ምኵራብ

መዝሙር ዘቅዱስ ያሬድ

ቦአ ኢየሱስ ምኵራበ አይሁድ

ምስባክ

እስመ ቅንዓተ ቤትከ በልዓኒ

ትዕይርቶሙ ለእለ ይትዔየሩከ ወድቀ ላዕሌየ

ወቀጻዕክዋ በጾም ለነፍስየ።

ቅንኣት ቤትካ በሊዑኒ

ጸርፊ እቶም ዚጸርፉኻ’ውን ኣባይ ወዲቑ እዩ እሞ፥

ነሕዋተይ ጓና ንውሉድ ኣደይውን ጋሻ ኰንኩዎም

እናበኼኹ ንነፍሰይ ብጾም ምስ ኣሕሳእክዋ እዚ መጽረፊ ዀነኒ።

መዝ 69:8-9

ወንጌል ዮሓ፣2፣12፣ ግ.ሓ.10፣1-9 ቆላ.2፣16 ያዕ.2፣1-9

ቅዳሴ. ነአኩተከ

ኣብ ዓቢይ ጾም ካብ ዝርከቡ ሸሞንተ ሰናብቲ እታ ሣልሰይቲ ምኵራብ ተባሂላ ትፍለጥ። ናብዛ ክብርቲ ዕለት ዘብጽሓናእግዚአብሔር አምላኽ ከኣ ዝተመስገነ ይኹን።

እዛ ሰንበት እዚኣ በዚ ስም ክትስመ ዝኸኣለት ማኅሌታይ ቅዱስ ያሬድ ኣብ ዝደረሶ ጾመ ድጓ ካብቲ ዋዜማ ጀሚሩክሳብ እቲ ሰላም ኣብ ዕለት ሰንበት “ቦአ ኢየሱስ ምኩራበ አይሁድ” (ኢየሱስ ብዕለተ ሰንበት ኣብ ምኵራብ ኣይሁድኣተወ) እናበለ ጐይታ ኣብ ምኵራብን ቤተ መቅደስን ኣትዩ ምምሃሩ ስለዝጠቅስን ኣብኡ ተመርኲሱ ድማ ስለ ዝዝመርንእዩ።

እዛ ዕለት እዚኣ ጐይታናን አምላክናን መድኃኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ኣብ መዋዕለ ስብከቱ ብመዓልቲ ሰንበት ኣብምኵራብ እናኣተወ ወንጌል የስተምህርን ተአምራት ድማ ይፍጽም ምንባሩ ንምዝኽኻር ዝተወፈየት ዕለት እያ። በዚመሠረት ድማ ጐይታ ድውያነ ሥጋ ንዝኾኑ ብትምህርቱ፣ ድውያነ ነፍስ ንዝኾኑ ድማ ብተአምራቱ እናፈወሰ ኣብኣብያተ ጸሎት ኣይሁድ (ምኵራብ) ተረኺቡ ንዝፍጽሞም ዝነበረ ተኣምራት ብኅሊናና ክንዝክርን ንመልእኽቱ ድማ ኣብልብና ከነሕድርን ዝጽውዕ ዕለት እዩ። ጐይታ ኣብ ምኵራብ ኣትዩ ንእሱራትን ግዙኣትን ናጽነት፤ ንዝሞቱ ሕይወት፤ንድኻታት መንፈስ ወንጌል፤ ንዝተገፍዑ ፍትሒ ክሰብኽ ከምዝመጸ ኣበሲሩን ምሂሩን እዩ። ምስኡ ድማ ጐይታ ነታ ቤትጸሎት ዝተሰምየት ቤተ መቅደሱ፡ ኣይሁድ ቤተ ፈያት ስለዝገበርዋን ዝልውጡን ዝሻየጡን ነጋዶ ስለዝመልእዋን፡ ጐይታነዚኦም ኵሎም ሰጒጉ ቤተ መቕደሱ ከምዘኽበረ ዘዘካኽር እዩ። (ማቴ ፳፩፥፲፪-፲፫)

ምኵራብ ማለት ቃል ብቃል ዓቢይ ክንዲ ኵርባ ወይውን በረኽቲ ሕንጻታት ከም ማለት እዩ። ብናይ መጽሓፍ ቅዱስኣተርጓግማን ብመንጽር ኣይሁድን ድማ ቤተ ጸሎት ማለት እዩ። ምኵራብን ቤተ መቅደስን ፍልልይ ኣለዎም። ቤተመቅደስ አምላኽ ኣብ ዘመነ ብሉይ ሓንቲ ኮይና ታቦት ዝቕመጠላ፣ እግዚአብሔር ድማ ብኽብሩ ዝግለጸላ ኣብኢየሩሳሌም ጥራይ ዝነበረት መካነ አምልኮት ሕዝበ እግዚአብሔር እያ ነይራ።

እስራኤላውያን ናብዛ ቤተ መቅደስ እትርከበሉ ኢየሩሳሌም ኣብ ዓመት ሠለስተ ሳዕ ክነግዱ ተኣዚዞም ነበሩ። ንሳ ድማኣብ ዘመነ ሙሴ ብደብተራ ኦሪት ትፍለጥ ዝነበረትን ዳኅራይ ብንጉስ ሰሎሞን ዝተሃንጸት እያ። እግዚአብሔር ድማሰባት ኣብኡ ኮይኖም ንዝጽልይዎ ጸሎት ክሰምዕ ፍቓዱ ምዃኑ ቃል ኪዳን ዝኣተወላ እያ ነይራ። ቤተ መቅደስ ካብኢየሩሳሌም ወጻኢ ክትስራሕ ኣይፍቀድን ነበረ። ሰባት ግና ኣብ ዘለዉ ሃልዮም ገጾም ናብ ኢየሩሳሌም ኣቅኒዖም ይጽልዩነበሩ። ከም ኣብነት’ውን ነቢይ ዳንኤል ክንጠቅስ ንኽእል ኢና።

ብኣንጻሩ ምኵራብ ቤተ ጸሎት ኣይሁድ ኮይኑ፡ ኣይሁድ ኣብ ዘለዉዎ ስፍራን ዓድን በብከባቢኦም መምሃሪ ሕገ ኦሪትንነቢያትን (ብሓፈሻ ቃለ እግዚአብሔር) ከምኡ'ውን ንጸሎት ዝጥቀሙሉ ዝነበሩ እዩ። እዚ ድማ ብሰንኪ ምርኮ ኣብስደት እንከለዉ ዝጀመርዎን ናብ ዓዶም ምስ ተመልሱ ድማ ዝቐጸልዎን ምዃኑ ይንገር።

መድኃኔ ዓለም ክርስቶስ’ውን ኣብ መዋዕለ ስብከቱ ካብ ኣባይቲ ቤት ጸሎት ኣይሁድ ከይተፍለየ ትምህርተ ወንጌልየብስሮም ነበረ። ብዛዕባ እዚ ድማ ቅዱስ ማቴዎስ ከምዚ ይብለና “ኢየሱስ ድማ ኣብ ኲላ ገሊላ፡ ኣብ ቤት ጸሎቶምእናመሀረ፡ ወንጌል መንግስቲውን እናሰበኸ፡ ኲሉ ሕማምን ኣብ ሕዝቢ ዘሎ ዅሉ ድናሰን እናሕወየ ይዘውር ነበረ።”(ማቴ ፬፥፳፫) ቅዱስ ሉቃስ’ውን ብተመሳሳሊ “ናብታ ዝዐበየላ፡ ናብ ናዝሬት ድማ መጸ፡ ብመዓልቲ ሰንበት ከኣ ከምቲልማዱ ናብ ቤት ጸሎት ኣተወ ኬንብብውን ተንሥኤ። መጽሓፍ ነብዪ ኢሳይያስ ከኣ ሀብዎ። ነቲ መጽሓፍ እንተ ቐልዖኸኣ እዚ እተጻሕፎ ኽፍሊ ረኸበ፡ ንድኻታት ከበስሮም ስለ ዝቐብኣኒ መንፈስ እግዚኣብሔር ኣብ ልዕለይ እዩ።ንምሩኻት ከምልስ፡ ንዕውራት ምርኣይ፡ ንግፉዓት ከኣ ምውጻእ ሓራ ኽሰብኽ፡ ሕርይቲ ዓመት እግዚኣብሔር’ውንክሰብኽ ለኣኸኒ። ነቲ መጽሓፍ ዐጺፉ ኸኣ፡ ነቲ ኣገልጋሊ ሂብዎ ተቐመጠ። ኣብታ ቤት ጸሎት ዝነበሩ ኩሎም ድማኣዒንቶም ናብኡ ይጥምታ ነበራ። ሽዑ፡ እዚ ጽሑፍ እዚ ሎሚ ኣብ ኣእዛንኩም ተፈጸመ ኪብሎም ጀመረ።” (ሉቃ፬፥፲፬-፳፩) እቶም ዝሰምዕዎ ዘበሉ ድማ ብትምህርቱ ይግርሙ ነበሩ።

ጐይታ ኣብ ምኵራብ ጥራይ ዘይኮነስ ናብ ቤተ መቅደስ’ውን ከይዱ እዩ። ንሱ ናብ ቤተ መቅደስ ኣብ ዝኸደሉ እዋንድማ እታ መኅደሪኡ ክትከውን ዝበሃጋን ከምቲ ቃሉ “መኅደሪ ግበሩለይ” ኢሉ ኣዚዙ ዘስርሓ ቤቱ መሸጥን መሻየጥንቤት ንግድን ቤት ጐሓሉን ኮይና ምስረኣያ ኣዝዩ ጐሃየ። ስቕ ድማ ኣይበለን። ንኵሎም ብጭጕራፍ እናገረፈ ሰጐጐም።ቤተይ ቤት ጸሎት እያ ትስመ ንስኻትኹም ግና በዓቲ ጐሓሉ ገበርክምዋ ኢሉ ገሰጾም። ከመይሲ እታ እግዚአብሔርዝቐደሳን ዘኽበራን ቤቱ፤ ብኽብርን ረድኤትን እናተገልጸ ምስ ዝፈትዎም ሕዝቡ ክራኸብን ክጓስዮምን ዝሠረታመንፈሳዊት ቤት ክመርሕዋ ሓደራን ሥልጣንን ዝተዋህቦም መራሕታ ስርሖምን ቀንዲ ዋኒኖምን ገዲፎም ናብ ዓለማዊንሥጋዊን ዕላማን ነገራትን ምስ ቀይርዋ ዋና ቤቱ ዝኾነ ክርስቶስ ስቕ ኣይበለን። ስለ ቤቱን ኣባጊዑን ቀናኢ እዩ እሞ ነቶምሕድሮም ዝጠለሙን መዝነቶም ድማ ዘማሰኑ ጐሓላሉ ኵሎም ገማጠሎም።

እሞ'ኸ ደኣ ብዝያዳ እኳ ኣብ ዘመነ ሓዲስ ብኽቡር ደሙ ኣብ ዝሠረታ ቤቱ ከምቲ ዝግባእ ከገልግልዋ ዝተሾሙ ክነሶምንዝላገጹን ዘሽካዕልሉን ከመይ ገይሩ ስቕ ክብሎም፧ ቅድሚ ክልተ ሽሕ ዓመታት ኣብ ቤቱ ዝፍጸም ዝነበረ ግብረኣይሁድ ሎሚ ብካልእ መልክዕ ኣብ ቤት እግዚአብሔር ክፍጸም ንርእዮ ኣየሎናን ዶ፧ ሎሚ’ከ ቅድስት ቤተ ክርስቲያንበዓቲ ጐሓላሉ ትኸውን የላን ድያ፧ መን እዩ እሞ ነዚ ከም ማይ ንግሆ ዝጸረየ ሓቂ ትርጓሜን መርትዖን ዝደልየሉ፧ መንከ ኣሎ ኣሉ ዝብሎ፧ እቲ እከይ ግብሪ ኣፍ ኣውጺኡ ይዛረብ ኣሎ፤ እቲ ኣብ ልሙዕ ሸኻን ጽሩይ ማይን ክዋፈሩንክጓሰዩን ዝግብኦም ኣባጊዕን ዕያውትን ከመይ ኣለዉ፧ ደሞም ካብ ኢድና ከምዝደልዮ መን እዩ እሞ ክኽሕዶ፧ እታ በትሪሓቂ ትቕጥን እምበር ኣይትስበርን፤ እታ ጭጕራፍ’ውን ትድንጉይ እምበር ኣይትተርፍን።

ምእመናን ሎሚ ኣብ ቤተ ክርስቲያን ብዘሎ ዘሕዝን ነገራት ኣይንደሃል፤ ኣብ ቀቢጸ ተስፋ’ውን ኣይንብጻሕ። ነዚ ጊዜያዊኵነታት እናመዝመዙ ከታልሉና ንዝህቅኑን ጐዛዝዮም ክበልዑና ንዝደልዩን ቆርበት በጊዕ ዝተኸድኑ ተዃሉ መምሰልቲ“ኦርቶዶክሳውያን” መናፍቓን’ውን ዲል ኣይንሃቦም። እግዚአብሔር ካብ ሰብ ንላዕሊ ንቤቱ ይኃሊ እዩ። ስለ ደቁን ቤቱንድማ ዝታኸስ ኣምላኽ ኣይኮነን። እወ ኣምላኽና ፈጺሙ ኣይገድፈናን እዩ። ኣብ ምውራዱን ምድይቡን፤ ኣብ ምእታዉንምውጽኡን ረድኤት እግዚአብሔር ዘስተማቐረ ቅዱስ ዳዊት’ውን “እንሆ፡ እቲ ንእስራኤል ዚሕሉ ኣይታኽስን ኣይድቅስንእዩ።” ይብል (መዝ ፻፳፥፬)። “ቦ ጊዜ ለኵሉ” እዩ እሞ መጽሓፍ’ውን “ጊዜ ገቢር ለእግዚአብሔር” ከምዝብል እቲእግዚአብሔር ዝምደቦ ጊዜ ምስኣኸለን እቲ መስፈር’ውን ምስ መልአ እግዚአብሔር ንቤቱ ከጽርያን ክሕልዋን እዩ።ንሕና ግና ኣብ ጥንታዊትን ሓዋርያዊትን ሃይማኖት ኣቦታትናን ቅድስት ሥርዓቶምን ትውፊቶምን ጸኒዕና ንንበር።

ብጸጋ ሥላሴ ኣብ ዝተቐደሰ፡ መኅደሪ መንፈስ ቅዱስ ኣብ ዝኾነ ቤተ መቕደስ ሰብነትና’ውን ግብሪ ጓሓላሉን ካልእእግዚአብሔር ዝጽየፎም ኃጢኣታት ፈርዮምን ዓንቢቦምን መሻየጢ ዕዳጋኦም ገይርናዮ ከይነኸውን ነፍስና ንመርምር።ብንስሓ ንመለስ። እግዚአብሔር ደቀይ ኢሉ ክቕበለናን ጸግኡ ከብዝኃልና ድማ ብመገዲ ቅድስና ንንበር።

ምንጪ፥ ድሕረ ገጽ ማዕዶት

ወስብሐት ለእግዚአብሔር።
ወለወላዲቱ ድንግል።
ወለመስቀሉ ክቡር።

Comments are closed.