ሰሙነ ሕማማት

ስለምንታይ ኣብ ግዜ ሕማማት ብዘይካ ኣብ ኃሙስ ጽግቦ(ምሴታ ሓሙስ)  ዝግበር ቅዳሴ ፡ እንተዘይኮይኑ ኣብ ካልእ መዓልቲ   ኵሉ መንፈሳዊ ኣገልግሎትን ጸሎትን  ካብ ወሽጢ ቤተ መቅደስ ወጻኢ ይካየድ፧


ኣብ ዘመነ ኣሪት ናይ ሓጥያት መስዋዕቲ ከቀርቡ ከሎ እቲ ዝተዳለወ መሥዋዕቲ ኃጥያት ካብ ቤት- መቅደስ ወጻኢ ኣብ ኣፍደገ እቲ መቅደስ ይሕርርዎ ነይሮም። ምኽንያቱ  እቲ ዝሓርር መሥዋዕትን  ሽትኡን ከይትንክዮም እሞ ከይርኽሱ፡ ነቲ ዝሓርር መሥዋዕቲ ኣብ ኣፍደገ  ድንኳን መራኸቢ ካብ ቤተ-መቅደስ ወጻኢ ይቀርብ ነይሩ (ዘሌ4፡12-21)። ነዚ ዝመሳሰልውን  ጐይታናን መድኃኒናን ኢየሱስ ክርስቶስውን ገሸል መሥዋዕቲ ፋሲካና  ብሙዃን ኃጥያት ዓለም  ከርሕቅ ከሎ ስቀልቱ ኣብ ቀራንዮ ካብ ኢዮርሳሌም ወጻኢ ገበሮ።

ቅድስት ቤተ-ክርስቲያና ነዚ ናይ ኦሪት ሕጊ ተመርኪሳ ከምኡውን ናይ ቤዛ ዓለም ክርስቶስ ዝፈጸሞ  ሥርዓት ስቅለት ተኸቲላ ኵሉ ኣብ ሰሙነ ሕማማት ዝቀርብ መንፈሳዊ ኣገግልግሎትን ጸሎታትን ካብ ውሽጢ ቤት-መቅደስ ወጻኢ ትግበሮ። ኣብ ማእክላይ ሥፍራ ናብ ቤተ-ክርስቲያን ብምዃኑ ኵሉ ጸሎታትን ንባባትን ናይ ሰሙነ ሕማማት ተብጽሖ ብዘይካ ቅዳሴ ኣብ ምሴታ ኃሙስ(ሓሙስ ጽግቦ)።ከምቲ ብርሃነ ዓለም ቅዱስ ጳውሎስ ዝጸሓፎ” ሰለዚ ኢየሱስ ብደሙ ንሕዝቢ ምእትንቲ ኪቅድስ ኢሉ ኣብ ወጻኢ ኣፍ ከተማ መከራ ጸገበ............................ ኣብዚ ሕጂ ከተማ የብልናን እሞ ሕጂ ጸርፊ ተሰኪምና ናብ ወጻኢ ሰፈር ናብኡ ንውጻእ።”ዕብ13፡13።

ሰለዚ ኣብ ሰሙነ ሕማማት ናብ ጥቃ መጋረጃ  ቤተ-መቀደስ ኣይንቀርብ ስለምታይ መዓጾ ገነት ቅድሚ ዓርቢ ስቅለት ተዓጺዮ ስለ ዝነበረ። ኣብ ሓሙስ መዓልቲ ኣብ ቤት-መቀደስ ቅዳሴ ንሰርዓሉ ቀንዲ  ምኽንያት ሓደ ካብቶም ዓንዲ ቤተ-ክርስቲይና ዝኾኑ ምሥጢራት፡ ምሥጢረ ቁርባን ክንፍጽም ግደነት ኣብ ውሽጢ ታቦት ዝርከበሉ ቤተ-መቅደስ ንኣቱ። ኣብ ግዜ ሰሙነ ሕማማት ምስ ክርስቶስ መድኃኔ-ዓለም ከምቲ ንሱ ካብ  ኢዮሳሌም ወጻኢ ፡  ጸዋተ መከራ ዝተቀበለ ንሕናውን ነዚ ዓቢይ ውዕለት ብኣስተንትኖ እናዘክረና ካብ ቤተ-መቅደስ ፍንትት ብምባል ጽዋእተ መከራ ክርስቶስ ንሓብሮ።

ፍርሃት ኣምላኽ ዝመልኦ መፈቅሬ እግዚአብሔር ንጉስ ታዴዋስ ኣብ ግዜ ንግስነቱ፡  ሰሙነ  ሕማማት ኣብ ዓመት እቲ ዝተቀደሰት ሰሙን ምዃኑ ተረዲኡ ኣብዛ ሰሙን ኵሉ ናይ መንግስትን ውልቅን ትካላት ተዓጺ ኵሉ ሰብ ኣብ ቤተ-ክርስቲያን ዝፍጸም ጸሎት ከምቲ ሓንቲ ሥድራ ክሳተፍ ሕጊ ኣጽዲቁ ነይሩ። ንሱ ንባዕሉውን ካብ ንግስነቱ ወሪዱ ከም ሰብ ነዛ ዝተቀደሰት ሰሙን ንጽድቂ የወፍያ ነይሩ። ኣብዛ መዓልቲ እሱራት ተፈቲሖም ኣብ ቤተ-ክርስቲያን ዝካየድ ጸሎትን መንፈሳዊ በዓልን ክሳተፉ፡ ይፍቀደሎም ነይሩ። እዛ ብጽድቂ ሃብታም ዝኾነት ሰሙን እሱራት ካብ ማእሰርቲ ከይተረፉ ተፈቲሖም ኣብ ጾምን ጸሎትን ተጸሚዶም ናብቲ ወሃቢ ምሕረት፡ ፈታሒ ስጋን ነፍስን እግዚአብሔር ኣምላኽ ይጽግዑ ነይሮም። ንሕናውን ነዛ ዝተቀደሰትን ዘተባረኸትን ሰሙን ብጽድቂ ክንህብትም ንመንፈሳዊ በረኸት ነወፍያ።

 

ጾምናን ጸሎትን ይቐበለልና ሩህሩህ መድኃኔ-ዓለም!!

ኣከ

ዘመካነ ገነት

2022-04-18

Comments are closed.