ሰማዕተ ጽድቅ ጴጥሮስ ወጳውሎስ

በስመ አብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ አሐዱ አምላክ አሜን፣

ምስባክ

አልቦ ነገር ወአልቦ ነቢብ ዘኢተሰምዐ ቃሎም፣

ውስተ ኵሉ ምድር ወጽአ ነገሮም፣

ወእስከ አጽናፈ ዓለም በጽሐ ነቢቦም።

 መዝ.18-4 (19-4)

2ይጢሞ.4፣1። 2ይጴጥ. 1፣1-19። ግ.ሓዋ.23-10። ሉቃ. 6-1-20።

ናይ ቤተክርስቲያን ጉዕዞ ኩሉ ግዜ ኣብ መስቀል እዩ። እዚ ናይ መስቀል ጉዕዞ ድማ መሥዋእትነት ( መከራ ምቅባል) ይሓትት። ካብዚ ብምብጋስ ዝተመትሩ፣ ብመጋዝ ዝተተርተሩ፣ ኣብ እቶን ሓዊ ዝተደርበዩ ፣ ንኣናብስት ዝተዋህቡ ብሓፈሻዊ ብብዙሕ ዓይነት ፈተና ዝተፈተኑ ቅዱሳን ሓዋርያት ኣለዉ። ካብዚኦም ሓዋርያት ድማ ብቀንዲ ዝጥቀሱ ቅዱስ ጴጥሮስን ቅዱስ ጳውሎስን እዮም። “ ንሥጋኹም ዝቀትሉ ግና ንነፍስኩም ምቅታል ዘይክእሉ ኣይትፍርሕዎም…….”  ዝብል ናይ ጎይታና መድኃኒና ኢየሱስ ክርስቶስ ቃል መምርሒ ብምግባር ንቤተክርስቲያን ኩሉ ጌሮም፣ ኩሉ ኮይኖም ናይ ሰማእትነት ጽዋእ ተቀቢሎም እዮም።

ንሙሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ጠውቑ።        https://eritreantewahdo.org/?sermons=%e1%88%b0%e1%88%9b%e1%8b%95%e1%89%b0-%e1%8c%bd%e1%8b%b5%e1%89%85-%e1%8c%b4%e1%8c%a5%e1%88%ae%e1%88%b5-%e1%8b%88%e1%8c%b3%e1%8b%8d%e1%88%8e%e1%88%b5-3

Comments are closed.