ምኲራብ

                                       

በስመ አብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ አሐዱ አምላክ።

መዝሙር ዘቅዱስ ያሬድ

ቦአ ኢየሱስ ምኵራብ አይሁድ

ምስባክ

እስመ ቅንዓተ ቤትከ በልዓኒ

ትዕይርቶም ለእለ ይትኤየሩከ ወድቀ ላዕሌየ

ወቀጻእክዋ በጾም ለነፍስየ። መዝ.68:9::

ቅንኣት ቤትካ በሊዑኒ

ጸርፊ እቶም ዚጸርፉኻውን ኣባይ ወዲቑ እዩ እሞ

ነሕዋተይ ጓና ንውሉድ ኣደይውን ጋሻ ዀይኩ

እምበኼኹ ንነፍሰይ ብጾም ምስ ኣሕሳእክዋ እዚ መጽረፊ ዀነኒ።

መዝ.69-8::

ወንጌል ዮሓ፣2፣13፣ 22     ግ.ሓ.10፣1-9           ቆላ.2፣16       ያዕ.2፣1-9

ቅዳሴ. እግዚእነ  (ነአኩተከ)

ሳልሳይ ሰሙን ጾም ፵ /ዓቢይ ጾም/ ጾመ እግዚእ

ሣልሳይ ሰንበት ናይ ጾም ፵ ምኵራብ፥ ትርጕሙ መአካቢ ወይ ምእካብ ማለት እዩ። ብቋንቋ እንግልጣር (እንግሊሽ) ካብ ናይ ግሪክ ቋንቋ synagein ካብ ዝብል ስርወ ቃል ብምውሳድ 'synagogue' ይበሃል። ኣጸዋውዓኡ ብዝተፈላለየ ቋንቋ ዝተፈላለየ ይኹን ድኣ እምበር ትርጕሙ ምስ ናይ ግእዝ ሓደ እዩ። ብቋንቋ ዕብራይስጥ ቤት ከነሰት ይበሃል፡ ከነሰት ማለት 'መተኣኻከቢ' ማለት እዩ። ኣብዚ ሕጂ እዋን እስራኤላውያን ነቲ ሕገ መንግሥቲ ዘጽድቕ ኣካል ከነሰት ማለት ብኣና ምኵራብ ከም ማለት ኢሎም ይጽውዕዎ። ብተወሳኺ’ውን ዓድታቶምን ጐደናታቶምን ብስም ሊቃውንቲ ካህናቶም፥ ነቢያቶምን፥ ቅዱሳን ኢሎም ዝኣምኑሎም እዮም ዝጽውዑ። ስም ጎደናታት ብስም ቅዱሳን ሓዋርያት ምጽዋዕ ኣብ ምዕራባውያን ሃገራትውን ዝተለምደ እዩ። እዚ መግለጺ መንነቶምን፣ እምነቶምን ከም ዝኾነ ግሉጽ እዩ። ካብዚ ንሕና ክንመሃሮ ዝግበኣና ዓቢይ ትምህርቲ፣ ንመንነትናን ሃይማኖትናን ቅዱሳንናን ምስትንዓቕ ዘይኮነስ ንኽብሮም ብስሞም ደቅና፣ ጎደናና፣ ዓድታትናን ክጽዋዕ ከም ዘለዎ እዩ። ከምዚ ክንብል ከሎና ግና ኣብ ሃገርና ኤርትራ ከምዚ የለን ማለት ዘይኮነ ምስቶም ዝጠቐስናዮም ዝወዳደር ስለዘይኮነ እዩ።

ምኵራብ ዝብል ኣብ ሓድሽ ኪዳን ተገሊጹ ከም ዘሎ 'ቤት ጸሎት ኣይሁድ' ማለት እምበር ነታ ኣብ ኢየሩሳሌም ዘላ እንኮ መቕደስ ዝተዋህበ ስም ኣይኮነን፡ ተወሳኺ’ውን ምኵራብ፥ ቤት መቕደስ ኣብ ሓደ ቦታ ንሱ ኸኣ ኣብ ኢየሩሳሌም ጥራይ ስለዝርከብ ርሑቕ ንዝኾኖም ኣብ ዝተፈላለየ ቦታ ከም ናይ ጸሎት መተኣኻኸቢ ዝጥቀሙሉ እዩ። ኣብ መጽሓፈ ዚቅን ኣብ ናይ ዕለቱ ምንባባት ናይ ምኵራብ ኣብ ዘሎ ጽሑፍ በዚ ዕለት ጐይታ ነቲ ኣብ ቤት መቕደስ ዝፈጸሞ ምንጻሕ የዘንቱ። እዚ ኣብ ፬/4ቲኡ ወንጌል ተመዝጊቡ እኳ እንተ ኾነ ናይ ዕለቱ ምንባብ ግና ካብ ዮሓ ፪፡፲፪/2፡12-ፍጻ እዩ ዝንበብ።

ብዛዕባ ቤት መቕደስን ኣሠራርሓኡን ኣቃውማኡን እንታይ ከም ዝመስል ነቢይ ሙሴ ካብ እግዚአብሔር ብዝተቐበሎ ሕጊ መሠረት ከም ዝሕነፅ ገይሩ እዩ (ዘፀ. ፳፭-፵/25-40)። በብዕለቱ ሰባት ናብ ቤት መቕደስ ብምኻድ ኣገልግሎት ይፍጽሙ ከም ዝነበሩ ቅዱስ ጳውሎስ ገሊጽዎ ኣሎ (ዕብ ፯፡፳፯/7፡27፣ ፲፡፲፩/10፡11)። ጐይታ’ውን ኣብኡ ንዝተኣከቡ ሰባት በብዕለቱ ኣብ ቤት መቕደስ እናኸደ የስተምህር ከም ዝነበረ ኣብ ማቴዎስ፡ ማርቆስን ሉቃስን ተጻሒፉ ኣሎ (ማቴ ፳፮፡፶፭/26፡55፣ ማር ፲፬፡፵፱/14፡49፣ ሉቃ ፲፱፡፵፪/19፡42፣ ፳፪፡፶፫/22፡53)። ብፍላይ ኣብ እዋን በዓላት ኣዚዩ ብዙኅ ሕዝቢ ናብ ቤት መቕደስ ካብ ዝተፈላለየ ሃገራት ይነግድ ነይሩ እዩ። ጐይታ’ውን ከምቲ ዕለት ዕለት ናብ ቤት መቕደስ ዝኸይድ ዝነበረ ኣብ ዕለተ ፋሲካ’ውን ምስ ከደ፡ ቤት መቕደስ ኣምላኽ ዕላማኡ ዘንጊዑ ናይ መሽጣ ቤት ኮይኑ ጸንሖ፣ ጐይታ በዚ ኣዚዩ ብምቝጣዕ ነቶም ዝሻየጡ ዝነበሩ ካብ ቤት መቕደስ ሰጎጎም። ብዛዕባ እዚ ሊቃውንተ ቤተ ክርስቲያን ምስ ምሥጢሩ ገሊጾምዎ ከም ዘለዉን፡ ኣብ ጊዜና ምስ ዘሎ ኵነታት ብምውህሃድ ከም ፍቓድ ኣምላኽ ክንርእዮ ኢና።

ናይ ዕለቱ ወንጌል ዮሓ ፪፡፲፫-፳፪/2፡13-22።

“ፋሲካ ኣይሁድ ቀሪቡ ነበረ፡ ኢየሱስ ድማ ናብ ኢየሩሳሌም ደየበ። ኣብ ቤት መቕደስ ኸኣ ኣብዑርን ኣባጊዕን ረገቢትን ዝሸጡ፥ መሽረፍቲ ተቐሚጦም ረኸበ። ካብ ገመድ ጭጒራፍ ተቲዑ ኸኣ ምስተን ኣባጊዕን ኣብዑርን ንዅሎም ካብ ቤት መቕደስ ኣውጽኦም፣ ንገንዘብ እቶም መሽረፍቲውን ፋሕ ኣበሎ፡ ሰዳቓኦም ከኣ ገልበጦ። ነቶም ሸየጥቲ ረገቢት  ድማ ‘እዚ ካብዚ ኣልዕልዎ፡ ንቤት ኣቦይ ቤት ሸቐጥ ኣይትግበርዎ’ በሎም። ደቀ መዛሙርቱ ኸኣ ‘ቅንኣት ቤትካ ብልዓኒ’ ዝብል ጽሑፍ ከም ዘሎ ዘከሩ። ሽዑ ኣይሁድ ‘ነዚ ኽትገብር ሥልጣን ከም ዘሎካ እንታይ ትእምርቲ ተርእየና፧’ ኢሎም ሓተትዎ። ኢየሱስ ድማ፥ ‘ነዚ ቤት መቕደስ እዚ ኣፍርስዎ፣ ኣነ ኸኣ ብሠለስተ መዓልቲ ከልዕሎ እየ’ ኢሉ መለሰሎም። እቶም ኣይሁድ ኸኣ ‘እዚ ቤት መቕደስ እዚ፡በርብዓን ሽዱሽተን መዓልቲ እዩ ዝተሓንፀ፡ ንስኻዶ ብሠለስተ መዓልቲ ኸተልዕሎ ኢኻ፧’ በልዎ። ንሱ ግና ብዛዕባ ቤት መቕደስ ሰብነቱ እዩ ዝተዛረበ። ስለዚ ኸኣ ካብ ምውታት ምስ ተንሥአ ደቀ መዛሙርቱ ነቲ ዝበሎም ዘከሩ፡ በቲ ጽሑፍን በቲ ኢየሱስ ዝበሎ ቓልን ኣመኑ።”

 'ኣይሁድ ከም ሥርዓቶም ካብ ርሑቕን ቀረባን ካብ ዝተፈላለየ ቦታ ኣብዚ በዓልውን ተኣኪቦም ንኣምላኾም ከመስግኑ፡ ክመባጽዑን ክልምኑን፣ በረኸት ክቕበሉ ዕሽር ክኸፍሉ መብጽዐኦም ክፍጽሙ ነዊሕ ተጓዒዞም ናብ ቤት ኣምላኽ ኣብ ዝኸዱሉ፡ ነዚ ካብ ዝተፈላለየ ቦታ ምስ ኣምላኹ ክራኸብ ንዝመጸ ሕዝቢ ካህናተ ኣይሁድ ኣብ ክንዲ ናብ ኣምላኾም ዘቕርብዎ፥ ብሥጋዊ ረብሓ ይጥቀሙሎም ስለዝነበሩ ጐይታ “ቤተይ፡ ቤት ጸሎት ኪበሃል እዩ’ ንስኻትኩም ግና በዓቲ ጐሓሉት ገበርኩምዎ” (ማቴ ፳፩፡፴፩/21፡13ል ኢሉ ገኒሕዎም እዩ። ጐይታ እዚ ዝበሎ ቃል ቤት መቕደስ ናይ ጸሎት ቤት ጥራይ እምበር፡ መናገዲ ቦታ ከም ዘይኮነ ዝገልጽ እዩ። ከመይ፡ ኣብዚ ዕዳጋ ዝተሰርቀን ዝተዘምተን፣ ዝሽየጠሉን ዝልወጠሉን ቦታ እዩ። ግብሪ ምእንቲ ከይከፍሉ ነቲ ዕዳጋ ኣብ ውሽጥን ኣብ ደገን ብምግባር ይፈልይዎ። እቶም ካህናተ ኣይሁድ ዘንፍጽ ልብሲ ለቢሶም ኣብቲ ዕሙር ዕዳጋ ምስ ኣተው፡ እቶም እንስሳታት ነፊጾም ናብ ናይ ካህናት መዋፈሪ ይኣትው። ዋናታቶም መጺኦም ክወስድዎም እንተ ደለዩ፡ 'ኣይፋል፡ ናብዚ ዝኣተወ ኣይወጽእን እዩ!' እናበሉ ይወስዱሎም ነይሮም። ብተወሳኽውን እቶም ሕዝቢ ንመሥዋዕቲ ይኸውን እዩ ኢሎም፡ ነቲ ዝሰብሐ መሪጾም ካብ ርሑቕ ሃገር የምጹኡ፣ እቶም ስቡሓት ዝነበሩ ኣብ መንገዲ ይዓብሩ። ንምንታይ ዕባራ ተምጽእ ምስ በልዎ፥ ኣነስ ዝሰብሐ እየ ኣምጺኤ ነይረ ግና ኣብ መንገዲ ዓቢሩ ይብሎም። ንሳቶም ድማ ቅንዕና እንተሎካስ ናትና ዝሰብሐ ኣሎ እሞ፥ ክልተ ብሓደ ለውጠና ይብልዎ። ንሱ ድማ ሕራይ ኢሉ ለዊጡ ይሥውዕ።' ትርጓሜ ወንጌል ዘማቴዎስ ፳፩፡፲፪-፲፫/21፡12-13።

ነዚ ግብሮም ዝፈልጥ ጐይታ ኣዚው ስለዝተቘጥዐ “ካብ ገመድ ጭጒራፍ ተቲዑ ኸኣ፡ ምስተን ኣባጊዕን ኣብዑርን ንዅሎም ካብ ቤት መቕደስ ኣውጽኦም፡ ንገንዘብ እቶም መሽረፍቲ’ውን ፋሕ ኣበሎ፡ ሰዳቓኦም ከኣ ገልበጦ። ነቶም ሸየጥቲ ረገቢት ድማ ‘እዚ ካብዚ ኣልዕልዎ፥ ንቤት ኣቦይ ቤት ሸቐጥ ኣይትግበርዎ’ በሎም።” ሽዑ እቶም ፈላጣት ኢና በሃልቲ ኣይሁድ ኣብ ክንዲ ነቲ ዝተማህርዎ ጽሑፍ ዘኪሮም ጐይታ ንምንታይ ነዚ ነገር ይገብር ከም ዘሎ ዘስተውዕሉ ልቦናኦም ስለ ዝተደፍነ ‘ነዚ ኽትገብር ሥልጣን ከም ዘሎካ፡ እንታይ ትእምርቲ ተርእየና፧’ ኢሎም ንጐይታ ተቓወምዎ። በንጻሩ ግና እቶም ክንዲ ኣይሁድ ናይ ትምህርቲ ደረጃ ዘይነበሮም ሓዋርያት ነቲ “ቅንኣት ቤትካ ብልዓኒ” ዝብል ኣብ ትንቢት ዝተጻሕፈ ጽሑፍ ዘከሩ። እዚ ትንቢት ቅዱስ እግዚአብሔር ንእስራኤላውያን ኣብ ቤት መቕደስ ኣምላኽ ብቕንዕና ዘይኮነስ ብርኽሰትን ብምስሉይነትን ይመላለሱ ንዝነበሩ ብነቢይ ኢሳይያስን ኤርምያስን ከምዚ ኢሉ ዝተዛረቦም እዩ። “እግዚአብሔር፣ ጐይታ ሠራዊት ኣምላኽ እስራኤል፡ ከምዚ ይብል ኣሎ፦ ‘መንገድኹምን ግብርኹምን ኣጸብቑ፡ ኣነ ኸኣ ኣብዚ ሥፍራ እዚ ከንብረኩም እየ። እዚ መቕደስ እግዚአብሔር እዩ! እዚ መቕደስ እግዚአብሔር እዩ! እዚ መቕደስ እግዚአብሔር እዩ፡ እናበልኩም ኣብ ቃላት ሓሶት ኣይትወከሉ። … እንሆ ንስኻትኹም ኣብ ዘይጠቅም ቃላት ሓሶት ትውከሉ ኣሎኹም። ኣየ! ንስኻትኩም … ኵሉ እዚ ፍንፉን ግብሪ እዚ ትገብሩ እሞ ናብዚ መጺእኩም ኸኣ፡ ኣብዛ ብስመይ ዝተሰምየት ኣብ ቅድመይ ቌምኩም ድኁናት ኢና፡ ትብሉ ኣሎኹም። እዛ ብስመይ ዝተሰምየት ቤትዶ በዓቲ ጓሓሉት መሲላትኩም እያ፧ እንሆ፡ እቲ እትገብርዎ ዘሎኹም ኵሉ ባዕለይ ርእየዮ እየ” ( ኤር ፯፡፫-፲፩/7፡3-11)።

ነዚ ጐይታ ዝገበሮ ኣብ ትርጓሜ መጽሓፍ ምሥጢራዊ ምሳሌኡ ከረድእ ከሎ 'ኣይሁድ' ዝተባህሉ 'ምእመናን' እዮም። ጐይታ ካብ ሕይወት ናብ ሞት ዝኸደሉ፣ እመናን ከኣ ናብ ሕይወት ዝኸዱሉ ዘመን ምስ በጽሐ 'ጐይታ ናብ ኢየሩሳሌም ደየበ' ማለት ናብ 'መስቀል ደየበ'። ኢየሩሳሌም ማለት ብቛንቋ ዕብራይስጥ (ኢይር/ከተማ፡ ሻሌም/ሰላም) 'ሃገረ ሰላም' ማለት እዩ፥ መስቀል ድማ ከምቲ “ኣምላኽ፡ በቲ ወዱ ኣብ መስቀል ዘፍሰሶ ደም ገይሩ ሰላም ገበረ።” (ቆላ ፩፡፳/1፡20) ዝብሎ፡ ናይ ሰላምና ምልክት ኣርማና ናብ ሃገረ ኢየሩሳሌም ሰማያዊት ክንኣቱ ክርስቶስ ደሙ ዘፍሰሰሉ እዩ። “ኣብ ቤት መቕደስ ኸኣ ኣብዑርን ኣባጊዕን ረገቢትን ዝሸጡ፡ መሽረፍቲ ተቐሚጦም ረኸበ።” እዚኣቶም ኵሎም ኣብ ኦሪት ንመሥዋዕቲ ዝቐርቡ ዝነበሩ እዮም። ጐይታ ነዚ ምስ ረኣየ “ካብ ገመድ ጭጒራፍ ተቲዑ ኸኣ ምስተን ኣባጊዕን ኣብዑርን ንዅሎም ካብ ቤት መቕደስ ኣውፅኦም፥ ንገንዘብ እቶም መሽረፍቲውን ፋሕ ኣበሎ፡ ”ካብ ቤት መቕደስ ምስጓጒ ናይ ሥልጣን ምልክት ከም ዝኾነ፡ ንሥልጣነ ክህነት ገንዘቡ/ወናኒኡ ከም ዝኾነ ኣፍሊጡ፣ ብሥርዓተ ኦሪት ንዝመላለሱ ካህናትን መሥዋዕቶምን ሰዐረ/ኣኅለፈ፥ “ሰዳቓኦም ከኣ ገልበጦ።” ካብ ልዕልናኦም ኣዋሪዱ ካብ ሹመቶም ሰዓሮም። ኣብ ቤት ኣቦይ ደጊም መሥዋዕተ ኦሪት ኣይትሠውዑ ንምባል “እዚ ካብዚ ኣልዕልዎ፡ ንቤት ኣቦይ ቤት ሸቐጥ ኣይትግበርዎ” በሎም። “ሽዑ ኣይሁድ ‘ነዚ ኽትገብር ሥልጣን ከም ዘሎካ እንታይ ትእምርቲ ተርእየና፧’ ኢሎም ሓተትዎ። ኢየሱስ ድማ፡ ‘ነዚ ቤት መቕደስ እዚ ኣፍርስዎ፡ ኣነ ኸኣ ብሠለስተ መዓልቲ ከልዕሎ እየ’ ኢሉ መለሰሎም። እቶም ኣይሁድ ኸኣ ‘እዚ ቤት መቕደስ እዚ በርብዓን ሽዱሽተን መዓልቲ እዩ ዝተሓንፀ፡ ንስኻዶ ብሠለስተ መዓልቲ ኸተልዕሎ ኢኻ፧” በልዎ። እቲ ኣብ እዋኑ ዝነበረ ቤት መቕደስ ክሥራሕ ፵፮/46 ዓመት ወሲድሉ እዩ። እዚ እግዚአብሔር ብጥበቡ ዝገበሮ ምስ ናይ ፵፮/46 ናይ ኦሪት መጻሕፍቲ ቍጽሩ ሓደ እዩ። ኣብዚ ፵፮/46 መጻሕፍቲ ናይ ኦሪት ድማ ብዛዕባ ምሥጢረ ሥጋዌኡ፣ ክውለድ፡ ክጥመቕ፡ ክስቀል…… እዩ እናበለ ይዛረብ። እምበኣር ኣብ ፵፮/46 መጻሕፍቲ ኦሪት ንዝተጻሕፈ ትንቢት ፍጻሜኡ ምእንቲ ክትርእዩ “ነዚ ቤት መቕደስ እዚ ኣፍርስዎ፡ ኣነ ኸኣ ብሠለስተ መዓልቲ ከልዕሎ እየ’ ኢሉ መለሰሎም።” ማለት ሰቒሎም ከም ዝቐትልዎ ይፈልጥ ስለዝነበረ “ኣፍርስዎ፣ ሰቒልኩም ቅተሉኒ እሞ፡ ኣብ ሣልሳይ መዓልቲ “ከልዕሎ”፡ 'ክትንሥእ' እየ በሎም።

ነዚ ዝርርብ ኣይኮነንዶ ልቦም ዝተደፍነ ኣይሁድ፡ ናይ ጐይታ ደቀ መዛሙርቲ እኳ ድኅሪ ትንሣኤ ክርስቶስ እዮም ተረዲኦምዎ። ቅዱስ ዮሓንስ ነዚ ከረድእ ከሎ “ንሱ ግና ብዛዕባ ቤት መቕደስ ሰብነቱ እዩ ዝተዛረበ። ስለዚ ኸኣ ካብ ምውታት ምስ ተንሥአ ደቀ መዛሙርቱ ነቲ ዝበሎም ዘከሩ፡ በቲ ጽሑፍን በቲ ኢየሱስ ዝበሎ ቓልን ኣመኑ።” ይብል። እምበኣር “ቅድሚ ዅሉ፣ ነቲ ኣብ ቅዱስ መጽሓፍ ዘሎ ትንቢት፡ ብናይ ርእሱ ኣተሓሳስባ ክትርጕምዎ ከም ዘይክእል ፍለጡ። ከመይ ትንቢት፡ ሰባት ብመንፈስ ቅዱስ ተመሪሖም ካብ ኣምላኽ ዝተዛረብዎ እምበር ከቶ ብፍቓድ ሰብ መጺኡ ኣይፈልጥን።” (፪/2 ጴጥ ፩፡፳-፳፩/1፡20-21) ዝበሎ ነዚ እዩ።

ቅዱስ ማርቆስ ነቶም ኣሕዛብ ዝነበሩ ሮማውያን ኣብ ዝጸሓፎ ወንጌል፡ እቶም ካልኦት ወንጌላውያን ካብ ዝጽሓፍዎ “ኣሕዛብ” ዝብል ብምውሳኽ እቲ ቃል ኣብ ጊዜኡ ንዝነበሩ ኣይሁድ ጥራይ ዘይኮነስ ንዅላትና ኣመንቲ ምዃኑ ከረድእ “ቤተይ ንዅሎም ኣሕዛብ ቤት ጸሎት ኪስመ እዩ።” ይብል (ማር ፲፩፡፲፯/11፡17፣ ኢሳ ፶፮፡፯/56፡7)። እዚ እታ ኣብ ኦሪት ኣብ ኢየሩሳሌም ጥራይ ዝነበረት ቤት መቕደስ፡ ኣብ ኵሉ ዓለም ኣሕዛብ ንዝነበሩ፣ ድኃር ግና ብክርስቶስ ንዝኣመኑ ከም እትበዝኅ ዘረድእ እዩ። ከምኡውን ነቢይ ሚልክያስ ብተመሳሳሊ ከረድእ ከሎ “እግዚአብሔር ከምዚ ይብል ኣሎ፦ ‘ኣብ መሠውዒየይ ከንቱ ዝኾነ ሓዊ ከይተንድዱስ፡ ሓደ ካባኻትኩም ደጌታት ቤት መቕደስ ዝዓጹ እንተዝህሉ ክንደይ ጽቡቕ ነይሩ። ኣነ ብኣኻትኩም ሕጕስ ኣይኮንኩን፡ ነቲ እተቕርቡለይ መሥዋዕቲ ከኣ ኣይቅበሎን እየ። ስመይ ካብ ምብራቕ ፀሓይ፡ ክሳዕ ምዕራብ ኣብ ማእከል ኣሕዛብ ዓቢይ እዩ እሞ፣ ኣብ ዅሉ ቦታ ንስመይ ዕጣን የዓጥኑ፡ ንጹሕ መሥዋዕቲ ድማ የቕርቡለይ ኣለው። … ኵሎም የኽብሩኒ ኣለው። ንስኻትኩም ግና ‘መሠውዒ እግዚአብሔር ከንቱ እዩ’ ብምባልንብ፡  ዝነዓቕኩምዎ መግቢ ብምቕራብን ተዋርዱኒ ኣሎኹም። ንስኻትኩምውን ‘ኣይ፡ እዚ ኣገልግሎት እዚ ኣድከመና’ ትብሉ። ዝተሰርቀን ሓንካስን ሕሙምን ተምጽኡ እሞ ከም መሥዋዕቲ ጌርኩም ተቕርቡለይ። እሞኸ፡ ነዚ ካብ ኢድኩም ዝቕበሎዶ ይመስለኩም፧ ኣነ እግዚአብሔር ተዛሪበ ኣሎኹ።” ይብል (ሚል ፩፡፲-፲፫/1፡10-13)

እምበኣር ኣኅዋት፡ ከመይ ዝዓይነቶም ሰባት ክንከውን ከም ዝግበኣና ነፍስና ንመርምር፡ ቤት መቕደስ ማለት ሕንፃ ቤት መቕደስ ጥራይ ዘይኮነስ ሰብነትናውን ከም ዝኾነ ቅዱስ ጳውሎስ “ቤት መቕደስ ኣምላኽ ምዃንኩምን፡ መንፈስ ኣምላኽ ኣባኹም ኃዲሩ ምህላውን ኣይትፈልጡን ኢኹም፧ ሓደ እኳ ነታ ቤት መቕደስ ኣምላኽ እንተ ኣፍረሰ፡ ኣምላኽ ከፍርሶ እዩ። ቤት መቕደስ ኣምላኽ ቅድስቲ እያ፣ እዛ ቤት መቕደስ እዚኣውን ንስኻትኩም ኢኹም።” (፩/1 ቆሮ ፫፡፲፮-፲፯/3፡16-17) ኢሉ ዝገለጾ እዩ።

 እምበኣር ነዛ ቤት መቕደስ ዝኾነት ሰብነትና ከመይ ጌርና ብቕድስና ከም እንሕልዋ ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ኣብ ቅድስት ዘሎ ጽሑፋት ብውሑዱ ተገሊጹ ኣሎ። ጾም ፵ውን ብዓቢኡ ንፍትወታት ሥጋ ኣድኪሙ፡ ናብ መንገዲ ቅድስና ዝወስደና ጊዜ እዩ። ፍትወትን ድሌታት ናይ ሥጋን ብመንፈሳዊ ኣካይዳ ብጾምን ጸሎትን ዘይንገትእ እንተ ኴንና፡ ነፍስና ተረቢሽና ሰባት ንርብሽ፡ ብፍላይ ኣገልገልቲ እንተ ዄንና ድማ ነታ ቤት ኣምላኽ መሻየጢ ፍትወታትና ንገብራ ማለት እዩ። “ሓደ ነታ ቤቱ ከመኃድራ ካብ ዘይክእል ግና ነታ ቤተ ክርስቲያን ኣምላኽ ድኣ ከመይ ገይሩ ኸኣልያ ይኾነሉ” (፩/1 ጢሞ ፫፡፭/3፡5)፥ ኢሉ ቅዱስ ጳውሎስ ንጢሞቴዎስ ዝመዓዶ ነዚ እዩ። ከምዚ ካብ ኮነ ቅድሚ ኵሉ ነፍስና ብመንፈሳዊነት ንሕነፅ እሞ ነታ ቤት ኣምላኽ ሰላም ክንህባ ኢና። ምኽንያቱ “እቲ ኣብ ማእከሉኩም ዘሎ ውግእን ባእስን ካበይ ድዩ ዝመጽእ ዘሎ፧ ካብቲ ኣብ ውሽጥኹም ኮይኑ ዝዋጋእ ዘሎ ፍትወት ሥጋኹምዶ ኣይኮነን፧ ሃረር ትብሉ፡ ስለዘይረኸብኩም ከኣ ትቐትሉ ክፉእ ትምነዩ፥ ሓንቲ እኳ ክትረኽቡ ስለዘይከኣልኩም ትበኣሱን ትዋግኡን። ንኣምላኽ ስለዘይለመንኩም ድማ የብልኩምን። ንፍትወት ሥጋኹም ምእንቲ ክተርውዩ ኢልኩም ብኽፉእ ሓሳባት ስለ እትልምኑ ኣይትቕበሉን። ኣቱም ከሓድቲ! ንዓለም ምፍቃር ንኣምላኽ ምጽላእ ከም ዝኾነዶ ኣይትፈልጡን ኢኹም፧ እቲ ዓርኪ ዓለም ክኸውን ዝደሊ ሰብ ጸላኢ ኣምላኽ ይኸውን፣ ወይስ እቲ ‘ኣምላኽ ነቲ ኣባና ኣሕዲርዎ ዘሎ መንፈስ፡ ንቕንኢ እዩ ዝሕልዎ’ ዝብል ቃል ቅዱስ መጽሓፍዶ ከንቱ ይመስለኩም፧” (ያዕ ፬፡፪/4፡2)።

ጾምና ጾም መንፈሳዊ ብዘይምኻኑ፡ ቅድስቲ ቤተ ክርስቲያን ንዓና መሲሎም ናትና ዘይኮኑ ብሳንቡእ ኣርዮስ ዘተንፍሱ ተሓድሶ መናፍቓን ኣሕሊፍና ከም እንህባ ዝገብረና ዘሎ። እቲ ሕይወት ዘየውህብ ክትዕ’ኸ ካብ ፍትወት ሥጋን ነፍስኻን ካብ ዘይምግታእንዶ ኣይኮነን ዝመጽእ፧ ነቲ ሓቀኛ ጾም እንተ ንጸውም ከምዚዶ ምኾንና፧ ኣይፋሉን ጾምሲ ነፍስኻ ዝቕድስ፡ ፍትወትካ ዝገትእ ኣርምሞ ዘላምድ እዩ።

እምበኣር ኣኅዋት ንቤት መቕደስ ኣምላኽ ብጊዜያዊ ረብሓ ተታሊልና፡ መናገዲ ከይንገብሮ እሞ ኣምላኽ ከምቶም ኣይሁድ በቲ ጭጉራፉ ገይሩ ካብቶም ዝሰጎና ወገን ከይንኸን ንጠንቀቕ። ንዓናስ ብፍላይ ነቶም ኣገልገልቲ ከም ቅዱስ ዳዊት “እስመ ቅንአተ ቤትከ በልዓኒ፡ ትዕይርቶሙ ለእለ ይትኤየሩከ፡ ወድቀ ላዕሌየ፥ ወቀጻእክዋ በጾም ለነፍስየ” ኢሉ ዝተነበዮ ጐይታ ድማ ብተግባር ዝፈጸሞ ነቶም ሓሰር እምበር ስርናይ ዘይኮኑ፣ ሽላ እምበር ርግቢት ዘይመስሉ፣ በጊዕ ቆበት ንዝተኸድኑ ተዃሉ ድኣ ገጐስሲስና ምምሓዎም እዩ ዘጸብቐልና። እዚ ግና ብመንፈሳዊ እምበር ብሥጋዊ ቅንኢ ከይኮነና ብጾምን ብጸሎትን ነፍስና እናቕጻዕና ኣብ ተግባር ነውዕሎ። ቅዱስ ኣትናቴዎስ’ውን ኣብ ቅዳሴኡ ከም ኣምላኽና ክንመስል “ኦ ዲያቆናት ማኅቶታ ለቤተክርስቲያን፡ ወላእካኒሃ ምልሑ እምውስቴታ ኢየሀሉ ተኲላ ምስለ በግዕ፡ አንቄ ምስለ ርግብ፡ ክርዳድ ምስለ ስርናይ። አንትሙሰ ሕቱ እንተ አፍኣ፡ ወአኮ እንተ ውስጥ እንተ ውስጥሰ እግዚአብሔር የአምር ወይፈትን በማኅቶተ ዚአሁ …… ኣንቱም መብራህትን ልኡኻት ናይ ቤተክርስቲያን ዝኾነኩም ዲያቆናት፡ ኣብ ውሽጣ ተዂላ ምስ በጊዕ፡ ሽላ ምስ ርግቢት፡ ክርዳድ ምስ ስርናይ ከይህሉ ምሓውዎ። ንስኻትኩም ነዚ ብደጋዊ ርኢምኹ ግበርዎ፡ እቲ ናይ ውሽጢ ልቢ ግና ኣምላኽ እዩ ዝፈልጦ” ኢሉ ምዒዱና ኣሎ።

ወስብሐት ለእግዚአብሔር።
ወለወላዲቱ ድንግል።
ወለመስቀሉ ክቡር።          

ዲን. ሚካኤል

Comments are closed.