ሥራሕ ኣቦይ ይሠርሕ ኣለኹ!

በስመ አብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ አሐዱ አምላክ፡ አሜን

  ንሓደ ክርስቲያን፤ ሃይማኖት ዘየብሉ ጎረቤት ነበሮ። ንሱ ድማ ንግሆ ንጉሆ እናጸረገ ጐሓፍ ደምበኡ ናብ ገዝኡ  ይድርብየሉ ነበረ። ነዚ ክፉእ ተግባር ከኣ ሥርሐይ ኢሉ ተተኃኃዞ። እቲ ክርስቲያን'ውን ኣይሓመቐን እቲ ተጸሚምካ ምኻድን ሕነ ክትፈዲ ሃሰውሰው ዘይምባልን ናተይ ቢሉ ተተኃኃዞ። ነቲ ናቱን ናይ ጎረቤቱን ድማ ብሓባር ናብ ወጻኢ ይጉሕፎ ነበረ። ሓደ መዓልቲ ግና ዓርኩ ኣንጊሁ ናብ ገዝኡ ምስ መጸ ኣጋጣሚ ኮይኑ እቲ ሃይማኖት ዘየብሉ ሰብ ከምቲ ናይ ቀደሙ ጎሓፍ ገዝኡ ናብቲ ናይ ክርስቲያን ቤት ብመንደቕ ክደፍኦ ምስ ረኣዮ ብሕርቃን ተቓጸለ። ንዓርኩ ከኣ "ስለምንታይ ንስኻኸ መሊስካ ናብ ገዝኡ ዘይትደፍኣሉ ስቅ ቢልካ ትርእዮ"፧ ምስ በሎ ንሱ ግና ከምዚ ክብል መለሰሉ  "ደኃን ግደፎ፣ ንሱ ሥራሕ ኣቡኡ ኢዩ ዝሠርሕ ዘሎ፤ ኣነ ኸኣ ሥራሕ ኣቦይ ይሠርሕ ኣለኹ" ቢሉ ንኽትሰምዖ ዘገርም መልሲ መለሰሉ።

  ኣኅዋተይ! ኵሉ ሰብ ሓደ ኣይኮነን ገሊኡ ክፍኣቱ ክሽፍን ከሎ ገሊኡ ድማ ብኽፍኣቱ የኽፍኣካ። ሥራሕ ሰይጣን ንዝጸረየ ምርሳሕ ክኸውን ከሎ ሥራሕ እግዚአብሔር ግና ንዝተበላሸወ ምንጻሕን ምቕዳስን ኢዩ። ሥራሕ ኣቡኦም ምንቃፍን ምጽራፍን እንተኾይኑ ሥራሕ ኣቦና ግን ምእንትኦም ምጽላይን ምሕዛንን ኢዩ። ሥራሕ ኣቡኦም ምቕታል እንተኾይኑ ሥራሕ ኣቦና ግና ምድኃንን ንዝተጸገመ ምርዳእን ኢዩ። ሥራሕ ኣቡኦም ምንዓቕ እንተኾይኑ ሥራሕ ኣቦና ግና ምኽባርን ከም ነፍስኻ ገይርካ ምፍቃርን ኢዩ። ስለዚ ሥራሕና ምርዳእ እምበር ሰንከልከል ንዝበለ ደፊእካ ምጽዳፍ ኣይኮነን።

  ክልተ መነኮሳት ኃቢሮም ብብሕትውና እናነበሩ ከለዉ ካብ ዕለታት ሓደ መዓልቲ ማይ ከምጽኡ ዕትርኦም ተሰኪሞም ብሓደ ናብታ ኣብ ጥቕኦም ዝነበረት ሩባ ወረዱ። ማዮም ቀዲሖም ምስ ወድኡ ድማ እቲ ሓደ መነኮስ ሓንቲ ካብቲ ማይ ክትወጽእ ትቃለስ ዝነበረት ዕንቅርቢት ረኣየ። "ፍጥረት እግዚአብሔር ስለ ዝኾነት እናተጻዕረት  ልከላ ስቕ ቢልካ ምኅላፍ ጽቡቕ ኣይኮነን" ብምባል ናብቲ ዝነበረቶ ቀሪቡ ስሒቡ ከውጽኣ ፈተነ፤ ንሳ ግና ኢዱ ነኸሰቶ፤ ሕጂ'ውን ከይተሓለለ በታ ዘይተነኽሰት ብጸጋመይቲ ኢዱ ከድኅና ወስ ምስ ኣበለ ንሳ ግና እናሞተት'ውን ምንካስ ዘይምነዋ ዕንቅርቢት ስለ ዝነበረት ካልኣይ ጊዜ ነኸሰቶ። ንሱ ኸኣ "ከድኅናስ ኣለኒ!" ዝብል ሕልና ኣይገደፎን ግን ብኸመይ ትድኃን፧ እምበኣር ነታ ተሪፋ ዘላ ናይ መወዳእታ ዕድል ተጠቂሙ ማለት ካብ ክዳኑ ንእሽተይ ብምቕዳድ ነታ ዝተንኽሰት ኢዱ ሸፊኑ ነታ ጽቡቕ ንዝገበረላ ሰብ ዘይተለሊ ዕንቅርቢት ስሒቡ ካብ ኣፍ ሞት ኣድኃና።

  ኣየ ርኅራኄ ! እዚ ዅሉ ድኻምን ቃንዛንስ ንምንታይ ኮን ኣድለየ፧ ዝብል ሰብ ኣይሰኣንን ይኸውን። እምበኣር ንልብና ወኪሎም እቶም ነዚ ኩነታት'ዚ ክዕዘቡ ዝጸንሑ ሓደ መንኮስ ቅርብ ቢሎም "ስማዕ እስከ እዚ ኵሉ እናነኸሰትካ ንምንታይ ኣድኂንካያ፧" ክብሉ ነቲ መነኮስ ምስ ሓተትዎ፤

ንሱ ድማ "ንሳ ምንካስ፤ ኣነ ድማ ምድኃን ፍጥረትና  ስለ ዝዀነ ኢየ፤ ንዅሉ ዝተጸመምክዎ። እንደገና ኣነ ድኅሪ ሓጺር እዋን ቃንዛይ ክገድፈኒ ኢዩ። ንሳ ግና ካብ ሞት'ያ ድኂና" እናበለ መለሰሉ።

  እዚ ድማ ኵሉ ሰብ እንኳን ብመልክዕ ሥላሴ ንዝተፈጥረ ንብጻዩ፤  ፍጥረት ኣምላኽ ንዘበለ ኵሉ'ውን ክርኅርኃሉ ከም ዘለዎ፤ እቶም ዝሕገዙ ዘለዉ ኣካላት ሕማቕ እኳ እንተ ፈደዩኻ፤ ንስኻ ግና ሥራሕ ኣቦኻ ሠናይ ምግባር ምዃኑ ፈሊጥካ፤ ንሰብ ጽቡቕ ምግባር ከተቋርጽ ከም ዘየብልካ ሕሰብ። ዝተፈጠርናሉ ቀንዲ ምሥጢር'ውን ምስ ቅዱስ ጳውሎስ ኴይና "ከመይ ንሕና ነቲ ኣምላኽ ኣቐዲሙ ዘዳለወልና 'ሠናይ ተግባራት እናፈጸምና ምእንቲ ክንነብር' ብክርስቶስ ኢየሱስ ዝተፈጠርና ፍጡራት ኣምላኽ ኢና" እናበልና ንነግረኩም ኣለና። {ኤፌ 2፥10}

  ንሕና ጥራይ ዘይኮነስ ኣሚኖም ሠናይ ተግባራት ዘይሠርሑ ኣኅዋት እንተድኣ ሃልዮም'ውን "ነቶም ብኣምላኽ ዝኣመኑ ሠናይ ግብሪ ንምግባር ምእንቲ ክተግሁ በዚ ኣጸቢቅካ ክተረድኦም እደሊ ኣለኹ" ዝብል ቃል ንነፍሲ ወከፍና ዝተዋህበ መንፈሳዊ ደብዳቤ ምዃኑ ኣስተውዒልና ክንመኽሮምን ሠናይ ተግባራት ንኽሠርሑ ከነበራትዖምን ከም ዘለና ኣይንረስዕ። {ቲቶ 3፥8}

  እስከ ናብ ቀራንዮ ንመለስ እሞ ከምቲ ሰብ ገላትያ ዅሉ ውዕለታት ጐይታ ኣብ ርእሶም ሰቒሎሞ ዝነበሩ፤ ውዕለት ናይ ዕለት ዓርቢ ንቍርብ ጊዜ ኣብ ቅድሚ ዓይንና ንስኣሎ። ስለምንታይ ኢዩ ጐይታ ነቶም ከም ዕንቅርቢት ኣእዳውን ኣእጋሩን ዝነኸስዎ ወይ ብሽንካር ዘቝስልዎ ዝነበሩ ጨካናት ኣይሁድ ኣእዳዉ ዘርጊሑ ዝጸለየሎም፧ ድኻሙ ኮነ ሕማሙ ንዘይርድእሉ ሰባት ንምንታይ ክሳብ ክንድዚ ምሉእ መዓልቲ ኣብ ቅድሚ ኵሉ ሰብ ዕርቃኑ ክስቀል ፍቓዱ ኾይኑ፧ ብሓቂ እዚ ዅሉ ንድኅነቶምን ንድኅነትናን ዶ ኣይኮነን፧ {ሮሜ 10፥21} እምበኣር እተን ትማሊ ንድኅነት ዓለም ዝተዘርግሓ ኣእዳው ሎሚ ውን ኵሉ ሰብ ብንስሓ ንኽምለስ ተዘርጊሐን ኣለዋ። መን ኮን ምሥጢር ምዝጋሐን ፈሊጡ ካብ በደሉ ይምለስ ይኸውን፧ ስለዚ ሥራሕ ሰማያዊ ኣቦና 'ንዝበደለካ ሰብ ኣብዚኅካ ምጽላይ፤ ክፉእ ንዝፈደየካ ብፍቕሪ ምቕራብ ኢዩ' እሞ እንታይ ንግበር፧ ሕነ ክንፈዲ' ዶ ንጒየ ወይስ ሥራሕ ኣቦና ንሥራሕ፧

ስለቲ ዅሉ ነገር ንኣምላኽ ስብሓት ይኹኖ!

ወስብሐት ለእግዚአብሔር ወለወላዲቱ ድንግል ወለመስቀሉ ክቡር።

Mer/kirkos Habtom 24/01/22014 ዓ.ም.ግ

Comments are closed.