መፃጒዕ ዮሐ. ፭፥፩-፲፰/5፥1-18 

                                                    በስመ አብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ አሐዱ አምላክ፥ አሜን፥

ኣብ ዓቢይ ጾም ካብ ዝርከቡ ሸሞንተ ሰናብቲ እታ ራብዓይቲ መጻጕዕ ተባሂላ ትፍለጥ። ነዛ ኽብርቲ ዕለት ዘብጽሓናን ካብ በረኸታ ክንሳተፍ ዘፍቐደልናን እግዚአብሔር ኣምላኽ ስሙ ንዘልዓለም ከኣ ዝተመስገነ ይዅን።

ቤተ ሳይዳ፥ ዮሐ. ፭፥፪/5፥2

ኣብ ዓቢይ ጾም ካብ ዝርከቡ ሸሞንተ ሰናብቲ እታ ራብዓይቲ መጻጕዕ ተባሂላ ትፍለጥ። ነዛ ኽብርቲ ዕለት ዘብጽሓናን ካብ በረኸታ ክንሳተፍ ዘፍቐደልናን እግዚአብሔር ኣምላኽ ከኣ ዝተመስገነ ይዅን። ራብዓይ ሰንበት ዓቢይ ጾም፦ ኣምላኽና ኢየሱስ ክርስቶስ፡ ከምቲ ነቶም ድዉያነ ነፍስ ብትምህርቱ ዝበጽሖም ዝነበረ፡ ነቶም ድዉያነ ሥጋ ድማ ብተኣምራቱ ይፍውስ ከምዝነበረ ዝዝከረሉ ሰንበት እዩ። በዛ ዕለት’ዚኣ ካብ ጾመ ድጓ፡- ካብቲ ዋዜማ ጀሚሩ ዝዝመር “አሕየዎ ኢየሱስ ለመፃጕዕ ለሠላሳ ወሰመንተ ክረምተ ሐመ” (ነቲ ሰላሳን ሸሞንተ ዓመት ዝተደነሰ መፃጕዕ፡ ጐይታ ኢየሱስ ኣሕወዮ) ብዝብል መዝሙር ዝተማእከለን “አምላኩሰ ለአዳም ለዕረፍት ሰንበተ ሠርዐ” ብዝብል ርእሲ መዝሙር ዝጅምር ኮይኑ፡ ጐይታ ኣብ መዋዕለ ስብከቱ ብዝተፈላለየ ሕማማትን ሽግራትን ንዝተጠቕዑ ሰባት ማለት ንለምጻማት፡ ድኑሳት፡ ዕዉራት፡ ሓንካሳት፡ ጎባጣት፡ ሓንካሳት፡ ብኣጋንንት ንዝተተኅዙ . . . እናጠቐሰ ከምዘሕወዮምን፡ ኣብ ሰንበት ንሕሙማት ዕረፍቲ ከምዝሃበን ዘዘኻኽር እዩ። ብፍላይ ነቲ ን38 ዓመት ኣብ ዓራት ዝተጣበቐ ልሙስ “ተንሥእ እሞ ዓራትካ ኣልዒልካ ኪድ” ኢሉ ዘሕወየሉ ናቱ መዘከርታ እዩ። ምሉእ ትኅዝቶ ኣብ ወንጌል ዮሐንስ 5፡1-18 ተጠቂሱ ኣሎ።

ንባብ ቅዳሴ 

መልእኽታት 
ሰራይ ዲያቆን= ገላ ፭፥፩-መፈጸምታ / 5፥ -መፈጸምታ
ንፍቅ ዲያቆን= ያዕ ፭፥፲፬-መፈጸምታ / 5፥ 14-መፈጸምታ
ንፍቅ ካህን= ግብ ሓዋ ፫፥፩-፲፪ / 3፥ 1-12

"እግዚአብሔር ይረድኦ ውስተ ዐራተ ሕማሙ፥ 
ወይመይጥ ሎቱ ኵሎ ምስካቢሁ እምደዌሁ፥ 
አንሰ እቤ እግዚኦ ተሣሃለኒ፡፡ (መዝ ፵፥፫-፬)

ሓሚሙ ምስ ደቀሰ እግዚአብሔር ይድግፎ፥ ካብ ሕማሙ ድማ የሕውዮ፡፡ ኣነ ኸኣ "ኦ ጐይታይ፥ በዲለካ እየ እሞ፡ ምሓረኒ፥ ካብ ሕማመይ ከኣ ኣሕውየኒ" በልኩ። ( መዝ 41፥ 3-4) 

ወንጌል 
ሠራይ ካህን = ዮሐ ፭፥፩-፳፭ / 5፥ 1-25

ቤተ-ሳይዳ (ዮሐ. ፭፥፪/5፥2)

"ቅልንብትራ ወይብልዋ ስማ በዕብራይስጥ ቤተ ሳይዳ ዘይእቲ ቤተ ሣህል…… ቅልንብትራ እትበሃል በዕብራይስጢ ከኣ ቤተ ሳይዳ ትበሃል እዚ ድማ ቤተ መድኃኒት ማለት እዩ፡፡" ትርጓሜ ዘወንጌለ ዮሐንስ ፭፥፪/5፥2

ሓደ እዋን ሓደ ሕያዋይ በዓል ጸጋ ሰብኣይ ከም ኣብርሃም ንኵሉ ተቐባሊ ጋሻን ብፍላይ ኣቦታትን ኣዴታትን መነኮሳትን ዝቕበል ነበረ። ግን ወዱ ሕሙም ነበሮ፥ ዋላ እኳ እዚ ናይ ውላዱ እንተኣጕሃዮ ወትሩ ካብ ኣጋይሽ ምእንጋድ ግን ኣየቋረጾን። ወትሩ ኸኣ ስለ ወዱ ድኅነት ተጊኁ ይልምን ነበረ፡፡

በቲ ጊዜ ዓሰርተ ሰለስተ (13 ) ሸፋቱ ብሓባር ንብረት ዘሚቶም ዝጐዓዙ ነበሩ። ነዚ በዓል ጸጋ ቤት ከኣ ተጠማመትዎ፡፡ ከመይ ኢሉ ከምዘእንግዶ ተመልከቱ እሞ፥ "እዚ በዓል ገንዘብ ክኸውን ኣለዎ፡ መዓልቲ መዓልቲ ነዞም ኣጋይሽን መነኮሳትን ዝእንግዶም፡ ብዛዕባ ዝሓመመ ውላድ ፈለጡ፡፡ ስለዚ ከም መነኮሳት መሲልና ንቤቱ ብዘላ ንዝመቶ" በሉ፥ ሓሲቦም ከኣ ኣይጸንሑን ብተግባር ጀመሩ። 

ጊዜኡ ኣጋ ምሸት ነበረ፥ዓሰርተ ሰለስቲ’ኦም (13)ቲኦም ልበሰ ምንኩስና ዝኸውን ዓዲጎም፥ ከም መነኮሳት መሲሎም ናብ ቤት እዚ ተቐባሊ ጋሻ ከዱ፡፡ ናብ ቤቱ'ውን ኣተዉ፥ በዓል ቤት ብፍሕሽው ገጽ ተቐበሎም፡፡ ኣእጋሮም በብተራ ሓጸቦም፥ እኸለ ማይ ቐረበሎም። እሳቶም እንዳበልዑ ኸለዉ፥ ነቲ ሕሙም ወዱ ከኣ በቲ ዘሕጸቦም ማይ ገይሩ ወዱ ጸበል ክኾኑ ኢሉ ኣስተዮን ሓጸቦን፥ ወዱ'ውን ብሽዑ ሓወየ፡፡ በዓል ቤት ተሓጐሰ፡፡ ናብቶም ሸፋቱ ብምስትብሃል ቃል ቅዱስ ወንጌል ተሶቆሮ (ዘከረ)፥ "እቶም ደቀ መዛሙርቲ ድማ ኢየሱስ ከም ዝኣዘዞም ገበሩ፥ ገንሸል ፋሲጋውን ኣዳለዉ። ምስ መሰየ፥ ምስቶም ዓሰርተው ክልተ ደቀ መዛሙርቲ ኣብ መኣዲ ተቐመጡ።" ማቴ ፳፮፥፲፱-፳/26፥19-20, ማር ፲፬፥፲፪-፳፩/14፥12-21, ሉቃ ፳፪፥፯-፲፬ /22፥7-14, ሉቃ. ፳፪፥፳፩-፳፫/22-23, ዮሐ. ፲፫፥፳፩-፳፫/13፥21-30። 

ናብቲ እቶም ሸፋቱ ዝነበርዎ ክፍሊ ጎዩ፥ "በጃኹም እቲ ጐይታ ሠራዊት ዝኾነ መን እዩ ፧" ከምታ ንጐይታይ ኢየሱስ ብሽቶ ዝቐብኣቶ ኣነ ከኣ እግሩ ሓጺበ እየ እሞ፥ እግሩ ከንቅጾን ሽቶ ክቐብኦን ንገሩኒ!" በሎም፡፡ እሳቶም ግን "እንታይ ኢኻ እትብል ዘለኻ ፧" በልዎ። በጃኹም ኣቦታተይ! እቲ ጐይቶት ካብኻትኩም ዝፈወሰለይ መን እዩ ንገሩኒ፥ ወደይ ዘሕወየለይ ሽቶ ክቐብኦን እግሩ ክሳለሞን" በሎም። እሳቶም ግን ዝላገጽ ዘሎ መሰሎም፥ ካብቲ ካልእ ክፍሊ ነታ ዝተኣንገዱላ ክፍሊ ማዕጾ ክድፋእ ሰምዑ፥ ርእይ ተበልካስ ወዱ ነቲ በዓል ቤት ነበረ፡፡ 

ብምልኦም እቶም ሸፋቱ ረዓዱን ተንቐጥቐጡን። ብዓውታ ድምጺ ከይተረድኦም እንሓድሕዶም "ንጻድቅን ለዋህን ሰብ ኢና እባ ክንሰርቅን፡ ንዋዩ ክንምንዝዕን ዝሓሰብና" በሉ፡፡

በዓል ቤት ከኣ "እንታይ ትብሉ ኣለኹም ፧" በሎም፡፡

እቶም ሸፋቱ፥ ዝሰምዖም ኣይመሰሎምን (ማለት ብውሽጢ ልቦም ዝተዛረብዎ እዩ ዝመሰሎም)፥ በል ንሕናስ ዘረፍትን ሸፋቱን ዘይንረብሕ ሰባት ኢና፡፡ ቤትካ ዝተኣንገድናሉ ምኽንያት ከምቲ ወትሩ እንገብሮ፥ ቤትካ ዝሓዞ ሽሻይ ክንዘምት ኢና ዝመጻእና።" በልዎ።

በዓል ቤት፥ "ኣይፋልኩምን ኣቦታተይ!!! ኸምኡ ኣይትበሉ ሳላ ጸሎትኩምን ትሩፋትኩም እንዲዩ እዚ ዝተገብረ።" በሎም።

እቶም ሸፋቱ፥ "ኣይፋልካን! ንሕናስ እዚ ትብሎ ዘለኻን ኣይንፈልጦን ኢና።" 

በዓል ቤት፥ "እዚ ልብስኹምን እዚ ተኣምራትን ደኣ ብምንታይ ክገልጾ እየ ፧ ናይ መን ውዕለታ እዩ ፧ " በሎም።

ሓደ ካብቶም ሸፋቱ፥ "ኣይፋልካን! ይቕረ በለልና ንሕናስ ዘረፍትን በደለኛታትን ኢና፥ ኽቡር ማዕርግ እዚ ኣስኬማ ለቢስናዮ ዘለና ክንደይ ዓብይን ረዚዝን ምዃኑ ኣይተረድኣናን፥ ስለዚ እግዚአብሔር ማዕረ ክንደይ ኣኽብሮቱ ናይዚ ምንኩስና ናብራን (ሕይወት) ሥርዓትን ንኸርኢ'ዩ ንወድኻ ዘሕወዮ"።

እቶም ሸፋቱ እንዳተጠማመቱ፥ "እንታይ ንግበር ፧" ተበሃሉ፡፡ መልሲ ዝኸውን ሰኣኑ።

እቲ በዓል ቤት ወዱ፥ ቃል ጐይታ ነቲ በዓል መፃጒዕ "ወይቤሎ ኢየሱስ ተንሥእ ወንሣእ ዐራተከ ወሑር…ተንሥእ እሞ ዓራትካ ኣልዒልካ ኺድ" (ዮሐ. ፭፥፰/5፥8) ዝብለ ዘኪሩ "ዓራትኩም ሒዝኩም ኪዱ" በሎም።

እቶም ሸፋቱ ደንጸዎም፡ ቃላቱ ብጥረ ስለዝሓዝዎ፥ "ናይ ምንታይ ዓራት እዩ ፧ " ዝብል ዘሎ በሉ። ነቲ በዓል ቤት ኣቦ ወዱ እንታይ ከምዝብል ዘሎ ከብርሃሎም ሓተትዎ።

ወዲ እቲ በዓል ቤት ኸኣ ከምዚ በሎም፥ "ከምቲ በዓል መፃጒዕ ፴፰/38 ዓመት ተደኒሱ ዝነበረ፥ ጐይታ ኣሕውዩ "ዓራትካ ኣልዒልካ ኺድ!" ዝበሎ፥ ንስኹም'ውን ምስ እዘን ለቢስኩመን ዘለኹም ልብሰ ምንኩስና ናብ ኣቦታት መነኮሳት ኺዱ" በሎም።

በተን "ዓራትኩም ሒዝኩም ኺዱ" ዝበላ ተገረሙ፡፡

እቲ በዓል ቤት ውላድ ከምዚ ብምባል ቓሉ ዓጸወ፥ "መፈጸምታ ናይ ጐይታ ቃል እዚ'ዩ ነይሩ፥ ናሁኬ ኃወይከ ዑቅ ኢተአብስ ዳግመ ከመ ዘይአኪ እምዝ ኢይርከብከ… እንሆ ሓዊኻ ኣሎኻ፥ ካብዚ ዝገድድ ከይረኽበካስ፥ መሊስካ ኃጢኣት ኣይትግበር፡ዮሐ. ፭፥፲፬/5፥14። ስለዚ ካብዚ ዝገድድ ኃጢኣት እንታይ ኣሎ ፧  ስለዚ ነዘን ልብሲ ካባኹም ኣይትፍለይወን፥ ዅሉ ግዜ ኣብ ነብስኹም ይዅና። ተሰቑሮ ዝሓለፈ ሕይወትኩም ኣብቲ ዝመጽእ ጕዕዞኹም ክህባኹም እየን።

እቶም ሸፋቱ፥ "ነቲ ዝገበርናዮ ድፍረት ሞት እኳ ይውሕደና እዩ"፥ እንዳበሉ ምስ ነብሶም ።

ኣብታ ቤት ብምሕዳር ንንግሆ ደጊሞም ፍግም ኢሎም ይቕረታ ብምሕታትን ይቕሬታኦም ተቐቢሎምን፥ ናብ ገዳም ብምእታው፥ ንስሓ ሕይወት ኣትዮም መንኮሱ፡፡ ካብ ክልተ ሕይወት ሞት፥ ሞተ ነፍስን ፍትወት ዓለም እንዳፈጸምካ ሞተ ሥጋን ደሓኑ፡፡ ብጽኑዕ ተጋድለኦምን ትሩፋንትን ኣብታ ገዳም በዛ ቅንዕቲ እምነት ክሳዕ መወዳእታ እስትንፋሶም ተቓለሱ፡፡ 

ንሕና’ከ ካብዚ እንታይ ንመሃር ሕዝበ እግዚአብሔር ፧ እየ ዋላ እኳ እንተዘይሰረቅና፣ንይምሰል ልብሲ ምንኩስና እንተዘይለበስና፥ ነቲ ብዋጋ ደሙ ዝተሻየጠና ጐይታ መድኃኔ ዓለም ኢየሱስ ክርቶስ ትእዛዛቱ ግና ኣይሓለናን፡፡ እዚ ማለት ካብ ሽዱሽተ ቃላተ ወንጌል እዩ፡፡ ምኽንያቱ እዚአን ብምሉአን ኣብቲ ጐይታ ብዳግማይ ምጽእቱ ዝመጽኣሉ ሰዓት ዝሓተን ሕቶ እየ። ኣይሽንኳይን እዘን ጥዑማት ትእዛዛቱ ምሕላው፥ ነታ ንሕይወትና ክትጠቕመና ጐይታ ብደሙ ኣብ ከውሒ ዝመሥረታ "ወነአምን በአሐቲ ቅድስት ቤተ ክርስቲያን እንተ ላዕለ ኵሉ ጉባዔ ዘሐዋርያት… በታ ልዕሊ ኵሉ ዝኾነት ብሓንቲ ጉባኤ ቅድስቲ ቤተ ክርስትያን ንአምን" ክልና እንምስክረላ ፡ ንሥርዓት ጥምቀትና፡ ሥርዓተ ተክሊል፡ ጸሎተ ፍትሓት፡ እቲ ናይ ርእስን መወዳእንታን ሥርዓተ ጸሎትና ብጊዜ ቅዳሴ ኽቡር ደሙን ቕዱስ ሥጋኡን ዝዀነ እንፍጽመላ ቤት እግዚአብሔር ብግቡእ ክንመላለሳ እኳ ኣይኸኣልናን፡፡ ቓላት ዘማራይ ዳዊት ምርሳዕና ምስእንዝክሮ፥ ንጉሥ ዳዊት ኵሉ ዝነበሮ ንግሥነት እስራኤልን፣ ዓወት ጎልያድን ኣብ ኢዱ ኮይኑ በዓል ዓቢ ዝና’ዩ ዝነበረ ። ንሱ ግን  ከምዚ ደኣ በለ፥ " ካብ ሽሕ መዓልቲ ኣብ ካልእ፥ ሓንቲ መዓልቲ ኣብ ቤት መቕደስካ ምውዓል ይኃይሽ፥ ስለዚ ኣብ ኣባይቲ ኃጥኣን ካብ ምንባርሲ፥ ኣብ ቤት ኣምላኸይ ሓለው ደገ ምዃን ይኅሸኒ።" መዝ. ፹፫፥፲/84፥10 

ብፍላይ እዛ ምዕራፍ ፹፫/84 መዝሙር ዳዊት ብዛዕባ ናፍቖት ቤት እግዚአብሔር እያ እትነግር።

፩/1፥ "ኦ ዅሉ እትኽእል እግዚአብሔር፥ ንቤት መቕስካ ኣዝየ እየ ዝፈትዎ፡፡" ልበ ኣምላኽ ዝተሰምየ ዘማራይ ቅድስ ዳዊት ኣብ መጽሓፍ መዝሙሩ ከምዚ በለ "እስመ ቅንዐተ ቤትከ በልዓኒ፥ ትዕይርቶሙ ለእለ ይትዔየሩከ ወድቀ ላዕሌየ፥ ወቀፃዕክዋ በጾም ለነብስየ። …… ንቤትኻ ዘሎኒ ቕንኢ ኸም ሓዊ የንድደኒ ኣሎ፥ ጸርፊ እቶም ዚጸርፉኻውን ኣባይ ወደቐ፡፡ እናበኼኹ ንነብሰይ ብጾም ኣሕሰምክዋ፡፡" መዝ. ፷፰፥ ፱-፲ / 69፥ 9-10

፪/2፥ ኣብ ዓፀድ መቕደስካ፥ ኦ እግዚአብሔር፥ ክኣቱ ሃረር እብል ኣለኹ።" ስለዚ ንሕናስ’ኸ እንታይ እዩ ሃረርታና ፧ ከመይ ዝበለ ሃረርታ’ዩ ዘለና ፍትወት እግዚ አብሒር ድዩ ወይስ ፍትወት ዓለም ኣለና ዲዩ ፧ ሃረርታ ናይ ወዲ ሰብ ኣዝዩ ብዙኅ እዩ። ግና ናይ እግዚአብሔር ቤተ መቕደስ ኣብ ኵሉ ኣእምሮ ወዲ ሰብ ዝስቘር እዩ። ልባዊ ሃረርታ ቅድስቲ ቤቱ እንተ ኣልዩና እግዚአብሔር ቀረባና እዩ ። ብሓሳብና ዘይኮነ ብሓሳብ እግዚአብሔር ጀሚርና ንውድእ።  ብሓሳብና ንብል እንተ ኮይና ግና ሓሳብ ጥራሕ ኮይኑ ይተርፍ፥ ነዚ’ዩ ከኣ ዅሉ እንገብሮ ብሥምረት እግዚአብሔር ምዃኑ ብዙሕ ግዜ ንርስዖ ። ብዘይ እግዚአብሔር ሓንቲ እኳ ክንገብር ኣይንኽእልን ኢና። ነዚ ክነግር ከሎ ዘማራይ ንጉሥ ዳዊት ኣብታ 1ይቲ ፍቕዲ " ኦ ዅሉ እትኽእል እግዚአብሔር" እዩ ዝበለ፡፡ ስለዚ ሰብ ይሓስብ እግዚአብሔር ይፍጽም ሰሚዕኻ ኣለኻ እዚ እኳ እንተኾነ ናይ ኣብርሃም ጕዕዞ ትፈልጥ ኢኻ፥ ምጽዋዑ ሰሚዑ ስቅ ኣይበለን፥ ካብ ቤት ኣቡኡን ሥድራኡን እዩ ዝወጸ በዚ ድማ ቤተ ክርስቲያን "አብርሃም ተአመነ በእግዚአብሔር። አብርሃም ተአመነ…ኣብርሃም ብእግዚአብሔር ኣመነ" ኢላ እትዝምር ኣሚኑ ኢላ ጥራይ ደው ኣይበለትን "ወጽአ እምድረ ካራን ወቦአ ብሔረ ከነዓን…ካብ ምድሪ ካራን ወጸ፥ ናይ ምድሪ ከነኣን ኣተወ/ኸደ" እትብል ዘፍ. ፲፪፥፩-፭/12፥1-5, ማኅሌት ፯ ዘወርኃ ሐምለ /ብዕለት 7 ሓምለ ዝዝየም ማኅሌትን መዝሙርን/። 

ቅዱሳን ኣቦታት ክምስሉ እንታይ እዮም ዝብሉ "ሰብ ካብ ሃገሩ ክስደድ ይኽእል እዩ፡ ካብ ቤተ ክርስቲያን እንተተፈልየ ግን ጥፍኣት እዩ።" ስለዚ በብዘለናዮ ኣኃትን ኣኃዋትን እግዚአብሔር ብጾምና ክሰምዓና ናብ ኣፀደ ቤቱ ንምጻእ፥ ኣብኡ እዩ ዘሎ ሰላም፡፡ 

ስለዚ እግዚአብሔር ኣምላኽና ኣብ ዘዳለወልና ሰማያዊት መቕደሱ ምስ ቅዱሳን ንዘለዓለም እናኣመስገንናዮ ምእንቲ ክንነብር፡ ሎሚ ኣብ ምድሪ ንዝተዋህበትና ቤተ ክርስቲያን (ቤተ መቕደስ) እናኣኽበርና፡ ናብኣ ክንኣቱ ከሎና “እመቦ ነኪር እምትእዛዙ ለኢየሱስ ይትከላዕ. . . ነጽሩ ነፍሰክሙ፡ ወአንጽሑ ነፍስተክሙ/ ጐይታ ካብ ዝኣዛዞ ትእዛዝ ዝወፅአ እንተሎ ይከልከል . . . ነፍስኹም መርምሩ፡ ሰብነትኩም ኣንጽሑ” ንዝተባህለ ቃል ብምስትውዓል ናብ ቤተ ክርስቲያን ንመላለስን ንፍለጣን። (ቅዳሴ እግዚእ)

ብሂለ ቅዱሳን አበው

1. "ሰብ ብሕይወት ዘመኑ ዝተቀደሰ ሥራሕ ክሠርሕ እምበር፥ ትም ኢሉ እንዳበልዐ እንዳሰተየን ዘመኑ ከሕልፎ እግዚኣብሔር ኣይፈጠሮን።" 
ኣባ እንየው

2. "መንፈሳዊ ሕይወት ኩሉ ግዜ ምስ ዕብየት ዝተሓሓዘ ስለዝዀነ፡ ካብ ፍጹምነት ናብ ኣዝዩ ፍጹም እንሰጋገረሉ እዩ።" 
ኣባ ሽኖዳ

3. "ኣብ’ዚ ዓለም ከለና ጽቡቕ ፍረ ዘለዎ ኣዝመራ ነፍሪ።" 
ቅዱስ ዮሓንስ ኣፈወርቅ 

4. "ኣብ ውሽጢ መንፈሳዊ መንገዲ ዝግ ኢልካ ኣይትጎዓዝ፡ ኣብ ጎደና ብትርእዮም ነገራት ኣይትማረኽ፡ ደው ኣይትበል ጸላእትካ ይዅን ፈተውትካ ከሰናክሉኻ ኣይትፍቐደሎም።"
* ኣቡነ ሽኖዳ 

5. "እምበኣር ብዛዕባ መጻኢ ሕይወት እንዳተጨነቕና ዘይኰነስ፣ ነቲ ዝተማሃርናዮ ብግቡእ እንዳተግበርና፣ ንቅድስና ዝበቅዕ ናብራ ንንበር።" 
ቅዱስ ባሲልዮስ ዘቂሳርያ

"ጾምናን ጸሎትና ይቕበለልና፥ ንዕኡ ዝበቅዕ ይዅነልና፡፡"

"ስብሐት ወክብር ወስግደት ለሥሉስ ቅዱስ ይደሉ……ንሥሉስ ቅዱስ ምስጋና፥ ኽብርን ስግደትን ይግባእ።"

"ነቶም ቃል ኣምላኽ ዝሰበክልኩም መራሕቲኹም ዘክርዎም፡፡ ከመይ ኢሎም ከም ዝነበሩን ከም ዝሞቱን ኣስተውዒልኩም ኣሰር ኣሰር እምነቶም ስዓቡ።" ዕብ ፲፫፥፯/13፥7

ምንጪ= መጽሓፍ ስንክሳር
ዲ. ማቴዎስ ክንፉ
፬/4ይ መፃጉዕ ዘዓብይ ጾም

፰ መጋቢት ፳፻፲ ዓመተ ምሕረት (03/ 14/ 2018 ብፈረንጂ)

ስብሐት ለእግዚአብሔር፥ ወለወላዲቱ ድንግል፥ ወለመስቀሉ ክቡር አሜን።

Comments are closed.