'ሥራሕካ ሥራሕ፣ ንካልኦት ርዳእ፣ ዝጠቅም ሰብ'ውን ኩን! ' ብቅዱስ ዮሓንስ አፈወርቅ

                                                           በስመ አብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ አሐዱ አምላክ፡ አሜን።

ንካልኦት ሰባት ካብ ዘየድኅን ክርስትያን ንላዕሊ ዝኸፍአ ምንም የለን። ኣንታ ሰብ! ድኻ ኢየ እትብለኒ ንምንታይ ኢዩ፧ ክልተ ዲናር ዝሃበት ሰበይቲ ክትፈርደካ ኢያ። ካብ ተራ ቤተ ሰብ ከም ዝተወለድካ እትነግረንስ ንምታይ ኢዩ፧ ሓዋርያት'ውን ተራ ኢዮም ነይሮም፣ ነገር ግን ዓበይቲ ምዃን ተኻኢልዎም ኢዩ። ዘይምምሃርካ ምኽንያት ጌርካ ኣይትንገረኒ፣ ከመይሲ ሓዋርያት ዘይተማህሩ ነበሩ።

ባርያ እኳ ተኾንካ፣ ስደተኛ እኳ ተኾንካ ሥራሕካ ክትሠርሕ ይከኣለካ ኢዩ፣ ንካልኦት ክትረድእ ይከኣለካ ኢዩ፣ ንሰባት ምድኃን ይከኣለካ ኢዩ፣ ኦኔስሞስ'ውን ከማኻ ዓይነት ሰብ ነይሩ'ዩ (ፊልሞን 1፡10-11)። ነገር ግን ቅዱስ ጳውሎስ ናብ ከመይ ዝበለ ማዕርግ ልዕል ከም ዘበሎ እንታይ ኢሉ ከም ዝጸወዖ ኣድምፅ:- “ኣብ መቕውሔይ ኰይነ ዝወለድኩዎ።”

ኦ ፍትወይ! ኣነ እኳ ሕሙም ኢየ ኢልካ ኣይትንገረኒ፣ ጢሞቴዎስ'ውን ከምዚ ከማኻ ቀጻሊ ይሓምም ነበረ (1ይ ጢሞ. 5፡23)።

ፍሬ ዘየፍርዩ ኣግራብ ማዕረ ክንደይ ዓበይትን ተፈተውትን ክትርእዮም ዘብህጉን ከምኡ ድማ ገዘፍቲ ከም ዝኾኑ'ዶ ኣይረኣኻን፧ ንእሽተይ ናይ ጀርዲን ስፍራ እንተ ዝህልወና ግን ፍሬ ንዘፍርዩ ከም በዓል ኣራንሽን፣ ዘይቱንን ……ወዘተ ንተክል እምበር ነዞም ፍሬ ዘየፍርዩ ኣግራብ ኣይንተክል ኢና፡ ምኽንያቱ ድማ ንዓይኒ መዕረፊ ንምርኣይ ተዘይኮይኑ ካልእ ጥቅሚ ስለ ዘይብሎም።

ናይ ገዛእ ርእሶም ጥቅሚ ጥራይ ዝምልከቱ፣ ንካልኦት ሰባት ዘይረድኡ ክርስትያና'ውን ከምዞም ፍሬ ዘይብሎም ኣግራብ ኢዮም። እኳ ደኣ ካብዞም ኣግራብ ዝበኣሱ ኢዮም። ምኽንያቱ ድማ እዞም ሰባት ዝቈረጽዎ [ ኣብ ጊዜ ምጻት] ንእሳተ ገሃንም ኢዩ። ኣግራብ ግን እንተ ወሓደ ጠረጴዛ፣ ወንበር፣ ዓራት፣ ኣርማዲዮ ንምሥራሕ ይጠቅሙ፡ ንመስረሒ ገዛ ይውዕሉ። ሓጹር ቀጽሪ ኮይኖም የገልግሉ። እተን ዓያሹ ኃሙሽተ ደናግል ልክዕ ከምዚ ነበራ (ማቴ 25፡1)። ብርግጽ ኢዩ ንጽሕናአን ዝሓለዋ ነበራ። እዚ ንዝርእየን ኵሉ ሠናይ ዝኾነ ጠባይ ዝነበረን ነበራ፡ ሥርዓት ዘለወን ነበራ። እዚ ኵሉ ግን ምንም ኣይጠቀመንን። ናብ እሳተ ገሃንም ካብ ምድርባይ ኣየናገፈንን፣ ዘይቲ ዝተባህለ ምጽዋት ኣይነበረንን፣ ንክርስቶስ ብመንገዲ ነዳያን ዘይምግብዎ ዕጫ ብጽሒቶም እዚ ኢዩ - ናይተን ሰነፋት ደናግል ዕጫ!

ኣታ ሰብ ልብ ኢልካ ኣስተውዕል! እዘን ደናግል ብናይ ግሊ ኃጢኣተን ኣይተነቅፋን። ብዝሙት ወይ ብሓሶት ምስክርነት ኣይተወቅሳን። ብፍጹም! የግዳስ ዝተነቅፋን ዝተወቅሳን ንካልኦት ሰባት ብዘይ ምጥቃመን ኢዩ።

ከምዚ ተኾይኑ ደቂ ሰባት ክርስትያን ተባሂሎም ክጽውዑ ዝኽእሉ ብምንታይ መምዘኒ ኢዩ፧ እኳ ብምንታይ መስፈሪ ኢዩ፧ ንስኻ ኣታ ሰብ እስከ ንገረኒ! ኣብ ውሽጢ ሓርጭ ዝኣተወ ለቢቶ ነቲ ሓርጭ ከም ዝበዅዕ እንተ ዘይገበሮ ለቢቶ ተባሂሉ ምጽውዑ ንበይኑ እንታይ ይጠቅሞ፧ ብድጋሜ ናብኡ ንዝቀረቡ ሰባት መኣዛኡ እንተ ዘይሸተቶምን ነቲ ቤት ተዘይመለኦን ከርቤ ብከርቤነቱ እንታይ ጥቅሚ ኣለዎ፧

ንካልኦት ሰባት ምርዳእ ኣይከኣለንን ኢዩ ኢልካ ኣይትንገረኒ፧ እኳ ደኣ ክነግረካ፣ ንስኻ ድማ ስምዓኒ:- ንስኻ ናይ ብሓቂ ክርስትያን ተኾንካ ንካልኦት ሰባት ዘይምርዳእ ዘይከኣል ኢዩ። ዕጣን መኣዛ ንክህልዎ፣ ለቢቶ ንሓርጭ ከም ዘበዅዕ ተፈጥሮኡ ከም ዝኾነ ዅሉ፣ ሓደ ክርስትያን'ውን ብስም ክርስትያን ካብ ምባል ሓሊፉ ሓቂ ብዘይ ሓሶት ክርስትያን እንተ ኾይኑ ንካልኦት ሰባት ምርዳእ ብምኽኣሉ፣ ንካልኦት ዝጠቅም ሥራሕ ምሥራሑ ክርስትያናዊ ተፈጥሮኡ ኢዩ።

ስለዚ ኣይኮነለይን፣ ኣይከኣለንን ብምባል ንእግዚአብሔር ኣይተማርር። ፀሓይ ኣብ ልዕለይ ምብራህ ኣይከኣለትን እንተ ኢልካ ንፀሓይ እንዳ ጸረፍካያ ኢኻ። ልክዕ ከምኡ ሓደ ክርስትያን'ውን ንካልኦት ሰባት ክጠቅሞም ኣይክእልን ኢየ እትብል እንተ ኾንካ ንእግዚኣብሔር እንዳ ጸረፍካ [ሎቱ ስብሐት] ሓሳዊ እንዳ ገበርካዮ ኢኻ። ምኽንያቱ ድማ ሓደ ክርስትያን ንካልኦት ሰባት ካብ ዘይምርዳእን ምጥቃምን ንላዕሊ ፀሓይ ምቖትን ብርሃንን ከይትህብ ይቀልል። ከምዚ ካብ ዝኸውን ብርሃን ናብ ጸልማት ምቅያር ይቀልል። እሞ'ኸ፧! ስለዚ እሞ ኣይከኣለንን ኢዩ ኣይትበለኒ። ነቲ ዘይከኣል ምርዳእ ዘይምኽኣል ስለ ዝኾነ፣ ኣይኮነለይን እንዳ በልካ ብከንቱ ንእግዚኣብሔር ኣይተማርር።

ንሕይወትና ብኣገባብን ብሥርዓትን ንመርሕ እንተ ኮይኑ እዞም ኵሎም ነገራት ብቀሊሉ ምፍጻም ይከኣለና፣ እዞም ነገራት ክፍጸሙ ግድን ኢዩ። ኣብ መቅረዝ ዝተቀመጠ ሽምዓ ብርሃኑ ክሓብእ ከም ዘይከኣሎ ኵሉ ክርስትያን'ውን ናብ ብሓቂ ክርስትያን እንተ ኾይኑ ንብርሃኑ ክሓብእ ኣይከኣሎን ኢዩ። ስለዚ ሓቀኛታት ክርስትያን እንተ ኮይና ንካልኦት ሰባት ምርዳእ ምጥቃምን ሸለል ኣይንበል።

ብታኦዶኮስ እም አብሲዳማኮስ!

ወስብሐት ለእግዚአብሔር።

Comments are closed.