ሲጥና::  መሃሪት ዛንታ

                                                   በስመ አብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ አሐዱ አምላክ አሜን።

ሲጥና ፣ ብዕብራይስጥ ኮይኑ ጽልኢ ማለት እዩ፡፡ ዘፍ. ፳፮፥፳፩/26፥21 

  ካብ ዕለታት ሓደ መዓልቲ መንፈሳዊት ቤት ትምህርቲ  ንቆልዑ ንምዝንጋዕ ንሓደ ሰሙን ዝኣክል ንዙረት ወጹ ። መምህሮም ድማ ንነፍስ ወከፍ ቆልዓ ናይ ነፍስ ወከፍ ዝጸልኦ ሰብ፥ ስም ኣብ ድንሽ ጽሒፉ ኣብ ሳንጥኡ ክጸውር  ኣዘዘት። ነገር ቆልዓ ድማ ናይ ኵሎም ዝጸልእዎም ሰባት  ኣስማት፣ ማለት ዓሰርተ ሰብ ዝጸልእ እንተኾይኑ ዓሰርተ ድንሽ ኣስማቶም ዝተጻሕፈን ይስከም ማለት`ዩ።

  ኩሉ ግዜ ድማ ሒዝዎም ክጕዕዙን ክዘሩን ኣዘዘቶም። ከከም ብዝሖም ዝተሰከምዎ ከኣ ይኸብዶም ነበረ።  ድኻም ይብትዕ፥ ድንሽ ክጨኑ ይጅምር፣ ሰኸም እናኸበደ ይኸይድ ብዝኾነ ድኅሪ ናይ ሰሙን ካብኦም ዙረት ብምፍጻም ናብ ቦትኦም ይምለሱ ።

  መምህር ዕላማ ናይ`ቲ ጕዕዞ ንምግላጽ፥ ብመጀመርታ ንነፍስ ወከፎም ከመይ ከምዘሕለፍዎ ክትሓቶም  ጀመረ እቲ ሓደ ካብቲ ሓደ "ኣነ…ኣነ… ኣነ" እናበሉ ነቲ ኵነታት ክገልጹ ተረበጹ። በብተራ ድማ፥ ክሳብ  ክንደይ ኣዚዩ ኣሰቃቒ ምንባሩ፥ ማለት ካብ ሰኸሙ ድኻሙ፥ ካብ ድኻሙ ጨንኡ ብኣዚዩ መሪር ስቅቕታ ድማ ገለጽዎ ፡፡
 
 መምህር ኣብ`ዚ ግዜ`ዚ ዕላማ ናይ`ቲ ጕዕዞ  ክገልጸሎም ጀመረት። ከምዚ እናበለ "ክቡራት ሕፃናት፥ እምበኣር ንሕና ነቲ ከማና ዝበለ ሓውና ምስ  እንጸልኦ፥ ብሓቂ ውሽጥና ከምኡ  ኢዩ ዝበላሾ፥ መንፈሳዊ ሕይወትና ዕረፍቲ ይስእን ንድያብሎስ ድማ ቁሉዓት መሣርሒ ንኸውን። ስለዚ ነንሓድሕድና  ክንፋቐር፥ ዘለና ጽልኢ ድማ ኣብ ውሽጥና ከምቲ ድንሽ ከይመሽመሸ ከሎ ቀልጢፍና ከነጽርዮ ይግበኣና  ኢዩ፥ እናበለት ክትገልጸሎም ጀመረ፡፡ ሕፃናት ንጹሃት ልቢ ድማ፥ ሓውኻ/ኺ ምጽላእ ክሳብ ክንድ`ዚ ክፉእ እንተኾይኑ፥ ደጊም ነንሓድሓድና ኮታ ኣይንጻላእን ኢና እናበሉ ቃል ክኣትውሉ ጀመሩ።"

  እምብኣር ክቡር ሓወይ ክብርቲ ሓፍተይ፥ ንስኻ/ንስኺ ኸ፧ ኣብ`ዚ ናይ ጾም ግዜ ሥጋ ሓውኻ/ኺ  ምብላዕ ዶ ኣቋሪጽካ /ኪ ፧ ጐይታ ሠራዊት መድኃኒ ዓለም ኢየሱስ ክርስቶስ እምበኣር ከም ሕፃን ኮይኑ ዘይቀርብ፥ ናብ መንግሥቲ ኣምላኽ ኣይክኣቱን እዩ ኢሉ ኣሎ እሞ፥ ብቕኑዕ ልቢ፥ ብፍቕሪ  ንንበር ፡፡

እዞም ጽሑፋት ኣስተንትን/ኒ !

 "ግናኸ ከምቲ ኣምላኽ ብክርስቶስ ይቕረ ዝበለልኩም፥ ንሓድሕድኩም ለዋሃትን ርኅሩሃትን ኴንኩም ይቕረ ተባሃሃሉ።"
* ኤፌሶን ፬፥፴፪/4፥32 ።

"ንሓድሕድና ክንፋቐር፡ እዚኣ እታ ካብ መጀመርታ ዝሰማዕኩምዋ መልእኽቲ እያ።……ንሓዉ ዚጸልእ ዘበለ ዅሉ ቐታል ነፍሲ እዩ። ቀታል ነፍሲ ዝዀነ ዅሉ ድማ ናይ ዘለዓለም ህይወት ኣብኡ ኸም ዘይትነብር፡ ትፈልጡ ኢኹም።"
* ፩/1ይ ዮሐ. ፫፥፲፩-፲፰/3፥11-18

"ነቲ ዝረኣዮ ሓዉ ዘየፍቅሮስ፡ ነቲ ዘይረኣዮ ኣምላኽ ኬፍቅሮ ኣይከኣሎን እዩ እሞ፡ ንሓዉ እናጸልኦስ፥ ንኣምላኽ ኤፍቅሮ እየ፡ ዚብል እንተሎ፡ ንሱ ሓሳዊ እዩ።
እቲ ንኣምላኽ ዜፍቅሮ ንሓዉ ድማ የፍቅሮ ደኣ፡ እዚ ትእዛዝ እዚ እዩ ኻብኡ እተቐበልናዮ።"

ብሂለ አበው 

ꗺ “ኣምላኽ ኩሉ ግዜ ህልው ስለዝኾነ፡ ንኣምላኽ እናጠመትካ፡ ኣብ ቅድሚኡ ብዘይ ኃጢኣት ክትቐውም ትጋህ።”
* ቅዱስ ኣባ ነስታርዮን

ꗺ "ሰብ ብሕይወት ዘመኑ ዝተቀደሰ ሥራሕ ክሠርሕ እምበር፡ ትም ኢሉ እንዳበልዐ እንዳሰተየን ዘመኑ ከሕልፎ 
እግዚኣብሔር ኣይፈጠሮን።"   * አባ እንየው

ꗺ "መንፈሳዊ ሕይወት ኩሉ ጊዜ ምስ ዕብየት ዝተሓሓዘ ስለዝኾነ፡ ካብ ፍጹምነት ናብ ኣዝዩ ፍጹም እንሰጋገረሉ እዩ።"   * አባ ሲኖዳ

ꗺ "ኣብ ውሽጢ መንፈሳዊ መንገዲ ዝግ ኢልካ ኣይትጎዓዝ፡ ኣብ ጐደና ብትርእዮም ነገራት ኣይትማረኽ፡ ደው ኣይትበል ጸላእትካ ይኹን ፈተውትካ ከሰናክሉኻ ኣይትፍቀደሎም።"  * አቡነ ሲኖዳ 

ꗺ "ቂምተኛ (ቂመኛ) ሰብ ሥጋ ዝለበሰ ሰይጣን እዩ፡፡"  * አረጋዊ መንፈሳዊ

ꗺ " እምበኣር ብዛዕባ መጻኢ ሕይወት እንዳተጨነቕና ዘይኰነስ፣ ነቲ ዝተማሃርናዮ ብግቡእ እንዳተግበርና፣ ንቅድስና ዝበቅዕ ናብራ ንንበር።"  * ቅዱስ ባሲልዮስ ዘቂሳርያ

"ነቶም ቃል ኣምላኽ ዝነገሩኹም መራሕትኹም ዘክርዎም፡ መወዳእታ ንብረቶም እናተቛመትኩም፡ ኣሰርኣሰር እምነቶም ስዓቡ።"  ዕብ ፲፫፥፯/13 ፥ 7

"ስብሐት ወክብር ወስግደት ለሥሉስ ቅዱስ ይደሉ……ንሥሉስ ቅዱስ ምስጋና፥ ክብርን ስግደት ይግባእ።"

ዲን. ማቴዎስ 
፰ መጋቢት ፳፻፲ ዓመተ ምሕረት (14-03-2018 ፈረንጂ)
ስብሐት ለእግዚአብሔር፥ ወለወላዲቱ ድንግል፥ ወለመስቀሉ ክቡር አሜን።

Comments are closed.