ማኅሌተ ጽጌ

በስመ አብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ አሐዱ አምላክ አሜን።

አዘክሪ ድንግል... 

 

 መእተዊ

ብመሠረት ሥርዓት ቤተ ክርስቲያን ካብ ዕለት ፳፮ መስከረም ክሳብ ፭ ኅዳር ዘሎ እዋን ዘመነ ጽጌ፡ ወርኃ ጽጌ፤ ዝጽወም ጾም ጾመ ጽጌ፤ ዝቐርብ ምስጋና ድማ ማኅሌተ ጽጌ ተባሂሉ ይጽዋዕ። ኣብዘን ዕለታት ኸኣ ኣዴና ቅድስት ድንግል ማርያም ምስ ፍቁር ወዳን ሓላዊኣ ኣረጋዊ ዮሴፍን ከምኡውን ሰሎሜ ናብ ምድረ ግብጽ ዝተሰደዱሉን ኣብኡ ዝጸንሑሉን እዋን ይዝከር።

ምኽንያት ስደት

ስደት ኣዴና ቅድስት ድንግል ሃንደበት ዘይኮነስ ከምቲ ካልእ ጐይታ ዝፈጸሞም ነገራት፡ ትንቢት ዝተነግረሉ ምሳሌ ዝተመሰለሉ እዩ። ሓደ ካብቶም ዓበይቲ ነቢያት ዝኾነ ልዑለ ቃል ኢሳይያስ “እግዚአብሔር ኣብ ደመና ተወጢሑ ናብ ግብጺ’ውን ይመጽእ” ብማለት ተነብዩ ነበረ። ንጐይታ ሓዚላ ናብ ግብጺ ዝተሰደት፡ ኣማናዊት ደመና ኣዴና ቅድስት ድንግል ማርያም እያ (ኢሳ ፲፱፥፩/19፥1)። ምኽንያት ስደት ድማ ሄሮድስ ንጉሥ ኣብ ግዝኣቱ ንጉሥ ከምዝተወልደ ሰሚዑ ስለዘይቀሰነ፤ “ምስ ረኸብኩምዎ፡ ኣነ ኸኣ መጺአ ኽሰግደሉ፡ ኣፍልጡኒ” ኢሉ ነቶም ብኮኸብ ተመሪሖም ዝመጹ ሰብአ ሰገል ከታልሎም እኳ እንተፈተነ፡ ንሳቶም እግዚአብሔር ብዝገለጸሎም መገዲ ቀይሮም ናብ ሃገሮም ምስ ተመልሱ፡ ሰብአ ሰገል “ከም ዝተላገጹሉ” ብምሕሳብ ትሕቲ ፪/2 ዓመት ንዝኾኑ ሕጻናት ቤተ ልሔም ኣቕቲሉ እዩ። 

ሽዑ መልኣኽ እግዚአብሔር ንጻድቕ ዮሴፍ “ሄሮዶስ ነዚ ህጻን ክቐትሎ ይደሊ ኣሎ እሞ ተንሥእ፤ ነዚ ሕጻንን ኣዲኡን ሒዝካ ናብ ግብጺ ህደም ክሳዕ ዝነግረካ ከኣ ኣቡኡ ጽናሕ” ኢሉ ብዝነገሮ እቲ ስደት ናብ ግብጺ ተጀመረ። ክሳዕ “እቶም ነፍስ እዚ ሕጻን ዚደልዩ ሞይቶም እዮም እሞ፡ ተንሥእ፡ ነዚ ሕጻንን ነዲኡን ሒዝካ፡ ናብ ምድሪ እስራኤል ኪድ” ተባሂሉ እቲ መልኣኽ ገሊጹ ክሳዕ ዝነግሮ ድማ ኣብ ግብጺ ጸንሑ። (ማቴ ፪፥፲፫፤ ፳/2፥13,20) ኣብ ግብጺ ብስደት ዝጸንሑሉ እዋን ድማ ሠለስተ ዓመትን ሽዱሽተ ኣዋርሕን እዩ።ብዜና ገድልታትን ትውፊትን ድማ ጐይታን ኣዴና ቅድስት ድንግል ማርያምን ብግብጽ ኣቢሎም ንሃገርና ካብኡ ሓሊፉውን ክሳዕ ደቡብ ኢትዮጵያ ከምዝበጽሑ ይንገር። ምምላስ ካብ ግብጽ ናብ ምድረ እስራኤል’ውን ብሆሴዕ ኣቐዲሙ ትንቢት ዝተነግረሉ እዩ ነይሩ፦ “ንወደይ ካብ ግብጺ ጸዋዕክዎ” (ሆሴ ፲፩፥፩) 

እቲ ምሳሌ’ውን ቀደም ከም አብርሃም ያዕቆብ ዝኣመሰሉ አበው በብምኽንያቱ ናብ ግብጺ ተሰዲዶም እዮም። ኵሉ ዝከኣሎ ጐይታ ከም ናትናኤል፡ መጥምቀ መለኮት ዮሐንስ ንዝኣመሰሉ ኣቦታት ካብቲ ቅትለት ከምዝሰወሮም ንርእሱ ከምኡ ምግባር ዝሰኣኖ ኮይኑ ኣይኮነን። እንታይ ደኣ ምስዳድ ጐይታ ምኽንያት ስለዝነበሮ እዩ። እዚ’ውን ነቲ ዝተነግረ ትንቢትን ዝተመሰለ ምሳሌን ንምፍጻም ዝገብሮ ስለዝኾነ እዩ። ካብ ገነት ናብ ምድረ ፋይድ (ሲኦል) ዝተሰደ ኣዳም ስለዝነበረ፤ ምምጻእ ጐይታ ድማ ስደት ኣዳም ተሰዲዱ ብምኽሓስ፡ ንኣዳም ናብ ዝቐደመ ክብሩ ንምምላስ ስለዝነበረ እዩ። ከመይሲ ኣዳም ብሰንኪ በደሉ ክቕበሎ ዝግባእ ጸዋተወ መከራ፡ ሕማምን ሞትን ጐይታ ኣብ ኵሉ ኣትዩ ኵሉ ሕማማት ኣዳም ጸይሩ ንኣዳም ክሒሱ፤ ብሞቱ ንሞቱ ደምሲሱሉ እዩ። ስደቱ’ውን ካብኡ ዝፍለ ኣይኮነን። በዚ መሠረት ኸኣ ጐይታ ንኣዳም ክብል ብገነት ካብ እትምሰል ኢየሩሳሌም ናብ ሲኦል እትምሰል ግብጺ ተሰደሉ። ብኻልእ ድማ ነቲ ጣዖታት ግብጺ ራዕራዕ ክብሉ እዮም ዝብል ትንቢት ክፍጸም ናብ ግብጺ ተሰዲዱ ጣዖታት ሰባቢሩ እዩ። 

ኣብ ግብጽን ኤርትራን ኢትዮጵያን ድማ ዳኅራይ ብፍጽምና ንእኡ ንዝስዕቡ ቅዱሳን ስፍርኦም ዝኾኑ ገዳማት ንምብራኽውን እዩ። በቲ ካልእ ድማ ስደት ቅዱሳን ጻድቃን ሰማእታት ባሪኹ ንክህበና ቅዱስ ፈቓዱ ስለዝኾነ እዩ ኣብነት ብምዃን ተሰዲዱ። 

 

ትርጉምን ተምሳልን ጽጌን ፍረን 

ማኅሌት ማለት ምስጋና ወረብ ለዘብ መወድስ ማለት እዩ። ጽጌ ኸኣ ዕምበባ፡ ምልክት ወይውን ኣደ ፍረ ማለት ክኸውን ከሎ፤ ማኅሌተ ጽጌ ማለት ኸኣ ብዕምበባ ዝተመሰለት ቅድስት ድንግል ማርያምን፤ ብፍረ ዝተመሰለን ፍረ ማኅጸና ዝኾነ ጐይታናን መድኃኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ዝምስገኑሉ ናይ ዕምበባ ምስጋና ማለት እዩ። ከመይሲ ፍረ ካብ ዕምባባ ከምዝርከብ፡ መድኃኒተ ዓለም ንዝኾነ ነቲ ፍቁር ወልዳ ዝፈረየት ኣማናዊት ዕምባባ ኣዴና ቅድስት ድንግል ማርያም እያ። እወ ተስፋ ኣዳም ከምዝተፈጸመ፡ ትንቢት ነቢያት ከምዝበጸሐ ዘበሰረት ምልክት ድኅነትና ንሳ እያ። ባዕሉ ጐይታ ምልክት ክህበኩም እዩ ተባሂሉ ብነቢይ ኢሳይያስ ዝተናገረላ ንሳ እያ። (ኢሳ ፯፥፲፬)

እቲ ምሳሌያዊ ስያመ ኸኣ ምስቲ ኣብ ሃገርና ዘሎ እዋን ዕምበባ ዝተኣሳሰረ እዩ። ምጅማር ናይዚ ማኅሌት ኸኣ ምስ ጸዓተ (ምብቃዕ) ክረምትን ምዕንባብ ምድርን ምእታው መጸውን (ቀውዕን) ዝዛመድ እዩ። ደድኅሪ ዘመነ ክረምቲ ዘሎ ድማ ዘመነ ጽጌ ይብሃል። እዚ እዋን እዚ ጸልማት ክረምቲ ምሉእ ንምሉእ ተቐንጢጡ፡ ብርሃነ ፀሓይ ብዘይ ከልካሊ ዝበርቀሉን ዝደምቀሉን፤ ሰማያት ብከዋክብቲ ዘማዕርጋሉ፤ ጥበበኛ ሰሎሞን ምስቲ ኵሉ ጥበቡን ክብሩን እኳ ክንድኦም ክኽደኖ ዘይተኻእሎ፡ ዕምበባታት ብኢደ ሰብእ ንዘይተዳለወ ልብሶም ለቢሶም ንኣኽራናትን ጐላጉልን ዘሠርግውሉን ዝኸድኑሉን እዋን እዩ። (ሉቃ ፲፪፥፳፯) እዚ እዋን እዚ ድማ ንዓይኒ ዝማርኽ ትርኢት ተፈጥሮ ዝረኣየሉ፤ ኣእምሮ ዝሕድስ ቀልብ ዝውንን ኅብረ መልክዕ ዝንጸባረቐሉ፤ ንኣፍንጫ ዝዕውድ ጥዑም ሽታን መዓዛን ዝነፍሰሉ፤ ኣእዛን ብጥዑም ዝማሬ ኣእዋፍን ኣናህብን ዝምልኣሉ ኮይኑ ንረኽቦ። ስለዚ እዩ ድማ እቲ ማኅሌት ነዚ እዋን ወርኃ ጽጌ ተኸቲሉ ስሙ ዝረኸበ። 

ዘመነ ጽጌ ብኸምዚ ኣገባብ ምሥርጋዉ ክግለጽ ከሎ፡ በቲ ካልእ ድማ ናይ ጽጋብን ራኅዋን ዘመን ምምጽኡ ዘበስር እዩ። ወርኃ ክረምቲ ዘርኢ ገና ኣብ ምድሪ ስለዝኾነ፡ ኣብ ቆፎታት (ማእከናት) ዘሎ እኽሊ ይጽንቀቕ እዩ። መሶብ ከም ቀደሙ ኣይመልእን እዩ። ክረምቲ ብሓምልታትን ዓይነቶምን ዝኣመሰሉ ሲሳይ ዕለት እያ ትሕለፍ። ዘሎካ እናከኣኣልካ ዝሕለፈሉ ጥሜት እምበር ከም ድሌትካ እትጸግበሉ ኣይኮነን። ካብ ሓድሽ ዓመት ጀሚሩ ግና ተስፋ ይልምልም። ሸዊት ክጠዓም ይጅምር። ኵሉ ፍጥረት’ውን ክሕጐስ ክዝምር ዝረኣየሉ እዩ። (መኃ ፪፥፲፫) ኵሉ ኣኽራናትን ጐላጒልን ድማ ብዕምበባታት ክምላእ ምስ ጀመረ፡ ዘመን ጥሜት ኣብቒዑ ዘመን ጽጋብ ከምዝበጸሐ ዘበስር እዩ። ናይዚ ተምሳሉ ኸኣ ምግቢ ድኅነት ርሒቕዎ፡ ማየ ጽድቅ ስኢኑ፡ ኣብ በረኻ ሲኦል፡ ብጥሜት ጽድቂ ንዘመናት ዝተሳቐየ ኣዳም፤ ብምሕረት እግዚአብሔር ድኅነት ዝረኽበሉ፡ ብቅዱስ ሥጋን ክቡር ደምን ወልደ እግዚአብሔር ነፍሱ ዝጸግበሉ ዘመን ከምዝበጸሐ ዘመልክተት እምባባ ኣዴና ቅድስት ድንግል ማርያም እያ። 

ኣብዚ ናይ ጽጌ (ዕምበባ) እዋን እምበኣር፡ ሕይወት ንዝኾነ ክርስቶስ ንዝፈረየትልና ብዕምበባ ንእትምሰል ቅድስት ድንግል ምስ ፍሪኣ ንዝክራ። 

ጾመ ጽጌ 
ነዚ ብዙኅ ድኻምን መከራን ዝተሓወሶ ጕዕዞ ስደት፡ ኣዴና ንወዳ ሒዛ በረኻታት ግብጽን እስራኤልን ቆሪጻ ናብ ምድረ ግብጽ እያ ብምእታዋ ነዚ መከራ ፍቓዶምን ዝኾኑ ኣገልገልትን ምእመናንን ብጾም የኽብርዎ። 

እዚ ጾም እዚ ኣገልገልቲ ቤተ ክርስቲያን ዝኾኑ ስዩማን ካህናት ኮኑ ዲያቆናት፤ ከምኡውን ምእመናን ብፍቕሪ ኣዴና ቅድስት ድንግል ተደሪኾም ስደታ ብምዝካር በረኸታ ንምርካብ ዝጾምዎ ጾም እዩ። ካብቶም ፯/7 ናይ ኣዋጅ ኣጽዋማት ዘይኮነሲ ናይ ፍቓድ ጾም ኸኣ እዩ። 

ደራሲን ድርሰትን ማኅሌተ ጽጌ 

ደራሲ እዚ ፍሉይ ጣዕመ ዜማ ዝውንን ናይ ምስጋና ድርሰት እዚ ኣብ መበል ፲፬ ክፍለ ዘመን ዝነበረ አባ ጽጌ ድንግል እዩ። ንሱ ኸኣ ንድንግል ማርያምን ወዳ ኢየሱስ ክርስቶስን ሓንሳብ ብሓረገ ወይን ሓንሳብ ብእምበባ ጽጌረዳ ብኻልእን ተዛመድቲ ምሳሌታት እናመሰለ ግሩም ናይ ጸሎት መጽሓፍ ዘዳለወ እዩ። ብኸምዚ ኣገባብ ድማ በብ፭/5 መስመር ቤት እናቖመ ኣስታት ፻፶/150 ዝኣክል ዝደረሰ እዩ። ርቀት ምሥጢሩ፤ ውህደት ምሳሌኡን ትምህርቱን፤ ግጥማዊ ኣቀራርብኡ፤ ምልክታን መልእኽቲ ዜምኡን፤ ወዘተ እምብዛ መሳጢ ኸኣ እዩ። 

መሠረቱ ኸኣ ልዑለ ቃል ኢሳይያስ እዩ። ነቢይ ኢሳይያስ ብዛዕባ ልደት ጐይታ ካብ ኣዴና ቅድስት ድንግል ክዛረብ ከሎ ካብ ዘርኢ እሴይ ንዝተረኽበት ኣዴና ብበትሪ፡ ንወዳ ኢየሱስ ክርስቶስ ድማ ብጽጌ መሲሉ እዩ ተነብዩ ነይሩ። “ትወጽእ በትር እምሥርወ እሴይ፡ ወየዓርግ ጽጌ እም ጒንዱ።” (ካብቲ ኽሩት ጒንዲ እሰይ ከኣ ሓደ ጠጥዒ ኺጭብጭብ እዩ፡ ሓደ ጨንፈርውን ካብ ሱሩ ፍረ ኺፈሪ እዩ።) (ኢሳ ፲፩፥፩/11፥1) ኣባ ጽጌ ድንግል’ውን ድርሰቱ ብኸምዚ ኣገባብን መልክዕን ንኣዴናን ንወዳን ኣተሓባቢሩ ብጽጌን ብፍረን እናመሰለ፤ ምስኡ ድማ ኣብ ልዕሊ ቅዱሳኑ መንክር ንዝኾነ ስራሕ እግዚአብሔር ብምሥጢር፡ ብታሪኽ፡ ብጸሎት፡ ብተግሣጽ፡ ብሉያትን ሓዲሳትን ከምኡውን ሊቃውንትን ገድልታትን ወዘተ ኣሥሚሩ ብዝምስጥ ኣገባብ ኣወሃሂዱ ኣቕሪብዎ ኣሎ። ንኣብነት ክሳብ ፹፭ ዝኣክል ታሪኽ’ውን ኣብዚ ድርሰት ተጠቒሱ ኣሎ። ብሓቂ ድማ ከምቶም ንዝቐደሙ ቅዳሴኣን ውዳሴኣን ዝደረሱ አበው፡ አባ ጽጌ ድንግል’ውን ኣብ ኣዴና ዝነበሮ ፍቕሪ ፍሉይ ብምንባሩ ነዚ ማኅሌታ ክደርስ ምሥጢር ተገሊጹሉ እዩ። 

እግዚአብሔር ከም አባ ጽጌ ድንግል ጸጋ ዝሃቦን ፍቕሪ ቅድስት ድንግል ዘለዎን ምስጋናኣ ይዛረብ። ምሳሌን ትንቢትን ምስ ትርጉም ኣወሃሂዱ ምሥጢር ይገልጽ። ውዳሴን ቅዳሴኣን ንዝደረሱን ንዘመሥጠሩን ቅዱሳን አበው መሠረት ገይሩ ማኅሌታ ይጽሕፍ። ፍቕሪ ጐይታ ዘለዎም ኣደ ጐይታ ኢሎም ብትሕትና ይዛረቡ። ኵሎም ቅዱሳን እግዚአብሔር ክብርን ንጽሕናን ቅድስናን ቅድስተ ቅዱሳን፤ ንጽሕተ ንጹሐን ኣዴና ቅድስት ድንግል ማርያም ብዝጥዕም ቃላት ካብ ልቦም የፈልፍሉ ነይሮም። ሎሚ ኸ ከመይ ኣሎና? እግዚአብሔር ዘስተውዕል ልቦና ይሃበና።

አከባብራ ዘመነ ጽጌ 

ቅድስት ቤተ ክርስቲያን ኣብዚ መዘከርታ ስደታ ንዝኾነ ዘመን፡ ምሳሌን ምሥጢርን ታሪኽን እናሰማመዐት ብፍሉይ ማኅሌት ንእትጥቀመሉ ማኅሌተ ጽጌ ጠቐስና እምበር፤ ብሓፈሻ ብሠለስተ ኣገባብ ነዚ እዋን ከምእተኽብሮ ምስትውዓል የድሊ። ንሳቶም ኸኣ ብማኅሌት፥ ብቅዳሴ፥ ብዝክር እዮም።

እቲ ምሉእ ለይቲ ሰንበተ ክርስቲያን ብፍሉይ ተመስጦ ዝቕጽልን ዝቐርብን ዝማሬውን ካብ ድጓ ቅዱስ ያሬድ፥ ማኅሌተ ጽጌ ከምኡውን ሰቆቃወ ድንግል ዝተረኽበ እዩ። ብምሳሌ ይኹን ብትንቢት ቅድመ ሓዲስ ኪዳን ንዝተነግረላን፤ ከምኡውን ካብ ጽንሰታ ጀሚሮም ኣብ ኵሉ መዋዕላ፡ ካብ ጐይታ ከይተፈልየት ምእንቲ ደቂ ሰባት ንዝገበረቶ ኵሉ እናተገልጸ ዝዝከረሉ ፍሉይ እዋን ንምስታፍ ሰንበት መጸ ሊቃውንትን ካህናትን ዲያቆናትን ምእመናን ብናፍቖትን ብሓንቀውታን ክጽበይዎ ይቕንዩ። ምስ ተጀመረ ድማ ለይቲ ምሉእ ብተመስጦ ክዝምሩ ይሓድሩ። ቅዳሴ ድማ የቕድሱ። ዝክራ ድማ በብተራ ብምግባር ካብ በረኸታ ይሳተፉ። 

መልእክተ ጽጌ 

ስደት ኵልሳዕ መሪር እዩ። እቲ ዝሓለፎን ዝነበሮን እዩ ዝፈልጦ። ሃገርካን ጸግኢ ዝኾኑኻ ኣዝማድካን ቤተ ሰብካን ንድኅሪት ገዲፍካ ዓዲ ጓና ምስዳድ ከቢድ እዩ። ናይ ኣዴና ቅድስት ድንግል ስደት ካብ ስደት ደቂ ሰባት ዝተፈልየን ንፍሉይ ዕላማ ዝተፈጸመን ኣዝዩ መሪርን እዩ ነይሩ። 

ንዓለም ፈጢሩ ዝገዝእ ኣምላኽ ብፍቓዱ ፍጹም ሰብ ኮይኑ፡ ገና ብህጻንነቱ ሓቚፋን ሓዚላን ናብ በረኻታት ግብጺ ክትስደድ ከላ ንበረኻ ሲና ኣብ ዝቖረጸትሉ ቀዝሒ ለይቲ፡ ሃሩር ቀትሪ፡ ሑጻ ረስኒ፡ ጽምኢ ማይ፡ ሕማቕ መገዲ ነቲ ስደታ ከቢድ ገይርዎ ነይሩ። መገዳውን በቲ ሰብ ዝኸዶ ኣይነበረን። እንታይ ደኣ ከይረኽቡኒ ክትብል በረኻ በረኻ እምበር። ብቅድሚት ኣብ ዘይተፈልጦ ዓዲ እንታይ ክረኽበኒ ክትብል፤ ብድኅሪት ወተሃደራት ሄሮድስ ኣርከቡኒ፤ ከም ኣደ፡ ሸፋቱ ቀተሉለይ ክትብል ዝተቐበለቶ መከራ መግለጺ ኣይርከቦን እዩ። ካብኡ ዝገደደ ድማ በብዓዱ ኣትያ ክትልምን፡ ገሊኦም “እዚኣ ትመስል ገለ በደል እንተዘይህልዋ፡ ግብራ እንተዘይከፍእ ዶ ካብ ቤታ ምወጸት?” እናበሉ ከስቅቕዋ፤ ወዳ ክድርብዩላ ወቦ ዘተርፈ እዚ ዘይብሃል ሓዘን እያ ኣኅሊፋ። ንብዓት ዓይና ኣብ ማዕጉርት ህጻን ወዳ ክዓልብን መከራ ክበዝኃን ከሎን እቲ ኵሉ እናተኻእሎ ብፍቓዱ መከራ ዝተቐበለ ጐይታ ግና የጸናንዓ ነበረ። 

እዚ ኵሉ ስደትን መከራን እንት ምንታይ እንተበልና ስደት ኣዴና ቅድስት ድንግል ስለቲ ፍቁር ወዳ ክትብል ምዃኑ ምስትውዓል ይግባእ እዩ። እዚ ኸኣ ብርዱእ ኣገላልጻ ንአምላኽ ወዲ ኣምላኽ ሓዚላ ምስዳዳ ምእንቲ ናትና ድኅነት ምዃኑ ክንስሕቶ ኣይግባእን። ከምቲ ስምዖን ኣረጋዊ ኣብታ ቤት መቅደስ ኢየሩሳሌም ንኣኣ ዝበሎ ድማ ይፍጸም ነበረ፦ “ንኣኺ ድማ፡ ሓሳብ ልቢ ብዙኃን ምእንቲ ኺገሀድ፡ ናብ ነፍስኺ ሰይፊ ኺኣቱ እዩ፡ በላ።” በዚ ኸኣ ብስደት ዝጀመረ ሰይፊ (መከራ ሕማም) ምእንቲ ኵሉ ዓለም ክትብል ትቕበሎ ነበረት። ናብ ዓዳ’ውን ምስተመልሰት፡ ካብ ወዳ ከይተፈለየት ንኵሉ መከራ ኣይሁድ ጸይራ ድማ ክሳብ ድኅነቱ ዝፈጸመሉ ቀራንዮ ኣብ እግረ መስቀሉ በጽሐት። (ሉቃ ፪፥፴፭/2፥35 ዮሐ ፲፱፥፳፮/19፥26) 

ስለዚ ኣብዚ እዋን ስደታ ክንምሕጸናን ክንልምናን ይግባእ። እንልምኖ ብዙኅ ኣሎ እሞ ሰማዒት እያ እሞ ንኵሉ ንንገራ። ምስ ፍቁር ወዳ ከተተዓርቐና፤ ምሕረቱን በረኸቱን ከብዝኃልና፤ ኃጢኣትና ክኃድገልና ኣማልድና ኢልና ክንምኅፀን ይግባእ። ከምቲ ኣብ ቅዳሴ ማርያም ተጻሒፉ ዘሎ ነቲ ኣብ ስደታ ምእንታና ዝተቐበለቶ መከራ እናዘከርና “…ኦ ድንግል ጥሜትን ጽምእን መከራን ኃዘንን ኵሉ ምስኡ ዝበጽሓኪ ጸበባ ኣዘክሪ...” እናበልና ከነዘክራን ናብቲ ኵሉ ዝዝክርን ዘይርስዕን ኣምላኽ ከተማልደና ክንልምና ይግባእ።

ብዘይካ ክንጠቕሶ ዝጸናሕና እዚ ዘመን እዚ፡ ጐይታ ዘመናት እግዚአብሔር ኣምላኽ፡ ነቲ ጻዕርን ድኻምን ዝመልኦ ዘመን ጸልማት (ክረምቲ) ኣሕሊፉ፤ ንእተዘርአ ብዝናም ኣብቊሉ፡ ብፀሐይ ኣብሲሉ፡ ንፍረ ኣብጺሑ ንኵሉ ፍጥረቱ ከምዝምግብ ግብሪ እግዚአብሔር ብኣዕይንትና እናረኣና እነስተውዕለሉ ዘመን እዩ። ስለዚ በቲ ውሑድ ዝኣኽለና፡ ብእንበልዖን ብእንሰትዮን እሞ ፈጢሩ ከይመነወና እግዚአብሔር ባዕሉ ብዝህበና ምግበ ሥጋ ክንጭነቕ ከምዘይብልና ትምህርቲ ንቐስም። ነዚ’ውን ካብ ዕምበባታት መሮርን ኣእዋፍን ክነመሃር ኣብነት ጠቒሱልና እዩ። ስለዚ ከምቲ ብእምባታት መሮር ዝተመሰለ፡ መዋዕልን ስልማትን ወዲ ሰብ ሓጺር ምዃኑ ፈሊጥና፡ ኣብዚ ምድሪ’ዚ ነቲ ሓላፍን ተራፍን ዘይኮነስ፡ ነቲ ዘይሓልፍ ሰማያዊ መግብን መንግሥትን ቅድምን ልዕልን ኵሉ ክንደልይን ስሊኡ ክንጋደልን ከምዝግባእና ምስቲ ዘመን እናነጻጸረት ትምህርቲ ከምንረኽብ ቤተ ክርስቲያን ትገብር። እቲ ቅዱስ ወንጌል’ውን ከምዚ ይብል፦ 

“ካብ መብልዕሲ ሕይወትዶ ኣይትበልጽን? ካብ ክዳንስ ሥጋዶ ኣይበልጽን? ስለዚ ንሕይወትኩም ብትበልዕዎን ብትሰትይዎን ወይስ ንሥጋኹም ብትኽደንዎን ኣይትጨነቑ፡ እብለኩም ኣሎኹ። ነዕዋፍ ሰማይ ተመልከቱ። ናይ ሰማይ ኣቦኹም ደኣ ይምግበን እምበር፡ ኣይዘርኣ፡ ኣይዐጽዳ፡ ኣብ ማዕከንውን ኣይእክባን እየን። ንስኻትኩምዶ ግዳ ኻባታተን ብዙኅ ኣይትበልጹን? ካባኻትኩምከ ተጨኒቑ ኣብ ልዕሊ ቚመቱ ሓንቲ እመት ኪውስኽ ዚኽእል መን ኣሎ? ከመይከ ብናይ ክዳን እትጭነቑ፡ ንዕምባባታት መሮር ከመይ ኢሎም ከም ዚዐብዩ ተመልከቱ፡ ኣይደኽሙ፡ ኣይፈትሉ። ምስ ናይዚ ግና ሰሎሞን እኳ በቲ ዅሉ ኽብሩ ኸም ሓደ ኻባታቶም ከም ዘይተኸድነ፡ እብለኩም ኣሎኹ። ኣምላኽ ነቲ ሎሚ ዘሎ፡ ጽባሕ ግና ናብ እቶን ዚድርበ ሳዕሪ መሮር ከምዚ ገይሩ ዚኸድኖ ኻብ ኰነ ደኣ፡ ኣቱም ጒዱላት እምነት፡ ንኣኻትኩምዶ ግዳ ኣብሊጹ ኣይከድነኩምን? እምብኣርከ እንታይ ንበልዕ፡ እንታይ ንሰቲ፡ እንታይ ንኽደን? ኢልኩም ኣይትጨነቑ። ነዚ ዅሉስ ኣሕዛብ ይደልይዎ እዮም እሞ፡ ንኣኻትኩም እዚ ዅሉ ኸም ዜድልየኩም፡ ናይ ሰማይ ኣቦኹም ይፈልጥ እዩ። ቅድም መንግስቲ ኣምላኽን ጽድቁን ድለዩ፡ እዚ ዅሉ ድማ ይውሰኸልኩም።” (ማቴ ፮፥፳፮-፴፫/6፥26-33) ተወሳኺውን መዝ ፻፪፥፲፬-፲፮/103፥14-16 ንመልከት። 

ስለዚ ኣብዚ ምድሪ ከሎና ኣምላኽ ስሌና ንዝተቐበሎ መከራ መስቀል እናዘከርና፤ ብርቱዕ ሃይማኖት ጸኒዕና ነቲ ዝኣዘዘና ሰናይ ግብሪ ንምፍጻም ክንተግህ ይግባእ። ኣብዚ ሓጺር ናይ መዋዕልና፡ ነቲ ዘይሓልፍ መንግሥቱ ዝኸውን ስንቂ ንቛጽር። መዝገብ ኣብ ሰማያት ንኣክብ። ብንስሓ እናተመላለስና ናብ ቅዱስ ሥግኡን ክቡር ደሙን ንብጻሕ። 

ደግሲ ሄሮድስን ክፉኣት ኣይሁድን ደጊሱና፡ ብፍላጥ ይኹን ብዘይ ፍላጥ ሎሚ’ውን ንኣደ ጐይታ ካብ ቤትና (ልብና) ክንሰጓን ናብ ግዳም በረኻ ከነሳድዳን እንደሊ ከይንህሉ ግና ንጠንቀቕ። ከም ኮቲባ ነቲ ክቡር ወዳ ናብ መሬት እንስንድዎ ከይንህሉ ነፍስና ንፈትሽ፤ ምውዳቕና ኣበይ ምዃኑ ርኢና ንፍራህ። ከምቶም ገሊኦም ሰብአ ግብጺ ዘናሸውዋ፡ ኣብ ክብራን ቅድስናኣን ክንሳለቕን ክንላገጽን ከይንርከብ ርእስና ንመርምር። 

ሕጂውን እግዚአብሔር ነቲ ዝለመናዮ፡ ክሰምዓና ስለታ ክብርት ወላዲቱ መሐረና፤ ጸግወና፤ ረድኤትካ ኣብዝኃልና ኢልና ምልማን ይግባእ። ስለቅዱሳኑ ኢልና እንልምኖ ክሰምዓና ዝተኣምነ ኣምላኽ እዩ እሞ ተጊህና ናብ ቅድስት ቤቱ ንመላለስ። እወ ብፍላይ ብፍላይ ስለታ ኣብ ማኅፀና ዝጾረቶ፤ ወሊዳ ዘጠበወቶ፤ ሓዚላቶ ዝተሰደደት፤ ተሰዲዳ መከራ ዝተቐበለት ኣዴና እንተለመንናዮ ቀልጢፉ ከምዝሰምዓና ኣይንጠራጠር። ስለዚ ወትሩ ኣዘክሪ ንበል። እወ ኣዘክሪ ድንግል። 

  • ኦ ድንግል ናብቲ ንኵሉ ዝዝክር፡ ዘይርስዕ ኣዘክሪ።
  • ኦ ድንግል እቲ ካባኺ ኣብ ቤተ ልሔም ዝተወልደን በጭርቕቲ ከም ዝተጠቕለለን ብእዋን ቍሪ፡ እስትንፋስ አድግን ላሕምን ከም ዘማምቝዎን ኣዘክሪ።
  • ኦ ድንግል ብዘመን ርጉም ሄሮድስ ካብ ሃገር ናብ ሃገር ምስኡ እናጐየኪ ምሳኺ ዝተሰዶ ስደት ኣዘክሪ።
  • ኦ ድንግል ካብ ኣዕይንትኺ ናብ ገጽ ፍቁር ወድኺ ዝወሓዘ መሪር ንብዓት ኣዘክሪ።
  • ኦ ድንግል ጥሜትን ጽምእን መከራን ኃዘንን ኵሉ ምስኡ ዝበጽሓኪ ጸበባ ኣዘክሪ።
  • ይቕረታ ደኣ ኣዘክሪ እምበት ጥፍኣት ኣይኹን።
  • ንኃጥኣን ደኣ ኣዘክሪ እምበር ንጻድቃን ኣይኮነን።
  • ንርሱሓት ደኣ ኣዘክሪ እምበር ንንጹሓት ኣይኮነን።

እወ ኣዴና ናብቲ ዘይርስዕ ኣምላኽ ኣዘክሪ....

ኣዘክሪ ድንግል...

ስብሐት ለእግዚአብሔር ወለወላዲቱ ድንግል ወለመስቀሉ ክቡር። 

ምንጪ

ጦማረ ማዕዶት

Comments are closed.