ምሕረት ናይ ዘይበሊ ኪዳን

ወሊድካ ፈትኖ ትበሃል ዘረባ ካብቶም ዝወለዱ እሞ ርዝነቱ ዝተረደኦም ሰባት ብዙሑ ግዜ እየ ሰሚዔያ። ጓል ሄዋን ምኻነይ እኳ ኣደ ንምዃን ኣዝየ ዝብህግ እነተ ነበረኩ፣ እዛ ጓል ሰበይቲ ትብል ጸርፊ ግና ንዉሽጠይ በሲዓ ከምዚ ኣደ ዋልሓንቲ ተራ ዘይብላ ተምስል ምዃና ፣ ምስጋና ዘይብሉ ኣደነት እንታይ ይገበረልካ ኣብ ዝብል ሓሳብ ሓደ ሓደ ግዜ ዝትከል ነበርኩ።

ገና ጓል ፲ ዓመት ከለኹ እየ ዓባየይ ትምህርተ ሰንበት ዘጀመረትኒ። እቲ ከም ጓል ተዋሕዶ ክፈልጦም ዘለኒ ትምህርቲ’ዉን ርእሰይ ብዝሕዞም ዝተማሃርኩ። ይዝከረኒ ሰንበት እዩ ነይሩ ከምቲ ንቡር ቅዳሴ ምስ ተወደአ ኩሉና ደቂ ማኅበር ካብ ቀጽሪ ቤተ ክርስትያን ደብረ ብርሃን ቅድስቲ ሥላሲ ብምዉጻእ ናብቲ ኣብ ሓዝሓዝ ተደኩኑ ዝነበረ ሕክምና ኣምራሕና። ነቶም ኣቡኡ ዝጸንሑና ሕሙማት ኣምላኽ ምሕረቱ ክእዝዘሎም ብምምሕጻን ድሕሪ ቁሩብ ጻኒሕት ዝወጻእና።

እቶም ደቂ ገዛዉቲ ዝዀና ብሓደ ጉዕዞ ጀመርና። ሓደ ካባና ፣ እዋይ ኣዴና ሄዋን ንኣዳም ነታ ፍረ ክበልዕዋ እንተ ዘይትደፍኦ እኮ ሕጂ ሕማም ዝበሃል ኣይመሃለወን፣ ሞት’ዉን ከምኡ። ኩሉና ኣብ ገነት ምሃለና ክብል ዝተሰምዐ። ክልተ ኣዋልድ ኢና ዝነበርና ፣ እዚ ዘምጽኦ ዘረባ ንዓና ሓዲሽ ኣይነበረን፣ ብፍላይ ኣሕዋትና ኣወዳት ሕማቅ ምስ ዘጋንፎም ነዴና ሄዋን ሱር ናይ ኩሉ ኃጥያት ገሮም ብምስኣል ክትርኹ ምፍታን ከም ንቡር ስለ ዝቆጸርዎ።

ብህድኣቱ ዝፍለጥ ዲያቆን ዳዊት ነቲ ጎሮርኡ እንዳ ኣጽረየ ኣይትጋገ ብሩኽ ሓወይ በለ። መቸም ንሕና ደቂ ሰባት ጌጋ ደኣ እንበር ሠናይ ኣይንዝክርን እና። እንታይ ኣለዋ ካብ ብኣዴና ሄዋን ዉድቀት ምዝካር ብኣዴና ቅድስተ ቅዱሳን ድንግል ማርያም ዝተሰብረ መርገም እንተ ንዝክር። ኩሉና ብስቅታ ተዋሓጥና።

ኣብ ጥቃ ገምገም ባሕሪ ብዝንጎ ዝተሠርሐት ገዛ ዝነብሩ ኣቦን ወድን ነበሩ፣ ክብል ናብ ታሪኽ ምዝንታዉ ኣተወ። ዲያቆን ዳዊት። እቶም ዕድመ ዝደፍኡ ኣቦ ከም ኣመሎም ኣንጊሆም ናብ ዓሳ ምግፋፍ እንዳ ኸዱ ከለዉ ኣዚዩ ኣምሪሩ ዝበኪ ብጨርቂ ዝተተቅለለ ህጻን ረኸቡ’ሞ ከም ዉልዶም ኣዕበይዎ።

 ቶማስ ነቶም ከም ኣቡኡ እንበር ከም መዕበይኡ ዘይርእዮም ተማእዚዙ ዓበየ። ሓደ መዓልቲ ምስ መዛንኡ እንዳተጻወተ ከሎ ፣ ሓደ ምስ ቶማስ ዝተባእሰ ቆልዓ ኪድ ኣደ ዘይብሉ ክብል ይጸርፎ’ሞ ቶማስ እንዳ በኸየ ናብ ኣቡኡ ብምምጻእ ንምንታይ እየ እባ ኣነ ኣደ ዘይብለይ ክብል ይዉከሶም። ኣቡኡ ናብ ሕቅፍኦም ብምጽጋዕ  ፣ ቶማስ ወደይ ኣደ ደኣ ኣላትካ እንበር በሉዎ ። ቶማስ ብሓጎስ እንዳ ዘለለ ኣበይ ኣላ ፧ ንምንታይ ደኣ ምሳና ዘይትቅመጥ ፧ ክብል ሕቶ ኣብ ርእሲ ሕቶ ሓተተ። ኣቡኡ ካብ ማሕፍድኦ ንእሸተይ ሥእሊ ብምዉጻእ ፣ ኣዴኻ ካብ ኩለን ኣዴታት ዝተባረኸትን ዝተቀደሰትን እያ ክብሉ ኣርኣይዎ። ቶማስ ባህ በሎ ፣ ደጋጊሙ’ዉን ነቲ ሥእሊ ሰዓሞ። ኣቦይ መዓስ ደኣልካ ትወስደኒ ክርእያ ፧ ክብል ተወከሰ። ኣቡኡ ቶማስ ወደይ ኣዴካ ኣብ ሰማይ ሰማያት ከዋኽብቲ ሓሊፍካ እያ ትርከብ ግና ኩሉ ግዚ ክትደልያ ከለኻ ኣብ ሕልምካ ትረኣየካ እያ ። ክብሉ ነታ ኣብ ምስሊ ዘርኣይዎ ናይ ኣዴና ቅድስተ ቅዱሳን ድንግል ማርያም ታሪኻ  ኣዘንተዉሉ።

 ቶማስ ብፍቅራ ዓበደ፣ እሞ ኣነስ ዕድለኛ እየ ማለት እኮ እዩ፣  ኣዚያ ሕያወይቲ እሞ ከኣ ንዝለምንኩዎ ከም ዝሕሸኒ ገራ ትህበኒ ኣደ ኣላታኒ። ኣቦይ ግና ብሕልመይ ጥራይ ንምንታይ እየ ዝረኽባ ኣነ ክዕልላ ምደለኹ ምስኣ ክጻወት ርእሰይ እንዳ ደረዘትኒ ክድቅስ’ዉን ምደለኹ በለ ርእሱ ንታሕቲ ኣዘቕዚቁ። ኣየ ቶማስ ወደይ ኩሉ ግዜ ምስ ደቀስካ እኮ መጺያ ትባርኸካ ፣ ብሰላም ደቂስካ ክትበራበር’ዉን ጸሎት ትገብረልካ እያ፣ ጥራይ ንስኻ ዝዀነ ነገር ምስ ትኸዉን ናይ ልብኻ የዕልላ፣ ንሳ ኩሉ እትብላ ክትሰምዖ እያ በሉ።

  ቶማስ ካብ ሽዑ ጀሚሩ ንግሆ ክትንሥእ ከሎ ናብታ ኣብ ልዕሊ መደቀሲኡ ተሰቂላ ዝነብረት ምስሊ ናይ ኣዴና ቅድስተ ቅዱሳን ድንግል ማርያም ብምዃድ ሰላም ብርኽቲ ኣደይ ፣ ንስኺ ኣደይ ብምኻንኪ ኣዚዩ ባህ ይብለኒ ፣ መዓልተይ ብሩኹን ቅዱስን መታን ክዀዉን መርቅኒ ብምባል። መዓልቲ ሓሊፉ ከኣ ለይቲ ምስ ኮነ ሰላም ብርኽትን ፈቃርን ኣደይ ምሕረትኪ ብንፋሳት ተሓንጊሮም ክሕልዉኒ ስለ ዝወዓሉ ኣዚየ የመስግነኪ። ሰላም ከሓድር እሞ ብርሃን ጽባሕ መታን ክርእይ ካብ ወዲኺ ለምንለይ። ክሳብ ግዜ ኣኺሉ ዝረኽበኪ ኣብ ትሕተኪ ኰይነ ኣብ ሕቅፎኪ ዝድቅስ ካብ ሕልመይ ኣይትፈለይ እንዳበለ፣ ነታ ዘይረኣያ ወላዲቱ ኣፍቐራ። ነታ ናይ ሥጋ ኣዲኡ እኳ ኣዘከራን ክብል ተሪኹ ድሕሪ ምዝዛም።

በሉ የሕዋተይ ኪዳን ምሕረት ዝተዋሃበና ሕይወት ዓቢ እዩ እሞ ነመስግን ፣ ብኣዴና ሔዋን ዝተኸልከልናዮ ገነት ክንናፍቅ ብኣዴና ቅድስት ቅዱሳን ድንግል ማርያም ዝተዋሃብናዮ ኪዳን ናይ ድኅነት ኣይንዘንግዕ። እቲ ምንታይ ኪዳነ ምሕረት ንዓና ብርሃን ንዓይንና፣ ከሙኡ’ዉን ኪዳን ናይ ድኅነት ንሰብነትና ስለ ዝዀነት ብምባል መሃረና።

ይትባረከ ኣምላከ ኣበዊነ ።

ልዋም ሰሎሞን

2/20/2019

Comments are closed.