ሣልሰይቲ ሰንበት ምኵራብ

በስመ አብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ አሐዱ አምላክ።

መዝሙር ዘቅዱስ ያሬድ

ቦአ ኢየሱስ ምኵራብ አይሁድ

ምስባክ

እስመ ቅንዓተ ቤትከ በልዓኒ

ትዕይርቶም ለእለ ይትኤየሩከ ወድቀ ላዕሌየ

ወቀጻእክዋ በጾም ለነፍስየ።

ቅንኣት ቤትካ በሊዑኒ

ጸርፊ እቶም ዚጸርፉኻውን ኣባይ ወዲቑ እዩ እሞ

ነሕዋተይ ጓና ንውሉድ ኣደይውን ጋሻ ዀይኩ

እምበኼኹ ንነፍሰይ ብጾም ምስ ኣሕሳእክዋ እዚ መጽረፊ ዀነኒ።

መዝ.68- 8 (69-8)

ወንጌል ዮሓ፣2፣12፣      ግ.ሓ.10፣1-9           ቆላ.2፣16       ያዕ.2፣1-9

ቅዳሴ. ነአኩተከ

ኣብ ዓቢይ ጾም ካብ ዝርከቡ ሸሞንተ ሰናብቲ እታ ሣልሰይቲ ምኵራብ ተባሂላ ትፍለጥ። ናብዛ ክብርቲ ዕለት ዘብጽሓና እግዚአብሔር አምላኽ ከኣ ዝተመስገነ ይኹን። 

እዛ ሰንበት እዚኣ በዚ ስም ክትስመ ዝኸኣለት ማኅሌታይ ቅዱስ ያሬድ ኣብ ዝደረሶ ጾመ ድጓ ካብቲ ዋዜማ ጀሚሩ ክሳብ እቲ ሰላም ኣብ ዕለት ሰንበት “ቦአ ኢየሱስ ምኩራበ አይሁድ” (ኢየሱስ ብዕለተ ሰንበት ኣብ ምኵራብ ኣይሁድ ኣተወ) እናበለ ጐይታ ኣብ ምኵራብን ቤተ መቅደስን ኣትዩ ምምሃሩ ስለዝጠቅስን ኣብኡ ተመርኲሱ ድማ ስለ ዝዝመርን እዩ። 

እዛ ዕለት እዚኣ ጐይታናን አምላክናን መድኃኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ኣብ መዋዕለ ስብከቱ ብመዓልቲ ሰንበት ኣብ ምኵራብ እናኣተወ ወንጌል የስተምህርን ተአምራት ድማ ይፍጽም ምንባሩ ንምዝኽኻር ዝተወፈየት ዕለት እያ። በዚ መሠረት ድማ ጐይታ ድውያነ ሥጋ ንዝኾኑ ብትምህርቱ፣ ድውያነ ነፍስ ንዝኾኑ ድማ ብተአምራቱ እናፈወሰ ኣብ ኣብያተ ጸሎት ኣይሁድ (ምኵራብ) ተረኺቡ ንዝፍጽሞም ዝነበረ ተኣምራት ብኅሊናና ክንዝክርን ንመልእኽቱ ድማ ኣብ ልብና ከነሕድርን ዝጽውዕ ዕለት እዩ። ጐይታ ኣብ ምኵራብ ኣትዩ ንእሱራትን ግዙኣትን ናጽነት፤ ንዝሞቱ ሕይወት፤ ንድኻታት መንፈስ ወንጌል፤ ንዝተገፍዑ ፍትሒ ክሰብኽ ከምዝመጸ ኣበሲሩን ምሂሩን እዩ። ምስኡ ድማ ጐይታ ነታ ቤት ጸሎት ዝተሰምየት ቤተ መቅደሱ፡ ኣይሁድ ቤተ ፈያት ስለዝገበርዋን ዝልውጡን ዝሻየጡን ነጋዶ ስለዝመልእዋን፡ ጐይታ ነዚኦም ኵሎም ሰጒጉ ቤተ መቕደሱ ከምዘኽበረ ዘዘካኽር እዩ። (ማቴ ፳፩፥፲፪-፲፫) 

ምኵራብ ማለት ቃል ብቃል ዓቢይ ክንዲ ኵርባ ወይውን በረኽቲ ሕንጻታት ከም ማለት እዩ። ብናይ መጽሓፍ ቅዱስ ኣተርጓግማን ብመንጽር ኣይሁድን ድማ ቤተ ጸሎት ማለት እዩ። ምኵራብን ቤተ መቅደስን ፍልልይ ኣለዎም። ቤተ መቅደስ አምላኽ ኣብ ዘመነ ብሉይ ሓንቲ ኮይና ታቦት ዝቕመጠላ፣ እግዚአብሔር ድማ ብኽብሩ ዝግለጸላ ኣብ ኢየሩሳሌም ጥራይ ዝነበረት መካነ አምልኮት ሕዝበ እግዚአብሔር እያ ነይራ።

እስራኤላውያን ናብዛ ቤተ መቅደስ እትርከበሉ ኢየሩሳሌም ኣብ ዓመት ሠለስተ ሳዕ ክነግዱ ተኣዚዞም ነበሩ። ንሳ ድማ ኣብ ዘመነ ሙሴ ብደብተራ ኦሪት ትፍለጥ ዝነበረትን ዳኅራይ ብንጉስ ሰሎሞን ዝተሃንጸት እያ። እግዚአብሔር ድማ ሰባት ኣብኡ ኮይኖም ንዝጽልይዎ ጸሎት ክሰምዕ ፈቓዱ ምዃኑ ቃል ኪዳን ዝኣተወላ እያ ነይራ። ቤተ መቅደስ ካብ ኢየሩሳሌም ወጻኢ ክትስራሕ ኣይፍቀድን ነበረ። ሰባት ግና ኣብ ዘለዉ ሃልዮም ገጾም ናብ ኢየሩሳሌም ኣቅኒዖም ይጽልዩ ነበሩ። ከም ኣብነት’ውን ነቢይ ዳንኤል ክንጠቅስ ንኽእል ኢና።

ብኣንጻሩ ምኵራብ ቤተ ጸሎት ኣይሁድ ኮይኑ፡ ኣይሁድ ኣብ ዘለዉዎ ስፍራን ዓድን በብከባቢኦም መምሃሪ ሕገ ኦሪትን ነቢያትን (ብሓፈሻ ቃለ እግዚአብሔር) ከምኡ'ውን ንጸሎት ዝጥቀሙሉ ዝነበሩ እዩ። እዚ ድማ ብሰንኪ ምርኮ ኣብ ስደት እንከለዉ ዝጀመርዎን ናብ ዓዶም ምስ ተመልሱ ድማ ዝቐጸልዎን ምዃኑ ይንገር። 

መድኃኔ ዓለም ክርስቶስ’ውን ኣብ መዋዕለ ስብከቱ ካብ ኣባይቲ ቤት ጸሎት ኣይሁድ ከይተፍለየ ትምህርተ ወንጌል የብስሮም ነበረ። ብዛዕባ እዚ ድማ ቅዱስ ማቴዎስ ከምዚ ይብለና “ኢየሱስ ድማ ኣብ ኲላ ገሊላ፡ ኣብ ቤት ጸሎቶም እናመሀረ፡ ወንጌል መንግስቲውን እናሰበኸ፡ ኲሉ ሕማምን ኣብ ሕዝቢ ዘሎ ዅሉ ድናሰን እናሕወየ ይዘውር ነበረ።” (ማቴ ፬፥፳፫) ቅዱስ ሉቃስ’ውን ብተመሳሳሊ “ናብታ ዝዐበየላ፡ ናብ ናዝሬት ድማ መጸ፡ ብመዓልቲ ሰንበት ከኣ ከምቲ ልማዱ ናብ ቤት ጸሎት ኣተወ ኬንብብውን ተንሥኤ። መጽሓፍ ነብዪ ኢሳይያስ ከኣ ሀብዎ። ነቲ መጽሓፍ እንተ ቐልዖ ኸኣ እዚ እተጻሕፎ ኽፍሊ ረኸበ፡ ንድኻታት ከበስሮም ስለ ዝቐብኣኒ መንፈስ እግዚኣብሔር ኣብ ልዕለይ እዩ። ንምሩኻት ከምልስ፡ ንዕውራት ምርኣይ፡ ንግፉዓት ከኣ ምውጻእ ሓራ ኽሰብኽ፡ ሕርይቲ ዓመት እግዚኣብሔር’ውን ክሰብኽ ለኣኸኒ። ነቲ መጽሓፍ ዐጺፉ ኸኣ፡ ነቲ ኣገልጋሊ ሂብዎ ተቐመጠ። ኣብታ ቤት ጸሎት ዝነበሩ ዅሎም ድማ ኣዒንቶም ናብኡ ይጥምታ ነበራ። ሽዑ፡ እዚ ጽሑፍ እዚ ሎሚ ኣብ ኣእዛንኩም ተፈጸመ ኪብሎም ጀመረ።” (ሉቃ ፬፥፲፬-፳፩) እቶም ዝሰምዕዎ ዘበሉ ድማ ብትምህርቱ ይግርሙ ነበሩ። 

ጐይታ ኣብ ምኵራብ ጥራይ ዘይኮነስ ናብ ቤተ መቅደስ’ውን ከይዱ እዩ። ንሱ ናብ ቤተ መቅደስ ኣብ ዝኸደሉ እዋን ድማ እታ መኅደሪ ክትከውን ዝበሃጋን ከምቲ ቃሉ “መኅደሪ ግበሩለይ” ኢሉ ኣዚዙ ዘስርሓ ቤቱ መሸጥን መሻየጥን ቤት ንግድን ቤት ጐሓሉትን ኮይና ምስረኣያ ኣዝዩ ጐሓየ። ስቕ ድማ ኣይበለን። ንኵሎም ብጭጕራፍ እናገረፈ ሰጐጐም። ቤተይ ቤት ጸሎት እያ ትስመ ንስኻትኹም ግና በዓቲ ጐሓሉት ገበርክምዋ ኢሉ ገሰጾም። ከመይሲ እታ እግዚአብሔር ዝቐደሳን ዘኽበራን ቤቱ፤ ብኽብርን ረድኤትን እናተገልጸ ምስ ዝፈትዎም ሕዝቡ ክራኸብን ክጓስዮምን ዝሠረታ መንፈሳዊት ቤት ክመርሕዋ ሓደራን ሥልጣንን ዝተዋህቦም መራሕታ ስርሖምን ቀንዲ ዋኒኖምን ገዲፎም ናብ ዓለማዊን ሥጋዊን ዕላማን ነገራትን ምስ ቀይርዋ ዋና ቤቱ ዝኾነ ክርስቶስ ስቕ ኣይበለን። ስለ ቤቱን ኣባጊዑን ቀናዒ እዩ እሞ ነቶም ሕድሮም ዝጠለሙን መዝነቶም ድማ ዘማሰዉ ጐሓላሉ ኵሎም ገማጠሎም። 

እሞ'ኸ ደኣ ብዝያዳ እኳ ኣብ ዘመነ ሓዲስ ብኽቡር ደሙ ኣብ ዝሠረታ ቤቱ ከምቲ ዝግባእ ከገልግልዋ ዝተሾሙ ክነሶም ንዝላገጹን ዘሽካዕልሉን ከመይ ገይሩ ስቕ ክብሎም፧ ቅድሚ ክልተ ሽሕ ዓመታት ኣብ ቤቱ ዝፍጸም ዝነበረ ግብረ ኣይሁድ ሎሚ ብካልእ መልክዕ ኣብ ቤት እግዚአብሔር ክፍጸም ንርእዮ ኣየሎናን ዶ፧ ሎሚ ከ ቅድስት ቤተ ክርስቲያን በዓቲ ጐሓላሉ ትኸውን የላን ድያ፧ መን እዩ እሞ ነዚ ከም ማይ ንግሆ ዝጸረየ ሓቂ ትርጓሜን መርትዖን ዝደልየሉ፧ መን ከ ኣሎ ኣሉ ዝብሎ፧ እቲ እከይ ግብሪ ኣፍ ኣውጺኡ ይዛረብ ኣሎ፤ እቲ ኣብ ልሙዕ ሸኻን ጽሩይ ማይን ክዋፈሩን ክጓሰዩን ዝግብኦም ኣባጊዕን ዕያውትን ከመይ ከ ኣለዉ፧ ደሞም ካብ ኢድና ከምዝደልዮ መን እዩ እሞ ክኽሕዶ፧ እታ በትሪ ሓቂ ትቕጥን እምበር ኣይትስበርን፤ እታ ጭጕራፍ’ውን ትድንጉይ እምበር ኣይትተርፍን። 

ምእመናን ሎሚ ኣብ ቤተ ክርስቲያን ብዘሎ ዘሕዝን ነገራት ኣይንደሃል፤ ኣብ ቀቢጸ ተስፋ’ውን ኣይንብጻሕ። ነዚ ጊዜያዊ ኵነታት እናመዝመዙ ከታልሉና ንዝህቅኑን ጐዛዝዮም ክበልዑና ንዝደልዩን ቆርበት በጊዕ ዝተኸድኑ ተዃሉ መምሰልቲ “ኦርቶዶክሳውያን” መናፍቓን’ውን ዲል ኣይንሃቦም። እግዚአብሔር ካብ ሰብ ንላዕሊ ንቤቱ ይኃሊ እዩ። ስለ ደቁን ቤቱን ድማ ዝታኸስ ኣምላኽ ኣይኮነን። እወ ኣምላኽና ፈጺሙ ኣይገድፈናን እዩ። ኣብ ምውራዱን ምድይቡን፤ ኣብ ምእታዉን ምውጽኡን ረድኤት እግዚአብሔር ዘስተማቐረ ቅዱስ ዳዊት’ውን “እንሆ፡ እቲ ንእስራኤል ዚሕሉ ኣይታኽስን ኣይድቅስን እዩ።” ይብል (መዝ ፻፳፥፬)። “ቦ ጊዜ ለኵሉ” እዩ እሞ መጽሓፍ’ውን “ጊዜ ገቢር ለእግዚአብሔር” ከምዝብል እቲ እግዚአብሔር ዝምደቦ ጊዜ ምስኣኸለን እቲ መስፈር’ውን ምስ መልአ እግዚአብሔር ንቤቱ ከጽርያን ክሕልዋን እዩ። ንሕና ግና ኣብ ጥንታዊትን ሓዋርያዊትን ሃይማኖት ኣቦታትናን ቅድስት ሥርዓቶምን ትውፊቶምን ጸኒዕና ንንበር። 

ብጸጋ ሥላሴ ኣብ ዝተቐደሰ፡ መኅደሪ መንፈስ ቅዱስ ኣብ ዝኾነ ቤተ መቕደስ ሰብነትና’ውን ግብሪ ጓሓላሉን ካልእ እግዚአብሔር ዝጽየፎም ኃጢኣታት ፈርዮምን ኣንቢቦምን መሻየጢ ዕዳጋኦም ገይርናዮ ከይነኸውን ነፍስና ንመርምር። ብንስሓ ንመለስ። እግዚአብሔር ደቀይ ኢሉ ክቕበለናን ጸግኡ ከብዝኃልና ድማ ብመገዲ ቅድስና ድማ ንንበር። 

ወስብሐት ለእግዚአብሔር።

ወለወላዲቱ ድንግል።

ወለመስቀሉ ክቡር።

ምንጪ ጦማረ ማዕዶት

Comments are closed.