ኣይትፍራህ፡ ኣይትሰንብድ ተቢዕካ ነቲ ሥርዓተ ጥምቀት ፈጽመሉ፡ ስሙ ድማ በኵረ ድንግል ኢልካ ስመዮ፤ ትርጒሙ ‘ናይቲ ኣብ ኣፍ ልቡ ዝተሣዕለ እዩ!’ በሎም ከምቲ ዝተባህልዎ ከኣ ፈጸሙ። ኣብ መወዳእታ ቅድስት ድንግል ማርያም ምስለ ፍቁር ወዳ ተገሊጻ ብትምእርተ መስቀል ጌራ ባረኸቶም፡ እታ መስቀል ድማ ኣብ ሰብነቶም ተሳእለት። ሥድራ ቅዱስ በኵረ ድንግል ነቲ በዓል ንእግዚአብሔር እናኣመስገኑ ሠናይ በዓል ገበሩ፡ እቲ ሕዝቢ ነቦና መረቆም። ‘በበሕቀ ልሕቀ፡ ከም ዝግባእ በብንእሽቶ ዓበየ’ ኣቦና ድማ ከም ኣተዓባብያ እቲ ዘመን ናይ ሥድሮም ጥሪት እንዳጓሰዩ ዓበዩ። ዕድሚኦም ንትምህርቲ ምስ ኣኸለ ሥድርኦም ንክምህረሎም ናብ ኣፈ መምህር ንቡረ እድ ዮፍታሄ ዝተባህሉ መምህር ወሰድዎም ካብኦም ድማ ቋንቋታት ግዕዝን፡ ዓረብን፡ ዕብራይስጥ፡ ጽርዒ፡ ሮማይስጥ ከምኡ'ውን ትርጓሜ መጽሓፍቲ ብሉይን ሓዲስን፣ ናይ ቅዱስ ያሬድ ኵሉ ጸዋትወ ዜማ እኒ ኣቋቋም ማሕሌት፡ ቅኔ፡ ድጓ፡ ጾመ ድጓ፡ ዝማሬ፡ መዋሥዕት ብዝግባእ ተማህሩ። እግዚአብሔር ዕጉሥ ከም ኢዮብ ጻድቅ፡ ንጹሕ ከም ቅዱሳን መላእክት ጌሩ ሸሞም።

  ትምህርቶም ምስ ወድኡ መምህሮም ናብቶም ሊቀ ጳጳስ ዝነበሩ ወሰድዎም፡ ሥዕሊ ቅድስት ድንግል ማርያም ኣብ ኣፍልቦም ዘላ ተገሊጻ ከምዚ ክትብል ተዛረበቶም፡ ‘እዚ ብስመይ ዝተሰምየ ዝፈትዎ ወደይ ስለዝኾነ ኣብ ኣፍልቡ ተሠኣልኩ፤ ስለዚ መዓርገ ዲቁና ቅስና ኤጲስቆጶስ ሃቦ!’ በለቶም። እቶም ሊቀ ጳጳስ ካብ መንበሮም ብምድናቅ ብምስትንካር ተንሥአ ከምቲ ዝተበሃልዎ ገበሩ፡ ሠለስቲኡ መዓርጋት ቀብዕዎም። ብድኅሪዚ ቅዱስ ሚካኤል ንመምህሮም ንኣቡነ በኵረ ድንግል ኂዝዎም ናብ ቤት ኣቡኦም ብምኻድ 'ወድኹም እንሆ፣ መዓርገ ዲቁና ቅስና ኤጲስቆጶስና ተሸይሙ' ክብል ኣበሠሮም። ኣዲኦም ነዚ ብሥራት ምስ ሰምዐት ዓለላ፡ ነዚ ዕልልታ ዝሰምዑ ጐረባብቲ ኣብቲ ቤት ምስ ተኣከቡ ንኣቡነ በኵረ ድንግል ብርሃን ለቢሶም ምስ ረኣይዎም ኣዝዮም ተደነቁ። ቅዱስ ሚካኤልን መምህሮምን ግና ተሰዊሮም ስለዝነበሩ ኣይረኣይዎምን።

 ኣቡነ በኵረ ድንግል ዕድመኦም ንመርዓ ምስ ኣኸለ፡ ኣቡኦም ንኸሕጽይዎም ከምቲ ሕግ ወሥርዓት ስልማት ኂዞም ናብ እንዳ ብሩኻት ገዛ ኸዱ፡ ሥድራ ጓል ድማ ብጽቡቕ ተቐበልዎም። ብድኅሪዚ ኣቡነ በኵረ ድንግል ከምዝተሓጸዩ ምስ ፈለጡ ‘ኣነስ ድሌተይ ብድንግልና ምንባር እምበር መርዓ ኣይኮነን!’ ብምባል ብለይቲ ናብ ቤተ እግዚአብሔር ከዱ፤ ከምቲ ወንጌል ዝብሎ መሠረት፡ ‘ወምንተ ይበቍዖ ለሰብእ ለእመ ኵሎ ረብሐ ወነፍሱ ሐጒለ ፣ ንሰብከ ዅሉ ዓለም ረቢሑ ነፍሱ እንተ ኣጥፍአ እንታይ ይጠቅሞ!’ እናበሉ ክሰግዱ ጀመሩ (ማቴ 16፡26)። ከምዚ እናበሉ ድማ ጸለዩ ‘ኦ እግዚአብሔር፤ ካብ እሳት ዘልዓለም፡ ካብ ማእሰርቲ ሰይጣን ሰውረኒ፡ ኵሉ ክፉእ ሓሳባት ኣርሒቅካ ፍቓድካ ክፍጽም ሓግዘኒ። መውስቦ ቅዱስ እዩ ኣነ ግና መውስቦ ክፍጽም ሕልናይ ኣየፍቀደለይን፤ ምኽንያቱ ሥዕሊ ናይ ቅድስት ድንግል ማርያም ምስኻ ፍቁር ወዳ ኣብ ልበይ ተሣኢሉ ኣሎ። ከም መላእኽቲ ንጹሕ ክኸውን እልምነካ ኣለኹ። ንስኻ ንምስኪንን ንነዳይን ዘይትንዕቅ ምዃንካ እፈልጥ እየ።’ ከምዚ ኢሎም ክጽልዩ ከለው ቅድስት ድንግል ማርያም ምስ ቅዱስ ሚካኤልን ቅዱስ ገብርኤልን ተገሊጻ ‘ኦ ብፅዕ በኵረ ድንግል ወደይ፡ ጸሎትካ ተሰሚዑ እዩ እሞ ናብ ደብረ ዳሞ ኣቦኻ ኣረጋዊ ኪድ። ቀጺልካ ናብ ብስም ዓደይ ዝተሰምየት ደብረ ናዝሬት ናብ ኣቡነ ብፁዓ ኣምላክ ኪድ ኣቦ ብዙኃት ከኣ ክትኸውን ኢኻ' ኢላ መሪቃቶም ተሰወረት።

  ብ9 መጋቢት ኣብ ጸሎት ተመሲጦም እንከለው ሊቀ መላእክት ቅዱስ ሚካኤል ብደመና ጸይሩ ናብ ደብረ ዳሞ ምዕራፈ ቅዱሳን መነኮሳት ኣብጽሖም። ኣብዚ ገዳም ብትሕትና ብግብረ ማህረጽ ከገልግሉ ድኅሪ ምጽናሕ ተባሪኾም ናብ ሃገርና ሃገረ ኤርትራ ደብረ ሃሌ ሎያ (ደብረ ናዝሬት) ናብ ኣቡነ ብፅዓ ኣምላክ ቀጸሉ። ኣብ ቅድሚኦም ንዘጓንፎም ገዳማት ቅዱሳን መካናት እናተባረኹን እናባረኹን ድኅሪ ነዊሕ ጒዕዞ ብሓገዝ መልኣኽ እግዚአብሔር ኣብ ቅድሚ ብፁዕን ቅዱስን ኣቦና ብፅዓ ኣምላክ ምስ በጽሑ ንኣምላኽ እናኣመስገኑ ብዓብይ ክብሪ ተቐበልዎም። ኣብዚ ገዳም'ዚ ብግብሪ ማህረጽን ብምግብናን ብትሕትና ከገልግሉ ድኅሪ ምጽናሕ ካብ ዕለታት ሓደ መዓልቲ ኣቦና ኣቡነ ብፅዓ ኣምላክ ሎሚ ቅዱስ ቍርባን ብኢድካ ክንቅበል ቀድስ ምስ በልዎም ቅዳሴ ኣተው፡ ቅዳሴ ንምጅማር “አሐዱ አብ ቅዱስ ......” ክብሉ ምስ ጀመሩ ካብ መሬት ኃሙሽተ እመት ንላዕሊ ሓፍ በሉ። በዚ ተኣምር ኣቡነ ብፅዓ ኣምላክ ኣዝዮም ተደነቁ ንሥራሕ እግዚአብሔር ድማ ኣመስገኑን። ኣቡነ በኵረ ድንግል ሕይወቶም ብከምዚ ክቅጽል ድኅሪ ምጽናሕ ብ9 ታኅሣሥ ኣቡነ ብፅዓ ኣምላክ ንዅሎም እቶም መነኮሳት ገዳም ኣኪቦም ‘ሎሚ መዓልቲ ንዓኹም ዝጓሲ ትሑት መምህር ሸይመልኩም ኣለኹ፡ ኣብ ትሕተይ ንዕዑ ስምዕዎን ተኣዘዝዎን!’ ክብሉ ነገርዎም። ዕረፍቶም ነቦና ብፅዓ ኣምላክ ስለዝኣኸለ ንኵሎም ማኅበር ሓድነት ኣኪቦም ብድኅሪኦም ንዝመርሖምን ኣቦ ዝኾኖምን ብከምዚ ቃል ብምልባው ኣማሕጸንዎም።

 "ወባሕቱ ተንሥኡ አክብርዎ ለወልድየ በኵረ ድንግል ወተአዘዝዎ ከመ ገብር ዘይትኤዘዝ ለእግዚኡ ወከመ ዓመት ዘትትኤዘዝ ለእግዝእታ፡ ወአነሂ አንበርኩ እዴየ ላዕሌሁ ወይኩን ብሩከ በበረከተ አብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ ይኅድር ላዕሌሁ። ወያዕርፍ ላዕሌሁ በረከተ እንጦንዮስ ወመቃርስ ወይረድ ዲበ ርእሱ ቡራኬ አቡየ ኤዎስጣቴዎስ ወአቡየ ፊሊጶስ ስምዑኬ ዘተአዘዞ ለበኵረ ድንግል ተአዘዞ ለመንፈስ ቅዱስ ወዘሂ አበዮ ለበኵረ ድንግል አበዮ ለመንፈስ ቅዱስ ፡ ንወደይ በኵረ ድንግል ኣኽብርዎ ኣገልጋሊ ንጐይትኡ ከምዝእዘዝ ተኣዘዝዎ፡ ኣገልጋሊት ንእመቤታ ከምትእዘዝ'ውን ተኣዘዝዎ፤ ኣነ’ውን ኢደይ ኣብ ልዕሊኡ ኣንቢረ ኣለኹ። ብሩኽ ይኹን በረኸት አብን ወልድን መንፈስ ቅዱስን ይኅደሮ ኣሜን፡ በረኸት እንጦንዮስን መቃርስን ኣብ ልዕሊኡ ይውረድ፡ ቡራኬ ኣቦይ ኤዎስጣቴዎስን ኣቦይ ፊሊጶስን'ውን ኣብ ርእሱ ይውረድ። ስምዑ እዞም ደቀይ ንበኵረ ድንግል ዝተኣዘዞ ንመንፈስ ቅዱስ ተኣዘዞ ንበኵረ ድንግል ዝኣበዮ ንመንፈስ ቅዱስ ኣበዮ!" ኢሎም ባረኽዎ።

  ብድኅሪዚ ኣቡነ በኵረ ድንግል ብጾምን ጸሎትን ስግደትን ተጸሚዶም ብቅድስናን ብትሕትናን ኣገልገልዎ፡ በዚ ድማ እቶም ገዳም ኣዝዮም ፈተውዎም። ብዙኅ ትእምርትን ተኣምራትን ገበሩ፣ ብዙኃት ሕሙማትን ድውያትን ለምጻማትን ፈወሱ። ኸምዚ ጌሮም ንጐይታናን መድኃኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ምስ ኣስመርዎ ‘ኪዳን ተካየድኩ ምስለ ኅሩያንየ ፡ ምስ ኅሩያነይ ቃል ኪዳን ኣተኹ’ (መዝ 89፡3) ከም ዝበለ ነቦና ኣቡነ በኵረ ድንግል ድማ ተገሊጺ ከምዚ ኢሉ ቃል ኪዳን ኣተወሎም፡ ‘ተዝካርካ ዝገበረ፡ ስምካ ዝጸውዐ ክምሕረልካን ብበረኸት ክሕልዎን እየ። ኣብ ዕለተ ዕረፍትካ ንሕሙም ኮነ ንእሱር ዝበጽሐ፡ ብስምካ ንጥሙይ ዘብልዐ፡ ንጽሙእ ዘስተየ፡ ንዕሩቕ ዘልበሰ ክምሕሮ እየ። ስም ወዱ ወይ ጓሉ ብስምካ ዝጸውዐ ክምሕሮ እየ ኣብ ደብረ ናዝሬት (ደብረ ምዕዋን) ደብሪ ናይ ኣቦኻ ብፅዓ ኣምላክ ዝተቐብረ ኣብዚ ቅዱስ ቦታ ቅዱስ ቍርባን ዝወሰደ ሕሰም ኣይርእን እዩ። ኣብ ሰማያዊት ኢየሩሳሌም ከእትዎ እየ ......” እዝን ካልእን ቃል ኪዳን ሃቦም። ድኅሪ ዕረፍቲ ኣቦና ኣቡነ ብፅዓ ኣምላክ ኣብ ሠለስተ ዓመቶም ብ9 ሰነ ኣቡነ በኵረ ድንግል ንእሽቶይ ሕማም ርእሲ ጀመረቶም እሞ ንኣርድእቶም ጸዊዖም ንከም በዓል ኣቡነ ዮሓንስ ዘደብረ ቢዘን ዝኣመሰሉ ብዙኃት ቅዱሳን ክጽውዕሎም ሓበርዎም። ኵሎም ቅዱሳን ከከም ደረጅኦም ተኣከቡ፡ ብድኅሪዚ ቅድስት ሥላሴ ተገሊጾም ‘ብስምካ ተኣሚኑ ዝጸለየ ዝመጽወተ ሕሰም ኣይክርእን እዩ! ፣ ሥፍርኡ ድማ ሰማያዊት ኢየሩሳሌም ክኽውን እዩ’ ዝብል ቃል ኪዳን ወሰኽዎም። ብዓብይ ሓዘን ድማ እቶም ቅዱሳን ኣበው ብሓድሽ መግነዝ ገኒዞም ኣብ ሓድሽ መቓብር ቅድስት ሥላሴ ደብረ ብሥራት ወደብረ ናዝሬት ናይ ሎሚ ደብረ ምዕዋን ኣብ ናይ ብፅዓ ኣምላክ ቀበርዎም። ቅዱሳን መላእኽትን ቅዱስ ያሬድን ዳዊትን ‘ወተቀበልዎ መላእክት፡ አብእዎ ኢየሩሳሌም ለበኵረ ድንግል’ እናበሉ ብዕልልታን ዝማሬን ንሰማያት ኣዕረግዎም። ድኅሪ ዕረፍቶም ኣቦና እናተገልጹ ብጸበሎም ንዝተሓጽበ ብስሞም ንዝለመነ፡ ዝሞቱ ከም ኣልኣዛር ብቅጽበት ዝተንሥኡ፡ ኣጋንንቲ ዝኃደርዎም ዝፈወስዎም ሕሙማት ድውያት ዘድኃዎም እዚ ኢልካ ክግለጽ ዘይክኣል ተኣምር ኣሎ።

  እዚ ገዳም ኣብ ሃገረ ኤርትራ ኣብ ዞባ ደቡብ ንኡስ ዞባ ደቀምሓረ እገለ ሓምስ ጎደይቲ ምስ ኣቡነ ብፅዓ ኣምላክ ይርከብ። ኣብዚ ገዳሞም ኬድና ክንፍወስን ክንመሓርን ጸሎትና ክስማዕን ቤተክርስትያና ወትሩ ተዘካክር ኣላ። ናይ ቅዱሳን ኣቦታትና ገድሊ ታሪክ ብእግሪ ክንስዕቦን ብግብሪ ክንመስሎን ናይ እመ ብርሃን ድንግል ማርያም ጸሎት ኣይፈለየና ኣሜን።

9 ሰነ መጽሓፈ ስንክሳርና ዝዘከሮም

ሀ. ዓብይ ነብየ እግዚአብሔር ሳሙኤል ዘዕረፈሉ

ለ. ምስቶም ኣርባዕተ ሰማዕት ቅዱስ ሉክያኖስ ሰማዕት ዘዕረፈሉ

ሐ. ተዝካር ናይ ዮሓንስ ኤጲስቆጶስን ኣርከላ ጳጳስን

መ. ኣቡነ በኵረ ድንግል ዘደብረ ምዕዋን

 ወርኃዊ ክብረ በዓሎም ድማ ኣቡነ ብጹዓ ኣምላክን ሠለስቱ ምእትን እዩ፡ ጸሎቶምን በረኸቶምን ምስ ዅልና ሕዝበ ክርስትያን ይኹን ኣሜን።

ምንጪ 

° ገድሊ ኣቡነ በኵረ ድንግልን

° ሊቃውንት ወአበው ዘሃገረ ኤርትራ

° ሊቀ መዘምራን መልአከ ገነት የኔታ ተክለማርያም ዘደብረ ኤፍራታ

° ወአበው ሊቀ ሊቃውንት ጐይታና ይስሓቅ ዘደብረ ድማኅ ደብረ መርቆሬዎስ ዓረዛ

ኣዳላዊ

ዲያቆን ዳንኤል ኣብርሃም ዘደብረ ኤፍራታ

  ዝተዳለወሉ ዕለት 24 ግንቦት 2012 ዓ. ምሕረት ግዕዝ

ስብሐት ለእግዚአብሔር ልዑል፡ ወለወላዲቱ ማርያም ድንግል፡ ወለመስቀሉ ክቡር ወኃያል፡ አሜን።

Comments are closed.