ርእሰ ዓውደ ዓመት ዮሐንስ

በስመ አብ ወወልድ ወመንፈስ አሐዱ አምላክ አሜን።

ወትባርክ አክሊለ ዓመተ ምሕረትከ

ንዓመት ብሳህልኻ ትኽልላ መዝ.64፣11(65፣11።

እንቋዕ ናብ ሓድሽ ዓመት ዘመነ ማቴዎስ ብሰላምን ጥዕናን ዓቂቡ ኣብጽሓና። ንዘመን ብዘመን ዚልዉጥ፥ ኣብ ዘዘመኑ ድማ ዲንቒ እጹብ ዝኾነ ህያባቱ ኣምላኻዊ ጥበባቱን ዝገልጽ ልዑል እግዚአብሔር ኣምላኽ  ካብ ዘመነ ዮሓንስ ናብ ዘመነ ማቴዎስ ዘሰጋገረና ስለ ኩሉ ግብሩ ይኽበር ይመስገን ኣሜ

 “ቅዱስ ዮሐንስ”

ቅዱስ ዮሐንስ፡ ከም’ቲ ጐይታ መድሓኒ ዓለም ኢየሱስ ክርስቶስ ዝበሎ  “ እቲ ሱር ቅዱስ እንተ ኾይኑ፡ ጨናፍሩ’ውን ቅዱስ ኢዩ፡ዝበሎ ” ካብ ክልተ ናይ እግዚአብሔር ቅዱሳን ሰባት ዝተረክበ ካብ ቅዱስ ማህጸን ዝወጸ ኣቦ ኢዩ። ኣቡኡ ካህን ዘካርያስ፡ ኣዲኡ ቅድስት ኤልሳቤጥ፡ ሕጊ ኣምላኽን ትእዛዛቱን ብምፍጻም ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ “ጻድቃን” ነበሩ ሉቃ1፡6። እንተ ኾነ ኤልሳቤጥ መኻን ስለ ዝነበረት ውሉድ ኣይነበሮምን። ንዝለመንዎ ዘየሕፍር ኣምላኽ ግና ኣብ ግዜ እርጋኖም ብብስራታዊ መልኣኽ ቅዱስ ገብርኤል ውሉድ ከም ዝወልዱ ተነግሮም ሉቃ 1፡13። ንዮሓንስ ድማ ሃቦም። ዮሓንስ ማለት ትርጋሜ ስሙ “ፍስሐ ወሃሴት” ማለት ኢዩ። ቅዱስ ዮሓንስ መን ኢዩ᎒ ዮሓንስ ናይ እርጋን /ሽምግልና/ ውሉድ ኢዩ። ዮሓንስ ናይ ምሸት ውሉድ ኢዩ። ዓበይቲ እካ ክምርቑ “እንጌራ ምሸት” ይሃብካ ይብሉ። ፍጹም በረኸት ማለቶም ኢዮም። ዮሓንስ ክጽነስ ከሎ ኣፍ ኣቡኡ ዝዓጸወ ኢዩ። ዮሓንስ ክውለድ ከሎ ኣፍ ኣቡኡ ዝኸፈተ ኢዩ። ዮሓንስ ኣብ ማህጸን ኣዲኡ ከሎ መንፈስ ቅዱስ ዝመልኦ ኢዩ። ዮሓንስ ድምጺ ሰላምታ ማርያም ሰሚዑ ኣብ ማህጸን ኣዲኡ ዝተሳራሰረ ህጻን ኢዩ። ዮሓንስ ብመንፈስ ኤልያስ ዝተንስአ ብርቱዕ ነቢይ ኢዩ። ዮሓንስ ገዳማውን ድንግልን ኢዩ፡ ዮሓንስ ኣብ በረኻ ብጥበብ ኣምላኽ ዝዓበየ ፡ቀለቡ ኣንበጣን መዓር ጭደናይን ዝነበረ፡ ናይ ምድረ በዳ ሰባኺ ኢዩ። ነቢየ ልዑል /ናይ ልዑል ነቢይ/ ተባሂሉ ዝተነበየሉ፡ ንኢየሱስ ክርስቶስ ዘጥመቐ ቅዱስ ዮሓንስ ኢዩ። መቸም ንዮሓንስ መጥምቕ ዘይፈልጥ የለን ክበሃል ይከኣል። ቅዱስ ዮሓንስ ቀቅድሚ ጐይታ “ጎደና እግዚአብሔር ኣሰናድዉ፡ መገድታቱ ድማ ኣቕንዑ፡ማር 1፡2-3። ” እናበለ ዝእውጅ ድምጺ፡ ቀቅድሜኻ እልእኽ ኣለኹ ተብሂሉ ብነቢይ ኢሳይያስ ዝተነግረሉ ልኡኽ ኢዩ። በዚ መሰረት ድማ “ጸያሄ ፍኖት፡ጸራጊ መገዲ” ተባሂሉ ይጽዋዕ። ዮሓንስ ድማ ኣብ ብዘላ ይሁዳን የሩሳሌምን ስለ ንስሓ እናሰበኸ፡ ንጉሥ ክርስቶስ ብልብኹም ምእንቲ ክሓልፍ፡ፍረ ኣፍርዩ እናበለ ጎደና እግዚአብሔር ስለ ዝጸረገ ጸራጊ መገዲ ተባሂሉ ተሰይሙ። ቅዱስ ዮሓንስ ካህን ኢዩ። ናይ ካህን ሥራሕ ንስሓ ምቕባል ኢዩ። ዮሓንስ ድማ “ንስሓ” ተቐቢሉ ኢዩ። ኩሎም ሰብ ድማ ካብ ዝዓበየ ክሳብ ዝነኣሰ ናብኡ መጺኦም ንስሓ ይቕበሉ ኔሮም። ዮሓንስ ስለ ንስሓ ብድፍረት ካብ ዝሰበኹ ኣቦታት ሓደ ኢዩ። ”ኣቱም ውሉድ ኣትማን፡ ካብቲ ዝመጽእ ቁጣዓ ክትመልቁኸ መን ሓበርኩም᎒ ንንስሓ ዝበቅዕ ፍረ ግበሩ።”ሉቃ 3፡7- 14። ክሳብ ንወተሃደራት ከይተረፈ የነስሕ ኔሩ። ቅዱስ ዮሓንስ ነቢይ ኢዩ። ”እቲ ኻባይ ዝብርትዕ፡ኣነ ስራኽ ኣሳእኑ፡ ንምፍታሕ ዘይበቅዕ፡ይመጽእ ኣሎ፡ንሱ ብመንፈስ ቅዱስን ብሓውን ኬጥምቐኩም ኢዩ። ሉቃ 3፡16” ኢሉ ስለ ክርስቶስ ተነብዩ። ቅዱስ ዮሓንስ ሓዋርያ ኢዩ። ንመጀመርያ ግዜ ”መንግስተ ሰማያት ቀሪባ ኢያ’ሞ ተነስሑ። ማቴ 3፡1-2” ኢሉ ስለ ዝሰበኸ። ቅዱስ ዮሓንስ ወንጌላዊ ኢዩ።”ነዋ በግዑ ለእግዚአብሔር ዘያአትት ኃጢኣተ ዓለም፡እንሆ ኃጢኣት ዓለም ዘርሕቕ ገንሸል ኣምላኽ። ”ዮሓ። 1፡29። ” ኢሉ ስለ ጐይታ ኢየሱስ መሥዋእትነት ስለ ዝመስከረ። ቅዱስ ዮሓንስ ሰማእት ኢዩ።” ሰበይቲ ሓውኻ ከተእቱ ኣይግብኣካን ኢዩ ኢሉ፡ ንንጉስ ሄሮድስ ገሲጹ ርእሱ ስለ ዝተሰየፈ። ሉቃ 14፡1-12። ኢየሱስ ክርስቶስ ስለ ዮሓንስ መጥምቕ ክምስክር ከሎ ብፍሉይ ኣገላልጻን ኣድንቖትን ኢዩ መስኪርሉ። ዮሓንስ መጥምቕ ሓደ ካብቶም ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ኣስማቶም ተጠቒሶም ዘለዉ ቅዱሳን ዝተፈልየን ዝኸበረን ኢዩ። ምኽንያቱ “ኣልቦ ዘየአብዮ ለዮሐንስ እምትውልደ አንስት፡ካብ ኣንስቲ ዝተወልዱ ንዮሓንስ መጥምቕ ዝዓብዮ የለን” ኢሉ ጐይታ ተዛሪብሉ ኢዩ። ማቴ 11፡11። ” ንእሳተ መለኮት ኣምላኽ ስለ ዘጥመቐ ኢዩ እዚ ኩሉ ክብሪ። መጥምቀ መለኮት ኢላ ድማ ቤተ ክርስቲያን ትጽውዖ። ቅዱስ ዮሓንስ ካብ ብሉይ ኪዳን መወዳእታ፡ካብ ሓዲሽ ኪዳን ድማ መጀመርያ ስለ ዝኾነ፡ ናይ ዘመን መቐየሪ፡ ርእሰ ኣውደኣመት ኮነ። መራጊት ቤተ ክርስቲያን ድማ ኣብ ግዜ ማህሌት “ርእሰ አውደ አመት ዮሓንስ ” እናበሉ ክዝምሩ ይሓድሩ። ቅዱስ ያሬድ’ውን “ውስተ ርእሰ አውደ አመት ተጽሕፈ ተዝካርከ፡ ባርከኒ እንሳእ በረከትከ ” ኣብ ርእሲ ኣውደ ኣመት ተዝካርካ ተጻሒፉ፡ ባርኸኒ በረኸትካ ክወስዶ” ብምባል ብጥዑም ዜማኡ የመስግን።

ልዑል እግዚ አብሔር ኣምላኽና በረኸት ናይ ቅዱስ ዮሓንስ መጥምቀ መለኮት የካፍለና ። ኣማላድነት ኣዴና ቅድስተ ቅዱሳን ድንግል ማርያም ኣይፈለየና።

 ዘኬዎስ።

Comments are closed.