መረን- ዕስራን ሓደን ክፋል

…ቤቲ፣ “… ሕንቕንቕ እናበለት ኣድያም ደኣ እንድዒ፣ በጃኺ… ሕጂ ዋላ ንኽትረኽባ ኣይከኣልን ኮይኑ። ካባኺ ምስ ተፈለና ድሕሪ ክልተ ሰሙን ኢና ተበጊስና ድሕሪ ናይ ሓደ መዓልቲ ጉዕዞ ኣብ ምስራጣ ምስ በጻሕና ተታሒዝና። ተኣሲርና ደላሎ ስለ ዝፈልጡ ግና ገዚኦም ኣዉጺኦምና። ኣብ ኢድ ደላሎ፣ ምስ ኣቶና፣ ንዓይ ቤተ ሰበይ ቀልጢፎም ሰዲዶምለይ፣ ንኣድያም ግና፣ እቲ ካብቲ ዘለኽዮ ዘዉጽኣ ዚያዳ ዝከታተላ ዝነበረ ወዲ ኣኲኣ ክንረኽቦ ኣይከኣልናን እቶም ኣኲታታ፣ ደቂ ኣኲታታ፣ ደቂ ሓው ኣቡኣ፣ ግና ረኺባቶም ጸገም የለን ኢሎማ። ግናኸ እቲ ሓደ ነቲ ሓደ ይሰድድ እናበሉ ግዲ ኰይኖም፣ ብሎሚ ጽባሕ ንረዳዳእ ኣለና፣ እናበሉ ኣዚዮም ስለ ዚደንጎዩ፣ ንዓና ናይግድን ትብገሱ ኢሎም እቶም ደላሎ። ዋላ ክተርፍ ምስኣ ደልየ ኣለኹ አንተበልኩ፣ ብሓይሊ ብምፍርራህ ኣፋንዮምኒ። እናነብዐት እየ ሓዲገያ፣ ካብዛ ዓይነይ ምጥፋእ ኣብያትኒ።

ኣነ ገለ ኣይነበረንን፣ መልክዓ ንሓደጋ ከቃልዓ ይኽእል እዩ ኢለ። ኣነ’ውን ነዝማዳ ደዊለሎም ነይረ ግና’ኸ በጃኺ እንድዒ፣ ክንድቲ ምብዝሖም፣ ብጣዕሚ ይገርመኪ ገለ ሰብ ሓንቲ ግዜ ርኢዮምኻ ደንጊጾም ይሰዱ፣ ከም በዓል ኣዝማድ ኣድያም ከኣ በጃኺ ኢለኪ… ብኽያት። ኣዜብ፦ እሞ ሕጂ’ኸ ደሃያ። ቤተ ልሔም፦ በቓ፣ ንሰለስተ ሰሙን ዝኸዉን፣ ይራኸባ ነይረ፣ ሕማቕ ከም ዘላ ነጊራትኒ፣ ብፍላይ  እቶም ኣዝማዳ፣ ኣብዛ ሰሙን እተን ዝደልየን እንተዘይሰዲዶምሉ፣ ናብ  ደቂ ዓዲ ደላሎ ክሸጣ ከም ዝዀነ፣ ነገሮም።ከም ዚበልዎ ድማ  ሸጣ። እዉይ ኣድያም ሓብተይ ብኽያት… ቁሩብከ እንታይ ይብል ሕጂ እቲ ደላሊ፦ ንሱ’ደኣ ኣነ ሓበሻ ሙዃነይ ሰለ ዝፈልጡ እዮም ዘይሰደዱለይ፣ ሕጂ ግና፣ ኣነ ገንዘበይ ዝረኽበሉ፣ ስጉምቲ ወሲደ ኢሉ ዓጽዩኒ።

በጃኻ፣ መጀመርታ መታን ከሻቕሎም ይመስለኒ፣ ነይሩ ኣብ መወዳእታ ግና፣ ሓቁ ኰይኑ። ድሕሪኡ ዚበለ ይበል ፣ ንስምዖን፣ ወዲ ሓወቦይ እዚ ንዓይ ዝሕግዘኒ ዘሎ ኣዕሊለዮ፣ ብጣዕሚ ሰንቢዱ ብፍላይ መሓዛይ እያ ምስ በልክዎ፣ 1000 ኢሮ. (Euro) ሰዲዱለይ ዚገበርኪ ጌርኪ ኣዉጽእያ ኢሉኒ እናነብዐ። ሕጂ ኣነ ነቲ ደላላይ ገዚኡ ክመልሳ ነጊረዮ ኣለኹ በቃ በጃኻ ኢለዮ፣ ሕራይ እንተጌሮምለይ እንድዒ ክፍትን እየ፣ ክድዉል እየ ኢሉኒ፣ ንገንዘቡ ኢሉ ይጽዕር ኣሎ። እዋይ ኣታ ኣምላኽ፣ እንታይ ዓይነት ሰብ እዮም፣ በጃኺ በቃ ሸይጥዋ። ኣንቲ ሓብቱ ንጓኖት፡ ንሱ ወዲ ዓዳ ከምኡ ሓበሻ እናሃለወስ፣ ንጓኖት። እዉይ… እዚ ኣምላኽ ክሳዕ ክንደይ ኮን’ዩ ትዕግሥቱ።

ቤተልሔም፦ ኣዜብ ሓብተይ፣ እግዚኣብሔር ቀሰይ ኢሉ እዩ ዚሰርሕ፣ ብቐዳማይ ዓቕለይ ጸቢቡኒ፣ ናብ ቤተ-ክርስቲያን ከይደ ንኣምላኽ ስለኣ፣ ብመብጽዓ ለሚነዮ፦ ናብ ገዛ ምስ ተመለስኩ፣ ትንቢት እንባቆም የንብብ ነይረ፣ ነቢይ ኣምባዎም ብናይ ከለዳዉያን መግዛእትን መግፋዕቲን ኣናማረረ ብ603ቅ.ል.ክ ዚጸሓፎ እዩ። ስለቶም ዓመጽቲ ንአምላኽ ከምዚ ኢሉ “… ስለምንታይ ነቶም ጠለምቲ ክትጥምቶም፣ ከመይ’ከ እቲ ረሲእ ነቲ ካብኡ ዚጸድቕ ክዉሕጦ ከሎ ትም እትብል” ኢሉ ሓተቶ፦ “እግዚኣብሔር ከኣ ብርግጽ ከድሕን ከም ዚመጽእ፣ ከም ዘይድንጒ፣ ነግሮም፣ ብዛዕባ በደለኛ፣” “ነፍሲ ከም ሲኦል የግፍሕ፣ ከም ሞት እዩ እሞ ኣይጸግብን… እቲ ንቤቱ ክፉእ ረብሓ ዚሃርፍ ወይልኡ ክብል” መለሰሉ። ግዜ ይወስድ እምበር፣ አኢዶም ሓሊፋ ክትጸንሖም እያ። ኣዜብ፦ እዉይ ኣንቲ ቤተልሔም ሓብተይ፣ እሞ እንታይ ደኣ’ኸ ሕጂ ንዓኣ ጥራይ ዘይተሳልጢ፣ ኣነ ደሓን እየ ብኻ ናታ ኩነታት ኣብ ሓደ መዕለቢ ኣብጺሕኪ። ቤተልሔም፦ ስምዒ ዋላ ኣብቲ ዘለኽዮ’ውን ከምኡ ዓይነት ኣሎ እዩ፣ እተን ምሳኺ ዘለዋ ገንዘብ ስቕ ኢልኪ ሓዝየን፣ ከምዘለኪ፣ ዝዀነ ኣይትሓብሪ፣ ሰሚዕኪ፣ ናታ ዳርጋ እንድዒ ኣምላኽ ዚገብሮ ደኣ ኣይፍለጥን እዩ እምበር፣ ውላ ንዕኡ’ውን ምርካብ ከምዚኸልእዎ’ዩ ሓቢሩኒ ዘሎ። ሕጂ ንስኺ ተበገሲ ምስ መጽእኪ ብሓደ ኰይና፣ ኲነታታ ከነጽንዕ ኢና። እዞም ሕማቓት ኣዝማዳ፣ ኣብ ዚነበሩ ነይሮም ሕጂ ንዓይን ነቲ ወዲን በጃኹም’ዶ ሽንጣር’ዶ ይብሉ ኣለዉ። ኣነ ገንዘብኩም ንዓኹም፣ ከይትድዉሉለይ ከይትዛረቡኒ ኢለ ዓጽየዮም።

ክገርመኪ ፣ ክንዲ፣ ብጥበብ ትሓባበረና ዚብልዎ ነቲ ወዲ ደዊሎም፣ ጽናሕ ከንጥፍኣካ ኢና… ወዘተ እናበሉ ነገር ክሸናኽሩላ ኢዮም ፈቲኖም፣ ሕጂ ግና፣ ኣነ ምስታ ንእሽቶ ሌላና፣ በጃኻ ጓል ኣንስተይቲ እያ ተሓባበረኒ፣ ንሶም ተጋጊዮም ናታ ንእስነት ረአ፣ ንስድርኣ’ውን እናበልኩ እየ ሕራይ ኣቢለዮ ዘለኹ። በቃ ሕጂ ተበገሲ ሓዊለሉ ኣሎኹ። ኣዜብ፦ሕራይ በሊ። ክንደይ’ከ እዩ ሓዉሉ ኢሉኪ ዘሎ፣ ናይ መዉጺኢኺ፣ 100ዲናር ናይ መግብኺ መደቀሲኺ፣ ባኞ… ቴሌፎን 100ዲናር ናይ መምጺኢኺ 300ዲናር ኩሉ ምሉ  500ዲናር (ዳርጋ 100ዶላር) እዩ። ጸገም የለን መሓዙተይ  ተታሒዘ ከም ዝነበርኩ ፈሊጠን፣ በብወገነን ስለ ዚሰደዳለይ፣ ብዛዕባ ገንዘብ መሳገሪ ዚኣክል ኣለኒ ጥራይ ሰላም እተዊ።

ኣዜብ፦እዉ… እ.. ደሓን በሊ በቃ ምስ መጻእኩ፣ ክንረዳዳእ ኢና፣ ኢለያ። ንጽባሒቱ ኢና ተበጊስና፣ ጒዕዞና ከምቲ ንቡር፣ ብናይ ንብረት መጓዓዚ መኪና እዩ ነይሩ። ግና ብዘይ ዝዀነ ይኹን ጸገም፣ ናብ ትርፕሎስ ኣቶና። ምስ ቤተልሔም፣ ተራኸብና፣ … ናብታ፣ ምስ ተታሓዝና፣ ካልኣይ ግዜ ንምለሳ ኢና ኢለ (ዘይሓሰብኩ)፣ ከተማ ሕጂ’ውን ብፍርሃት ምንባር’ዩ ነይሩ። ንቤተልሔም፣ ካብቶም ቀዳሞት ሕቶይ፣ ስምዒ እስከ ክሓተኪ እናበልኩ ከይረሳዕክዎ እታ ዕርቡን ዚኸፈልናላ፣ ዓባይ መርከብ’ሲ ኣየርከብክላን ዲኺ ኰይንኪ ወይሲ፣ ክሳዕ ሕጂ ኣይመጸትን ኰይና፣ በልክዋ’ሞ? ቤትልሔም ስቕበሊ ደኣ መሓዛይ፣ እግዚኣብሔር ይመስገን፣ እንቋዕ ደኣ ነብስና ኣየጥፋእና እንበር ገንዘብ ደኣ፣ እንታይ ይዓብስ ወረቀት እዩ። ሕይወት ሰብ ብወረቀት ዝትምኑ ምህላዎም ግና ይሕዝነኒ። እሂ… እቲ ወዲ፣ ሕሳዊ ደላሊ እዩ ማለት’ድዩ እወ…ናይ ዓባይ መርከብ ተመሲሉ፣ ንብዙሓት ከምዚ ከማና፣ ዕርቡን ወሲዱ፣ ኣብ መወዳእታ ናብ መዝርዓ ክኸዱ ከሎዉ  ምሉእ ገንዘብ ተቐቢሉ። ኣብ መዝርዓ ሎሚ ጽባሕ፣ ክትመጸኩም እያ፣ እናበሉ ወርሒ ኮፍ ኣቢሎሞም፣ መወዳእታ ስምዑ፣ ዓባይ መርከብ ኣይትመጽእን እያ፣ እንተ ደሊኹም ንሕና ነኣሽቱ መራክብ ረኺብናልኩም ኣሎና፣ ትኸዱ እንተኾይንኩም ተበገሱ፣ ወይ ከኣ ተመለሱ፣ ብዛዕባ ገንዘብ ግና ሓደ ከይሓተና በልዎም።

እቶም ምሳና ዝቆሮጹን ካልኦት ምስኦም ዝነበሩን  ምስቲ፣ ድኻም ግዜ ገንዘብ ካልኣይ ግዜ ክረኽቡ ዘይከኣል ብምዃኑ፣ ንኽምለሱ’ውን እንደገና፣ ካልእ ናይ ገንዘብ ክሳራ ስለ ዚዀነ፣ በቃ ኣማራጺ ስለ ዘይነበሮም፣ ከይፈተዉ ተበገሱ። ክፍለይ እታ ጓል ኣኲኡ ምሳኦም ስለ ዝነበረት፣ ብደቂቕ እዩ ይከታተሎም ነይሩ። መወዳእታ ግና መርከብ፣ ልዕሊ ዓቕሚ ጺዓና፣ ብምንባራ ከይኮነት ኣይተርፍን፣ ሬሳታት እዩ ናብዚ ተመሊሱ፣ ብጀካ 2ተ ወይ 3ተ ዚደሓነ ኣይነበረን።… እናነብዐት ሃይለ፦ኣዜብ … በቃ…ንስኺ’ውን ሕጂ ትነብዒ ኣለኺ! በቃ ሰላም ለይቲ ደቅሲ.. ከይደ ኣዜብ፦ ጽ…ና…ሕ እባ ሃይለ ሓወይ… ሃይለ፦ ኖ…ኖ…ኖ ጽባሕ ንግሆ ቀልጢፈ ክመጽእ እየ… ሽዑ ክንቅጽሎ ኢና። ኮንቱ’ዩ “…

ከመይ ሓዲርኪ ኣዜብ ሓብተይ? እግዚኣብሔር ይመስገን ሰላም ኢየ. ከመይ ሓዲርካ? ኣምላኽ ይመስገን ደሓን ኢና። ራእሱ  ደዊሉ ኔሩ ሰላም ኢሉካ፣ ቁሩብ ኣርፊድካ እምበር ምረኸብካዮ ነይርካ። ራእሱ ዓርከይ ዋላ… በዓል ቤትኪ፦ በዓል ቤተይ እምበር። ብጣዕሚ ተሻቒሉ፣ ሎሚ ምሸት፣ ክሓርስ እየ ኢለዮ፣ ወዮ ደኣ እታ ግሪን-ካርድ ስለ ዘይሓዘ ኮይኑ እምበር ምመጸ። ክኸይድ ከሎ ክንፈላለ ደስ ኣይበለናን፣ ግና ትፈልጦ እንዲኻ ናይ ኢታሊ ናብራ፣ ምስቲ ጥዑይ ስራሕ ዘይምርካቡ፣ ኣሕዋቱ ግድን ኢሎም እዮም ብቢዝነስ ከይዱ። ምፍልላይ ከቢድ እዩ። እንታይ ክገብር ኢሉ ብኻ ዘይነገርክዎ። ሃይለ፦ ኖ… እንቋዕ እምበር ነገርክዮ። ጽቡቕ ገይርኪ ካብ በዓል ቤትኪ ዝቐርብ መን ኣሎኪ። ኣዜብ፦ እሞ ሕጂ ኣዚዩ ክሻቐል እዩ፣ ምስ ሓረስኩ ምነገርክዎ ነይረ። ሃይለ፦ እዚ ደኣ ንቡር እንዲዩ(ኖርማል)፣ ኣጆኺ ሎሚ ኣቦ ይኸዉን ከም ዘሎ ከኣ እባ ክፈልጥ።

ዕስራን- ክልተን ክፋል ኣብ ዝመጽአ ሰሙን

ዲ.ዘርአ ገብረእግዝአብሔር

Comments are closed.