መን ኮን ይኸውንⵗ

በስመ አብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ አሓዱ አምላክ

“መን ኮን ይኸውን”

ኣብታ ኮፍ ኢልዋ ዝነበረ እግሪ ገረብ፡ ውዒሉ እንተ ዝሓድር እኳ ኣይምጸልአን። እታ ገረብ ተተንፍሶ ጥዑም ንፋስ እናስተማቐረ በጥ ክብል ተመነየ። ግዳ ነዊሕ ጉዕዞ ይጽበዮ ነበረ'ሞ፡ መሬት ቅድሚ ምዕራቡ ናብቲ ዝተበገሰሉ ቦታ ኪበጽሕ ስለ ዘለዎ፡ ካብታ ዘይትምኖ ጽላል ፡ናይታ ገረብ ሓፍ ክብል ተገደደ። ሳንጥኡ ተሰኪሙ ክኸይድ ብግስ ምስ በለ፡ ኣብ ቅኑዕ ኣንፈት ኣሎን የለን ንምርግጋጽ የማነ ጸጋሙ ግልጽልጽ በለ። ነድሪ ጸሓይ ካብቲ ዝውዓለቶ ኣዚዩ ዝበርትዐ ኮይኑ ተሰምዖ። ኣንፈቱ ድሕሪ ምልላይ ገጹ ኣማዕቲቡ “ መን ኮን ይኸዉን “ እና በለ  መንገዱ ከም መጽዓን ክጥቕለለሉ እናተመነየ ጉዕዞኡ ቀጸለ። እቲ ውረድ ደይብ ዝበዝሖ መንገዲ፡ ነብራኹ ረዝረዝ ኣቢሉ ኣዳኸመን። ናይ ዘለዎ ሓይሉ ኣኻኺቡ ስኑ ነኺሱ ጉዕዞኡ ንኽቕጽል እኳ እንተ ወሰነ፡ ብልቡ ግና “እምበር'ዶ ኪኣቱ ኢየ” ዝብል ስክፍታ ዓቢ ሻቕሎት ፈጠረሉ። ካብ መንበስበስታኡ ዝነዝዐ ረሃጽ ብክልተ ማዓጉርቱ  ወረር ኢሉ ብምውራድ ናብ መሬት ጥብ…….ጥብ……በለ። ጽምኢ ማይ ስለ ዝበርትዖ፡ ነታ ኣብ ጸጋማይ ጎድኒ ናይ ቦርስኡ ቀርቂርዋ ዝነበረ ናይ ማይ ጎማ፡ ኢዱ ሰዲዱ ሰሓባ። እታ ጎማ ሒዛተን ዝነበረት ቁራቦ ማይ ኣተኲሩ እናጠመተ፡ ዝርካበን እንተ ደኣ ኣቃቢጽወን፡ ተመሊሱ ማይ ዝረኽበሉ ቦታ ካብቲ ዘለዎ  ቀረባ ኪኸውን ከም ዘይክእል ስለ ዝገመተ፡ ምስናይ ህርፋኑ፡ ንግዚኡ ዓቕሊ ክገብር ከም ዘለዎ ንነብሱ ብምእማን ካባ መተሓዚ ማይ ገለ ከይለኸፈ ነታ ጎማ ናይ ማይ ናብ ቦታኣ መለሳ።

ብንያም ቅድሚ ሣልስቲ ኣቢሉ ይኸውን ንዘጋጠሞ፡ ንመንፈሱ ዝተፈታተነ ፍጻሜ፡ ኣብ ኣእምሮኡ እናሰላሰለ ጉዕዞኡ ቐጸለ። ነተን ቅድሚኡ ዝነበራ ክልተ መዓልታት ምስ ዘከረ ነብሱ እሾኽ ዝተተፍኦ ኮይኑ ተሰመዖሞ እሞ፡ “በስመ ኣብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ አሐዱ አምላክ፡ ኦ ጐይታ ኣብ ፈተና ኣይተእትወኒ” ብምባል እንቅዓ ኣስተንፈሰ። ብኸምዚ ኩነታት ኣብ ዓሚቕ ሓሳባት ተሸሚሙ ከይተረድኦ ነዊሕ ሰዓታት ተጓዕዘ። ጉዕዞ ድልያ ሰላም!!!!!!!!

ድሕሪ ናይ ብዙኅ  ሰዓታት ጉዕዞ፡ ዝነበሮ ሓይሉ ኩሉ ተጸንቂቑ፡ ምስጓም እኳ እንተሰኣነ፡ ዝስቀሎ ዓቐብ ግና ድሮ ኣፋሪቕዋስ ናብ ምዝዛሙ ገጹ ስለ ዝነበረ፡ ዋላ እናንፋሓዀ፡ ስኑ ነኺሱ ኣብ ዝባን ክድይብ እሞ ኣብኡ ኮይኑ ቁሩብ ትንፋስ ክመልስ ወሰነ። ኡፍፍፍ….. ኣዕምሚቑ ድሕሪ ምስትንፋስ፡ ሓይሉ ኣኻኺቡ ስጉምቱ ከቕልጥፍ ጀመረ። ፍርቂ ሰዓት ዝወሰደ ዓቕልኻ ዘጸንቅቕ ዓቐብ ምስ ደየበ ኣብ ዝባን እቲ ጎቦ ሰለ ዝበጽሐ፡ ከም መደቡ ንኸዕርፍ፡ ዝባኑ ዘውድቕሉ ጥጥሕ ዝበለ ቦታ ከናዲ ጀመረ። እንተኾነ ምቹእ መዕረፊ ኣብ ቅድሚኡ ክረክብ ስለ ዘይከኣለ፡ ዝሓሸ ኣማራጺ እንተ ረኸብኩ ብምባል ንቕድሚኡ ቁሩብ ስጉምቲታት ወሰኸ። ካብ ምሒር ድኻም ክሳዱ ኣድኒኒ ክስጉም ድሕሪ ምጽናሕ፡ ከባቢኡ ንምምዕዳው ቅንዕ በለ'ሞ ሃንደበት ንድኻሙ ዘረስዕ፡ ንውሽጡ ብተስፋ ዝመልእ ምስሊ ኣብ ደረት ትርኢቱ ኩድም በለ። ክኣምን ኣይከኣለን። ድኻሙ ንእለት ዝርዝር ኢሉ ክጠፍእ እንከሎ ተረድኦ። ሓይሉ ተጸንቂቑ ነዛ ምስጓም'ኳ ስኢኑ ከም ዘይጸንሐ፡ ነቲ ናይ መወዳእታ ዕላማ ጌሩ ዝተበገሰሉ ቦታ በዒንቱ ከቋምቶ ምስ በቕዐ ሓይሉ ከም ንስሪ ተሓዲሱ ከዕርፍ  ከይበለ ጉዕዞኡ ንምቕጻል ተደናደነ። እቲ ብዕላል ጥራይ ዝፈልጦ'ሞ ብሓበሬታ ጥራይ ተሰኒዩ ዝተጓዕዞ ቦታ፡ መንገዲ ከይሰሓተ ብትኽክል ኣብቲ ዝደለዮ ክበጽሕ ምኽኣሉ ኣዚዩ ኣሓጎሶ። “ተመስገን ኣምላኸይ፡ ኩሉ ካባኻ'ዩ፡ ከምቲ ንዓይ ትገብረለይ'ሲ ንኹሉ ይኹን” ብልቡ ምስጋንኡ ኣዕረገ።

ነታ ብስእሊ ጥራይ ዝፈልጣ፡ ካብ ታሕቲ ተበጊሳ እናቐጠነት እትኸይድ፡ ኣብ ጥርዚ ከም ቅርጺ ሰይፊ ዝምብልሓ እምባ ብኣድናቖት ተዓዘባ። ነቲ ወሓለ ጸራቢ ዝቐረጾ ዝመስል ግሩም ተፈጥሮኣዊ ኣቀማምጣኣ ርእዩ ክጸግቦ ኣይከኣለን።  “ኣየ ቅዱሳን ኣበው” ንበይኑ ኣሕሾኽሸኸ። “ንፍትወት ንዓለምን  መኒኖም፡ ኣብዚ ህልም ዝብለ በረኻ ክነብሩስ፡ ከመይ ዝበልዎ ጸጋ ኮን'ዩⵗ መዓቀኒ ዘይብሉ ጸጋ” ባዕሉ ደምደሞ። ቢንያም መንፈሳዊ  ድኽመት ዝመንቀሊኡ፡ ንውሽጡ ዝርብሽ ፍጻሜ ምስ ኣጋጠሞ'ዩ፡ ካብቲ ዝቅመጠሉ  ከተማ ብድድ ኢሉ፡ ንግዝይኡ ካብ ጫውጫውታን ዕግርግርን ክውል ዝብለሉ ቦታ ንምንዳይ ዝወሰነ። ቦታ ካብ ምቕያር፡ ውሽጥኻን ኣተሓሳስባኻን ምቕያር እቲ ዝበለጸ ኣማራጺ ምዃኑ እኳ እንተ ተረድኦ፡ ንግዚኡ ግና መንፈሱ ህድእ ዝብለሉ ቦታ የድልዮ ነበረ። ስለዚ'ዩ ከኣ ናብቲ ቅድሚ ሽዑ ከይድዎ ዘይፈልጥ፡ የግዳስ ብጽሑፍን ብዕላልን ጽቡቕ ጌሩ ዝተላለዮ፡ ወትሩ ንኽበጽሖ ሃረር ዝብሎ ሰፈር ጽድቅን ቅድስናን ቦታ፡ ሰላምን ህድኣትን፡ ብሕዱእ መንፈስ ዓቢይ ምስጢር ዝንገረሉ፡ካብ ከውሒ መዓርን ጽባን ዘፈልፍሉ፡ ከም ነቢይ ሙሴ ጻዕዳ ስርናይ መና ካብ ሰማያት ዘርገፈ ከምኡዉን ብጸሎቶም  መና ዘውርዱ ቅዱስ ኣቦ ዝተመስረተ፡ ብደም ናይቶም ትሽዓተ ሚእትን ተስዓን ትሽዓተን ብዘይካ እምነቶም ካልእ ኣበር ዘይነበሮም ቅዱሳን ሰማዕት ዝዓንበበ ገዳም አቡነ እንድርያስ ሰፍኣ ኪኸይድ ዝወሰነ።

ቢንያም ካብ ተመስጦኡ ተመሊሱ ወኑ ምስ ፈለጠ፡ ጸሓይ ሰፈራ ሒዛ ፡ መሬት ድሮ ዓይኒ ክሕዝ ጀሚሩ ነበረ። እምብዛ ጸልሚቱ ንምርኣይ ከየሸግሮ እሞ ናብቲ ገዳም ንምብጻሕ ብጸላም ደርገፍገፍ ከይብል ስለ ዝሰግአ፡ ቦርስኡ ብምልዓል ተሪፍዎ ዝነበረ መንገዲ ዛዚሙ ናብ ውሽጢ እቲ ገዳም ንምብጻሕ ሓይሉ ኣኻኺቡ ተብተብ ክብል ጀመረ።

ሰዓት ሕላፍ ዕራርቦ፡ ኣሽንኳዮ’ዶ ሰብ ፡ እንስሳታት'ኳ ሰፈሮም ኣብ ዝሓዝሉ ሰዓት፡ ደርገፍገፍ ዝብል ናይ ሰብ እግሪ ርጋጽ፡ ካብ ርሑቕ ናብኦም እናቐረበ ክመጽእ ብዘስተብሃሉ፥ “መን ደኣ ኢዩ እዋን ዘይብሉ ዝንቀሳቐስ” በሉ። ኣብታ ፍርቂ ክፋላ በዓቲ ኮይና፡ ብወገን ቅድሚት ኣእማን ኳንዮም ዝጋረድዋ ብዓቶም ኮይኖም፡ ንግዜ ጸሎት ክትሕግዞም ኣብሪሆማ ዝነበሩ ፋኑስ፡ ካብቲ ተሰቒላቶ ዝነበረት ኩርናዕ ስሕብ ኣቢሎም ብምውራድ፡ ናብቲ ካብ ናይ ዘይቲ ታኒካታት ኣኪቦም ምቕጥቓጥ ዝሰርሕዎ ማዕጾ ናይ በዓቶም ገጾም ቅርብ በሉ። ካብ ሰሜን ዝነፈሰ ንፋስ ብቐዳዳት ናይቲ ብኸምኡ ዝተዃነየ መንደቕ ሰሊኹ ብምእታው፡ ነታ ኣብ ኢዶም ሒዞማ ዝነበሩ ፋኑስ ጭልምልም ኣበላ። ከይትጠፍኦም ስለ ዝሰግኡ፡ ብየማናይ ኢዶም ነታ ፋኑስ ጨቢጦም፡ ብጸጋማይ ግናዕ ገይሮም ነታ ጭልምልም ትብል ዝነበረት ብርሃን ካብ ንፋስ ተኻላኸሉላ። እቲ ኣቐዲሞም ዝሰምዕዎ ደርጓዕጓዕ ናይ ኣግሪ፡ ናብኦም ኣዚዩ ምስ ቐረበ፤ “ሕሕሕ…….” ኢሎም ህልውንኦም ድሕሪ ምሕባር፥ “መን ደኣ ኢኻ እዋን ዘይብሉ ትዛወር” በሉ። ዝመለሰ ሰብ ኣይነበረን። እቲ ድምጺ ርጋጽ እግሪ ግና መመሊሱ ናብኦም እናቕረበ ክመጽእ ኣስተብሃሉ። ሃንደበት ከኣ ብሸነኽ እታ ካብ ቤተክርስቲያን ናብታ ንሶም ዘዕርፉላ በዓቲ እትወስድ ቀጣን መንገዲ ኣቢሉ፡ ቦርሳ ዝተሰከመ ሰብ ናብ በዓቶም ገጹ ክወርድ እንከሎ፡ ብሃሳስ ብርሃን ናይታ ገና ምሉእ ብምሉእ ዘይተቐልቀለት ውልዶ ወርሒ ተሓጊዞም ረኣይዎ። ጋሻ ምዃኑ ካብ ኩነታቱ ምስ ተገንዘቡ፡ ንእለት እቲ “ጋሻ ኮይነ ዝተቐበልኩምኒ” ዝብል ቃል ወንጌል ስለ ዝዘከሩ፡ ልዳት ኣፍደግኦም ሰጊሮም ንግዳም ተቐልቀሉ። ብዕድመ ምድፋእን ከቢድ ናብራ ገዳምን ዘጎበጦ ሕቖኦም ከይኣገሞም፡ ናብ ደረት እቲ መንገዲ ብምውራድ እቲ ጋሻ ኣብ ጥቅኦም ክሳብ  ዝበጽሕ ተጸበይዎ።

ቢንያም ናብ ውሽጢ እቲ ገዳም ክኣቱ ከሎ፡ ድሮ መሬት ጸልሚቱ፡ ኩሎም ገዳማውያን በብዓቶም ሒዞም፡ ጥር ዝብል ሰብ ዘይብሉ ጭውጭው ክብል ኢዩ ዝጸንሖ። ናብታ ብስም ኣቡነ እንድርያስ ዝተቐርጸ ታቦት ዓሪፉላ ዝርከብ ዝበዝሕ ክፋላ ብዓቢ ከውሒ ዝተኸበበት መቕደስ ኣቡነ እንድርያስ ከይዱ “ሰላም ለኪ ቅድስት ቤተ ክርስቲያን” ኢሉ ተሳሊሙ ምስ ኣዕረገ ፡ ዝኾነ ሰብ እንተ ረኸብኩ ኢሉ፡ በታ ካብ መሳልል ናይቲ ቤተ ክርስቲያን ምስ ወረድካ መጀመርያ እትርከብ፡ ናብቲ ቀንዲ ውሽጢ ገዳም እተእቱ ቀጣን መንገዲ ሒዙ እናወረደ ከሎ ፡ምስዞም ኣቦ ጎፍ ዝተበሃሃለ። “ኣባታችን ከመይ ኣምሲኹም” ኢዶም ክሳለም ድንን በለ። “እግዚኣብሔር ይመስገን ብሩኽ ወደይ፡ ብምሕረቱ ደሓን ኣለኹ” ብምባል ነታ ካብ ነብሶም ዘይፈልይዋ፡ ኣብ ማህደር ጌሮም ዘንጠልጥልዋ ዳዊቶም ስሒቦም ኣሳለምዎ። “እዚ ወደይ ብሩኽ”

“ኣቤት ኣባታችን”

“ጋሻ ኢኻ ትመስል እሞ፡ ነዓ ኣብዛ በዓተይ ኣዕርፍ ኣብል፡ ንግዚኡ ኢኻ፡ ኣነ ድኹም ባርያ ካብታ በረኸትካ ክካፈል ብሂገ ደኣ ኢየ'ምበር፡ ደሓርሲ ኣብቲ መቐበሊ ኣጋዪሽ ክወስደካ ኢየ” ግልጽ ኢሎም ብዓይኒ ምሕጽንታ ጠመትዎ። ቢምያም እንታይ ከም ዝምልሰሎም  ኪፈልጥ ኣይከኣለን። ምሒር ትሕትና ናይቶም ኣቦ፡ ልሳኑ ዝኾነ ቃል ከይተውጽእ ዓጊቱ ሓዛ። ዝብሎ ጠፊእዎ ዕውንውን ክብል ዘስተብሃሉሉ ኣቦ “ንዓ ዝወደይ፡ ሃባ እቲ ሰኸምካ ኣውርዶ ብርክኻ ስብር ኣብል” ብምባል ተሰኪምዎ ዝነበረ ቦርሳ ክቕበልዎ ኢዶም ሰደዱ። “ኣባታችን ደሓን ባዕለይ ክሕዞ ኢየ፡ እንታይ ገበርኩም ንስኹም” ቢንያም ቦርስኡ ምሃብ ሓንገደ። “ግዲ'ብልካን ወደይ ሃብሮም፡ ሃባ ደኣ ጋሻ እንዲኻ፡ ኣነ ኸኣ ጻማ እንተኾነኒ” ኣባ ተሰኪምዎ ዝነበረ ቦርሳ ካብ ዝባኑ ተቐቢሎም ድፍእ እናበሉ ናብ በዓቶም ቀቅድሚኡ ኣምርሑ። ቢንያም ዝብሎን ዝገብሮን ጠፊእዎ ተዓኒዱ ተረፈ። ሕይወት ናይቶም ኣቦ፡ ብሓንቲ መነጽር ቅድስና ናይዞም ኣቦ ምስ ሕይወቱ ከዛምዶ ሑኽ በለ። ብፍጹም ክራኸቡ ዘይክእሉ ክልተ ገጻት ናይ ሓንቲ ሳንቲም ኮኖ።፡ ካብ ፍረ ዘይብሉ ናይ ኣእምሮ ነውጺ ንላዕሊ ዝረኸቦ ፍታሕ ኣይነበረን። ነቶም ኣቦ ተኸቲሉ ናብቲ በዓቲ ኣተወ'ሞ ነቲ ካብ ዝባኑ ተቐቢሎም ተሰኪሞሞ ዝነበሩ ቦርሳኡ ክቕበሎ ኢዱ ወስ ኣበለ። “ኣይፋልካን ዝወደይ፡ ንበር ደኣ፡ ኮፍ በል ኣዕርፍ ኣይ መንገደኛ እንዲኻ” ብምባል እቶም ኣቦ ነታ ቦርሳ ካብ ዝባኖም ኣውሪዶም፡ ናብታ ካብ ቆርበት ብዕራይ ብዝለፍዐ ማእሲ ኣወቂቦማ ዝነበሩ ንእዶም መርሕዎ። “ንዓኒ ዝወደይ በዚኣ ኮፍ በል፡ መጻኹ” ተወንዚፎማ ዝነበሩ ብጫ ዝሕብራ ጋቢ ካብ ዝባኖም ገፊፎም  ናብ ሓደ ጸግዒ ድርብይ ኣቢሎማ ናብ ግዳም ግጾም ኣቕንዑ።

ቢንያም ነታ በዓቲ ብዓይኑ ኮለላ። ብሸነኽ የማን ናይታ ኮፍ ኢልዋ ዝነበረ ንእዲ፡ ብርኽ ኢላ ኣብ መንደቕ ዝተሰቕለት፡ ምስ ምንዋሕ ግዜ ዝተመናንሀት ስእለ ኣድኅኖ ናይ ቅድስት ድንግል ማርያም ምስ ፍቑር ወዳ ምስ ተዓዘበ  እቶም ኣቦ ኣብታ በዓቲ ንነዊሕ እዋን ከም ዝተቐመጡ ክርድኦ  ኣይተጸገመን። ኣብ ወገን ትርኣስ ናይታ ንእዲ ተደርዲሮም ዝነበሩ ጥንታውያን ናይ ብራና መጻሕፍቲ ሓደ ብሓደ ኣተኲሩ ተመልከቶም። እዞም ኣቦ ካብቶም ንነዊሕ እዋን ኣብዚ ገዳም ዝተቐመጡ ኣቦታት ክኾኑ ኣለዎም” ብምባል ብውሽጡ ሓሰበ። እታ በዓቲ ዓቂባቶም ዝነበሩ ዝተፈላለዩ ጥንታውያን ንብረታት እናቋመተ ሓሳባቱ ከሰላስል ድሕሪ ምጽናሕ፡ ገልጠም ዝብል ድምጺ ሰሚዑ ናብ ልዳት እታ በዓቲ ገጹ ግልጽ በለ። እቶም ኣቦ ማይ ዝመልአ ሸሓኒ ሒዞም ድንን ኢሎም ናብታ በዓቲ ኣተዉ። ቢንያም እንታይ ከም ዝደለዩ ቀልጢፉ ስለ ዝተረድአ ካብ ኮፍ ኢልዎ ዝነበረ ብድድ ኢሉ “ኣባታችን ደሓን ኣብ ደገ ኮይነ ክሕጸብ” ነቲ ሸሓኒ ክቕበሎም ኢዱ ሰደደ። “ኣይፋልካን ወደይ ብሩኽ፡ ዘይከምኡ፡ ቅዱስ ልማድ ኣበዉ ክፍጸም ፡ ኮፍ ደኣ በል” ነቲ ሒዞሞ ዝነበሩ ሸሓኒ ቀስ ኢሎም ኣብ መሬት ኣንበርዎ።፡ ብጉልበቶም ኣብ መሬት ተምበርኪኾም እጅገኦም ክስብስቡ ጀመሩ። ቢንያም ዝገብሮ ጠፊእዎ ድንግርግር በለ። “ኣ……ባ…..” “ኮፍ በል ዝወደይ ግዲ'ብልካን፡ ጋሻ ክቡር ኢዩ። ደሓር ከኣ ጋሻ ምኽባር ዘይ ንነብስኻ ኢዩ።” “ኣባ በጃኹም ኣነ ባዕለይ ክሕጸብ ኢየ፡ ከመይ'ሉ'ሞ ንስኹም ተምበርኪኽኩም እግረይ ክትሓጽቡኒ ነብሰይ ክገብረለይ ኣይከኣለን፡ በጃኹም ኣባ” ቢንያም ሓውሲ ልመና ጌሩ ተዛረቦም። “ብምሴተ ሐሙስ ዝተገብረዶ ኣየስተብሃልካን ኢኻ ወደይ ብሩኽ” ኣባ ድምጾም ኣዕትብ ኣበልዎ። “ኣነ ድኹም ባርያ ግዳ ክንደይ ኣብሊጸ ኸምኡ ኪገብር ዘይግበኣኒ። ጐይታ'ኳ………..” ዘረብኦም ኣይወድእዎን፡ ግልጽ ኢሎም ዓይኒ ዓይኑ ጠመትዎ። ቢንያም ልዕሊ ቃላቶም፡ እቲ ኣብ ገጾም ዝንበብ ዝነበረ ናይ ፍቐደለይ ምሕጽንታ ስለ ዝኸበዶ ከይፈተወ እግሩ ክሰድድ ተገደደ።

ኣባ እግሪ ቢንያም ዝሓጸቡሉ ማይ፡ ኣብ ኣፍደገ በዓቶም ዘላ ገረብ ደፊኦም ምስ ተመልሱ፡ ኣብ ሸሓኒ ጌሮም ከዲኖሞ ዝነበሩ መግቢ ክበልዕ ኣቕረቡሉ። በሊዑ ምስ ወድአ፡ ኣብታ ኮፍ ኢልዋ ዘምሰየ ንእዲ ንኸዕርፍ ኣደቅስዎ'ሞ ድቃስ ክትከልኦ ኢያ ኢሎም ብምሕሳብ ነታ ፋኑስ ኡፍ ኢሎም ኣጥፍእዋ። ቢንያም ምስ ዝነበሮ ክቱር ድኻም፡ ድቃስ ሒዝዎ ዕዝር ክብል እኳ እንተተመነየ፡ ምሉእ ምሸት ክሪኦ ዘምሰየ ፍጻሜ ግና ድቃስ ክህቦ ኣይከኣለን። እታ ከም ኣምር ብቓላት ጥራይ ዝፈልጣ ትሕትና፡ ህያው ኮይና ኣብ ቅድሚኡ ክትመላለስ ክዕዘብ ብምምሳዩ ንህይወቱ ክፍትሻ ተገደደ። ብኸምዚ ኣብ ዕሚቕ ሓሳባት ጥሒሉ ነዊሕ ምስ ኣዕለበጠ፡ ድኻም ኣሰኒፍዎ ኣብ ህልም ዝበለ ድቃስ ኣተወ።

ቢንያም ኣብ ገዳም ኣቡነ እንድርያስ ካብ ዝኣቱ ሳልስቲ ኣሕለፈ። እቲ ካብ ንቡር ኣነባብራን ኣተሓሳስባን ዓለም ውጽእ ዝበለ፡ናብራ መላእክት ክትብሎ ዘድፍር፡ ብምስጋናን ጸሎትን ዝተዓብለለ ናብራ ገዳም፡ ከም ትምኒቱ ነቲ ነእምሮኡ በጽቢጽዎ ዝቐነየ ሓሳባት ካብ ውሽጡ ግሒጡ ብምውጻእ፡ ፍስሃን ሰላምን ከም ዝዓስሎ ገበሮ። ኣንጊሆም ንጸሎት ኪዳን ዝግስግሱ ኣበው መንኮሳት፡ ከምኡ'ውን ጥሪት ናይቲ ገዳም ሒዞም ጸሓይ ከይመረረት ብኣጋ ንበረኻ ዝወፍሩ ትጉሃት ተማሃሮ እንክርኢ ነቲ ብትህኪት ዝተባዕጠ ናብራ ከተማ ዘኪሩ ኣመና ተገረመ።ስለዚ ከኣ እተን ኣብቲ ገዳም ክቅንየለን ዝመደበን ሰለስተ መዓልቲ ተርትአን ሓልየን ብተርታ እኳ እንተ ሓለፋ፡ በቲ ኣብቲ ገዳም ዘጋጠሞ ንመንፈስ ዝጸገነ ሃዋህው ተደሪኹ ግና ንተወሳኺ ሰለስተ መዓልታት ኣብቲ ገዳም ክቕኒ ወሰነ። ኣብ ስርሑን መደባቱን ዘስዕበሉ ምምዝባላት እኳ እንተ ተሰወጦ፡ ነቲ ዓሲልዎ ዝቐነየ ሰላም ጎስዩ ግና ናብ ናብራ ቀደሙ ክምለስ ነብሱ ምግባር ኣበዮ። ኩሉ ኣብቲ ገዳም ዝፍጸም ነገራት ንቢንያም ድንቂ ትእምርቲ ኢዩ ዝነበረ። እቶም ዘተቀበልዎ ኣቦ  ታሪኽ ምምስራት ገዳም ኣቡነ እንድርያስ ኣብ መበል 13 ክፍለ ዘመን፡ ከምኡ'ውን ቅድስና ናይ ኣቡነ እንድርያስ፡ ካብቲ ኣብ ኣእምሮኡ እናንሳፈፈ ንሕልንኡ ዝበሓቶ ነገር ኢዩ። ተመሃሮ ናይቲ ገዳም ኣብ ኣእማን ኮፍ ኢሎም ንመምህሮም ከቢቦም ያሬዳዊ ዜማን ግእዛዊ ኣናብባን እንክመሃሩ ዝፈጥርዎ ፍሉይ ሕብራዊ ቅኒት፡ ኣብ ኣጋ ዕራርቦ ኣብ ርእሲ'ቲ ገዘፍቲ ኣኻውሕ ኣሳፊሑ ከስተማቕሮ እንከሎ፡ ካብ ምድሪ ልዕል ኢሉ፡ ኣብ ሰፈር መልኣኽቲ እምበር ኣብታ ንሱ ዝፈልጣ ዓለም ዘሎ ኮይኑ ይስምዖ ኣይነበረን። ብኸምዚ ኸኣ እተን ተወሳኺ ክቕንየን ዝወሰነ መዓልታት'ውን ብግዲአን፡ ንዕኡ ብዝገረሞ ፍጥነት ተዓዝራ። ድሮ እታ ናብ ዓዱ ክምለሰላ ዝወሰነ ምዓልቲ፡ ኣብ ኣጋ ወጋሕታ፡ ኣብ ቤተክርስቲያን ጸሎተ ኪዳን ድሕሪ ምዝዛሙ፡ ንበይኑ ብሕት ኢሉ ኮፍ ኢሉ፡ ኣብቲ ገዳም ዝሕለፈን መዓልታት ከመይ ከም ዝነበራ ክግምግም ጀመረ። ብኹሉ መለክዒታት ከኣ፡ ናብቲ ገዳም ናይ ምምጻእ ውሳኔኡ፡ ቅኑዕ ጥራይ ዘይኮነ ብሉጽ ውሳኔ ምንባሩ'ውን ደምደመ።ካብቲ ኮፍ ኢልዎ ዝነበረ ብድድ ኢሉ፡ በታ ቐጣን መንገዲ ኣቢሉ ናብ ውሽጥ 'ቲ ገዳም ንምኻድ ተበገሰ።ከም ወትሩ፡ እቶም መጀመርያ ናብቲ ገዳም ምስ መጸ ዝተቐበልዎ ኣቦ፡ ኣብ ኣፍደገ በዓቶም፡ ዕብይ ዝበለ ብራና ሒዞም ኮፍ ኢሎም ጸንሕዎ። “ከመይ ሓዲርኩም ኣባታችን” “እግዚአብሔር ይመስገን ወደይ ብሩኽ” ድምጾም ትኽክል ኣይነበረን። ኣብ ቃንኦም ዝኾነ ዘሕነቕንቕ ነገር ኣስተብሃለ። ክሳለሞም ኢሉ ድንን ምስ በለ ከኣ፡ እቲ ብዓንተባኡ'ኳ እርጋን ዝጨማደዶ ቆርበት ገጾም እምብዛ ዓጢሩ፡ገጾም ኣሺኹ ረኣዮም። ብርኮም ስዒሙ፡ ኣብ ትሕቲኦም ኣጠዓዒሙ ኮፍ ድሕሪ ምባል፡ “ኣ……ባ…..ይቅሬታ ደኣ ግበሩለይ እምበር ደሓን ዘለኹም ኣይመስለንን” ሰጋእጋእ እናበለ ሕቶኡ ኣቕረበ። ኣይመለስሉን፡ ኣዕይንቶም ተኺሎም ናብቲ ኣብ ቅድሚኦም ዝነበረ ዓቢ ከውሒ ኣቋመቱ። ኣብ መዓሙቕ ልቦም እናተገማድሐ ዘሸገሮም ሓሳባት ከም ዘሎ ካብ ይዒንቶም ከንብቦ ኣይተጸገመን። “ኣባታችን ተጸሊእኩም ዲዩ፧ ገጽኩም ጽቡቕ የለን” እታ ሒዞማ ዝነበሩ ብራና፡ ናብ ኣፍ ልቦም ኣጸግዕ ኣቢሎም ሓቖፍዋ። “እህምምምም……”። ዝብልዎ ከም ዘለዎም ዝተረድአ ቢንያም፡ ብዝግባእ ንኸዳምጾ ኣጸቢቑ ልግብ በሎም። “ወደይ ብሩኽ፡ እግዚኣብሔር ይመስገን ደሓን ኢየ ዘለኹ። ኣይሓመምኩን'ውን። ግዳ…..ነገር እዛ ትሪኣ መጽሓፍ ድቃስ ይኸልኣኒ'ሎ ዝወደይ” ብክልተ ሸነኻ እናገማጠሉ ነታ ዘውትር ካብ ኢዶም ዘይትፍል መጽሓፍ ደጋጊሞም ሰዓምዋ። ንእለት ከኣ ብኽልተ ኩርና የዒንቶም ንብዓት ኮረረር ኢሉ ወረደ። ቢንያም ኩነታት እቶም ኣቦ ኣሻቐሎ። “ነገር እዛ መጽሓፍ እንታይ ማለት ኢዩ፡ ኣሪጋ'ዶ ኾን ኣሻቒላቶም”  ብልቡ ሓሰበ። ዝኾነ ነገር ኪገብር ስለ ዝነበሮ ከኣ “ኣ…ባ… ምእራጋ እንተ ደኣ ኾይኑ ኣሻቒልኩም፡ ዋላ ከም ብሓድሽ ከነጽሕፋ ንኽእል ኢና'ኮ። ናባይ ግደፍዎ” ስምዒታዊ ኮይኑ ተዛረበ። ኣባ ዘረባ ቢንያም ፍሽኽ ኣበሎም።ግርህንኡ ተዓዚቦም ከኣ ኢዶም ሰዲዶም ርእሱ ደራረዝዎ። “ወደይ ብሩኽ እንተ ደኣ ኣስተብሂልካ፡ እዛ መጽሓፍ ካባይ ፈልየያ ኣይፈልጥን ኢየ”። “እወ ኣባ፡ ኣነ ካብ ዝመጽእ ኣስተብሂለልኩም፡ ካብዛ ኢድኩም ኣይትፈልይዋን ኢኩም” ቢንያም ምስክርነቱ ሃበ። “ግርም ኣስተብሂልካ ዝወደይ ርኢኻ'ለኻ፡ ኣነ ተማሃራይ ኮይነ ናብዚ ገዳም ክመጽእ እንከለኹ፡ ኣብዛ በዓቲ'ዚኣ ዝነብሩ ኣቦ ኔሮም። እቶም ኣቦ ብስጋ ደኣ ኣይውለዱኒ እምበር ብመንፈስ ዓብየ ኣብዚ ዘለኽዎ ደርጃ ክበጽሕ ዝገበሩንስ ንሶም ኢዮም ኔሮም። ፍርቂ ዕድመ ናይዚ ኣብዚ ገዳም ዝጸናሕኩሉ ዘመናት፡ ናቶም ረድኢ ኮይነ ኢየ ኣሕሊፈዮ። ከመይ ዝበሉ ጸጋ ዝዓሰሎም ኣቦ ኔሮም መስለካ። እዘን ዝርካበይ ኣብዛ በዓቲ ዘለዋ ንብረት፡ ካብኦም ዝወረስክዎ ኢዩ። እዛ ትርኣ ዘለኻ መጽሓፍ'ውን……..ቃንኦም ቅይርይር በለ። ትንፋሶም ቁርጽ ቁርጽ እናበለ ኣሸገሮም። “ነዛ መጽሓፍ እዚኣ ክህቡኒ ከለዉ ግና፡ ኣብ ኣጋ ዕረፍቶም ምእኻሉ’ዩ፡ እሞ ኸኣ ምስ ጽኑዕ ለበዋ። ኣምላከ ቅዱሳን እታ ድኽመተይ ከይረኣየ፡ ነዛ ካብ ጥንቲ ጀሚራ፡ ካብ ወለዶ ናብ ወለዶ ዝተሰጋገረት፡ ናይ ሕይወት ቃል፡ ቀኖናን ዶግማን ናይ ቅድስት ቤተክርስቲያን፡ ዝሓዘት መጽሓፍ ተረካቢ ሕድሪ ክኸውን ኣብቂዑኒ፡ ምስጋና ንዕኡ ይኹን” ነዊሕ ስለ ዝተዛረቡ ምራቖም ንክውሕጡ ኣዕረፉ። “ግን እንተስ ሓጢኣተይ በዚሑ እንተስ ዘመን ከፊኡ…….” ሓሳቦም ኣይወድእዎን። ገጾም ብገበታ ንብዓት ተሓጽበ። ቢንያም ዝብሎ ጠፊእዎ ካብ ቀው ኢልካ ምጥማት ሓሊፉ ምንም ክገብር ኣይከኣለን።

ኣባ ንብዓቶም ድርዝ ኣቢሎም ዘረብኦም ቀጸሉ። “ክሓስቦ ከለኹ፡ እዚ ወለዶ'ዚ ዓለም ኣታሊላቶ ኣብ ዲቕ ዝበለ ታኼላ ጥፍኣት እናነበረ፡ ኣብ ጸጽባሕ ካብ ዝገደደ ናብ ዝበኣሰ ዝሰጋገር ወለዶ እናፈረየ ከሎ፡ መን ኮን ይኸውን ስለ'ዛ ቅድስቲ ርስቲ ብልቡ ዝሓምም፡ መን ኮን ይኸውን ነዛ ሕይወት እተውህብ መጽሓፍ ጽድቂ ኪቕበል መታን ክበቅዕ ብምልኣት ልቢ ናብ ጎደና ቅድስና ዝመላለስ፡ መን ኮን ይኸውን ብርኽሰት ሓጢኣት ዘይተኣወደ'ሞ ኢዱ ዘርጊሑ ነዛ መጽሓፍ ሕድሪ ዝቕበለኒ። መን ኮን ይኸውን ስለዛ ቅድስቲ እምነቱ ኣዕሚቑ ዝሓስብን ዘስተንትንን፡ ንቃለ እግዚአብሔር ብርሃኑ ጌሩ ዝመላለስ፡ ብፍኖት ዓመጻ ዘይተዓንቀፈ፡ ንፍትወታት ልቡ ከረስርስ፡ ደረት ሕጊ እግዚአብሔር ዘይተሳገረስ መን ኮን ይኸውን፧ እዚ ከምዚ ዝበለ ሰብ ኣብ ገዳም ይኹን ኣብ ዓዲ፡ ኣብ ስደት ይኹን ኣብ ዝሃለወ ይሃሉ እንተ ዝረኽቦስ፡ ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ማዕረ ኽንደይ ኮን ሞገስ ከም ዝረኸብኩ ምፈለጥኩ” ኣባ ስቕስቕ ኢሎም ኣልቀሱ። ቢንያም ነፍስ ወከፍ ቃላት እቶም ኣቦ ኲናት ኮይኑ ልቡ ክሃርሞ ከሎ ተፈለጦ። ከልቅሱ ርእዩ ነብሱ ምኽኣል ስለ ዝሰኣነ ንሱ'ውን ብግዲኡ ንብዓት ጸረር ኣበለ። ገዳማውያን ኣቦታት ስለዛ ቅድስቲ እምነቶም ዘለዎም ሻቕሎት፡ ከም ጸሓይ ቀትሪ ኳዕ ኢሉ ተራእዮ። ሕይወቱ ንድሕሪት ተመሊሱ ምስ ፈተሸ ከኣ፡ እቶም ኣቦ ኣቐዲሞም ዝዘርዘርሉ ነታ መጽሓፍ ሕድሪ ንምውራስ ዘድልዩ ረቛሒታት ንኹሎም ጥሒስዎም ረኸባ። ኣባ ህድእ ክሳብ ዝብሉ ተጸብዩ “ግን ኣባ፡ ከምዚ ኸማይ መንእሰይ፡ ንሕይወቱ ካብ ሓጢኣት ብኸመይ ከንጽሓ ይኽእል” ብስምዒት ሓተቶም። እቶም ኣቦ ነታ ኣብ ሑቕፎም ዝነበረት መጽሓፍ ትስልም ኣበልዋ እሞ ነቲ ገበር ግንጽል ኣቢሎም ቀዳማይ ገጽ እታ መጽሓድ ሰፊሩ ዝነበረ ብቐይሕ ቀለም ዝወቀበ፡ ብፍሩይ ፊደላት ዝተወቀጠ ጽሑፍ ንኸንብቦ ሃብዎ። ቢንያም ትቕብል ኣቢሉ ምስቲ ጽሑፍ ተፋጠጠ። “ወዘሕጎ ያነብብ መዓልተ ወሌሊተ፡ ወይከውን ከመ ዕጽ እንተ ትክልት ሃበ ሙኃዘ ማይ፡(ነቲ ሕጉ'ውን ለይቲን መዓልትን ዝመራመሮ ሰብሲ ብጹእ ኢዩ። ንሱ ከምታ ፍሬኣ በብግዚኣ እትህብ ቆጽላ ኸኣ ዘይረግፍ ኣብ ወሰን ወሓዚ ማይ ዝተተኽለት ኦም ይኸውን)” ቢንያም ደጊሙ መልሲ ካብቶም ኣቦ ክሰምዕ ኣይተጸበየን። መልሲ ሕቶኡ ብውቁብ ፊደላት ኣብታ መጽሓፍ ሕድሪ ተቐሪጹ ጸኒሕዎ ኢዩ። ንእስነቱ ብፍጹም ንጽኅና ንኸሕልፎ ትእዛዛት እግዚአብሔር ምሕላው ከም ዝግብኦ እናሰላሰለ ብሓሳብ ተዓዝረ።

ስብሐት ለእግዚአብሔር

ወለወላዲቱ ድንግል

ወለመስቀሉ ክቡር  ኣሜን

ዘነገደ ባሕር

Comments are closed.