ሰሙናት ናይ ጾም ፵

 በስመ አብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ አሐዱ አምላክ፡ አሜን።

 ሰሙናት ናይ ጾመ ፵ ቅዱስ ያሬድ ኣብ መጽሓፈ ዚቅ ወመዝሙር ዘወረደ፣ ዘቅድስት፣ ዘምኵራብ፣ ዘመፃጕዕ፣ ዘደብረ ዘይት፣ ዘገብርኄር፣ ዘኒቆዲሞስ፣ ዘሆሣዕና ኢሉ ካብ ገጽ ፫፻፲፯-፫፻፴፮ ኣስፊርዎ ኣሎ። እዚ ኣብ ነናይ ዕለቱ ኣብ ዕለተ ሰንበት ንሸሞንተ ሰሙናት ዝበሃል ናይ ጾመ ፵ መዛሙር እዩ፡ እቲ ሰናብቲ’ውን ብኸምኡ ይጽዋዕ። ናይ ጾመ ፵ ሥርዓተ መዝሙር ካብቲ ካልእ ናይ ቤተ ክርስቲያን በዓላት ፍልይ ዘብሎ ብጀካ ኣብ ጊዜ ሆሣዕና ከበሮ ኮነ ጸናጽልን ሸብሸቦን ስለዘይፍቀድ እዩ። ከም ፍቃድ ኣምላኽ ነዚ ኣብቲ ዘዝውዕለሉ ዕለተ ሰንበት ምስ ትኅዝቶኡን መልእኽቱን ክንርኢ ኢና።

ምስባክ

ተቀነዩ ለእግዚአብሔር በፍርሃት። 
ወተሐሰዩ ሎቱ በረዓድ።
       አጽንዕዋ ለጥበብ ከመ ኢይትመዐዕ እግዚአብሔር።   መዝ 2-11

ወንጌል ፣ ዮሓ. 3-1ዐ-25፡      ግ.ሓዋ. 25-13-27    ያዕ. 4-6-17     እብ.13-7-17

ቅዳሴ፣ዘእግዚእነ

ዘወረደ

ዘወረደ ናይ ጐይታናን መድኃኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ካብ ሰማያት ወሪዱ ኣብ መዋእለ ሥጋዌኡ ምእንታና ምእንቲ ደቂ ሰባት ኢሉ ንዝፈጸሞ ነገረ ድኅነት ዘረድእን ዘዘኻኽርን ዕለት ኮይኑ ካብተን ሸሞንተ ናይ ጾመ ፵ ሰናብቲ እቲ ቀዳማይ ሰንበት እዩ። ኣብዚ ዕለት ከምቲ ዘማራይ ቅዱስ ዳዊት ኣብ መዝ ፪፡፲፩ “ንእግዚኣብሔር ብፍርሃት ኣገልግልዎ” ዝበሎ ቅዱስ ያሬድውን ብቁመት ብዝማሜ “ተቀነዩ ለእግዚአብሔር በፍርሃት ፤ ንእግዚአብሔር ብፍርሃት ተገዝእዎ” ኢሉ ብዝደረሶ መሠረት ኣብ ቅድስት ቤተ ክርስቲያን ይቕወም።

ዘወረደ ክብል ከሎ ካብ ላዕሊ ናብ ታሕቲ ዝወረደ ከም ዘሎ ዘረድእ እዩ። ናይዚ ምሥጢር ኣብ ዕለቱ ዝንበብ ወንጌል መልእኽትን መዝሙርን ብዝግባእ ዝምልስን ዘብራህርህን ስለዝኾነ ናይ ዕለቱ ምንባባት ምስ ኣንበብና ዘወረደ ዝብል እንታይ ንምግላጽ ከም ዝኾነ ዕሙቕ ብዝበለ ክንርዳእ ንኽእል። እምበኣር ካብዚ ብምቕጻል ነቲ ናይ ዕለቱ ምንባባት ምስ ዘወረደ ዘለዎ ምትእስሳርን ምስ ጾም ዘለዎ ውህደትን ሕልፍ ሕልፍ ኢልና ክንርኢ ኢና።

ወንጌላዊ ቅዱስ ዮሓንስ ኣብ ምዕራፍ ፫፡፲፫-፲፰/3፡13-18 “ብጀካ እቲ ኻብ ሰማይ ዝወረደ ወዲ ሰብ ናብ ሰማይ ዝዓረገ ሓደ እኳ የልቦን፡ ብእኡ ዚኣምን ዘበለ ዅሉ ናይ ዘለዓለም ሕይወት ምእንቲ ኽረክብ እምበር ከይጠፍእሲ ከምቲ ሙሴ ኣብ በረኻ ንተመን ዝሰቐሎ ወዲ ሰብ ድማ ከምኡ ክስቀል ይግባእ እዩ። በቲ ሓደ ወዱ ዝኣመነ ዘበለ ኵሉ ናይ ዘለዓለም ሕይወት ምእንቲ ኽረክብ እምበር ከይጠፍእሲ ኣምላኽ ንወዱ በጃ ኽሳዕ ዝህብ ክሳዕ ክንድዚ ንዓለም ኣፍቀራ። ምኽንያቱ ኣምላኽ ንወዱ ናብ ዓለም ዝለኣኾ ዓለም ብእኡ ምእንቲ ክትድኅን እምበር ንዓለም ክፈርዳ ኢሉ ኣይኮነን፡ እቲ ብእኡ ዝኣምን ኣይክፍረዶን እዩ፡ እቲ ብእኡ ዘይኣምን ግና ብሓደ ወዲ ኣምላኽ ስለ ዘይኣመነ ድሮ ተፈሪድዎ እዩ።” ኢሉ ዝገለጾ እቲ ዝወረደ ዝተባህለሉ ጐይታ ከም ዝኾነ፣ ናብዚ ዓለም ንምንታይ ከም ዝመጸ፣ ብእኡ ዝኣምን ናይ ዘለዓለም ሕይወት ከም ዝረክብ፣ እቲ ዘይኣምን ድማ ከም ዝኹነን፣ ብምኽንያት ምውርዱ ጐይታ ድማ ኣብ ልዕሊ ደቂ ሰባት ዘለዎ ፍቕሪ ዘርዚሩ ዘረድእ እዩ። እዚ ቃል ጐይታናን መድኃኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ምስ ኒቆዲሞስ ብዛዕባ ምሥጢረ ጥምቀት ኣብ ዘስተምሃረሉ ጊዜ ምዃኑ፡ ናይ ዘወረደ ምሥጢር ነቲ ፈጢሩ ኣብ 40 መዓልቱ ናብ ገነት ዘእተዎ ኣቦና ኣዳም ካብቲ ብገዛእ ፍቓዱ ዘጥፍኦ ውልድነት መሊሱ ዳግማይ ተወሊዱ መንግሥቲ ኣምላኽ ከውርሶ ከም ዝወረደ ምዃኑ የረድእ። ጐይታ “ከምቲ ሙሴ ኣብ በረኻ ንተመን ዝሰቐሎ፡ ወዲ ሰብ ድማ ኸምኡ ኪስቀል ይግባእ እዩ” ኢሉ ነቲ ዝተሰቕለ ተመን ከም ናቱ ምሳሌነት ምግላጹ ኣቐዲሙ ብነቢያት ኮነ ብሕጊ ኦሪት ምውራድን ምስቃልን ናይ ጐይታ ኣብ ኦሪት ብምሳሌ ከም ዝነበረ ዘረድእ እዩ።

ዘወረደ ኢሉ ዝገለጾ ናይ ጐይታ ምውራድ ካብ ሰማይ ናብ ምድሪ ምዃኑ ዝገልጽ ኮይኑ፡ “ካብ ሰማይ” ክብል ከሎ ሰማይ ልዕልና የመልክት እቲ ዝወረደሉ ምድሪ ድማ ትሕትና ዝገልጽ እዩ። ከምቲ ቅዱስ ጳውሎስ “ንሱ ብባህሪዩ ኣምላኽ እኳ እንተኾነ፡ ነቲ ምስ ኣምላኽ ዝነበሮ ማዕርነት ኣይገድፍን እየ ኢሉ ኣይተኸራኸረን፤ እንተ ኾነ ሰብ ብምዃን መልክዕ ባርያ ብምውሳድ ብገዛእ ፍቓዱ ንርእሱ ድኻ ገበረ። ንርእሱ ትሕት ብምባል ክሳዕ ሞት፤ አረ እኳ ድኣ ክሳዕ ኣብ መስቀል ብምማት ተኣዘዘ።” ፊል ፪፡፮-፰/2፡6-8፥ ኢሉ ዝገለጾ፥ ጐይታናን መድኃኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ካብ ሰማያት ካብቲ መላእኽቲ ፳፬/24 ሰዓት ዘመስግንዎ፣ ኵሉ ፍጥረታት’ውን ዝሰግደሉ፣ ማንም ክቐርቦ ካብ ዘይክእል ቦትኡ ንደቂ ሰባት ክብል ትሕት ኢሉ መልክዕ ባርያ ለቢሱ፡ ካብ ልደት ክሳዕ ሞት ብፍጹም ትሕትና ተመላለሰ።

እወ እቲ ሰማይን ምድርን ክጸርዎ ዘይክእሉ ጐይታ ካብ ልዕልናኡ ንደቂ ሰባት ክብል ትሕት ኢሉ ኣብ ቤት ነገሥታት ዘይኮነ ኣብ ቤተልሔም ኣብ ቍሪ ኣብ መብልዒ ማል እንስሳታት ከቢቦምዎ ተወሊዱ፡ ጐይታ ከሎ ከም ሕፃን እናተኣዘዘ በብቊሩብ ዓበየ። ብኢድ ባርያኡ ክጥመቕ ካብ ገሊላ ናብ ዮርዳኖስ መጺኡ ዳግማይ ክንውለድ ምእንታና ተጠሚቑ መሰል ውልድነት ሃበና። ኣብ ሰብነትና ነጊሡ ዝነበረ ጾር ፍትወታት ንዘርሕቐልና ጾም ክባርኸልና ፵ መዓልትን ፵ ለይትን ጾመ። ብሓሶት ሓንቲ እኳ ከይተረኽቦ ፈራዲ ክነሱ ምእንታና ተኸሲሱን ተፈሪዱን። እወ ምእንታና ተጸፊዑ ተገሪፉ ጡፍ ተባሂልሉን ተሰቒሉን። ነቲ “ሞት ካብ ኣዳም ክሳዕ ሙሴ፥ ኣብቶም ከምቲ ኣዳም ትእዛዝ ብምጥሓስ ኃጢኣት ዘይገበሩውን ነጊሡ ነበረ” ሮሜ ፭፡፲፬/5፡14 ዝበሎ ንዘመናት ነጊሡ ንዝነበረ “እቲ ክድምሰስ ዘለዎ ናይ መወዳእታ ጸላኢ” ፩/1 ቆሮ ፲፭፡፳፮/15፡26 ሞት ክድምስስ ሞይቱ ዘለዓለማዊ ትሣሳኤ ሃበና። ናይዚ ኵሉ ምሥጢር መጀመርታ ካብ ሰማይ ምውራዱ እዩ።

እዚ ዅሉ ምእንቲ ድኅነት ደቂ ሰባት ብምሉእ ትሕትና ዝፈጸሞ እዩ፤ በዚ ድማ ነቶም ምስኡ ዝነበሩ ደቀ መዛሙርቱ ብቃል ጥራይ ዘይኮነስ ብተግባር ኣርኣያ ኾይኑ ኣስተምሃሮም። በዚ ድማ ደቀ መዛሙርቱ ኣሰር ኣሰሩ ብትሕትና ብምስዓብ ጸጋ በዚኅሎም ምእንታኡ ክግረፉ ክእሰሩን ክሞቱን ብቑዓት ኮይኖም ተረኺቦም እዩም።

ነዚ ከም ኣብነት ኣብ ዕለት ናይ ዘወረደ ዝንበብ (ግ.ሓ ፳፭፡፲፫-ፍጻ/25፡13-ፍጻ) ዘሎ ናይ ቅዱስ ጳውሎስ ማእሰርቲ ምስክር እዩ። እዚ መከራ ከምቲ ክርስቶስ ምእንቲ ድኅነት ደቂ ሰባት ክብል መከራ ዝተቐበለ፥ ቅዱሳን ሓዋርያት ድማ ነቲ ምእንታኡ ማለት ምእንቲ ቃሉ ክሳዕ ሞት ተኣዚዞም እዮም። ምእንታና’ውን ምእንቲ ብክርስቶስ ክንኣምን ኣብ ኵሉ ዓለም ዘይሮም ወንጌል ክሰብኩ መከራ ተቐቢሎም እዮም እንተበልና ካብ ሓቂ ዝረሓቐ ኣይኮነን። ሓዋርያት ወሪዱ ተወሊዱ ተሰቂሉ ሞይቱ ተንሢኡ ኢሎም ወንጌል እንተ ዘይሰብኩልና መን ምኣመነ፡ ‘ምእማን ካብ ምስማዕ፤ ምስማዕ ድማ ካብ ቃል ኣምላኽ እዩ’፤ እዚ ካብ ጥንቲ ጀሚሩ ክሳዕ ሕጂ ዘሎ ዘይቋረጽ ኣገልግሎት ናይ ስብከተ ወንጌል እዩ።       

ካብዚ ኵላትና በረኸት ወንጌል ክንካፈል ከም ዘሎና ንምርዳእ ከመይ ኢልና ኣሰር ቅዱሳን ክንስዕብ ከም ዘሎና ከረድእ ከሎ ኣብ ናይ ዕለቱ ዝንበብ (ዕብ ፲፫፡፯-፱/13፡7-9) “ነቶም ቃል ኣምላኽ ዝሰበኹልኩም መራሕቲ ዘክርዎም፤ ከመይ ኢሎም ከም ዝነበሩን፡ ከም ዝሞቱን ኣስተውዒልኩም ኣሰር ኣሰር እምነቶም ሰዓቡ። ኢየሱስ ክርስቶስ ትማልን ሎምን ንዘለዓለምን ንሱ እዩ። በብዓይነቱ ብዝኾነ ጋሻ ትምህርቲ ኣይትስሓቱ፡ እቲ ነቶም ዝሰዓብዎ ሓንቲ ዘይጠቐሞም ናይ መብልዕ ሥርዓት ዘይኮነስ፡ ልብኹም ብጸጋ እንተ ጸንዐ ሠናይ እዩ” ይብል።

በዚ እቲ ከም ሓዋርያት ምስ ጐይታ ብኣካል ከይተማህረ በቲ ክርስቶስ ዝገለጸሉ መንገዲ ዝተጓዕዘ፡ ሓዋርያ ቅዱስ ጳውሎስ ነቲ ዝተዳለወሉ ኣኽሊል ዓወት ዓቲሩ እዩ። “ኣነስ ድሮ ክሥዋዕ ቀሪበ ኣሎኹ፡ መዓልቲ ሞተይውን በጺሓ እያ። ሠናይ ገድሊ ተጋዲለ እየ፥ ጒያይ ወዲኤ እየ፥ ነታ እምነት እውን ሓልየያ እየ። ደጊም እቲ ፈራዲ ዝኾነ ጐይታ በታ መዓልቲ እቲኣ ዝህበኒ ኣኽሊል ጽድቂ ተነቢርለይ ኣሎ። እዚ ግና ነቶም ንምግላጹ ሃረር ዝብሉ ዅላቶም ድኣ እዩ እምበር፤ ንዓይ ጥራይ ኣይኮነን” (፪/2 ጢሞ ፬፡፮-፰/4፡6-8)። እዚ ኣኽሊል ዓወት ንእኡ ጥራይ ከም ዘይኮነ፥ ነቶም ኣሰር ክርስቶስ ስዒቦም ዝተዓወቱ እንተ መሲልና፡ ንዓናውን ዝወሃበና ስልማት እዩ።

            ናብዚ ጸጋ ከብጽሓና ዝኽእል እቲ ቀንድን እንኮ መንገድን ‘ትሕትና’ እዩ። ሰብ ትሕትና እንተ ዘይለቢሱ ጸሎቱ ኣይስማዕን፡ ጾሙ በረኸት ኣየውህቦን፡ ምጽዋቱ’ውን ኣይቅቡልን እዩ። ነዚ ቅዱስ ዝኾነ ግብሪ ትሕትና ካብቲ ኣቦ ኵሉ ትሕትና ዝኾነ ሕያዋይ ጐይታ እንመሃሮ እዩ። ዅሉ ናቱ ከሎ ከም ዘይናቱ ስቕ ዝበለ ኣምላኽ፡ ሰማይን ምድርን ፍጹም ትሕትና ካብ መሃረና፤ ንሕና ባሮቱ ድኣ ከመይ ክንትሕት ዘይግበኣና፤ ንሱስ ኵሉ ናቱ ከሎ እዩ ንሕናኸ ናትና ኢልና እንምክሓሉ እንታይ ኣሎና፤ ዅሉ እቲ ዘሎናስ ናቱዶ ኣይኮነን፤ ፍልጠት፡ ገንዘብ፡ ውላድ፡ ዘመድ፡ መልክዕ፡ ቁመና፡ ሃብቲ ዅሉ ናቱ እዩ (ዘዳ 1፡14)። ብርግጽ እቲ ዝውንኖ ዘይብሉ ልዕል ክብልን ክዕበን እንተ ደለየ ነቲ ናይ ትዕቢት መምህር እዩ ዝመስል። ንሱ ሓቅነት ብዘይብሉ፡ ብዘይከውን፡ ብዘይጭበጥ ናይ ሓሶት ተስፋ ካብቲ ልዑል ክብሩ ዝወደቐ፤ ንሔዋን እውን ብናይ ሓሶት ናይ ልዕልና ተስፋ ኣታሊሉ ዘሕሰረን፡ ኣብ ባርነት ዘውደቐን እዩ። ንሱ እቲ ከም ዝጓዝም ኣንበሳ ኣብ ዙርያና ዝጓዝም ጸላኢ ሠናያት ዲያብሎስ እዩ (1 ጴጥ 5፡8)። ነዚ ኣቦ ትዕቢት ብትሕትና ከም እንስዕሮ ኣብ ናይ ዕለቱ ንባብ ቅዱስ ያዕቆብ ክገልጾ እንከሎ፥

 “ንሱ ግና ቅዱስ መጽሓፍ ‘ኣምላኽ ንዕቡያት ይጻረሮም፡ ንትሑታት ግና ጸጋ ይህቦም ከም ዝብል ኣብዚኁ እዩ ጸጋ ዝህብ። እምበኣርሲ ንኣምላኽ ተገዝእዎ፡ ንዲያብሎስ ግና ተጻረርዎ፤ ንሱ ኸኣ ካባኻትኩም ክሃድም እዩ። ንኣምላኽ ቅረብዎ ንሱውን ክቀርበኩም እዩ፡ ኣቱም ኃጥኣን ኣእዳውኩም ኣጽርዩ፤ ኣቱም ሰብ ክልተ ልቢውን ልብኹም ኣንጽሑ። ኅዘኑን ጒሃዩን ብኸዩን፡ ሰሓቕኩም ናብ ብኽያት ሓጐስኩምውን ናብ ሓዘን ይለወጥ። ኣብ ቅድሚ እግዚአብሔር ትሕት በሉ ንሱውን ልዕል ከብለኩም እዩ።” (ያዕ ፬፡፮-፲/4፡6-10) “ንስኻትኩም ኣቱም ሎሚ ወይ ጽባሕ ናብታ ከተማ እቲኣ ክንከይድ ኢና እናነገድና ምእንቲ ክንረብሕ ከኣ ኣብኣ ዓመት ክንቅመጥ ኢና እትብሉ ስምዑ ንስኻትኩም ነቲ ጽባሕ ዝኸውን እኳ ኣይትፈልጡን ኢኹም ሕይወትኩምከ እንታይ እያ፧ ንቝሩብ ጊዜ ተራእዩ ድኃር ዝበንን ሃፋ ኢኹም። ጐይታ እንተ ፈቒድዎ ብሕይወት ክንነብር ኢና ከምዚ ወይ ከምቲ ክንገብር ኢና እዩ ክትብሉ ዝግበኣኩም ነይሩ። ሕጂ ግና ትጀሃሩን ትምክሑን ኣሎኹም። ከምዚ ዝበለ ትምክሕቲ ኵሉ ኸኣ ክፉእ እዩ።” (ያዕ ፲፫-፲፮/13-16)።

እምበኣር እዚ ናይ ኵሉ መንፈሳውነት መጀመርን መፈጸምታን ዝኾነ ትሕትና እነጥርዮ ብጾም እዩ። ጐይታውን ኣብ ገዳመ ቆሮንቶስ ፵/40 ለይትን ፵/40 መዓልትን ጸይሙ ምስ ጠመየ፡ ብዲያብሎስ ንዝተፈተኖ መጻወድያ ናይ ትዕቢት ብትሕትና ስዒርዎ እዩ። ካብዚ ጾም ናይ ‘ትዕቢት ፆር’ ከም ዘቃልል/ዘድክም ንመሃር። ዘወረደ ኢሉ ጾም ምጅማሩ ነዚ ጾም ትሕትና ናይ ጐይታ እናዘከርና ካብኡ ተማሂርና ትሕት ክንብልን፡ ካብቲ ዘሎና ዝዛየደ ናይ ትሕትና ጸጋ ምእንቲ ክነጥሪ እዩ’ሞ፥ ኣብ ዝተዋህበና ጸጋ ምእንቲ ክንጸንዕ “ጐደና እግዚአብሔር ጽረጉ መገድታቱውን ኣቕንዑ፥ ስንጭሮ ዘበለ ልዕል ይበል፥ እንባን ኵርባን ኵሉ ትሕት ይበል፥ ጥውይዋይ ዝኾነ ዅሉ ትኽ ይበል፥ ድንጉር ይተኻኸል።” ሉቃ ፫፡፬-፮/3፡4-6።

ስብሐት ለእግዚአብሔር፡

ወለወልዲቱ ድንግል፡

 ወለመስቀሉ ክቡር።  

 ዲን. ዘሚካኤል

Comments are closed.