ማርያም እንተ በዕፍረት

በስመ አብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ አሐዱ አምላክ፡ አሜን።

6 የካቲት ዕለት ዕረፍቲ ቅድስት ማርያም እንተ በዕፍረት እዩ።

ብዛዕባ እዛ ቅድስቲ ኣደ እንረኽቦ ኣብ ኣርባዕቲኦም ወንጌላውያን 'ጐይታ እግሩ እናቀብአት' ብዝተፈላለየ ሕብሪ ግልጸት ተጻሒፋ ንረኽባ። እስከ ንመልከት።

  1. ኢየሱስ ሽቱ ከም ዝተቐብአ

(ማቴ. ፳፮፡፮-፲፫/ 26፡6-13 ፡ ማር. ፲፬፡፫-፬/ 14:3-9፤ ሉቃ. ፯፡፴፮-፶/ 7:36-50፤ ዮሓ. ፲፪፡፩-፰/ 12:1-8)

ብዛዕባ ምቕባእ ጐይታ ኣብ ቢታንያ ሠለስቲኦም ወንጌላውያን ንኡስ ኣርእስቶም "ኢየሱስ ኣብ ቢታንያ ሽቱ ከም ዝተቐብአ" ወንጌላዊ ሉቃስ ግን "ሓንቲ ኃጥእ ሰበይቲ ንኢየሱስ ከም ዝቐብኣቶ" ዝብል ኣስፊርዎ ኣሎ። ብዘይካ ወንጌላዊ ዮሓንስ ኸኣ ዅሎም ጐይታ ኣብ ቤት ስምኦን ከም ዝተቐብአ ይገልጹ (ማቴ. ፳፮፡፮/26፡6 ፡ ማር. ፲፬፡፫/14፡3፤ ሉቃ. ፯፡፴፱-፵/7፡39-40)።

ወንጌላዊ ዮሓንስ ኸኣ "ማርያም እንተ ዕፍረት/ ማርያም በዓልቲ ሽቶ" ኢሉ ጠቂስዋ ይርከብ "ማርያም ድማ ሓደ ነጥሪ ብዙኅ ዝዋግኡ ቕዱይ ቅብኢ ጽሩይ ናርዶስ ወሲዳ፡ ብእኡ ገይራ ኣእጋር ኢየሱስ ለኸየት፡ ብጸጕሪ ርእሳውን ደረዘቶ። እታ ቤት ከኣ ብመዓዛ እቲ ቕዱይ ቅብኢ መልኤት።" (ዮሓ. ፲፪፡፫/ 12:3) ።

ማርያም ኃፍቲ ኣልኣዛር ፦ ብካልእ ኣጸዋውዓ «ማርያም እንተ ዕፍረት» እናተባህለት ትጽዋዕ። ንጐይታ ተደፊኣ ኣብ እግሩ ናርዶስ ጨና ዝለኸየቶ እያ። ነዚ ድማ ነባቤ መለኮት ተባሂሉ ዝፍለጥ ወንጌላዊ ቅዱስ ዮሓንስ መን ምዃና ይነግረና፡

"ማርያም ድማ ሓደ ነጥሪ ብዙኅ ዝዋግኡ ቕዱይ ቅብኢ ጽሩይ ናርዶስ ወሲዳ፡ ብእኡ ገይራ ኣእጋር ኢየሱስ ለኸየት፡ ብጸጕሪ ርእሳውን ደረዘቶ። እታ ቤት ከኣ ብመዓዛ እቲ ቕዱይ ቅብኢ መልኤት" (ዮሓ፦፲፪፣፩-፰/12፡1-8)።

"ኣብ ቢታንያ፡ ኣብ ዓዲ ማርያምን ማርታ ኃብተን፣ ኣልኣዛር ዝስሙ ሰብኣይ ሓሚሙ ነበረ፡፡ ማርያምን፡ እታ ንጐይታ ቅዱይ ሽቱ ዝቐብኣቶ፣ ብጸጕሪ ርእሳውን ኣእጋሩ ዝደረዘቶ እያ፡ ኣልኣዛር እቲ ሕሙምውን ኃዋ እዩ፡፡" (ዮሓ. ፲፩፡፩-፪/11፡1-2)

ኣብ እግሪ ጐይታ ኮፍ ኢላ ነቲ ዘስተምህሮ ዝነብረ ቃል ብምስማዕ ጐይታ ጽቡቕ ዕድል መሪጻ ኣላ ዝበላ እያ (ለቃ ፲፡፴፱-፵፪/ 10፡39-42)፡፡ 'እንተ ዕፍረት' ማለት 'በዓልቲ ጨና' ማለት እዩ። እዚ ስም ዝተዋህባ ድማ ናይ ጐይታ እግሪ ጨና ብምልካያ እዩ፡፡

 

ታሪኽ ሕይወታ ፥

1፥ ትርጓሜ ወንጌል

  1. ተኣምረ ኢየሱስ
  2. መጽሓፈ ግንዘትን
  3. መጽሓፍ ስንክሳር ዕለት ክልተ (፮/6) የካቲት
  4. ድርሳን ዘዮሐንስ አፈ ወርቅ በእንተ ብእሲት ዘቀብዐቶ ዕፍረተ ፡ ተመዝጊቡ ይርከብ፡፡

  1. እቲ ሽቶ ካበይ መጸ፧

ከም ትርጓሜ ወንጌል ማቴዎስ ምዕ ፳፮/26/ መሠረት ብዝኅ እዃ እንተኾነ ኣሕጽር ከብሎየ፡

እዛ ሰበይቲ መልክዐኛ ነበረት፥ ምሉእ ኣካላ ዘርኢ መስትያት ነበራ እሞ ሓደ መዓልቲ ናብኡ ቀሪባ መልክዓ ተመልከተት፡፡ "ሞት ከሎ እሞ እዚ ኵሉ ንምንታይ እዩ፧" ብምባል ኣብ ገሊላ ኃጢኣት ዝኃድግ ነብይ ተላዒሉ ኣሎ ናብኡ ከይደ ድኣ ኃጢኣተይ ሕደገለይ ክብሎ ኢላ ሓሰበት፣ ሓሲባውን ኣይተረፈትን ተበገሰት፡፡ ኣብ መንገዲ በቲ ፈታኒ ዲያብሎስ ብዙኅ ፈተነ መጽኣ፡ "ብዉሕድ ተግባር ጽድቂ ብዙኅ ክብሪ ዝህብ ኢየሱስ ክርስቶስ ስለዝመጽአ፡ ንእኡ ዝቐብኦ ሽቱ ክዕድግ እኸይድ ኣለኹ ኢላ፡ ስም ጐይታ ኢየሱስ ምስ ጸውዓትሉ ከም ትኪ በኒኑ ጠፍአ። ብድኅርዚ ካብ ሓደ ሃድኖክ ዝበሃል ሃብታም ነጋዳይ ነበረ፡ ነገሥታት ዝቕብእዎ ቕዱይ ሽቱ ሽጠለይ በለቶ እሞ ብሠለስተ ሚእት ዲናር ዓዲጋ ኣምጺኣ ንጐይታ ቀብኣቶ።

እዚ ቕዱይ ቅብኢ ጐይታ ኢየሱስ ናብ ግብጺ ኪወርድ ከሎ ሰሎሜን እቲ የማናይ ሽፍታ ምስ ሓቘፍዎ ረሃጹ ኣብ ክዳኑ ተራእየ፡ ብማይ እንተ ሓጸብዎ ከም ቅብኢ ኾይኑ ሰፈፍ በለ እሞ፡ ኣብ ብልቃጥ ኣቐሚጦሞ ነበሩ። ካብኡ ዝተሓወሶ ሽቱ ኣምጺኣ ቀባቶ፡ "እዝስ ገንዘቡ እዩ" ይብል ትርጓሜ፡፡ (ስንክሳር ፮/6/ ፥ ተኣምረ ኢየሱስን ክንምልከት ንኽእል ኢና)

እቲ ዋጋ ናይቲ ቕዱይ ሽቱ፥ ኣዝዩ ኽቡር ብዙኅ ዝዋግኡ ከምዝኾነ ዅሎም ወንጌላውያን ገሊጾም ኣለዉ፡፡ "ሠለስተ ሚእቲ" እዩ፡ እዚ ኸኣ ወንጌላዊ ማርቆስን ወንጌላዊ ዮሓንስ መጠኑ ይምስክሩ፡ ዝገርም ግን ወንጌላዊ ዮሓንስ ነቲ ተኃዝ ማኅፉዳ (ተኃዚ ገንዘብ) ዝነበረ ይሁዳ ኣስቆሮታዊ በቲ ኵነት ካብቶም ልቦም ዝነደዶም ምዃኑ ጽሒፉልና ይርከብ፡፡

"እዚ ቕዱይ ቅብኢ እዚ ኻብ ሠለስተ ሚእቲ ዲናር ንዚበዝኅ ተሸይጡስ፡ ንድኻታት ግዳ ምተዋህበ ነይሩ!" በሉ።" ማር. ፲፬፡፭/14፡5

"ሓደ ካብቶም ደቀ መዛሙርቱ፥ እቲ ኼትኅዞ ዘለዎ ይሁዳ ኣስቆረታዊ (ወዲ ስምዖን) ግን፥ "እዚ ቕዱይ ቅብኢ እዚ ኸመይ ግዳ ንሠለስተ ሚእቲ ዲናር ተሸይጡስ ንድኻታት ዘይውሃብ፧" በለ። እዚ ዝበለ ሰራቒ ስለ ዝዀነ እዩ እምበር ንድኻታት ሓልዩሎም ኣይኮነን። ተኃዝ ማኅፉዳ ስለ ዝነበረ ካብቲ ኣብኡ ዝኣተወውን የልዕል ነበረ።" ዮሓ. ፲፪፥፭-፮/12፥5-6

† መደምደሚ እዚ ክፋል ወንጌል፥

ꗺ  ምኽንያት ምቕባእ ጐይታ በዛ ሰበይቲ እዚኣ ከምቲ ባዕሉ ጐይታ ዝበሎም፥

፩/1፥ ንዕለተ ቐብሩ እያ ተመልክት፡

"ንመዓልቲ ቐብረይ ዘዳለወቶ እዩ" (ዮሓ ፲፪፡፯/12።7)

፪/2፡ ዝክረ ቅዱሳን (ቅዱሳን ምዝካር) ከስተምህር ስለዝደለዮ እዩ፡

"እዚ ወንጌል እዚ ኣብ ዝተሰብኮ ዘበለ ኣብ ኵሉ ዓለም፥ እዚ ንሳ ዝገበረቶ ንመዘከሪኣ ኸም ዚንገር ብሓቂ እብለኩም ኣለኹ" በሎም።" (ማቴ. ፳፮፥፲፫/26፥13 ፡ ማር. ፲፬፥፱/14፥9 )

ከምቲ ሓዋርያ ቅዱስ ጳውሎስ ዝበሎ "ተዘከሩ መኳንንቲክሙ…እቶም ቃል ኣምላኽ ዝሰበኽልኩም መራሕትኩም ዘክርዎም" ሓዋርያዊት ዝኾነት ቅድስቲ ቤተ ክርስቲያንና ድማ ዝኽረ ቅዱሳን ዕለት ዕለት ወርኃዊ፡ ዓመታዊ እንዳዘከረት ትነብር። በዚ መሠረት ድማ ቤተ ክርስቲያን ጽንዓትን ትብዓትን ኣገልግሎት ቅዱሳን ኣንስት ርእያን ኣድንኒቓን እያ። ብጊዜ በዓለ ፶ (ኃምሳ) ዘመን ትንሣኤ ጐይታ፥ ናይታ ቀዳመይቲ ሰሙን ሳድሰይቲ ዕለት ቀዳሚተ ሰንበት (ቀዳም) ዘላ "አንስት/ኣንስቲ" ኢላ ሰይማታ ትርከብ፡፡ (ሉቃ. ፰፥፪-፫/ 8፥2-3 ፡ ሉቃ. ፰፥፴፰-፵፪/ 8፥38-42 ፡ ማቴ ፰፥፲፭/ 8፥15 ፡ ሉቃ. ፳፫፥፳፯-፳፱/ 23፥27-29 ፡ ሉቃ. 24፥1-12 ፡ ማቴ. 25፥1-12)። ኣብ ዘመነ ሥጋዌኡ ንጐይታን ሓዋርያትን ብገንዘበንን ብጕልበተንን ንዘገልገላን፡ ኣብ እዋን ስቕለቱ ድማ "ዋይ! ዋይ!" እናበላ ክሳብ ቀራንዮ ንዝሰዓባ፡ ከይወገሐ ከሎ ኣብ ዕለተ ትንሣኤኡ ቅድሚ ሰበን ብለይቲ ናብ መቓብር ጐይታ ጨና ኂዘን ብምግስጋሰን ቅድሚ ዝኾነ ካልእ ሰብ 'ትንሣኤ ክርስቶስ' ንዝተገልጸለን ቅዱሳት ኣንስት መዘከርታ ክኸውን "ኣንስት" ተባሂላ እዛ መዓልቲ ተጸዊዓ ኣላ።

ዲን. ማቴዎስ

matikinfu@gmail.com

፳፰ ጥቅምት ፳፻፲፩ ዓ.ም.

7 ኅዳር 2018 ፈረንጂ

"ነቶም ቃል ኣምላኽ ዝሰበክልኩም መራሕትኹም ዘክርዎም፡፡ ከመይ ኢሎም ከም ዝነበሩን ከም ዝሞቱን ኣስተውዒልኩም ኣሰር ኣሰር እምነቶም ስዓቡ።" ዕብ 13፡7

ስብሐት ለእግዚአብሔር፡ ወለወላዲቱ ድንግል፡ ወለመስቀሉ ክቡር፡ አሜን።

Comments are closed.