መረን-ካልኣይ ክፋል

ካልኣይ-ክፋል

ኣቐዲመ ክላለዮ ከለኹ ካብ ኣስመራ ዝመጸ ይመስለኒ ብምንባሩ ምስቲ ብሱልን ተባሃጊን ኣዘራርብኡ ኣተኲረ ይጥምቶ ነበርኩ። ዕባይ ገጠር ምዃኑ ምስ ፈለጥኩ ግና ሽዑ ንዓይ ብዘይርድኣኒ ኣብ ልዕሊኡ ሚዛን ኣጉደልኩ። ዕላሉ ልዙብን ጥዑምን እኳ ይንበር እምበር ካብ ልባዊ ምስትንዓቑስ ዓዲ ኣይወዓልኩን። ትፈልጥ’ዶ መብዛሕትና ኣዋልድ፣ ንወዲ ከተማን ወዲ ገጠርን ርኡይ ፍልልይ ከም እንገብር። እቶም ናይ ገጠር ዘይተዓጻጸፉ ድሑራት፣ ዘይርድኡ፣ ኮታስ… ጠፊኡካ’ዶ!” እናበልና ንፈላልዮም ኢና… ምርጫና ከኣ ካብዚ’ዩ ዝብገስ፣ ኣከዳድና! ክኢለ ዘረባ… ወዲ ከተማ.. ዉዳሴ ዘብዝሓልና እዚኣቶም ኣብ ልብና ዝነግሱ እዮም።

… ሃይለ… “እዋእ ክርቲም ኢሉ ሰሓቀ ኢሂ በለት እዜብ “ ደሓን ቀጽሊ’ሞ ሕጂ ደኣ ከመይ ኢልኪ በዓል ሓዳርኪ መሪጽኪ ደሓን ቀጽሊ’ሞ” ኣዜብ… “ ጸገም የለን… ክነግረካ እየ … ሽዑ እብለካ መሬት ዓይኒ ክትሕዝ ጀመረት.. “ያላ ሰሪዕ… ዝብል ድምጺ ካብ ሓሰንን ካብቲ ገለ እኳ ሰብ ክቐርቦ ዘይደሊ ዚመስል ካልኣዩ ዑዘዲን ተሰምዐ ነፍሲ ወከፍና ሃየ በሉ እግዚኣብሔር ይሓግዘና ተባሃሂልና ናብ መኪና ኣምራሕና! ኩሎም ናብ መኪና ኣምርሑ… ራእሱ ግና ናብ ምብራቕ ገጹ እናጠመተ “ንኹሉ እትርኢ ኣምላኽ ንኣጋር ኣብ ምድረበዳ ከም ዝረዳእካያ ንዓይን ነዞም ኣሕዋተይን ጠምት እሞ ምሓረና፣ ብሰላም ድማ ኣብጽሓና ኢሉ ብግቡእ ሓጺር ጸሎት ጸለየ። አነ ገሪሙኒ ቀዉ ኢለ ጠመትክዎ ጸሎት ምስ ወድአ ግልጽ በለ እሞ ረኣየኒ.. በይኑ ዘሎ እናመሰሎ እዩ፣ ሓጺር ጸሎት ዘብጽሐ።

እናጐየኹ ናብ መኪና ከድኩ፣ እናሰሓቅኩ ኣንታ ዲያቆን ዲዩ… በልኩዎ ንተስፋይ ኣይ ክጽሊ ጸኒሑ.. ጸሎት ደኣ’ሞ ጽቡቕ እንድዩ.. ኩላትና’ውን ክንጽሊ ይግብኣና። ወዲ ጅምዕ’ውን ኣዜብ ኣምላኽ ኣብ ኩሉ ኣሎ በለ ፣ ሰላም ከኣ ኣኺሉኪ በታ ሓደ ግዜ ዘንበብክያ ናይ ከንቱነት ፍልስፍና ተታሊልክስ ክሳዕ መዓስ እኺ ብእምነትኪ ሓንካስ ኮንኪ ክትነብሪ፣ ስቕ በልኩ። ኣብ ካርቱም ክብገስ ከለኹ’ውን ጐቦ ልበይ እየ ናብ ቤትክርስትያን ቅዱስ ሚክኤልን ኣቡነ ኣረጋዉን ዝከይደ ዝነበርኩ ብርግጽ ንእሽቶ ከለኩስ ቤተክርስትያን ከማይ ዝፈቱ ኣይነበረን። ቤተክርስትያን “ኪዳነ ምሕረት” ማይ ተመናይ ኣብ ጥቓና ብምንባራ ይከይድ ነይረ እየ ፍርሃት ኣምላክ’ውን ኣብ ዉሽጠይ ይስመዓኒ እዩ። “ግናኸ እናጐበዝኩ ብዝመጻእኩ ዓርከ መሓዛ ምስ ዝተፈላለያ መንእሰያት ተላልየ፣ ነበርኩ። ብኡ መጠን ከኣ ናይ ትምህርቲ ደረጃይ ካብ ማእከላይ ደረጃ ናብ ካልኣይ ደረጃ ኣብ ዚተሰጋርኩሉ ምስ ሄለን ተላለኹ።

ሄለን ከደረይቲ፣ ነዊሕ ጸጉራ ቅርጻ ሻምብቆ ደርግ ስና ጽቡቕ ስሓቕ ዚድራራ ብምንባራ ኣብ ርእሲኡ’ውን ኣወዳድቓ ቃላታን ክእለት ተዓጻጻፍነታን ምስ ብዙሓት ሕዉስቲ ብምንባራን ኣነ’ውን ካብተን ብናታ መርበብ ዝተታሓዛ ደቂ ክላስ ክኸዉን ግዜ ኣይወሰደለይን። ሕንከት እናረሓቐለይ መጸ… ወኻዕካዕ ጀመርኩ ዘለንን ዘይብለይን ካብ መን ሓሚቐ ዝዓይነቱ ኣብ ዓስራይ ክፍሊ ብምንባረይ ድሮ ናይ ንእስነት ዕድመ ምስ ሓይሉ እዩ ዚስመዓኒ ዝነበረ።ኵሉ ግዜ ዕላል ጉጅለና መብዛሕትኡ እዋናት ብግዝያዊ ፊልምታትን ፍልስፍናዉያን መጻሓፍትን እዩ ዝነበረ። ይዝከረኒ እታ ናይ መጀመርታ ኣእምሮይ ዝለወጠት ሓሳብ “… ሃይማኖት ሰብ ዝፈጠሮ እዩ። ነቸር ማለት ተፈጥሮ ባዕሉ፣ ብዘገምታዊ ለዉጢ፣ ዝመጸ እዩ። ስለዚ እግዚኣብሔር ዚብሉ ሰባት ገና ኣብ ድሕረት እዮም ዘለዉ ዚብል ዝመጸ ሓሳብ እዩ።” ካብታ እዋን ብዛዕባ ኣምላኽ ከመይ ዘይህሉ ገለ ሓይሊ ኔሩ ካብ በልኩም እቲ ሓይሊ’ቲ ካበይ መጺኡ ዝበልክዎም ዝምልስ ኣይነበረን፣ እንተኾነ ምስኦም እናተጓዓዝኩ ኣብ ዝመጻእኩሉ ብኡ መልክዕ ኣብ ሓሳባቶም እናረዓምኩ መጻእኩ። ፍልስፍናዉያንን ( evolutionist theory ) ሓዘል መጻሕፍቲ ብብዝሒ የንብቡ ብምንባሮም ኣነ’ውን ተሳታፊት ምኣዶም ኮንኩ በብቑሩብ ኣእምሮኦም መኣዝኑ ለወጠ ልበይ ካብ ፍርሃት ኣምላኽ ክርሕቕ ጀመረ።

ይዝከረኒ እተን ናይ መወዳእታ መዓልታት ኣብ ካርቱም ዚነበርኩለን ሰሙን ክልተ ግዜ ዝኸዉን ናብ ቤተ ክርስቲያን ወሲዳትኒ ኔይራ ኣቐዲመ ከም ዝነገርኩኻ እቲ ዲያቆን ዚምህር ዝነበረ ትምህርቲ ክጅምር ከሎ “ኤልሮኢይ” “እግዚኣብሔር ይርኢ እዩ።” ይብል ነይሩ፣ ጽንሕ ኢሉ ከኣ “ እቲ ዓሻስ ብልቡ ኣምላኽ የለን ይብል።” በለ እሞ ኣብ ልበይ ገለ ነገር ወግኣኒ። ንዓይ ከም ዚዛረበኒ ዘሎ ኮይኑ ተሰምዓኒ ሓቂ’የ ዝብለካ ናይ ቀደም ሕይወተይ እና ዘከርኩ እየ ወጺአ። ካብቲ ቤተ-ክርስትያን ቅድሚ ምርሓቀይ  ግና እምነት ወላ ደኣ የጉድል እምበር ጸሎተይ ኣብዚሐ እየ። እናጸለኩ ከለኹ ሓደ መንእሰይ ኣብ ጎድነይ ጽግዕ ኢሉ ኣፍ ልቡ እና ሃረመ “ስምዓኒ’ሞ መሓረኒ…” እናበለ ዘስቆቑ ዝነበረ መንእሰይን ራእሱን ሓደ ኮይኖም ተሰምዑኒ። ራእሱ ድሕሪ ኩሉ እዩ ናብ መኪና ደይቡ ሰሚዓትኒ ዝዓይነቱ ሓዉሲ ሕፍረት ዘንጸላለዎ ጐቦ ዓይኑ ገይሩ ጠመተኒ።

ናብ መኪና ደየበ’ሞ ኣማዕተበ ሰላም’ውን ብሰላሕታ ትሕት ዝበለ ድምጺ ኦ ቅድስት ድንግል ዋሕስ ኲንና እናበለት ዝተማረረ ሰብ በይኑ ከም ዝዛረብ ጌራ ምስ ነብሳ ትዛረብ ነበረት። “ሓዉሲ ዋዛ እናገበርኩ ኣምላኽ… ኣምላኽ.. እዋይ ንስኹምሲ ሓቅኹም ትመስሉ ኣብ እዋን ሽግርኩም ሕጂ ኣምላኽ ኣምላኽ … ደሓር ከኣ ኣበይ ኣሎ ኣበይ’ከ ርኢኽምዎ በልክዎ.. ራእሱ ንዘረባይ ክምልስ ግዜ ኣይወሰደሉን.. ንሕናስ እንተሓመቕና እኳ ኣብ ግዜ ሽግርና ንዝክሮን ንርእዮን ኣሎና። ጸልዩ እንዶ ግዳ በለ። ኣበይ ኣሎ ኣበይ ርኢኻዮ… እናበልኩ የማን ጸጋም ግልጽ በልኩ… ልበይ ግን ግደፊ ዝብል መንፈስ’ሲ ዚወቕሰኒ ዘሎ ኮይኑ ይስመዓኒ ነበረ። “ደሓን ክትርእይዮ ኢኺ ሰዓቱ ምስ ኣኸለ። ክብል መለሰ ራእሱ ካልኦት እናሰሓቑ ንሱ ድንብርጽ ከይበሎ። መኪና ካብ ላንድሮቨር ዝዓይነታ ናብ ገልባጢት ሓመድ ዝዓይነታ ሎሪ መሰል ተሰጋገርና ክሳዕ ኣብዚ ድሮ ሰለስተ መካይን ቀይርና ኣሎና… ነዚ ጎልጎል ክትሰትዮ ጀመረት ፍጥነት ዛየደ ኣየር ከፋጺ ጀመረ… መቶረ’ውን ከም ናውቲ ሙዚቃ ንዕኡ ዘሰኒ ዘሎ ክመስል ሕኒን በለ መኪና ከተንፈጥፍጥ ጀመረት። ኩሉ በብቑሩብ ናብ ኣትሪርካ ምሓዝ ኣተኮረ።

ዕላል እናዛሕተለ መጸ ከም ኣብ መዝገብ ዘድብዩ ወተሃደራት ስቕታ ሰፈነ። መኪና ትዉንጨፍ ግናኸ ብሰንክኹምየ ናብዚ ዝመጻእኩ ኢላ ዝሓረቐት ክትመስል ደሮና ክትከድነና ጀመረት፣ ነኣሽቱ ጸጸር ብግድኦም፣ ዝደገፍዋ ክመስሉ ከም እስኩጆ እናተወንጨፈ ናይ መጥቃዕቲ ዕድሎም ይፍጽሙ ነበሩ።ኒንን ዝብል ናይ ፍጥነት ፋጻ እንተዘይኮይኑ ስቅታ ገዝኣና። ቀጥታ ከኣ ኣሮን ተዘከረኒ ኣሕ ብሰንክኻ እኳ እዩ በልኩ በይነይ ምስ ነብሰይ ምስ ተዛረብኩ ኣብ ቅድሚ ኣፍ ልባ ዝተጸጋዕኩ ኣድያም ግና እንታይ ኢልኪ በለትኒ፣ ብኢዳ ኣብ መንኩበይ እናተንከፈት እ…ኢሂ… ወላሓንቲ በልክዋ.. እንድዒ ተዛረብክኒ መሲሉኒ … ኣይ… ኣይተዛረብኩኽን በልክዋ። ብኡ ንብኡ ስቕታ ኮነ።

ኣሮን ሓደ ብስፖርት ዝደልደለ ልዙብ ቁመና ዘለዎ ኮይኑ ጨዉ ዘለዎ እምበር ብዙሕ መልክዕ ዘለዎ ኣይኮነን ግና’ኸ መልሓሱ ንብዙሓት ተርዕም ብምዃና፣ ንክፈትዎ ግዜ ኣይወሰደለይን። ብመንገዲ ሄለን እየ ተላየዮ። ታሽዓይ ክፍሊ ከለኹ ድሮ ጓል 17 ዓመት እየ ኔረ ብሕማም ምኽንያት ኣቀዲመ ንክልተ ዓመት ኣቋሪጸ ነይረ እየ። ኣብ’ቲ ፈለማ ኣብታ ጉጅለ በብቁሩብ ክጽንበር ዝጀመረ ኣሮን- ኣብ መጀመርታ ዳኣ ኣይፍለጦ እምበር ደሓርሲ ንመን ደልዩ ናብታ ጉጅለ ይጽንበር ከም ዝነበረስ ኣይሰሓትክዎን። ክንፋኖ ከለና… ከፋንወኪ እናበለ ክስዕበኒ ጀመረ… ኣነ’ውን ደሓነይ ባዕለይ ክኸይድ እየ ደኣ ይበሎ እንበር ኣብዚኣ ኣብዚ እናበለ ክሳዕ ኣፍደገ ገዛይ ከብጽሓኒ ጀመረ; ንሱ ካብ ትምህርቲ ክንፍደስ ከለና፣ በታ ዘውትር እንሓልፈላ ጐደና ናይ ስፖርት ክዳዉንቲ ወድዩ ይጸንሓና ነበረ። እታ ዘወትር ክሳዕ ኣፍደገ ገዛይ ምሳይ ትበጽሕ ዝነበረት ሄለን መሓዛይ፣ ኣነ ከይፈለጥኩ ንሳ ገለ ዘስተዉዓለት ግዲ ኮይኑ ኩሉ ሳዕ ምኽኒት እናኣምጸአት መገዲ ቀይራ ምስቶም ክልኦት ትኽይድ ነበረት።

ሣልሳይ ክፋል ኣብ ዝመጽእ ሰሙን

ዲ.ዘርአ

Comments are closed.