መረን-ዓስርተ ሓደ ክፋል

ንቤተ-ክርስቲያን ከም ዘይንፈልጣ ረሓቕናዮ፡ ተኸዲንካን ተመሽጥካን ኣብ ዳንኬራን ጓይላን ምምልላስ ኮይኑ ህይወትና። ሰብ ነቲ ኣብ እዋን ጸበባኡ ዝወዓለሉ ኣምላኽ እንተ ዝዝክር ክንደይ ዕድለኛ ምኾነ። ዘይርስዕ ኣምላኽ እናረሳዕናዮ ዘገርምዩ! ኣዜብ፦ ሓቕኻ… ኢኻ… ከም ዚበልኩኻ ኣብ “ዒን…” ሎሚ’ዶ ጽባሕ እናበልና ን 4(ኣርባዕተ) መዓልቲ ተቀመጥና። ለዉጢ ኣይነበረን፣ እተን ክመጹዮም ተባሂለናና ዚነበራ መዓልታት ቀሃማ፣ ሕይወት ኣማራጺ ብዘይብሉ፣ ክንቅበሎ ጀመርና። ነቶም ካባና ርሕቕ ኢሎም ካብ መኪንኦም ፍጹም ዘይርሕቑ ሓለዉትና ዚመስሉ፣ ሊብያዉያን ደላሎ፣ እንተ ተወከስና ተጸበዩ ጥራይ ዝብል ነበረ።ፈዚጺሞም ኣይቀርቡናን እዮም። ርሕቀቶም ሓሊዮም እዮም ኣብ ዙርያና ዝኾሉ። ዝዀነ ክቀርቦም ኣይደልዩን። ድቃስ ምድረበዳ ኣብ ሓሙሻይ መዓልቲ ድሮ ብንግሁኡ እየ ተበራቢረ። ዳርጋ ኲሎም ከም ደቂ ኳትራ፣ በበይኖም ፋሕ ኢሎም ኣብ መደቀሲና የዕልሉ ነበሩ። ዘይከም ዝቀነየ፣ ጠሊ ዚሓዘለ ንፋስ፣ ከንበድብድ ኣርፊዱ ብኩነታቱ ዝተሓጐሱ በዓል ወዲ ባጽዕ፣ ራእሱ፣ ወዲ ሱዳን… ወዘተ ኣብ ሓደ ዲቕ ዚበለ ዕላልን ጸወታን ጢሒሎም ነበሩ።

ካብ ፍርቂ ጒዕዞና ጀሚሩ ብኩሉ ሰብ ዚተጸልአን፣ ዚቐርቦ ዚሰኣነን፣ ተፈሪ ዚስሙ፣ መንእሰይ ግና፣ በይኑ ርሕቕ ኢሉ ንምብራቕ እናጠመተ፣ መሬት ይፍሕትር ነበረ። ትፈልጥ’ዶ ገለ ሰባት ደም የብሎምን ክብሉ ሰሚዕካ’ዶ ትፈልጥ። ኣብ ጒዕዞና ካብ ካርቱም ካብ ንብገስ ጀሚሩ ኣብ መበል 6(ሻዱሻይ) መዓልቲ ሙቐት ጥርዚ በጺሑ ኲልና በርቲዑና ነይሩ። ኣብ ከምዚ ኲነታት በዓል መኪና’ውን መኪና ብረስኒ መቶረ ከይቃጸል ስለ ዚፈርሀ ከባቢ ሰዓት 2፣00 ኣቢሉ፣ ድዉ ክንብል፣ ኣዚዙና። እዚ ኣጋጣሚ ተጠቂምና፣ ቀቑሩብ ማይ ናብ፣ ኣራእስና ኣፍሲስና። ካብ ዘለና ጠዓሞት በሊዕና፣ ንጒዕዞ ነናብ መኪናና፣ ኣብ ዚደየብልናሉ እዋን፣ “ሓሰን… ንትርሓስ ምስ ቆልዓኣ” ካብ ጋቢና፣ ኣውሪዲ ኣብ ላዕሊ ምስኦም ደይቢ፣በላሞ ንተፈሪ… ንስኻ ኣታ ሓሚምካ ዘለኻ ናዓ፣ ኣብዚ በሎ። ተፈሪ እዚ ስለ ዚፈለጠ ግዲ ኮይኑ፣ ኣይደየበን ጸኒሑ፣ ትርሓስ እናበኸየት ግዜ ከይወሰደት ወረደት።

ግናኸ እዚ ቆልዓ’ሞ ረኣዮ በለቶ ኣብ ሱዳን ዝዓበየት ተቐማጢት ሱዳን ብምንባራ፣ ብዓረብ ጌራ ተረድኦን ትልምኖን ነበረት። ወይ’ከ ዚሰምዕ እዝኒ ኣይነበሮን፣ ያላ ንስኻ ደይቢ በላ’ሞ ተፈሪ’ውን ክትት ኢሉ ኣተወ። ኲሉ ሰብ ኣንከረ (ኣስደመሞ)፣ ቀው ኢልና ኲልና ክንርኢ ድሕሪ ምጽናሕ፣ እቲ ብትዕግስቱ ፍሉጥ ዝኾነ ኣብርሃም ግና፣ ነጢሩ ድሕሪ ምዉራድ በተን ዉሑዳት ዓረቡ፣ “ማተንዝል… ማተንዝል… ሂያ ትኩን ሂና…” ብለ በእዳዉ እናመልከተ። ንሳ ኣብኣ እያ ትኸዉን፣ ስለምንታይ ተዉርዳ በለ። እቶም ፈዚዝና ዚጸናሕና በወዳት ተመሪሕና፣ ናብ ጋቢና ተኣከብና፣ ቆልዓ ነዲኡ ክንሃርም ዝወረድና ግዲ መሲልዎ፣ ጫጭ ኢሉ በኸየ። ንሕና’ዉን ብወገንና ንኣዉቲስታ ብዂሉ መኣዝን ናይታ መኪና፣ ኣፍና ዚሃበና ተዛረብና። ወዲ ከረን፣ ወዲ ባጽዕ ምስ ኣዉቲስታ ምፍጣጥ ተተሓሓዝዎ። ካልኦት በዓል ኣብርሃም፣ ተስፋይ፣ ከምኡ’ውን ሶማላዉያን ይኹኑ፣ ሱዳናዉያን፣ ነቲ ኣብ ቦትኣ ዝደየበ፣ ጋቢና ከፊቶም ወጢጦም ኣዉረድዎ። ነዚ ዚረኣየ ተፈሪ ቀልጢፉ ሕራይ እናበለ ናብ ድሕሪት ግልል በለ።

ኣዉቲስታ ብወገኑ ዘይተጸበዮ ዛዕባ ስለ ዘጨነቆ፣ ሓንሳብ ሓቂ ክነግረኩም፣ ኣነ መኽሰበይ እዩ ዘገድሰኒ።ድሓር ከኣ ንሱ ንሓብቱ ዘይደንገጸላ፣ ኣነ ከመይ ኢለ ክድንግጸላ። ዓንተቦይ፣ ንዓኣ ምስ ቆልዓኣ ኣዉሪድካ ንዓይ ኣብ ቦትኣ እንተኣእቲኻኒ፣ 100 ዶላር ክህበካ ኢሉኒ። ኣነ ኸኣ ሕራይ ኢለዮ፣ በሎም። ዘረብኡ ክዉድእን ኩሎም ናብ ሓቁ’ዩ ንሱ ደኣ በዓል ገንዘብ እናበሉ፣ ናብ ተፈሪ ግልብጥ ብምባል፣ ክዉሕጥዎ ደለዩ፣ ስሒቦም ካብ ላዕሊ ኣዉረድዎ፣ “ተፈሪ መዓለሽ… መዓለሽ” እንተዘይኮይኑ ካልእ ኣየዋጽአን። ሓደ ክልተ ዝኾኑ ጸፍዕዎ፣ ራእሱን፣ ኣደም ዚበሃል ሱዳናዊን፣ እንተ ዘይኣህድእዎም፣ ምሃሰይዎ ኔሮም። ኣብርሃም ብክቱር ጓሂ ኣስናኑ ኣናሓርቀመ ዉጥጥ ኣቢሉ፣ ናብቲ ቆልዓ ኣቕሪቡ፣ ነዚ ኣዉሪድካ ንስኻ ክትድይብ።ንብዓት ቀደሞ፣ ምሳና ክድይብ የብሉን በሉ ገሊኦም። ግብሩ ዘሕፈሮ ተፈሪ ወላ መማጽእቱ መተዓልልቱን ዚነበረ’ውን ከይተረፈ ፎእ በሎ።

በዚ ኾነ በቲ፣ ንድሕሪት ናብ ቦትኡ ተቀመጠ፣ ጒዕዞና ጀመርና፣ ይኹን እምበር ኩሉ ሰብ ስለ ዝፈንፈኖ፣ ከም ኣብ ማይ ዝኣተወት ኣንጭዋ… ርእሰ ተኣማንነት ኣጥፍአ። ተነጽሎ ገጠሞ፣ ዝቀርቦ ሰብ ሰኣነ። ተፈልጥ ገለ ሰባት ብዋጋ ካልእ ሰብ፣ ንዕኦም ዝጥዕሞም ከም ዚገብሩ፣ ገለ መንፈስ ቅዱስ እኳ’ዩ ዘይብሎም። ክገርመካ ግን “ጉድጓድ ንኾዓቲኣ እያ።” ነቲ ተንኮለኛ ኣምላኽ የቃልዖ እዩ። ነቲ ገርሂ ከኣ ኣምላኽ የድሕኖ እዩ። ካባ ጸልማት ተኸዲኖም፣ ንሓዎም፣ ዘጨንቑ ብዙሓት እዮም፣ ግናኸ “ዘይቅላዕ ክዱን፣” የለን። ግዜ ደኣ ይወስድ እምበር ንተንኮለኛ ሕፍረት’ያ ድራሩ፣ ንዓመጸኛ’ኸኣ ሲኦል’ያ ሰፈሩ” ። ተፈሪ ተጣዕሰ፣ ኣንታይ’ሞ ድሕሪ ማይ ኣብ በዓቲ እንዶሞ ኮነ። ካብ ኲልና እዛ ጒዕዞ ንተፈሪ መርራቶ፣ ምስ ሰብ እናነበርካ ኩሉ ሰብ ክጸልኣካ ከቢድ እዩ። ስለዚ’ጽስዝዮም ኣበዉ “ክሳዕ ሰብ ዝጸልኣካ ዕድመ ኣይሃብካ” ዚበሉ። ጌጋኻ ንድሕሪት ኬድካ ዝምለስ እንተዝኸዉን፣ ተፈሪ ቀዳማይ ምኾነ 24 ነይሩ፣ ግናኸ ዘይከዉን እንደ’ሞ ኰይኑ፣ ኣብ ከምዚ ዚዓይነቱ ኲነታት፣ ዘዛናግዓካ ኣዚዩ እዩ ዘድሊ፣ ግናኸ፣ ንተፈርስ ኲለን ኣዕይንቲ ብጐኒ ክጥምጥኦ ጥራይ ፈተዋ።

መሬት ክረፍድ ምስ ጀመረ፣ ነፍሲ ወከፍና ብጥንቃቐ ካብ ዘለዉኦ ወይ ብጉጅለ ወይ ብሓደ ቆረስና፦ ማይ ናይቲ ዒላ ጨዋም ጣዕሚ ብምዉናኑ፣ ነተን ዝለዋና ማይ ብዚተኻእለና፣ ንነዊሕ መታን ከሰጉማና፣ ንቑጡብ ነበርና። እተን መካይን ዚሕዝኦ ማይ እሞ እንተሰቲኻዮ ላምባ ኢኻ ተጉስዕ ትዉዕል ስለዚ ካብኡስ ናይታ ዒላ እዩ ዚምረጽ። ክሳዕ ሙቐት ጥርዚ ዚበጽሕ በብወገንና ኣንሶላና ቀንጢጥና ዕንጨይቲ ብደገፍ ቦርሳታትና ገቲርና ተቀመጥና፣ ገለ ክድቅስ ዝፍትን ገለ ከኣ ዕላል መሓዙት የዕልሉ ነበሩ። ከባቢ 11፣30 ረፋድ ምስ ኮነ፣ እተን ክልተ ብስም ሓለዋ ናይ ድላላ ዚዀና መካይን፣ ዳርጋ ከም ልሙድ ዚመስል፣ ሞተረአን፣ ከድምጻ ጀመራ ካብ ንመጽእ ጀሚረን ኣብ ሓድ ቦታ ደዉ ኢለን ንመዓልቲ ኣሕሊፈንኦ ኣይፈልጣን ናብ ኣርባዕተ መኣዝን እናተዘዋወራ እየን ዘሕልፍኦ፣ ማለት ሓንሳብ ንምብራቕ፣ ሓንሳብ ብምዕራብ፣ ሓንሳብ ብደቡብ ሓንሳብ ብሰሜን ኮይነን እየን ዚምልከታና።

ንሳቶም ከይቀርቡናን ንሕና’ዉን ኣንቀርቦምን። ግና’ኸ ከምዚ ዝርብሕወን ዚመስለን ስለ ገለ ዚብላዕን ደሕራይ እንተ ጠቐሙናን ብዚብል ኣተሓሳስባ ዝተታለላ፣ ክልተ ክብረተን ክሸጣ ካብ ዚጅምራ፣ ሳልስቲ ኣቑጺረን ነበራ። ንሰን ደኣ ኣይዓጠንን እዩ’ምበር ኩሉ ሰብ ዳርጋ ብግህዶ ዚተጻረፈን’ውን ኣይተሳእኑን። ትፈልጥ ገለ ደቂ ኣንስትዮ፣ ንዘይጠቅም ረብሕአን ዘይተፈልጠ ጥቕሚ ክብላ፣ ክብረተን ይሸጣ፣ ንገዛእ ርእሰን የሕስራ። ከም ሳዕቤኑ ከኣ ኣደዳ ሕማም ይኰና፣ “ሰብሲ ክቡር ክንሱ ክብሩ ኣይፈልጣን፣ ከምቲ ልቢ ዘይብሉ እንስሳ ከኣ ኮነ” ክብል ራእሱ፣ ንዕአን ኣመልኪቱ፣ ጠቒሱልና ነይሩ። ሞቶረ ክሓንን ጀመረ መራሕቲ መካይን ምስ መሳንይቶም፣ብቅልጡፍ ኣብ መሬት ዚነበረ ንብረቶም ጠርነፉ፣ ክልተ ካብቶም ተመልከቲ ናቶም ኣብ ልዕሊ መካይን ብምዃን ይምልከቱ ነበረ። ገለ መልእኽቲ ስለ ዚነገርዎም ግዲ ኮይኖም፣ ኣኣብ መኪንኦም ኮይኖም ኣማዕዲዮም ከርእዩ ጀመሩ። ክሻፋ ካበይ ከም ዘዉጽእዋ እንዲዒ ብኣኣ ጌሮም ክምልከቱ፣ ተዓዘብና፣ ኲልና በዚ ነገር ሰል ዝሰጋእና፣ ኣተኲርና ናብቲ ዚርእይዎ ዚነበሩ ጠመትና ዝርአ ነገርጋን  ኣይነበረን።

ካብ በዓል ኣብርሃም እናጐየዪ፣ ኩነታት ክሓቱ ናብኦም ክኸዱ ከለዉ ቀዲሞም መካይኖም ብምትንሳእ ብብርቱዕ ፍጥነት፣ ናብ መሬት ሱዳን ተመርቀፉ። ሰለሙን ነዚ ነገር ቀልጢፉ ከስተዉዕለሉ ጀመረ፣ ወይ ምክትታል ዶባት ወይ ሸፋቱ ምድረበዳ ጀንጀዊት ይመጹ ኣለዉ በለና። ዘረብኡ ከይወድአ፣ ሰማይ ዚዓርግ ዶሮና እንዳ ኣልዓላ፣ ናብቲ ዘለናዮ ዝዉንጨፉ ሰለስተ መካይን ተገንዘብና። ኩሉ ሰብ ረዓደ፣ ገለ ንህደም ይብል ገለ ንገንዘብኩም ሕብኡ ይብል። ገለ ገንዘቡ ኣብ መሬት ይቀብር፣ እንተ ኣዋልድ እሞ ሓቂ ይሓይሽ ማይ ኴንና ክንሸይን ቁሩብ’ዩ ተሪፉና። ኣይጸንሐን መካይን ደበኽ በላ፣ ሰለስቲአን ወተሃደራዊ ክዳን ምስ ሲቪላዊ ክዳን፣ ዚተሓዋወሰ ዚተኸድኑ፣ ብረት ዚሓዙ ሰባት ሒዘን ነበራ፣ ኩሎም ነነጢሮም ወረዱ። ጒልቡታት፣ ጽሙኣት ገጽ፣ ግናኸ፣ ናይ ጭካኔ መንፈሶም ኣብ ገጾም ብምልኣኽ ገጾም ምስ ኣሰሩ። ዚዀነ ይኹን ፍሽኽታ ዘየርእዩ እዮም።

“ኣዛዚኦም ምስ ካልኣዩ፣ ብገለ ዘይስማዕ ቋንቋ ተዛሪብዎም፣” ሓደ ካብኦም ብዓረብ ጌይሩ፣ ኩሎም ኣክዎም በሎም” ነቶም ቀዚዝና ዚነበርና ከኣ በእዳዎም ምልክት እናገበሩ ኣከቡና። ንእግሪ መንገዶም ኩሉ ቦርሳና’ውን ተኣከበ፣ ንዓን ብሓደ ቦርሳና ከኣ ብሓደ ኣከብዎ፣ ብዝሓኦም ከኣ ስለስተ መካይን ዚነበሩ ከባቢ 34 ይኸዉን ነበሩ። ሓለፍቶም በቲ ምሥጢራዊ ቋንቋኦም ድሕሪ ምዝርራቦም ገሊኦም ገለ ካብቲ ተሪፉ ዝነበረ ማይ-ስሓ (ኣኳ-ፍሬሽ) ጸዓኑ፣ ገለ ካብቲ ዔላ ዝተረፈ በራሚሎም መልኡ፣ ገሊኦም ቦርሳታትና፣ በብሓደ  እናበተኑ፣ ገንዘብ ምስ ዚረኽቡ የወስዱ። ቦርሳታትና ድሕሪ፣ ምዉድኦም፣ ኣዋልድ በይነን ኣወዳ በይኖም ገበሩና። ተፍቲሽ ጀመሩ፣ ኣፈታቲሽኦም ኣዚዮም ሙኩራት፣ ሃደንቲ ምዃኖም ዘፍልጥ ነበረ። ካብ ጫማ ክሳዕ ክዳን ምዉጻእ ከይተረፈ ብዙሕ ዶላራት ረኸቡ። ነተን ኣዋልድ ግና ብኩታትና ምንፍጥፋጥናን ስለ ዝደንገጾም ግዲ ኮይኑ፣ ኣዚዮም ኣየጽዓቑልናን፣ ናይ ገሊአን ጊና ረኺቦም እዮም።

ዓስተ-ክልተ ክፋል ኣብ ዝመጽእ ሰሙን

ዲ.ዘርአ ገብረ

Comments are closed.