መስቀል ብቅዱሳን ኣበው

በስመ አብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ አሐዱ አምላክ አሜን ።

እንቋዕ ናብ ብርሃን መስቀሉ ብሰላም ኣብጽሓና!

ምስባክ

“ወወሀብኮሙ ትእምርተ ለእለ ይፈርሁከ፣ ከመ ያምሥጡ እምገጸ ቅስት፣ወይድኅኑ ፍቁራኒከ ።”

“ ነቶም ዚፈርሁኻ ሰንደቅ ዕላማ ሃብካዮም፣ ፈተውትኻ ምእንቲ ኺናገፉ፣ ብየማነይትኻ ኣድኅን እሞ ስምዓና።”  መዝ. 59፣40 (60፣40)።

መስቀል ዕጸ ሕይወት እዩ። መስቀል ዕጸ መድኃኒት እዩ።  መስቀል ዕጸ ትንቢት እዩ። መስቀል ዕጸ ዕረፍቲ እዩ።

መስቀል ንሰይጣን እነጥፍኣሉ ምሳር እዩ።  ርእሲ ኣጋንንቲ ዘፍርስ ሰይፊ እዩ። መስቀል ርኹሳት መናፍስቲ እንወገኣሉ ናይ እሳት አውታር እዩ። ብምባል ሊቅ አባ ጊዮርጊስ ዘጋስጫ ይገልጾ።

ሰማዕቱ ቅዱስ ዮስጢኖስ ሰማየ ሰማያት ተወሲዱብዛዕባ መስቀል ዝረኣዩ ፡ ምሥጢር ከምዚ ብምባል ይገልጾ።

" ኣንታ ሰብ ሓንሳብ እስከ ብምስትውዓል ሕሰብ ኩሉ ናይ ዓለም ተግባር  ብዘይ መስቀል ይትግበርዶ ይኸውን፧ እቲ ሰፊሕ ባሕሪ ብዘይ እዚ ናይ ድኅነት ምልክት ኣይስገርን እዩ። ቅርጺ ሰብ ቅርጺ መስቀል እዩ። ኣዕዋፍ ቅርጺ መስቀል ሰሪሖም እዮም ኣብ ሰማይ ዝነፍሩ። ንመስቀል ዝኽሕዱ ሰባት ንገዛእ ርእሶም ሰብ ኣይኮናን ኢሎም ዝኸሓዱ ሰባት እዮም ዝመስሉ።  ምኽንያቱ ሰውነቶም ዝተኣመነሉ ኣካላቶም ምልክት መስቀል ብምሥርሑ እዚ ብምርኣይ ማዕረ ክንደይ ክድነቁን እዚ ምውናኖም  ተረዲኦም ከኽብርዎ ኣብ ክንዲ ዝግባእ፣ ዘይምርዶም እዩ።

ኣዕዋፍ ኣብ ሰማይ ንኽነፍሩ ግድን ቅርጺ መስቀል ክሠርሑ ኣለዎም። እዚ ዘረድኣና እግዚአብሔር በዚኦም ፍጥረታት ኣቢሉ ፍኖተ መስቀል ክንስዕብ ከምዝግበኣናን ክምህረናን ኸረድኣናን ኢሊ እዩ። ንገዛእ ርእስና ምርኣይ ካብ ዘይኸኣልና ንኣዕዋፍ ሰማይ ብምርኣይ መስቀል ኣብ ኩሉ ሕይወት ንጉዑዘና ዝመርሕ ከምዝግባእ ይነግረና ። ከም ክንፊ ካብዛ ዓለም በሪሩ ናብ ሰማያት ንምምሳጥ ዘገልግል ዓቢ ምልክትና እዩ።

ብዘይ መስቀል ናብ ሰማይ ምድያብ ኣኽእሎዊን የብልናን። መስቀል እንታይ መሳልል መደየቢና እዩ። መስቀል በሪ መገዲ ሕይወት እዩ፣ ናይ ዕረፍቲ መሰጋገሪ እዩ፣ ሰላም ዝተጻሕፈሉ መጽሓፍ ፣ ፍቅሪ ዝተሓትመሉ ዕጽ እዩ።  መጽሓፍ ከምዝነግረና ኣብ ውሽጢ ገነት ዕጸ ሕይወት ዝተባህለት ኦም ኣላ፣ እዚኣ ኦም ብናይ ገነት ኣእዋም ዝተኸበት እያ። እዚኣ ኦም ከኣ ብርግጽ ጐይታና መድኃኒና ኢየሱስ ክርስቶስ ዝተሰቅለላ እንተዘይኮይና  እንታይ ክትከውን ትኽእል።

ራእይ.4፣4።  “ ኣብ ዙርያ እቲ ዙፋን ከኣ ዕስራን ኣርባዕተን ዝፋናት ኣብቲ ዝፋናትውን ጻዕዳ ክዳውንቲ እተኸድኑ ኣብ ረርእሶም ከኣ ኣኽሊል ወርቂ እተኸለሉ ዕስራን ኣርባዕተን ሽማግሌታት ተቐሚጦም ርአኹ።” ዝፋን ዝተባህለ ቅዱስ መስቀል እዩ፣ ኣብ ዙርያኡ ዘልዉ ካህናት ኣብ ገነት ዘላ ዕጸ ሕይወት ዝኸበብዋ ኦም ትመስል።  ነዚ እዩ ከኣ ሊቁ ኣባ ጊዮርጊስ ዘጋስጫ ንዕጸ ሕይወት ዝኸበብዋ ኣእዋም ናይ ሓቀኛ ምእመናን ምሳሌ እዩ ዝበለና። መስቀል ኣብ ማእከል እንተሎ ምእመናን ዝኸበብዎ እንተኾይኖም ብርግጽ ናይ ድኅነት ማእከል ማለት እያ። ኣብ ዙፋኑ ( ኣብ መስቀል) ዝተቀመጠ ጐይታና መድኃኒና ኢየሱስ ክርስቶስ እዩ፣ ነዚ እዩ ቅዱስ ጳውሎስ ናይ ሓዲሽ ኪዳን ማእከላይ ዝበለና። ናይ ሓዲሽ ኪዳን ማእከል ብጀካ እሱ መን ማንም የለን ፣ ኪዳኑ ሓዲሽ፣ መጽሓፍቱ ሓዲሽ፣ ክህነቱ ሓዲሽ፣ መሥዋእቱ ሓዲሽ፣ ዘመኑ ሓዲሽ፣ ንዓናውን ብሓዲሽ ተፈጥሮ ዝፈጠረና ናይ ሓዲሽ ማእከል መሥራቲ ፣ ምንጪ ኩሉ ኣምላኽና መድኃኒና ኢየሱስ ክርስቶስ እዩ።

ቅዱስ ዳዊት መዝ. 23፣4 “ በትርኻን ምርኩስካን የጸናንዓኒ እዩ ። “ እንታይ ማለት እዩ ንዝብል ቅዱስ ኣምብሮስ ዘኦፕቲና ክገልጾ ከሎ “ በትሪ ዝተባህለ መስቀልን መከራን እዩ፣ ምርኩዝ ዝተባህለ ከኣ ጸሎተ ክርስቶስ እዩ። በትሪ ዝተባህለ ከኣ ትግሃት ጽቡቅ ምግባራት እዩ። “ ብማለት በትርኻ ኣብ ውሽጢ ሕይወትና ስለ ክርስትና ክንብል ዝገጥመና መከራን ስቃይን ዘመልክት እዩ።

እዚ በትሪ መስቀል ብምዃኑ ንጻላኢና ቀጢቂጥና ከነጥፍኣሉ ዝተዋህበና ኃይሊ እዩ። ካብዚ በትሪ ማይ ይፍልፍል፣ ወሓዚ ፍቅሪ ዝፈሰሉ። ኣብዚ ዓለም ብዝመጸና መከራ ጽንዒ ረኺብና እንጸናንዓሉ ብደመ ክርስቶስ ዝተቀደሰ መስቀል ብፍቕሪ ብኽብርን ንሓዞ ብሰላም ከኣ ናቡኡ ንምጻእ።

ቅዱስ ዮሓንስ ኣፈወርቂ

 “ መስቀል ናብ ላዕሊ ዘደይበና ግሩም መሰላልና ዕንጨይቲ እዩ፣  ዕምቀት ክፍኣት ዝበጣጥስ ናብ ምግባራተ ጽድቂ ዝመርሓና እዩ።  ብምባል ኃይሊ መስቀል ይገልጽ። ብዝተፈላለየ ኃጥያት ዝተታሕዙ ሰባት ብኃይሊ መስቀል ምስዝኣምኑን ዝተኣማመኑን ምልክት ዓወትና ምዃኑ ምስዝቅበሉ ንምግባር ኃጢያት በጣጢሱ ናብ መገዲ ድኅነት ይወስዶም። ካብ ምድሪ ልዕል ብምባል ኣሰር ተጋድሎ ቅዱሳን ክንስዕብን መንፈሳዊ ሕይወትና እንዳዓበየ ሥራሕ ጽድቂ ንኽንሥርሕ ይገብረና።

ቅዱስ ኤፍሬም ብዛዕባ ምናኔ ኣብ ዘምሃሮ መጽሓፉ

“ መስቀል ናብ ምሥጢራት መእተዊ በሪ እዩ ። በዚኣ ጠቢባን ናብ ፍልጠት ምሥጢራት ሰማያዊ  መእተዊ በሪ ይገብሩ። ናይ መስቀል ፍልጠት ብመከራ መስቀል ዝተሸፈነ እዩ። ብዝያዳ ተሳተፊቲ መከራ መስቀል እንዳዀና ብዝመጻና ቁጽሪ ዝበለጸ ከኣ ርዲኢትና እንዳዓበየ ይኸይድ።”  ብምባል ኣብ ቅዱስ መስቀል ዘሎ ሥውር ምሥጢር ንኽንርዳእ ዘኽእል ሰማያዊ ኃይሊ ብምዃኑ ናብዚ ኃይሊ ክንመጽእ ከለና፣ ኣብ ሰማይ ዝተሰወሩ ምሥጢራት ንኽንርድኦም በቲ በሪ ክንኣቱ ከዘለና ይነግረና።

 ንቅዱሳን መጽሓፍቲ ከይፈልጡ ዝተሰወሮም መናፍቃን እዛ በሪ ስለዝጠፍቶም ብትዕቢት ኣንነትን ዝነብሩ መጻወቲ ጸላኢ ሠናያት ስለዝዀኑ እዩ። ነዚ እዩ ከኣ ፍልጠቶም ስለዝተሠወረ ኩሉ ግዜ  ኣንጻር ቅዱስ መስቀል ክሰብኩ ንርእዮም። “ ቃል መስቀል ነቶም ዚጠፍኡ ዕሽነት እዩ። ንዓና እንድኅን ግና ኃይሊ ኣምላኽ እዩ። 1ይቆረ.1፣18።

ቅዱስ አበው ከምዝበልዎ ንገዛእ ርእስኻ ምኽሓድ መጀመርያ ደረጃ ናይ ወዲ መዝሙር ግዴታ እዩ። ንርእስኻ ምኽሓድ ማለት ናይ ገዛእ ርእስኻ ክፋእ ልምዲ ምግዳፍ፣ ምስ ዓለም ዘተኣሳሰረና ሓሳበ ልቦና ካብ ልብና ምውጻእ፣ ክፋእ ልምድታት ካብ ምፍጻሙን ምሕሳቡን ክንቁጠብ፣ ካብ ኩሉ ኃጢያት ንገዛእ ርእስኻ ምርሓቅ፣ ነፍሰ ፍትወት ከየጥቀዓና ፣ ካብ ንዓይ ንብሎ ንላዕሊ ዝያዳ ንእግዚአብሔር  ክንነብር፣ ስለ ፍቅሩ ኢልና ኩሉ ነገረ ኃጢያት ምግዳፍ እዩ ።

ቅዱስ ጳውሎስ ነዚ ክገልጾ ከሎ “ንርእስኻ ምኽሓድ ማለት ነዚኣ ዓለም ሞይትካ ንእግዚአብሔር ሕያው ምዃን ማለት እዩ።” ይብለና።  ስለዚ መስቀለ ክርስቶስ ንምስካም ናይ ግድን ንገዛእ ርእስና ምኽሓድ ይግበኣና። ንገዛእ ርእሱ ምቾትን ተድላን እዛ ዓለም ክጭነቅ ዝውዕል ሰብ መስቀለ ክርስቶስ ንምስካም ኣይኽእልን እዩ።  ናይዚ ዓለም ከንቱ ሓላፊ ዝኾነ ነገር ኣብ ኣእምሮና ተኺልና እንነብሮ ሕይወት ካብ መስቀለ ክርስቶስ ምስካም ዝዕንቅፈና መገዲ እዩ። ስለዚ ፍትወት ዓለም ገዲፍና ኢና መስቀል ክርስቶስ ክንስከም ንኽእል።

ብመስቀል  ሰማይ ምስ ምድሪ ተራኺቡ። ዝኣመንሉ ዝደየብሉ ፣ዝኸሓዱ ዝወረድሉ ብመሳልል መስቀል እዩ። ብዓለም መልእኽቲ ዲያብሎስ ብትዕቢቱ ምስኣበሰ፣ ቅዱሳን መላእኽቲ እግዚአብሔር ብዘሃቦም ትምእርተ መስቀል ጌሮም ሲዒሮሞ። ካብ ሰማይ ንምድሪ ክድርብይዎ ንርኢ። ንክርስቶም ርእሲ ዝገብረ ኣማኒ ንጐይታና መድኃኒና ኢየሱስ ክርስቶስ ኣብ መስቀል ኰይኑ ይርእዮ ። ምስ ቅዱሳን መላእኽቲ  ሓቢሩ ከኣ ብመሳልል መስቀል  ይድይብ።

ካብ ኃጥያት ምስ እንርሕቅ ኣምላክ ቅዱሳን እግዚአብሔር  መድኃኔ ዓለም ኣብ ልዕሊመስቀል ኮይኑ ይግለጸልና። መስቀል ዕረፍቲ ዝረኸብናሉ መዕረፊና፣ ናይዛ ዓለምና ማዕበል ዝኾነ ፈተና እንሳገረሉ መርከብና፣ ዝተፈወስናሉ መድኃኒትና ፣ዝተባረኽናሉ በረከትና ፣ ንጸላኢና እንስዕረሉ ኃይልና፣ ዝተደግፍናሉ ምርኩስና፣ ዘልዓለማዊ ሕይወት ዝረኸብናሉ ኦመ ሕይወት ፣ ፍቅሪ ዝረኸብናሉ ናይ ፍቅሪ ቤትና እዩ።

ቅዱስ ያሬድ መስቀል ንዱውያን ፈውሲ ንዝዓረቁ ልብሲ እዩ ፣ እዚ መስቀል ከኣ መድኃኒትና እዩ ይብለና።

ቅዱስ ኤፍሬም ሶርያዊ፣

ክርስትያን ኩሉ ግዜ መስቀል ዝስከም እንተኾይኑ ክፋእ መንፈስ ናቡኡ ኣይቀርብን እዩ፣ ንዘልዓለም እንዳተዓወተ ከኣ ይነብር፣ ንዕኡ ብዝረኣየ ቁጽሪ ይሃድም ይብለና። ስለዚ ካብ ፈተና ዲያብሎስ ካብቲ መጻወድያ ናቱ ንምህዳም ንቅዱስ መስቀሉ ክንስከም ይግበኣና። መስቀል ዘይተሰከመ ሰብ ንኣጋንንቲ ኣሽንኳይዶ ምስዓር ክዋግኦም’ውን ኣይኽእልን እዩ። ምኽንያቱ ሓዲርዎም ስለዝነብር፣። መስቀል ኣብ ቅድስቲ ቤተ ክርስትያን ዓቢ ክብሪ ዝወሃቦ ከኣ ነዚ እዩ። ጸብኣ ኣጋንንቲ ስለዘርሕቅ።

ቅዱስ ኤፍሬም ሶርያዊ፣ኣብ ናይ ልደት ዝደረሶ መዝሙሩ’ውን  “ መስቀል ዕጸ ሕይወት እዩ “ ይብለና።

ቅዱስ ዮሓንስ ዝተባህሉ ኣቦ ንምንታይ ኢኹም ቅዱስ መስቀሉ ድሕሪ ቅድስተ ቅዱሳን ድንግል ማርያም፣ ካብ ቅዱሳንን ቅዱሳን መላእኽቲ ኣቀዲምኩም ትጽውዕዎም ተባሂሎም ምስ ተሓተቱ “ መስቀል ድሕሪ መከራ ክርስቶስ ምልክት ኩሉ ወዲ ሰብ ኮይኑ እዩ። ብመስቀሉ ንክርስቶስ ንርእዮ፣ ንዓናን ንዓለምን ንምድኃን ክብል ዝተቀበሎ መከራ ንርእይ። ብምባል የረደኣና።

ቅዱስ ቄርሎስ ዘኢዮርሳሌም

ድንቂ ነገረ መስቀል እስኪ ንስማዕ “ ካብ ክውለድ ጀሚሩ ብዕውሩ ዝተወልደ ሰብ ኣብ ሩባ ሰሊሆም ተሓጺቡ እንዳረኣዩ ብምምጹኡ ዘገርም ድንቂ ነገር እዩ። ኮይኑ ግን ኩሉ ዓለም ካብ ዝተዓወረሉ ማእሠርቲ ኣውጺኡ ብርሃን ክርኢ ካብ ዝገበረ መስቀል ክነጻጸር ከሎ እቲ ዕውር ዝተወልደ እቲ ጸጋ ዝበጽሖ ንዑኡ ጥራሕ እዩ። ብመስቀል ዝረኸብናዮ ግና ንኹላትና ዝበዝሐ ጸጋ እዩ። ካብ ዝመውት ኣርባዕተ መዓልቲ  ኣብ መቓብር ዝገብረ  ኣልኣዛር ዳግማይ ምትንሥኡ ድንቂን ዓቢ ነገር እዩ። ኮይኑ ግና እዚ ጸጋ ዝበጽሖን ኣልኣዛር ንበይኑ ጥራሕ እዩ። ብኃጥያት ዝሞተ ዓለም አፍሲ ዘሪኡ ክትሥእ ብዝገበረ ኃይሊ መስቀል ክነጻጸር ይኽእልዶ እስኪ ንገርኒ ? “ ብምባል ብኃይሊ መስቀል ዝተገብረ ነገረ ድኅነት ግሩም ብዝኾነ መገዲ ገሊጹ ኣረዲኡና።

“ ዕጸ ሕይወት ካብ ዝተባህለ መስቀል ብጣዕሚ ሙቅርን ደስ ዘብልን ጣዕመ ሙሉእ መንፈሳዊ ፍረ ሓፊስና ኢና። “

ቅዱስ ጠርጡለስ

 “ ኣብ ኩሉ ተግባርና ክንወጽእን ክንኣቱን ከለና ጊዜ፣ ልብስና ቅድሚ ምልባስና ፣ ቅድሚ ምሕጻብና፣ ኣብ ጊዜ ቀትሪ ኮነ ለይቲ፣  መኣዲ  ኣብ እንቅረበሉ እዋን፣ መብራህቲ ኣብ ነብርሃሉ እዋን፣ መጽሓፍ ቅዱስ ከነንብብ ኣብ እንጅምረሉን እንፍጽመሉን እዋን፣ ኣብ ዕለታዊ መነባብሮና ምዱብ ሥራሕና ኣብ እንጅምረሉ እዋን፣ ብትእምርተ መስቀል ገጽናን መላእ ሰውነታን ነማዕትብ። “ ብምባል ድንቂ ትምህርቲ ብዛዕባ መስቀል ኣምሂሩና እዩ።

ቅዱስ ዮሓንስ ኣፈወርቂ

ዝቀደመ ዕጽን ሓዲሽ ዕጸ መስቀል  እንዳነጻጸረ  ክነግረና ከሎ ከምዚ ይብለና “ ናይ ቀደም ዕጽ ድሕሪ ውድቀት ናይ ዓለም ሞት ኣምጺኡ፣ ዕጸ መስቀል ግና ኢመዋቲነት ሂቡና። ዕጸ በለስ ካብ ገነት ኣውጺኡና ፣ ዕጸ መስቀል ግና ናብ ናይ ቀደም ክብርና፣ ዝሰኣናዮ ውልደነትና ናብ ናይ ቀደም ቦታን ገነት ድሕሪኡ ከኣ ናብ መንግሥተ ሰማያት መሊሱና። ዕጸ በለስ ብሓንቲ ትእዛዝ ምትሕልላፍ ንኣዳም ዓቢ ከቢድ ቅጽዓት ኣምጺኡሉ፣ ዕጸ መስቀል ግና ኣብ ልዕሊና ዝነበረ ኣርዑት ኃጢያት ቀንጢጡ ብምድርባይ ናብ ክብሪ ቤቱ ደስታ መሊሱና።” ብምባል ይገልጸልና።

ኣምላክ ቅዱሳን እግዚአብሔር  ዝሃበና መስቀል ኣብ ክሳድና ኣሲራና ንንበር። ትርጉም መስቀል ተረዲኡና ጣዕመ ፍቅሩ ከነስተማቅር ኣምላክ ቅዱሳን ይሓግዘና።

ወረከብናሁ ውስተ ዖመ ገዳም፣ ንበውዕ እንከሰ ውስተ አብያቲሁ ለእግዚአብሔር ። ወንሰግድ ውስተ መካን ኃበ ቆመ እግረ እግዚእነ።  መዝ. 131፣ 6።

እንሆ ብዛዕባኣ ኣብ ኤፍራታ ሰማዕና ኣብ መሮር ያዓር ረኸብናያ። ናብ ማኅደሩ ንእቶ ኣብ መርገጽ እግሩ ንሰግድ ፣ ኦ እግዚ አብሔር ንስኻን ታቦት ኃይልኻን ተንሥእ። 132፣6

እንቋዕ አብጽኅነ ወአብጻዕክሙ ለዘመነ መስቀል።

ኣምላከ ቅዱሳን መድኃኒ ዓለም ኢየሱስ ክርስቶስ ዝተባረኸ በዓለ መስቀል ይግበረልና። ወላዲተ ኣምላክ ቅድስተ ቅዱሳን ድንግል ማርያም ብኣማላድነታ ኣይትፈለየና።

ወስብሐት ለእግዚአብሔር።

መስቀል ኃይልነ መስቀል ጽንዕነ መስቀል ቤዛነ መድኃኒትነ  ወእለ አመነ።

Comments are closed.