ራብዓይ ሳምንት ናይ ዓቢይ ጾም መጻጕ

በስመ አብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ አሐዱ አምላክ አሜን።

መዝሙር ዘቅዱስ ያሬድ

አምላኩሰ ለአዳም።

ምስባክ

እግዚአብሔር ይረድኦ ውስተ ዐራተ ሕማሙ

ወይመይጥ ሎቱ ኩሎ ምስካቢሁ እምደዌሁ

አንሰ እቤ እግዚኦ ተሣሃለኒ ።

ኣብ መደቀሲ ድናሴኡ ኸሎ እግዚአብሔር ይድግፎ

ንስኻ ብሕማሙ ንብዘላ ዓራቱ ተንጽፈሉ

ጐይታየ በዲለካ እየ እሞ ምሐርኒ።

                                                               መዝ.40፣  (41፣3-4)

ወንጌል ዮሓ፣5፣1-23፣      ግ.ሓ.3፣1-1-12           ገላ.5፣1      ያዕ.5፣14

ቅዳሴ. ነአኩተከ

 እቲ ራብዓይ ሰንበት ናይ ዓቢይ ጾም መጻጕዕ ይበሃል። እዚ ሒዝናዮ ዘለና ሳምንት ። መጻጕዕ ሕሙም፥ ድውይ፥ ዝጎበጠ፥ ድኑስ …ማለት እዩ። እዛ ሰንበት ወይ ሳምንት መጻጕዕ ዝብል ስያሜ ክትሕዝ ዝኸኣለትሉ ምኽንያት፥«ሎቱ ስብሐት» ኣምላኽናን መድኃኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ንዓና ከድኅን ንሱ ፍጹም ኣምላኽ ፍጹም ሰብ ኣብ ዝኾነሉ ግዜ ንለምጻማት ምንጽሁ፥ ንድውያት ምፍዋሱ፥ንዕውራት ክርእዩ ብርሃን ዓይኒ ምዕዳሉ……እትሰብኽ ዕለት ስለዝኾነ እዩ ። ብፍላይ ግና ናይ ቤተ ክርስትያና ሊቕ ዝኾነ ኣቦ ማህሌታይ ቅዱስ ያሬድ፥ “ውእቱ እግዚአ ለሰንበት ወአቡሃ ለምሕረት ቤትየሰ ቤተ ጸሎት ይሠመይ ቤተ እግዚአብሔር ወማኅደሩ ለልዑል ቤትየሰ ቤተ ጸሎት ይሠመይ ረሰየክሙ አንትሙ በዐተ ፊያት ።" ክብል ናይ ምኩራብ ነገር ድሕሪ ምዝካር፥ ኣስዒቡ ብዛዕባ ናይዛ ዕለት ዝምልከት ድማ ሓደ ካብቶም ጐይታና መድኃኒና ኢየሱስ ክርስቶስ ዝገበሮም ዓበይቲ ተኣምራት ጠቒሱ÷
    « አሕየዎ ኢየሱስ ለመጻጕዕ ለዘሰላሳ ወሰመንተ ክረምተ ሐመ……» ከምዝበሎ ክርስቶስ ነቲ 38 ዓመታት ዝኣክል ወገን ዘመድ ስኢኑ ብደዌን ለምጽን ክሳቐ ዝነበረ ከም ዝፈወሶ ምንጋር እቲ ቀንዲ ናይዛ ዕለት መልእኽቲ ስለዝኾነ በዚ «መጻጉዕ» ትበሃል።

ታሪኹ ከኣ ከምዚ ዚስዕብ እዩ÷

      አምላኽናን መድኃኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ንዓና ካብ ዘለዎ ልዑል ፍቕሪ ካብ ዝተላዕለ ፍጹም ከድኅነና፥ ካብ ስቓይን ባርነትን ኣርሒቑ ነጻ ምእንቲ ከውጽኣና ንሱ ፍጹም ኣምላኽ ሰብ ኮይኑ ኣብዛ ዓለም ምስ ተገልጸ። ኣብ መዋእለ ስብከቱ ካብ ዕለታት ሓደ መዓልቲ ብዕለተ ቀዳሚት ሰንበት ፥ ኣብ በዓል ኣይሁድ ናብ ኢዮሩሳሌም ደየበ። ኣብ ኢዮሩሳሌም ኣብ ጥቓ ደገ ኣባጊዕ ከኣ ብዕብራይስጥ ቤተ ሳይዳ ትርጉሙ«ቤተ ሳህል ቤተ መድኃኒት » ዚበሃል ሓሙሽተ ገበላ ዘለዎ ቐላይ(ማየ ጸሎት)ነበረ። ኣብኡ ናይቲ ማይ ምንዋጽ ዚጽበዩ ብዙሓት ሕሙማት ፥ ዕውራትን ሓንካሳትን ልሙሳትን ይድቅሱ ነበሩ።ድሕሪዚ መልኣኽ እግዚአብሔር ናብቲ ቐላይ ወሪዱ ነቲ ማይ የናውጾ እሞ፥እቲ ቅድም ኣብቲ ማይ ዝኣተወ  ከኣ ካብ ዘለዎ ኩሉ ሕማም ይሓዊ ።
               
መግለጺ÷
            *እቲ መልኣኽ እግዚአብሔር ናብቲ ቐላይ ምውራዱ ብዘይ ምኽንያት ዘይኮነስ ነቲ ማይ ንምቕዳስን መሥዋእቲ ንምዕራግን እዩ።ነዚ ከኣ እቶም ዝተፈላለየ ጸገም ዝነበሮም ሕሙማት እቲ ማይ በቲ ቅዱስ መልኣኽ ቅድሚ ምንዋጹ ዘይምእታዎም እኹል መረዳእታ እዩ።ወሪዱ ምስ ባረኾን ምስ ቀደሶን ግን ተሓጺቦም ይፍወሱ ነበሩ። እቲ ማይ ምንዋጹ መልኣኽ እግዚአብሔር ከምዝወረደ ንምርዳእ ምልክት እዩ።

ሓደ’ውን÷
        *እቲ ማይ ናይ ጥምቀት ፥
          
        *ሓሙሽተ ገበላ (መደብ)ዘለዎ ምዃኑ ናይ
         ሓሙሽተ ኣእማደ ምሥጢር፥

          *እቶም ዝተፈላየ ሕማም (ጸገም) ዝነበሮም  ከኣ ናይ ምእመናን፥

          * እቲ መልኣኽ ከኣ ናይ ካህን ምሳሌ እዮም።

እቶም መጻጉዕ ካብቲ ዝተፈላለየ ሕማሞም በቲ ማይ ተሓጺቦ ምፍዋሶም ድማ ፥ እቶም ኣብ ዝተፈላለየ ክፍለ ዕድመን ጾታን ዝርከቡ ምእመናን ንዝመጾም ጾር ( ፈተና) ካብ ጥምቀት ብዝረኽብዎ ጸጋ ብኃይሊ ጥምቀት ምስዓሮም ዘመልክት እዩ። 

   ኣብዚ ምዕራፉ ከም ዝሕብሮ ካብዞም ምንዋጽ ናይቲ ማይ ንመልኣኽ እግዚአብሔር ዝጽበዩ ካብ ዝነበሩ፥ ሓደ ሣላሳን ሸሞንተን (38) ዓመት ዝሓመመ ሰብኣይ ኣብኡ ምንባሩ እዩ።ንሱ ኣብ ልዕሊ'ቲ ዝነበሮ ስቓይ ሕማሙ፥እቲ ማይ ብዝተናወጸሉ ግዜ ጾይሩ ክወስደኒ ዝኽእል ኣካል የልቦን ብማለትውን ብቀቢጸ ተስፋ ዝነብር ሰብ እዩ ዝነበረ። ክንደይ ሰባት ኢና ሎሚ ስቓይና ምስ በርትዐ መከራና ምስ ጸንዐ ሽግር ኣብ ልዕሊ ሽግር ምስ ተደራረበና ጸገምና ጻዕርና ዘይሕለፍ ጸድፊ፣ ዘይስገር ሩባ ፥ ዘይልዓል ጾር ፥ ዘይውጻእ ዓቐበት ኮይኑ ምስ ተራእየናን ምስ ተሰምዓናን ክሕግዘና እዩ እንብሎ ሰብ’ውን ምስ እንስእን ፥ በቃ ኮይንኒ እየ ሕጂ’ስ ኣይርህወንን እዩ ኢልና ቀቢጸ ተስፋ ዝኾና ? እዚ ን38 ዓመታት ዝኣክል ኣብ ዓራት ተጣቢቑ ብስቓይ ዝነብር ዝነበረ ሕሙም ሰብ፥ ዋላ እኳ ንሱ ጾይሩ ዝወስደኒ ወገን ዘመድ የብለይን ክፍወስውን ኣይክእልን እየ ብማለት ብርእሱ ተስፋ እንተቖረጸ ብእኡ ተስፋ ዘይቖረጸ እግዚአብሔር ግን ምስኡ ነበረ። ንሱ ግን ኣየስተውዓለን። ስለዚ ካብ ዘይምስትውዓልና ደኣ ይኸውን እምበር ቅዱስ እግዚአብሔርስ ካባና ዝፍለየሉ ሰዓት ኮነ ደቒቕ የልቦን።ብፍላይ ድማ ኣብ ጊዜ ድኻምናን ጸገምናን ። እዚ ስለዝኾነ ከኣ እዩ መጻጉ ብኸምዚ ጭንቀት ብእተመለአትን እተዋሕጠትን ሕይወት እናነበረ እንከሎ ጐይታና መድኃኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ፥ ነቲ ዓቢይ ጸገሙን ስቓዩን ተመልኪቱ ፥ ንነዊሕ እዋን ምሕማሙ ፈሊጡ ናብ ዘለው ብምኻድ «ክትሓዊ’ዶ ትደሊ ኢኻ»? በሎ። እወ ከም ዝብሎ፥ ምድኅን እውን ከምዘይጸልእ ይፈልጥ ነይሩ እዩ።

እናፈለጠ ደኣ ንምንታይ ይሓቶ እንተተባህለ ግና፥
   
     *ጐይታና መድኃኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ  ሥርሑ ብዘይምኽንያት ስለዘይሠርሕ እዩ። ከምኡ’ውን ንሱ መዝገብ ኩሉ ጥበብን ፍልጠትን ዝኾነ ዘለዓለማዊ ኣምላኽ፥ ምስቲ ኩሉ ዘይፈልጥ ዝነበረ ሥጋ  ምውህሃዱ ንምርዳእ እዩ። 

     *ካልእ፥ ነጻ ፍቓዱ ተጠቒሙ ክፍውሶ  ስለዝደለየ እዩ።
ካልእ’ውን ፥"ካብዚ ዚገድድ ከይረኽበካ መሊስካ ኃጢኣት ኣይትግበር። " ከም ዝበሎ ፥ ብዕለተ ዓርቢ ብጽፍዒት ከም ዝወቕዖ ድማ ይፈልጥ ስለዝነበረ ፥ ክወቕዖ ዝረኣዩ ንዘድኃነካዶ ትወቕዖ ኣሎኻ ምስ በል፣ ባዕሉ ኣሕወየኒ እምበር መዓስ ኣሕውየኒ ኢለዮ ዘሕወኒ ከይብል እዩ።" ክትሓዊ’ዶ ትደሊ ኢኻ ዝበሎ።
እዚ ምስ በሎ ሽዑ እቲ መጻጉዕ " እቲ ማይ ምስ ተናወጸ ፥ ናብቲ ቐላይ ዜውርደኒ ሰብ የብለይን ፥ ኣነ ክሳዕ ዝመጽእ ድማ ካልእ ቀዲሙኒ ይወርድ  " ኢሉ መለሰሉ። ወዲ ሰላሳ ዓመት መንእሰይ ስለዝረኣዮ ተሸኪሙ ናብቲ ማይ ከውርደኒ እዩ ኢሉ ስለዝሓሰበ እዩ። እቲ ዝሓቶ ዘሎ መን ምዃኑ ግና ገና  ኣይፈለጦን ነበረ። ይኹን እምበር "እስመ አልቦ ነገር ዘይሰአኖ " ጐይታና መድኃኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ  ብዘይተጸበዮ ክሽከመኒ እዩ ኢሉ እናተጸበየ ብኣምላኻዊ ኃይሉ ዝነበሮ ጸገም ቀንጢጡ ፥ ከቢድ ጾሩ ኣርሒቑ ፍጺሙ ብምፍዋስ ንኃይሉ ኣጽኒዑ ንዓመታት ተሸኪማቶ ዝጸንሐት ዓራት ታሪኹ ቀይሩ «ተንሥእ እሞ ዓራትካ ኣልዒልካ < ተሸኪምካያ > ኪድ» በሎ። እቲ ንዓመታት ብጽኑዕ ደዌ ኃጢኣት ተወቒዑ ክሳቐ ዝጸንሐ መጻጉዕ ሰብኣይ ከኣ ብኡብኡ ሓወየ እሞ ፣ ዓራቱ ኣልዒሉ ከደ። ምሕረት እግዚአብሔር ክንደይ ዓቢይ እዩ እሞ ርኣዩ። ፍቕሩ ብምንታይ መለክዒ ቃላት ክግለጽ ይከኣል። ዋላ እኳ ንሕና ብኃጢኣትና ምኽንያት እንተርሓቕና ምስትውዓል ካብ ምስኣን እውን በይንና ዘለና እንተመሰለና ፥ ዋላ ንእግዚአብሔር እንተረሳዕናዩ ፥ ንሱ ግን ኣይርስዕናን እዩ ። እኳ ደኣ ኩሉ ግዜ ምሳና ምኻኑ ካብዚ ምምሃር ይክኣል።
እዛ መዓልቲ እዚኣ ኣብ ላዕሊ ከም እተገልጸ ጐይታና መድኃኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ  ንሕሙማትን ድኑሳትን ዕውራትን ዝገበሮ ድንጋጸን ምሕረትን እንሓስበላ  ዕለት እያ።
ጐይታና መድኃኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ  ከምዚ መጻጕዕ ንዝኣመሰሉ ብብዙሕ ዝዓይነቱ ደዌን ሕምማን ዝሳቐዩ ወገናት ግን ከኣ ንኹሉ ተዓጊሶም  ብእምነትን ተስፋን ዝጽበይዎ ንሱ ወትሩ ብምሕረቱ ይበጽሖምን ይፍውሶምን እዩ።
      እዛ መጻጉዕ ዝተፈወሰላ መዓልቲ ዕለተ ሰንበት (ቀዳሚት ሰንበት) እያ ዝነበረት። ስለዚ’ውን ኣይሁድ ከምቲ ልማዶም ክስን ወቐሳን መስረቱ ። ንሳቶም ናይ ሕማሙ ነገር ከየገደሶም ፥ በቲ ዝተገብረ አምላኻዊ ኃይልን ትእምርትን ከይኣመኑ ፥ ምሕረቱ እንታይን ከመይን ምዃኑውን ከየስተብህሉሲ ፥ ሰንበት ዘኽብሩ ዘለው መሲልዎም "ነቲ ን38 ዓመታት ዝኣክል ሓሚሙ ዝነበረ ሰብኣይ ተፈዊሱ ምሕረት ተጌርሉ ፥ ዓራቱ ኣልዒሉ ክኸይድ ምስ ርኣዩ፥ " ሎሚ ሰንበት ስለዝኾነ ዓራትካ ኽትጸውር ኣይፍቀደልካን እዩ። "ክብሉ ወቐስዎ። ንሱ ግና፥"  እቲ ዘሕወየኒ እዩ ዓራትካ ኣልዒልካ ኪድ ዝበለኒ። "ኢሉ መለሰሎም። ካብ ተሓታትነት ንምምላጥ እዩ። ከምኡ ምስክርነት’ውን እዩ። ንሳቶም ከኣ ደጊሞም፥ እቲ ዓራትካ ኣልዒልካ ኪድ ዝበለካ መን እዩ ኢሎም ሓተትዎ ። እቲ መጻጉዕ መን ከም ዘሕዎዮ ኣይፈለጠን ነበረ እሞ፥መን ከም ዘሕወየኒ ኣይፈልጥ እየ በሎም።ዘይምፍላጡ ዓቢይ ስንፍና እዩ። ሎሚውን ሰባት ዋላ እኳ ንሳቶም ስሙ ንጽውዕ ኣሎና ይበሉ፥ ነቲ ካብ ማእሰርቲ ድያብሎስ ፈቲሑ፥ ካብ ድነ ሞት ኣውጺኡ፥ ካብ ባርነት ኣላቒቑ፥ ካብ ደዌ ኃጢኣት ኣንጺሁ ነጻ ዘውጽኤን ዘድኃኖምን ኣምላኽናን መድኃኒናን ኢየሱስ  ክርስቶስ ፥ እቲ ትኽክል ዝኾነ መንነቱ ዘይተረድኡን ፈጺሞም ዘይፈለጥዎን ውሑዳት ኣይኮኑን። ከምኡ እቶም ኣብቲ ትኽክል መንነቱ ዘለናውን ከምቶም 9 ለምጻማት ብዘይምስጋና ብእኡ ኣቢልካ ምትራፍን ምጥፋእን (ሉቃ17፥11-19)፥ ከምዚ መጻጉእ ድማ ዝተገብረልካ ውዕለት ምዝንጋዕ ዘጋጠመና ውሑዳት ኣይኮናን።

     እዚ መጻጉዕ ኣይፈልጦን ኢሉ ከብቅዕ ጐይታና መድኃኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ  ኣብ ቤተ መቕደስ ረኸቦ እሞ "እንሆ ሓዊኻ ኣሎኻ፥ካብዚ ዚገድድ ዘይረኽበካ፥መሊስካ ኃጢኣት ኣይትግበር ክብል ምስ መኸሮ። ካብ ቃሉ፥ እቲ ዘሕወዮ መን ምዃኑ ስለዝተረድኤ፥ እቲ ዘሕወዮ "ኢየሱስ" ከም ዝኾነ ንኣይሁድ ነገሮም። ዮሓ. 5፥1-15።

ሽዑ ኣይሁድ ብመዓልቲ ሰንበት ንሕሙም ስለዘሕወየ ዓራትካ ኣልዒካ ኪድውን ስለዝበሎ ንክርስቶስ ኣሳደድዎ ፣ ክቐትልዎ’ውን ይደልዩ ነበሩ። ኣብ ካልእ እዋናት ነዚ ዝመስል ክስን ወቐሳን ብዝመስረትሉ ግዜ “ካብ መስዋእቲ ምሕረት እፈቱ”ዝበሎ እንታይ ምዃኑ እንተትፈልጡስ ነዞም በደል ዘይብሎም ኣይምፈረድኩምዎምን ኔርኩም። ምኽንያቱ ወዲ ሰብ ጐይታ ሰንበት እዩ። » ክብል ብዛዕባ ሰንበትን ኣብ ሰንበትን  ኣነጺሩ ምንጋሩ ዝዝከር እዩ። ማቴ12፥7-8። ሕጂ ድማ ደጊሙ «ኣቦይ ክሳዕ ሕጂ ይዓዪ ኣሎ፥ ኣነውን ይዓዪ ኣለኹ ።» ኢሉ መለሰሎም። ከምዚ ዝበለ፥ ምስ ናይ ባህሪይ ኣብኡ ምስ "እግዚአብሔር ኣብ " ብሥልጣን ብኣጋዛዝኣን ሓደ ምኻኖም  ንምግላጽ እዩ። ካልእ፥ነዚ ምዕራፍ መሠረት ብምግባር እዩ ዝመለሰሎም።ንሱ ከኣ እዚ ምዕራፍ ከም ዝሕብሮ ኣቐዲሙ በቲ ኣብ ላዕሊ ተጠቒሱ ዘሎ ማይ ጸሎት ምኽንያት ኣብዛ መዓልቲ ( ዕለት ቀዳሚት ሰንበት)፥ ሓደ ሓደ ሕሙም ይሓውዩ ነበሩ።ነዚ ሒዙ ኣቦይ ይዓዪ ማለት በዛ ዕለት የሕዊ ኣሎ በሎም። ክርስቶስ ባዕሉ ድማ ኣቐዲሙ ነታ 18 ዓመት ጎቢጣ ትነብር ዝነበረት ሰበይቲ ። ሉቃ13፥10-11።፥ድሒሩ ከኣ ነዚ ን38 ዓመት ተደኒሱ ዝነበረ መጻጉዕ በዛ ዕለት (ቀዳም ሰንበት) ፈዊሱ ኣሕውዩ እዩ እሞ ነዚ ንምግላጽ ኣነ’ውን ይዓዪ ማለት የሕውን ምሕረት ይገብርን ኣለኹ በለ። በዚ ዝተረትዑ ኣይሁድ ፥ ተረቲዕና ከይብሉ፥ ኣቦይ ስለዝበለ መሊሶም "ንሰንበት ጥራይ መዓስ ስዒሩ፥ንርእሱስ ምስ ኣምላኽ የመዓራርያ ኣሎ እምበር" ኢሎም ተወሳኺ ካልእ ክሲ መስረቱ፥ ገና ግዜኡ ስለዘይበጽሔ ምስላጥ ደኣ ኣብዩዎም እምበር ክቐትልዎውን ይደልዩ ነበሩ። ይኹን እምበር ነቲ ካልኣይ ክሶም እውን ብግልጺ ጐይትነቱን ናይ ባህሪይ አምላኽነቱን ምስ ኣቡኡ ሓደ ምኻኖምን ኣፎም ክሳዕ ዝሕዙ ብግቡእ ጌሩ መሊስሎም እዩ። ዮሓ. 5፥16-47። 
     ንኣብነት ዝኾነ ቀንዲ ደኣ ጠቒስና እምበር ናይዛ ዕለት ከምዝሕብሮ በዛ ሳምንት ዝቐርብ መዝሙራትስ ብዙሕ እዩ። መልእኽቱ’ውን ብዙሕ እዩ፥ ጥቕልል ብዝበለ መንገዲ ግና÷
 * ጐይታና መድኃኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ  ንሕሙማትን ድኑሳትን ዕውራትን ዝገበሮ ድንጋጸን ምሕረትን ምዝካር፥ ከምዚኦም ዝኣመሰሉ ብብዙሕ ዝዓይነቱ ደዌን ሕምማን ንዝሳቐዩ ወገናት እሞ ድማ ንኹሉ ተዓጊሶም  ብእምነትን ተስፋን ዝጽበይዎ ንሱ ከምዚ ወትሩ ብምሕረቱ ዝበጽሖምን ዝፍውሶምን  ምኻኑ፥ ፍቕሩ፥ ምሕረቱ፥ ሓልየቱ ምንጋር፥
  * ኣቐዲሞም ሰባት፥ ብፍላይ ድማ ኣይሁድ  በዛ ዕለተ ሰንበት ካብ ሥጋ’ውን  መንፈሳዊን ምንቅስቓስ ተኣሲሮም ይውዕሉላ፣ ካብዚ ሓሊፎም ከኣ ካብ ነቲ ጐይታ ሰንበት ዝኾነ ኣምላኽ፥ ኣብሊጾም ወይ’ውን  ዝያዳ ንሰንበት እሞ ድማ ከም ግዴታ ዓይነት እምበር ብፍቕሪ ዘይኮነ ኣዝዮም ይፈርሕዋ ነበሩ እሞ፥ ኣብዛ ዕለት እዚኣ ብተኣምራቱ ብዙሓት ድውያንን ድኑሳትን ዕውራትን ብምሕዋይ፥ ንሱ ጐይታ ሰንበት ምዃኑን፡ ሰንበት ድማ ብኸመይ ኣገባብ ክትክበር ከምዝግባእን ምርኣዩ፥ እዚ’ውን ብዕለተ ሰንበት ኢድካን እግርኻን ኣጣሚርካ ኮፍ ኢልካ ሥጋዊ ዕረፍቲ ተዕርፈላ ወይ’ውን ካብ ኩሉ ምንቅስቓሳትካ ተኣሲርካ ትውዕለላ መዓልቲ ዘይኮነትስ ሰንበት ንእግዚአብሔር ዝተፈልየት ቅድስት ዕለት ስለዝኾነት፡ብዝከኣለና ኩሉ ሠናይ ግብሪ ዘበለ  ብምሥራሕ ንኣምላኽ ከነሥምረላ፥ መንፈሳዊ ንጥፈታይን ትሩፋተ ጽድቅን ክንፍጽመላ ዝተወፈየት ዕለት ምዃና  ብተግባር ዝፈጸሞን ብቃል ዝመሃሮን ምንጋር፥

ናይዛ ሳምንት ቀንዲ መልእኽቲ እዩ።
ስለዚ በዛ ዕለት ብፍሉይ ክብሪ እግዚአብሔር ክንገልጽ፥ ምሕረቱን ሓልየቱን ከነስተማቕር፥ ብቓሉ ካብ በረኸቱ ንምስታፍ ኣብ ቅዱስ ስፍርኡ ክንርከብ፥ ንሠናይ ዘበለ ኩሉ ክነቅሕ፥ ምሕረት ክንገብር፥ ንሽዱሽተ ቃላተ ወንጌል ብተግባር  ክንትርጉም ይግባእ።

ኣምላከ ቅዱሳን ልዑለ ባህሪይ ቅዱስ እግዚአብሔር ከም ቃሉ ብፍቓዱ በዚ ንምንቃሕ የብቅዓና ኣሜን።

ኣምላከ ቅዱሳን እግዚኣብሔር  ከም ቃሉ ነዚ ንምፍጻም የብቅዓና ኣሜን። ጾምና ይባርኸልና። 

እግዚአብሔር ኣምላክ በረከቱን ረዴአቱን ምሕረቱን የብዝሓልና። ኣማላድነት ቅድስተ ቅዱሳን ድንግል ማርያም ኣይፈለየና።

                                                                                                                                                                     ይትባረክ አምላከ አበዊነ።

                                                                                         ወስብሐት ለእግዚአብሔር።

                                                                                        ወለወላዲቱ ድንግል።

                                                                                       ወለመስቀሉ ክቡር።

                                          ዲን.ዓምደማርያም

Comments are closed.