መረን-ዓስርተ ሠለስተ ክፋል

//.... ፍቁራት ኣሕዋትና ከም ፍቃድ እግዚአብሔር ኣምላኽ እዛ መረን ትብል ሓቀኛ መንፈሳዊ ታሪኽ ካብ ብጽሑፍ ጥራይ ብ ደምጺ ኣሰኒናና ክንዝርጋሕ ጀሚርና ኣለና ። እተን ዝሓልፋ ክፍላት ብዝተኻእለ መጠን ናብ ድምጺ ከነመሓላልፈን ክፍትን ኢና ። ኣብ ጸሎትኩም ዘክሩና ...//

ቕጭ መጺኡኒ፣ ኣንታ በጃካ ግደፈና፣ ኣምላኽ ትብል ኣምላኽ እንተ ዚህሉ፣ እዚ ኩሉ ምወረደና፣ ኢሳ. 49፣14 ከድሕነና ትብል ኣምላኽ እንተዝህሉ፣ እዚ ኩሉ ምወረደና፣ ከድሕነና እዩ ክትብል ጸኒሕካ ዘየድሕነና ደኣ፣ ጀምዓ ንዘይከዉን ነገር፣ ተስፋ ኣይትግበሩ በልክዎም፣ ብሓዉሲ ሕርቕርቖት፣ ንሕና ካብ ተፈጥሮ ብዘገምታዊ ለዉጢ ካብ ደቀቕቲ ነገራት ጀሚርና ናብዚ ዘለናዮ፣ ደረጃ ዚበጻሕና ኢና፣ ኣብ ቤት ትምህርቲ’ኸ ኣይተመሃርክሙን ዲኹም… ኩሎም ዳርጋ ኣፍጢጦም ስለ ዚጠመቱኒ… ብፍላይ ራእሱን ሰላምን ቤተልሔምን ግና ገጾም ኣማዕተቡ። ራእሱ ጎሮርኡ ከመጣጥን ዕሕሕ… ድሕሪ ምባል ደሓን ናብቲ ፈጣሪ ዚበሃል የለን ዚብል ኣተሓሳስባ ቅድሚ ምእታወይ ነቲ ኣምላኽ እንተ ዚህሉ እዚ ኲሉ ምወረደና ዚበልክዮ ክምልሰልኪ።

መጀመርያ ንስኺ፣ ብገዛእ ፍቓድኪ ኢኺ ናብዚ ዚመጻእኪ፣ ኣምላኽ ንዒ ኺዲ ኣይበለክን፣ ፈቲኺ ረዲኺ ዚወረደ ይዉረድ ኢልኪ ኢኺ ነዚ ጒዕዞ ዝመረጽክዮ። ኣምላኽ ንደቂ ሰባት ነጻ ፍጥረት ጌሩ እዩ ፈጢሩና፣ ክፉእን ጽቡቕን ንፈልጥ፣ ናጽነትን ባርነትን ነለሊ፣ ሓቂን ሓሶትን ነስተዉዕል። ካብዚ ብምብጋስ ከኣ ንሕና ደስ ዚበለና ባዕልና ንመርጽ። ኣምላኽ ኪዱ ኣይትኺዱ… ወዘተ እናበለ ዝእዝዘና ነይሩ እነተ ዚኸዉን፣ ነጻ ኣይገድፈናን ኢልና መማረርና ኔርና፣ ሕጂ እምበኣር እግዚኣብሔር እቲ ቅኑዕ ዳኛ፣ እቲ ፍትሒ ስለ ዚኾነ ንነፍሲ ወከፍ ዚሕሾ ክመርጽ ገደፎ። እዚ ብምግባሩ ከኣ ፍትሓዉነቱ ይገልጽ። ሓደ ግዜ ንእስራኤላዉያን፣ ካብ ምድረ ግብጺ ምስ ኣዉጽኦም ኣብ በረኻታት ቅዴስ “ኣነ ሎሚ ኣብ ቅድሜኻ’የ ሞትን ህይወትን ኣንብረልኩም ኣሎኹ፣ ብህይወት መታን ክትነብሩ ህይወት ሕረዩ” በሎም (ዘዳ30፣15-19) እሞ ሕጂ እዞም ሰባት ህይወት ሓዲጎም ሞት እንተመረጹ፣ ኣምላኽ እዩ እዚ ዝገበረና፣ ወይስ ኣምላኽ እንት ዚህሉስ ከምዚ ኣይምኰነን ክብሉስ ከመይ ኢሉ የምሕረሎም።

ሓደ ሰብ ከኣ ካብ ሓደ ዓዲ ናብ ሓደ ዓዲ፣ ክኸይድ እነተደልዮ’ሞ፣ እግዚኣብሔር ከኣ ኣብ ሰባት ሓዲሩ ወይስ ብዝተፈላለየ መገዲ፣ እታ መገዲ ሸፋቱ ከም ዘለዋ፣ ኣንበሳ ከም ዘልዋ፣ ዉሕጅ ከም ዚሓልፍ፣ ነቲ ሰብ ኣፍሊጥዎ እናሃለወ፣ እቲ ሰብ ናይ ግድን ክኸይድ ’የ ኢሉ እንተተበገሰ’ሞ፣ ኣብ መገዲ ካብዞም ዝጠቀስናዮም ዚዀነ እንተገጠሞ ኣምላኽ እንተዝህሉ እዚ ኣይምገጠመንን እንተበለ’ኸ የምሕረሉ’ዶ? ካብ ዘይበለ’ኸ ከመይ ኢሉ ደኣ ኣምላኽ እንተ ዝህሉ ክብል የመልክዓሉ። ነቲ “ከድሕነና እዩ ክትብል ጸኒሕካ፣ ዘየድሕነና ደኣ ዚበልክዮ” ክምለስ ኣየድሓነናን’ድዩ? እዘን ቅሩብ ገንዘብ ዝተወስዳልኪ’ዶ የቀንዝዋኺ ኣለዋ፣ ህይወትኪ ከይትዉሰድ እግዚኣብሔር እዩ ኣድሒኑኪ፣ 28 እግዚኣብሔር ምሳና እንተዘይነብር ኩሉ ገንዘብና ምተወሰደ፣ ምሳና እንተዘይነብር ኩላትና ኣገልገልቶም ክንከዉን መተወሰድና “ብሓቂ’የ ዝብለኪ እንተዝወስዱና’ውን ንሱ ምሳና እዩ።

ንሕና ግና ምስኡ ክንከዉን ኣይደለናን፣ ኣምላኽ መዓስ ተፈልዩና ንሕና ደኣ ነታ ቀዳመይቲ እምነትና፣ ነታ ብቁልዕነትና ኣብኡ ዚነበረትና ፍቕሪ፣ ብሰንኪ ሓጢኣት እናደፈንና፣ ረሓቕና፣ ንሕና ባዕላትና ካብኡ እናረሓቕና’ኸ ከመይ ኢልና ኣምላኽ ሪሒቑና ንብል፣ ሓደ መስተ ሰትዩ ልቡ ዚትኮስ፣ ሰብከ ከመይ ኢሉ እግዚኣብሔር እንተ ዚህሉ ኣይምሓመምኩን ይብል፣ ሓደ ብሽጋራ ንሳንቡኡ ዘጸለመ’ሞ ንሞት ዚተቃረበ’ኸ ኣምላኽ ምሳይ እንተ ዚህሉ’ኸ ከምዚ ኣይምኾንኩን ክብል ከመይ ኢሉ ይኽእል። ስለዚ፣ ኣምላኽ ኩሉ ጽቡቕ እዩ ዚገበረ፣ ሰብ ግና ባዕሉ ሕማቕ መሪጹ፣ ዓስቢ ምርጭኡ ክቕበል ከኣ ግቡእ እዩ። እምበኣርከ ዓስቢ ስጒምትና ምስ ንቕበል፣ ኣምላኽ ሠናይ’ዩ ሰናይ እዩ ከኣ ይገብር፣ ሕጂ’ውን ምሳና እዩ። ግና ነቲ ባዕልና ዝመረጽናዮ መረን ዝኾነ ህይወትና፣ ንቀበሎ፣ ግናኸ ምስ ኣምላኽ ኣይነተሓሕዞ።

ከም ሳልሳይ ውን፣ ምሳኺ ክምጉተሉ ደልየ ዘለኹ፣ ብተደጋጋሚ ግዜ “ንሕና ዉጽኢት ዘገምታዊ ለዉጢ ናይ ባእታት ኢና፣” ኣብ ዝብል ስነ ሓሳብኪ እዩ፣ ሰብ ካበይ መጺኡ “ካብ ወዓግ ዝመስል እንስሳ፣ ወይሲ ተፈጢሩ እዩ?” ብናትኪ ማለት በቲ ዚረዓምኪዮ ፍልስፍና እንተደኣ ኮይኑ፣ ህይወት ዚመጻ ካብ ዘይህይወታውያን ነገራት፣ ከሚካላዊ ምስራጽ (Spontaneous Generation) ወይ ከኣ ኬሚካላዊ ምትሕንፋጽ (Chemical Reaction) እዩ። መጀመርያ እዝ ብ Evolutionalists ህይወታዉያን ብዘገምታ ካብ ዘይህይወታዉያን ዚመጹ በሃልቲ ኣተሓሳስባ ኣብዚ ሕጂ እዋን ንሳቶም እኳ ዘይዓግቡሉ ደረጃ እዮም በጺሖም ዘለዉ፦ ከም ኣተሓሳስብኦምን ኣተሓባስባኺን፣ ብኬሚካላዊ ምትሕንፋጽ ወይ ምትሕዉዋስ፣ ሃንደበት እቲ ዚነኣሰ ህይወት ዚህብ ኣብ ሰል(cell) ስለ ዘሎ ባእታ DNA ወይ RNA ተፈጢሩ በሃልቲ እዮም። ኣብዚ’ኣ ንስኺ ክትምልስለይ ዚደልያ ሕቶ ኣላትኒ፦

1 ይ እቶም ኬሚካላት ካባይ መጺኦም ከም በዓል ኦክስጅን፣ ኒትሮጂን… ወዘተ. 2 ይ መን’ከ ከም ዝተሓዋወሱ ወይ ከም ዝደባለቁ ገበሮም? 3 ይ ክተሓዋወሱ ከለዉ ምቹእ ኩነታት ኣየር ክህሉ ኣለዎ ህይወት ክህሉ እንተ ደኣ ኮይኑ፣ ነቲ ምቹእ ኩነታት ኣየር’ከ መን ኣዳለዎ?... መልስለይ ወይ ደሓን ከም ኣቦኹም ዳርዊን ዚበሎ እንተ ደኣ ኮይኑ ብኣጋጣሚታት ሃንደበት ማለት’ዩ (Random Chance) ኢኺ ክትብሊ። ሕራይ እቶም ባእታ’ኸ ካበይ መጹ? ሕጂ መልሲ ይብልክን! ትፈልጢ’ዶ ክኢላታት ሥነ ህይወት ከም ዚብልዎ፣ እቲ ሓደ ሰል ወይ ካብኡ ዚነቅል ህይወታዊ ነገር፣ መግቢ ከም ዝምእርር፣ ከም ዘሕቅቕ፣ ዘየድሊ ከኣ ንግዳም ከም ዚተፍኡ፣ ከም ዚንቃሳቀስ፣ ከም ዚፈሪ፣ እዚ ኩሉ ከኣ ምዕቡል ጭዋዳ፣ ምዕቡል ኣካል፣ ልቢ፣ ርእሲ ዘይብሉ ከሎ ከም ዝፍጽሞ! እዚ ንዓና ንደቂ ሰባት ዘለና፣ ነገራት ኩሉ ከም ዚፍጽሞ” እዚ ኩሉ ከኣ ብዕጫ ወይ ብሃንደበት እዩ።

ካብኡ ማለት ኣብቲ ሰል(Cell) ክኸዉን ኪኢሉ ዲኺ ክትብሊ፦ እስከ፣ ብዛዕባ ሰባት ዚመሃዝዎ ነገራት ግናኸ ቀዳም ብእንስሳታት ዚትግበር ዚነበረ ንርአ፣ ንኣብነት ልቺ፦ ሰብ ልቺ ምሂዙ ተባሂሉ ቅድሚ ምዉራዩ፣ እንስሳታት ከም በዓል ሓዊ ለይቶ ግና ቀዲመንኦ ኣየን፦ እዚስ ብዕድል ድዩ ኮይኑ፣ ሰብ ድሕሪ ነዊሕ ጻዕሪ-ምዝሓሊ ኣየር (Air Conditioner) ምሃዘ፦ ግናኸ ኣሽሓት ዓመታት ቅድሚኡ፣ ፍልሖ ብኸመይ ጌሮም ሰፈሮም ልክዕ ብኸምዚ ሰብ ዘካይዶ መስርሕ ይዝሕሉ ኔሮምን ኣለዉን፣ ካብ ዚገርም ከኣ ፍልሖ ብሓባር እናሰርሑ እዮም ነዚ ስራሕ ክፍጸም ዚገብሩ::

ሰብ እምበር ተማሃሪ እምበር መሃሪ ኣይኮነን፣ ካልኦት እንስሳታት ዚቀደምዎ እዩ፣ ዚቀድሕ ዘሎ፦ እዚ’ኸ ብዕድል ኮነ፣ ዲና ክንብል፦ ሰብ ኤለክትሪካዊ ጸዓት ቅድሚ ምምሃቡ፦ ሓደ ኤልስ (Eels) ዚተባህለ ዓይነት ዓሳ ካብ ቀደም ይጥቀመሉ ኔሩን ኣሎን፦ እዚ’ኸ ብሃንደበት’ዶ ንበሎ፦ ስለዚ ሳይንስ ባዕሉ ብዘይመጽኦ ስነ ሓሳብ፣ ባዕሉ መዉጽኢ ስኢንሉ ኣብ ዘሎ ግዜ፣ ብዘይጠቕም፣ ነጋራዉነት (Apostacy) ዚብል እምነት ኣይትተለሊ፦ ዳርዊን ንባዕሉ’ኳ ብዛዕባ ሓይሊ ኣእምሮ ፍጡራት ተሓቲቱ ክምልስ ከሎ “I have nothing to do with the origion of the mental powers” ማለት “ብዛዕባ ሓይሊ (ፍልጠት) ኣእምሮ ዚምልከት ገል ክብል ወይ ክገብር ኣይክእልን እየ” በለ፦ ዳርዊን ብዛዕባ ኣእምሮ ጥራይ ኣይኮነን፣ ብዛዕባ ኩሉ እዩ ዘይፈለጠ፣ ክብል ሓደ ክርስቲያን ሳይንስቲስ ኣብ መጽሓፍ ከም ዝገለጾ፣ ኩሎም እቶም ናብ ነገራኣዊነት ዚኣመኑ ገለኳ ኣይፈለጡን ኣለዉ፦ ኣእምሮና’ኸ ብሃንደበታዊን ዘገምታዉን ለዉጢ ዚመጸ እዩ፣ ዲኺ ክትብሊ፦ ግደፍዶ እዚ እዝዩ ዘገርም ናይ ወዲ ሰብ ኣእምሮ::

ዓሰርተ-ኣርባዕተ ክፋል ኣብ ዝመጽእ ሰሙን

ዲ.ዘርአ ገብረእግዚአብሔር

Comments are closed.