መረን-ዕስራን ክልተን ክፋል

ኣዜብ፦ እዋይ ከንቱ እዩ በጃኻ፣ ቦታ ቀይርና ኣይንዓግብ፣ ሰቲና ኣይንረዊ፣ በሊዕና ኣይንጸግብ መጀመርታ ኤዉሮጳ ጥራይ ንእቶ እዩ፣ ዝብል ኔሩ ሕልምና።ሕጂ ከኣ እንሀልካ… ብዙሕ ኣዕሊሉኒ ካብ ንምርዖ 3 ዓመት ምግባርና፣ ኢታሊ ኣነ ካብ ዚኣቱ ከኣ፣ ጽባሕ ሚካኤል ምዃኑ እርይ ቁጽር ኣቢሉ ፈሊጥዎ።
ሃይለ፦ እንታይ ደኣ… ገጽኪ… ኣዚኺ ናፊቕክዮ ሓቀይ።
ኣዜብ፦ ኣልግስ… እዋእ ወረ ዘይናፍቆ በዓል ቤተይ እንድዩ’ኸ፣… ኤረ ንሱስ ፣ በዓል ቤተይ ጥራይ ኣይኮነን ሓወይ እዩ።
ሃይለ፦ ስሞዒ’ባ ሕራይ ኣብ መድረ በዳ ነይርኩም ንበል፣ ከመይ ኢልኩም ደኣ ተምርዒኹም ? ኣብ ሊብያ’ዶ ኣይኮነን ዝሓደገኪ? ከመይ ኢልኪ’ኸ ረኺብክዮ ?
ኣዜብ፦ ገለ ነገር ኲዒትካ ከተዉጽእ ኣይትፈትን፣ ኣባት ነፍሰይ ዲኻ ክክክክ፣ ብዝዀነ ይድዉለልና ኔሩ፣ ብኤንተርነት ከኣ ርከብ ነይሩኒ እዩ። ግናኸ ብሰንኪ ማእሰርቲ ምስ ጠፋእናዮ፣ ብሰበሰብ ካብ ማእሰርቲ ምስ ወጻእና ድሕሪ 3-ወርሒ እዩ ደሃይና ረኺቡ። ንሱ ምስታ ዚጠፍአት መርከብ ዚነብርና መሲልዎ፣ ብጣዕሚ ከም ዝሓዘነ ነጊሩና። ሓቁ’ዩ ንሕና ምስታ መርከብ ኔርና እንተንኸዉን ሎሚ ትሕቲ መሬት ምሃሎና። ግናኸ ንሕና ብፍላይ ኣነ ዝፈለጥክዎ ዘይብለይ፣ ናይ ምእሳረይን ምትሓዘይን እተን ዘይጠቕማ ገንዘበይ ምጥፍአንን፣ ክጉህን ከማርርን ምስ ኣምላኽ እብኣስን ነይረ።
ወዮ ምእሳረይ ንዓይ ይኹን፣ ንቤትልሔም ከምኡ’ውን ንኣድያም፣ ሎሚ ብህይወት መታን ክንጸንሕ እዩ ዚዀነ። ጥበበኛ ሰሎሞን፣ ነዚ ስለ ዚተገንዘበ እዩ፣ መስለኒ፣ “ንዂሉ በብግዚኡ ጽቡቕ ገበሮ። ሰብ ነቲ ኣምላኽ ካብ መጀመርታ ክሳዕ መወዳእታ ዝገበሮ ግብሪ ምስትዉዓሉ እኳ ስኢኑ፣ ክነሱስ፣ ኣምላኽ ንዘልዓለማዉነት ኣብ ልቢ ሰብ ኣንበሮ።” በለ። ብግዜኡ ኣየስተዉዓልክዎን ዝነበርኩ፣ ጸኒሐ ግና ንጽቡቐይ ከም ዚዀነ ተመሃርኩ። ደቂ ሰባት እኳ፣ ንክፉእ እንተ ጸዓሩ፣ አምላኽ ግና፣ ንረብሓና እዩ ዚልዉጦ። ካብታ ህሞት እቲኣ ከኣ፣ “ኣምላኽ ሠናይ እዩ። ኩሉ ንሠናይ ከኣ ይድግፈና። ኣምላኽ ጥዑም እዩ ሃይለ ሓወይ። ካብቲ ከም ሓዊ ዚበልዕ ፈተና ብሰላም ከም ዚወጻእ ገይሩኒ።
ስለምንታይ’ሲ እንታይ ኢሉ ይመስለካ “ካብቲ በላዒ ብልዒ ወጸ።” ነቲ ክበልዖ ዝመጸ እንስሳ፣ ብሓይሊ ኣምላኽ ምስ ቀተሎ፣ ድሕሪ ግዜ በቲ ቦታ ተመልሰ እሞ፣ ኣብ ገረንገረ ናይቲ ኣንበሳ መዓር ጸንሖ፣ በዚ ኸኣ ካብቲ በላዒ ብልዒ ወጸ በለ። ንኣምላኽ ዚሰኣኖ የለን በለ ቅዱስ ገብርኤል መልኣክ፣ ንኲሉ ይልዉጥ። ሓዘን ናብ ሓጐስ ዚቅይር ንሱ እዩ። ሃየለ ሓወይ ስለዚ ኸኣ እየ፣ ኲሉ ሳዕ ናብ ቤት ኣምላኽ ክትከይድ ዚልምነካ ዘለኹ። “ጐይታናን መድኃኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ፣ ሰብ’ከ ነዛ ኲላ ዓለም ረቢሑ ነብሱ እንተጥፈአ እንታይ ይዓብሰሉ፣ ወይስ ሰብ በጃ ነፍሱ እንታይ ዘይምሃበ” ክብል ጻዕሪ ብዘይ ኣምላኽ ከንቱ ምኳኑ ገለጸልና።
“ዓለም” ዚተባህለት ሥጋና እያ፣ እቲ እንኸስቦ፣ ሓዲግናዮ ንኽይድ ብምዃንና… እንታይ ይጠቕመና። .. “ዓለም” ዚተባህለ “ገንዘብ” እዩ፣ ደድሕሪ ገንዘብ ክንብል፣ “እምነትና እንተጥፋኣና” ሃይማኖትና እንተአጥፋእና፣ በመዓልቲ ፍርዲ፣ መን የድሕነና፦ እንበኣርከስ፣ እቲ ኣምላኽ ዚሓዘ ኩሉነገር ስለ ዚሕዝ ናብ ኣምላኽ ምጽጋዕ ዝመሰሎ የልቦን። “ዓለም” እንትርፎ መከራ፣ ጥልመት፣ ዓመጽ ካልእ ትህበና ነገር የብላን፣ ምስ ኣምላኽ ምኳን ግና፣ ብሥጋን ብነፍስን ረብሓ ኣለዎ። እንታይ እየ እሞ ክብለካ፣ ብሕይወተይ ክዛረበካ፣ ብኸንቱነተይ ከዋግዓካ “ነቲ ኣብ ትሕቲ ጸሓይ ዝዓየኽዎ ኲሉ ዕዮይ፣ ጸላእክዎ፣ ንኸንቱነት ኣእምሮይ ሃወኽክዎ፣ ንዕብዳነይ ሓጐስ ሰየምክዎ፣ ንዕርቃነይ ፋሽን በልክዎ። ሕጂ ልቢ ምስ ገበርኩ፣ ንኩሉ ምስ ኣስተዉዓልክዎ፣ ልበይ ናብ ኣምላኽ ምስ ኣቕረብኩ፣ ንትማሊ ምስ መርምርኩ፣ መንነተይ ምስ ፈለጥኩ፣ ብኲሉ ግብረይ ተጣዓስኩ፣ ንልበይ ሃወኽኩ፣ ለካስ እተን ሐጐስ’የን ዚብለን ዚነበርኩ መዓልቲታት ጉብዝናይ’ሲ፣ መዓልቲታት ስቃይ ኢየን ዚነበራ፣ ዕዮይ ጓሂ ነበረ፣ ብሰንኪ ግብሪ ዓመጻይ ልበይ ኣይዓርፍን፣ ከመይ ኢለ እየ’ሞ ንድሕሪት ክምለስ፣ መን ምሃበኒ፣ ንዂለን ክድምስሰን።
ንሰብ፣ ካብ ነፍሱን ልቡን ባህ ካብ ምባል ዚዓቢ የብሉን፣ እዚአን ከኣ ካብ ዓለም፣ ወይ ካብ ብዝሒ ገንዘብ ወይ፣ ዕንደራን ጓይላን፣ ዝሙትን ስኽራንን፣ ኣይኰናን። እዚአን’ሲ ካብ ኢድ ጽላልን እግዚኣብሔርን እየን ዚርከባ። መን ምሃበኒ ንኣምላኽ ምሉእ ዕድመይ ሲዒበ እንተ ዚኸዉን፣ ሕጂ ፈጺሙ ጣዕሳ ኣይምነበረኒን። ግና’ኸ ሕጂ’ውን ዕድል ኣሎኒ። ኣምላኽ ዕድል ሂቡኒ፣ ኣብ ሰብ ሓዲሩ ንዒ ኢሉኒ። ብገበነይ መዓስ ሪኡኒ፣ ኢዱ ዘርጊሑ እዩ ሓቒፉኒ፣ ሃረርታኡ ናባይ ነይሩ፣ መስቀል ነይሩ መግለጺ ፍቕሩ። ኣንታ ሃይለ ሓወይ ንብዓት ግፉዓት ዝደርዝ፣ ኣጆኹም ዚብሎም’ከ መን’ዩ፣ ካብ ኢድ ገፍዕቶም ዓመጻ ምስ መጸ፣ ብህዱእ መንፈሱ ዘረጋግኦምን ዘጸናንዖምን’ከ መን’ዩ። ግዚኡ ምስ ኣኸለ ግና፣ ንዕቡይን ንግፍዕን ዓማጽን፣ ኣብ ዓለም ከምዘይነበረ ገይሩ መዘከርታኡ ዘጥፍእከ መን’ዩ እዚ እቲ በይኑ ብስዉር ዝዛረብ፣ ብሓቂ ዚፈርድ፣ እግዚአብሔር እዩ። ንነፍሶም ሰላም እናኸልኡ ዝደኸሙ ኣለዉ። ግናኸ ንመን ምዃኑ ኣይፈልጡን፣ ከይበልዕዎ ሓዲጎሞ ይኸዱ፣ ብዓመጽ’ዩ’ሞ ኣይኮነሎምን፣ ደድሕሪ ንፋስ ይጐዩ፣ ህቦብላ ከኣ ይዓጽዱ። ሕጂ ግና፣ መጀመርታ ኩሉን መወዳእታ ኩሉን ፈሊጠዮ እየ። ንዓይሲ ምስ ኣምላኽ ምዃን ይሕሸኒ። እ…. ህ…ህ..
ሃይለ፦ ኣዜብ ሓብተይ፣ ህድእ ኢልኪ ተዝረቢ፣ ትደኽሚ ኣለኺ፦ … እስከ ከመይ ኢልኪ፣ ካብ ልብያ ከም ዚሰገርኪ ንገርኒ?።
ኣዜብ፦ … ድሓን’የ ሓቂ ትሓይሽ ግን፣ ልበይ ኣንሓንሳእ ትጠልመኒ ዘላ ኮይኑ ይስመዓኒ። ካብ ልብያ ደኣ ከምቲ ዚበልኩካ፣ መሓዙተይ ኲላተን ዓዓቅመን ሰዲደናለይ ከምኡ’ከኣ፣ ምስ ራእሱ ቀጻሊ ርክብ ስለ ዚነበረና፣ ንሕጸን መርዓን’ውን ተመራሪጽና፣ ንሱ’ውን ኡኹል ገንዘብ ስለ ዚሰደደለይ ምስ ቤተልሔም ብሓደ ተበጊስና፦ ብዓባይ መርከብ ንክንከይድ ኢና ናብ መዝርዓ ዚወጻእና። ወያ ሓሶት ዚድራሮም ግና፣ ኣብ መዝርዓ ጽባሕ ክትመጸኩም’ያ እና በሉ ሠለስተ ሰሙን ከም ንጸንሕ ገሩና። መወዳእታኡ ፣ ዓባይ መርከብ ኣይትመጽእን’ያ፣ ንኣሽቱ ኣለዋ፣ ትኸዱ እንተኾይንኩም፣ ከኣ ክንገብሮ ንኽእል ዋላ ሓደ የለን በሉና። ናብራ መዝርዓ ከቢድ እዩ፣ ባዕልኻ ብእኡ ስለ ዚመጽእካ ሕጂ’ዶ ክነግረካ ኾይነ፣ ምርጫ ስለ ዘይነበረና ፣ በቃ ተበጊስና።
ከቢድ ጒዕዞ እዩ ነይሩ። ብራዕዲ ኢና ሓሊፍናዮ፣ ድሮ ኣብ ልብያ ዝነበረት ቤተ ክርስቲያን ፣ ትምህርቲ ሃይማኖት ብግብእ ክንሳተፍ ጀሚርና ብምንባርና፣ ካብቶም መዘምራን’ውን ኣብታ ዝነበርናያ መርከብ(ጃልባ) ብዙሓት ምሳና፣ ነይሮም፣ ናይ ሓባር ጸሎት፣ ጸሊና ኢና ተበጊስና፣ ምሉእ ጒዕዞና ከኣ ብዘይ ዕረፍቲ ብመዝሙር እዩ ነይሩ። ናይ ብሓቂ እየ ዚብለካ፣ ገና ማዕበል ክንረክብ ኢና እንዳበለና፣ ከይተረድኣና ኢና ናብ ኢታሊ ዚኣቶና። ከምዚኣ ጒዕዞ ኢዚኣ ዘገርመኒ የብለይን፣ ባሕሪ ጸጥ ኢሉ ከሎ ኢና ትበጊስና። ሚካኤል መዓልቲ (12 ግእዝ) ኢና። ኢታሊ ዚኣቶና፣ ልክዕ ከምዛ ጽባሕ ንግሆ። ጽባሕ ልክዕ መበል 4 ዓመተይ ካብ ዚሰግር እያ። ድሮ መስዩ እዩ።… ገሊኦም ከይተታሕዙ ናብ ዓዲ እንግሊዝ ከይዶም፣ ንሕና ግና ተታሒዝና። ቀታ ናብ ራእሱ ደዊልና፣ ግና ፕሊስ ቀዲሞሞ፣ ታታሒዝና ናብ …ካምፕ..ስደተኛታት ኣምሪሕና፣ ራእሱ… ሓወይ… ሃይለ ሓወይ እባ… ይኸብደኒ ኣሎ፣ ይቀላልወኒ ኣሎ፣ ሕርሲ ደኣ ከይከዉን።

ዕስራን- ሠለስተን ክፋል ኣብ ዝመጽአ ሰሙን።

ዲ.ዘርአ ገብረእግዚአብሔር

Comments are closed.